ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ | ሚርያም
“ንየሆዋ ዘምሩሉ”!
እታ ጓል ኣብ ርሑቕ ተሓብአት፣ ኣዒንታ ኸኣ ኣብ መንጎ እቲ ሻምብቆታት የተኵር ነበረ። እቲ ዓብዪ ፈለግ ኒል ቀስ እናበለ ኺውሕዝ ከሎ፡ ከይተንቀሳቐሰት ኣብታ ዘላታ ጸንሐት። ግዜ እናሓለፈ ኸደ። ንሳ ግና ነቶም ኣብ ልዕሊኣ ዚዝምብዩ ጽንጽያ ኸየተኰረት ስቕ ኢላ ትጽበን ትቋመትን ነበረት። ኣብኡ ዀይና ኸኣ፡ ነቲ ማይ ዘየእቱ ሕቡእ ሳጹን ተማዕዱ ነበረት። ኣብ ውሽጡ ሓዋ እዩ ነይሩ። ንሱ በይኑ ኣብኡ ኸም ዘሎ ኽትሓስብ ከላ፡ ከብዳ እዩ ሓበጭበጭ ኢልዋ። ኰይኑ ግና፡ ወለዳ ቕኑዕ ውሳነ ኸም ዝወሰኑ ትፈልጥ ነይራ እያ፣ ኣብቲ ኽፉእ እዋን፡ ነቲ ሕጻን ዝነበሮ ተስፋ፡ እዚ ጥራይ እዩ ነይሩ።
ኣብዚ ህሞት እዚ፡ እዛ ጓል ዜደንቕ ትብዓት እያ ኣርእያ። ድሕርዚ እውን፡ ዝዓበየ ትብዓት ኣርእያ እያ። ኣብ ልባ፡ ሓንቲ እተደንቕ ባህርይ እያ እትበቍል ነይራ፣ እታ ባህርይ እቲኣ፡ እምነት እያ። ኣብቲ ድሕሪኡ ዝዀነ ነገራት እታ ባህርይ እቲኣ ተራእያ እያ፣ ኣብ ምሉእ ህይወታ ኸኣ በታ ባህርይ እቲኣ ተመላሊሳ እያ። ድሕሪ ዓመታት ብዕድመ ምስ ደፍአት እውን፡ ኣብቲ ኣዝዩ ልቢ ዚሰልብ ክፋል ታሪኽ ህዝባ ብእምነት ተመሪሓ እያ። ከቢድ ጌጋ ምስ ገበረት እውን፡ እታ ባህርይ እቲኣ እያ ሓጊዛታ። እታ ጓል መን እያ፧ ካብ እምነታኸ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧
ጓል ባሮት
ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ስም እታ ጓል ኣይነግረናን እዩ። እንተዀነ ግና፡ መን ምዃና ዜጠራጥር ኣይኰነን። እታ ጓል ሚርያም እያ፣ ንሳ በዅሪ ጓል ዓምራምን ዮካቤድን እያ፣ ንሳቶም ከኣ ኣብ ምድሪ ግብጺ ዚነብሩ ዝነበሩ እብራውያን ባሮት እዮም። (ዘሁልቍ 26:59) እቲ ሕጻን ድሓር ሙሴ ተባሂሉ እተሰምየ እዩ። እቲ ምዕባዩ ሓዉ ዝዀነ ኣሮን ከኣ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ወዲ ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሚርያም ጓል ክንደይ ምንባራ ብርግጽ እኳ እንተ ዘይፈለጥና፡ ጓል ዓሰርተ ዓመት ኣቢላ ኸም ዝነበረት ግና ክንግምት ንኽእል ኢና።
ሚርያም ኣብ ሕማቕ ግዜ እያ እትነብር ነይራ። ግብጻውያን በቶም ህዝባ ዝዀኑ እብራውያን ይሰግኡ ስለ ዝነበሩ፡ ባሮት ገበርዎም፡ ብዙሕ እውን ጨቈንዎም። እቶም ባሮት እናሰሰኑን እናበዝሑን ምስ ከዱ ኸኣ፡ ግብጻውያን እናሓሰሙ ኸዱ። ፈርኦን፡ ኵሎም እብራውያን ደቂ ተባዕትዮ ዘበሉ ሕጻናት ኣብ እዋን ሕርሲ ኪቕተሉ ኣዘዘ። ሺፍራን ጱዓን ዚብሃላ መሕረስቲ ግና ነቲ ትእዛዙ ኣይሓለዋኦን። ሚርያም ብዛዕባ እቲ እዘን መሕረስቲ ዘርኣያኦ ትብዓት ብርግጽ ሰሚዓ ኽትከውን ኣለዋ።—ዘጸኣት 1:8-22።
ሚርያም እምነት ወለዳ እውን ርእያ እያ። ዓምራምን ዮካቤድን ነቲ ሳልሳይ ጽቡቕ ውላዶም ምስ ወለዱ፡ ንሰለስተ ወርሒ ሓብእዎ። ትእዛዝ ንጉስ ፈሪሆም ነቲ ውላዶም ኣይደርበይዎን። (እብራውያን 11:23) ኰይኑ ግና፡ ቈልዓ ምሕባእ ቀሊል ኣይኰነን፣ ነዊሕ ከይጸንሑ ኸኣ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ውሳነ ኺገብሩ ነበሮም። ዮካቤድ ነቲ ውላዳ ኺከናኸኖን ኬዕቍቦን ዚኽእል ሰብ ኣብ ዚርከበሉ ቦታ ኽትሓድጎ ነበራ። እዛ ኣደ ሳጹን ሻምብቆ ኽትሰርሕ ከላ፡ ነቲ ሳጹን ብቕጥራንን ብዝፍትን ክትልቕልቖ ኸላ፡ ነቲ እትፈትዎ ሕጻና እውን ኣብ ፈለግ ኒል ክትሓድጎ ኸላ እትጽልዮ ዝነበረት እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ኣብቲ ግዜ እቲ ንሚርያም፡ ንሱ እንታይ ከም ዚኸውን ክትርኢ ኣዚዛታ ኽትከውን ኣለዋ።—ዘጸኣት 2:1-4።
ንሓዋ ኣድሓነቶ
ሚርያም ኣብኡ ጸንሐት። ድሕሪ እተወሰነ ግዜ ኸኣ ምንቅስቓስ ሰባት ረኣየት። ደቂ ኣንስትዮ እየን ዚመጻ ነይረን። ተራ ግብጻውያን ከኣ ኣይነበራን። ጓል ፈርኦን ኣብ ፈለግ ኒል ክትሕጸብ ኢላ እያ መጺኣ፣ ምስኣ ኸኣ ኣግራዳ ነበራ። ሽዑ ሚርያም ልባ መሊቛ ኽትከውን ትኽእል እያ። ጓል ፈርኦን መሸም ንትእዛዝ ንጉስ ጥሒሳ ነቲ እብራዊ ሕጻን ብህይወት ክትሓድጎ ትጽቢት ኣይግበረላን እዩ። ስለዚ ድማ ሚርያም ኣብቲ ህሞት እቲ ብጽኑዕ ጸልያ ኽትከውን ኣለዋ።
ነቲ ኣብ መንጎ ሻምብቆታት ዝነበረ ሳጹን፡ ጓል ፈርኦን ረኣየቶ። ሽዑ ድማ ከተምጽኦ ኢላ ንባርያኣ ለኣኸታ። እቲ ዛንታ ቐጺሉ፡ “ምስ ከፈተቶ፡ ነቲ ሕጻን ረኣየቶ፣ እቲ ቘልዓ ድማ ይበኪ ነበረ” ይብለና። እንታይ ይኸውን ከም ዝነበረ ብኡብኡ እዩ ተፈሊጥዋ፦ ሓንቲ እብራዊት ኣደ ህይወት ሕጻና ኸተድሕን እያ እትጽዕር ነይራ። እንተዀነ ግና፡ ጓል ፈርኦን ነቲ ጽቡቕ ሕጻን ራሕርሐትሉ። (ዘጸኣት 2:5, 6) ሚርያም መሸም ኣብ ገጽ እታ ሰበይቲ ዚንበብ ዝነበረ ተስተብህለሉ ነይራ ኽትከውን ኣለዋ። ስለዚ፡ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኸም እተኸፍተላን ኣብ የሆዋ ዘለዋ እምነት ብተግባር እተርእየሉ ግዜ ኸም ዝኣኸለን ፈለጠት። ተቢዓ ድማ ናብ ጓል ፈርኦን ቀረበት።
ሓንቲ እብራዊት ባርያ ናብ ንጉሳውያን ቤተ ሰብ ቀሪባ እንተ ተዛሪባ፡ እንታይ ሳዕቤናት ከም ዜስዕበላ ኣይንፈልጥን ኢና። ዝዀነ ዀይኑ፡ ሚርያም ንጓል ፈርኦን፡ “ካብ እብራውያን ነዚ ሕጻን እዚ እተጥብወልኪ መጕዚትዶ ኽጽውዓልኪ ክኸይድ፧” ኢላ ሓተተታ። ጽቡቕ ሕቶ እያ ሓቲታታ። ጓል ፈርኦን፡ ንሳ ነቲ ሕጻን ከተጥብዎ ኸም ዘይትኽእል ትፈልጥ ነይራ እያ። ምናልባት እቲ ሕጻን ጡብ ክሳዕ ዚሓድግ ምስ ህዝቡ እንተ ጸንሐ ዚሓይሽ ኰይኑ ተሰሚዕዋ ይኸውን። ድሕሪኡ፡ ናብ ገዛኣ ወሲዳ ኸም ወዳ ገይራ ኸተዕብዮን ከተምህሮን ሓሲባ ትኸውን። ጓል ፈርኦን ብሓንቲ ቓል፡ “ኪዲ” ኢላ ምስ መለሰትላ፡ ሚርያም ኣዝያ ተሓጒሳ ኽትከውን ኣለዋ።—ዘጸኣት 2:7, 8።
ሚርያም ናብቶም ተጨኒቖም ዝነበሩ ወለዳ ጐይያ ኸደት። ሽዑ፡ ተሓጒሳ ንኣዲኣ ኽትነግራ ኸላ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ዮካቤድ፡ እዚ ኢድ የሆዋ ምዃኑ ኣሚና ኽትከውን ኣለዋ፣ ምስ ሚርያም ተተሓሒዘን ከኣ ናብ ጓል ፈርኦን ከዳ። ጓል ፈርኦን ንዮካቤድ፡ “ነዚ ሕጻን እዚ ወሲድኪ ኣጥብውለይ፣ ኣነ ድማ ዓስብኺ ኽህበኪ እየ” ምስ በለታ፡ ዮካቤድ እተሰምዓ ሓጐስን እፎይታን ክትሓብእ ፈቲና ትኸውን።—ዘጸኣት 2:9።
በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሚርያም ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኻ ብዙሕ እያ ተማሂራ። ንህዝቡ ኸም ዚሓልየሎምን ጸሎቶም ከም ዚሰምዕን ተማሂራ እያ። ትብዓትን እምነትን ናይ ዓበይቲ ወይ ናይ ሰብኡት ጥራይ ከም ዘይኰነ እውን ተማሂራ እያ። የሆዋ ንዅሎም እሙናት ኣገልገልቱ ይሰምዖም እዩ። (መዝሙር 65:2) ሎሚ ዘለና ዅላትና፡—ንኣሽቱ ዀንና ዓበይቲ፡ ደቂ ተባዕትዮ ዀንና ደቂ ኣንስትዮ፡—ኣብዚ ኣጸጋሚ እዋን ነዚ ነጥቢ እዚ ኽንዝክር ኣሎና።
ዕግስቲ ሓብቲ
ዮካቤድ ነቲ ሕጻን ኣጥበወቶን ተኸናኸነቶን። ሚርያም ምስቲ ዘድሓነቶ ሓዋ ጥብቂ ርክብ መስሪታ ኽትከውን ኣለዋ። ምናልባት ምዝራብ ምሂራቶ፡ ስም ኣምላኹ የሆዋ ንፈለማ ግዜ ምስ ኣውስአ ድማ ብዙሕ ተሓጒሳ ኽትከውን ኣለዋ። እቲ ሕጻን ምስ ዓበየ፡ ናብ ጓል ፈርኦን ዚውሰደሉ ግዜ ኣኸለ። (ዘጸኣት 2:10) እቲ ምፍልላይ ንብዘላ እታ ስድራ ኣጕህይዋ ኪኸውን ኣለዎ። ጓል ፈርኦን ከኣ ነቲ ሕጻን ሙሴ ኢላ ሰመየቶ። ሚርያም ድማ ንሱ ምስ ዓበየ እንታይ ዓይነት ሰብ ከም ዚኸውን ንምርኣይ ተሃንጥያ ኽትከውን ኣለዋ። ስለዚ ኸኣ፡ ‘ኣብ መንጎ ንጉሳውያን ቤተ ሰብ ግብጺ ኺዓቢ ኸሎ፡ ንየሆዋ ዘሕደሮ ፍቕሪ ሒዙ ኪቕጽል ድዩ፧’ ኢላ ሓሲባ ኽትከውን ኣለዋ።
ድሕሪ ግዜ፡ እቲ መልሲ ነጸረ። ሙሴ በቲ ኣብ ቤት ፈርኦን እተኸፍተሉ ኣጋጣሚታት ኣብ ክንዲ ዚጥቀም ንኣምላኽ ኬገልግል ምስ ሓረየ፡ ልቢ ሚርያም ብሓበን መሊኡ ኪኸውን ኣለዎ! ሙሴ ወዲ 40 ዓመት ምስ ኰነ፡ ኣብ ጐድኒ ህዝቡ ቘመ። ሓደ ግብጻዊ ንሓደ እብራዊ ባርያ ኺዕምጾ ምስ ረኣየ፡ ነቲ ግብጻዊ ቐተሎ። በዚ ኸምዚ፡ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ምስ ኣተወ፡ ካብ ግብጺ ሃደመ።—ዘጸኣት 2:11-15፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:23-29፣ እብራውያን 11:24-26።
ሚርያም ደሃይ ሓዋ ኻብ ዘይትሰምዕ፡ 40 ዓመት ሓለፈ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ሙሴ፡ ሚድያን ኣብ ዚብሃል ኣብ ርሑቕ ኣብ ዚርከብ ዓዲ፡ ኣባጊዕ ይጓሲ ነበረ። (ዘጸኣት 3:1፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:29, 30) ሚርያም ብዕድመ እናደፍአት ምስ ከደት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝባ ዚወርድ ዝነበረ መከራ እናኸፍአ ኪኸይድ ረኣየት።
ነብዪት
ሙሴ ኣብ እተመልሰሉ እዋን፡ ሚርያም ኣብ 80ታት ዕድሚኣ ነይራ ኽትከውን ኣለዋ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣምላኽ ንህዝቡ ኼድሕኖም ኢሉ ንሙሴ ለኣኾ። ኣሮን ከኣ ኣፈኛ ሙሴ ዀይኑ ኣገልገለ፣ ክልቲኦም ኣሕዋት ሚርያም ድማ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ቀሪቦም ንህዝቢ ኣምላኽ ይኺዱ ኺሓድጎም ሓተትዎ። ፈርኦን ንሕቶኦም ምቕባል ምስ ኣበዮምን ዓሰርተ ሳዕ ምስ ኣመላለሶምን፡ ሚርያም ንኣሕዋታ ኣብ ምድጋፍን ኣብ ምትብባዕን ዚከኣላ ገይራ ኽትከውን ኣለዋ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሆዋ ንግብጻውያን ንምጥንቃቕ ዓሰርተ መዓት ሰደደ። ኣብቲ ናይ መወዳእታ መዓት፡ ኵሎም በዅሪ ኣወዳት ግብጺ ምስ ተቐትሉ፡ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ዚወጹሉ ግዜ ኣኸለ። እቶም ህዝቢ ብሙሴ እናተመርሑ ኺወጹ ኸለዉ፡ ሚርያም ደኺመ ኸይበለት ክትሕግዞም ከላ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ።—ዘጸኣት 4:14-16, 27-31፣ 7:1-12:51።
ድሕርዚ፡ እስራኤል ኣብ መንጎ ባሕርን ሰራዊት ግብጽን ምስ ተቓቐረ፡ ሚርያም ንሓዋ ሙሴ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ባሕሪ ደው ኢሉ በትሩ ኺዝርግሕ ረኣየቶ። ሽዑ እቲ ባሕሪ ተመቕለ! ሙሴ ነቲ ህዝቢ መሪሑ ብማእከል እቲ ባሕሪ ኼስግሮ ኸሎ፡ እታ ሚርያም ኣብ የሆዋ ዝነበረታ እምነት ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ በጺሓ ኽትከውን ኣለዋ። እቲ እተገልግሎ ኣምላኻ ዝደለዮ ዘበለ ኺገብር፡ ዘተስፈዎ እውን ኪፍጽም ይኽእል እዩ።—ዘጸኣት 14:1-31።
ድሕርዚ፡ እቲ ህዝቢ ብሰላም ተሳገረ፣ እቲ ባሕሪ ኸኣ ንፈርኦንን ንሰራዊቱን ደፈኖም። ሚርያም ከኣ የሆዋ ኻብቲ ኣብ ዓለም ዚርከብ ዝሓየለ ሰራዊት ከም ዚሕይል ረኣየት። ሽዑ እቶም ህዝቢ ንየሆዋ ዘመሩሉ። ሚርያም ከኣ ምስ ካልኦት ኣንስቲ ዀይና ብመዝሙር ከምዚ ኢላ መለሰትሎም፦ “ኣዝዩ ልዕል ኢሉ ኣሎ እሞ፡ ንየሆዋ ዘምሩሉ። ንፈረስን ነቲ እተወጥሖን ናብ ባሕሪ ደርብዩ እዩ።”—ዘጸኣት 15:20, 21፣ መዝሙር 136:15።
እዚ ኣብ ህይወት ሚርያም ኣዝዩ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። ንሳ እውን ነዚ ኣይረስዓቶን። መጽሓፍ ቅዱስ ንሚርያም ኣብዚ ቦታ እዚ ነብዪት ኢሉ ጸዊዕዋ ኣሎ። እዚ መጸውዒ እዚ ኻብ ደቂ ኣንስትዮ ንፈለማ ግዜ ንዓኣ እዩ ተዋሂብዋ። ሚርያም ሓንቲ ኻብተን ንየሆዋ ብፍሉይ መገዲ ኼገልግላ እተሓርያ ደቂ ኣንስትዮ እያ።—መሳፍንቲ 4:4፣ 2 ነገስት 22:14፣ ኢሳይያስ 8:3፣ ሉቃስ 2:36።
በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ የሆዋ ይዕዘበና ኸም ዘሎ፡ ነቲ ብትሕትና እንገብሮ ጻዕርታትን ነቲ ትዕግስትናን ነቲ ንዕኡ ንምውዳስ ዘሎና ድሌትን ድማ ክብ ኣቢሉ ኸም ዚርእዮ መጽሓፍ ቅዱስ የዘኻኽረና እዩ። ንኣሽቱ ዀንና ዓበይቲ፡ ደቂ ተባዕትዮ ዀንና ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ የሆዋ እምነት ከነርኢ ንኽእል ኢና። የሆዋ ኸምዚኣ ዝዓይነታ እምነት ባህ ተብሎ እያ። ዓስቢ እምነትና እውን ተሓጒሱ ይህበና እዩ። (እብራውያን 6:10፣ 11:6) እዚ ድማ ኣስኣሰር እምነት ሚርያም ክንስዕብ ጽቡቕ ምኽንያት ይዀነና እዩ።
ተዓበየት
ፍሉይ መሰል ምርካብን ምርኡይ ምዃንን፡ በረኸት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሓደጋ እውን ኣለዎ። እስራኤል ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ኣብ ዝወጸሉ እዋን፡ ሚርያም ኣብቲ ህዝቢ እቲ ኣዝያ ምርእይቲ ጓል ኣንስተይቲ ነይራ ኽትከውን ኣለዋ። እሞኸ እዝስ ትዕቢት ወይ ህርፋን ስልጣን ኣሕዲሩላዶ፧ (ምሳሌ 16:18) እቲ ዜሕዝን፡ ንእተወሰነ ግዜ ኣሕዲሩላ እዩ።
እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኻብ ዚወጹ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፡ የትሮ ሓሙ ሙሴ፡ ንጺጶራ ሰበይቲ ሙሴን ንኽልተ ደቆምን ሒዙ ናብ ሙሴ መጸ። ሙሴ ንጺጶራ ኣብቲ ኣብ ሚድያን ዝጸንሓሉ 40 ዓመት እዩ ተመርዕይዋ ነይሩ። ጺጶራ ኸኣ ምናልባት ንቤተ ሰባ ኽትበጽሕ ኢላ ናብ ሚድያን ተመሊሳ ነበረት። ድሕርዚ ድማ፡ ኣቦኣ ናብ ሰፈር እስራኤላውያን ሒዝዋ መጸ። (ዘጸኣት 18:1-5) እዚ ኣብቶም ህዝቢ ዝፈጠሮ ስምዒት እሞ ገምቶ! ብዙሓት ካባታቶም ንሰበይቲ እቲ ኻብ ግብጺ መሪሑ ኼውጽኦም ብኣምላኽ እተሓርየ ሰብ ኪርእዩ ተሃንጥዮም ኪዀኑ ኣለዎም።
እሞኸ በዝስ ሚርያም ባህ ኢልዋዶ፧ ኣብ መጀመርታ ባህ ኢልዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ጸኒሓ ግና፡ ብትዕቢት ተሰነፈት። ንጺጶራ ኣብቲ ህዝቢ ኣዝያ ምርእይቲ ሰበይቲ ኸም እትኸውን ገይራ ስለ ዝረኣየታ፡ ቦታኣ ኸይትወስደላ ኣስጊእዋ ኪኸውን ኣለዎ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ሚርያምን ኣሮንን ኣሉታዊ ዘረባ ኺዛረቡ ጀመሩ። እቲ ኣሉታዊ ዘረባ ኸኣ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ናብ ምረትን ጽልእን ተቐየረ። ኣብ መጀመርታ ኣብ ጺጶራ እዮም ኣተኲሮም፣ እቲ መዛረቢኦም ዝነበረ ጕዳይ ከኣ፡ እስራኤላዊት ዘይኰነትሲ፡ ኩሻዊት ምዃና እዩ ነይሩ።a እቲ ዘረባኦም ግና እናገደደ ብምኻዱ፡ ብዛዕባ ሙሴ እውን ኣጕረምረሙ። “የሆዋስ ብሙሴ ጥራይ ድዩ ተዛሪቡ፧ ብኣና እውን ኣይተዛረበን ድዩ፧” ኢሎም እውን ተዛረቡ።—ዘሁልቍ 12:1, 2።
ብደዌ ተወቕዐት
ኣብዚ ቓላቶም ከም ዝረኣናዮ፡ ሚርያምን ኣሮንን መርዛም ኣተሓሳስባ የማዕብሉ ነበሩ። በቲ የሆዋ ንሙሴ እተጠቕመሉ መገዲ ኣይተሓጐሱን፣ ስልጣንን ጽልዋን ከኣ ኪህልዎም ደለዩ። እሞ ደኣ ሙሴ ንሰብ ዚጸቅጥን ክብሪ ርእሱ ዚደልን ዕቡይ ሰብ ብምንባሩ ድዮም ከምኡ ገይሮም፧ ርግጽ እዩ፡ ጕድለታት ነይርዎ እዩ። ህርፋን ስልጣንን ትዕቢትን ግና ኣይነበሮን። እቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ጽሑፍ፡ “እቲ ሰብኣይ፡ ማለት ሙሴ ግና ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዝነበረ ሰብ ኵሉ፡ ዓቃል [“ትሑት፡” እ.ጽ.] ነበረ” ይብለና። ዝዀነ ዀይኑ፡ ሚርያምን ኣሮንን መስመር እዮም ሓሊፎም። ስለዚ ድማ፡ ኣብ ሓደጋ እዮም ነይሮም። እቲ ጸብጻብ፡ “የሆዋ ኸኣ ይሰምዕ ነበረ” ይብለና።—ዘሁልቍ 12:2, 3።
ብሃንደበት የሆዋ ነቶም ክልተ ኣሕዋትን ንሓብቶምን ናብ ድንኳን ምርኻብ ጸውዖም። ኣብኡ ድማ ንየሆዋ ዚውክል ዜደንቕ ዓንዲ ደበና ወሪዱ ኣብቲ ኣፍ ደገ ደው በለ። ሽዑ የሆዋ ተዛረቦም። ምስ ሙሴ ፍሉይ ርክብ ከም ዘለዎ፡ ኣጸቢቑ እውን ከም ዚኣምኖ ብምግላጽ፡ ንሚርያምን ንኣሮንን ገንሖም። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ስለምንታይ ደኣ ንጊልያይ ሙሴ ምንቃፍ ዘይፈራህኩም፧” ኢሉ ሓተቶም። ሚርያምን ኣሮንን መሸም ራዕራዕ ኢሎም ኪዀኑ ኣለዎም። የሆዋ ነቲ ንሙሴ ዘርኣይዎ ንዕቀት፡ ንዕኡ ኸም ዝነዓቕዎ ገይሩ እዩ ቘጺርዎ።—ዘሁልቍ 12:4-8።
ሚርያም ቈስቋሲት እቲ ነገር ነይራ ኽትከውን ኣለዋ። ኣብቲ ኣንጻር ሰበይቲ ሓዋ ዘልዓለቶ ነገር፡ ነቲ ምንኣሳ ሓዋ ኣብ ጐድና ኣሰሊፋቶ ኽትከውን ኣለዋ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እያ ሚርያም በይና እተቐጽዐት። ሽዑ የሆዋ ብደዌ ወቕዓ። ብሰንኪ እዚ ሕማም እዚ እውን “ኸም ውርጪ ጻዕደወት።” ኣሮን ከኣ ብኡብኡ ኣብ ቅድሚ ሙሴ ርእሱ ብምትሓት፡ “ብዕሽነት ኢና እዚ ጌርና” ኢሉ ኼማልደሎም ለመኖ። ሙሴ እውን ዓቃል ብምዃኑ፡ “ኦ ኣምላኽ፡ በጃኻ ኣሕውያ! በጃኻ!” ኢሉ ናብ የሆዋ ተማህለለ። (ዘሁልቍ 12:9-13) ሚርያም ብደዌ ስለ እተወቕዐት ክልቲኦም ኣሕዋታ ብዙሕ ጐሃዩ፣ እዚ ድማ ጕድለታት እናሃለዋ ኽነሱ፡ ኣዝዮም ከም የፍቅርዋ ኸም ዝነበሩ የርኢ።
ጠዓየት
የሆዋ ምሕረት ገበረ። ሚርያም ስለ እተነስሐት፡ ካብ ሕማማ ኣሕወያ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ወጻኢ ሰፈር እስራኤል ሸውዓተ መዓልቲ ኽትውሸብ ኣዘዘ። ሚርያም ካብቲ ሰፈር ክትወጽእ ስለ እተገደደት፡ በዚ ተዋሪዳ ኽትከውን ኣለዋ። እንተዀነ ግና፡ ኣብቲ እዋን እቲ እውን እምነታ ኣድሓነታ። ኣቦኣ የሆዋ ፍትሓዊ ምዃኑን ብፍቕሪ ተደሪኹ እውን ከም ዝገሰጻን ኣጸቢቓ ትፈልጥ ነይራ እያ። ስለዚ፡ ከምቲ እተባህላ ገበረት። እቲ ህዝቢ እውን ንሳ ኽሳዕ እትምለስ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ተጸበያ። ድሕርዚ፡ ሚርያም ብትሕትና ናብቲ ሰፈር ‘ተመልሰት፡’ በዚ ኸምዚ ድማ እምነታ ዳግም ኣርኣየት።—ዘሁልቍ 12:14, 15።
የሆዋ ንዜፍቅሮ እዩ ዚግስጾ። (እብራውያን 12:5, 6) ንሚርያም እውን ኣጸቢቑ ስለ ዘፍቀራ፡ ትዕቢታ ኸተወግድ ኣረማ። እቲ መአረምታ የሕምም እዩ ነይሩ፣ እንተዀነ ግና፡ ኣድሒንዋ እዩ። ነቲ ተግሳጽ ብትሕትና ስለ እተቐበለት ከኣ፡ መሊሳ ሞገስ ኣምላኽ ክትረክብ ከኣለት። ሚርያም ክሳዕ ኣጋ መወዳእታ እቲ እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ዀለል ዝበሉሉ እዋን ብህይወት ጸኒሓ እያ። ኣብ ቃዴስ ኣብ በረኻ ጺን ኣብ ዝሞተትሉ እዋን፡ ናብ 130 ዓመት ዕድሚኣ እያ እትገማገም ነይራ።b (ዘሁልቍ 20:1) ድሕሪ ዘመናት፡ የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ስለቲ ሚርያም ብተኣማንነት ዘገልገልቶ ኣገልግሎት ኣኽቢርዋ እዩ። ብነብዪ ሚክያስ ኣቢሉ ንህዝቡ፡ “ካብ ቤት ባርነት ከኣ ተበጅየካ፣ ንሙሴን ንኣሮንን ንሚርያምን ድማ ቀቅድሜኻ ሰዲደዮም” ኢሉ ኣዘኻኺርዎም እዩ።—ሚክያስ 6:4።
ካብ ህይወት ሚርያም ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል ኢና። ከምቲ ብቝልዕነታ ኸላ ዝገበረቶ፡ ንመሳኪን ክንድግፎም፡ ቅኑዕ ዘበለ ድማ ብትብዓት ክንዛረብ ኣሎና። (ያእቆብ 1:27) ብዘይካዚ፡ ልክዕ ከምኣ፡ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ መልእኽቲ ብታሕጓስ ክንነግር ኣሎና። (ሮሜ 10:15) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ካብ ቅንእን ካብ ምረትን ክንርሕቕ ኣሎና። (ምሳሌ 14:30) ብተወሳኺ፡ ልክዕ ከምኣ፡ ካብ የሆዋ ዚመጽእ መአረምታ ብትሕትና ኽንቅበል ኣሎና። (እብራውያን 12:5) እዚ ዅሉ እንተ ጌርና፡ ብሓቂ ኣስኣሰር እምነት ሚርያም ክንስዕብ ኢና።
a እታ ንጺጶራ ንምግላጽ ዝወዓለት “ኩሻዊት” እትብል ቃል፡ ጺጶራ ኻብ ኢትዮጵያ ዘይኰነትሲ፡ ከም ካልኦት ሚድያናውያን ካብ ዓዲ ዓረብ ምዃና እተመልክት ክትከውን ኣለዋ።
b እዞም ሰለስተ ኣሕዋት በቲ እተወልዱሉ መስርዕ እዮም ሞይቶም። ፈለማ ሚርያም ሞይታ፡ ድሕሪኡ ኣሮን ሞይቱ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ሙሴ ሞይቱ። ሰለስቲኦም ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዝሞቱ እዩ ዚመስል።