ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 1-3 “ከምቲ ክዀኖ ዝደሊ ክኸውን እየ” 3:13, 14 የሆዋ ንሙሴ ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ባህርያቱ ገለጸሉ። ነቲ ፍጹም ዝዀነ ስርዓታቱ ኸይጠሓሰ፡ ፍቓዱ ንምፍጻም ኣብ ኵሉ ዅነታት ዜድሊ ዘበለ ይኸውን እዩ። ልክዕ ከም ሓደ ሰብኣዊ ወላዲ፡ የሆዋ እውን ንደቁ ዜድልዮም ዘበለ ንምምላእ፡ ዜድሊ ዘበለ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሆዋ ንዓይ እንታይ ገይሩለይ፧