ኖህ ብእምነቱ ንዓለም ኰነና
ብዛዕባ እቲ ማይ ኣይሂ ንምድሪ ኸጥፍኣ ኸሎ ንምድሓን እትኸውን መርከብ ዝሰርሐ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ኖህ ዝበሃል ሰብኣይ ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧ እዚ ታሪኽ እዚ ጥንታዊ እኳ እንተዀነ: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ይፈልጥዎ ኢዮም። ኖህ ዘሕለፎ ህይወት ንዅላትና ትርጕም ከም ዘለዎ ግን ብዙሓት ኣየስተውዕልዎን ኢዮም።
እዚ ቕድሚ ኣሽሓት ዓመታት እተፈጸመ ታሪኽ ከገድሰና ዝግብኦ ስለምንታይ ኢዩ፧ ኣብ መንጎ ናይ ኖህን ናትናን ኵነታት ምምስሳል ኣሎ ድዩ፧ እንተድኣ ኣልዩ ብኸመይ ካብ ኣብነቱ ኽንጥቀም ንኽእል፧
ብግዜ ኖህ ዝነበረት ዓለም
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መስርዕ ፍጻመታት: ኖህ ብ2970 ቅ.ኣ.ዘ. ማለት ኣዳም ካብ ዝመውት 126 ዓመታት ጸኒሑ ኸም እተወልደ ኢዩ ዝሕብረና። ብግዜ ኖህ ምድሪ ብዓመጽ መሊኣ ነበረት: መብዛሕትኦም ዘርኢ ኣዳም ድማ ነቲ ፋሉል መገድታት ኣቦታቶም ኢዮም ዝስዕቡ ነይሮም። ስለዚ “እግዚኣብሄር . . . ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሔን ብሓሳባት ልቡ ዚሕልኖ ድማ ወርትግ ክፉእ ጥራይ ከም ዝዀነን ረአየ።”—ዘፍጥረት 6:5, 11, 12
ደቅሰብ ብምዕላዎም ጥራይ ኣይኰነን የሆዋ ዝጐሃየ። ኣብ ዘፍጥረት ዝርከብ ጸብጻብ ከምዚ ብምባል ይገልጸልና:- “እቶም ደቂ ኣምላኽ ድማ ነተን ኣዋልድ ሰብ: መልክዔኛታት ከም ዝዀና ምስ ረአዩ: ካባታተን ዘዝሐረይወን ኣንስቲ ወሰዱ። . . . ደቂ ኣምላኽ ናብተን ኣዋልድ ሰብ ምስ አተዉ: ንሳተን ከኣ ምስ ወለዳሎም: በቲ ዘበን እቲ: ብድሕሪኡ ድማ: ኣብ ምድሪ ንጉዓት ሰባት ነበሩ። እቶም ካብ ጥንቲ ስሙያት ዝነበሩ ጀጋኑ ሰባት እዚኣቶም እዮም።” (ዘፍጥረት 6:2-4) ነዚ ጥቕስታት እዚ ምስቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ዝጸሓፎ ምስ እነተሓሕዞ “እቶም ደቂ ኣምላኽ” ተባሂሎም ዘለዉ ዘይእዙዛት መላእኽቲ ምዃኖም ንፈልጥ። እዞም ንጉዓት ሰባት ተባሂሎም ዘለዉ: እቶም ስጋ ዝለበሱ ከዳዓት መላእኽቲ ምስ ኣንስቶም ብዝፈጸምዎ ዘይንቡር ስጋዊ ርክብ እተወልዱ ኢዮም።—1 ጴጥሮስ 3:19, 20
እታ “ንጉዓት” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ነፍሊም እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል “መውደቕቲ” ተባሂላ እትትርጐም ኰይና ንኻልኦት ዘውድቑ ውልቀ-ሰባት ማለት ከኣ ኢያ። ጨቈንቲ ኢዮም ነይሮም: ሓጢኣት ናይቶም ህርፋን ጾታዊ ርክብ ዝነበሮም ኣቦታቶም ድማ ምስ ናይ ሶዶምን ጎሞራን ርኽሰት ኢዩ ተመሳሲሉ ዘሎ። (ይሁዳ 6, 7) እዚኣቶም ብሓባር ኰይኖም ድማ ኣብ ምድሪ እዚ ኽበሃል ዘይከኣል እከይ ንኸስፋሕፍሕ ድራኸ ኣሕደሩ።
‘ኣብቶም ወለዶታቱ እንታ ዘይብሉ ሰብኣይ’
እከይ ኣዝዩ ኣስፋሕፊሑ ስለ ዝነበረ: ኣምላኽ ንደቅሰብ ክድምስሶም ወሰነ። እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጸብጻብ ከምዚ ይብለና:- “ኖህ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ረኸበ። . . . ኖህ ኣብቶም ወለዶታቱ ጻድቕን እንታ ዜብሉን ሰብኣይ ነበረ። ኖህ ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ።” (ዘፍጥረት 6:8, 9) ኣብታ ጥፍኣት ዝግብኣ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበራ ዓለም ብኸመይ ኢዩ ‘ምስ ኣምላኽ ምምልላስ’ ዝከኣል፧
ኖህ ካብቲ ብግዜ ኣዳም ዝነበረ እምነት ዝነበሮ ላሜክ ኣቦኡ ብዙሕ ከም እተማህረ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ላሜክ ንወዱ: ኖህ (“ዕረፍቲ” ወይ “ምጽንናዕ” ዝትርጕሙ ተባሂሉ ዝሕሰብ) ኢሉ ስም ከውጽኣሉ ኸሎ: “ኣብዛ እግዚኣብሄር ዝረገማ ምድሪ ኻብ ዘሎ ዕዮናን ካብ ጻዕሪ ኢድናን እዚ ኼጸናንዓና እዩ” ኢሉ ተነበየ። እዚ ትንቢት እዚ ኸኣ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝነበረ መርገም ምስ ኣለዮ ተፈጸመ።—ዘፍጥረት 5:29፣ 8:21
ወለዲ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ምዃኖም ንውሉዳት የግዲ ንኣምላኽ ከም ዝፈርሁ ኣይገብሮምን ኢዩ: ከመይሲ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ምስ የሆዋ ናይ ብሕቱ ርክብ ኢዩ ኽምስርት ዘለዎ። ኖህ ኣምላኽ ዝሰምሮ መገዲ ብምስዓብ “ምስ ኣምላኽ ተመላለሰ።” ብዛዕባ ኣምላኽ ዝፈለጦ ነገራት ንኸገልግሎ ደረኾ። ኣምላኽ ‘ንዅሉ ስጋ ብማይ ኣይሂ ኸጥፍኦ’ ከም ዝመደበ ምስ ነገሮ እውን እምነቱ ሰንከልከል ኣይበለትን።—ዘፍጥረት 6:13, 17
ኖህ ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ጥፍኣት ከም ዝመጽእ ርግጸኛ ብምዃን ነቲ የሆዋ “ንኣኻ ኻብ ኦም ጎፌር መርከብ ስራሕ። ነታ መርከብ ክፍልታት ግበረላ: ውሽጣን ግዳማን ከኣ ብቕጥራን ለቕልቃ” ብምባል ዝሃቦ ትእዛዝ ፈጸመ። (ዘፍጥረት 6:14) ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ እታ መርከብ ዝነገሮ ዝርዝር ነገራት ምስራሕ ቀሊል ኣይነበረን። እንተዀነ ግን: “ኖህ . . . ከምኡ ገበረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ንዅሉ ነገር ከምኡ ገበረ።” (ዘፍጥረት 6:22) ኣብዚ ዕዮ እዚ ሰበይቱን ሴምን ካምን ያፌትን ዝበሃሉ ደቁን ኣንስቲ ደቁን ሓጊዞሞ ኢዮም። እወ: የሆዋ ንእምነቱ ባሪኽሉ ኢዩ። እዝስ ነዘን ሎሚ ዘለዋ ስድራቤታት ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን ኢዩ!
ምስራሕ እታ መርከብ እንታይ ዘጠቓልል ነበረ፧ የሆዋ ንኖህ ሓንቲ ዳርጋ 133 ሜትሮ ዝምንዋሓ 22 ሜትሮ ዝምግፋሓ 13 ሜትሮ ድማ ዝምብራኻ ሰለስተ ደርቢ ዘለዋ ማይ ዘይተእቱ ዓባይ ሳንዱቕ ብዕንጨይቲ ኽሰርሕ ኢዩ መምርሒ ሂብዎ። (ዘፍጥረት 6:15, 16) እዛ መርከብ እዚኣ: ሎሚ ዘለዋ እተፈላለያ ናይ ጽዕነት መራኽብ ክስከማኦ ዝኽእላ መጠን ኽትጽዕን ትኽእል ነይራ።
ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዓቢ ስራሕ ኰን ኢዩ ነይሩ! እዚ ስራሕ እዚ ሓያሎ ኣእዋም ምቝራጽ: ናብቲ እታ መርከብ እትህነጸሉ ቦታ ምጕራት: ከምኡውን ነቲ ኣእዋም ናብ ሉሕ ወይ ገመል ምቍርራጽ ዝሓትት ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። ነታ መርከብ ዝድግፋ ኣዕጻው ምግባር: ሽኻል ምስራሕ: ማይ ከም ዘይተእቱ ዝገብራ ቕጥራን ከምኡውን መትሓዚ ኣቕሑን መሳርሒታትን ምርካብ: ወዘተ ዘጠቓልል ነበረ። ምስ ነጋዶ ምውጋይ ከምኡውን ናይ ንብረትን ኣገልግሎትን ዋጋ ምኽፋል ዝሓትት ነበረ። እቲ ኣዕጻው ንሓድሕዱ ብግቡእ ንምግጣምን ድልድልቲ መርከብ ንምስራሕን ኽኢላ ጸራቢ ምዃን ከም ዝሓትት ፍሉጥ ኢዩ። እቲ ስራሕ ምናልባት 50 ወይ 60 ዓመት ኣቢሉ ወሲዱ ክኸውን ከም ዝኽእል ከኣ እሞ ሕስብ ኣብል!ድሕርዚ ኖህ እኹል ቀለብን ሓሰርን ክእክብ ነበሮ። (ዘፍጥረት 6:21) ብዙሓት እንስሳታት እናዀብኰበ ናብታ መርከብ ከእትዎም ነበሮ። ኖህ ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበረ: እቲ ስራሕ ከኣ ተዛዘመ። (ዘፍጥረት 6:22) የሆዋ ንጻዕርታቱ ስለ ዝባረኾ ድማ እቲ ስራሕ ዕዉት ኰይኑ ኢዩ።
“ሰባኽ ጽድቂ”
ኖህ መርከብ ጥራይ ኣይኰነን ሰሪሑ: የግዳስ መጠንቀቕታ ኣዊጁን “ሰባኽ ጽድቂ” ብምዃን ድማ ንኣምላኽ ብተኣማንነት ኣገልጊሉን ኢዩ። እቶም ሰባት ግን “ማይ ኣይሂ መጺኡ: ንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን።”—2 ጴጥሮስ 2:5፣ ማቴዎስ 24:38, 39
ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ መንፈሳውን ስነ-ምግባራውን ውድቀት ኣብ ግምት ብምእታው: ስድራቤት ኖህ መስሓቕ እቶም ዘይኣምኑ ጐረባብቶም ከም ዝዀኑ: ኣደዳ ላግጽን ጸርፍን ድማ ምንባሮም ብቐሊሉ ኽርድኣና ይኽእል ኢዩ። ሰባት ከም ጽሉላት ገይሮም ይርእይዎም ነይሮም ክዀኑ ኣለዎም። እንተዀነ ግን: ኖህ ንስድራቤቱ መንፈሳዊ ምትብባዕን ሓገዝን ኣብ ምሃብ ዕዉት ኢዩ ነይሩ: ከመይሲ ስድራቤቱ ነቲ ዓመጽ ዝመልኦን ዘይስነ-ምግባራውን ዓለወኛን መገዲ ናይቶም ኣብ ከባቢኦም ዝርከቡ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበሮም ሰባት ኣይሰዓቡን። ኖህ ንእምነቱ ብዘረባኡን ተግባራቱን ኣርኣየ: ነታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ድማ ኰነና።—እብራውያን 11:7
ካብ ማይ ኣይሂ ደሓኑ
ማይ ኣይሂ ንኽወቅዕ ሒደት ግዜ ምስ ተረፎ: ኣምላኽ ንኖህ ናብታ እተዛዘመት መርከብ ክኣቱ ነገሮ። ስድራቤት ኖህን እቶም እንስሳታትን ምስ ኣተዉ “እግዚኣብሄር . . . ብድሕሪኡ ዐጸዎ:” ካብቲ ላግጺ እውን ኣናገፎም። ማይ ኣይሂ ምስ መጸ እቶም ዘይእዙዛት መላእኽቲ ስጋኦም ቀንጢጦም ካብቲ ጥፍኣት ከም ዘምለጡ ፍሉጥ ኢዩ። እቶም ካልኦትከ፧ ነቶም ንጉዓት ሰባት እውን ሓዊስካ ኻብታ መርከብ ወጻኢ ኣብቲ ንቑጽ ምድሪ ዝነበረ ዅሉ ህያው ፍጡር ጠፍአ! ኖህን ስድራቤቱን ጥራይ ደሓኑ።—ዘፍጥረት 7:1-23
ኖህን ስድራቤቱን ኣብታ መርከብ ሓደ ዓመትን ዓሰርተ መዓልትን ገበሩ። ነቶም እንስሳታት ኣብ ምምጋብን ማይ ኣብ ምስታይን: ነታ መርከብ ኣብ ምጽራይ: ከምኡውን ንዘጋጥም ፍጻመታት ኣብ ምምዝጋብ ትሑዛት ነበሩ። ልክዕ ከምቲ መራሕቲ መርከብ ንመዓልታዊ ዅነታት ጕዕዞኦም ዝምዝግብዎ: ኣብ መጽሓፍ ዘፍጥረት ድማ ነፍሲ ወከፍ ፍጻመታት ናይቲ ማይ ኣይሂ ዝዘነመሉ እዋን ተመዝጊቡ ኣሎ፣ እዚ ድማ ሓቅነት ናይቲ ጸብጻብ ዘርኢ ኢዩ።—ዘፍጥረት 7:11, 17, 24፣ 8:3-14
ኖህ ኣብታ መርከብ ከሎ ነቲ ስድራቤቱ እትገብሮ መንፈሳዊ ምይይጥን ንኣምላኽ እተቕርቦ ውዳሰን ይመርሖ ምንባሩ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እቲ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ታሪኽ ብኖህን ስድራቤቱን ኣቢሉ እተዓቀበ ኢዩ ዝመስል። ኣብ ግዜ ማይ ኣይሂ እቲ ትውክልቲ ዝግበሮ ኣፈ-ታሪኽ ወይ ኣብ ኢዶም ዝነበረ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ታሪኻዊ ሰነዳት ንምይይጥ ጠቒምዎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ኖህን ስድራቤቱን ናብቲ ንቑጽ ምድሪ ኽወጹ ኸለዉስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ተሓጒሶም ክዀኑ ዘለዎም! ኖህ ካብታ መርከብ ምስ ወጸ ብኡንብኡ መሰውኢ ሃነጸ: ናይ ስድራቤቱ ኻህን ብምዃን ድማ ነቲ ዘድሓኖም መስዋእቲ ሰውአ።—ዘፍጥረት 8:18-20
“ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ”
የሱስ ክርስቶስ “ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ: ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ” በለ። (ማቴዎስ 24:37) ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እውን ብተመሳሳሊ ንሰባት ክንስሑ ዝምሕጸኑ ሰበኽቲ ጽድቂ ኢዮም። (2 ጴጥሮስ 3:5-9) ነዚ ምምስሳል እዚ ኽንሓስበሉ ኸሎና: ቅድሚ ማይ ኣይሂ ኖህ እንታይ ይሓስብ ከም ዝነበረ ኽንፈልጥ ንደሊ ንኸውን። ስብከቱ ዋጋ ዘይብሉ ዀይኑ እተሰምዖ ግዜ ነይሩዶ ዀን ይኸውን፧ ዝሰልከየሉ እዋንከ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢሉ ኣይነግረናን ኢዩ። ኖህ ንኣምላኽ ከም እተኣዘዘ ጥራይ ኢዩ ዝነግረና።
ኖህ ዝነበረሉ ኵነታት ምስዚ ናትና ዘለዎ ምምስሳል ኣስተብሂልካሉዶ፧ ምጽራርን ጸገማትን እኳ እንተ ኣጋጠሞ ንየሆዋ ተኣዚዙ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ የሆዋ ጻድቕ ዝበሎ። ስድራቤት ኖህ የሆዋ መዓስ ማይ ኣይሂ ኸም ዘዝንም ኣይፈልጡን ኢዮም ነይሮም: ምምጽኡ ኸም ዘይተርፎ ግን ይፈልጡ ነበሩ። ኖህ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝነበሮ እምነት ነቲ ንብዙሕ ዓመታት ዝገበሮ ዕዮን ነቲ ፍረ ዘይብሉ ዝመስል ዝነበረ ዕዮ ስብከትን ጸኒዑ ንኽቕጽሎ ሓጊዝዎ ኢዩ። እወ: “ኖህ ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተራእየ ነገር ራእይ ምስ ረአየ: ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ብእምነት እዩ ንምድሓን ቤቱ እትኸውን መርከብ ዘዳለወ። ብእኣ ገይሩ ንዓለም ኰነና: ነቲ ብእምነት ዚርከብ ጽድቂ ኸኣ ወራሲ ዀነ።”—እብራውያን 11:7
ኖህ ከምዚኣ ዝኣመሰለት እምነት ካበይ ኢዩ ኣጥሪዋ፧ ነቲ ብዛዕባ የሆዋ ዝፈልጦ ዘበለ ዅሉ ኸም ዘስተንተነሉን በዚ ፍልጠት እዚ ኸም እተመርሐን ርዱእ ኢዩ። ናብ ኣምላኽ ይጽሊ ምንባሩ እውን ኣየጠራጥርን ኢዩ። ምስ የሆዋ ኣዝዩ ጥብቂ ርክብ ስለ ዝነበሮ ድማ ኢዩ ‘ምስ ኣምላኽ እተመላለሰ።’ ርእሲ ስድራቤት ከም ምዃኑ መጠን: ንስድራኡ ፍቕራዊ ሓልዮቱ ኣብ ምርኣይ ተሓጒሱ ግዜኡ የሕልፍ ነይሩ። እዚ ድማ ንሰበይቱን ሰለስተ ደቁን ኣንስቲ ደቁን ብመንፈስ ምእላይ ዘጠቓልል ነበረ።
ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት እውን ልክዕ ከም ኖህ: የሆዋ ድሕሪ ሓጺር እዋን ነዚ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉ ኣገባብ ከም ዘጥፍኦ ይፈልጡ ኢዮም። እታ መዓልትን ሰዓትን ዘይንፈልጣ እኳ እንተ ዀንና: ንእምነትን ተኣዛዝነትን ናይዚ “ሰባኽ ጽድቂ” ምስ እንቐድሖ ‘ምድሓን ነፍስና ኽንረክብ’ ምዃንና ንፈልጥ ኢና።—እብራውያን 10:36-39
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ሳጹን]
ብሓቂዶ ማይ ኣይሂ ነይሩ ኢዩ፧
መበቈል ሰብኣዊ ዓሌትን ባህልን ዘጽንዑ ተመራመርቲ ዳርጋ ኻብ ኵሉ ዓሌታትን ህዝብታትን 270 ዝኸውን ብዛዕባ ማይ ኣይሂ ዘዘንቱ ኣፈ-ታሪኽ ኣኪቦም ኣለዉ። ክላውስ ዌስተርንማን ዝበሃል ምሁር ከምዚ በለ:- “እቲ ብዛዕባ ማይ ኣይሂ ዝገልጽ ዛንታ ኣብ መላእ ዓለም ኢዩ ዝርከብ። ልክዕ ከምቲ ዛንታ ፍጥረት: ክፍሊ መሰረታዊ ባህላዊ ውርሻና ኢዩ። ኣብ ኵሉ ዅርናዓት ምድሪ ብዛዕባ እቲ ናይ ጥንቲ ማይ ኣይሂ ዝትርኽ ዛንታታት ምርካብና ብሓቂ ዘደንጹ ኢዩ።” ስለምንታይ ግን ኢዩ ከምዚ ዝዀነ፧ ኤንሪኮ ጋልቢያቲ ዝበሃል ወሃብ ርእይቶ “ብዛዕባ ማይ ኣይሂ ዝትርኽ ያታ ኣብ እተፈላለየን ሰፊሕ ናይ ቦታ ምርሕሓቕ ዘለዎን ህዝብታት ዝርከብ ምዃኑ: መሰረት እዚ ያታ ታሪኻዊ ሓቂ ኸም ዝዀነ ዘመልክት ኢዩ” በለ። ንክርስትያናት ግን ካብቲ ምሁራት ዝህብዎ ሓሳባት ንላዕሊ የሱስ ንማይ ኣይሂ ብሓቂ ኣብ ታሪኽ ደቅሰብ ከም እተፈጸመ ገይሩ ምዝራቡ ኢዩ ዘገድሶም።—ሉቃስ 17:26, 27
[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ሳጹን]
እቶም ነፍሊም ኣብ ጽውጽዋይ
ኣብ መንጎ ኣማልኽትን ደቅሰብን ብዛዕባ እተፈጸመ ስጋዊ ርክብ ከምኡውን ካብዚ ርክብ እዚ ብዛዕባ እተወልዱ “ጀጋኑ” ወይ “ሓውሲ ኣማልኽቲ” ዝትርኽ ጽውጽዋያት ኣብ ስነ-ሃይማኖት ግሪኻውያን: ግብጻውያን: ዩገርታውያን: ሁራውያን: ከምኡውን መሶጶታምያውያን ልሙድ ኢዩ ነይሩ። ኣማልኽቲ ግሪኽ ሰብኣዊ ቕርጺ ነበሮም: ኣዝዮም ምልኩዓት እውን ነበሩ። ዝበልዑ: ዝሰትዩ: ዝድቅሱ: ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ: ዝቋየቑ: ዝበኣሱ: ዘታልሉ: ከምኡውን ዝጋሰሱ ምዃኖም ይንገረሎም ነበረ። ከም ቅዱሳን ገይርካ ዝርኣዩ እኳ እንተ ነበሩ: የታልሉን ይዕምጹን እውን ነይሮም ኢዮም። ከም ኣኪላዝ ዝኣመሰሉ ጀጋኑ መለኮታውን ሰብኣውን ኰይኖም ከም እተወልዱ: ዘይሞቱ ፍጥረታት ዘይኰኑስ ልዕለ-ሰብኣዊ ክእለት ዝነበሮም ምዃኑ ይዝንቶ ኢዩ። ስለዚ እቲ መጽሓፍ ዘፍጥረት ብዛዕባ ነፍሊም ወይ ንጉዓት ሰባት ዝገልጾ ዛንታ: መበቈል ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽውጽዋያት እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝሕብረና ኢዩ።