-
የሆዋ —እቲ ዝለዓለ ኣብነት ሰናይግምቢ ዘብዐኛ—2002 | 15 ጥሪ
-
-
12 ንጽብሒቱ ኣብ ከረን ሲና ለውሃት ወይ ሰናይ የሆዋ ብቕድሚ ሙሴ ሓለፈ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሙሴ ብእተወሰነ ደረጃ ክብሪ የሆዋ ረኣየ: እዚ ዝስዕብ ኣዋጅ ከኣ ሰምዐ:- “እግዚኣብሄር: እግዚኣብሄር መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ: ንዅራ ደንጓይ: በዓል ብዙሕ ለውሃትን [“ፍቕራዊ ሕያውነትን:” NW ] ሓቅን: ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ጸጋ [“ፍቕራዊ ሕያውነት:” NW ] ዚሕሉ: ዓመጽን ምትሕልላፍ ሓጢኣትን ይቕረ ዚብል: ግናኸ ንበዳሊ ኸም ንጹህ ዘይርኢ: ሓጢኣት ኣቦታት ደኣ ኣብ ደቅን ኣብ ደቂደቅን ክሳዕ ሳልሳይን ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዚቐጽዕ።” (ዘጸኣት 34:6, 7) እዘን ቃላት እዚኣተን ናይ የሆዋ ሰናይ ምስ ፍቕራዊ ሕያውነቱን ምስቲ ኻልእ ባህርያቱን እተተሓሓዘ ምዃኑ ኢየን ዝሕብራ። ነዚ ኣብ ግምት ምእታዉ ሰናይ ንኸነንጸባርቕ ይድርኸና ኢዩ። መጀመርታ ግን ኣብዚ ብዛዕባ ናይ የሆዋ ሰናይ ዝገልጽ ዘደንቕ ኣዋጅ ክልተ ግዜ እተጠቕሰ ባህሪ ንርአ።
-
-
የሆዋ —እቲ ዝለዓለ ኣብነት ሰናይግምቢ ዘብዐኛ—2002 | 15 ጥሪ
-
-
13. ኣብቲ ብዛዕባ ናይ የሆዋ ሰናይ ዝገልጽ ኣዋጅ ኣየናይ ባህሪ ኢዩ ክልተ ግዜ ተጠቒሱ ዘሎ: እዚ ብቑዕ ዝኸውንከ ስለምንታይ ኢዩ፧
13 “ኣምላኽ: . . . በዓል ብዙሕ ለውሃት [“ፍቕራዊ ሕያውነት:” NW ]. . . ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ጸጋ [“ፍቕራዊ ሕያውነት:” NW ] ዚሕሉ” ኢዩ። እታ “ፍቕራዊ ሕያውነት” እተተርጐመት ናይ እብራይስጢ ቓል “እሙን ፍቕሪ” ዝብል ትርጕም እውን ኣለዋ። ኣብቲ ኣምላኽ ንሙሴ ዘስምዖ ኣዋጅ ክልተ ግዜ እተጠቕሰት እዛ ባህሪ እዚኣ ጥራይ ኢያ። እታ ዓብላሊት ባህሪ የሆዋ ፍቕሪ ብምዃና እዝስ ክንደይ ብቑዕ ኰን ኢዩ! (1 ዮሃንስ 4:8) “እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ: ምሕረቱ [“ፍቕራዊ ሕያውነቱ:” NW ] ንዘለኣለም ይነብር እዩ” ዝብል ንየሆዋ ንምውዳስ ዝውዕል ፍሉጥ መግለጺ ነዛ ባህሪ እዚኣ ዘጕልሕ ኢዩ።
-
-
የሆዋ —እቲ ዝለዓለ ኣብነት ሰናይግምቢ ዘብዐኛ—2002 | 15 ጥሪ
-
-
19. የሆዋ ነቶም እተናስሑ ሓጢኣተኛታት ከመይ ዝበለ ጕሉሕ መግለጺ ሰናይ ኢዩ ዘርኣዮም፧
19 “ኣምላኽ: . . . ዓመጽን ምትሕልላፍ ሓጢኣትን ይቕረ ዚብል [ኢዩ። ]” የሆዋ ሰናይ ስለ ዝዀነ ንእተናስሑ ሓጢኣተኛታት ይቕረ ኽብል ድሉው ኢዩ። እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ብመስዋእቲ የሱስ ኣቢሉ ንሕድገት ሓጢኣት ምድላው ብምግባሩ ኣዚና መመስገንቲ ኢና። (1 ዮሃንስ 2:1, 2) ኵሎም እቶም ኣብቲ በጅነት እምነት ዘርእዩ ሰባት ኣብታ የሆዋ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለም ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረኽቡ ተስፋ ብምግባር ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ መስሪቶም ክነብሩ ብምኽኣሎም እውን ሕጕሳት ኢና። እዝስ የሆዋ በቲ ንደቅሰብ ዝገበረሎም ሰናይ ንኽንውድሶ ዝድርኸና ከመይ ዝበለ ጕሉሕ ምኽንያት ኰን ኢዩ!—2 ጴጥሮስ 3:13
20. ኣምላኽ ንኽፍኣት ሸለል ከም ዘይብሎ ዘርኢ እንታይ መርትዖ ኣሎና፧
20 የሆዋ “ንበዳሊ ኸም ንጹህ ዘይርኢ” ኣምላኽ ኢዩ። እዚ ኸኣ ስለቲ ሰናዩ ንኽንውድሶ ዝድርኸና ካልእ ምኽንያት ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሓደ ካብቲ ኣገዳሲ መዳይ ናይዛ ሰናይ እትበሃል ባህሪ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ንኽፍኣት ሸለል ዘይትብል ምዃና ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን “በቲ ምግላጽ ጐይታና የሱስ ካብ ሰማይ ምስ መላእኽቲ ስልጣኑ . . . ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን” ሕነ ኽፈድዮም እዩ። እዚኣቶም “ብመቕጻዕቲ: ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት . . . ኪቕጽዑ እዮም።” (2 ተሰሎንቄ 1:6-9) እቶም ካብቲ ጥፍኣት ዝደሓኑ ኣምለኽቲ የሆዋ በቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም “ሰናይ ዘይፈትዉ” ሰባት ከይተረበሹ ንህይወት ምሉእ ብምሉእ ከስተማቕርዋ ኢዮም።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-3
-