ዓንቀጽ መጽናዕቲ 49
ንዘለኣለም ክንነብር ንኽእል ኢና
“ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።”—ዮሃ. 17:3።
መዝሙር 147 ተስፋ ህይወት ዘለኣለም
መላለዪa
1. ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምስትንታንና ብኸመይ ይጸልወና፧
የሆዋ ነቶም ዚእዘዝዎ ዘበሉ፡ “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ኣተስፍይዎም ኣሎ። (ሮሜ 6:23) ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዘቕረበልና ኸነስተንትን ከለና፡ ንዕኡ ዘሎና ፍቕሪ ብርግጽ ይሕይል እዩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ኣዝዩ ስለ ዜፍቅረና፡ ካብኡ ፈጺምና ኣይክንፍለን ኢና።
2. ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
2 ኣምላኽ ዘተስፈዎ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ ነዚ ሕጂ ዘሎ ፈተናታት ክንጻወር ይሕግዘና እዩ። ዋላ እኳ ጸላእትና ኸም ዚቐትሉና እንተ ኣፈራርሁና፡ ኣብ እምነትና ኣይንለማለምን ኢና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ንየሆዋ እሙናት ኴንና እንተ ሞይትና፡ ንሱ ኼተንስኣና እዩ፡ ዳግም ናይ ዘይሙማት ኣጋጣሚ እውን ኪኸፍተልና እዩ። (ዮሃ. 5:28, 29፣ 1 ቈረ. 15:55-58፣ እብ. 2:15) እሞ ደኣ ንዘለኣለም ክንነብር ከም እንኽእል ርግጸኛታት እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧ እዚ ዚስዕብ ምኽንያታት እስከ ንርአ።
የሆዋ ንዘለኣለም ይነብር
3. የሆዋ ንዘለኣለም ብህይወት ኬንብረና ኸም ዚኽእል ርግጸኛታት እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧ (መዝሙር 102:12, 24, 27)
3 የሆዋ ምንጪ ህይወት ስለ ዝዀነ፡ ንዘለኣለም እውን ስለ ዚነብር፡ ንዓና ንዘለኣለም ኬንብረና ኸም ዚኽእል ንፈልጥ ኢና። (መዝ. 36:9) የሆዋ ወትሩ ኸም ዝነበረ፡ ብሕጂ እውን ወትሩ ኸም ዚነብር ዚገልጽ ጥቕስታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ። መዝሙር 90:2፡ የሆዋ “ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም” ምዃኑ ትገልጽ። መዝሙር 102 እውን ተመሳሳሊ ሓሳብ ተመሓላልፍ። (መዝሙር 102:12, 24, 27 ኣንብብ።) ነብዪ ኣንባቆም ብዛዕባ ሰማያዊ ኣቦና፡ “ኦ የሆዋ፡ ንስኻስ ካብ ዘለኣለም ደይኰንካን፧ ኦ ኣምላኸይ፡ ቅዱሰይ፡ ንስኻ ኣይትመውትን ኢኻ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።—ኣን. 1:12።
4. የሆዋ ወትሩ ምንባሩ ዚገልጽ ሓሳብ ምርዳእ እንተ ኣብዩና፡ በዝስ ክንጭነቕዶ ኣሎና፧ ግለጽ።
4 የሆዋ “ንዘለኣለመ ኣለም” ምንባሩ ዚገልጽ ሓሳብ ንምርዳኡ የጸግመካዶ፧ (ኢሳ. 40:28) ብዙሓት ሰባት ከምኡ ይስምዖም እዩ። ኤሊሁ ብዛዕባ ኣምላኽ፡ “ቍጽሪ ዓመታቱ . . . ምግንዛቡ ዘይከኣል እዩ” ኢሉ እዩ። (እዮ. 36:26) ሓደ ነገር ክንርድኦ ስለ ዘይከኣልና ጥራይ ግና ሓቂ ኣይኰነን ማለት ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ብርሃን ብኸመይ ከም ዚዓዪ ምሉእ ብምሉእ እንተ ዘይተረዲኡና፡ እዝስ ብርሃን የሎን ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን! ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ወትሩ ዝነበረን ብሕጂ እውን ወትሩ ዚነብርን ዚብል ሓሳብ ንዓና ንሰባት ምሉእ ብምሉእ ኪርድኣና ኣይክእልን ይኸውን። እዚ ግና ኣምላኽ ንዘለኣለም ዚነብር ከም ዘይኰነ ዚሕብር ኣይኰነን። ፈጣሪ በቲ ንዓና ኺርድኣና ዚኽእል ወይ ዘይክእል ነገር ዚድረት ኣይኰነን። (ሮሜ 11:33-36) ንሱ፡ እዚ ግኡዝ ዩኒቨርስ ናብ ህልውና ቕድሚ ምምጻኡ፡ እንተላይ ከም ጸሓይ ዝኣመሰለ ምንጪ ብርሃን ናብ ህልውና ቕድሚ ምምጻኡ ይነብር ነይሩ እዩ። የሆዋ “ብሓይሉ ንምድሪ ዝገበራ” ምዃኑ መረጋገጺ ተዋሂቡና ኣሎ። እወ፡ “ንሰማያት ዝዘርግሐ” ንሱ ስለ ዝዀነ፡ ቅድሚኡ ኣትሒዙ ይነብር ነይሩ እዩ። (ኤር. 51:15፣ ግብ. 17:24) ንሕና ንዘለኣለም ብህይወት ክንነብር ከም እንኽእል ዜረጋግጸልና ኻልእ ምኽንያትከ እንታይ እዩ፧
ንዘለኣለም ክንነብር ኢና ተፈጢርና
5. እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን እንታይ ተስፋ እዩ ነይርዎም፧
5 የሆዋ ብዘይካ ንሰባት፡ ኣብ ምድሪ ንዚነብሩ ኻልኦት ህያዋን ፍጥረታት ድሩት ዕድመ ሂቡ እዩ ፈጢርዎም። ንሰባት ግና ከቶ ናይ ዘይሙማት ተስፋ እዩ ሂብዎም። ይኹን እምበር፡ ንኣዳም፡ “ብዛዕባ እታ ኦም ፍልጠት ጽቡቕን ክፉእን ግና፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፣ ከመይሲ፡ በታ ኻብኣ እትበልዓላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ” ኢሉ ኣጠንቂቕዎ እዩ። (ዘፍ. 2:17) ኣዳምን ሄዋንን ንየሆዋ እንተ ዚእዘዝዎ ነይሮም፡ ኣይምሞቱን። የሆዋ ጸኒሑ ኻብታ “ኦም ህይወት” ኪበልዑ ምፈቐደሎም ነይሩ ኢልና ኽንድምድም ንኽእል ኢና። እዚ ድማ “ንዘለኣለም” ህያዋን ኰይኖም ኪነብሩ መረጋገጺ ኸም እተዋህቦም ዜመልክት ምዀነ ነይሩ።b—ዘፍ. 3:22።
6-7. (ሀ) ደቂ ሰብ ኪሞቱ ኸም ዘይተፈጥሩ ዚሕብር እንታይ ተወሳኺ መርትዖ ኣሎ፧ (ለ) ኣብ መጻኢ እንታይ ክትገብር ኢኻ እትደሊ፧ (ስእልታት ርአ።)
6 ገሊኦም ተመራመርቲ፡ ሓንጐልና ኻብዚ ናይ ሕጂ ዕምርና ንዝነውሐ ግዜ ሓበሬታ ኪኽዝን ዓቕሚ ኸም ዘለዎ ዚሕብር ስነ ፍልጠታዊ መርትዖ ኸም ዘሎ ይገልጹ እዮም። ብ2010 ሳይንቲፊክ ኣመሪካን ማይንድ ኣብ እትብሃል መጽሔት ዝወጸት ሓንቲ ዓንቀጽ፡ ብመሰረት ሓደ ግምት፡ ሓንጐልና 2.5 ሚልዮን ጊጋባይት፡ ማለት ማዕረ ሰለስተ ሚልዮን ሰዓት (ልዕሊ 300 ዓመት) ዚኸውን እተቐድሐ መደብ ቲቪ ኺሕዝ ከም ዚኽእል ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ኣሃዝ እውን እንተ ዀነ፡ ካብቲ ናይ ሓቂ ዓቕሚ ሓንጐልና ኣዝዩ ዝወሓደ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንሓንጐልና ኻብቲ ኣብ 70 ወይ 80 ዓመት ኪኽዝኖ ዚኽእል ኣዝዩ ንዚበዝሕ ሓበሬታ ኺሕዝ ከም ዚኽእል ገይሩ ኸም ዝነደፎ መርትዖ ይዀነና እዩ።—መዝ. 90:10።
7 የሆዋ ኣብ ውሽጥና ብቐጻሊ ናይ ምንባር ድሌት ኣሕዲሩ እዩ ፈጢሩና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ “ንዘለኣለማውነት እኳ ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ” ይብል እዩ። (መክ. 3:11) በዚ ምኽንያት እዚ ኢና ንሞት ከም ጸላኢ ጌርና እንርእዮ። (1 ቈረ. 15:26) ከቢድ ሕማም እንተ ሓሚምና፡ ነቲ ዅነታትና ተቐቢልና ኢድና ንህብ ዲና፧ ኣይፋልን። መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ሓኪም ንኸይድ፡ ካብ ሕማምና ምእንቲ ኺሕሸና እውን መድሃኒት ንወስድ ኢና። ምእንቲ ኸይንመውት ከኣ ዚከኣለና ዅሉ ንገብር ኢና። እንፈትዎ ሰብ ምስ ዚመውትከ፡ እቲ ሰብ ዕድሚኡ ንእሽቶ ይንበር ወይ ብዕድመ ዝደፍአ፡ በቲ ሽዑ ዚስምዓና ብርቱዕ ሓዘን መዓንጣና ሕርር ኵምትር ደይኰነን ዚብል፧ (ዮሃ. 11:32, 33) እቲ ፈቃር ፈጣሪና ንዘለኣለም ክንነብር ዕላማ እንተ ዘይህልዎ ነይሩ፡ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ድሌትን ዓቕምን ሂቡ ኣይምፈጠረናን። እዚ ጥራይ ዘይኰነ ግና፡ መወዳእታ ዘይብሉ ህይወት ኪህልወና ኸም ዚኽእል ዜእምን ካልእ ምኽንያታት ኣሎና። ገለ ኻብቲ የሆዋ ነቲ ናይ ፈለማ ዕላማኡ ኸም ዘይቀየሮ ዜርኢ ናይ ሕሉፍን ናይ ሕጅን ተግባራቱ እስከ ንርአ።
ዕላማ የሆዋ ኣይተቐየረን
8. ኣብ ኢሳይያስ 55:11 ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንዓና ዘለዎ ዕላማ እንታይ መረጋገጺ እዩ ዘሎ፧
8 ዋላ እኳ ኣዳምን ሄዋንን እንተ ሓጥኡን ንደቆም ሞት እንተ ኣምጽኡሎምን፡ የሆዋ ግና ዕላማኡ ኣይቀየረን። (ኢሳይያስ 55:11 ኣንብብ።) ሕጂ እውን ዕላማኡ፡ እሙናት ደቂ ሰብ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዩ። ነቲ የሆዋ ዕላማኡ ንምፍጻም ዝበሎን ዝገበሮን ክንርኢ ኸለና፡ እዚ ንጹር ይዀነልና እዩ።
9. ኣምላኽ እንታይ እዩ ኣተስፍዩ ዘሎ፧ (ዳንኤል 12:2, 13)
9 የሆዋ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ እውን ከም ዚኸፍተሎም ኣተስፍዩ ኣሎ። (ግብ. 24:15፣ ቲቶ. 1:1, 2) እቲ እሙን ዝነበረ እዮብ፡ የሆዋ ንምዉታት ኬተንስእ ከም ዚናፍቕ ርግጸኛ እዩ ነይሩ። (እዮ. 14:14, 15) ነብዪ ዳንኤል ከኣ፡ ደቂ ሰብ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ተኸፊትሎም ካብ ምዉታት ከም ዚትንስኡ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (መዝ. 37:29፣ ዳንኤል 12:2, 13 ኣንብብ።) ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ኣይሁድ እውን፡ የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ኪህብ ከም ዚኽእል ይፈልጡ ነይሮም እዮም። (ሉቃ. 10:25፣ 18:18) የሱስ ብተደጋጋሚ ብዛዕባ እዚ ተስፋ እዚ ይዛረብ ነይሩ እዩ፣ ንዕኡ እውን እንተ ዀነ ኣቦኡ ኣተንሲእዎ እዩ።—ማቴ. 19:29፣ 22:31, 32፣ ሉቃ. 18:30፣ ዮሃ. 11:25።
10. እቲ ጥንቲ እተገብረ ትንሳኤታት እንታይ የረጋግጽ፧ (ስእሊ ርአ።)
10 የሆዋ ወሃብ ህይወት እዩ፣ ንምዉታት ድማ ከም ብሓድሽ ህያዋን ኪገብሮም ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ንነብዪ ኤልያስ፡ ንወዲ እታ ኣብ ሰራጵታ እትነብር መበለት ኬተንስእ ሓይሊ ሂብዎ እዩ። (1 ነገ. 17:21-23) ነብዪ ኤልሳእ እውን ብሓገዝ ኣምላኽ ንወዲ እታ ሹናማዊት ሰበይቲ ዳግም ህያው ገይርዎ እዩ። (2 ነገ. 4:18-20, 34-37) እዝን ካልእ ትንሳኤታትን፡ የሆዋ ንምዉታት ዳግም ህያው ንምግባር ዜኽእል ሓይሊ ኸም ዘለዎ የረጋግጸልና እዩ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ካብ ኣቦኡ ሓይሊ ኸም እተዋህቦ ኣርእዩ እዩ። (ዮሃ. 11:23-25, 43, 44) ሕጂ የሱስ ኣብ ሰማይ እዩ ዘሎ፣ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን [ከኣ] ኵሉ ስልጣን” ተዋሂብዎ ኣሎ። ስለዚ፡ ነቲ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም” ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ሒዞም ከም ዚትንስኡ ዘተስፈዎ ተስፋ ኺፍጽሞ ይኽእል እዩ።—ማቴ. 28:18፣ ዮሃ. 5:25-29።
11. ከመይ ጌርና ኢና ሳላ እቲ በጃ ንዘለኣለም ክንነብር እንኽእል፧
11 የሆዋ ነቲ ፍቑር ወዱ ብዜሳቒ መገዲ ኺመውት ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ ናይዚ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ ኸምዚ ዚስዕብ ኢሉ እዩ፦ “ኣምላኽሲ በቲ ሓደ ወዱ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቂርዋ እዩ።” (ዮሃ. 3:16) ኣምላኽ ንወዱ፡ ንሓጢኣትና ዚሽፍን በጃ ገይሩ ብምሃብ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ መገዲ ኸፊቱልና እዩ። (ማቴ. 20:28) ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ኣገዳሲ ኽፋል ዕላማ ኣምላኽ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ብምጽሓፍ ገሊጽዎ ኣሎ፦ “ከምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝመጸ፡ ትንሳኤ ምዉታት እውን ብሓደ ሰብ እዩ ዝመጸ። ከምቲ ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪዀኑ እዮም።”—1 ቈረ. 15:21, 22።
12. መንግስቲ ኣምላኽ ንዕላማ የሆዋ ንምፍጻም እንታይ እያ እትገብር፧
12 የሱስ ንሰዓብቱ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ድማ ኣብ ምድሪ ኪኸውን ኢሎም ኪጽልዩ ምሂርዎም እዩ። (ማቴ. 6:9, 10) ሓደ ኻብ ዕላማ ኣምላኽ ከኣ ደቂ ሰብ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዩ። ነዚ ዕላማ እዚ ንምውቃዕ፡ የሆዋ ንወዱ ንጉስ እታ መሲሓዊት መንግስቲ ገይሩ ሸይምዎ ኣሎ። ምስ የሱስ ሓቢሮም ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም ዚዓይዩ 144,000 ሰባት ከኣ ካብ ምድሪ ይእክብ ኣሎ።—ራእ. 5:9, 10።
13. ሕጂ የሆዋ እንታይ ይገብር ኣሎ፧ ንስኻኸ ኣብኡ እንታይ ተሳትፎ ኣሎካ፧
13 የሆዋ፡ “ብዙሓት ህዝቢ” ይእክብ ኣሎ፣ ተገዛእቲ መንግስቱ ኪዀኑ እውን የሰልጥኖም ኣሎ። (ራእ. 7:9, 10፣ ያእ. 2:8) ሎሚ ብፍርህን ብውግእን ኣብ እተኸፋፈለት ዓለም ንነብር እኳ እንተ ኣለና፡ እቶም ኣብዚ ጕጅለ እዚ ዚጠቓለሉ ሰባት ግና ንዅሉ ሃገራውን ዓሌታውን ብሕታውን ጽልኢ ንምስናፍ ይጽዕሩ ኣለዉ። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ፡ ኣስያፎም ቀጥቂጦም ማሕረሻታት ይገብርዎ ኣለዉ። (ሚክ. 4:3) ኣብቲ ንብዙሓት ሰባት ዜህልቕ ውግኣት ኣብ ክንዲ ዚሳተፉ፡ ንሰባት ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ዕላማታቱን ብምምሃር፡ “ናይ ሓቂ ህይወት” ኪረኽቡ ይሕግዝዎም ኣለዉ። (1 ጢሞ. 6:19) ንመንግስቲ ኣምላኽ ስለ ዚድግፉ፡ ኣባላት ቤተ ሰቦም ይጻረርዎም ይዀኑ፡ ወይ እውን ገንዘባዊ ጸገማት የጋጥሞም ይኸውን፣ የሆዋ ግና ዜድልዮም ዘበለ የማልኣሎም ኣሎ። (ማቴ. 6:25, 30-33፣ ሉቃ. 18:29, 30) እዚ ጭቡጥ ሓቅታት እዚ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ምዃና፡ ዕላማ የሆዋ እውን ከም እትፍጽም የረጋግጸልና።
ኣብ ቅድሜና ዘሎ ጽቡቕ መጻኢ
14-15. እቲ የሆዋ ንሞት ንምውጋድ ዘተስፈዎ ተስፋ ኣብ መወዳእታ ብኸመይ እዩ ዚፍጸም፧
14 የሱስ ሕጂ ኣብ ሰማይ ቦታኡ ሒዙ ኣሎ፣ ንዅሉ እቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታት እውን ኪፍጽሞ እዩ። (2 ቈረ. 1:20) ካብ 1914 ኣትሒዙ፡ ንጸላእቱ ይገዝኦም ኣሎ። (መዝ. 110:1, 2) ንሱን መጋዝእቱን ኣብ ቀረባ ግዜ ኺስዕሩ ወይ ዓወቶም ኪፍጽሙ እዮም፡ ንእኩያት እውን ኬጥፍእዎም እዮም።—ራእ. 6:2።
15 ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት የሱስ፡ ምዉታት ኪትንስኡ፡ እዙዛት ደቂ ሰብ ድማ ናብ ፍጽምና ኺበጽሑ እዮም። ድሕሪ እቲ ናይ መወዳእታ ፈተና፡ እቶም ብየሆዋ ጻድቃን ተባሂሎም ዚፍረዱ ሰባት፡ “ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።” (መዝ. 37:10, 11, 29) እቲ ዜሕጕስ ድማ፡ ‘እቲ ናይ መወዳእታ ጸላኢ፡ ሞት፡ ኪስዓር እዩ።’—1 ቈረ. 15:26።
16. ንየሆዋ እነገልግለሉ ቐንዲ ድራኸ እንታይ ኪኸውን ይግባእ፧
16 ክሳዕ ሕጂ ኸም ዝረኣናዮ፡ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብ ቃል ኣምላኽ ድልዱል መሰረት ኣለዎ። እዚ ተስፋ እዚ ኣብዘን ጽንኩራት ዳሕሮት መዓልትታት እሙናት ኴንና ኽንመላለስ ይሕግዘና እዩ። ንየሆዋ ባህ ምእንቲ ኸነብሎ ግና ብህይወት ንምንባር ብዘሎና ድሌት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብዚ ዚበልጽ ውሽጣዊ ድራኸ የድልየና እዩ። ንየሆዋን ንየሱስን እሙናት ኴንና እንመላለሰሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ ንዓታቶም ዘሎና ዓሚቝ ፍቕሪ እዩ። (2 ቈረ. 5:14, 15) እዚ ድማ ንዓታቶም ክንመስሎም፡ ብዛዕባ እቲ ዘሎና ተስፋ እውን ንሰባት ክንነግር የለዓዕለና እዩ። (ሮሜ 10:13-15) ገበርቲ ሰናይን ለጋሳትን እንተ ዄንና፡ የሆዋ ንዘለኣለም ኣዕሩኹ ኪዀኑ ዚደልዮም ዓይነት ሰባት ኢና እንኸውን።—እብ. 13:16።
17. ብብሕትና እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘሎና፧ (ማቴዎስ 7:13, 14)
17 እሞ ደኣ ኻብቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚረኽቡ ኽንከውን ዲና፧ የሆዋ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ማዕጾ ኸፊቱልና ኣሎ። ንሕና ብብሕትና ግና በታ ናብ ህይወት እትመርሕ መገዲ ንምምልላስ ክንውስን ኣሎና። (ማቴዎስ 7:13, 14 ኣንብብ።) እሞ ደኣ ንዘለኣለም ክንነብር ከለና፡ ህይወት ከመይ ኪመስል እዩ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርኢ ኢና።
መዝሙር 141 ተኣምር ህይወት
a ንዘለኣለም ክትነብርሲ ትህንጠዶ፧ ሓደ መዓልቲ ኻብቲ ብዛዕባ ሞት ዘሎና ጭንቀት ሓራ ኸም እንኸውን፡ የሆዋ ኣተስፍዩና ኣሎ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ነዚ ዘተስፈዎ ተስፋ ኸም ዚፍጽሞ ምሉእ ብምሉእ እምነት ከነሕድር እንኽእለሉ ምኽንያታት ትገልጽ።
b “‘ዘለኣለም’ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።
c መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሓው ብዛዕባ እቲ ንዘለኣለም ኣብ ዚነብረሉ እዋን ዚገብሮ ነገራት ብኣእምሮኡ ይስእል።