-
መጸናንዒ ንኽትረክብ ናብ የሆዋ ጠምትግምቢ ዘብዐኛ—1996 | 1 ሕዳር
-
-
6. (ሀ) ወድሰብ ኣብ ሓጢኣት ምስ ወደቐ ኣምላኽ እንታይ ዘጸናንዕ መብጽዓ ገበረ፧ (ለ) ላሜክ ብዛዕባ መጸናንዒ እንታይ ትንቢት ኢዩ እተዛረበ፧
6 የሆዋ ነቲ ጠንቂ ዕልወት ሰብ ዝዀነ ኣካል ክፈርዶ ከሎ: ‘መጸናንዒ [ዝህብ] ኣምላኽ’ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኢዩ። (ሮሜ 15:5) ከምዚ ዝገበረ ድማ: ኣብ መወዳእታ ንዘርኢ ኣዳም ካብቲ ኣዕናዊ ሳዕቤን ዕልወት ኣዳም ዘድሕን ‘ዘርኢ’ ክልእኽ ምዃኑ መብጽዓ ብምግባር ኢዩ። (ዘፍጥረት 3:15) ቀጺሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ: ኣምላኽ ነዚ ድሕነት እዚ በብደረጅኡ ዘብርህ ብርሃናት ሂቡ ኢዩ። ንኣብነት: ነቲ ብሴት ኣቢሉ ርሕቕ ዝበለ ዘርኢ ኣዳም ዝዀነ ላሜክ: ወዱ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ንኽንበ ብመንፈስ ደሪኽዎ ኢዩ:- “ኣብዛ እግዚኣብሄር ዝረገማ ምድሪ ኻብ ዘሎ ዕዮናን ካብ ጻዕሪ ኢድናን እዚ ኼጸናንዓና እዩ።” (ዘፍጥረት 5:29) ምስዚ መብጽዓ እዚ ብምስምማዕ: እቲ ወዲ: ኖህ ተባሂሉ ተጸውዐ: እዚ ድማ “ዕረፍቲ” ወይ “መጸናንዒ” ማለት ከም ዝዀነ ርዱእ ኢዩ።
-
-
መጸናንዒ ንኽትረክብ ናብ የሆዋ ጠምትግምቢ ዘብዐኛ—1996 | 1 ሕዳር
-
-
8 የሆዋ ነቲ እኩይ ወለዶ እቲ ዓለምለኻዊ ብዝዀነ ማይ ኣይሂ ገይሩ ከጥፍኦ መደበ: ይኹን እምበር ህይወት ምእንቲ ከድሕን ብመጀመርታ ኖህ መርከብ ከም ዝሃንጽ ገበረ። በዚ ኸምዚ ድማ: ሰብኣዊ ዓሌትን በብዓይነቶም እንስሳታትን ደሓኑ። ኖህን ስድራቤቱን ድሕሪ እቲ ማይ ኣይሂ ካብታ መርከብ ናብታ ዝጸረየት ምድሪ ክወጹ ኸለዉስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ዕረፍቲ ተሰሚዕዎም ክኸውን ኣለዎ! ንሕርሻዊ ንጥፈታት ኣዝዩ ዝቐለለ ብምግባር: ኣብ ልዕሊ እታ ምድሪ ዝነበረ መርገም ኣልጊሱ ክትርእዮስ ክሳዕ ክንደይ ዘጸናንዕ ኰን ኢዩ! ብርግጽ: ሓቅነት ትንቢት ላሜክ ተረጋጊጹ ኢዩ: ኖህ ድማ ምስ ትርጕም ስሙ ብምስምማዕ ተመላለሰ። (ዘፍጥረት 8:21) ከም እሙን ኣገልጋሊ ኣምላኽ መጠን: ኖህ ንደቅሰብ ብእተወሰነ ደረጃ “መጸናንዒ” ኣብ ምሃብ መሳርሒ ብምዃን ዓይዩ ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ እኩይ ጽልዋ ሰይጣንን ኣጋንንቲ መላእኽትን ኣብ ማይ ኣይሂ ኣይተወድአን: ደቅሰብ ድማ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ሓጢኣትን ሕማምን ሞትን ምስቍርቋር ቀጸሉ።
-