-
ህይወት ብኸመይ ጀሚራ፧ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
-
-
5. እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዛንታ ፍጥረት ዜእምን እዩ
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 1፡ ብዛዕባ መበቈል ምድርን ህይወትን ይገልጽ እዩ። ነቲ ዛንታ እትስ ክትኣምኖ ትኽእል ዲኻ ወይስ ጽውጽዋይ እዩ፧ ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
መጽሓፍ ቅዱስ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ህይወትን ዐዕስራን ኣርባዕተን ሰዓት ኣብ ዝንውሓተን ሽዱሽተ መዓልትታት ከም እተፈጥረ ይምህር ድዩ፧
እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዛንታ ፍጥረት ርትዓውን ዜእምንንዶ ይመስለካ፧ ስለምንታይ፧
ዘፍጥረት 1:1 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ዩኒቨርስ መጀመርታ ኸም ዘለዎ ይኣምኑ። እዚ መደምደምታኦም ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንበብካዮ ኸተረኣእዮ ኸለኻ ኸመይ እዩ፧
ገሊኦም ሰባት፡ ‘ኣምላኽ ብፍልቀት ገይሩ ህይወት ፈጢሩ ደዀን ይኸውን፧’ ኢሎም ይሓስቡ እዮም። ዘፍጥረት 1:21, 25, 27 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
መጽሓፍ ቅዱስሲ ኣምላኽ ቀሊል ዓይነት ህይወት ድሕሪ ምፍጣሩ፡ ድሕሪኡ ናብ ዓሳታትን መጥበውትን ሰባትን ብፍልቀት ከም እተመሓየሹ ድዩ ዚምህር፡ ወይስ ኵሉ “ዓይነት” ህይወት ከም ዝፈጠረ እዩ ዚምህር፧b
-