ኣብ ታሪኽ እስራኤል ዝነበረ ኣገዳሲ በዓላት
“ተባዕታይካ ዘበለ ሰለስተ ሳዕ ኣብ ዓመት . . . ኣብታ ንሱ ዝሐረያ ቦታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ይርኤ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርሲ ጥራይ ኢዱ ኣይርኤ።”—ዘዳግም 16:16
1. ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ናይ በዓል ኣጋጣሚታት እንታይ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል፧
ብዛዕባ በዓል ክትሓስብ ከሎኻ ኣብ ኣእምሮኻ ዝመጽእ እንታይ ኢዩ፧ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ገለ በዓላት ብቐይዲ በተኽ ጠባይን ዘይስነ-ምግባራውነትን ኢዩ ዝፍለጥ ነይሩ። ገለ ዘመናዊ በዓላት እውን ብኸምኡ ኢዩ ዝፍለጥ። ኣብቲ ንእስራኤላውያን እተዋህበ ሕጊ ኣምላኽ ዝሰፈረ በዓላት ግን ፍሉይ ኢዩ ነይሩ። ዘሐጕስ ኣጋጣሚታት ኢዩ ነይሩ: ‘ቅዱስ ኣኼባታት’ ተባሂሉውን ክግለጽ ይከኣል ኢዩ።—ዘሌዋውያን 23:2
2. (ሀ) እስራኤላውያን ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዜ እንታይ ክገብሩ ይድለዮም ነበረ፧ (ለ) እታ ኣብ ዘዳግም 16:16 ተጠቒሳ ዘላ ‘በዓል’ እትብል ቃል እንታይ ትርጕም ኢዩ ዘለዋ፧
2 እሙናት እስራኤላውያን ሰብኡት: መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ስድራቤቶም ሓቢሮም: ናብ የሩሳሌም: ‘እታ እግዚኣብሄር ዝሓረያ ቦታ:’ ኽጓዓዙ ባህ ይብሎም ነበረ: ነቲ ሰለስተ ዓበይቲ በዓላት ዝኸውን ነገራት ከኣ ብልግሲ ይህቡ ነበሩ። (ዘዳግም 16:16) ኦልድ ተስታመንት ዎርልድ ስታዲስ ዝብሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ነታ ኣብ ዘዳግም 16:16 ‘በዓል’ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል “ስምረት ኣምላኽ ዘለዎ ገለ ፍልይ ዝበለ ኣጋጣሚታት ብመስዋእትን ብበዓልን ዝኽበረሉ . . . ናይ ዓቢ ሓጐስ ኣጋጣሚ” ከም ዝዀነት ይገልጻ።a
ጥቕሚ ናይቲ ዓበይቲ በዓላት
3. እቲ ሰለስተ ዓመታዊ በዓላት እንታይ በረኸታት ኢዩ ዘዘኻኽር፧
3 እስራኤላውያን ብሕርሻ ዝናበሩ ሕብረተሰብ ስለ ዝነበሩ: ኣምላኽ ዝናም ብምሃብ ክባርኾም ኢዮም ዝጽበዩ ነይሮም። እተን ኣብ ሕጊ ሙሴ ዝነበራ ሰለስተ ዓበይቲ በዓላት: ኣብ ምጅማር ቀውዒ ዓጺድ ስገም: ኣብ ምውዳእ ቀውዒ ዓጺድ ስርናይ: ኣብ ምውዳእ ሓጋይ ኸኣ እቲ ዝተረፈ ፍረ ምድሪ ክእከብ ከሎ ኢየን ዝውዕላ ነይረን። እዚ እዋን እዚ ዓቢ ሓጐስ እትሕጐሰሉ ከምኡውን ነቲ ወሃቢ ዑደት ማይን ደኳኒ ናይታ ፈራዪት ምድርን እተመስግነሉ ኣጋጣሚታት ኢዩ ነይሩ። እቲ በዓላት ግን ካልእ ነገራት እውን ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ።—ዘዳግም 11:11-14
4. ኣብቲ ናይ መጀመርታ በዓል እንታይ ታሪኻዊ ፍጻመ ኢዩ ዝኽበር ዝነበረ፧
4 እቲ ናይ መጀመርታ በዓል ብመሰረት እቲ ጥንታዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዓውደ-ኣዋርሕ ኣብታ ናይ መጀመርታ ወርሒ ማለት ካብ 15 ክሳዕ 21 ኒሳን ኢዩ ዝውዕል ነይሩ: ብናትና ኣቈጻጽራ ኸኣ ኣብ መወዳእታ መጋቢት ወይ ከኣ ኣብ መጀመርታ ሚያዝያ ምዃኑ ኢዩ። እዚ በዓል እዚ ኸኣ በዓል ቅጫ ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ ነይሩ: ደድሕሪ እቲ ኣብ 14 ኒሳን ዝበዓል ፋስጋ ይውዕል ስለ ዝነበረ ድማ ‘በዓል ፋስጋ’ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ ነይሩ ኢዩ። (ሉቃስ 2:41፣ ዘሌዋውያን 23:5, 6) እቲ ዘይበዅዐ እንጌራ: “እንጌራ መከራ” ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ ስለ ዝነበረ: እዚ በዓል እዚ እስራኤላውያን ካብቲ ኣብ ግብጺ ዘሕልፍዎ ዝነበሩ መከራ ምድሓኖም የዘኻኽሮም ነበረ። (ዘዳግም 16:3) እቲ ካብ ግብጺ ዝሃደምሉ ግዜ ኣዝዩ ህጹጽ ብምንባሩ ኣብ ብሒቖም መባዅዕቲ ክውስኽሉ እሞ ፈዀዅ ክሳዕ ዝብል ድማ ክጽበዩ ግዜ ከም ዘይነበረ ዘዘኻኽሮም ኢዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 12:34) ኣብ እዋን እዚ በዓል እዚ: በዂዑ እተሰንከተ እንጌራ ኣብ ቤት እስራኤላዊ ክርከብ ኣይነበሮን። በዓል ዘብዕል ዝዀነ ይኹን ሰብ: ስደተኛ እውን ሓዊስካ: በዂዑ እተሰንከተ እንጌራ እንተድኣ በሊዑ ብሞት ክቕጻዕ ነበሮ።—ዘጸኣት 12:19
5. እቲ ኻልኣይ በዓል እንታይ ፍሉይ መሰል ኢዩ ዘዘኻኽር ነይሩ ክኸውን ዝኽእል: ኣብዚ ሓጐስ እዚኸ መን እውን ክጽንበሩ ነበሮም፧
5 እቲ ኻልኣይ በዓል ድሕሪ 16 ኒሳን ሸውዓተ ሰሙናት (49 መዓልትታት) ጸኒሑ ኢዩ ዝበዓል ነይሩ: እዚ ድማ ኣብ 6ይ መዓልቲ ናይታ ሳልሰይቲ ወርሒ: ሲቫን: ኢዩ ዝውዕል ነይሩ: ብናትና ኣቈጻጽራ ድማ መወዳእታ ግንቦት ምዃኑ ኢዩ። (ዘሌዋውያን 23:15, 16) በዓል ሰሙናት ተባሂሉ ኸኣ ኢዩ ዝጽዋዕ ነይሩ (ኣብ ግዜ የሱስ ከኣ: ብግሪኽ “መበል ሓምሳ” ዝብል ትርጕም ዝሓዘ ጴንጠቆስጠ ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ): ዝውዕለሉ ግዜ ድማ ምስቲ እስራኤላውያን ኣብ ከረን ሲና ኣብ ሕጊ ኪዳን ዝኣተውሉ እዋን ናይታ ዓመት ዝቀራረብ ኢዩ። (ዘጸኣት 19:1, 2) ኣብ እዋን እዚ በዓል እዚ እሙናት እስራኤላውያን ብዛዕባ እቲ ከም ቅዱስ ህዝቢ ኣምላኽ ኰይኖም ንኽፍለዩ ዝረኸብዎ መሰል የስተንትኑ ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ፍሉያት ህዝቢ ኣምላኽ ምዃኖም ንሕጊ ኣምላኽ ብምእዛዝ ከርእይዎ ነበሮም: ሓደ ካብቲ ሕጊ ድማ እቶም ድኻታት እውን ነቲ በዓል ተሓጒሶም ምእንቲ ከብዕልዎ ፍቕራዊ ሓልዮቶም ከርእይዎም ዝእዝዝ ኢዩ ነይሩ።—ዘሌዋውያን 23:22፣ ዘዳግም 16:10-12
6. እቲ ሳልሳይ በዓል ንህዝቢ ኣምላኽ እንታይ ተመክሮ ኢዩ ዘዘኻኽሮም ነይሩ፧
6 ካብቲ ሰለስተ ዓበይቲ ዓመታዊ በዓላት እቲ ናይ መወዳእታ ድማ በዓል ምእካብ ወይ ከኣ በዓል ዳስ ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ ነይሩ። ኣብ ሻውዓይ ወርሒ: ቲሽሪ: ወይ ከኣ ኤታኒም: ካብ ዕለት 15 ክሳዕ 21 ኢዩ ዝውዕል ነይሩ: ብናትና ኣቈጻጽራ ድማ መጀመርታ ጥቅምቲ ምዃኑ ኢዩ። (ዘሌዋውያን 23:34) ኣብ እዋን እዚ በዓል እዚ: ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ኣባይቶም ወጻኢ ወይ ከኣ ኣብ ዝባን ናሕሶም ካብ ናይ ኣግራብ ጨናፍርን ኣቝጽልትን ኣብ እተሰርሐ ግዝያዊ መጽለሊ (ዳሳት) ይቕመጡ ነበሩ። እዚ ድማ ነቲ ካብ ግብጺ ወጺኦም ናብ ምድሪ ተስፋ እተጓዕዝሉ: እቲ ህዝቢ መዓልታዊ ዘድልዮ ነገራት ንኽረክብ ኣብ ኣምላኽ ምውካል ክማሃረለን ዝነበሮ 40 ዓመታት ዘዘኻኽሮም ኢዩ ነይሩ።—ዘሌዋውያን 23:42, 43፣ ዘዳግም 8:15, 16
7. ነቲ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ በዓል ምምርማርና ብኸመይ ኢዩ ክጠቕመና ዝኽእል፧
7 ኣብ ታሪኽ ጥንታውያን ህዝቢ ኣምላኽ ኣገደስቲ ፍጻመታት ዝነበሩ ገለ በዓላት እስከ ንመርምር። ንሕናውን ስርዓታውያን ኴንና ሰሙን ሰሙን ከምኡውን ኣብ ዓበይቲ ኣሰምብሊታትን ኣኼባታትን ሰለስተ ሳዕ ኣብ ዓመት ክንእከብ ተዓዲምና ስለ ዘሎና እዚ ጥንታዊ በዓላት እዚ ሎሚውን ንዓና ከተባብዓና ይግባእ።—እብራውያን 10:24, 25
ኣብ እዋን ናይቶም ዘርኢ ዳዊት ዝነበሩ ነገስታት
8. (ሀ) ኣብ ግዜ ንጉስ ሰሎሞን እንታይ ታሪኻዊ በዓል ኢዩ እተገብረ፧ (ለ) ከመይ ዝበለ ናይቲ ምሳልያዊ በዓል ዳስ ዓቢ ፍጻሜ ንምርኣይ ኢና ብተስፋ ክንጽበ እንኽእል፧
8 ኣብ ግዜ በዓል ዳስ እተገብረ ሓደ ታሪኻዊ ጽምብል: ኣብቲ ብልጽግና ዝመልኦ ግዝኣት ንጉስ ሰሎሞን ወዲ ዳዊት እተፈጸመ ኢዩ ነይሩ። በዓል ዳስ ከብዕሉን ኣብ ምውፋይ እቲ ቤት መቕደስ ከኣ ክካፈሉን ካብ ርሑቕ ቦታታት ምድሪ ተስፋ ብምምጻእ “ኣዝዩ ዓብዪ ማሕበር” ኰይኖም ተኣከቡ። (2 ዜና መዋእል 7:8) ኣብዒሎም ምስ ወድኡ ኸኣ: ንጉስ ሰሎሞን ነቶም ተኻፈልቲ እቲ በዓል ኣሰናበቶም እሞ ንሳቶም ድማ “ንንጉስ መረቕዎ: በቲ እግዚኣብሄር ንባርያኡ ዳዊትን ንህዝቡ እስራኤልን ዝገበረሎም ኵሉ ጽቡቕ ነገር ባህ ኢልዎም: ብሕጉስ ልቢ ነናብ ድንኳኖም ከዱ።” (1 ነገስት 8:66) ብሓቂ ኣገዳሲ በዓል ኢዩ ነይሩ። ሎሚ ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ምውዳእ ሽሓዊ ግዝኣት ናይቲ ዝዓበየ ሰሎሞን: የሱስ ክርስቶስ: ዝውዕል ናይ ምሳልያዊ በዓል ዳስ ዓቢ ፍጻመ ክርእዩ ብተስፋ ይጽበዩ ኣለዉ። (ራእይ 20:3, 7-10, 14, 15) ኣብቲ ግዜ እቲ: እቶም ዝተንስኡን ካብ ኣርማጌዶን ዝድሕኑን ሓዊስካ: ኣብ ኵሉ ኵርናዓት ምድሪ ዝነብሩ ሰባት ኣብቲ ናይ የሆዋ ኣምላኽ ሓጐስ ዝመልኦ ኣምልኾ ክሓብሩ ኢዮም።—ዘካርያስ 14:16
9-11. (ሀ) ኣብ ግዜ ንጉስ ህዝቅያስ ታሪኻዊ በዓል ንኽግበር ዘለዓዓለ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) በቶም ኣብቲ ሰሜናዊ ናይ ዓሰርተ ነገድ መንግስቲ ዝነበሩ ብዙሓት እንታይ ኣብነት ኢዩ ተሰሪዑ ዘሎ: እዚኸ ሎሚ ንዓና እንታይ ኢዩ ዘዘኻኽረና፧
9 እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ቀጺሉ ዝነበረ ኣገዳሲ በዓል: ድሕሪ ግዝኣት እቲ ንቤት መቕደስ ዝዓጸወ: ንመንግስቲ ይሁዳ ድማ ናብ ክሕደት ዝመርሐ እኩይ ንጉስ ኣሃዝ እተገብረ ኢዩ። ንኣሃዝ ዝተክኦ እቲ ጽቡቕ ዝገበረ ንጉስ ህዝቅያስ ኢዩ ነይሩ። ህዝቅያስ ኣብ መጀመርታ ዓመት ግዝኣቱ: ወዲ 25 ዓመት ከሎ: ናይ ምዕራይን ምሕዳስን ዓቢ ፕሮግራም ጀመረ። ብኡንብኡ ኸአ ነቲ ቤት መቕደስ ከፈቶ ንኽጽገን ከኣ መደብ ኣውጽአ። ድሕርዚ እቲ ንጉስ: ናብቶም ጸላእቲ ዝነበሩ ናይ ሰሜን ዓሰርተ ነገድ መንግስቲ እስራኤል መልእኽትታት ብምስዳድ: መጺኦም ፋስጋን በዓል ቅጫን ከብዕሉ ዓደሞም። ብጾቶም እኳ እንተ ኣላገጹሎም: ብዙሓት መጺኦም ኢዮም።—2 ዜና መዋእል 30:1, 10, 11, 18
10 እቲ በዓል ዕዉት ድዩ ነይሩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝብል ጸብጻብ ይህብ:- “እቶም ኣብ የሩሳሌም እተረኽቡ ደቂ እስራኤል ከኣ ብዓብዪ ሓጐስ ሾብዓተ መዓልቲ በዓል ቅጫ ኣብዐሉ። ሌዋውያንን ካህናትን ድማ . . . መዓልቲ ንመዓልቲ ብመሳርያ ሙዚክ ንእግዚኣብሄር ምስጋና ዘመሩ።” (2 ዜና መዋእል 30:21) እዞም እስራኤላውያን እዚኣቶም ነዞም ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ምጽራር ዝጽመሙ: ዓበይቲ ኣኼባታት ንኽሳተፉ ኸኣ ነዊሕ መገዲ ዝጓዓዙ ህዝቢ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን ኢዮም ሰሪዖምሎም!
11 ንኣብነት: ብዛዕባ እቲ “ኣምላኻዊ ተወፋይነት” ዘርእስቱ ብ1989 ኣብ ፖላንድ እተኻየደ ሰለስተ ኣውራጃዊ ኣኼባታት ርአ። ኣብ ማእከል እቶም 166,518 ተኣከብቲ: ካብተን ኣብቲ ግዜ እቲ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣጊዱለን ዝነበረ ሕብረት ሶቭየት ነበርን ካልኦት ሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳን ዝመጹ ብዙሓት ሰባት ነበሩ። እታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር —ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ b እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ዝብል ጸብጻብ ትህብ:- “ገለ ካብቶም ኣብዚ ዓበይቲ ኣኼባታት እዚ እተኻፈሉ: ካብ 15 ወይ ካብ 20 ንላዕሊ ምስ ዝዀኑ ህዝቢ የሆዋ ክእከቡ ንመጀመርታ ግዜኦም ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ስታድዩማት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ምስኣቶም ሓቢሮም ክጽልዩን: ንውዳሴ የሆዋ ኸኣ ብሓድነት ድምጾም ዓው አቢሎም ክዝምሩን ብምርኣዮም ኣልባቦም ብምስጋና መሊኡ ኢዩ።”—ገጽ 279
12. ኣብ ግዝኣት ንጉስ ዮስያስ ታሪኻዊ በዓል ንኽግበር ዘለዓዓለ እንታይ ኢዩ፧
12 ድሕሪ ሞት ህዝቅያስ: ደቂ ይሁዳ ኣብ ትሕቲ ንጉስ ምናሴን ንጉስ ኣሞንን እንደገና ኣብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ወደቑ። ጸኒሑ ኸኣ ግዝኣት ናይቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ንምምላስ ብትብዓት ስጕምቲ ዝወሰደ ካልእ ገባር ጽቡቕ ዝዀነ ንጉስ: መንእሰይ ዮስያስ: መጸ። ዮስያስ: ወዲ 25 ዓመት ምስ ኰነ: እታ ቤት መቕደስ ክትሕደስ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ። (2 ዜና መዋእል 34:8) እታ ቤት መቕደስ እናተሓደሰት ከላ: እቲ ብሙሴ እተጻሕፈ ሕጊ ኣብኣ ተረኽበ። ንጉስ ዮስያስ በቲ ኣብ ሕጊ ኣምላኽ ዘንበቦ ነገራት ኣዝዩ ተተንከፈ እሞ ንዅሎም ህዝቢ ክንበበሎም ድማ መደብ ኣውጽአ። (2 ዜና መዋእል 34:14, 30) ሽዑ: ብመሰረት እቲ ኣብኡ እተጻሕፈ: ፋስጋ ክበዓል ምድላው ገበረ። ብዘይዚውን: እቲ ንጉስ ነቲ ኣጋጣሚ እቲ ዝሕግዝ ውጽኢታት ብልግሲ ብምሃብ ሰናይ ኣብነት ሰርዐ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብ እስራኤል ካብ ዘመን ነብዪ ሳሙኤል ጀሚሩ: ከምዚ ዝበለ ኣበዓዕላ ፋስጋ ተገይሩ ኣይፈልጥን” ዝብል ጸብጻብ ይህብ።—2 ዜና መዋእል 35:7, 17, 18
13. እቲ ብህዝቅያስን ዮስያስን እተገብረ በዓላት ሎሚ ንዓና እንታይ ኢዩ ዘዘኻኽረና፧
13 እቲ ብህዝቅያስን ዮስያስን እተገብረ ምሕዳስ ምስቲ የሱስ ክርስቶስ ብ1914 ንጉስ ኰይኑ ካብ እተሸመሉ ግዜ ንነጀው ኣብ ማእከል ናይ ሓቂ ክርስትያናት እተፈጸመ ዘደንቕ ምሕዳስ ሓቀኛ ኣምልኾ ዝመሳሰል ኢዩ። ብፍላይ ኣብቲ ዮስያስ ዝገበሮ ምሕዳስ ከም እተራእየ: እዚ ዘመናዊ ምሕዳስ እውን ኣብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተጻሒፉ ዘሎ ሓሳባት እተመስረተ ኢዩ። ብዘይዚውን እዚ ዘመናዊ ምሕዳስ እዚ: ዝምስጥ ናይ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ መግለጺታትን እዋናዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒታትን ዝዋሃበሉ ኣሰምብሊታትን ዓበይቲ ኣኼባታትን ስለ ዘቕርብ: ምስቲ ናይ ግዜ ህዝቅያስን ዮስያስን ይመሳሰል ኢዩ። ነዚ ትምህርቲ ዝህብ ኣጋጣሚታት እዚ ሓጐስ ዝውስኸሉ ኸኣ ቍጽሪ ናይቶም ብዙሓት ተጠመቕቲ ኢዩ። ከምቶም ኣብ ግዜ ህዝቅያስን ዮስያስን ዝነበሩ እተናስሑ እስራኤላውያን ብምዃን: ሓደስቲ ተጠመቕቲ ነቲ እኩይ ተግባራት ናይ ህዝበ-ክርስትያንን ነቲ ዝተረፈ ናይ ሰይጣን ዓለምን ዝባኖም ሂቦምዎ ኢዮም። ብ1997 ልዕሊ 375,000 ሰባት ነቲ ቅዱስ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ዝገበርዎ ወፈያ ብማይ ጥምቀት ኣርኣይዎ: እዚ ድማ ብገምጋም ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 1,000 ምዃኑ ኢዩ።
ድሕሪ ምርኮ
14. ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. ታሪኻዊ በዓል ንኽግበር ዘለዓዓለ እንታይ ኢዩ፧
14 ድሕሪ ሞት ዮስያስ እቲ ህዝቢ እንደገና ናብቲ ሕሱር ናይ ሓሶት ኣምልኾ ተመልሰ። ኣብ መወዳእታ: ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. የሆዋ ንሰራዊት ባቢሎን ኣንጻር የሩሳሌም ከም ዝለዓሉ ብምግባር ንህዝቡ ቀጽዖም። እታ ኸተማ ምስ ቤት መቕደሳ ተደምሰሰት: እታ ሃገር ከኣ ባደመት። ኣይሁድ ን70 ዓመታት ኣብ ባቢሎን ተማረኹ። ድሕርዚ ኣምላኽ ነቶም እተናስሑ ተረፍ ኣይሁድ ኣበራቢሩ: ሓቀኛ ኣምልኾ እንደገና ንምምስራት ናብ ምድሪ ተስፋ ከም ዝምለሱ ገበሮም። ኣብታ ዝፈረሰት ከተማ የሩሳሌም ኣብ ሻውዓይቲ ወርሒ ናይ 537 ቅ.ኣ.ዘ. በጽሑ። እታ መጀመርታ ዝገበርዋ ነገር: ከምቲ ኣብ ሕጊ ኪዳን ተሰሪዑ ዘሎ ገይሮም መዓልታዊ ዝዀነ ስሩዕ መስዋእትታት ምእንቲ ከቕርቡ መሰውኢ ምቛም ኢዩ ነይሩ። እዚ ድማ ቀቅድሚ ካልእ ታሪኻዊ በዓል ኢዩ ተገይሩ። “ከምቲ ጽሑፍ ድማ በዓል ዳስ ኣብዐሉ።”—እዝራ 3:1- 4
15. ነቶም ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. እተመልሱ ተረፍ እንታይ ዕዮ ኢዩ ዝጽበዮም ነይሩ: ብ1919 ተመሳሳሊ ኵነታት ዝነበረኸ ብኸመይ ኢዩ፧
15 ነዞም እተመልሱ ምሩኻት ሓደ ዓቢ ዕዮ ይጽበዮም ነበረ: እዚ ድማ ምህናጽ ቤት መቕደስ ኣምላኽን የሩሳሌም ምስ መካበብያኣን ኢዩ። ካብቶም ቀናኣት ጐረባብቲ ዝመጾም ብርቱዕ ምጽራር ነይሩ ኢዩ። እታ ቤት መቕደስ ክትህነጽ ከላ: ‘መዓልቲ ናእሽቱ ነገር’ ኢያ ነይራ። (ዘካርያስ 4:10) እቲ ኵነታት ምስቲ ብ1919 ዝነበረ ኵነታት ናይቶም እሙናት ቅቡኣት ክርስትያናት ዝመሳሰል ኢዩ። ኣብታ ዘይትርሳዕ ዓመት እቲኣ: ካብ መንፈሳዊ ምርኮ ዓባይ ባቢሎን: ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሓራ ወጹ። ቍጽሮም ሒደት ኣሽሓት ጥራይ ኢዩ ነይሩ: ምስ ሓንቲ ጸላኢቶም ዝዀነት ዓለም ከኣ ተጋጠሙ። ጸላእቲ ኣምላኽ ነቲ ዕቤት ናይ ሓቀኛ ኣምልኾ ደው ከብልዎዶ ክኢሎም ኢዮም፧ መልሲ ናይዚ ሕቶ እዚ ነተን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ተመዝጊበን ዘለዋ ናይ መወዳእታ ክልተ በዓላት ኢዩ ዘዘኻኽረና።
16. ነቲ ብ515 ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበረ በዓል ፍሉይ ዝገብሮ እንታይ ኢዩ፧
16 ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ወርሒ ኣዳር ናይ 515 ቅ.ኣ.ዘ. ቀቅድሚ እቲ ኣብ ኒሳን ቀውዒ ዝውዕል ዝነበረ በዓል: እታ ቤት መቕደስ ተሃንጸት። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝብል ጸብጻብ ይህብ:- “እግዚኣብሄርሲ ቤት ኣምላኽ: ቤት ኣምላኽ እስራኤል: ንምስራሕ ኣእዳዎም ኬጽንዕ ኢሉ: ንልቢ ንጉስ ኣሶር ናባታቶም ብምምላሱ ኣሐጒስዎም እዩ እሞ: በዓል ቅጫ ሾብዓተ መዓልቲ ብሓጐስ ኣብዐሉ።”—እዝራ 6:22
17, 18. (ሀ) ብ455 ቅ.ኣ.ዘ. እንታይ ኣገዳሲ በዓል ኢዩ ዝመጸ፧ (ለ) ንሕናኸ ሎሚ ብኸመይ ኢና ኣብ ተመሳሳሊ ኵነታት እንርከብ፧
17 ስሳ ዓመታት ጸኒሑ ብ455 ቅ.ኣ.ዘ. ካልእ ኣገዳሲ በዓል መጸ። ናይታ ዓመት እቲኣ በዓል ዳስ: ምህናጽ መካበብያታት የሩሳሌም ከም እተወድአ ዘመልክት ኢዩ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝብል ጸብጻብ ይህብ:- “ብዘላ እታ ማሕበር ናይቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ዅላቶም ከኣ ዳስ ሰሪሖም: ኣብ ዳስ ተቐመጡ። ደቂ እስራኤልሲ ኻብ ዘመን እያሱ ወዲ ነዌ ጀሚሮም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸምኡ ኣይገበሩን እሞ: ኣዝዩ ዓብዪ ሓጐስ ኰነ።”—ነህምያ 8:17
18 ብርቱዕ ምጽራር እኳ እንተ ተራእየ ከመይ ዝበለ ምምላስ ናይ ሓቀኛ ኣምልኾ ኰን ኢዩ! እዚ ሎሚ ዘሎ ኵነታት እውን ተመሳሳሊ ኢዩ። ናይ መስጐጕትን ምጽራርን ማዕበል እናሃለወ ክነሱ: እቲ ዓቢ ዕዮ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ወሰን ምድሪ በጺሑ: እቲ ናይ ኣምላኽ መልእኽትታት ፍርዲ ድማ ኣብ ኵሉ ቦታ ተሰሚዑ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:14) እቲ ናይ መወዳእታ ምሕታም ናይቶም 144,000 ቅቡኣት ተረፍ እናቐረበ ኢዩ ዝመጽእ ዘሎ። እቶም ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ብጾቶም ‘ካልኦት ኣባጊዕ:’ ካብ ኵሎም ኣህዛብ መጺኦም ምስቶም ቅቡኣት ተረፍ ብምዃን ኣብ “ሓደ መጓሰ” ተኣኪቦም ኢዮም። (ዮሃንስ 10:16፣ ራእይ 7:3, 9, 10) እዝስ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ፍጻመ ናይቲ ትንቢታዊ ስእሊ ዝዀነ በዓል ዳስ ኰን ኢዩ! እዚ ዓቢ ናይ ምትእኽኻብ ዕዮ እዚ ኣብ ሓዳስ ዓለም እውን ክቕጽል ኢዩ: ሽዑ ድማ ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ካብ ምዉታት ዝተንስኡ ሰባት ነቲ ምሳልያዊ በዓል ዳስ ንምብዓል ክዕደሙ ኢዮም።—ዘካርያስ 14: 16-19
ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ከ.ኣ.ዘ.
19. ነቲ ናይ 32 ከ.ኣ.ዘ. በዓል ዳስ ሓለፍ ዝበለ ዝገብሮ እንታይ ኢዩ፧
19 ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ኣዝዩ ሓለፍ ዝበለ በዓላት እቲ ወዲ ኣምላኽ: የሱስ ክርስቶስ: እተኻፈለሉ በዓላት ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ንኣብነት: ነቲ የሱስ ብ32 ከ.ኣ.ዘ. እተኻፈለሉ በዓል ዳስ (ወይ: ድንኳን) ርአ። ነቲ ኣጋጣሚ እቲ ኣድላዪ ዝዀነ ሓቅታት ንኽምህር ተጠቕመሉ: ንትምህርትታቱ ኸኣ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብምጥቃስ ኣረጋገጾ። (ዮሃንስ 7:2, 14, 37-39) ናይዚ በዓል እዚ ስሩዕ መዳይ: እቲ ኣብ ውሽጢ ኣጸድ ቤት መቕደስ ዝግበር ዝነበረ ኣርባዕተ ዓበይቲ ቀንዴል ናይ ምብራህ ልምዲ ኢዩ ነይሩ። እዚ ድማ ነቲ ክሳዕ ምሸት ዝጸንሕ ዝነበረ ናይቲ በዓል ንጥፈታት ዘሐጕስ ንምግባሩ ኣበርክቶ ነበሮ። የሱስ “ኣነ ብርሃን ዓለም እየ። እቲ ዚስዕበኒ ብርሃን ህይወት ኪረክብ እምበር: ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ” ክብል ከሎ ናብዚ ዓበይቲ ብርሃናት እዚ ይእምት ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።—ዮሃንስ 8:12
20. ነቲ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ፋስጋ ፍሉይ ዝገብሮ እንታይ ኢዩ፧
20 ድሕርዚ እቲ ኣብታ ፍልይቲ ዓመት ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ፋስጋን በዓል ቅጫን መጸ። የሱስ ኣብታ ፋስጋ ዝነበረትላ መዓልቲ ብጸላእቱ ተቐትለ: “ሓጢኣት ዓለም” ከርሕቕ ብሙማት ድማ ምሳልያዊ ገንሸል ፋስጋ ዀነ። (ዮሃንስ 1:29፣ 1 ቈረንቶስ 5:7) ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ: ማለት 16 ኒሳን: ኣምላኽ ንየሱስ ዘይመውት መንፈሳዊ ኣካል ብምሃብ ኣተንስኦ። እዚ ድማ ምስቲ ኣብ ሕጊ እተገልጸ ናይ በዅሪ ስገም መስዋእቲ ምቕራብ ዝሰማማዕ ኢዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ እቲ ዝተንስአ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ “በዅሪ እቶም ዝደቀሱ ዀይኑ: ካብ ምዉታት ተንስኤ።”—1 ቈረንቶስ 15:20
21. ኣብ ጴንጠቈስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. እንታይ ኢዩ ተፈጺሙ፧
21 ብሓቂ ፍሉይ ዝነበረ በዓል ከኣ እቲ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ጴንጠቆስጠ ኢዩ። ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ: ነቶም 120 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ሓዊስካ: ብዙሓት ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን ኣብ የሩሳሌም ተኣኪቦም ነበሩ። እቲ በዓል እናተኻየደ ኸሎ: እቲ ዝተንስአ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ኣብቶም 120 ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣፍሰሰ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:15፣ 2:1-4, 33) በዚ ድማ ተቐብኡ እሞ በቲ የሱስ ክርስቶስ ዝማእከላዩ ሓድሽ ኪዳን ኣቢሎም ከኣ ኣምላኽ ዝመረጾም ሓድሽ ህዝቢ ኰኑ። ኣብ እዋን እቲ በዓል እቲ: ናይ ኣይሁድ ሊቀ ኻህናት ካብ በዅሪ ዓጺድ ስርናይ እተዳለወ በዂዑ እተሰንከተ ክልተ እንጌራ ናብ ኣምላኽ የቕርብ ነበረ። (ዘሌዋውያን 23:15-17) እዚ በዂዑ እተሰንከተ እንጌራ ኸኣ ነቶም የሱስ “መንግስትን ካህናትን” ኰይኖም ከገልግሉ ከምኡውን ‘ኣብ ምድሪ ኪነግሱ’ ኢሉ ‘ንኣምላኽ ዝዓደገሉ’ 144,000 ዘይፍጹማት ሰባት ዘመልክት ኢዩ። (ራእይ 5:9, 10፣ 14:1, 3) እዞም ሰማያውያን ገዛእቲ እዚኣቶም ካብ ክልተ ናይ ሓጢኣተኛታት ደቅስብ ጨናፍር ማለት ኣይሁድን ኣህዛብን ምምጽኦም: በቲ ክልተ በዂዑ እተሰንከተ እንጌራ ክምሰሉ እውን ይኽእሉ ኢዮም።
22. (ሀ) ክርስትያናት ነቲ ኣብ ሕጊ ኪዳን ዝነበረ በዓላት ዘየብዕሉ ስለምንታይ ኢዮም፧ (ለ) ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ክንምርምር፧
22 እቲ ሓድሽ ኪዳን ኣብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ክዓዪ ምስ ጀመረ: እቲ ብሉይ ኪዳን ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ዋጋ ዘለዎ ካብ ምዃን ኣቋረጸ። (2 ቈረንቶስ 3:14፣ እብራውያን 9:15፣ 10:16) እዚ ክበሃል ከሎ ግን ቅቡኣት ክርስትያናት ብዘይ ሕጊ ኢዮም ማለት ኣይኰነን። ኣብ ትሕቲ እቲ የሱስ ክርስቶስ ዝምህሮ ዝነበረ መለኮታዊ ሕጊ ኰኑ: ኣብ ኣልባቦም ከኣ ተጻሕፈ። (ገላትያ 6:2) ስለዚ እምበኣር እቲ ሰለስተ ዓመታዊ በዓላት: ክፍሊ ናይቲ ብሉይ ሕጊ ኪዳን ስለ ዝዀነ: ብክርስትያናት ኣይበዓልን ኢዩ። (ቈሎሴ 2:16, 17) ይኹን እምበር: ካብቲ እቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ በዓላቶምን ኣብ ካልእ ናይ ኣምልኾ ኣኼባታቶምን ዝነበሮም ኣመለኻኽታ ብዙሕ ክንማሃር ንኽእል ኢና። ኣብታ እትቕጽል ሕታምና: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ስርዓታዊ ኴንካ ምእካብ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ኵልና ከነማስወሉ ዝድርኸና ኣብነታት ክንምርምር ኢና።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ (እንግሊዝኛ) ጥራዝ 1 ገጽ 820 ዓምዲ 1 ሕጡብ ጽሑፍ 1ን 3ን ኣብ ትሕቲ “ፌስቲቫል ” ዝብል ኣርእስቲ ርአ።
b ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመ።
ናይ ድግማ ሕቶታት
◻ እቲ ናይ እስራኤላውያን ሰለስተ ዓበይቲ በዓላት ንምንታይ ዕላማ ኢዩ ዘገልግል ነይሩ፧
◻ ነቲ ኣብ ግዜ ህዝቅያስን ዮስያስን ዝነበረ በዓላት ፍሉይ ዝገብሮ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧
◻ ብ455 ቅ.ኣ.ዘ. እንታይ ታሪኻዊ በዓል ኢዩ እተባዕለ: እዚኸ ንዓና መተባብዒ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ነቲ ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ፋስጋን ጴንጠቈስጠን ፍሉይ ዝገብሮ እንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ሳጹን]
ነዞም ሎሚ ዘሎና ዝኸውን ካብ በዓል ዝርከብ ትምህርቲ
እቶም ካብቲ ሓጢኣት ዘንጽህ መስዋእቲ የሱስ ክጥቀሙ ዝደልዩ ኵሎም: ምስቲ ብበዓል ቅጫ ተመሲሉ ዘሎ ነገር ተሰማሚዖም ክነብሩ ኣለዎም። እዚ ምሳልያዊ በዓል እዚ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ካብዛ እክይቲ ዓለም ብምድሓኖም ከምኡውን ብበጅነት የሱስ ኣቢሎም ካብ ናይ ሓጢኣት ኵነኔ ሓራ ብምውጽኦም ዝገብርዎ ሕጕስ በዓል ዘመልክት ኢዩ። (ገላትያ 1:4፣ ቈሎሴ 1:13, 14) ቃል ብቓሉ በዓል ሸውዓተ መዓልቲ ኢዩ ዝጸንሕ ነይሩ: እዚ ቝጽሪ እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መንፈሳዊ ምልኣት ኢዩ ዘመልክት። እቲ ምሳልያዊ በዓል: እታ ብቕቡኣት ክርስትያናት ዝቘመት ጉባኤ ኣብ ምድሪ ክሳዕ ዘላ ዝቕጽል ኢዩ: “ብናይ ገርህነትን ሓቅን” ከኣ ክበዓል ይግባእ። እዚ ኸኣ ምሳልያዊ ማይ ብሒቝ ከይሕወሶ ብቐጻሊ ምሕላው ማለት ኢዩ። ማይ ብሒቝ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ብልሽውና ትምህርትታትን ግብዝናን ክፍኣትን ንምምልካት ኢዩ ዝውዕል። ሓቀኛታት ኣምለኽቲ የሆዋ: ንህይወቶም ከበላሽዎም ብዘይምፍቃድ: ንንጽህና ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸኣ ክዝርግ ብዘይምሕዳግ: ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ማይ ብሒቝ ዘለዎም ጽልኢ ከርእዩ ኣለዎም።—1 ቈረንቶስ 5:6-8፣ ማቴዎስ 16:6, 12
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ዓዓመት 16 ኒሳን ሓድሽ እንዳእቲ ዓጺድ ስገም ይቐርብ ነበረ: የሱስ ዝተንስኣላ መዓልቲውን ኢያ
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ንገዛእ ርእሱ “ብርሃን ዓለም ” ኢሉ ክጽውዓ ኸሎ ነቲ ኣብ ግዜ በዓል ዝግበር ዝነበረ መብራህትታት ይእምት ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ