ጨው ተደላዪ ማዕድን
የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም” በሎም። (ማቴዎስ 5:13) ጨው ናይ ምዕቃብ ክእለት ስለ ዘለዎ: እታ “ጨው” እትብል ቃል ኣብ ጥንታውን ዘመናውን ቋንቋታት ኣኽቢርካ ምስ ዝርአ ነገራት ኢያ እትስራዕ።
ብተወሳኺውን ጨው ምልክት ቀጻልነትን ነባርነትን ከም ዝዀነ ጌርካ ይውሰድ ነይሩ ኢዩ። ስለዚ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ዘይቅየር ኪዳን: “ኪዳን ጨው” ተባሂሉ ይፍለጥ ነበረ፣ ከምዚ እተባህለ ኸኣ እቶም ኪዳን ዝተኣታተዉ ሰባት ነቲ ኺዳን ከጽድቕዎ ኸለዉ ጨው ዘለዎ መግቢ ብሓባር ይምገቡ ብምንባሮም ኢዩ። (ዘሁልቍ 18:19) ብመሰረት ሕጊ ሙሴ ነቲ ኣብ መሰውኢ ዝቐርብ ዝነበረ መስዋእቲ ጨው ይግበረሉ ነበረ: እዚውን ዘይተበላሸወ ወይ ዘይመሽመሸ ምዃኑ ንምምልካት ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ።
ኣገዳሲ ታሪኻዊ ሓቅታት
ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ወድሰብ ጨው (ሶድዩም ክሎራይድ) ኣዝዩ ተደላዪ ማዕድን ስለ ዝነበረ ብሰንኩ እተፈላለየ ውግእ ተላዒሉ ኢዩ። ንኣብነት: ሓደ ኻብቲ ንሰውራ ፈረንሳ ጠንቂ ዝዀነ ነገራት ሉዊስ መበል 16 ኣብ ጨው ብዙሕ ቀረጽ ብምስልዑ ኢዩ። ጨው ከም ባጤራ ዀይኑ እውን ኣገልጊሉ ኢዩ። ሙራውያን ነጋዶ ጨው ምስ ወርቂ ብማዕረ ይቕይርዎ ነበሩ: ገሊኣቶም ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ቐቢላታት እውን ገቢላ ወይ ካብ ናይ ጨው ከውሒ ዝወጽእ ቀጸላታት ከም ገንዘብ ይጥቀሙሉ ነይሮም ኢዮም። ግሪኻውያን ንባሮቶም ዝህብዎም መሃያ ጨው ስለ ዝነበረ: “ክንድቲ ዝኽፈሎ ጨው ኣይኰነን ዝሰርሕ” ዝብል ናይ እንግሊዝኛ ብሂል ክመጽእ ክኢሉ ኢዩ።
ኣብ ማእከላይ መዋእል ንጨው ዝምልከት ማሪት ክምዕብል ጀሚሩ ኢዩ። ጨው ምስ ዝከዓወካ ኸም ናይ ጥፍኣት ሕማቕ ፋል ጌርካ ይውሰድ ነበረ። ንኣብነት: ኣብቲ ሊዮናርዶ ዳ ቪንቺ ዝሰኣሎ “ናይ መወዳእታ ድራር” ዘርእስቱ ቕብኣ ኣብ ቅድሚ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ እተኸምበለ መትሓዝ ጨው ስኢሉ ኣሎ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ኽሳዕ መበል 18 ዘመን ኣብ መኣዲ ዝህልወካ ኣቀማምጣ ምስቲ መትሓዝ ጨው ዝቕመጠሉ ቦታ ብምንጽጻር ከም መሐበሪ ማሕበራዊ ደረጃ ዀይኑ ይርአ ነይሩ።
ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ሰባት ካብ ተፈጥሮኣዊ ጨዋም ማይን ካብ ማይ ባሕርን ብኸመይ ጨው ከም ዘውጽኡ ከምኡውን ናይ ጨው ከውሒ ብኸመይ ከም ዝዕድኑ ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም። ጥንታዎት ቻይናውያን ብዛዕባ መድሃኒት ኣብ ዝጸሓፍዎ ዝርዝር መምርሒ 40 እተፈላለየ ዓይነት ጨው ተጠቒሱ ኣሎ: ምስዚ ሎሚ ዘሎ ኣጸቢቑ ዝመሳሰል ክልተ ዓይነት ኣወጻጽኣ ጨው እውን ይሕብር ኢዩ። ንኣብነት: ኣብቲ ኣብ ገማግም ባያ ሰባስትያን ቢስካይኖ ዝበሃል ኣብ ባጃ ካሊፎርንያ: ሜክሲኮ: ዝርከብ ብሓይሊ ጸሓይ ጨው ዘፍሪ ዝዓበየ ትካል: ነቲ ማይ ባሕሪ ብሓይሊ ጸሓይ ብምህፋፍ ኢዩ ጨው ዝሕፈስ።
እቲ ዘገርም ከኣ: ብመሰረት ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ኵሉ ውቅያኖሳት እንተ ዝሃፍፍ “እንተ ወሓደ 19 ሚልዮን ኲቢክ ኪሎ ሜትር ዝኸውን ኣኻውሕ ጨው ከም ዝተርፍ ተገሚቱ ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ካብቲ ባሕሪ እትመልኣሉ ጽፍሒ ንላዕሊ ዘሎ ምድሪ ኣውሮጳ ብ14.5 ግዜ ምስ ዝባዛሕ ዝርከብ መጠን ኢዩ።” ምዉት ባሕሪ ዘለዎ ጨዋምነት ምስ ውቅያኖስ ክነጻጸር ከሎ ኸኣ ትሽዓተ ዕጽፊ ኣቢሉ ይኸውን።
ዘመናዊ ኣጠቓቕማ ጨው
ሎሚ እውን ጨው መግቢ ንምምቃር: ስጋ ንምዕቃብ: ከምኡውን ሳሙናን ጥርሙዝን ንምስራሕ ስለ ዘገልግል ተደላዪ ማዕድን ኢዩ። ብፍላይ ንጥዕና ኸኣ እሞ ኣገዳሲ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ብዙሓት ሃገራት ጕድለት ኣዮዲን: ጕርንጕሪት (ምዕባይ ጽኪ ታይሮይድ) ከምኡውን ኣብ ሕሉፍ ኵነታት ኣእምሮኣዊ ምዝንባል ስለ ዘስዕብ ንጨው ኣዮዲን ይሕወሰሉ ኢዩ። ገሊኣተን ሃገራት እውን ኣስናን ዜጋታተን ንኸይሕስኽ ኢለን ፍሎራይድ ይውስኻሉ ኢየን።
ጨው: መጠን ደምን ጸቕጢ ደምን ኣብ ምቍጽጻር ንጥዕና ጠቓሚ ኢዩ። ልዑል ጸቕጢ ደም ዘለዎ ሰብ ጨው ዘይወስድ ደኣ እሞ ስለምንታይ ኢዩ፧ ሓካይም ነቶም ልዑል ጸቕጢ ደም ዘለዎም ሰባት ጨው ኰነ ሶድዩም ንኸይወስዱ ይኽልክልዎም ኢዮም። ካብ ሓደ ሲሶ ክሳዕ ፍርቂ ኻብቶም ልዑል ጸቕጢ ደም ዘለዎም ሰባት ጨው ጕድኣት የስዕበሎም ኢዩ። ስለዚ ናይ ደም ጸቕጦም ምእንቲ ኽወርድ ኣብ መግቦም ጨው ከውሕዱ ኣለዎም።
ጨው ብርግጽ ንመግቢ የመቅሮ ኢዩ። ስለዚ ድማ እዮብ “ነቲ መቐረት ዜብሉ ብልዒኸ ብዘይ ጨው መን ይበልዖ፧” ብምባል ሓቲቱ ኢዩ። (እዮብ 6:6) እቲ “ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚህበና” ፈጣሪና: እንተላይ ነዚ ኣድላዪ ማዕድን ዝዀነ ጨው እውን ስለ ዝሃበና ኸነማስዎ ንኽእል ኢና።—1 ጢሞቴዎስ 6:17
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ገለ ኻብቲ እተፈላለየ ዓይነት ጨው (ካብ ላዕለዋይ ጸጋም ጀሚርካ ንየማን):- (1) ማይ ባሕሪ ብምህፋፍ እተረኽበ ጨው: ካብ ሃዋይ፣ (2) ፍለር ደ ሰል: ካብ ፈረንሳ፣ (3) ዋላ ሓንቲ ከሚካል ዘይተሓወሶ ናይ ባሕሪ ጨው፣ (4) ሰል ግሪስ (ጨላይ ጨው): ካብ ፈረንሳ፣ (5) ናይ ባሕሪ ጥረ ጨው፣ (6) ድኹም ጸሊም ጨው: ካብ ህንዲ