መጻኢኻ ኽትመርጽ ትኽእል ኢኻ!
መጻኢኻ ኽትመርጽ ትኽእል ዲኻ፧ ገሊኦም ሰባት፡ ንህይወቶም ዚቈጻጸሮ ጽሕፍቶኦም ወይ ዕድሎም እምበር፡ ናቶም ምርጫ ኸም ዘይኰነ ይኣምኑ እዮም። ኣብ ሸቶኦም ኪበጽሑ ምስ ዘይክእሉ ድማ፡ ‘ዕድለይ ኣይኰነን’ ይብሉ።
ገሊኦም ድማ ብሰንኪ እዛ ጭቈናን ዘይፍትሓውነትን ዝመልኣ ዓለም ይጕህዩ እዮም። ናብራኦም ኼመሓይሹ ሒዅ ይብሉ ይዀኑ፣ ከም ውግእን ገበንን ባህርያዊ ሓደጋታትን ሕማምን ዝኣመሰለ ነገራት ግና ንዅሉ ውጥናቶም የበላሽዎ። ስለዚ፡ ‘እንታይ ዓጢጡኒ እየ ዝደክም፧’ ይብሉ።
ሓቂ እዩ፡ ኣብ ህይወት ዜጓንፈካ ነገራት ንውጥናትካ ይጸልዎ እዩ። (መክብብ 9:11) ይኹን እምበር፡ መጻኢኻ ኽትመርጽ ትኽእል ኢኻ። መጻኢኻ ኣብቲ እትገብሮ ምርጫ ኸም ዚምርኰስ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ብዛዕባኡ እንታይ ከም ዚብል ኣስተብህል።
መራሒ ጥንታዊ ህዝቢ እስራኤል ዝነበረ ሙሴ፡ እቶም ህዝቢ ናብ ተስፋ ምድሪ ኺኣትዉ ኣብ ዝቐረቡሉ እዋን ከምዚ ኢልዎም እዩ፦ “ህይወትን ሞትን፡ በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ [ኣለኹ]። . . . ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብርሲ፡ ህይወት ሕረ፣ እዚ ኪኸውን ከኣ፡ ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣፍቅሮ፡ ድምጹ ስማዕ፡ ናብኡ እውን ልገብ።”—ዘዳግም 30:15, 19, 20።
‘ህይወትን ሞትን፡ በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኣለኹ። ህይወት ሕረ።’—ዘዳግም 30:19
እወ! ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ኣውጺእዎም፡ ኣብ ምድሪ ተስፋ ብናጽነት ተሓጒሶም ኪነብሩ ኸም ዚኽእሉ ድማ ኣተስፍይዎም እዩ። ነዚ ግና ብኸምኡ ኣይኰኑን ዚረኽብዎ። ነዚ በረኸት እዚ ንምርካብ ‘ህይወት ኪሓርዩ’ ነይርዎም። ብኸመይ፧ ‘ንኣምላኽ ብምፍቃርን ድምጹ ብምስማዕን ናብኡ ብምልጋብን።’
ሎሚ እውን ተመሳሳሊ ምርጫ ቀሪቡልና ኣሎ፣ እንገብሮ ምርጫ ኸኣ ንመጻኢና ይውስኖ እዩ። ንኣምላኽ ከነፍቅሮን ድምጹ ኽንሰምዕን ናብኡ ኽንለግብን እንተ መሪጽና፡ ህይወት ኢና እንመርጽ ዘለና፣ እወ፡ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ዚህሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኢና እንመርጽ ዘለና። ግናኸ፡ ከመይ ጌርና ኢና ንኣምላኽ ከነፍቅሮን ድምጹ ኽንሰምዕን ናብኡ ኽንለግብን እንኽእል፧
ንኣምላኽ ኣፍቅሮ
ፍቕሪ ቐንዲ ባህርይ ኣምላኽ እያ። ሃዋርያ ዮሃንስ ብመንፈስ ተደሪኹ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (1 ዮሃንስ 4:8) ስለዚ ኸኣ እዩ የሱስ እታ ዝዓበየት ትእዛዝ ኣየነይቲ ኸም ዝዀነት ምስ ተሓትተ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ” ኢሉ ዝመለሰ። (ማቴዎስ 22:37) ምስ የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ፍርሂ ወይ ኣብ ዕሙት ተኣዛዝነት እተመስረት ርክብ ዘይኰነስ፡ ኣብ ፍቕሪ እተመስረተ ርክብ ኪህልወና ኣለዎ። ስለምንታይ ኢና ግና ንኣምላኽ ከነፍቅሮ ዘሎና፧
የሆዋ ንደቂ ሰብ ዘላቶ ፍቕሪ ምስታ ወለዲ ንደቆም ዘላቶም ፍቕሪ ትመሳሰል እያ። ፈቃራት ወለዲ ዋላ እኳ ዘይፍጹማት ይኹኑ፡ ንውሉዳቶም ሓጐስን ኣሳልጦን ኪረኽቡ ስለ ዚደልይዎም፡ ይምህርዎምን የተባብዕዎምን ይድግፍዎምን ይግስጽዎምን እዮም። እቶም ወለዲኸ ኻብ ውሉዳቶም እንታይ እዮም ዚጽበዩ፧ ውሉዳቶም ኪእዘዝዎምን ነቲ ምእንቲ ጥቕሞም ኢሎም ዝመሃርዎም ነገራት ኣብ ልቦም ኬሕድርዎን እዮም ዚጽበዩ። እሞ ደኣ እቲ ፍጹም ዝዀነ ሰማያዊ ኣቦና፡ ንዅሉ እቲ ዝገበረልና ነገራት ብፍቕሪ ተላዒልና ኣድንቖትና ከነርኢ ኺጽበየናስ ግቡእዶ ኣይኰነን፧
ድምጹ ስማዕ
ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ በዅሪ ቛንቋ፡ እታ “ስማዕ” እትብል ቃል መብዛሕትኡ ግዜ “ተኣዘዝ” ዚብል ሓሳብ ተመሓላልፍ እያ። ንሓደ ቘልዓ፡ “ንወለድኻ ስምዓዮም” ክንብሎ ኸለና፡ ተኣዘዞም ማለትና እዩ። ስለዚ፡ ድምጺ ኣምላኽ ምስማዕ ኪብሃል ከሎ፡ የሆዋ እንታይ ከም ዚብለና ፈሊጥና ንእዘዞ ማለት እዩ። ንድምጺ ኣምላኽ ቃል ብቓሉ ኽንሰምዖ ስለ ዘይንኽእል፡ ነቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብን ነቲ ዘንበብናዮ ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ንኣምላኽ ክንሰምዖ ንኽእል ኢና።—1 ዮሃንስ 5:3።
የሱስ ኣብ ሓደ እዋን፡ ድምጺ ኣምላኽ ምስማዕ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ኺገልጽ ከሎ፡ “ሰብ ካብ ኣፍ የሆዋ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን” ኢሉ እዩ። (ማቴዎስ 4:4) ከምቲ ስጋዊ ምግቢ ምምጋብ ኣድላዪ ዝዀነ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ምፍላጥ ድማ ብዝያዳ ኣድላዪ እዩ። ስለምንታይ፧ እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን፡ እዚ ስለምንታይ ኣድላዪ ኸም ዝዀነ ኺገልጽ ከሎ፡ “ከምቲ ገንዘብ ዕቝባ ዚኸውን፡ ጥበብ እውን ዕቝባ እያ፣ ጥቕሚ ፍልጠት ግና እዚ እዩ፦ ጥበብ ንዋናኣ ብህይወት ተንብሮ” ኢሉ እዩ። (መክብብ 7:12) እወ፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ እንረኽቦ ፍልጠትን ጥበብን ኬዕቍበና ይኽእል፡ ኣብ መጻኢ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዜውህበና ጥበባዊ ምርጫ ኽንገብር ድማ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።
ናብኡ ልገብ
ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ የሱስ፡ “እታ ናብ ህይወት እትወስድ ኣፍ ደገ ግና ጸባብ፡ መገዳ እውን ቀጣን እያ፣ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም” ኢሉ እዩ። (ማቴዎስ 7:13, 14) ኣብ ከምዚ ዓይነት መገዲ ኽንጕዓዝ ከለና፡ ናብ ዝሓሰብናዮ፡ ማለት ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽንበጽሕ ምስ ሓደ ምኩር መራሕ መገዲ ኽንለግብ ኣሎና። እምበኣር፡ ናብ ኣምላኽ ለጊብና እንመላለሰሉ ጽቡቕ ምኽንያት ኣሎና። (መዝሙር 16:8) ከመይ ጌርና ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧
ክንገብሮ ዘሎናን ክንገብሮ እንደልዮን ብዙሕ ነገራት መዓልቲ መዓልቲ የጓንፈና እዩ። በዚ ነገራት እዚ ስለ እንትሓዝ ወይ ኣቓልቦና ስለ ዚውሰድ ድማ፡ ኣምላኽ እንታይ ክንገብር ከም ዚደልየና ንምሕሳብ ግዜ ንስእን ኢና። ስለዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከም ዓያሹ ዘይኰነስ፡ ከም ለባማት ከመይ ከም እትመላለሱ ኣጸቢቕኩም ተጠንቀቑ፣ ቅንያቱ ኽፉእ ስለ ዝዀነ፡ ንግዜኹም ብዝበለጸ ተጠቐሙሉ” ኢሉ ዚምዕደና። (ኤፌሶን 5:15, 16) ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ብምሃብ፡ ናብኡ ኽንቀርብ ንኽእል ኢና።—ማቴዎስ 6:33።
እቲ ምርጫ ናትካ እዩ
ነቲ ዝሓለፈ ህይወትካ ኽትቅይሮ ኣይትኽእል ኢኻ፣ ንዓኻን ንስድራ ቤትካን ግና ጽቡቕ መጻኢ ኽትመርጽ ትኽእል ኢኻ። እቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ካብ ልቡ ኸም ዜፍቅረናን ነቲ ኽንገብሮ ዘሎና ኸም ዜፍልጠናን መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ነብዪ ሚክያስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዝበለ ኣስተብህል፦
“ኣታ ሰብ፡ ንሱ ጽቡቕ ዘበለ ነጊሩካ ኣሎ። የሆዋስ ካባኻ እንታይ እዩ ዚደሊ፧ ፍትሒ ኽትገብር፡ ተኣማንነት ክትፈቱ፡ ምስ ኣምላኽካ እውን ብትሕትና ኽትመላለስ ጥራይ እዩ!”—ሚክያስ 6:8።
እሞ ደኣ ነቲ የሆዋ ምስኡ ኽትመላለስን ነቲ ዘዳለወልካ ዘለኣለማዊ በረኸት ክትረክብን ዘቕረበልካ ዕድመ ኽትቅበሎ ዲኻ፧ እቲ ምርጫ ናትካ እዩ።