መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን
7-13 ታሕሳስ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘሌዋውያን 10-11
“ፍቕሪ የሆዋ ኻብ ፍቕሪ ስድራ ቤት ትሕይል”
(ዘሌዋውያን 10:1, 2) ናዳብን ኣቢሁን፡ ደቂ ኣሮን፡ ነናቶም መትሓዝ ሓዊ ወሲዶም፡ ሓዊ ገበሩሉ፣ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዕጣን ኣንበሩሉ። ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸኣ፡ ንሱ ዘይኣዘዞም ዘይተፈቕደ ሓዊ ኣቕረቡ። 2 ሓዊ ኻብ ቅድሚ የሆዋ ወጺኡ ድማ በልዖም እሞ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሞቱ።
it-1 1174
ዘይተፈቕደ
ዘይተፈቕደ ሓውን ዕጣንን። ኣብ ዘሌዋውያን 10:1፡ ናዳብን ኣቢሁን ደቂ ኣሮን፡ ኣምላኽ “ዘይኣዘዞም ዘይተፈቕደ ሓዊ” ኸም ዘቕረቡ እሞ ንሱ ብሓዊ ኸም ዝቐተሎም ኪግለጽ ከሎ፡ ብእብራይስጢ ዛር (ኣንስተይቲ፡ ዛራህ፣ ቃል ብቓሉ፡ ጋሻ) እትብል ቃል ተዓይዩላ ኣሎ። (ዘሌ 10:1, 2፣ ዘሁ 3:4፣ 26:61) ድሕሪኡ፡ የሆዋ ንኣሮን ከምዚ በሎ፦ “ንስኻን ምሳኻ እውን ደቅኻን ናብ ድንኳን ምርኻብ ክትኣትዉ ኸለኹም፡ ከይትሞቱስ፡ ወይኒ ወይ ኣልኮላዊ መስተ ኣይትስተዩ። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹንኩም። እዚ ድማ ኣብ መንጎ ቅዱስን ርኹስን፡ ኣብ መንጎ ዘይንጹህን ንጹህን ንምፍላይ፡ ንእስራኤላውያን ከኣ ኵሉ እቲ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ እተዛረቦም ስርዓታት ንምምሃር እዩ።” (ዘሌ 10:8-11) እዚ ዘረባ እዚ፡ ናዳብን ኣቢሁን ሰኺሮም ከም ዝነበሩ እሞ ብሰንኪ እዚ ኸኣ ዘይተኣዘዘ ሓዊ ኬቕርቡ ኸም ዝደፈሩ ዚሕብር ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ሓዊ እቲ፡ ብምኽንያት እቲ ዚቐርበሉ ግዜ፡ ቦታ፡ ወይ ኣገባብ ዘይተፈቕደ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ወይ ድማ ብመሰረት ነቲ ኣብ ዘጸኣት 30:34, 35 እተጠቕሰ መምርሒ ዘይሓለወ ዕጣን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሰኺሮም ምንባሮም፡ ሓጢኣቶም ዕሽሽ ተባሂሉ ኺሕለፍ መመኽነይታ ኣይኰነን።
(ዘሌዋውያን 10:4, 5) ሙሴ ድማ ንሚሻኤልን ንኤሊጻፋንን፡ ደቂ ዑዚኤል፡ ሓው ኣቦ ኣሮን፡ ጸዊዑ፡ “ቅረቡ እሞ ንኣሕዋትኩም ካብ ቅድሚ እቲ መቕደስ ናብ ወጻኢ ሰፈር ጾይርኩም ውሰድዎም” በሎም። 5 ንሳቶም ከኣ ቀረቡ እሞ፡ ከምቲ ሙሴ ዝበሎም፡ በቲ ወለል ዚብል ክዳውንቶም ጾይሮም ናብ ወጻኢ ወሰድዎም።
(ዘሌዋውያን 10:6, 7) ሽዑ፡ ሙሴ ንኣሮንን ንደቁ ኣልኣዛርን ኢታማርን ከምዚ በሎም፦ “ከይትሞቱ እሞ፡ ኣምላኽ ንዅሉ እዚ ኣኼባ ኸይቍጥዖስ፡ ርእስኹም ኣይተወንጭሩ፡ ክዳውንትኹም ከኣ ኣይትቕደዱ። ነቶም የሆዋ ብሓዊ ዝቐተሎም፡ ኣሕዋትኩም ብዘለዉ ቤት እስራኤል ኪበኽዩሎም እዮም። 7 ዘይቲ ቕብኣት የሆዋ ኣብ ልዕሌኹም እዩ እሞ፡ ከይትሞቱስ፡ ካብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣይትውጽኡ።” ንሳቶም ድማ ከም ቃል ሙሴ ገበሩ።
ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ኣቲኻዶ፧
16 ኣሮን ሓው ሙሴ፡ ምስ ክልተ ደቁ ብዚተሓሓዝ፡ ኣጸጋሚ ዅነታት ኣጋጢምዎ ነይሩ እዩ። ናዳብን ኣቢሁን ዚበሃሉ ደቁ፡ ብሰንኪ እቲ የሆዋ ዘይኣዘዞም ሓዊ ብምቕራብ ዝገበርዎ በደል ምስ ተቐዝፉ፡ እተሰምዖ ስምዒት እሞ ሕስብ ኣብሎ። ልክዕ እዩ፡ ድሕሪኡ ምሳታቶም ዝነበሮ ርክብ ኣብቂዑ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ሽዑ ኻልእ ፈታኒ ዅነታት ኣጋጢምዎ እዩ። ንሱን እቶም እሙናት ደቁን ካብ የሆዋ ኸምዚ ዚብል መምርሒ ተዋሂብዎም ነይሩ፦ “ከይትሞቱስ፡ ነዚ ኣኼባውን ንሱ [የሆዋ] ኸይኵርየሉ፡ [ብሓዘን] ርእስኹም ኣይተወይፉ፡ ክዳውንትኹም ከኣ ኣይትቕደዱ።” (ዘሌ. 10:1-6) እቲ መልእኽቲ ንጹር እዩ ነይሩ። ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ፡ ካብቲ ንዘይእሙናት ኣባላት ስድራ ቤትና ዘላትና ፍቕሪ እትሕይል ክትከውን ኣለዋ።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘሌዋውያን 10:8-11) የሆዋ ኸኣ ንኣሮን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 9 “ንስኻን ምሳኻ እውን ደቅኻን ናብ ድንኳን ምርኻብ ክትኣትዉ ኸለኹም፡ ከይትሞቱስ፡ ወይኒ ወይ ኣልኮላዊ መስተ ኣይትስተዩ። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹንኩም። 10 እዚ ድማ ኣብ መንጎ ቅዱስን ርኹስን፡ ኣብ መንጎ ዘይንጹህን ንጹህን ንምፍላይ፡ 11 ንእስራኤላውያን ከኣ ኵሉ እቲ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ እተዛረቦም ስርዓታት ንምምሃር እዩ።”
ብዅሉ ኣካይዳና ቕዱሳት ክንከውን ይግብኣና
18 ቅዱሳት ንምዃን፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት ተጠንቂቕና ኽንምርምሮን ኣምላኽ ካባና ዚጽበዮ ብቕዓታት ከነማልእን ኣሎና። ነቶም ደቂ ኣሮን ዝነበሩ ናዳብን ኣቢሁን እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ፣ ምናልባት ሰኺሮም ከለዉ “ጋሻ ሓዊ” ወይ ዘይተፈቕደ ሓዊ ስለ ዘቕረቡ፡ ብሞት ተቐጽዑ። (ዘሌ. 10:1, 2) ድሕሪኡ ኣምላኽ ንኣሮን እንታይ ከም ዝበሎ እሞ ርአ። (ዘሌዋውያን 10:8-11 ኣንብብ።) እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ቕድሚ ምኻድና ዝዀነ ይኹን ዓይነት ኣልኮላዊ መስተ ኽንሰቲ ኸም ዘይብልና ድያ እትገልጽ ዘላ፧ ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት እሞ ሕስብ ኣብለሉ፦ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ኣይኰንናን ዘለና። (ሮሜ 10:4) ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና፡ ቅድሚ ኣኼባ ምግባሮም ምግቢ ኺምገቡ ኸለዉ፡ ብመጠኑ ኣልኮላዊ መስተ ይሰትዩ እዮም። ፋሲካ ኺብዓል ከሎ፡ ኣርባዕተ ጽዋእ ወይኒ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ እዩ። የሱስ በዓል ዝኽሪ ኬቕውም ከሎ፡ ነቲ ንደሙ ዜመልክት ወይኒ ምእንቲ ኺሰትይዎ፡ ንሃዋርያቱ ሂብዎም እዩ። (ማቴ. 26:27) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምብዛሕ መስተን ስኽራንን ይዅንን እዩ። (1 ቈረ. 6:10፣ 1 ጢሞ. 3:8) ብዙሓት ክርስትያናት ድማ ብምኽንያት ሕልናኦም፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቅዱስ ኣገልግሎት ቅድሚ ምክፋሎም፡ ኣልኮላዊ መስተ ንኸይጥዕሙ ይውስኑ ይዀኑ። ይኹን እምበር፡ ኵነታት ከከም ሃገሩ ይፈላለ እዩ፣ ብቐንዱ ዜገድስ ከኣ፡ ክርስትያናት ንኣምላኽ ብዜሐጕስ መገዲ ቕዱሳት ምእንቲ ኪዀኑ፡ ‘ኣብ መንጎ ቕዱስን ዘይቅዱስን ዘሎ ፍልልይ ኪፈልጡ’ እዩ።
(ዘሌዋውያን 11:8) ካብ ስጋአን ኣይትብልዑ፡ ገምበን እውን ኣይትተንክዩ። ንሳተን ንዓኻትኩም ርኹሳት እየን።
it-1 111 ¶5
እንስሳታት
ብዛዕባ እቲ ኺብላዕ ዘይግባእ እንስሳታት እተዋህበ ቐይድታት ነቶም ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘለዉ ጥራይ እዩ ዚምልከት። ስለምንታይሲ፡ ዘሌዋውያን 11:8፡ “ንሳተን ንዓኻትኩም [ንእስራኤላውያን] ርኹሳት እየን” እያ እትብል። እቲ ሕጊ ብመስዋእታዊ ሞት ክርስቶስ የሱስ ምስ ተሳዕረ ግና፡ እቲ ቐይድታት ተሰሪዙ እዩ። ስለዚ፡ ኵሎም ደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ እቲ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ንኖህ እተነግሮ ስፍሕ ዝበለ መምርሒ እዮም ዘለዉ።—ቈሎ 2:13-17፣ ዘፍ 9:3, 4።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘሌዋውያን 10:1-15) ናዳብን ኣቢሁን፡ ደቂ ኣሮን፡ ነናቶም መትሓዝ ሓዊ ወሲዶም፡ ሓዊ ገበሩሉ፣ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዕጣን ኣንበሩሉ። ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸኣ፡ ንሱ ዘይኣዘዞም ዘይተፈቕደ ሓዊ ኣቕረቡ። 2 ሓዊ ኻብ ቅድሚ የሆዋ ወጺኡ ድማ በልዖም እሞ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሞቱ። 3 ሽዑ፡ ሙሴ ንኣሮን፡ “የሆዋ እተዛረቦ እዚ እዩ፦ ‘ኣብ መንጎ እቶም ዚቐርቡኒ ክቕደስ እየ፣ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ህዝቢ ድማ ክኽበር እየ’” በሎ። ኣሮን ከኣ ስቕ በለ። 4 ሙሴ ድማ ንሚሻኤልን ንኤሊጻፋንን፡ ደቂ ዑዚኤል፡ ሓው ኣቦ ኣሮን፡ ጸዊዑ፡ “ቅረቡ እሞ ንኣሕዋትኩም ካብ ቅድሚ እቲ መቕደስ ናብ ወጻኢ ሰፈር ጾይርኩም ውሰድዎም” በሎም። 5 ንሳቶም ከኣ ቀረቡ እሞ፡ ከምቲ ሙሴ ዝበሎም፡ በቲ ወለል ዚብል ክዳውንቶም ጾይሮም ናብ ወጻኢ ወሰድዎም። 6 ሽዑ፡ ሙሴ ንኣሮንን ንደቁ ኣልኣዛርን ኢታማርን ከምዚ በሎም፦ “ከይትሞቱ እሞ፡ ኣምላኽ ንዅሉ እዚ ኣኼባ ኸይቍጥዖስ፡ ርእስኹም ኣይተወንጭሩ፡ ክዳውንትኹም ከኣ ኣይትቕደዱ። ነቶም የሆዋ ብሓዊ ዝቐተሎም፡ ኣሕዋትኩም ብዘለዉ ቤት እስራኤል ኪበኽዩሎም እዮም። 7 ዘይቲ ቕብኣት የሆዋ ኣብ ልዕሌኹም እዩ እሞ፡ ከይትሞቱስ፡ ካብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣይትውጽኡ።” ንሳቶም ድማ ከም ቃል ሙሴ ገበሩ። 8 የሆዋ ኸኣ ንኣሮን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 9 “ንስኻን ምሳኻ እውን ደቅኻን ናብ ድንኳን ምርኻብ ክትኣትዉ ኸለኹም፡ ከይትሞቱስ፡ ወይኒ ወይ ኣልኮላዊ መስተ ኣይትስተዩ። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ሓዋሩ ሕጊ ይኹንኩም። 10 እዚ ድማ ኣብ መንጎ ቅዱስን ርኹስን፡ ኣብ መንጎ ዘይንጹህን ንጹህን ንምፍላይ፡ 11 ንእስራኤላውያን ከኣ ኵሉ እቲ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ እተዛረቦም ስርዓታት ንምምሃር እዩ።” 12 ሙሴ ድማ ንኣሮንን ነቶም ዝተረፉ ደቁ ኣልኣዛርን ኢታማርን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ “ነቲ ኻብቲ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ዝተረፈ መስዋእቲ እኽሊ ውሰድዎ፣ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ እሞ፡ ቅጫ ጌርኩም ኣብ ጥቓ እቲ መሰውኢ ብልዕዎ። 13 ካብቲ ንየሆዋ ብሓዊ እተገብረ መስዋእቲ፡ እዚ እጃምካን እጃም ደቅኻን ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ቅዱስ ቦታ ብልዕዎ፣ ከመይሲ፡ ከምኡ እየ ተኣዚዘ። 14 ሓኸለ መስዋእቲ ውዝወዛን እግሪ ቕዱስ ግደን እውን፡ ካብ መስዋእቲ ሕብረት እስራኤላውያን እጃምካን እጃም ደቅኻን ኪኸውን ተዋሂቡ እዩ እሞ፡ ንስኻን ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብ ጽሩይ ቦታ ብልዕዎ። 15 ኣብ ቅድሚ የሆዋ መስዋእቲ ውዝወዛ ንምውዝዋዝ፡ እግሪ ቕዱስ ግደን ሓኸለ መስዋእቲ ውዝወዛን ምስቲ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ስብሕን ኬምጽኡ እዮም፣ እዚ ድማ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ፡ ንዓኻን ምሳኻ እውን ንደቅኻን ናይ ሓዋሩ እጃም ይኹን።”
14-20 ታሕሳስ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘሌዋውያን 12-13
“ብዛዕባ ደዌ ኻብ እተዋህበ ሕግታት ተምሃር”
(ዘሌዋውያን 13:4, 5) ግናኸ፡ እቲ ብሩህ ብሮት ኣብ ቈርበቱ እንተ ጻዕድዩ፡ ካብቲ ቘርበት ድማ ከም ዘይጐድጐደ እንተ ተራእዩ፡ ጸጕሩ እውን እንተ ዘይጻዕድዩ፡ እቲ ኻህን ነቲ ረኽሲ ዘለዎ ሰብ ሸውዓተ መዓልቲ ይወሽቦ። 5 እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ይመርምሮ፣ እቲ ረኽሲ ደው ዝበለ፡ ኣብቲ ቘርበት ድማ ዘይለሓመ እንተ መሲሉ፡ እቲ ኻህን ንኻልእ ሸውዓተ መዓልቲ ይወሽቦ።
ግዜኡ ዝሓለፎዶ ወይስ ቅድሚ ግዜኡ ዜፍልጥ፧
• ንሕሙማት ምውሻብ።
ሕጊ ሙሴ፡ ሕማም ደዌ ዘለዎም ሰባት ካብ ካልኦት ኪፍለዩ ይእዝዝ ነበረ። ሓካይም ነዚ ሎሚ እውን ውጽኢታዊ ዝዀነ ስርዓት እዚ ኺዓይዩሉ ዝጀመሩ ግና፡ ኣብ ማእከላይ ዘመን ለብዒ ምስ ኣጋጠመ እዩ።—ዘሌዋውያን፡ ምዕራፋት 13ን 14ን።
(ዘሌዋውያን 13:45, 46) እቲ ሕማም ዘለዎ ድዉይ ድማ፡ ክዳውንቱ ይቕደድ፡ ርእሱ ኸኣ የወንጭር፡ ጭሕሙ ኸዲኑ ድማ፡ ‘ርኹስ፡ ርኹስ!’ ኢሉ ይጨድር። 46 እቲ ሕማም ክሳዕ ዘለዎ፡ ኵሉ ግዜ ርኹስ ይኹን። ንሱ ርኹስ እዩ እሞ፡ ንበይኑ ይቀመጥ። መንበሪኡ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ይኹን።
ትፈልጥዶ፧
እቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ልሙድ ዝነበረ ሕማም ደዌ ንጥንታውያን ኣይሁድ የፍርሆም ነበረ። እዚ ዜሳቒ ሕማም እዚ፡ ጫፍ መትንታት እቲ ሕሙም ብምጥቃዕ ዘይሓዊ ቝስልን ኣካላዊ ስንክልናን ኬስዕብ ይኽእል እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ንደዌ ዚኸውን ፍሉጥ ፈውሲ ኣይነበረን። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቶም ድዉያት ንበይኖም ይፍለዩን ብዛዕባ ዅነታቶም ንኻልኦት ኬጠንቅቑ ይግደዱን ነበሩ።—ዘሌዋውያን 13:45, 46።
(ዘሌዋውያን 13:52) ነቲ ኽዳን ወይ ነቲ ኣብ ጸምሪ ወይ ኣብ በፍታ ዘሎ ቕጥኒ ወይ ፋእሚ፡ ወይ ከኣ ሕማም ንዝወጾ ዝዀነ ይኹን ኣቕሓ ቘርበት የንድዶ፣ ከመይሲ፡ ንሱ ብርቱዕ ደዌ እዩ። ብሓዊ ይንደድ።
(ዘሌዋውያን 13:57) ኣብ ካልእ ክፋል እቲ ኽዳን ወይ ኣብቲ ቕጥኒ ወይ ኣብቲ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣቕሓ ቘርበት እንተ ተራእዩ ግና፡ ይልሕም ኣሎ፣ ንዝዀነ ይኹን እተበከለ ነገር ከኣ ብሓዊ ኣንድዶ።
it-2 238 ¶3
ደዌ
ኣብ ክዳውንትን ኣብ ኣባይትን። ደዌ ብጸምሪ ወይ ብበፍታ ንእተሰርሐ ኽዳን፡ ወይ ንኣቕሓ ቘርበት ኪብክል ይኽእል እዩ። እቲ ሕማም ተሓጺቡ ኺጠፍእ ይኽእል ነይሩ እዩ፣ እቲ ኽዳን ወይ ኣቕሓ እውን ይውሸብ። እቲ ብጭው ዝበለ ሓምላይ ወይ ቅይሕ ዝበለ ነገር እንተ ዘይጠፊኡ ግና፡ ብርቱዕ ደዌ ብምዃኑ፡ እቲ ኽዳን ወይ ኣቕሓ ይነድድ። (ዘሌ 13:47-59) መንደቕ ሓንቲ ቤት ብብጭው ዝበለ ሓምላይ ወይ ብቕይሕ ዝበለ ዕምቈት እንተ ተበኪሉ፡ እቲ ኻህን ነታ ቤት ይውሽባ። እተበከለ ኣእማን ኪፈርስን እታ ቤት ብውሽጣ ኽትሕከኽን የድሊ ይኸውን፣ እቲ ኣእማንን እቲ ተለሲኑ ዝነበረ ሕካኽን ከኣ ኣብ ርኹስ ቦታ ይጕሓፍ። እቲ ብከላ እንተ ተመሊሱ፡ እታ ቤት ርኽስቲ ምዃና ይንገረላ እሞ ትፈርስ፣ እቲ ተሃኒጻትሉ ዝነበረት ናውቲ ድማ ኣብ ርኹስ ቦታ ይጕሓፍ። እታ ቤት ንጽህቲ ምዃና እንተ ተነጊሩላ ግና፡ ስርዓት ምንጻህ ይግበረላ። (ዘሌ 14:33-57) እቲ ንኽዳውንቲ ወይ ኣባይቲ ዚጸሉ ዓይነት ደዌ፡ ዋግ ወይ ዕሲ ኸም ዝዀነ ይግመት፣ ኰይኑ ግና፡ እዚ እተረጋገጸ ኣይኰነን።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘሌዋውያን 12:2) “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ሰበይቲ እንተ ጠኒሳ፡ ወዲ ኸኣ እንተ ወሊዳ፡ ከምቲ ብመዓልትታት ርኽሰት ጻግኒኣ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ትረክስ።
(ዘሌዋውያን 12:5) “‘ጓል እንተ ወሊዳ፡ ከምቲ ብእዋን ጻግኒኣ፡ 14 መዓልቲ ትረክስ። ንዚቕጽል 66 መዓልቲ ኸኣ ካብቲ ደም፡ ገዛእ ርእሳ ተንጽህ።
ካብ ኦሪት ዘሌዋውያን ዚጐልሕ ነጥብታት
12:2, 5—ሓንቲ ሰበይቲ ውላድ ምስ ወለደት ‘እትረክስ’ ስለምንታይ እያ፧ ኣካላት ምፍራይ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ንኼመሓላልፍ እዩ ተፈጢሩ። ይኹን እምበር፡ ብሰንኪ እቲ እተወርሰ ሓጢኣት፡ ዘይፍጹምን ሓጥእን ህይወት እዩ ናብ ውሉዳት ዜመሓላልፍ። ምስ ምላድ፡ ጽግያት፡ ምኽዓው ዘርኢ፡ ከምኡውን ካልእ ነዚ ዚመስል ነገራት እተተሓሓዘ ግዜያዊ ‘ርኽሰት፡’ ነቲ ዝወረስዎ ሓጢኣት ዜዘኻኽር እዩ። (ዘሌዋውያን 15:16-24፣ መዝሙር 51:5፣ ሮሜ 5:12) እቲ እስራኤላውያን ንኺነጽሁ ኺገብርዎ ዚግባእ ነገራት፡ ሓጢኣት ደቅሰብ ብምሽፋን ንሰባት ናብ ፍጽምና ንምምላስ በጅነታዊ መስዋእቲ ኸም ዜድሊ ንኺግንዘቡ ዚሕግዞም ነበረ። በዚ ኸምዚ እቲ ሕጊ ‘ናብ ክርስቶስ ዜብጽሖም ቀጻዒኦም’ ኰነ።—ገላትያ 3:24
(ዘሌዋውያን 12:3) ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ ስጋ ዕልቦኡ ይገዘር።
ግዜኡ ዝሓለፎዶ ወይስ ቅድሚ ግዜኡ ዜፍልጥ፧
• ሕጻን ዚግዘረሉ ግዜ።
ሕጊ ኣምላኽ፡ ወዲ ምስ ተወልደ ኣብ ሻምነይቲ መዓልቱ ኺግዘር ይእዝዝ ነበረ። (ዘሌዋውያን 12:3) ገና ኣብ እተወልዱ ሕጻናት፡ ደም ብንቡር ደረጃ ኺረግእ ዚጅምር፡ ድሕሪ እታ ቐዳመይቲ ሰሙን ከም ዝዀነ እዩ ዚእመን። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ማለት ኣብቲ ምዕቡል ሕክምና ዘይነበረሉ ግዜ፡ ሕጻን ንምግዛር ልዕሊ ሰሙን ምጽባይ፡ ጥበባውን ዕቝባ ዚኸውንን እዩ ነይሩ።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘሌዋውያን 13:9-28) “ንሰብ ሕማም ደዌ እንተ ሒዝዎ፡ ናብ ካህን የምጽእዎ፣ 10 እቲ ኻህን ድማ ይመርምሮ። ኣብቲ ቘርበት ጻዕዳ ሕበጥ እንተ ኣልዩ፡ ነቲ ጸጕሪ ኸኣ እንተ ኣጻዕድይዎ፡ ኣብቲ ሕበጥ ድማ ክፉት ቍስሊ እንተ ኣልዩ፡ 11 ኣብ ቈርበቱ ዝወጸ ሕዱር ደዌ እዩ፣ ርኹስ ምዃኑ ኸኣ እቲ ኻህን ይንገር። ርኹስ እዩ እሞ፡ ኣይወሽቦ። 12 እቲ ደዌ ኣብ ኵሉ ቘርበቱ እንተ ወጺኡ፡ እቲ ደዌ ድማ እቲ ኻህን ክርእዮ ኽሳዕ ዚኽእል ነቲ ሰብ ካብ ርእሱ ኽሳብ እግሩ ብሕማም እንተ ኸዲንዎ፡ 13 እቲ ኻህን ከኣ ምስ መርመሮ፡ እቲ ደዌ ንዅሉ ቘርበቱ ኸም ዝወረሶ እንተ ርእዩ፡ ሽዑ እቲ ረኽሲ ዝነበሮ ሰብ ንጹህ ምዃኑ ይንገር። ብዘሎ ጻዕድዩ እዩ፡ ንሱ ንጹህ እዩ። 14 ግናኸ፡ ክፉት ቍስሊ ምስ ተራእየ፡ ንሱ ርኹስ እዩ። 15 እቲ ኻህን ክፉት ቍስሊ ምስ ዚርኢ፡ ርኹስ ምዃኑ ይንገር። እቲ ኽፉት ቍስሊ ርኹስ እዩ። ንሱ ደዌ እዩ። 16 እቲ ኽፉት ቍስሊ ኸም ብሓድሽ እንተ ጻዕድዩ ግና፡ ናብ ካህን ይምጻእ። 17 እቲ ኻህን ድማ ይመርምሮ፣ እቲ ረኽሲ እንተ ጻዕድዩ፡ ሽዑ እቲ ኻህን፡ እቲ ረኽሲ ዝነበሮ ሰብ ንጹህ ምዃኑ ይንገር፣ ንሱ ንጹህ እዩ። 18 “ንሰብ ኣብ ቈርበቱ ምጕልንጭዋ እንተ ወጺእዎ እሞ፡ እንተ ሓውዩ፡ 19 ኣብቲ ምጕልንጭዋ ዝነበሮ ቦታ ግና ጻዕዳ ሕበጥ ወይ ቅይሕ ዝበለ ጻዕዳ ብሩህ ብሮት እንተ ኣልዩ፡ ሽዑ ገዛእ ርእሱ ንኻህን የርኢ። 20 እቲ ኻህን ድማ ይመርምሮ፣ ካብቲ ቘርበት ጐድጒዱ እንተ ተራእዩ፡ ጸጕሩ ኸኣ እንተ ጻዕድዩ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። ኣብ ምጕልንጭዋ ዝወጸ ሕማም ደዌ እዩ። 21 ግናኸ፡ እቲ ኻህን እንተ መርሚርዎ እሞ፡ ኣብኡ ጻዕዳ ጸጕሪ እንተ ዘየልዩ፡ ካብቲ ቘርበት ከኣ እንተ ዘይጐድጒዱ፡ ከምኡ ድማ እንተ ፈሲሙ፡ እቲ ኻህን ሸውዓተ መዓልቲ ይወሽቦ። 22 ኣብቲ ቘርበት ብንጹር እንተ ልሒሙ ኸኣ፡ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። ንሱ ሕማም እዩ። 23 እቲ ብሩህ ብሮት ኣብ ሓደ ቦታ ደው እንተ ኢሉን እንተ ዘይልሒሙን ግና፡ ነድሪ ምጕልንጭዋ ጥራይ እዩ፣ ንጹህ ምዃኑ ኸኣ እቲ ኻህን ይንገር። 24 “ንሰብ ንዳድ ሓዊ እንተ ኣልይዎ እሞ፡ እቲ ኽፉት ቍስሊ ዝዀነ ንዳድ ቅይሕ ዝበለ ጻዕዳ ብሩህ ብሮት እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ጻዕድዩ፡ 25 ሽዑ እቲ ኻህን ይመርምሮ። እቲ ኣብቲ ብሩህ ብሮት ዘሎ ጸጕሪ እንተ ጻዕድዩ፡ ካብቲ ቘርበት ከኣ ጐድጒዱ እንተ ተራእዩ፡ ኣብ ንዳድ ዝወጸ ደዌ እዩ፣ ርኹስ ምዃኑ ድማ እቲ ኻህን ይንገር። ንሱ ሕማም ደዌ እዩ። 26 ግናኸ፡ እቲ ኻህን እንተ መርሚርዎ፡ ኣብቲ ብሩህ ብሮት ጻዕዳ ጸጕሪ ኸም ዘየልቦ፡ ካብቲ ቘርበት ከኣ ከም ዘይጐድጐደ፡ ከምኡ ድማ ከም ዝፈሰመ እንተ ርእዩ፡ ሽዑ እቲ ኻህን ሸውዓተ መዓልቲ ይወሽቦ። 27 ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸኣ እቲ ኻህን ይመርምሮ፣ ብንጹር ድማ ኣብቲ ቘርበት እንተ ልሒሙ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። ንሱ ሕማም ደዌ እዩ። 28 ግናኸ፡ እቲ ብሩህ ብሮት ኣብ ቦታኡ ደው እንተ ኢሉ፡ ኣብቲ ቘርበት እውን እንተ ዘይልሒሙ፡ ከምኡ ድማ እንተ ፈሲሙ፡ ንሱ ሕበጥ ንዳድ ጥራይ እዩ፣ ነድሪ ንዳድ እዩ እሞ፡ ንጹህ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር።
21-27 ታሕሳስ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘሌዋውያን 14-15
“ንጹህ ኣምልኾ ንጽህና ይሓትት”
(ዘሌዋውያን 15:13-15) “‘እቲ ምኽዓው ደው ምስ በለ፡ እቲ ፈሳሲ ዚክዓዎ ድማ ካብኡ ምስ ነጽሀ፡ ንምንጻሁ ሸውዓተ መዓልቲ ይቝጸር፡ ክዳውንቱ ድማ ይሕጸብ፡ ሰብነቱ ኸኣ ብፈልፋሊ ማይ ይተሓጸብ፡ ንጹህ ድማ ይኸውን። 14 ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ኸኣ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫቚት ርግቢ ይውሰድ፣ ናብ ቅድሚ የሆዋ፡ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ይምጻእ እሞ፡ ንኻህን ይሃበን። 15 እቲ ኻህን ድማ፡ እታ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ እታ ኻልአይቲ ኸኣ ንዚሓርር መስዋእቲ ይሰውኣየን፣ እቲ ኻህን ድማ ብዛዕባ እቲ ዚክዓዎ ፈሳሲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ የተዓርቆ።
it-1 263
ምሕጻብ ሰብነት
እስራኤላውያን ብምኽንያት እቲ እተፈላለየ ስርዓተ ምንጻህ፡ ሰብነቶም ይሕጸቡ ነይሮም እዮም። ካብ ሕማም ደዌ ዝሓወየ ዘበለ፡ “ፈሳሲ ዚክዓዎ” ሰብ ዝተንከዮ ዘበለ፡ ዘርኡ ዝወጾ ሰብኣይ፡ ብግዜ ጻግኒኣ ዘላ ወይ ደም ዚክዓዋ ሰበይቲ፡ ወይ ጾታዊ ርክብ ዝገበረ ሰብ “ርኹስ” ብምዃኑ ሰብነቱ ይሕጸብ ነይሩ። (ዘሌ 14:8, 9፣ 15:4-27) ምስ ሬሳ ሰብ ኣብ ሓደ ድንኳን ዝነበረ ወይ ዝተንከየ፡ “ርኹስ” ብምዃኑ ብዜንጽህ ማይ ይሕጸብ ነይሩ። ብዛዕባ እቲ ነዚ ስርዓት እዚ ዘይሓለወ ሰብ ከኣ፡ “መቕደስ የሆዋ ኣርኪሱ እዩ እሞ፡ እቲ ሰብ እቲ ኻብቲ ጉባኤ ይመንቈስ” ተባሂሉ ኣሎ። (ዘሁ 19:20) ስለዚ፡ ሕጽበት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጹህ ክትከውን ዜኽእል ምሳልያዊ መግለጺ ዀይኑ ኣገልጊሉ ኣሎ። (መዝ 26:6፣ 73:13፣ ኢሳ 1:16፣ ህዝ 16:9) ሰብ በቲ ብማይ እተመሰለ ሓቂ ዝዀነ ቓል የሆዋ ምስ ዚሕጸብ ከኣ፡ ርእሱ የንጽህ እዩ።—ኤፌ 5:26።
(ዘሌዋውያን 15:28-30) “‘ካብ ምኽዓዋ ምስ ነጽሀት ድማ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ትቝጸር፡ ድሕሪኡ ንጽህቲ ትኸውን። 29 ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ኸኣ፡ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫቚት ርግቢ ትውሰድ፣ ናብ ካህን፡ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ድማ ተምጽኣየን። 30 እቲ ኻህን ድማ፡ እታ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ እታ ኻልአይቲ ኸኣ ንዚሓርር መስዋእቲ ይግበረን፣ እቲ ኻህን ድማ ብዛዕባ እቲ ዚክዓዋ ርኽሰታ ኣብ ቅድሚ የሆዋ የተዓርቃ።
it-2 372 ¶2
ጻግነ
ሰበይቲ ብዘይስሩዕ ኣገባብ ደም ምስ ዚፈስሳ፡ ወይ “ካብ ንቡር ጻግኒኣ ንዝነውሐ ግዜ ምስ ዚፈስሳ፡” ርኽስቲ እያ እትኸውን ነይራ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዝተንከየቶ ወይ ዝደቀሰቶ ወይ ኮፍ ዝበለቶ ነገር ኰነ ነዚ ዝተንከየ ሰብ ይረክስ። እቲ ዚክዓዋ ደው ምስ በለ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ትቘጽር፣ ድሕሪኡ ንጽህቲ ትኸውን። ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ፡ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫቚት ርግቢ ናብ ካህን ትወስድ፣ ንሱ ድማ ሓዲአን ንየሆዋ መስዋእቲ ሓጢኣት ገይሩ፡ ሓዲአን ከኣ ዚሓርር መስዋእቲ ገይሩ የቕርብ።—ዘሌ 15:19-30፣ ኣብ “ንጹህ፡ ንጽህና” ርአ።
(ዘሌዋውያን 15:31) “‘ነቲ ኣብ ማእከሎም ዘሎ ማሕደረይ ብምርካሶም ብርኽሰቶም ከይሞቱስ፡ በዚ ኸምዚ ንእስራኤላውያን ካብ ርኽሰቶም ፍለይዎም።
it-1 1133
መቕደስ
2. እቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ደሓር ከኣ እታ ቤተ መቕደስ። እቲ ኣብ ኣጸድ እቲ ማሕደርን ኣብ ኣጸዳት ቤተ መቕደስን ዚርከብ ብምሉኡ መቕደስ እዩ ነይሩ። (ዘጸ 38:24፣ 2ዜና 29:5፣ ግብ 21:28) እቲ ኣብ ኣጸድ ዚርከብ ቀንዲ ኣቕሑ፡ መሰውእን ገበራ ነሓስን እዩ ነይሩ። እዚ ቕዱስ እዩ ነይሩ። እቶም ዝነጽሁ ሰባት ጥራይ እዮም ናብ ኣጸድ እቲ ማሕደር ኪኣትዉ ዚኽእሉ ዝነበሩ፣ ብተመሳሳሊ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ብርኹሱ ናብ ኣጸድ ቤተ መቕደስ ኪኣቱ ኣይፍቀድን እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ሰበይቲ ብመዓልትታት ርኽሰታ፡ ቅዱስ ዘበለ ኽትትንኪ ወይ ናብ መቕደስ ክትኣቱ ኣይትኽእልን እያ ነይራ። (ዘሌ 12:2-4) እስራኤላውያን ርኹሳት ኰይኖም ንዝነውሐ እዋን እንተ ጸኒሖም፡ ነቲ ማሕደር ከም ዜርክስዎ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። (ዘሌ 15:31) እቶም ካብ ደዌ ንምንጻህ መስዋእቲ ዜቕርቡ፡ ነቲ መስዋእቶም ክሳብ ናብ ኣፍ ደገ እቲ ኣጸድ እዮም ዜምጽእዎ ነይሮም። (ዘሌ 14:11) ረኺሱ ኸሎ ኻብቲ ኣብቲ ማሕደር ወይ ኣብታ ቤተ መቕደስ ዚቐርብ መስዋእቲ ሕብረት ዝበልዐ፡ መቕጻዕቲ ሞት እዩ ዚጽበዮ ነይሩ።—ዘሌ 7:20, 21።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘሌዋውያን 14:14) “እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ደም መስዋእቲ በደል ይውሰድ፣ እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ዚነጽህ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን ይልከዮ።
(ዘሌዋውያን 14:17) እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ኣብ ከብዲ ኢዱ ዝተረፈ ዘይቲ ነቲ ዚነጽህ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ደም መስዋእቲ በደል ይልከዮ።
(ዘሌዋውያን 14:25) ነቲ ገንሸል መስዋእቲ በደል ከኣ ይሕረዶ፣ እቲ ኻህን ድማ ካብ ደም እቲ መስዋእቲ በደል ወሲዱ፡ ነቲ ዚነጽህ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን ይልከዮ።
(ዘሌዋውያን 14:28) እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ኣብ ከብዲ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ ነቲ ዚነጽህ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ደም መስዋእቲ በደል ይልከዮ።
it-1 665 ¶5
እዝኒ
ኣብ እስራኤል፡ ሽመት ክህነት ኪገብር ከሎ፡ ሙሴ ገለ ኻብቲ ደም ድዑል ሽመት ወሲዱ፡ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኒ ኣሮንን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን ለኸየ፣ እዚ ድማ እቲ ዚሰምዕዎ ነገርን እቲ ዚገብርዎ ዕዮን እቲ ዚመላለሱሉ ኣካይዳን በቲ ኣብኡ ዚኸውን ዝነበረ ብቐጥታ ኸም ዚጽሎ ዜመልክት እዩ ነይሩ። (ዘሌ 8:22-24) ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ድዉይ ኪነጽህ ከሎ፡ እቲ ኻህን ካብ ደም እቲ ገንሸል መስዋእቲ በደል ኰነ ካብቲ ዚቐርብ ዘይቲ ወሲዱ፡ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኒ እቲ ድዉይ ኪለኪ ኸም ዝነበሮ እቲ ሕጊ ይእዝዝ ነይሩ እዩ። (ዘሌ 14:14, 17, 25, 28) ንጐይታኡ ንሓዋሩ ኼገልግል ንዚደሊ ባርያ እውን፡ ተመሳሳሊ ዓይነት መሰናድዎ ነይሩ እዩ። ኣብቲ መዳይ እቲ፡ እቲ ጐይታ ነቲ ባርያ ናብ ልዳት ወሲዱ፡ እዝኑ ብመስፈ የንኵሎ ነይሩ። እዚ ኣብታ ንምስማዕ ዚጥቀመላ ክፍሊ ኣካላቱ ዚግበር ነባሪ ምልክት ከኣ፡ ንጐይታኡ ወትሩ ኺእዘዞ ኸም ዚደሊ ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።—ዘጸ 21:5, 6።
(ዘሌዋውያን 14:43-45) “እቲ ኣእማን ምስ ወጸን እታ ቤት ምስ ተሓክከትን ዳግም ምስ ተለሰነትን፡ እቲ ብከላ ተመሊሱ ኣብታ ቤት እንተ ወጺኡ ግና፡ 44 ሽዑ እቲ ኻህን ኣትዩ ይመርምራ። እቲ ብከላ ኣብታ ቤት እንተ ልሒሙ፡ ንሱ ኣብታ ቤት ብርቱዕ ደዌ እዩ። እታ ቤት ርኽስቲ እያ። 45 ነታ ቤት ድማ፡—ኣእማናን ኣዕጫዋን ነታ ቤት ዝለሰና ዅሉ ጭቃን፡—ከም እትፈርስ፡ ናብ ወጻኢ ኸተማ፡ ናብ ርኹስ ቦታ ኸኣ ከም እትጕሓፍ ይግበር።
g 1/06 14, box
ዕሲ—ፈታውን ጸላእን!
ዕሲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፧
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ቤት [መንደቕ ቤት] ብደዌ ኸም እትብከል’ ይገልጽ እዩ። (ዘሌ 14:34-48) እዚ “ብርቱዕ ደዌ” እተባህለ ተርእዮ እዚ፡ ዋግ ወይ ዕሲ ኸም ዝዀነ ይግመት፣ ኰይኑ ግና፡ እዚ እተረጋገጸ ኣይኰነን። ዝዀነ ዀይኑ፡ ዋና እታ ቤት ነቲ እተበከለ ኣእማን ኬፍርስን ነታ ቤት ብውሽጣ ኺሓክካ እሞ፡ ነቲ ተበኪሉ ኪኸውን ዚኽእል ነገራት ኣብ “ርኹስ ቦታ” ኺድርብዮ ኸም ዘለዎ ሕጊ ኣምላኽ ይእዝዝ ነይሩ እዩ። እቲ ብከላ እንተ ተመሊሱ፡ እታ ቤት ርኽስቲ ምዃና ይንገረላ እሞ ትፈርስን ትጕሓፍን። እቲ የሆዋ ብዝርዝር ዝሃቦ መምርሒ፡ ንህዝቡ ኣጸቢቑ ኸም ዜፍቅሮምን ንጥዕናኦም ከም ዚሓልን ዜርኢ እዩ ነይሩ።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘሌዋውያን 14:1-18) የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ድዉይ ብመዓልቲ ምንጻሁ፡ ኣብ ቅድሚ ኻህን ምስ ኣምጽእዎ፡ እቲ ሕጊ እዚ እዩ። 3 እቲ ኻህን ናብ ወጻኢ እቲ ሰፈር ከይዱ ይመርምሮ። እቲ ድዉይ ካብቲ ደዌኡ እንተ ሓውዩ፡ 4 ንምንጻሁ ዚኸውን ክልተ ህያዋን ዝዀና ንጹሃት ኣዕዋፍን ዕንጨይቲ ቄድሮስን ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ሃዛብን ኬምጽእ፡ እቲ ኻህን ይኣዝዞ። 5 እቲ ኻህን ድማ፡ እታ ሓንቲ ዑፍ ኣብ ልዕሊ ፈልፋሊ ማይ ዘለዎ ኣቕሓ መሬት ክትሕረድ ይኣዝዝ። 6 ነታ ህያው ዑፍን ነቲ ዕንጨይቲ ቄድሮስን ነቲ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ነቲ ሃዛብን ከኣ ይውሰድ እሞ፡ ኣብ ደም እታ ኣብ ልዕሊ እቲ ፈልፋሊ ማይ እተሓርደት ዑፍ ይእለኽ። 7 ኣብ ልዕሊ እቲ ኻብ ደዌኡ ዚነጽህ ድማ ሸውዓተ ሳዕ ይንጸጎ እሞ፡ ንጹህ ምዃኑ ይንገር፣ ነታ ህያው ዑፍ ከኣ ናብ መሮር ትኺድ ይሕደጋ። 8 “እቲ ዚነጽህ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ኵሉ ጸጕሩ ኸኣ ይላጺ፡ ብማይ እውን ይተሓጸብ፡ ይነጽህ ከኣ። ድሕርዚ፡ ናብ ሰፈር ይእቶ፡ ግናኸ ኣብ ወጻኢ ድንኳኑ ሸውዓተ መዓልቲ ይቀመጥ። 9 ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ ኵሉ ጸጕሪ ርእሱን ጭሕሙን ሸፋሽፍቱን ይላጺ። ጸጕሩ ምስ ላጸየ፡ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ሰብነቱ ድማ ብማይ ይተሓጸብ፡ ይነጽህ ከኣ። 10 “ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ፡ ክልተ ጥዑያት ገንሸልን ሓንቲ ኣብ ቀዳማይ ዓመታ ዘላ ጥዕይቲ ሽበንን ንመስዋእቲ እኽሊ ኸኣ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭን ሓደ ሎግ ዘይትን ይውሰድ። 11 እቲ ዜንጽሆ ኻህን ድማ ነቲ ዚነጽህ ሰብን ነቲ መስዋእትታትን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ የቕርቦ። 12 እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ሓደ ገንሸል ወሲዱ፡ ምስቲ ሎግ ዘይቲ ብሓባር ገይሩ ንመስዋእቲ በደል የቕርቦ፣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ድማ መስዋእቲ ውዝወዛ ኪኸውን ይወዝውዞ። 13 መስዋእቲ በደል ከም መስዋእቲ ሓጢኣት ናይቲ ኻህን ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ነቲ ገንሸል ኣብቲ መስዋእቲ ሓጢኣትን ዚሓርር መስዋእትን ዚሕረደሉ ቦታ፡ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይሕረዶ። ንሱ ቕዱስ ቅዱሳን እዩ። 14 “እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ደም መስዋእቲ በደል ይውሰድ፣ እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ዚነጽህ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን ይልከዮ። 15 እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ሎግ ዘይቲ ወሲዱ፡ ኣብ ጸጋመይቲ ኸብዲ ኢዱ የፍስስ። 16 እቲ ኻህን ከኣ የማነይቲ ኣጻብዑ ኣብቲ ኣብ ጸጋመይቲ ኸብዲ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ ይጥማዕ እሞ፡ ካብቲ ዘይቲ ብኣጻብዑ ሸውዓተ ሳዕ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይንጸግ። 17 እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ኣብ ከብዲ ኢዱ ዝተረፈ ዘይቲ ነቲ ዚነጽህ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ደም መስዋእቲ በደል ይልከዮ። 18 እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ኣብ ከብዲ ኢዱ ዝተረፈ ዘይቲ ኣብ ርእሲ እቲ ዚነጽህ ይግበሮ፣ እቲ ኻህን ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ የተዓርቆ።
28 ታሕሳስ–3 ጥሪ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘሌዋውያን 16-17
“መዓልቲ ዕርቅን ንስኻን”
(ዘሌዋውያን 16:12) “ካብቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘሎ መሰውኢ ድማ በቲ መትሓዝ ሓዊ ገይሩ ጓህሪ መሊኡ ይውሰድ፣ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን ከኣ ምሉእ ሕፍኒ ወሲዱ፡ ናብ ውሽጢ እቲ መጋረጃ የእትዎ።
ካብ መጽሓፍ ዘሌዋውያን እንምሃሮ ትምህርቲ
4 ዘሌዋውያን 16:12, 13 ኣንብብ። ነቲ በታ መዓልቲ ዕርቂ ዚግበር እሞ ኣብ ኣእምሮና ንስኣሎ፦ እቲ ሊቀ ኻህናት ናብቲ ማሕደር ይኣቱ። እዚ ኻብቲ በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ቅድስተ ቕዱሳት ሰለስተ ሳዕ ዚኣትወሉ ኣጋጣሚ፡ እቲ ቐዳማይ እዩ። ብሓደ ኢዱ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን ዝመልአ ኣቕሓ ሒዙ ኣሎ፡ በቲ ሓደ ኢዱ ድማ ጓህሪ ዝመልአ መትሓዝ ሓዊ ሒዙ ኣሎ። ናብቲ ነታ ቕድስተ ቕዱሳን ዝሸፈነ መጋረጃ ምስ ቀረባ፡ ሓንሳእ ደው ይብል። ብዓብዪ ኣኽብሮት ድማ ናብታ ቕድስተ ቕዱሳን ኣትዩ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ይቐውም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብምሳልያዊ መገዲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ እዩ ቘይሙ ዘሎ! ድሕርዚ፡ እቲ ኻህን ነቲ ቕዱስ ዕጣን ተጠንቂቑ ናብቲ ጓህሪ ይኽዕዎ፡ እታ ኽፍሊ ኸኣ ጥዑም ብዝጨናኡ ሽታ ትመልእ። ጸኒሑ፡ ደም መስዋእቲ ሓጢኣት ሒዙ መሊሱ ናብታ ቕድስተ ቕዱሳን ይኣቱ። እምበኣር፡ ደም መስዋእቲ ሓጢኣት ቅድሚ ምቕራቡ፡ ዕጣን ከም ዚዓጥን ኣስተብህል።
(ዘሌዋውያን 16:13) ከይመውትሲ፡ ነቲ ዕጣን ኣብቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘሎ ሓዊ ይግበሮ፣ እቲ ደበና ዕጣን ከኣ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስክር ዘሎ መኽደን ታቦት የጐልብቦ።
ካብ መጽሓፍ ዘሌዋውያን እንምሃሮ ትምህርቲ
5 ካብቲ ዕጣን ኣብ መዓልቲ ዕርቂ ዚዕጠነሉ ኣገባብ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ እሙናት ኣምለኽቲ የሆዋ ዜቕርብዎ ቕቡል ጸሎት ከም ዕጣን ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ። (መዝ. 141:2፣ ራእ. 5:8) እቲ ሊቀ ኻህናት ነቲ ዕጣን ናብ ቅድሚ የሆዋ ብዓብዪ ኣኽብሮት የቕርቦ ምንባሩ ኣይንረስዕ። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ ብጸሎት ናብ የሆዋ ኽንቀርብ ከለና፡ ብዓብዪ ኣኽብሮት ኢና ናብኡ እንቐርብ። ንዕኡ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ኣሎና። እቲ ፈጣሪ ዅሉ ፍጥረት ከምቲ ሕጻን ንኣቦኡ ዚቐርቦ ጌርና ናብኡ ኽንጽልን ንዕኡ ኽንቀርቦን ምፍቃዱ ብዙሕ ነመስግኖ ኢና። (ያእ. 4:8) ከም ኣዕሩኹ ገይሩ ይቕበለና እዩ። (መዝ. 25:14) ነዚ ፍሉይ መሰል እዚ ኣኽቢርና ስለ እንርእዮ፡ ከነጕህዮ ኸቶ ኣይንደልን ኢና።
(ዘሌዋውያን 16:14, 15) “ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲዱ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ መኽደኒ ብሸነኽ ምብራቕ ብኣጻብዑ ይንጸግ፣ ካብቲ ደም ከኣ ብኣጻብዑ ኣብ ቅድሚ እቲ መኽደኒ ሸውዓተ ሳዕ ይንጸግ። 15 “ነቲ ምእንቲ ህዝቢ ዚኸውን ወጠጦ መስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ይሕረዶ፣ ነቲ ደሙ ኸኣ ናብ ውሽጢ እቲ መጋረጃ የእትዎ፣ በቲ ደሙ ድማ ከምቲ ብደም እቲ ዝራብዕ ዝገበሮ ይግበር፣ ናብቲ መኽደንን ኣብ ቅድሚ እቲ መኽደንን ይንጸግ።
ካብ መጽሓፍ ዘሌዋውያን እንምሃሮ ትምህርቲ
6 እቲ ሊቀ ኻህናት፡ መስዋእትታት ቅድሚ ምቕራቡ፡ ዕጣን ይዓጥን ምንባሩ እውን ኣይንረስዕ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ መስዋእትታት ኣብ ዜቕርበሉ እዋን፡ ስምረት ኣምላኽ ከም ዚረክብ የረጋግጽ ነይሩ እዩ። ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ህይወቱ መስዋእቲ ገይሩ ቕድሚ ምቕራቡ፡ ካብ ድሕነት ደቂ ሰብ ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ኪገብር ነይርዎ እዩ። እዚ እንታይ እዩ፧ ኣብ ህይወቱ ብንጽህናን ብተኣማንነትን ብምምልላስ፡ የሆዋ ነቲ መስዋእቱ ምእንቲ ኪቕበሎ መገዲ ኼዳሉ ነይርዎ እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ብመገዲ የሆዋ ምምልላስ፡ ቅኑዕ ኣነባብራ ህይወት ምዃኑ መርትዖ ኣቕሪቡ እዩ። ልዑላውነት ወይ ኣገዛዝኣ ኣቦኡ ቕኑዕ ወይ ፍትሓዊ ምዃኑ ኸኣ መረጋገጺ ሂቡ እዩ።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ዘሌዋውያን 16:10) እቲ ብዕጫ ንዓዛዜል ዝበጽሖ ወጠጦ ግና፡ ንዓዛዜል ናብ በረኻ ምእንቲ ኺስደድ፡ ብህይወቱ ኸሎ ንምትዕራቑ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ደው ይበል።
it-1 226 ¶3
ዓዛዜል
ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝገለጾ፡ የሱስ ፍጽምቲ ህይወቱ ንሓጢኣት ደቂ ሰብ መስዋእቲ ገይሩ ብምስዋእ፡ ካብቲ “ደም ኣብዑርን ድቤላታትን” ኪገብሮ ዚኽእል ኣጸቢቑ ዚበልጽ ነገር እዩ ገይሩ። (እብ 10:4, 11, 12) በዚ ኸምዚ “ንሕማምና ጾይርዎ፡” ከምኡ እውን “ምእንቲ ኣበሳና ተወጊኡ” እዩ። (ኢሳ 53:4, 5፣ ማቴ 8:17፣ 1ጴጥ 2:24) ንሓጢኣት ኵሎም እቶም ብዋጋ መስዋእቱ ዚኣምኑ ድማ ሓጢኣቶም ‘ኣርሒቕሎም’ እዩ። ነቲ ኣምላኽ ንሓጢኣት ምሉእ ብምሉእ ኪርስዖ ዝገበሮ መሰናድዎ ዜርኢ እዩ። በዚ መገድታት እዚ፡ እቲ “ንዓዛዜል” ዚስደድ ወጠጦ ነቲ የሱስ ክርስቶስ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ምሳሌ ዚኸውን እዩ።
(ዘሌዋውያን 17:10, 11) “‘ካብ ቤት እስራኤል፡ ዝዀነ ሰብ ወይ ኣብ ማእከልኩም ዚነብር ጓና፡ ደም ዘበለ እንተ በሊዑ፡ ነቲ ደም ዝበልዐ ሰብ ብርግጽ ገጸይ ናብኡ ገይረ ኽጻረሮ እየ፣ ካብ መንጎ ህዝቡ ኸኣ ክምንቍሶ እየ። 11 ከመይሲ፡ ህይወት እቲ ስጋ ኣብቲ ደም እዩ፣ እቲ በታ ኣብኡ ዘላ ህይወት ገይሩ ዜተዓርቕ፡ ደም እዩ እሞ፡ ኣነ ኣብ መሰውኢ ንዓኻትኩም ኬተዓርቕ ኢለ ሃብኩኹም።
ቅዱሳት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
10 ዘሌዋውያን 17:10 ኣንብብ። የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ “ደም ዘበለ” ኸይበልዑ ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ። ክርስትያናት እውን እንተ ዀኑ፡ ካብ ደም እንስሳ ወይ ደም ሰብ ኪርሕቁ ኣለዎም። (ግብ. 15:28, 29) ኣምላኽ ‘ገጹ ናባና ብምምላስ’ ኪጻረረና፡ ካብ ማእከል ህዝቡ ድማ ኪምንቍሰና ኣይንደልን ኢና። ንኣምላኽ ነፍቅሮን ክንእዘዞ ንደልን ኢና። ኣብ ህይወትና ሓደገኛ ዝዀነ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ እውን ከይተረፈ፡ ነቲ እቶም ንየሆዋ ዘይፈልጥዎን ዘይእዘዝዎን ሰባት ዜቕርቡልና ምሕጽንታን ሕቶን ኢድና ኣይንህብን ኢና። ሓቂ እዩ፡ ደም ዘይንወስድ ብምዃንና ላግጺ ኼጋጥመና ይኽእል እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ንኣምላኽ ኢና ኽንእዘዞ እንደሊ። (ይሁ. 17, 18) ደም ንኸይንበልዕ ወይ ከኣ ደም ንኸይንወስድ ብቘራጽነት ‘ንኽንጸንዕ’ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧—ዘዳ. 12:23።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ዘሌዋውያን 16:1-17) ድሕሪ ሞት እቶም ናብ የሆዋ ብምቕራቦም ዝሞቱ ኽልቲኦም ደቂ ኣሮን፡ የሆዋ ንሙሴ ተዛረቦ። 2 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ “ኣነ ብደበና ኣብቲ መኽደኒ ኽርአ እየ እሞ፡ ንሓውካ ኣሮን፡ ከይመውትሲ፡ ናብቲ ኣብ ውሽጢ እቲ መጋረጃ ዘሎ መቕደስ፡ ናብ ቅድሚ እቲ ኣብ ልዕሊ ታቦት ዘሎ መኽደኒ ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ኸይኣቱ ንገሮ። 3 “ኣሮን ናብቲ መቕደስ ኪኣቱ ኸሎ፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ዝራብዕ፡ ንዚሓርር መስዋእቲ ኸኣ ሓደ ድዑል ሒዙ ይምጻእ። 4 ወለል ዚብል ቅዱስ በፍታ ይከደን፡ ብስረ በፍታ ድማ ንሰብነቱ ይኽደን፡ ቅናት በፍታ ኸኣ ይተዓጠቕ፡ ርእሱ እውን ብመጠምጠምያ በፍታ ይጠምጥም። እዚ፡ ቅዱስ ክዳውንቲ እዩ። ብማይ ይተሓጸብ እሞ፡ ይልበሶ። 5 “ካብ ኣኼባ እስራኤላውያን ድማ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ክልተ ወጠጦ፡ ንዚሓርር መስዋእቲ ኸኣ ሓደ ድዑል ይውሰድ። 6 “ኣሮን ድማ ነቲ ምእንታኡ ዚኸውን ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት የቕርቦ፣ ንርእሱን ንቤቱን ከኣ የተዓርቕ። 7 “ነቶም ክልተ ወጠጦ ወሲዱ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ደው የብሎም። 8 ኣሮን ከኣ ኣብ ልዕሊ እቶም ክልተ ወጠጦ ዕጫ የውድቕ፣ እቲ ሓደ ዕጫ ንየሆዋ፡ እቲ ኻልኣይ ዕጫ ድማ ንዓዛዜል ይኹን። 9 ኣሮን ከኣ ነቲ ብዕጫ ንየሆዋ ዝበጽሖ ወጠጦ የቕርቦ፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ይሰውኣዮ። 10 እቲ ብዕጫ ንዓዛዜል ዝበጽሖ ወጠጦ ግና፡ ንዓዛዜል ናብ በረኻ ምእንቲ ኺስደድ፡ ብህይወቱ ኸሎ ንምትዕራቑ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ደው ይበል። 11 “ኣሮን ከኣ ነቲ ምእንታኡ ዚኸውን ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት የቕርቦ፣ ንርእሱን ንቤቱን ድማ የተዓርቕ፣ ድሕሪኡ፡ ነቲ ምእንታኡ ዚኸውን ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ይሕረዶ። 12 “ካብቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘሎ መሰውኢ ድማ በቲ መትሓዝ ሓዊ ገይሩ ጓህሪ መሊኡ ይውሰድ፣ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን ከኣ ምሉእ ሕፍኒ ወሲዱ፡ ናብ ውሽጢ እቲ መጋረጃ የእትዎ። 13 ከይመውትሲ፡ ነቲ ዕጣን ኣብቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘሎ ሓዊ ይግበሮ፣ እቲ ደበና ዕጣን ከኣ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስክር ዘሎ መኽደን ታቦት የጐልብቦ። 14 “ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲዱ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ መኽደኒ ብሸነኽ ምብራቕ ብኣጻብዑ ይንጸግ፣ ካብቲ ደም ከኣ ብኣጻብዑ ኣብ ቅድሚ እቲ መኽደኒ ሸውዓተ ሳዕ ይንጸግ። 15 “ነቲ ምእንቲ ህዝቢ ዚኸውን ወጠጦ መስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ይሕረዶ፣ ነቲ ደሙ ኸኣ ናብ ውሽጢ እቲ መጋረጃ የእትዎ፣ በቲ ደሙ ድማ ከምቲ ብደም እቲ ዝራብዕ ዝገበሮ ይግበር፣ ናብቲ መኽደንን ኣብ ቅድሚ እቲ መኽደንን ይንጸግ። 16 “ብዛዕባ ርኽሰት እስራኤላውያንን ብዛዕባ ኣበሳኦምን ብዛዕባ ሓጢኣቶምን ነቲ መቕደስ የተዓርቆ፣ ነቲ ኣብ መንጎኦም ኣብ ማእከል ርኽሰቶም ዘሎ ድንኳን ምርኻብ ድማ ከምኡ ይግበረሉ። 17 “ኬተዓርቕ ኢሉ ናብቲ መቕደስ ካብ ዚኣትወሉ ግዜ ኣትሒዙ ኽሳዕ ዚወጽእ፡ ሓደ እኳ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣይኹን። ንርእሱን ንቤቱን ንብዘሎ ጉባኤ እስራኤልን ከኣ የተዓርቕ።