በቲ ሓድሽ ኪዳን ኣቢሉ እተረኽበ ዓበይቲ በረኸታት
‘ [የሱስ] ማእከላይ ዝበለጸ ኪዳን ኢዩ።’—እብራውያን 8:6
1. እቲ ኣብ ኤድን መብጽዓ እተገብረሉ ‘ዘርኢ እታ ሰበይቲ’ ኰይኑ እተረኽበ መን ኢዩ: ‘ሸዀናኡ እተነኽሰኸ’ ብኸመይ ኢዩ፧
ኣዳምን ሄዋንን ምስ ሓጥኡ: የሆዋ “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን: ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ” ብምባል ኣብ ልዕሊ እቲ ንሄዋን ዘስሓታ ሰይጣን ፍርዲ ወሰነ። (ዘፍጥረት 3:15) የሱስ ብ29 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ክጥመቕ ከሎ: እቲ ኣብ ኤድን መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ኣብ መወዳእታ ተራእየ። ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ናይ ስቓይ ዕንጸይቲ ክመውት ከሎ ድማ ክፋል ናይቲ ጥንታዊ ትንቢት ተፈጸመ። ሰይጣን ናይቲ ዘርኢ ‘ሸዀና ነኸሰ።’
2. ብመሰረት ቃላት የሱስ: ሞቱ ንደቅሰብ ዝጠቕሞም ብኸመይ ኢዩ፧
2 እቲ ዘሐጕስ ግን: ሽሕ’ኳ እቲ ቝስሊ ኣዝዩ ዘሳቒ እንተዀነ: ንሓዋሩ ግን ኣይነበረን። የሱስ ዘይመውት መንፈሳዊ ኣካል ብምዃን ካብ ምዉታት ተንሲኡ ናብ ሰማይ ናብ ኣቡኡ ዓረገ: ዋጋ ናይቲ ‘ምእንቲ ብዙሓት በጃ ንኽሓልፍ’ ዘፍሰሶ ደሙ ኸኣ ኣብኡ ኣቕረበ። በዚ ኸኣ: እቲ “ብእኡ ዚአምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: . . . ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግባእ እዩ። ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” ዝብል ቃላቱ ሓቂ ዀይኑ ተረኽበ። (ማቴዎስ 20:28፣ ዮሃንስ 3:14-16፣ እብራውያን 9:12-14) እቲ ሓድሽ ኪዳን ኣብ ፍጻሜ ትንቢት የሱስ ኣገዳሲ ግደ ኢዩ ዘለዎ።
እቲ ሓድሽ ኪዳን
3. እቲ ሓድሽ ኪዳን ይዓዪ ምህላዉ ንመጀመርታ ግዜ እተራእየ መዓስ ኢዩ፧
3 የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ: እቲ ዝፈስስ ደሙ ‘ናይቲ ሓድሽ ኪዳን ደም’ ምዃኑ ነጊርዎም ነበረ። (ማቴዎስ 26:28፣ ሉቃስ 22:20) ናብ ሰማይ ምስ ዓረገ ድሕሪ ዓሰርተ መዓልትታት: መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ የሩሳሌም ኣብ ውሽጢ ላዕለዋይ ደርቢ ተኣኪቦም ዝነበሩ 120 ዝዀኑ ደቀ መዛሙርቲ ምስ ወረደ: እቲ ሓድሽ ኪዳን ይዓዪ ምህላዉ ተራእየ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:15፣ 2:1-4) ነዞም 120 ደቀ መዛሙርቲ ኣባላት ናይቲ ሓድሽ ኪዳን ከም ዝዀኑ ምግባሮም እቲ “ቐዳማይ” ኪዳን: ማለት ሕጊ ኪዳን ኣሪጉ ምንባሩ ኢዩ ዘርኢ።—እብራውያን 8:13
4. እቲ ብሉይ ኪዳን ጐደሎ ድዩ ነይሩ፧ ግለጽ።
4 እቲ ብሉይ ኪዳን ጐደሎ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። ሓቂ ኢዩ: ሕጂ ብኻልእ ኪዳን ስለ እተተክአ: ስጋውያን እስራኤል ድሕሪ ደጊም ፍሉያት ህዝቢ ኣምላኽ ኣይኰኑን። (ማቴዎስ 23:38) እዚ ግን እስራኤላውያን ብሰንኪ ዘይምእዛዞምን ነቲ ናይ የሆዋ ቅቡእ ድማ ስለ ዝነጸግዎን ኢዩ። (ዘጸኣት 19:5፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:22, 23) ይኹን እምበር: እቲ ሕጊ ብኻልእ ቅድሚ ምትክኡ ብዙሕ ነገር ዓሚሙ ኢዩ። ንዘበናት ዝኣክል ናብ ኣምላኽ ንምቕራብ መገዲ ብምዃንን ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንምክልኻልን ጠቒሙ ኢዩ። ጽላሎት ናይቲ ሓድሽ ኪዳን ዝኸውን መዳያት ሒዙ ነይሩ ኢዩ: በቲ ኣብ ትሕቲኡ ዝግበር ዝነበረ ተደጋጋሚ መስዋእትታት: ሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ምድሓን ከም ዘድልዮ ድማ ገሊጹ ኢዩ። ብርግጽ: እቲ ሕጊ ‘ናብ ክርስቶስ ዘብጽሕ ቀጻዒ’ ኢዩ ነይሩ። (ገላትያ 3:19, 24፣ ሮሜ 3:20፣ 4:15፣ 5:12፣ እብራውያን 10:1, 2) ይኹን እምበር: እቲ ንኣብርሃም መብጽዓ እተኣትወሉ በረኸት ምሉእ ብምሉእ ዝገሃድ በዚ ሓድሽ ኪዳን ኣቢሉ ነበረ።
ብዘርኢ ኣብርሃም እተባረኹ ህዝብታት
5, 6. በቲ መሰረታዊ ዝዀነ መንፈሳዊ ፍጻሜ ኪዳን ኣብርሃም ገይርካ ክርአ ኸሎ: እቲ ዘርኢ ኣብርሃም መን ኢዩ: ብእኡ ኣቢሎም ንመጀመርታ ግዜ በረኸት እተቐበሉ ህዝቢኸ መን ኢዮም፧
5 የሆዋ ንኣብርሃም “ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ ድማ ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም” ብምባል ተማባጽዓሉ። (ዘፍጥረት 22:18) ኣብ ትሕቲ እቲ ብሉይ ኪዳን: ብዙሓት ትሑት ዝልቦም ወጻእተኛታት ምስ እስራኤላውያን—ሃገር-ለኸ ዘርኢ ኣብርሃም—ብምሕባሮም ተባሪኾም ኢዮም። ይኹን እምበር: በቲ መሰረታዊ ዝዀነ መንፈሳዊ ፍጻሜኡ ገይርካ ክረአ ኸሎ: እቲ ዘርኢ ኣብርሃም ሓደ ፍጹም ሰብኣይ ኢዩ ነይሩ። ጳውሎስ “እቲ ንኣብርሃምን ንዘርኡን እተነግረ ተስፋ ድማ ንሓደ ኸም ዚብሀል፣ ንዘርእኻ: ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እምበር: ንብዙሓት ከም ዚብሀል: ነዝርእቲ: ኣይብልን እዩ” ክብል ከሎ ነዚ ገሊጽዎ ኢዩ።—ገላትያ 3:16
6 እወ: የሱስ ዘርኢ ኣብርሃም ኢዩ: ህዝብታት ድማ ብእኡ ኣቢሎም ካብቲ ስጋውያን እስራኤል ክረኽብዎ ዝኽእሉ ዝዀነ ይኹን ነገር ንላዕሊ ኣዝዩ ዝበልጽ በረኸት ተቐቢሎም ኢዮም። ብርግጽ: እቶም መጀመርታ ነዚ በረኸት እዚ እተቐበሉ ህዝቢ: እስራኤላውያን ኢዮም ነይሮም። ድሕሪ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ብዙሕ ከይጸንሐ: ሃዋርያ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ንዝነበሩ ጕጅለ ኣይሁድ ከምዚ በሎም:- “ንስኻትኩም ውሉድ ነብያትን ውሉድ እቲ: ኣምላኽ ንኣብርሃም፤ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ብዘርእኻ ኺባረኹ እዮም: ኢሉ ምስ ኣቦታትና ዝአተዎ ኺዳንን ኢኹም። ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍኩም ካብ ክፍኣቱ እናመለሰ ምእንቲ ኺባርኸኩምሲ: ንወዱ ኣተንሲኡ ቕድሚ ዅሉ ናባኻትኩም ለአኾ።”—ግብሪ ሃዋርያት 3:25, 26
7. ብየሱስ: በቲ ዘርኢ ኣብርሃም ኣቢሎም እተባረኹ ኣህዛብ መን ኢዮም፧
7 ብዙሕ ከይጸንሐ: እቲ በረኸት ናብ ሳምራውያን ድሕሪኡ ድማ ናብ ኣህዛብ ተዘርግሐ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:14-17፣ 10:34-48) ኣብ መንጎ 50 ከምኡውን 52 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ዝነበረ ገለ እዋን: ጳውሎስ ናብቶም ኣብ ገላትያ ናይ ንእሽቶ እስያ ዝነበሩ ክርስትያናት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ጽሑፍውን: ኣምላኽ ነህዛብ ብእምነት ከም ዜጽድቖም: ቅድም ርእዩ: ንኣብርሃም: ኵሎም ኣህዛብ ብኣኻ ኺባረኹ እዮም: ኢሉ ኣቐዲሙ ኣበሰሮ። እምኣርስኸ እቶም ካብ እምነት ዘበሉ ምስ ኣብርሃም: ምስቲ ኣማኒ: ኪባረኹ እዮም።” (ገላትያ 3:8, 9፣ ዘፍጥረት 12:3) ኣብ ገላትያ ዝነበሩ ብዙሓት ክርስትያናት ‘ኣህዛብ’ እኳ እንተ ነበሩ: ብምኽንያት እምነቶም ብየሱስ ኣቢሎም ተባሪኾም ኢዮም። በየናይ መገዲ፧
8. ነቶም ኣብ ግዜ ጳውሎስ ዝነበሩ ክርስትያናት: ብዘርኢ ኣብርሃም ኣቢልካ በረኸት ምርካብ ክበሃል ከሎ እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ: ኣብ መወዳእታ ከምዚ ዝበለ በረኸት ዝረኽቡ ሰባትከ ክንደይ ኢዮም፧
8 ጳውሎስ መበቈሎም ካበይ ምዃኑ ብዘየገድስ: ነቶም ኣብ ገላትያ ዝነበሩ ክርስትያናት ከምዚ በሎም:- “ናይ ክርስቶስ ካብ ኰንኩም: ደጊም ዘርኢ ኣብርሃም ኢኹም: ከምቲ ተስፋውን ወረስቲ ኢኹም።” (ገላትያ 3:29) ንሰብ ገላትያ: እቲ ብዘርኢ ኣብርሃም ኣቢሉ ዝርከብ በረኸት: ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ምክፋልን መዋርስቲ የሱስ—ኣብቲ ናይ ኣብርሃም ዘርኢ ምስ የሱስ ሓበርቲ—ምዃኖምን ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ። ጥንታውያን እስራኤል ቍጽሮም ክንደይ ምንባሩ ኣይንፈልጦን ኢና። “ምብዛሖም ከም ሑጻ ባሕሪ” ምንባሩ ጥራይ ኢና እንፈልጥ። (1 ነገስት 4:20) ኣብቲ መንፈሳዊ ዘርኢ ምስ የሱስ ዝሓብሩ ሰባት ግን እቲ ናይ መወዳእታ ቝጽሮም 144,000 ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። (ራእይ 7:4፣ 14:1) እቶም 144,000 “ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን” ዝዀኑ ደቅሰብ ዝመጹ ኢዮም: ንበረኸት ናይቲ ምስ ኣብርሃም እተገብረ ኪዳን ካልኦት ከም ዝረኽብዎ ኣብ ምግባር ድማ ይካፈሉ።—ራእይ 5:9
ሓደ ትንቢት ተፈጸመ
9. እቶም ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ዘለዉ ሰባት ሕጊ የሆዋ ኣብ ውሽጦም ኢዩ ዝበሃል ብኸመይ ኢዩ፧
9 ኤርምያስ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ኪዳን ኣቐዲሙ ክዛረብ ከሎ ከምዚ በለ:- “ምስ ቤት እስራኤል ዝአትዎ ኺዳንሲ እዚ ደኣ እዩ፤ ሕገይ ኣብ ውሽጦም ከንብር ኣብ ልቦም ከኣ ክጽሕፎ . . . እየ።” (ኤርምያስ 31:33) ንየሆዋ ካብ ፍቕሪ ተላዒልካ ምግልጋል መለለዪ ጠባይ ናይቶም ኣባላት እቲ ሓድሽ ኪዳን ዝዀኑ ሰባት ኢዩ። (ዮሃንስ 13:35፣ እብራውያን 1:9) ሕጊ የሆዋ ኣብ ልቦም ኢዩ ተጻሒፉ: ፍቓዱ ንምግባር ድማ ናይ ሓቂ ባህጊ ኢዩ ዘለዎም። ሓቂ ኢዩ: ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ገለ እሙናት ውልቀ-ሰባት ንሕጊ የሆዋ ዓሚቝ ፍቕሪ ነይርዎም ኢዩ። (መዝሙር 119:97) ብዙሓት ሰባት ግን ከምኡ ኣይነበሩን። ይኹን እምበር: ኣባላት እቲ ህዝቢ ብምዃን ቀጺሎም ኢዮም። ሕጊ ኣምላኽ ኣብ ልቡ እንተድኣ ዘይተጻሒፉ: ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ክጸንሕ ዝኽእል ዋላ ሓደ ሰብ የለን።
10, 11. ነቶም ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ዘለዉ: የሆዋ “ኣምላኾም” ዝኸውን በየናይ መገዲ ኢዩ: ኵላቶም ንዕኡ ዝፈልጥዎኸ ብኸመይ ኢዮም፧
10 የሆዋ ብዛዕባ እቶም ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ዘለዉ ወሲኹ ከምዚ በለ:- “ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ: ንሳቶም ድማ ህዝበይ ኪዀኑ እዮም።” (ኤርምያስ 31:33) ኣብ ጥንታዊት እስራኤል: ብዙሓት ሰባት ንኣማልኽቲ ናይቶም ኣህዛብ የምልኹ እኳ እንተ ነበሩ: እስራኤላውያን ኰይኖም ግን ቀጺሎም ኢዮም። የሆዋ ብመሰረት እቲ ሓድሽ ኪዳን: ነቶም ብስጋ እስራኤላውያን ዝነበሩ ንምትካእ መንፈሳዊ ህዝቢ: ‘ናይ ኣምላኽ እስራኤል:’ ፈጠረ። (ገላትያ 6:16፣ ማቴዎስ 21:43፣ ሮሜ 9:6-8) ይኹን እምበር: ዝዀነ ይኹን ሰብ ንየሆዋ ጥራይ ካብ ምምላኽ እንተድኣ ኣቋሪጹ: ክፍሊ ናይቲ ሓድሽ መንፈሳዊ ህዝቢ ኰይኑ ኣይቅጽልን ኢዩ።
11 የሆዋ “ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኵላቶም ኪፈልጡኒ እዮም” ብምባል እውን ተዛሪቡ ኢዩ። (ኤርምያስ 31:34) ኣብ እስራኤል: ብዙሓት ሰባት “እግዚኣብሄርሲ ጽቡቕ ኣይገብር: ክፉእውን ኣይገብር” ብምባል ንየሆዋ ዕሽሽ ኢሎምዎ ኢዮም። (ጸፎንያስ 1:12) ዝዀነ ይኹን ሰብ ንየሆዋ ዕሽሽ እንተድኣ ኢልዎ ወይ ነቲ ጽሩይ ኣምልኾ እንተድኣ ኣባላሽዩ ክፍሊ ናይ ኣምላኽ እስራኤል ኰይኑ ኣይቅጽልን ኢዩ። (ማቴዎስ 6:24፣ ቈሎሴ 3:5) መንፈሳውያን እስራኤል “ንኣምላኹ ዚፈልጥ ህዝቢ” ኢዮም። (ዳንኤል 11:32) ‘ነቲ ኣምላኽ ሓቅን ንየሱስ ክርስቶስን ምፍላጥ’ ባህ የብሎም ኢዩ። (ዮሃንስ 17:3) የሱስ ብፍልይ ዝበለ መገዲ ‘ንኣምላኽ ስለ ዘግሃዶ’ ንየሱስ ምፍላጥ ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘለዎም ፍልጠት የዕምቖ ኢዩ።—ዮሃንስ 1:18፣ 14:9-11
12, 13. (ሀ) የሆዋ ንሓጢኣት ናይቶም ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ዘለዉ ይቕረ ዝብል ብምንታይ መሰረት ኢዩ፧ (ለ) ንሓጢኣት ይቕረ ብምባል ዝመጸ: እቲ ሓድሽ ኪዳን ካብቲ ብሉይ ኪዳን ዝበልጽ ብኸመይ ኢዩ፧
12 ኣብ መወዳእታ: የሆዋ ከምዚ ብምባል ተመባጽዐ:- “ኣነ ኣበሳኦም ይቕረ ኽብለሎም: ሓጢኣቶም ድማ ድሕርዚ ኣይክዝክርን እየ።” (ኤርምያስ 31:34ሀ) ሕጊ ሙሴ እስራኤላውያን ክሕልውዎ ጻውዒት ዝቐረበሎም ብኣምእታት ዝቝጸር እተጻሕፈ ስርዓታት ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ። (ዘዳግም 28:1, 2, 15) ኵሎም እቶም ነቲ ሕጊ ዝጠሓሱ ሰባት ሓጢኣቶም ንምድምሳስ መስዋእትታት ኣቕሪቦም ኢዮም። (ዘሌዋውያን 4:1-7፣ 16:1-31) ብዙሓት ኣይሁድ ብመሰረት እቲ ሕጊ ብግብሮም ክጸድቁ ከም ዝኽእሉ እምነት ነበሮም። ክርስትያናት ግን: ብግብሮም ፈጺሞም ክጸድቁ ኸም ዘይክእሉ ይግንዘቡ ኢዮም። ሓጢኣት ካብ ምፍጻም ዓዲ ክውዕሉ ኣይክእሉን ኢዮም። (ሮሜ 5:12) ኣብ ትሕቲ እቲ ሓድሽ ኪዳን: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽድቃዊ ኣቕዋም ክህልወካ ዝኽእል ብመሰረት መስዋእቲ የሱስ ጥራይ ኢዩ። ይኹን እምበር: ከምዚ ዝበለ ኣቕዋም ክህልወካ ህያብ: እወ ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ዘይንበቕዖ ሕያውነት ኢዩ። (ሮሜ 3:20, 23, 24) የሆዋ ገና ኣገልገልቱ እዙዛት ክዀኑ ይጽበ ኢዩ። ጳውሎስ እቶም ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ዘለዉ ሰባት “ብሕጊ ክርስቶስ” ኢዮም ዝነብሩ ይብል።—1 ቈረንቶስ 9:21
13 ስለዚ: ንክርስትያናት እውን እንተዀነ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ኣለዎም: እዚ ግን ካብቲ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኪዳን ዝቐርብ ዝነበረ መስዋእትታት ዝበልጽ ዋጋ ዘለዎ ኢዩ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ካህን ዘበለ ዅሉ [ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኪዳን] ኣብ ጸጽባሕ እናገልገለ ይቐውም እዩ እሞ ነቲ ሓጢኣት ኬርሕቖ ከቶ ዘይከአሎ መስዋእቲ ብዙሕ ሳዕ የቕርቦ አሎ። [ክርስቶስ] ግና . . . ብሓንቲ መስዋእቲ . . . ስለ ሓጢኣት ምስ ኣቕረበ: . . . ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ።” (እብራውያን 10:11, 12) እቶም ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ዘለዉ ክርስትያናት: ኣብ መስዋእቲ የሱስ እምነት ስለ ዘርእዩ: የሆዋ ጻድቃን: ብዘይ ሓጢኣት ምዃኖም ይዛረበሎም: በዚ ኸኣ ከም መንፈሳውያን ደቁ ኰይኖም ንኽቕብኡ ብቑዓት ይዀኑ። (ሮሜ 5:1፣ 8:33, 34፣ እብራውያን 10:14-18) ብምኽንያት ሰብኣዊ ዘይፍጽምና ሓጢኣት ምስ ዝፍጽሙ ናይ የሆዋ ይቕረታ ክልምኑ ይኽእሉ ኢዮም: የሆዋ ኸኣ ብመሰረት መስዋእቲ የሱስ ይቕረ ይብለሎም። (1 ዮሃንስ 2:1, 2) ይኹን እምበር: ደይ መደይ ኢሎም ሓጢኣት እንተድኣ ፈጺሞም: ነቲ ጽድቃዊ ኣቕዋሞምን ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ተኻፈልቲ ናይ ምዃን መሰልን የጥፍኡ።—እብራውያን 2:2, 3፣ 6:4-8፣ 10:26-31
እቲ ብሉይን እቲ ሓድሽን ኪዳን
14. ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ኪዳን እንታይ ዓይነት ግዝረት ኢዩ ዝድለ ዝነበረ፧ ኣብ ትሕቲ እቲ ሓድሽ ኪዳንከ፧
14 ኣባላት ናይቲ ብሉይ ኪዳን ዝነበሩ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ከም ዝዀኑ ንምርኣይ ይግዘሩ ነይሮም ኢዮም። (ዘሌዋውያን 12:2, 3፣ ገላትያ 5:3) እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ ጀመረት ድማ: ገሊኣቶም ሰባት: ኣይሁድ ዘይኰኑ ክርስትያናት ክግዘሩ ኣለዎም ዝብል ስምዒት ነበሮም። እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ግን ብቓል ኣምላኽን መንፈስ ቅዱስን ተመሪሖም: እዚ ነገር እዚ ከም ዘየድሊ ተረድኡ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:1, 5, 28, 29) ሒደት ዓመታት ጸኒሑ: ጳውሎስ ከምዚ በለ:- “ብዚርኤ ኣይሁዳዊ ምዃን ኣይሁዳዊ ኣይኰነን እሞ: እታ ብዚርኤ ኣብ ስጋ እትግበር ግዝረትውን ግዝረት ኣይኰነትን። እቲ ብውሽጡ ኣይሁዳዊ ዝዀነ ግና: ንሱ ኣይሁዳዊ እዩ። እታ ግዝረት ከኣ ግዝረት ልቢ ብመንፈስ እያ እምበር: ብፊዴል ኣይኰነትን።” (ሮሜ 2:28, 29) ቃል ብቓሉ ግዝረት: ነቶም ብስጋ ኣይሁድ ዝነበሩ እውን ከይተረፈ ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ተወሳኺ መንፈሳዊ ጥቕሚ ኣይነበሮን። ነቶም ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ዘለዉ: ስጋኦም ዘይኰነስ ልቦም ኢዩ ክግዘር ዘለዎ። ኣብ ኣተሓሳስባኦም: ባህጎም: ከምኡውን ኣብ ድራኸኦም ዘሎ ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ባህ ዘየብል ወይ ርኹስ ዝዀነ ኵሉ ነገር ክቝረጽ ኣለዎ።a መንፈስ ቅዱስ በዚ መገዲ እዚ ገይሩ ንኣተሓሳስባ ክልውጥ ሓይሊ ዘለዎ ምዃኑ: ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ህያዋን መሰኻኽር ኢዮም።—1 ቈረንቶስ 6:9-11፣ ገላትያ 5:22-24፣ ኤፌሶን 4:22-24
15. ስጋውያን እስራኤልን ናይ ኣምላኽ እስራኤልን ብንጉሳዊ ግዝኣት ዝመጸ ብኸመይ ከነወዳድሮም ንኽእል፧
15 ኣብ ስርዓት ሕጊ ኪዳን የሆዋ ንጉስ እስራኤል ኢዩ ነይሩ: ጸኒሑ ድማ በቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሰብኣውያን ነገስታት ኣቢሉ ሉዓላውነቱ ይገልጽ ነበረ። (ኢሳይያስ 33:22) የሆዋ ንጉስ ናይ ኣምላኽ እስራኤል ማለት ናይ መንፈሳዊ እስራኤል እውን ኢዩ: ካብ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣትሒዙ ድማ በቲ ‘ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን እተዋህቦ’ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ይገዝእ ኣሎ። (ማቴዎስ 28:18፣ ኤፌሶን 1:19-23፣ ቈሎሴ 1:13, 14) ሎሚ: እቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤል የሱስ ንጉስ ናይታ ብ1914 ዝቘመት ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኣፍልጦ ይህብሉ ኢዮም። የሱስ ካብ ህዝቅያስ: ዮስያስ: ከምኡውን ካብ ካልኦት እሙናት ነገስታት ጥንታዊት እስራኤል ኣዝዩ ዝበለጸ ንጉስ ኢዩ።—እብራውያን 1:8, 9፣ ራእይ 11:15
16. ናይ ኣምላኽ እስራኤል እንታይ ዓይነት ክህነት ኢዩ፧
16 እስራኤላውያን መንግስቲ ጥራይ ዘይኰኑስ እተቐብአ ክህነት እውን ነይርዎም ኢዩ። ብ33 ከ.ኣ.ዘ. እቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤል ንስጋውያን እስራኤል ተክእዎም: ‘ባሮት’ የሆዋ: ‘መሰኻኽሩ’ ድማ ኰኑ። (ኢሳይያስ 43:10) በዚ ኸምዚ ድማ እቲ ኣብ ኢሳይያስ 43:21 ከምኡውን ዘጸኣት 19:5, 6 ተመዝጊቡ ዘሎ ቃላት የሆዋ ኣብቶም ናይ ኣምላኽ መንፈሳውያን እስራኤል ውዒሉ ኢዩ። እቲ ሓድሽ መንፈሳዊ ህዝቢ ኣምላኽ: ሕጂ “ደግነት” የሆዋ ክነግር ሓላፍነት ዘለዎ: “ሕሩይ ወለዶ: ናይ መንግስቲ ኽህነት: ቅዱስ ህዝቢ: ጥሪት ኣምላኽ” ኰነ። (1 ጴጥሮስ 2:9) ኣብቲ ናይ ኣምላኽ እስራኤል ዘለዉ ዅሎም: ሰብኡትን ኣንስትን: ሓባራዊ ክህነት የቝሙ። (ገላትያ 3:28, 29) ከም ካልኣይ ደረጃ ዘርኢ ኣብርሃም መጠን: ሕጂ “ኣቱም ህዝብታት: ምስ ህዝቡ ተሐጐሱ” ይብሉ። (ዘዳግም 32:43) እቶም ገና ኣብ ምድሪ ተሪፎም ዘለዉ መንፈሳውያን እስራኤል ነቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” የቝሙ። (ማቴዎስ 24:45-47 NW ) ምስኣቶም ብምሕባር ጥራይ ኢዩ ንኣምላኽ ቅዱስ ኣገልግሎት ምቕራብ ዝከኣል።
መንግስቲ ኣምላኽ—እታ ናይ መወዳእታ ፍጻሜ
17. እቶም ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ዘለዉ ሰባት እንታይ ዓይነት ውልድነት ኢዮም ዝረኽቡ፧
17 እቶም ድሕሪ 1513 ቅ.ኣ.ዘ. እተወልዱ እስራኤላውያን ኣባላት እቲ ሕጊ ኪዳን ዝዀኑ ብውልድነት ኢዮም። እቶም የሆዋ ኣባላት እቲ ሓድሽ ኪዳን ክዀኑ ዝጸውዖም ሰባት እውን ይውለዱ ኢዮም: ናታቶም ግን መንፈሳዊ ውልድነት ኢዩ። የሱስ ‘ካብ ላዕሊ [“እንደገና:” NW ] እንተ ዘይተወልደ: ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል የልቦን’ ብምባል ክዛረብ ከሎ ብዛዕባ እዚ ውልድነት እዚ ኢዩ ነቲ ፈሪሳዊ ኒቆዲሞስ ዝጠቐሰሉ። (ዮሃንስ 3:3) እቶም ኣብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበሩ 120 ደቀ መዛሙርቲ ነዚ ሓድሽ ውልድነት ዝረኸቡ ናይ መጀመርታ ዘይፍጹማት ሰባት ኢዮም ነይሮም። ብመሰረት እቲ ሓድሽ ኪዳን ጻድቃን ስለ እተባህለሎም: ከም “ዕርቡን” ናይቲ ንጉሳዊ ውርሻኦም መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ። (ኤፌሶን 1:14) ውልድነት ደቂ ኣምላኽ ንምርካብ ‘ካብ መንፈስ ተወልዱ:’ እዚ ድማ ኣሕዋት የሱስ ብእኡ ኣቢሎም ድማ ‘መዋርስቲ ክርስቶስ’ ከም ዝዀኑ ገይርዎም ኢዩ። (ዮሃንስ 3:6፣ ሮሜ 8:16, 17) ‘እንደገና ምውላዶም’ ዘደንቕ ተስፋታት ንምርካብ መገዲ ከፊትሎም ኢዩ።
18. ነቶም ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ዘለዉ ሰባት እንደገና ምውላድ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ተስፋታት ንምርካብ ኢዩ መገዲ ዝኸፍተሎም፧
18 የሱስ ማእከላይ ናይቲ ሓድሽ ኪዳን ብምዃን ክዓዪ ኸሎ: “ከምቲ ንኣይ ኣቦይ ዝመደበለይ: ንኣኻትኩም ከኣ ኣነ መንግስቲ መደብኩልኩም” ብምባል ንሰዓብቱ ተወሳኺ ኪዳን ኣትዪሎም ኢዩ። (ሉቃስ 22:29) እዚ ናይ መንግስቲ ኪዳን እዚ ንፍጻሜ ናይቲ ኣብ ዳንኤል 7:13, 14, 22, 27 ተመዝጊቡ ዘሎ ዘደንቕ ራእይ መገዲ ዝጸርግ ኢዩ። ዳንኤል “ወዲ ሰብ ዚመስል” ካብቲ “ጥንታዊ ዝመዓልቱ” የሆዋ ኣምላኽ ናይ ንግስነት ስልጣን ክቕበል ከሎ ረኣየ። ድሕርዚ ዳንኤል: ‘እቶም ቅዱሳን ነታ መንግስቲ ክወርሱ’ ረኣየ። የሱስ እቲ ብ1914 ነታ ሰማያዊት መንግስቲ ካብ የሆዋ ኣምላኽ እተቐበለ “ወዲ ሰብ ዚመስል” ኣካል ኢዩ። እቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ደቀ መዛሙርቱ ድማ እቶም ኣብታ መንግስቲ ምስኡ ግደ ዘለዎም “ቅዱሳን” ኢዮም። (1 ተሰሎንቄ 2:12) ብኸመይ፧
19, 20. (ሀ) ነቶም ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ዘለዉ: እንታይ ናይ መወዳእታን ክቡርን ፍጻሜ ናይቲ የሆዋ ንኣብርሃም ዝሃቦ መብጽዓ ኢዩ ዝህልዎም፧ (ለ) እንታይ ተወሳኺ ሕቶ ኢዩ ክምለስ ዘድልዮ፧
19 እዞም ቅቡኣት ሰባት እዚኣቶም ምስ ሞቱ: ልክዕ ከም የሱስ ዘይሞቱ መንፈሳውያን ፍጡራት ኰይኖም ምስኡ ኣብ ሰማይ ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ንምግልጋል ካብ ምዉታት ተንሲኦም ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 15:50-53፣ ራእይ 20:4, 6) ከመይ ዝበለ ክቡር ተስፋ ዀን ኢዩ! ኣብ መሬት ከንኣን ጥራይ ዘይኰነስ “ኣብ ምድሪ . . ኪነግሱ እዮም።” (ራእይ 5:10) ‘ደጌታት ጸላእቶምከ ክወርሱ’ ድዮም፧ (ዘፍጥረት 22:17) እወ: ጥፍኣት ናይታ ጸላኢቶም ዝዀነት ሃይማኖታዊት ኣመንዝራ: ዓባይ ባቢሎን: ብዓይኖም ምስ ረኣዩ: ከምኡውን እዞም ዝተንስኡ ቅቡኣት ሰባት ንህዝብታት “ብበትሪ ሓጺን” ኣብ ምጕሳይን ንርእሲ ሰይጣን ኣብ ምጭፍላቕን ንየሱስ ምስ ሓበርዎ ወሳኒ ብዝዀነ መገዲ ክፍጸም ኢዩ። በዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ዘሎ ትንቢት ናይ መወዳእታ ዝርዝሩ ኣብ ምፍጻም ግደ ክህልዎም ኢዩ።—ራእይ 2:26, 27፣ 17:14፣ 18:20, 21፣ ሮሜ 16:20
20 እንተዀነ ግን: እቲ ናይ ኣብርሃም ኪዳንን እቲ ሓድሽ ኪዳንን ነዞም እሙናት ነፍሳት ዝዀኑ 144,000 ጥራይ ዝምልከት ድዩ፧ ኢልና ንሓትት ንኸውን። ኣይፋልን: ከምቲ ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ እንርእዮ: ኣብዚ ኪዳናት እዚ ብቐጥታ እቱዋት ዘይኰኑ ካልኦት ሰባት እውን በቶም ሰብ ኪዳን ኣቢሎም ክባረኹ ኢዮም።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብቲ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ (እንግሊዝኛ) ጥራዝ 1 ገጽ 470 ርአ።
ትዝክሮዶ፧
◻ እቲ ሓድሽ ኪዳን ንመጀመርታ ግዜ ክዓዪ እተራእየ መዓስ ኢዩ፧
◻ በቲ ብሉይ ኪዳን እተዓመ ነገር እንታይ ኢዩ፧
◻ እቶም ቀንዲ ዘርኢ ኣብርሃም መን ኢዮም: በየናይ መስርዕከ ኢዮም ህዝብታት በቲ ዘርኢ እተባረኹ፧
◻ ነቶም 144,000 ዝምልከት: ናይ ኣብርሃም ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን ናይ መወዳእታ ፍጻሜኡ እንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ሕድገት ሓጢኣት ካብ ነቶም ኣብ ትሕቲ ብሉይ ኪዳን ዝነበሩ: ነቶም ኣብ ትሕቲ ሓድሽ ኪዳን ዘለዉ ዝዓመቘ ትርጕም ኣለዎ