ዓንቀጽ መጽናዕቲ 26
ፍቕሪ ንፍርሂ ኸነሰንፍ ትሕግዘና
“የሆዋ ምሳይ እዩ፣ ኣይፈርህን እየ።”—መዝ. 118:6።
መዝሙር 105 “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ”
መላለዪa
1. ገለ ኻብቲ ንብዙሓት ዜጋጥም ፍርሂ እንታይ ኪጥቀስ ይከኣል፧
ነዚ ኣብ ህይወት ዘጋጠመ ናይ ሓቂ ተመክሮታት እስከ ንርአ። ኔስቶርን ሰበይቱ ማሪያን ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ኼገልግሉ ደለዩ።b ከምኡ ንምግባር ግና፡ መነባብሮኦም ኬዐርዩ ነበሮም። ይኹን እምበር፡ ብዝወሓደ ገንዘብ ኪናበሩ እንተ ጀሚሮም፡ ብሓቂ ሕጉሳት ከም ዘይኰኑ ፈርሁ። ብንያም ንዕዮና ኣብ እትቃወም ሃገር ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ኰነ፡ ከም ሓደ ኻብ ህዝቢ ኣምላኽ መጠን መስጐጕቲ ኺወርዶ ኸም ዚኽእል ፈለጠ። እዚ ድማ ኣፍርሆ። ቤተ ሰቡ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ሃይማኖቱ ምስ ፈለጡ እንታይ ኪብሉ ኸም ዚኽእሉ እውን ብዝያዳ ኣፍርሆ። ቫለሪ ኣዝዩ ኽፉእ ዓይነት መንሽሮ ኸም ዘለዋ ፈለጠት። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ብዛዕባ ደም ዘለዋ እምነት ዜኽብረላ ሓኪም መጥባሕቲ ምርካብ እውን ተሸገረት። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ከይትመውት ፈርሀት።
2. ፍርህና ንምስናፍ ክንጽዕር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
2 ከምዚ ዝኣመሰለ ፍርሂ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ መብዛሕትና ተሰሚዑና ይፈልጥ እዩ። ፍርህና ብኸመይ ክንቈጻጸሮ ኸም እንኽእል እንተ ዘይፈሊጥና፡ ኣብቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ኣሉታዊ ጽልዋ ኺገብር ዚኽእል ሕማቕ ውሳነታት ክንገብር ንኽእል ኢና። ሰይጣን ከምኡ ኽንገብር እዩ ዚደልየና። በቲ ፍርህና ተጠቒሙ ሕግታት የሆዋ ኸም እንጥሕስ ኪገብረና ይፍትን እዩ። ንኣብነት፡ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ እተዋህበና ትእዛዝ ከም ዘይንሕልዎ ኺገብር ይፍትን እዩ። (ራእ. 12:17) ሰይጣን እኩይን ሕሱምን ሓያልን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ንርእስኻ ኽትከላኸለላ ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ፧
3. ፍርህና ንምስናፍ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
3 የሆዋ ኸም ዜፍቅረና፡ ማለት ኣብ ጐድንና ኸም ዝዀነ እንተ ኣሚንና፡ ንሰይጣን ከነሰንፎ ንኽእል ኢና። (መዝ. 118:6) ንኣብነት፡ ጸሓፊ መዝሙር 118 ኣዝዩ ዜጨንቕ ኵነታት ኣጋጢምዎ ነይሩ እዩ። ብዙሓት ጸላእቲ ነይሮምዎ እዮም፣ ገሊኦም እውን ልዑል ስልጣን ዝነበሮም እዮም ነይሮም (ፍቕዲ 9, 10)። ኣብ ገሊኡ እዋናት እውን፡ ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ጸቕጢ እዩ ነይሩ (ፍቕዲ 13)። ብዘይካዚ ኻብ የሆዋ ብርቱዕ ተግሳጽ ተዋሂብዎ እዩ (ፍቕዲ 18)። ኰይኑ ግና፡ “ኣይፈርህን እየ” ኢሉ ዘሚሩ እዩ። ስለምንታይ እዩ ቕሳነትን ውሕስነትን ተሰሚዕዎ፧ ዋላ እኳ ኻብ የሆዋ ተግሳጽ እንተ ተዋህቦ፡ ሰማያዊ ኣቦኡ ኣጸቢቑ ኸም ዜፍቅሮ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ዜጋጥሞ ዅነታት ብዘየገድስ፡ እቲ ፈቃር ኣምላኹ ወትሩ ንምሕጋዙ ድሉው ምዃኑ ኣሚኑ ነይሩ እዩ።—መዝ. 118:29።
4. ኣምላኽ ከም ዜፍቅረና እንተ ኣሚንና፡ እንታይ ፍርሂ ኢና ኸነሰንፍ እንኽእል፧
4 የሆዋ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ከም ዜፍቅረና ኽንኣምን ኣሎና። እዚ እምነት እዚ ኸኣ፡ ሰለስተ ልሙድ ፍርሂ ኸነሰንፍ ይሕግዘና እዩ። እዚ ድማ (1) ንስድራ ቤትና ዜድልዮም ምምላእ ከይንስእን ዚብል ፍርሂ፡ (2) ፍርሂ ሰብ፡ (3) ፍርሂ ሞት እዩ። እቶም ኣብ መእተዊ እተጠቕሱ ውልቀ ሰባት፡ ኣምላኽ ከም ዜፍቅሮም ስለ ዝኣመኑ፡ ንፍርሆም ኬሰንፍዎ ኽኢሎም እዮም።
ንስድራ ቤትና ዜድልዮም ምምላእ ከይንስእን ዚብል ፍርሂ
5. እንታይ ኵነታት እዩ ንሓደ ርእሲ ስድራ ቤት ብዙሕ ኬተሓሳስቦ ዚኽእል፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)
5 ሓደ ክርስትያን ርእሲ ስድራ ቤት ነቲ ንቤተ ሰቡ ብስጋዊ መዳይ ንምንባይ ዘለዎ ሓላፍነት ኣርዚኑ እዩ ዚርእዮ። (1 ጢሞ. 5:8) ርእሲ ስድራ ቤት እንተ ዄንካ፡ ኣብዚ ኣብ ቀረባ ግዜ ዘጋጠመ ለበዳ፡ ስራሕካ ኸይትስእን ሰጊእካ ኔርካ ትኸውን። ንድራር ዕለትኩም ዜድሊ ምግቢ ምምእራር ከይትስእን ወይ ንመንበሪ ቤትኩም ዜድሊ ኽፍሊት ምኽፋል ከይትስእን ተጨኒቕካ ኔርካ ትኸውን። ስራሕካ እንተ ስኢንካ፡ ካልእ ከም ዘይትረክብ ኣፍሪሁካ ነይሩ እውን ይኸውን። ወይ ድማ ከምቶም ኣቐዲሞም እተጠቕሱ ኔስቶርን ማሪያን ኣብ ዓለማዊ ስራሕካ እትገብሮ ምትዕርራይ ንኣነባብራኻ ኸይጸልዎ ሰጊእካ ትኸውን። ሰይጣን ንኸምዚ ዝበለ ፍርሂ ብምምዝማዝ፡ ብዙሕ ተዓዊቱ እዩ።
6. ሰይጣን እንታይ እምነት እዩ ኼሕድረልና ዚጽዕር፧
6 ሰይጣን ግጉይ እምነት ኬሕድረልና እዩ ዚጽዕር። የሆዋ ብውልቂ ኸም ዘይሓልየልናን ንስድራ ቤትና ዜድሊ ኣብ ምንባይ በይንና ኸም እተሓደግናን ኬእምነና እዩ ዚጽዕር። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ነዚ ዘሎና ስራሕ ምእንቲ ኸይንስእን ዚከኣለና ኽንገብር ከም ዘሎና፡ ዋላ እውን ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ዕሽሽ ክንብል ከም ዘሎና ኽንድምድም ንኽእል ኢና።
7. የሱስ እንታይ መረጋገጺ እዩ ሂቡና፧
7 እቲ ንኣቦ ኻብ ዝዀነ ንላዕሊ ዚፈልጦ የሱስ፡ ኣምላኽና ‘ገና ኸይለመንናዮ ዜድልየና ኸም ዚፈልጥ’ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። (ማቴ. 6:8) ብዘይካዚ የሱስ፡ የሆዋ ዜድልየና ንምምላእ ድሉው ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ክርስትያናት ስለ ዝዀንና፡ ኣባላት ቤተ ሰብ ኣምላኽ ኢና። የሆዋ ድማ ርእሲ ስድራ ቤት ከም ምዃኑ መጠን ነቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 5:8 ተመዝጊቡ ዘሎ ስርዓት ከም ዜኽብሮ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።
8. (ሀ) ንስድራ ቤትና ዜድሊ ምምላእ ከይንስእን ዚብል ፍርሂ ንምስናፍ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (ማቴዎስ 6:31-33) (ለ) ነቲ እዞም ኣብ ስእሊ ዚርኣዩ ዘለዉ ሰብ ሓዳር ንሓንቲ ሓብቲ ዘለዎም ምግቢ ብምክፋል ዝሓደግዎ ኣብነት ብኸመይ ክንስዕቦ ንኽእል፧
8 የሆዋ ኸም ዜፍቅረናን ንስድራ ቤትና ኸም ዜፍቅሮምን እንተ ኣሚንና፡ ዜድልየና ኸም እንረክብ ንምእማን ኣይንሽገርን ኢና። (ማቴዎስ 6:31-33 ኣንብብ።) የሆዋ ዜድልየና ኺህበና ይደሊ እዩ፣ ብሓቂ ድማ ፈቃርን ለጋስን ወሃቢ እዩ። ንምድሪ ኺፈጥራ ኸሎ፡ ንምንባር ዜድልየና መሰረታዊ ነገራት ጥራይ ኣይኰነን ሂቡና። ብፍቕሪ ተደሪኹ፡ ንምድሪ ብኣዝዩ ዜሐጕስ ነገራት መሊእዋ እዩ። (ዘፍ. 2:9) ሓድሓደ ግዜ፡ ብህይወት ንምንባር ዚኣክል ጥራይ እኳ እንተ ረኸብና፡ ነቲ ዝረኸብናዮ ኸነማስወሉ ኣሎና። የሆዋ ዜድልየና ኣየስኣነናን። (ማቴ. 6:11) ሕጂ ብስጋዊ መዳይ እንኸፍሎ መስዋእቲ ምስቲ እቲ ፈቃር ኣምላኽና ሕጅን ኣብ መጻእን ዚህበና ነገራት ኪወዳደር ከሎ፡ ኣዝዩ ንእሽቶ እዩ። ኔስቶርን ማሪያን እዚ እዮም ተረዲኦም።—ኢሳ. 65:21, 22።
9. ካብ ኣብነት ኔስቶርን ማሪያን እንታይ ትምሃር፧
9 ኔስቶርን ማሪያን ኣብ ኮሎምብያ ምሹእ ናብራ እዩ ነይርዎም። ብዛዕባ እዚ ድማ ከምዚ ይብሉ፦ “ናብራና ቐሊል ንምግባርን ኣገልግሎትና ንምስፋሕን ሓሲብና። ብዝወሓደ ገንዘብ ምንባር ግና ሕጉሳት ከም ዘይንኸውን ኣፍሪሁና።” እሞ ደኣ ነዚ ፍርሆም እዚ ንምስናፍ እንታይ ሓጊዝዎም፧ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንዓታቶም ፍቕሩ ዘርኣየሉ ሓያሎ መገድታት ኣስተንተኑ። ወትሩ ኸም ዚከናኸኖም ስለ ዝኣመኑ ኸኣ፡ ነቲ ጽቡቕ ደሞዝ ዚኽፈሎ ስራሓቶም ሓደጉ። ቤቶም ሸይጦም እውን ዝያዳ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ዜድልይዎ ኽፋል እታ ሃገር ገዓዙ። እሞ ደኣ ብዛዕባ እዚ ውሳነኦም እንታይ ይስምዖም፧ ኔስቶር ከምዚ ይብል፦ “ሓቅነት ማቴዎስ 6:33 ርኢና ኢና። ብስጋዊ መዳይ ዋላ ሓንቲ ኣይጐደለናን። ሕጂ ድማ ዝያዳ ሓጐስ ኣሎና።”
ፍርሂ ሰብ
10. ሰብ ንሰብ ኪፈርሆ ሓቁ እዩ እንብል ስለምንታይ ኢና፧
10 ሰባት ንሓድሕዶም ናይ ምጕድዳእ ሕማቕ ታሪኽ እዩ ዘለዎም። (መክ. 8:9) ንኣብነት፡ ገሊኦም ሰባት ንስልጣኖም ብዘይግቡእ ይጥቀሙሉ፡ ገበነኛታት ዘበሉ ሕማቕ ተግባር ይገብሩ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዚርከቡ ደንደንቲ ንደቂ ኽፍሎም ይጸርፉን የፈራርሁን፡ ገሊኦም ሰባት ከኣ ሕሉፍ ሓሊፎም ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስድራ ቤቶም ናይ ጭካነ ተግባር ይፍጽሙ እዮም። ስለዚ፡ ሰብ ንሰብ ኪፈርሆ ሓቁ እዩ! እሞ ደኣ ሰይጣን ነቲ ንሰብ ዘሎና ፍርሂ ብኸመይ እዩ ኺምዝምዞ ዚፍትን፧
11-12. ብኸመይ እዩ ሰይጣን ንዓና ንምድሃል ፍርሂ ሰብ ዚጥቀም፧
11 ሰይጣን ብፍርሂ ሰብ ተጠቒሙ ኻብ እምነትና ኸም እንለማለምን ስብከትና ኸም እንሓድግን ኪገብረና ይጽዕር እዩ። መንግስትታት ከኣ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ሰይጣን ኰይኖም ንዕዮና ኣጊዶምዎ፡ መስጐጕቲ እውን ኣውሪዶምልና እዮም። (ሉቃ. 21:12፣ ራእ. 2:10) ብዘይካዚ፡ እተፈላለዩ ባእታታት ናይ ሰይጣን ዓለም ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜታልል ወረን ሓሶትን ይነዝሑ እዮም። ነዚ ሓሶት እዚ ዚኣምኑ ሰባት ድማ የላግጹልና ወይ እውን ይወቕዑና ይዀኑ። (ማቴ. 10:36) እዚ ስልትታት ሰይጣን ግና ፈጺምና ዘይንጽበዮ ድዩ፧ ኣይፋልን። ኣብ ቀዳማይ ዘመን እውን ነዚ እዩ ዚጥቀም ነይሩ!—ግብ. 5:27, 28, 40።
12 ሰይጣን ብዘይካ እቲ ኻብ መንግስትታት ዚወርድ ተቓውሞ፡ ካልእ ኣጽዋር እውን ይጥቀም እዩ። ንገሊኦም ሰባት ካብ መውቃዕቲ ንላዕሊ እቲ ኣባላት ቤተ ሰቦም ብዛዕባ ሓቂ ዚህብዎ ምላሽ እዩ ዜፍርሆም። ንቤተ ሰቦም ኣዝዮም እዮም ዚፈትውዎም፣ ንየሆዋ ኺፈልጥዎን ኬፍቅርዎን እውን ይደልይዎም እዮም። ቤተ ሰቦም ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ኣምለኽቱን ሕማቕ ኪዛረቡ ኺሰምዕዎም ከለዉ፡ ብዙሕ እዮም ዚጕህዩ። ኣብ ገሊኡ መዳያት ግና፡ ኣብ ፈለማ ተጻረርቲ ዝነበሩ ቤተ ሰብ ደሓር ናብ ሓቂ መጺኦም እዮም። ንበል ግና ኣባላት ቤተ ሰብና ብምኽንያት እቲ ሓድሽ እምነትና ምሳና ዝነበሮም ኵሉ ርክብ በቲኾም። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት እንታይ ኢና እንገብር፧
13. ኣምላኽ ከም ዜፍቅረና እንተ ተኣማሚንና፡ ካብ ኣባላት ቤት ሰብ ንዜጋጥመና ተቓውሞ ኽንዋጽኣሉ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ (መዝሙር 27:10)
13 ብዛዕባ እቲ ኣብ መዝሙር 27:10 ዚርከብ ባህ ዜብል ቃላት እንተ ኣስተንቲንና፡ ክንጸናናዕ ንኽእል ኢና። (ኣንብብ።) የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅረና እንተ ዘኪርና፡ ተቓውሞ እናኣጋጠመና ኽነሱ ውሕስነት ኪስምዓና ይኽእል እዩ። ስለቲ ተጻዋርነትና ዓስብና ኸም ዚህበና እውን እምንቶ ነሕድር ኢና። የሆዋ ኻብ ዝዀነ ንላዕሊ ብኣካላውን ብስምዒታውን ብመንፈሳውን መዳይ ይከናኸነና እዩ። እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ብንያም፡ እዚ እዩ ርእዩ።
14. ካብ ኣብነት ብንያም እንታይ ትምሃር፧
14 ብንያም ከቢድ መስጐጕቲ ኼጋጥሞ ኸም ዚኽእል እናፈለጠ ናይ የሆዋ ምስክር ኰነ። የሆዋ ኸም ዜፍቅሮ ምፍላጡ፡ ንፍርሂ ሰብ ኬሰንፍ ሓጊዝዎ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል፦ “እቲ መስጐጕቲ ኻብቲ ኽትሓስቦ እትኽእል ንላዕሊ እዩ ነይሩ። ካብቲ ኻብ መንግስቲ ዚወርድ መስጐጕቲ ንላዕሊ ግና፡ ካብ ስድራ ቤተይ ዚመጽእ ተቓውሞ እዩ ኣፍሪሁኒ ነይሩ። ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውን ዝገበርክዎ ውሳነ ነቲ ዘይኣማኒ ዝዀነ ኣቦይ ከየጕህዮ፡ ስድራ ቤተይ ከኣ ኸም ዘይረብሕ ገይሮም ከይርእዩኒ ኣፍሪሁኒ ነይሩ።” ይኹን እምበር፡ የሆዋ ወትሩ ንዜፍቅሮም ከም ዚከናኸን፡ ብንያም ኣመነ። ብዛዕባ እዚ ድማ ከምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “የሆዋ ንኻልኦት ሰባት፡ ቍጠባዊ ጸገማትን ኣቐዲምካ ፍርድን ካብ ጭፍራ ሰባት ዚወርድ መጥቃዕትን ኪጻወሩ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ኣስተንቲነሉ። ናብ የሆዋ እንተ ለጊበ፡ ንሱ ኸም ዚባርኸኒ ፈሊጠ። ብዙሕ ሳዕ ምስ ኣሰሩንን ምስ ኣሳቐዩንን፡ እሙናት ክሳዕ ዝዀንና፡ የሆዋ ኣብ እዋን ሽግርና ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ኣብ ህይወተይ ርእየ እየ።” የሆዋ ንብንያም ናይ ሓቂ ኣቦ ዀይኑሉ እዩ፣ ህዝቡ እውን ናይ ሓቂ ቤተ ሰብ ኰይኖምሉ እዮም።
ፍርሂ ሞት
15. ፍርሂ ሞት ንቡር ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
15 ሞት ጸላኢ ኸም ዝዀነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ። (1 ቈረ. 15:25, 26) ብዛዕባ ሞት ክንሓስብ ከለና፡ ምናዳ ኸኣ ንሕና ወይ እንፈትዎ ሰብ ከቢድ ሕማም ኪሓምም ከሎ፡ ብዙሕ ንጭነቕ ኢና። ስለምንታይ ኢና ሞት እንፈርህ፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ድሌት ኣሕዲሩ እዩ ፈጢሩና። (መክ. 3:11) ብዛዕባ ሞት ሚዛናዊ ፍርሂ እንተ ኣልዩና፡ ንህይወትና ኸነዕቍባ ይሕግዘና እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ኣመጋግባን ምውስዋስ ኣካላትን ጽቡቕ ውሳነታት ክንገብር፡ ኣድላዪ ኣብ ዚዀነሉ እዋን ሓገዝ ሓካይም ክንደሊ፡ ብዘየድሊ ድማ ህይወትና ኣብ ሓደጋ ኸይነእቱ ይድርኸና እዩ።
16. ሰይጣን ነቲ ብዛዕባ ሞት ዘሎና ባህርያዊ ፍርሂ ብኸመይ እዩ ኺምዝምዞ ዚፍትን፧
16 ሰይጣን፡ ህይወት ከም እንፈቱ ይፈልጥ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ነዛ ሕጂ ዘላትና ህይወት ኢልና ዘሎና ዅሉ ኸም እንኸፍል፡ ዋላ እውን ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ዕርክነት ከም እንኸፍል ይማጐት እዩ። (እዮ. 2:4, 5) ኣብዚ ግና ኣመና እዩ ተጋግዩ! ኰይኑ ግና፡ “ሞት ኬስዕብ ዚኽእል” ስለ ዝዀነ፡ በቲ ብዛዕባ ሞት ዘሎና ባህርያዊ ፍርሂ ተጠቒሙ ንየሆዋ ኸም እንሓድጎ ኺገብረና ይጽዕር እዩ። (እብ. 2:14, 15) ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ወኪላት ሰይጣን ንኣምለኽቲ የሆዋ፡ እምነቶም እንተ ዘይሓዲጎም ከም ዚቐትልዎም ኣፈራሪሆምዎም እዮም። ኣብ ገሊኡ መዳያት ከኣ ሰይጣን በቲ ንህይወትና ዜስግእ ጸገም ጥዕና ተጠቒሙ ኣብ እምነትና ኼለማልመና ይፍትን እዩ። ሓካይም ወይ ኣባላት ቤተ ሰብና፡ ደም ክንወስድ ጸቕጢ ይገብሩልና ይዀኑ፣ እዚ ድማ ንሕጊ ኣምላኽ ዚጥሕስ እዩ። ወይ ከኣ ምስ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ዚጋጮ ሕክምና ኽንፍትን ሓሳብ ይቐርበልና ይኸውን።
17. ብመሰረት ሮሜ 8:37-39፡ ሞት ክንፈርህ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧
17 ክንመውት ዘይንደሊ እኳ እንተ ዀንና፡ ህይወትና እንተ ኣብቂዑ፡ የሆዋ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ ኸም ዘየብቅዕ ንፈልጥ ኢና። (ሮሜ 8:37-39 ኣንብብ።) የሆዋ ነቶም ዝሞቱ ኣዕሩኹ ኣብ ተዘክሮኡ ይዕቅቦም እዩ፣ ከም ህያዋን ገይሩ እውን እዩ ዚርእዮም። (ሉቃ. 20:37, 38) ንዓታቶም ዳግም ህይወት ንምሃብ ይናፍቕ እዩ። (እዮ. 14:15) ‘ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ’ ክቡር ዋጋ እዩ ኸፊሉ። (ዮሃ. 3:16) የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅረናን ከም ዚሓልየልናን ንፈልጥ ኢና። ስለዚ፡ ክንሓምም ከለና ወይ ንህይወትና ዜስግእ ነገር ኬጋጥመና ኸሎ ንየሆዋ ኣብ ክንዲ እንሓድጎ፡ ምጽንናዕን ጥበብን ብርታዐን ንምርካብ ናብኡ ኢና እንጽጋዕ። ቫለሪን ሰብኣያን ልክዕ ከምኡ እዮም ገይሮም።—መዝ. 41:3።
18. ካብ ኣብነት ቫለሪ እንታይ ትምሃር፧
18 ቫለሪ ጓል 35 ዓመት ምስ ኰነት፡ ሳሕቲ ዜጋጥም ክፉእ ዓይነት መንሽሮ ኸም ዘለዋ ተፈልጠ። ኣብቲ ግዜ እቲ ንፍርሂ ሞት ምእንቲ ኸተሰንፍ፡ ፍቕሪ ብኸመይ ከም ዝሓገዘታ እስከ ንርአ። ንሳ ኸምዚ ኢላ ተዘንቱ፦ “ሕማመይ ምስ ተፈልጠ፡ ንህይወተይ ብቕጽበት እዩ ቐዪርዎ። ብህይወት ንምንባር፡ ከቢድ መጥባሕቲ ኽገብር ነይሩኒ። ንብዙሓት ናይ መጥባሕቲ ሓካይም እኳ እንተ ኣማኸርኩ፡ ኵላቶም ግና ብዘይ ደም መጥባሕቲ ምግባር ኣበዩ። ኣዝየ እየ ፈሪሀ ነይረ። ኰይኑ ግና፡ ንትእዛዝ ኣምላኽ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ደም ክወስድ ፈጺመ ኣይሓሰብኩን። ኣብ ምሉእ ህይወተይ፡ የሆዋ ብዙሕ ፍቕሪ ኣርእዩኒ እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ድማ ኣነ ንዕኡ ዘሎኒ ፍቕሪ ዘርእየሉ ኣጋጣሚ ረኺበ። ብዛዕባ እቲ ዅነታተይ ሕማቕ ነገር ብዝሰማዕኩ ቝጽሪ ንየሆዋ ኸሐብኖን ንሰይጣን ከሕፍሮን ዝያዳ ቘራጽነት እዩ ዚሓድረኒ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ፡ ብዘይ ደም ዕዉት መጥባሕቲ ተገይሩለይ። ክሳዕ ሕጂ እተወሰነ ጸገማት ጥዕና እኳ እንተ ኣሎኒ፡ የሆዋ ግና ወትሩ ዜድልየና ይህበና እዩ። ንኣብነት፡ ኣብቲ ብዛዕባ ሕማመይ ቀቅድሚ ምፍላጠይ ዝነበረ ናይ መወዳእታ ሰሙን ኣኼባ ጉባኤ፡ ‘ነቲ ሎሚ ዜጋጥመካ ጸበባ ተቢዕካ ተጻወሮ’ ዘርእስታ ዓንቀጽ ኢና ኣጽኒዕና ኔርና።c እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዙሕ እያ ኣጸናኒዓትና። ደጋጊምና ኢና ኣንቢብናያ። ከምኣ ዝኣመሰላ ዓንቀጻትን ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድን ንዓይን ንሰብኣየይን ውሽጣዊ ሰላም ሂቡና፡ ሚዛንና ሓሊና ኽንመላለስን ጽቡቕ ውሳነታት ክንገብርን እውን ሓጊዙና እዩ።”
ንፍርህና ምስናፍ
19. ኣብ ቀረባ ግዜ እንታይ እዩ ኪኸውን፧
19 ብሓገዝ የሆዋ፡ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዘለዉ ክርስትያናት ኣጸጋሚ ዅነታት ሰጊሮም እዮም፡ ንድያብሎስ እውን ተጻሪሮምዎ እዮም። (1 ጴጥ. 5:8, 9) ንስኻ እውን ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ የሆዋ ንየሱስን ንመጋዝእቱን፡ ‘ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርሱ’ ኺእዝዞም እዩ። (1 ዮሃ. 3:8) ድሕሪኡ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ‘ገለ እኳ ኣይኪፈርሁን፡ ሓደ እኳ ኣይኬሸብሮምን እዩ።’ (ኢሳ. 54:14፣ ሚክ. 4:4) ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ንፍርህና ንምስናፍ ክንጽዕር ኣሎና።
20. ንፍርህና ኸነሰንፍ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧
20 የሆዋ ንኣገልገልቱ ኸም ዜፍቅሮምን ከም ዜዕቍቦምን ዘሎና እምንቶ ኸነደልድል ኣሎና። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ ሕሉፍ ንኣገልገልቱ ዘዕቈበሉ መገዲ እንተ ኣስተንቲንናን እንተ ተዛሪብናን፡ እዚ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ኣብ ዜጨንቕ ኵነታት ንዓና ብውልቂ ብኸመይ ከም ዝሓገዘና እውን ክንርስዕ የብልናን። እምበኣር፡ ብሓገዝ የሆዋ፡ ንፍርህና ኸነሰንፎ ንኽእል ኢና!—መዝ. 34:4።
መዝሙር 129 ክንጻወር ኢና
a ፍርሂ ኻብ ሓደጋ ኼዕቍበና ዚኽእል ንቡር ስምዒት እዩ። ብዘይጥዑይ ዓይነት ፍርሂ እንተ ተሰኒፍና ግና፡ ብኣንጻሩ ኽንጕዳእ ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ ሰይጣን ነቲ ፍርሂ እቲ ንዓና ንምጕዳእ ኪጥቀመሉ ይኽእል እዩ። እምበኣር፡ ነዚ ዓይነት ፍርሂ እዚ ንምቍጽጻር፡ ዚከኣለና ኽንገብር ኣሎና። እሞ ደኣ ኣብዚ መዳይ እዚ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ የሆዋ ኣብ ጐድንና ምዃኑን ከም ዜፍቅረናን እንተ ኣሚንና፡ ንዝዀነ ፍርሂ ኸነሰንፍ ንኽእል ኢና።
b ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።
d መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ጽምዲ ሰብ ሓዳር ኣብ ጉባኤኦም ንእትርከብ ትግህቲ ሓብትን ንስድራ ቤታን ዚኸውን ምግቢ ሒዞም ኪበጽሕዋ ይኸዱ።
e መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ መንእሰይ ካብ ወለዱ ተቓውሞ የጋጥሞ፣ ንሱ ግና ደገፍ ኣምላኽ ከም ዚረክብ እምንቶ ኣለዎ።