ብዓቕሊ ‘ትጽበ’ ዲኻ፧
“ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸቤኹምዎን እናኣቐልጠፍኩምዎን ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም።” —2 ጴጥሮስ 3:11, 12
1, 2. ንመዓልቲ የሆዋ ብዓቕሊ ‘ምጽባይ’ ምስ ምንታይ ከነመሳስሎ ንኽእል፧
ኣብ ኣእምሮኻ ድራር ንዝዓደምዎም ኣጋይሽ ዝጽበዩ ዘለዉ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት እሞ ስኣል። እቶም ኣጋይሽ ዝመጹላ ሰዓት ትቐርብ ኣላ። እታ ሰበይቲ ነቲ መግቢ ኣዳልያ ኣብ ምውዳኣ እያ። በዓል ቤታን ደቃን ነቲ ዝዳሎ ነገራት ኵሉ ንምቅርራብ ይሕግዝዋ ኣለዉ። ኵላቶም ተሃንጥዮም እዮም ዘለዉ። እወ: ብምሉኦም ኣባላት እታ ስድራቤት እቶም ኣጋይሽ መጺኦም ብሓባር ነቲ ጥዑም መግቢ ንኽምገቡን ጽቡቕ ግዜ ንኸሕልፉን ብሃንቀውታ ይጽበዩ ኣለዉ።
2 ከም ክርስትያናት መጠን ካብዚ ንላዕሊ ዘገድስ ነገር ኢና እንጽበ ዘለና። እዝኸ እንታይ እዩ፧ ኵላትና “መዓልቲ ኣምላኽ” ንጽበ ኣለና። ክሳዕ እትመጽእ: ከምቲ “ኣነ ግና ናብ እግዚኣብሄር እጥምት: ንኣምላኽ ምድሓነይ ድማ ተስፋ [“ትጽቢት:” NW] እገብር አሎኹ” ዝበለ ነብዪ ሚክያስ ክንከውን የድልየና። (ሚክያስ 7:7) እዝስ ኢድካን እግርኻን ኣርኒብካ ምጽባይ ድዩ ዘመልክት፧ ኣይፋሉን። ብዙሕ ዝዕየ ዕዮ ኣሎ።
3. ብመሰረት 2 ጴጥሮስ 3:11, 12 ክርስትያናት ከመይ ዝበሉ ክዀኑ እዩ ዝለዎም፧
3 ሃዋርያ ጴጥሮስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ክንጽበ ኸለና ቕኑዕ ዝንበለ ንኽህልወና ዝሕግዝ ሓሳባት ሂቡ ኣሎ:- “ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸቤኹምዎን እናኣቐልጠፍኩምዎን ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም።” (2 ጴጥሮስ 3:11, 12) እዚ ኣንክሮኣዊ ኣዘራርባ ምዃኑ ኣስተብህል። ጴጥሮስ ሕቶ ኣይኰነን ዝሓትት ነይሩ። ኣብቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ኽልተ መልእኽትታቱ: ክርስትያናት ከመይ ዝበሉ ሰባት ክዀኑ ኸም ዝግባእ ገሊጽሎም እዩ። “ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን” ክመላለሱ እውን መዓዶም። የሱስ ክርስቶስ ምልክት “መወዳእታ ዓለም” ካብ ዝገልጽ 30 ዓመት ኣቢሉ ሓሊፉ እኳ እንተ ነበረ: ክርስትያናት ክብዕዝዙ ኣይነበሮምን። (ማቴዎስ 24:3) ንምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ ‘ክጽበዩን ከቀላጥፉን’ ነበሮም።
4. ‘ንምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ ምቅልጣፍ’ እንታይ ዘጠቓለለ እዩ፧
4 ልክዕ እዩ: ንመዓልቲ የሆዋ ቓል ብቓሉ ‘ኸነቀላጥፋ’ ኣይንኽእልን ኢና። አረ የሱስ ክርስቶስ ኣብቶም ጸላእቲ ኣቦኡ ፍርዱ ንምፍጻም ዝመጸላ “መዓልትን ሰዓትን” እኳ ኣይንፈልጣን ኢና። (ማቴዎስ 24:36፣ 25:13) ሓደ መወከሲ ጽሑፍ እታ ሱር ግሲ ናይታ ኣብዚ “ምቅልጣፍ” ተባሂላ ዘላ ቓል “‘ምህዋኽ’ እትብል ኰይና: ‘ቀናእ: ንጡፍ: ከምኡውን ብዛዕባ ሓደ ነገር ግዱስ’ ምስ ምዃን እትተኣሳሰር እያ” በለ። ስለዚ ጴጥሮስ ንኣመንቲ ብጾቱ ንምጽኣት መዓልቲ የሆዋ ሓያል ባህጊ ኽህልዎም እዩ ዝምሕጸኖም ነይሩ። ወትሩ ብዛዕባ እታ መዓልቲ ብምዝካር ድማ እዮም ነዚ ኽገብርዎ ዝኽእሉ። “እታ ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ እግዚኣብሄር” ኣዝያ ቐሪባ ስለ ዘላ: ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኽህልወና ኣለዎ።—ዮኤል 2:31
“ብቕዱስ ንብረት” ተጸበ
5. “መዓልቲ ኣምላኽ” ንኽንርኢ ሓያል ባህጊ ኸም ዘሎና ብኸመይ ነርኢ፧
5 ካብ መዓልቲ የሆዋ ኽንድሕን ሓያል ባህጊ እንተ ሃልዩና: ነዚ ‘ብቕዱስ ንብረትናን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን’ ነንጸባርቖ ኢና። እቲ “ቕዱስ ንብረት” ዝብል መግለጺ ነቲ ጴጥሮስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ እዩ ዘዘኻኽረና:- “ከም እዙዛት ውሉድ እምበር: ከምቲ ብዘመን ድንቍርና ኸሎኹም ዝገበርኩምዎ ናይ ቀደም ትምኒት ኣይትግበሩ: ኣነ ቅዱስ እየ እሞ: ቅዱሳት ኩኑ: ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ: ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ: ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ።”—1 ጴጥሮስ 1:14-16
6. ቅዱሳት ንምዃን እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧
6 ቅዱሳት ንኽንከውን ኣካላዊ: ኣእምሮኣዊ: ስነ-ምግባራዊ: ከምኡውን መንፈሳዊ ንጽህናና ኽንሕሉ ኣሎና። ብስም የሆዋ እንጽዋዕ ሰባት ኸም ምዃንና መጠን ቅዱሳት ብምዃን ነታ “መዓልቲ ኣምላኽ” ንዳሎዶ ኣለና፧ ኣብዚ ግዜና ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ዓለም ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወረደ ይኸይድ ስለ ዘሎ: ንጽህናና ምሕላው ቀሊል ኣይኰነን። (1 ቈረንቶስ 7:31፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:13) ኣብ መንጎ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትናን ኣብ መንጎ ናይ ዓለም ስርዓታትን ዘሎ ጋግ እናሰፍሐ ድዩ ዝኸይድ ዘሎ፧ ከምኡ እንተ ዘይኰይኑ: ከተሓሳስበና ኣለዎ። እቲ ናይ ብሕትና ስርዓታት ካብቲ ዓለም እትስዕቦ ስርዓታት ዝለዓለ እኳ እንተዀነ: እናወረደ ደዀን ይኸይድ ይህሉ ይኸውን፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ: ንኣምላኽ ምእንቲ ኸነሐጕሶ ነዚ ነገር እዚ ንምፍታሑ ኣወንታዊ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና።
7, 8. (ሀ) “ብቕዱስ ንብረት” ናይ ምምልላስ ኣገዳስነት ብኸመይ ኢና ዕሽሽ ክንብሎ እንኽእል፧ (ለ) እንታይ ምትዕርራያት እዩ ዘድሊ፧
7 ስእለ-ጽዩፍ ኣብ ኢንተርነት ብምትእትታዉን ነዚውን ሰብ ከይረኣየካ ኽትርእዮ ዝከኣል ምዃኑን: እቶም ሓደ እዋን ከምዚ ዝኣመሰለ ብዕሉግ ተግባራት ክረኽቡ ዘይክእሉ ዝነበሩ ሰባት: ከምቲ ሓደ ሓኪም ዝበሎ “እዚ ዘይበሃል ንጾታዊ ርክብ ዝምልከት ኣጋጣሚታት” ይረኽቡ ኣለዉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ኢንተርነት ዝርከብ ዘይንጹህ ነገራት ንደሊ እንተ ዄንና: ነቲ “ርኹስ ከቶ ኣይትተንክዩ” ዝብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ትእዛዝ ኢና ዕሽሽ እንብሎ። (ኢሳይያስ 52:11) ከምዚ እንተ ጌርና: ብሓቂዶ ‘ንምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ ነቀላጥፋ’ ኢና ዘለና፧ ወይስ ምናልባት ንኣእምሮና ብርኹስ ነገራት ዋላ እንተ ኣበላሸናዮ: ንኸነንጽሆ ግዜ ኣሎና ኻብ ዝብል ሓሳብ ነታ መዓልቲ ኣርሒቕና ኢና እንርእያ ዘለና፧ ኣብዚ መዳይ እዚ ጸገማት እንተ ሃልዩና: የሆዋ ‘ነዒንትና ካብ ምርኣይ ከንቱነት ንኽመልሰንን ብመገዱ ህያው ንኽገብረናን’ ብህጹጽ ክንልምኖ ይግባእ።—መዝሙር 119:37
8 መብዛሕትኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ንኣሽቱ ዀኑ ዓበይቲ: ነቲ ናይዛ ዓለም ዘይስነ-ምግባራዊ መስድዒታት ንየው ብምባል ኣብቲ ኣምላኽ ዘውጽኦ ልዑል ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ጠቢቖም ይመላለሱ ኣለዉ። ንህጹጽነት እዚ ግዜናን ነቲ ጴጥሮስ “መዓልቲ ጐይታ . . . ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ” ምዃና ዝሃቦ መጠንቀቕታን ስለ ዘስተውዕሉሉ: “ብቕዱስ ንብረት” ወይ ብቕዱስ ኣነባብራ ይመላለሱ ኣለዉ። (2 ጴጥሮስ 3:10) እቲ ተግባራቶም ከኣ ‘ንምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ ይጽበዩን የቀላጥፉን’ ከም ዘለዉ የርኢ።a
“ብፍርሃት እግዚኣብሄር” ተጸበ
9. ፍርሃት ኣምላኽ እንታይ ንኽንገብር እዩ ኽድርኸና ዘለዎ፧
9 ንመዓልቲ የሆዋ ወትሩ ኽንዝክራ እንተ ዄንና: ኣብ ተግባራትና “ብፍርሃት እግዚኣብሄር” ክንመላለስ የድልየና። “ፍርሃት እግዚኣብሄር” ክበሃል ከሎ ንኣምላኽ ዘሐጕስ ነገራት ንምግባር ዝድርኸና ኣኽብሮት እውን ዘጠቓልል እዩ። ንየሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ብፍርሃት እግዚኣብሄር ንኽንመላለስ ይድርኸና። ኣምላኽ: “ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” እዩ ዝደሊ። (1 ጢሞቴዎስ 2:4) ‘ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር: ሓደ እኳ ኺጠፍእ ኣይፈቱን’ እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:9) ስለዚ እምበኣር ንኣምላኽ ዘሎና ፍርሃት ነቲ ንሰባት ብዛዕባ የሆዋ ንኽመሃሩን ንኽመስልዎን ኣብ ምምሃር እንገብሮ ጻዕርታት ንኸነዛይድ ክድርኸናዶ ኣይግባእን፧—ኤፌሶን 5:1
10. ካብ ‘ምዕሻው ሃብቲ’ ኽንጥንቀቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
10 ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ እንተ ደሊና: ተግባራትና ዅሉ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኽና ኢና እንገብሮ። (ማቴዎስ 6:33) እዚ ኸኣ ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ዘጠቓልል እዩ። የሱስ “ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን እሞ: ተጠንቀቑ: ካብ ኵሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሐልዉ” ብምባል ኣጠንቀቐ። (ሉቃስ 12:15) ብፍቕሪ ገንዘብ ክንዓውር ከም እንኽእል ጌርና ምውሳዱ ዘይመስል እኳ እንተዀነ: ‘ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣን ምዕሻው ሃብትን ነቲ ቓል ክሓንቆ’ ኸም ዝኽእል ግን ከነስተውዕል ይግባእ። (ማቴዎስ 13:22 ትርጕም 1990) ንናብራና ዘድልየና ምምእራር ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ገሊኡ ኽፋል ዓለም ብዙሓት ሰባት ዝሓሸ ናብራ ንምንባር ናብ ዝሃብተመት ሃገር ተሰዲድካ ምኻድ ከም መፍትሒ ይወስድዎ ይዀኑ። ከምዚ ኽገብሩ ኸለዉ ኸኣ ምናልባት ካብ ስድራቤቶም ንዓመታት ተፈላልዮም ይነብሩ። አረ ገሊኣቶም ህዝቢ ኣምላኽ እውን ከይተረፉ ኸምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ሒዞም ኣለዉ። ናብ ካልእ ሃገር ብምኻድ: ንስድራቤቶም ዘበን ኣምጽኦ ምቾት ከቕርቡሎም ይኽእሉ ይዀኑ። እንተዀነ ግን: መንፈሳውነት ናይቶም ኣብ ዓዶም ዝተረፉ ኣባላት ስድራቤቶም እንታይ እዩ ክኸውን፧ ኣብ ሓንቲ ስድራቤት ብዝግባእ ርእሲ ዀይኑ ዝመርሕ ምስ ዘይህሉ: እቶም ኣባላት እታ ስድራቤት ካብ መዓልቲ የሆዋ ንኽድሕኑ ዘድልዮም መንፈሳውነት ክህልዎም ድዩ፧
11. ሓደ ተሰዲዱ ዝዓዪ ዝነበረ ሰብኣይ ብፍርሃት ኣምላኽ ምምልላስ ካብ ሃብቲ ብዝያዳ ዘገድስ ምዃኑ ብኸመይ ኣርኣየ፧
11 ሓደ ካብ ፊሊፒንስ ናብ ጃፓን ተሰዲዱ ዝኸደ ሰብኣይ ኣብታ ሃገር ካብ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ፈለጠ። ከም ርእሲ መጠን ዘለዎ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓላፍነት ምስ ፈለጠ: ኣባላት ስድራቤቱ ንየሆዋ ዘምልኹ ምእንቲ ክዀኑ ኽሕግዞም ከም ዝግባእ ተገንዘበ። (1 ቈረንቶስ 11:3) ሰበይቱ ግን ነቲ ሓድሽ ሃይማኖቱ ኣጸቢቓ ትጻረር ነበረት: ንኣባላት ስድራቤቱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነቱ ኽምህሮም ኢሉ ናብ ዓዱ ኻብ ዝምለስ ድማ ኣብቲ ዘለዎ ዀይኑ ገንዘብ ክሰደላ ትደሊ ነበረት። ንሱ ግን በዚ ናይዚ ግዜ ህጹጽነትን በቲ ንዘፍቅሮም ሰባት ዘለዎ ሓልዮትን ተደሪኹ ናብ ዓዱ ተመልሰ። እቲ ዘንጸባረቖ ዓቕልን ንኣባላት ስድራቤቱ ዘርኣዮም ፍቕርን ዓስቢ ኣምጽኣሉ። ድሕሪ ግዜ ኣባላት ስድራቤቱ ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ሓበሩ: ሰበይቱ ኸኣ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣተወት።
12. ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ክንህቦ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
12 እዚ ዘለናዮ ዅነታት: ኣብ ሓደ ዝቃጸል ዘሎ ህንጻ ዘለዉ ሰባት ምስ ዝህልዉሉ ዅነታት ክመሳሰል ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን ካብቲ ኽፈርስ ዝቐረበ ሃልሃል ዝብል ዘሎ ህንጻ ገለ ንብረት ንምድሓን ናብዝን ናብትን ምጕያይ ጥበባዊዶ ምዀነ፧ ኣብ ክንድኡስ: ህይወትካን ህይወት ስድራቤትካን ህይወት እቶም ኣብቲ ህንጻ ዘለዉ ኻልኦት ሰባትን ምድሓን ዝያዳ ዘገድስዶ ኣይምዀነን፧ እዚ እኩይ ኣገባብ እውን ብቕልጡፍ ናብ ዕንወት ገጹ እዩ ዘምርሕ ዘሎ: ህይወት ሰባት ድማ ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ኣሎ። ነዚ ብምፍላጥና ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳማይ ቦታ ኽንህቦን ኣብቲ ህይወት ዘድሕን ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ክንሳተፍን እዩ ዝግባእ።—1 ጢሞቴዎስ 4:16
‘ብዘይ ነውሪ’ ክንከውን የድልየና
13. መዓልቲ የሆዋ ኽትመጽእ ከላ ከመይ ኴንና ኢና ኽንርከብ እንደሊ፧
13 ጴጥሮስ ብዓቕሊ ምጽባይ ዘለዎ ኣገዳስነት ከጕልሕ ከሎ “ኣቱም ፍቁራተይ: ነዚ እናተጸቤኹምሲ: ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ብሰላም ኣብ ቅድሚኡ [ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ] ኽትርከቡ ተጋደሉ” በለ። (2 ጴጥሮስ 3:14) ጴጥሮስ ኣብ ርእሲ እቲ ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ክንመላለስ ዝሃቦ ማዕዳ: ኣብ መወዳእታ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብኽቡር ደም የሱስ ዝጸረና ዄንና ንኽንርከብ ኣጕልሐ። (ራእይ 7:9, 14) እዚ ኸኣ ሓደ ሰብ ኣብ መስዋእቲ የሱስ ክኣምንን ህይወቱ ዝወፈየን እተጠምቀን ኣገልጋሊ የሆዋ ክኸውንን እዩ ዘድልዮ።
14. ‘ብዘይ ነውሪ’ ምዃን እንታይ እዩ ዘጠቓልል፧
14 ጴጥሮስ ‘ብዘይ ነውሪ’ ንኽንርከብ ዝከኣለና ዅሉ ንኽንገብር ተማሕጺኑና ኣሎ። እቲ ብኽዳን ዝምሰል ክርስትያናዊ ኣኻይዳናን ጠባይናን ብዘይ ነውሪ ማለት በዛ ዓለም እዚኣ ዘይተጸየቐ ድዩ፧ ክዳንና ተጸይቑ እንተ ርኢና: ቀልጢፍና ኢና ኸነጽርዮ እንፍትን። እንፈትዎ ኽዳንና እንተ ዀይኑ እሞ ኸኣ ንምጽራዩ ዝያዳ ጥንቃቐ ኢና እንገብር። ብሰንኪ ኣብ ባህሪና ወይ ጠባይና ዝርአ ጕድለት: እቲ ምሳልያዊ ክርስትያናዊ ክዳንና እንተ ተጸይቑኸ ተመሳሳሊ ስምዒት ድዩ ዝስምዓና፧
15. (ሀ) እስራኤላውያን ኣብ ወሰን ክዳውንቶም ኣዝፋር ክገብሩ ዝነበሮም ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ሕጂ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ ካልኦት ፍሉያት ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧
15 እስራኤላውያን “ኣብ ወሰን ክዳውንቶም ኣዝፋር ኪገብሩ: ኣብ ዘዘፈር ወሰን ከኣ ሰማያዊ ፍሕሶ ኺገብሩ” ተኣዚዞም ነይሮም። ስለምንታይ፧ ትእዛዛት የሆዋ ምእንቲ ኽዝክሩን ምእንቲ ኽሕልዉዎን ንኣምላኾም ‘ቅዱሳን ምእንቲ ክዀኑን’ እዮም እዚ ተኣዚዞም። (ዘሁልቍ 15:38-40) ንሕናውን ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን ሕግታትን ስርዓታትን ኣምላኽ ስለ እንሕሉ ካብ ዓለም እተፈለና ኢና። ንኣብነት: ስነ-ምግባራዊ ንጽህናና ንሕሉ: ንቕድስና ደም ኣኽብሮት ነርኢ: ከምኡውን ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ኣምልኾ ጣኦት ንርሕቕ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29) ብዙሓት ሰባት በቲ ንኸይንረክስ ዘሎና ጽኑዕ ኣቕዋም የኽብሩና እዮም።—ያእቆብ 1:27
“ብዘይ መንቅብ” ክንከውን የድልየና
16. ንርእስና “ብዘይ መንቅብ” ምግባር ክበሃል ከሎ እንታይ ዘጠቓለለ እዩ፧
16 ጴጥሮስ “ብዘይ መንቅብ” ክንርከብ ከም ዘሎና እውን ገሊጹ ነይሩ። እዚ ብኸመይ ክኸውን ይኽእል፧ ነውሪ ኽእለ ወይ ክውገድ ዝከኣል እኳ እንተዀነ: መንቅብ ግን ከምኡ ኣይኰነን። መንቅብ ክበሃል ከሎ ኣብ ውሽጢ ገለ ጌጋ ወይ ጕድለት ከም ዘሎ እዩ ዘመልክት። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ፊልጲ ንዝነበሩ ክርስትያናት ብጾቱ “ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ መንቅብ ዜብሎምን ግሩሃትን ሕፍቲ ዜብሎም ውሉድ ኣምላኽ ዄንኩም: ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ ምእንቲ ኽትኰኑ: ንዅሉ ብዘይምጕርምራምን ብዘይውልውልን ግበርዎ” ኢሉ መዓዶም። (ፊልጲ 2:14, 15) ነዚ ማዕዳ እዚ እንተ ስዒብና: ንኣምላኽ ብምጕርምራምን ውልውልን ዘይኰነስ ብቕኑዕ ድራኸ ኢና እነገልግሎ። በታ ንየሆዋን ንሰባትን ዘላትና ፍቕሪ ተደሪኽና ኸኣ “ወንጌል መንግስቲ” ንሰብኽ። (ማቴዎስ 22:35-40፣ 24:14) ኣብ ርእሲ እዚውን ብዛዕባ ኣምላኽን ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስን ንምምሃር ንምንታይ ግዜናን ጕልበትናን ብፍታው ከም እንውፊ ገሊኣቶም ዋላ እኳ እንተ ዘይተረድኦም: ነቲ ብስራት ምስባኽ ኣይነቋርጽን።
17. ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓላፍነት ንምስካም ክንመጣጠር ከለና ድራኸና እንታይ እዩ ክኸውን ዘለዎ፧
17 “ብዘይ መንቅብ” ክንርከብ ስለ እንደሊ: ኣብ ኵሉ እቲ ኽንበጽሖ እንደሊ ነገራት ድራኸና እንተ መርመርና ጽቡቕ እዩ። ነቲ ዓለም ከም ሃብቲ ወይ ስልጣን ዝኣመሰለ ነገራት ንምርካብ ብስስዐ እትገብሮ ጻዕሪ ገዲፍናዮ ኢና። ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓላፍነት ንምርካብ ንመጣጠር እንተደኣ ሃሊና: ድራኸና ንጹህን ወትሩ ኣብታ ንየሆዋን ንሰባትን ዘላትና ፍቕሪ እተመርኰሰን ይኹን። መንፈሳውያን ሰብኡት ብሓጐስን ንየሆዋን ንኣመንቲ ብጾቶም ንምግልጋል ካብ ዘለዎም ቅኑዕ ባህጊ ተበጊሶምን ‘መዓርግ ኤጲስቆጶስ ክደልዩ’ ኸለዉ ባህ ዘብል እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 3:1፣ 2 ቈረንቶስ 1:24) እወ: እዞም ብቕዓት ዘለዎም ሽማግለታት ‘ነቲ መጓሰ ኣምላኽ ብግዲ ዘይኰነስ ብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ: ምእንቲ ኸንቱ ረብሓውን ዘይኰነስ ብታሕጓስ: ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይተት ብምዃን ዘይኰነስ ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀኑ ይጓስይዎ እዮም።’—1 ጴጥሮስ 5:1-4
“ብሰላም” ክንመላለስ የድልየና
18. ናይ የሆዋ መሰኻኽር በየኖት ባህርያቶም እዮም ዝፍለጡ፧
18 ኣብ መወዳእታ ጴጥሮስ “ብሰላም” እናተመላለስና ኽንርከብ ነጊሩና ኣሎ። ነዚ ብቕዓት እዚ ንምምላእ: ምስ የሆዋን ምስ ብጾትናን ሰላም ክህልወና ኣለዎ። ጴጥሮስ ንሓድሕድና “ሃልሃል እትብል ፍቕሪ” ኽትህልወናን ምስ ክርስትያናት ብጾትና ብሰላም ክንነብርን ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሐ። (1 ጴጥሮስ 2:17፣ 3:10, 11፣ 4:8፣ 2 ጴጥሮስ 1:5-7) ሰላምና ንምሕላው ኣብ መንጎና ፍቕሪ ኽትህሉ ኣለዋ። (ዮሃንስ 13:34, 35፣ ኤፌሶን 4:1, 2) ብፍላይ ኣህጉራዊ ኣኼባታት ክንገብር ከለና ፍቕርናን ሰላምናን ብንጹር ይርአ እዩ። ብ1999 ኣብ ኮስታ ሪካ ኣብ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ እቶም ደቂ እታ ዓዲ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ልኡኻት ክቕበልዎም ከለዉ ኸይተረድኦም ንሓደ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝሸይጥ ሸቃጣይ ነቲ ዝሸጠሉ ዝነበረ ቦታ ብምኽዋሎም ሓረቐ። ኣብታ ኻልአይቲ መዓልቲ ግን እቶም ደቂ እቲ ዓዲ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ልኡኻት ብብሕቲ እኳ ዘይፈልጥዎም እንተዀኑ: ብውዕዉዕ መንፈስ መርሓባ ኢሎም ክቕበልዎም ከለዉ ዘንጸባርቕዎ ፍቕርን ሰላምን ኣስተብሃለሉ። ኣብ መወዳእታ: እቲ ሸቃጣይ ምስቶም ኣሕዋት ሓቢሩ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ክብል ጀመረ: መጽሓፍ ቅዱስ ክመሃር ድማ ሓተተ።
19. ምስ ኣመንቲ ብጾትና ሰላም ክንገብር ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
19 ምስ መንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብሰላም ንምንባር ዘሎና ውሽጣዊ ባህጊ: ንመዓልቲ የሆዋን ነታ መብጽዓ ዝኣተወልና ሓዳስ ዓለምን ብሃንቀውታ ንኽንጽበ ጽልዋ ኽህልዎ ይኽእል እዩ። (መዝሙር 37:11፣ 2 ጴጥሮስ 3:13) ምስ ኣማኒ ብጻይና ሰላም ምግባር ኣጸጊሙና እስከ ንበል። ምስኡ ኣብ ገነት ብሰላም ምንባርሲ ኣብ ኣእምሮና ኽንስእሎዶ ንኽእል፧ ሓውና ብኣና ጕህዩ እንተሎ: ቀልጢፍና ‘ኽንዕረቕ’ ኣሎና። (ማቴዎስ 5:23, 24) ምስ የሆዋ ብሰላም ክንመላለስ እንተ ደሊና: ናይ ግድን ከምዚ ኽንገብር ኣሎና።—መዝሙር 35:27፣ 1 ዮሃንስ 4:20
20. ብዓቕሊ ‘ንጽበ’ ኸም ዘለና ብኸመይ እዩ ኽንጸባረቕ ዘለዎ፧
20 ብብሕትና ‘ንምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ ንጽበያን ነቀላጥፋንዶ’ ኣሎና፧ እከይ ዝጠፍኣሉ እዋን ንምርኣይ ዘሎና ሓያል ባህጊ: ኣብዛ ብስነ-ምግባር እተበላሸወት ዓለም እዚኣ ቕዱሳን ኴንና ብምንባር ኢና እነርእዮ። ብዘይካዚ መዓልቲ የሆዋ ንኽትመጽእን መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ እትገዝኣሉ እዋን ንኽንነብርን ዘሎና ብርቱዕ ሃረርታ በቲ ብፍርሃት ኣምላኽ እንገብሮ ተግባራትና ንጹር ይኸውን። ኣብታ ሰላም ዝሰፍና ሓዳስ ዓለም ንኽንነብር ዘሎና ትጽቢት ከኣ ምስ ኣመንቲ ብጾትና ሰላም ብምግባር ነንጸባርቖ። በዚ ኸምዚ ብዓቕሊ ኸም ‘እንጽበን’ ‘ንምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ ከም እነቀላጥፍን’ ነርኢ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ንኣብነት: ናይ 1 ጥሪ 2000 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 16 ከምኡውን ናይ 1997 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር (እንግሊዝኛ) ገጽ 51 ተወከስ።
ትዝክሮዶ፧
• ‘ንምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ ምቅልጣፍ’ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
• ብዓቕሊ ‘ንጽበ’ ኸም ዘለና ኣብ ኣነባብራና ብኸመይ ነርኢ፧
• “ብፍርሃት እግዚኣብሄር” ምምልላስ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
• ኣብ ቅድሚ የሆዋ “ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ብሰላም” ንኽንርከብ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]
ብዓቕሊ ‘ንጽበ’ ምህላውና ብቕዱስ ኣነባብራና ይርአ
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]
ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ህይወት ሰባት ዘድሕን እዩ
[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]
መዓልቲ የሆዋ እናተጸበና ምስ ሰባት ብሰላም ንንበር