ንዓለም ዝቐየረ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ
እቲ ነብዪ ኣምላኽ ዝነበረ ሙሴ ልዕሊ 3,500 ዓመታት ይገብር መጽሓፍ ቅዱስ ምጽሓፍ ክጅምር ከሎ: ሓደ ብቝጽሪ ውሑድ ህዝቢ ጥራይ ኢዩ ከንብቦ ዝኽእል ነይሩ። (ዘዳግም 7:7) እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ቅዱሳት ጽሑፋት በቲ እቶም ህዝቢ እቲኣቶም ከንብብዎ ዝኽእሉ ዝነበሩ ናይ መጀመርታ ቋንቋ እብራይስጢ እተጻሕፈ ስለ ዝነበረ ኢዩ። ይኹን እምበር: እዚ ድሕሪ ግዜ ክቕየር ነበሮ።
መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከስፋሕፍሕን ኣብ ኵሉ ክፍለ-ዘበናት ድማ ኣወንታዊ ጽልዋ ክህልዎን ዝኸኣለ ብዓቢኡ ብምኽንያት እቲ ሰፕቱጀንት ዝበሃል ናይ መጀመርታ ትርጕም ኢዩ። ስለምንታይ ኢዩ ተዳልዩ፧ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ንዓለም ዝቐየረ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ ክበሃል ይከኣልዶ ኢዩ፧
መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ትርጕም ድዩ፧
ኣይሁዳውያን ኣብ መበል ሻብዓይን ሻድሻይን ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ትሕቲ ባርነት ባቢሎን ምስ ኣተዉ: ብዙሓት ካብኣቶም ወጻኢ ካብ ጥንታዊ ምድሪ እስራኤልን ይሁዳን ይነብሩ ነበሩ። ነቶም ኣብ ምርኮ እተወልዱ እብራውያን: እብራይስጢ ካልኣይ ቋንቋኦም ኰነ። ኣብ መበል ሳልሳይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ኣብታ ኣብ ግዝኣት ግሪኽ ቀንዲ ባህላዊ ማእከል ዝነበረት ኣሌክሳንድርያ: ግብጺ: ናይ ኣይሁድ ማሕበረሰብ ነበረ። እዞም ኣይሁድ እዚኣቶም ቅዱሳት ጽሑፋት ናብ ግሪኽኛ: ናብቲ ሽዑ ቋንቋ ኣዲኦም ዝነበረ ክትርጐም ኣድላዪ ምዃኑ ተገንዘቡ።
ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ: እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብእብራይስጢ ኢዩ ተጻሒፉ ነይሩ: ገለ ክፍልታት ድማ ብኣራማይስጢ ተጻሒፉ ነበረ። ኣራማይስጢ ምስ እብራይስጢ ብዙሕ ምትእስሳር ዝነበሮ ቋንቋ ኢዩ። ንቓል ኣምላኽ ብኻልእ ቋንቋ ገይርካ ምግላጽ ንሓይሊ ናይቲ መንፈስ ዝነፈሶ መልእኽቲ ዘፍኵሶ: ወይ እውን ናብ ጌጋ ትርጕም ዝመርሕዶ ኢዩ፧ እቶም እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃል ሕድሪ እተዋህቦም ኣይሁድ: ክትርጕሙ ከለዉ ነቲ መልእኽቱ ብጌጋ ከም ዝመሓላለፍ ክገብርዎዶ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም፧—መዝሙር 147:19, 20፣ ሮሜ 3:1, 2
እዚ ዘተሓሳስብ ጕዳያት እዚ ምጥርጣራት ኣልዓለ። ይኹን እምበር: እንተ ዘይተተርጒሙ ኣይሁዳውያን ድሕሪ ደጊም ንቓል ኣምላኽ ክርድእዎ ከም ዘይክእሉ ምስ ተገንዘቡ እቲ ዝነበረ ምጥርጣራት ኵሉ ተሳዕረ። ስለዚ ኸኣ እቲ ብሙሴ እተጻሕፈ ቶራህ እተባህለ ናይ መጀመርታ ሓሙሽተ መጻሕፍቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ግሪኽኛ ክትርጐም ውሳነ ተመሓላለፈ። እቲ ትርጕም ብኣፈ ታሪኽ እተዓብለለ ነበረ። ኣብታ ሌተር ኦቭ ኣሪስቲስ ተገሊጹ ከም ዘሎ: እቲ ቶሎሜ ካልኣይ (285-246 ቅ.ኣ.ዘ.) እተባህለ ግብጻዊ መራሒ ቅዳሕ ናይቲ ፔንታትዩ (ወይ ቶራህ) ኣብቲ ንጉሳዊ ቤተ- መጻሕፉቱ ንምቕማጥ ናብ ግሪኽኛ ክትርጐመሉ ደለየ። ካብ እስራኤል ናብ ግብጺ ዝመጹ 72 ኣይሁዳውያን ምሁራት መዘዘ: ነቲ ትርጕም ድማ ኣብ 72 መዓልትታት ወድእዎ። ድሕርዚ እቲ ትርጕም ነቶም ናይ ኣይሁድ ማሕበረሰብ ተነበበሎም: ንሳቶም ድማ ጽቡቕን ልክዕን ምዃኑ ኣረጋገጹ። ጸኒሑ ካብቲ ጸብጻብ ከም እተረኽበ ነፍሲ ወከፍ ተርጓሚ ንበይኑ ኣብ ሓደ ክፍሊ ምንባሩ: እቲ ትርጕም ግን ካልእስ ይትረፍ ናይ ፊደል ፍልልይ እኳ ከም ዘይነበሮ ይገልጽ። እዞም 72 ተርጐምቲ ከም ዝተርጐምዎ ስለ ዝፍለጥ: እቲ ናይ ቋንቋ ግሪኽ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ በቲ ብላቲን “ሰብዓ” ዝትርጕሙ ሰፕቱጀንት ተጸውዐ።
ብዙሓት ዘመናውያን ምሁራት እቲ ሌተር ኦቭ ኣሪስቲስ ሓቅነቱ ዘይተረጋገጸ ጽሑፍ ምዃኑ ይሰማምዕሉ ኢዮም። እቲ ናይ ምትርጓም ተበግሶ ካብ ቶሎሜ ካልኣይ ዘይኰነስ ካብ መራሕቲ ናይቲ ኣብ ኣሌክሳንድርያ ዝነበረ ናይ ኣይሁድ ማሕበረሰብ ከም ዝመጸ ኢዮም ዝኣምኑ። እንተዀነ ግን: እቲ ኣብ ኣሌክሳንድርያ ዝነበረ ኣይሁዳዊ ፈላስፋ ፊሎ: ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ጆሰፈስ: ከምኡውን ታልሙድ እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ንሰፕቱጀንት ልክዕ ከምቲ በዅሪ ቅዱሳት ጽሑፋት መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ገይሮም ብሓፈሻ ይኣምንዎ ምንባሮም ገለጹ። ከምዚ ዝበለ እምነት ድማ ነቲ ሰፕቱጀንት ኣብቲ ናይ ኣይሁድ ማሕበረሰብ ተቐባልነት ከም ዝረክብ ንምግባር እተገብረ ጻዕሪ ኢዩ።
እቲ ናይ መጀመርታ ትርጕም ነተን ሓሙሽተ ናይ ሙሴ መጻሕፍቲ ጥራይ ዘጠቓለለ እኳ እንተዀነ: እቲ ሰፕቱጀንት ዝብል ስም ግን ቀስ እናበለ ንብምልኡ ናብ ግሪኽ እተተርጐመ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት መጸውዒ ኰነ። እተን ዝተረፋ መጻሕፍቲ ኣብቲ ቀጺሉ ዝነበረ ሚእቲ ዓመት ኢየን ተተርጒመን። ብምልኡ ሰፕቱጀንት ክትርጐም ከሎ ብእተወሃሃደ ጻዕሪ ዘይኰነስ በብንእሽቶ እተገብረ ነገር ኢዩ። እቶም ተርጐምቲ በቲ ኣብ ቋንቋ እብራይስጢ ዝነበሮም ክእለትን ፍልጠትን እተፈላለዩ ኢዮም ነይሮም። መብዛሕትኡ መጻሕፍቲ ቃል ብቓሉ እተተርጐመ ክኸውን ከሎ ገሊኡ መጽሓፍቲ ግን ብሓፈሻዊ ሓሳባት እተተርጐመ ኢዩ ነይሩ። ካብ ክልቲኡ ማለት ብነዊሕን ብሓጺርን እተተርጐመ ውሑድ ቅዳሓት ኣሎ። ኣብ መወዳእታ ናይ ካልኣይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ብምልኡ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ብቛንቋ ግሪኽ ክንበብ ይከኣል ነበረ። ዋላ እኳ እቲ ውጽኢት ሓላፍ ዘላፍ እንተ ነበረ: ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ናብ ግሪኽኛ ምትርጓሙ ዝነበሮ ውጽኢት እቶም ተርጐምቲ ካብ ዝሓሰብዎ ንላዕሊ ነበረ።
ያፌት ኣብ ድንኳውንቲ ሴም ነይሩዶ ኢዩ፧
ታልሙድ ብዛዕባ ሰፕቱጀንት ሓሳባት ክህብ ከሎ ነቲ ኣብ ዘፍጥረት 9:27 ዘሎ ‘ያፌት ኣብ ድንኳውንቲ ሴም ይንበር’ ዝብል ይጠቅስ። (መጂላህ 9ለ ናይ ባቢሎን ታልሙድ) እቲ ታልሙድ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ገይሩ ክሕብር ከሎ: ብመሰረት እቲ በቲ ምልኩዕ ቋንቋ ግሪኽ እተዳለወ ሰፕቱጀንት: ያፌት (ኣቡኡ ንያቫን: ግሪኻውያን ዝመጽእሉ ዘርኢ) ኣብ ድንኳውንቲ ሴም (ኣቦ ህዝቢ እስራኤል) ኢዩ ሰፊሩ ነይሩ ይብል። ይኹን እምበር: ብሰንኪ ጽልዋ ሰፕቱጀንት ሴም ኣብ ድንኳውንቲ ያፌት ይነብር ነይሩ እውን ክበሃል ይከኣል ኢዩ። ከመይ ኢሉ፧
ኣሌክሳንደር ዓቢ ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ናይ ራብዓይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ብዙሕ ቦታታት ምስ ሓዘ: ኣብ ብምልኡ እቲ እተቘጻጸሮ ሃገራት ቋንቋን ባህልን ግሪኽ ንምስፍሕፋሕ ጽዑቕ ጻዕሪ ተገብረ። እዚ ፖሊሲ እዚ ድማ ሄለናይዘሽን ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣይሁዳውያን ዘየቋርጽ ባህላዊ መጥቃዕቲ ይወርዶም ከም ዘሎ ተሰምዖም። ናይ ግሪኽ ባህልን ፍልስፍናን እንተድኣ ሰፊኑ: ናይ ኣይሁዳውያን ሃይማኖት ክዳኸም ኢዩ። ነዚ መጥቃዕቲ እዚ ካብ ምስፍሕፋሕ ደው ከብሎ ዝኽእል ነገር እንታይ ኢዩ፧
ኣይሁዳውያን ነቲ ሰፕቱጀንት ክትርጕሙ ዝደፋፍኦም ሓደ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ክገልጽ ከሎ ኣይሁዳዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተርጓሚ ማክስ ማርጎሊስ ከምዚ ብምባል ሓሳብ ይህብ:- “እቲ ትርጕም ክዳሎ መጀመርታ ዝሃቀኑ ኣይሁዳውያን ኢዮም ንብል እንተድኣ ኴንና: ከምኡ መግበሪኦም ካልእ ድራኸ ነይርዎም ማለት ኢዩ: ንሱ ድማ እቲ ናይ ኣይሁድ ሕጊ ኣብ ኣህዛብ ከም ዝፍለጥ ንምግባርን ንዓለም ከኣ ኣይሁዳውያን ምስቲ ናይ ሄላስ [ግሪኽ] ጥበብ ዝወዳደር ባህሊ ከም ዘለዎም ንምእማን ኢዩ።” ስለዚ እምበኣር: እቲ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኣብቲ ቋንቋ ግሪኽ ዝዝረቦ ቦታታት ከም ዝፍለጥ ምግባር ማለት መከላኸልን እንደገና ናይ ምጥቃዕ ሜላን ኢዩ ነይሩ።
እቲ ናይ ኣሌክሳንደር ናይ ሄለናይዘሽን ፖሊሲ ንግሪኽኛ ኣህጉራዊ ቋንቋ ዓለም ከም ዝኸውን ገበሮ። ብሮማውያን ምስ ተሳዕረ እውን ከይተረፈ: እቲ ልሙድ ዝነበረ ግሪኽኛ (ወይ ኮይን) ሃገራት ኣብ ንግድን መራኸቢታትን ዝጥቀማሉ ቋንቋ ኰይኑ ቀጸለ። እዚ ኰነ ኢልካ እተገብረ ይኹን ወይስ ባዕሉ ዝማዕበለ ነገር ብዘየገድስ: እቲ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት: ትርጕም ሰፕቱጀንት: ከይወዓለ ከይሓደረ ኣብ ኣባይትን ኣልባብን ናይቶም ኣቐድም ኣቢሎም ምስ ኣምላኽን ሕጊ ኣይሁድን ዘይፋለጡ ዝነበሩ: ኣይሁዳውያን ዘይኰኑ ብዙሓት ሰባት ኣተወ። እቲ ውጽኢት ድማ ዘደንጹ ነበረ።
ጵሮሴሊትን ፈራህቲ ኣምላኽን
ፊሎ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. “ጽባቐን ክብርን ናይ ሕጊ ሙሴ ብኣይሁዳውያን ጥራይ ዘይኰነስ ብኻልኦት ኣህዛብ እውን ዝለዓለ ግምት ይወሃቦ ነይሩ ኢዩ” ኢሉ ክጽሕፍ ከኣለ። ብዛዕባ እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ካብ ጳለስጢና ወጻኢ ዝነብሩ ዝነበሩ ኣይሁድ ከኣ እቲ ጆሴፍ ክላስነር እተባህለ ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ከምዚ ይብል:- “እዞም ሚልዮናት ዝዀኑ ኣይሁዳውያን ባዕላቶም ካብታ ጸባብ ዝነበረት ጳለስጢና ተሰዲዶም ኢዮም ተኣኪቦም ኢልካ ክትኣምኖ ኣጸጋሚ ኢዩ። ሓደ ሰብ እዞም ኣዝዮም ብዙሓት ኣይሁዳውያን እዚኣቶም ነቶም ብዙሕ ዝቝጽሮም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ጵሮሴሊት እውን ዘጠቓልሉ ኢዮም ኢሉ ክኣምን ኢዩ ዝግደድ።”
ይኹን እምበር: እዚ ነጥብታት እዚ ብዛዕባ እቲ ኵነታት ምሉእ ሓበሬታ ኣይህብን ኢዩ። ብዛዕባ ናይ ኣይሁዳውያን ታሪኽ ዘጽንዕ ፕሮፌሰር ሻ ጀይ. ኮሄን እተባህለ ደራሲ: ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ኣብታ ናይ መወዳእታ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ከምኡውን ኣብተን ናይ መጀመርታ ክልተ ክፍለ-ዘበናት ከ.ኣ.ዘ. ካብ ኣህዛብ ዝነበሩ ብዙሓት ዓበይቲ ሰብኡትን ኣንስትን ናብ ኣይሁድነት ተለወጡ። ካብኡ ዝበዝሑ ግን ንገለ ክፍልታት ኣይሁድነት እተቐበሉ: ናብ ኣይሁድነት ግን ዘይተቐየሩ ኣህዛብ ነበሩ።” ክላስነርን ኮሄንን ነዞም ናብ ኣይሁድነት ዘይተቐየሩ ሰባት ፈራህቲ ኣምላኽ ኢሎም ጸውዕዎም። እዚ መግለጺ እዚ ድማ ኣብቲ ሽዑ ዝነበረ ናይ ግሪኽ ስነ-ጽሑፍ ብተደጋጋሚ ይውዕል ነበረ።
ኣብ መንጎ ጵሮሴሊትን ፈራህ ኣምላኽን እንታይ ፍልልይ ኢዩ ዘሎ፧ ጵሮሴሊት (ንዅሎም ካልኦት ኣማልኽቲ) ነጺጎም ንኣምላኽ እስራኤል ስለ እተቐበልዎ: ስለ እተገዝሩ: ከምኡውን ምስ ህዝቢ እስራኤል ስለ ዝሓበሩ ምሉእ ብምሉእ እተለወጡ ኢዮም። ምስ እዚ ብምንጽጻር ኮሄን ብዛዕባ እቶም ፈራህቲ ኣምላኽ ከምዚ ይብል:- “እዞም ኣህዛብ እዚኣቶም ብዙሕ ዓይነት ናይ ኣይሁድ ተግባራት ይሕልዉን ንኣምላኽ ኣይሁዳውያን ድማ የምልኹን እኳ እንተ ነበሩ: ንገዛእ ርእሶም ከም ኣይሁዳውያን ገይሮም ኣይርእይዋን: ካልኦት ድማ ከም ኣይሁዳውያን ገይሮም ኣይቈጽሮዎምን ኢዮም ነይሮም።” እዚኣቶም ንኣይሁድነት ተቐቢሎም: “ንገለ ክፋል ናይ ልምድታቱ እናሰዓቡ ክነሶም ምሉእ ብምሉእ ግን ኣይሁዳውያን ብዘይምዃኖም:” ክላስነር “ኣብ ማእከል ጠልጠል ዝበሉ” ገይሩ ገለጾም።
ገሊኣቶም ብዛዕባ ኣምላኽ ክፈልጡ ድሌት ዘሕደሩ ምናልባት ምስቶም ኣብ ናይ ሚስዮናውነት ንጥፈታት ዝካፈሉ ዝነበሩ ኣይሁድ ክመያየጡ ደስ ስለ ዝብሎም ወይ እቶም ኣይሁድ ብኣነባብርኦም: ልምዶም: ከምኡውን ጠባዮም እተፈልዩ ምዃኖም ስለ እተዓዘቡ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ነዞም ፈራህቲ ኣምላኽ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ክማሃሩ ዝሓገዞም ቀንዲ መሳርሒ እቲ ሰፕቱጀንት ኢዩ። ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ፈራህቲ ኣምላኽ ቍጽሮም ክንደይ ከም ዝነበረ ብልክዕ ዝፍለጥ እኳ እንተ ዘይኰነ: እቲ ሰፕቱጀንት ኣብ መላእ ግዝኣት ሮሜ ገለ ፍልጠት ከም ዝዝርጋሕ ምግባሩ ዘተሓታትት ኣይኰነን። እዚ ሰፕቱጀንት ኣገዳሲ መሰረት እውን ኣንቢሩ ኢዩ።
ሰፕቱጀንት መገዲ ንምጽራግ ሓገዘ
ሰፕቱጀንት መልእኽቲ ክርስትና ኣብ ምስፍሕፋሕ ዝለዓለ ተራ ከም ዝነበሮ ተፈሊጡ ኢዩ። እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ክትምስረት ከላ ብዙሓት ቋንቋ ግሪኽ ዝዛረቡ ኣይሁዳውያን ኣብኡ ተረኺቦም ነበሩ። ጵሮሴሊትውን ካብ መንጎ እቶም ኣብ መጀመርታ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝዀኑ ኢዮም ነይሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:5-11፣ 6:1-6፣ 8:26-38) እቶም ሃዋርያት የሱስን ካልኦት ናይ መጀመርታ ደቀ መዛሙርትን ዝጸሓፍዎ መንፈስ ዝነፈሶ ጽሑፋት ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ኣንበብቲ ተባሂሉ እተዳለወ ብምንባሩ ብቛንቋ ግሪኽ እውን ተዳልዮም ኢዮም።a ስለዚ ድማ ኣብ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎ ካብ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት እተጠቕሰ ብዙሕ ጥቕስታት ብመሰረት ሰፕቱጀንት እተወስደ ኢዩ።
ብዘይካ እቶም ስጋውያን እስራኤልን ጵሮሴሊትን ካልኦትውን ንመልእኽቲ እታ መንግስቲ ክቕበሉ ቅሩባት ኢዮም ነይሮም። እቲ ካብ ኣህዛብ ዝነበረ ቆርኔሌዎስ “ጻድቕ: ምስ ኵሉ ስድራ ቤቱ ድማ ንኣምላኽ ዚፈርህ ንህዝቢውን ብዙሕ ምጽዋት ዚምጽውት: ኵሉ ሳዕ ከኣ ንኣምላኽ ዚልምን እዩ” ነይሩ። ብ36 ከ.ኣ.ዘ. ኸኣ ቆርኔሌዎስን ስድራቤቱን ካልኦት ኣብ ቤቱ ተኣኪቦም ዝነበሩን ከም ሰዓብቲ ክርስቶስ ኰይኖም እተጠምቁ ናይ መጀመርታ ኣህዛብ ኰኑ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:1, 2, 24, 44-48፣ ምስ ሉቃስ 7:2-10 ኣረኣእዮ።) ሃዋርያ ጳውሎስ ብንእሽቶ እስያን ግሪኽን ኣቢሉ ክሓልፍ ከሎ: ነቶም ድሮ ንኣምላኽ ዝፈርሁ ዝነበሩ ብዙሓት ኣህዛብን ነቶም ‘ንኣምላኽ ዝፈርሁ ጽርኣውያንን [ግሪኻውያንን]’ ሰበኸሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 13:16, 26፣ 17:4) ቆርኔሌዎስን እቶም ካልኦት ኣይሁዳውያንን ነቲ ብስራት ክቕበሉ ቅሩባት ዝነበሩ ስለምንታይ ኢዮም፧ እቲ ሰፕቱጀንት መገዲ ጸሪጉሎም ስለ ዝጸንሐ ኢዩ። ሓደ ምሁር: ሰፕቱጀንት “ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ መጽሓፍ ካብ ምዃኑ እተላዕለ: ብዘይ ብእኡ ህዝበ-ክርስትያንን ናይ ምዕራባውያን ባህልን ዘይእመን ምዀነ ነይሩ” ብምባል ተዛረበ።
እቲ ሰፕቱጀንት ዝነበሮ “መንፈስ” የጥፍእ
ትርጕም ሰፕቱጀንት ብሰፊሑ ኣብ ጥቕሚ ምውዓሉ ኣብ መወዳእታ ተመሊሱ ኣብቶም ኣይሁዳውያን ጕድኣት ኣምጽአ። ንኣብነት: እቶም ኣይሁዳውያን ምስቶም ክርስትያናት ክመያየጡ ከለዉ ትርጕም ሰፕቱጀንት ጌጋ ኢዩ ይብሉ ነበሩ። ኣብ ካልኣይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. እቶም ናይ ኣይሁድ ማሕበረሰብ ነቲ ሓደ ግዜ መንፈስ ዝነፈሶ ኢዩ ኢሎም ዘመጕስዎ ዝነበሩ ትርጕም ፈጺሞም ነጸግዎ። እቶም ራቢታት ድማ ነቲ ብዛዕባ እቶም 72 ተርጐምቲ ዝነግር ኣፈ-ታሪኽ ነጸግዎ: ከምዚ ዝስዕብ ኢሎም ድማ ገለጹ:- “ሓደ እዋን ሓሙሽተ ሽማግለታት ንንጉስ ቶሎሜ ክኸውን ንቶራህ ናብ ግሪኽኛ ተርጐምዎ: ከምቲ እታ ምራኽ ዘምለኹላ መዓልቲ ንእስራኤላውያን ኣዝያ ሕማቕ ዝነበረት እታ ናይ ትርጕም ዕዮ እተገብረላ መዓልቲ ድማ ልክዕ ከምኡ ኢያ ነይራ: ከመይሲ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ንቶራህ ብልክዕ ገይሮም ኣይተርጐምዎን።” ምስቲ ናይ ራቢ ኣተሓሳስባ ኣጸቢቖም ምእንቲ ክሰማምዑ እቶም ራቢታት ብቛንቋ ግሪኽ ሓድሽ ትርጕም ክዳሎ ኣፍቀዱ። ብሓደ ናይ ራቢ ኣኪቫ ወደ መዝሙር ዝነበረ: ኣኲላ እተባህለ ጵሮሴሊት ድማ ኣብ ካልኣይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. እቲ ትርጕም ተዳለወ።
እቶም ኣይሁድ ሰፕቱጀንት ካብ ምጥቃም ኣቋረጹ: እንተዀነ ግን: ሰፕቱጀንት በቲ ጆሮም ብቛንቋ ላቲን ዘዳለዎ ቩልጌት ክሳዕ ዝትካእ ነታ ዳሕራይ ዝመጸት ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን መወከሲ “ብሉይ ኪዳን” ኰይኑ ኣገልገለ። ሓደ ትርጕም ነቲ ናይ መጀመርታ ጽሑፍ ክትክኦ ዘይክእል እኳ እንተዀነ: ሰፕቱጀንት ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ብዛዕባ እታ ብየሱስ ክርስቶስ እትምራሕ መንግስቱን ፍልጠት ኣብ ምዝርጋሕ ኣገዳሲ ቦታ ነበሮ። ብሓቂ እምበር: ትርጕም ሰፕቱጀንት ንዓለም ዝለወጠ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ወንጌል ማቴዎስ መጀመርታ ብእብራይስጢ ኢያ ተጻሒፋ ክትከውን እትኽእል: ብድሕርዚ ብግሪኽኛ ቅዳሕ ተዳለወ።
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
መብዛሕትኦም እቶም ጳውሎስ ዝሰብከሎም ዝነበረ ሰባት ንትርጕም “ሰፕቱጀንት ” ይርድእዎ ነይሮም ኢዮም
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Courtesy of Israel Antiquities Authority