-
መጸናንዒ ንኽትረክብ ናብ የሆዋ ጠምትግምቢ ዘብዐኛ—1996 | 1 ሕዳር
-
-
5 ከምዚ ብምግባሮም: እቶም ሓጢኣተኛታት ሰብኣይን ሰበይትን ክሞቱ ጀመሩ። ኣምላኽ ናይ ሞት ፍርዲ ከመሓላልፍ ከሎ: ንኣዳም “ምድሪ ብዛዕባኻ ርግምቲ ትኹን። ኵሉ ዘበን ህይወትካ እንጌራኻ ኻብኣ ብጻዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ። እሾዅን ተዀርባን ተብቍለልካ: ብቝሊ መሮር ድማ ኽትበልዕ ኢኻ” እውን ኢልዎ ነበረ። (ዘፍጥረት 3:17, 18) በዚ ኸምዚ ኣዳምን ሄዋንን ነታ ዘይለምዐት ምድሪ ገነት ንምግባራ ዝነበሮም ተስፋ ኣጥፍኡ። ካብ ኤደን ስለ እተሰጉ: ጕልበቶም ካብታ ተረጊማ ዝነበረት ምድሪ መግቢ ብጻዕሪ ኣብ ምርካብ ከውዕልዎ ነበሮም። ዘርኦም ድማ ነዚ ሓጥእን መዋትን ኵነታት ብምውራሶም: ብዙሕ መጸናንዒ ዘድልዮም ኰኑ።—ሮሜ 5:12
-
-
መጸናንዒ ንኽትረክብ ናብ የሆዋ ጠምትግምቢ ዘብዐኛ—1996 | 1 ሕዳር
-
-
8 የሆዋ ነቲ እኩይ ወለዶ እቲ ዓለምለኻዊ ብዝዀነ ማይ ኣይሂ ገይሩ ከጥፍኦ መደበ: ይኹን እምበር ህይወት ምእንቲ ከድሕን ብመጀመርታ ኖህ መርከብ ከም ዝሃንጽ ገበረ። በዚ ኸምዚ ድማ: ሰብኣዊ ዓሌትን በብዓይነቶም እንስሳታትን ደሓኑ። ኖህን ስድራቤቱን ድሕሪ እቲ ማይ ኣይሂ ካብታ መርከብ ናብታ ዝጸረየት ምድሪ ክወጹ ኸለዉስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ዕረፍቲ ተሰሚዕዎም ክኸውን ኣለዎ! ንሕርሻዊ ንጥፈታት ኣዝዩ ዝቐለለ ብምግባር: ኣብ ልዕሊ እታ ምድሪ ዝነበረ መርገም ኣልጊሱ ክትርእዮስ ክሳዕ ክንደይ ዘጸናንዕ ኰን ኢዩ! ብርግጽ: ሓቅነት ትንቢት ላሜክ ተረጋጊጹ ኢዩ: ኖህ ድማ ምስ ትርጕም ስሙ ብምስምማዕ ተመላለሰ። (ዘፍጥረት 8:21) ከም እሙን ኣገልጋሊ ኣምላኽ መጠን: ኖህ ንደቅሰብ ብእተወሰነ ደረጃ “መጸናንዒ” ኣብ ምሃብ መሳርሒ ብምዃን ዓይዩ ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ እኩይ ጽልዋ ሰይጣንን ኣጋንንቲ መላእኽትን ኣብ ማይ ኣይሂ ኣይተወድአን: ደቅሰብ ድማ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ሓጢኣትን ሕማምን ሞትን ምስቍርቋር ቀጸሉ።
-