መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን
5-11 ሓምለ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘዳግም 11-12
“የሆዋ ብኸመይ እዩ ኺምለኽ ዚደሊ፧”
it-2 1007 ¶4
ነፍሲ
ብምሉእ ነፍሲ ምግልጋል። ከምቲ ኣቐዲሙ እተገልጸ፡ “ነፍሲ” ብመሰረቱ ንብዘሎ ሰብ የመልክት። ኰይኑ ግና፡ ገሊኡ ጥቕስታት ‘ብዅሉ ልብናን ብዅሉ ነፍስናን’ ንኣምላኽ ክንደልዮን ከነፍቅሮን ከነገልግሎን ኪምሕጸነና ኸሎ (ዘዳ 4:29፣ 11:13, 18)፡ ኣብ ዘዳግም 6:5 ዚርከብ ቃላት ከኣ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቅሮ” ይብል። የሱስ ድማ ብምሉእ ነፍስናን ብምሉእ ሓይልናን ከነገልግል ኣብ ርእሲ ምባሉ፡ “ብምሉእ ኣእምሮኻ” እውን ኢሉ እዩ። (ማር 12:30፣ ሉቃ 10:27) ነፍሲ ነዚ ዅሉ ዜጠቓልል ክነሱ፡ እዚ ነገራት እዚ ምስ ነፍሲ ዚጥቀስ ዘሎ ስለምንታይ ምዃኑ ሕቶ ይለዓል እዩ። ነዚ ኼነጽር ዚኽእል ምሳሌ እስከ ንርአ፦ ሓደ ሰብ ገዛእ ርእሱ (ነፍሱ) ንባርነት ኪሸይጥ እሞ ናይ ዋናኡ ወይ ናይ ጐይታኡ ጥሪት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ንጐይታኡ ብምሉእ ልቡ፡ ማለት ባህ ኬብሎ ኢሉ ብምሉእ ድራኸኡን ድሌቱን ከየገልግሎ ይኽእል እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንጥቕሚ ጐይታኡ ንምድንፋዕ ምሉእ ሓይሉ ወይ ምሉእ ኣእምሮኡ ኸይጥቀም ይኽእል እዩ። (ምስ ኤፌ 6:5፣ ቈሎ 3:22 ኣረኣኢ።) ስለዚ፡ እዚ ኻልእ መዳያት እዚ፡ ኣብቲ ነቲ ዋናና ዝዀነ ኣምላኽን ነቲ ህይወቱ በጃ ዝኸፈለልና ወዱን እነቕርቦ ኣገልግሎት ምእንቲ ኸይንርስዖ ተባሂሉ እዩ ተጠቒሱ ኪኸውን ዘለዎ። ንኣምላኽ “ብምሉእ ነፍሲ” ዚቐርብ ኣገልግሎት ኪብሃል ከሎ፡ ነቲ ሓደ ሰብ ብዘለዎ ዅሉ ዜቕርቦ፡ ማለት ኣካሉ፡ ተግባሩ፡ ክእለቱ፡ ወይ ድሌቱ ኸየጕደለ ዜቕርቦ ዓይነት ኣገልግሎት የመልክት።—ምስ ማቴ 5:28-30፣ ሉቃ 21:34-36፣ ኤፌ 6:6-9፣ ፊል 3:19፣ ቈሎ 3:23, 24 ኣረኣኢ።
it-1 84 ¶3
መሰውኢ
እስራኤላውያን፡ ኵሉ ኣረማዊ መሰውኢታት ኬፍርሱ፡ ነቲ ብልምዲ ኣብ ጥቓኡ ዚህነጽ ሓወልትታትን ኣዕኑድን ኣምልኾ ድማ ኬጥፍኡ ትእዛዝ ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ። (ዘጸ 34:13፣ ዘዳ 7:5, 6፣ 12:1-3) ከምቲ ከነኣናውያን ዚገብርዎ ኺገብሩን ንደቆም ብሓቂ ኼንድዱን ከም ዘይብሎም እውን ተነጊርዎም ነይሩ እዩ። (ዘዳ 12:30, 31፣ 16:21) መሰውኢታት ከየብዝሑ፡ የግዳስ ንኣምልኾ እቲ ሓደ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዚኸውን ሓደ መሰውኢ ጥራይ ኪህልዎም ከም ዘለዎ፡ እዚ እውን ኣብታ የሆዋ ዝሓረያ ቦታ ኸም ዚኸውን ተነጊርዎም ነይሩ እዩ። (ዘዳ 12:2-6, 13, 14, 27፣ ነዚ ምስቲ ኢሽታር ንእትብሃል ኣምላኽ ኣብ ባቢሎን ዝነበራ 180 መሰውኢ ኣነጻጽሮ።) ኣብ ፈለማ፡ ፈለግ ዮርዳኖስ ምስ ተሳገሩ ብዘይተወቕረ ኣእማን መሰውኢ ኺሰርሑ ትእዛዝ ተዋሂብዎም እዩ (ዘዳ 27:4-8)፣ ነዚ ኸኣ እያሱ እዩ ኣብ ከረን ዔባል ሰሪሕዎ። (እያ 8:30-32) ነታ ምድሪ ምስ ተማቐልዋ ድማ፡ ነገድ ሮቤልን ነገድ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ ምርኡይ መሰውኢ ሰርሑ። እዚ መሰውኢ እዚ ንናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም መዘከርታ ተኣማንነት ደኣ እምበር፡ ምልክት ክሕደት ዘይምዃኑ ኽሳዕ ዚንጽር ኣብቶም ዝተረፉ ነገዳት ንግዜኡ ቕልውላው ፈጢሩ ነይሩ እዩ።—እያ 22:10-34።
መንፈሳዊ ሃብቲ
it-1 925-926
ጌሪዚም፡ ከረን
ዓይ ምስ ተሳዕረት፡ ነገዳት እስራኤል ብመሰረት እቲ ሙሴ ዝሃቦም ትእዛዝ፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት እያሱ ዀይኖም ኣብ ከረን ጌሪዚምን ኣብ ከረን ዔባልን ተኣከቡ። ኣብኡ ኸኣ ንየሆዋ እንተ ተኣዚዞምዎ ዚረኽብዎ በረኸት፡ እንተ ዘይተኣዚዞምዎ ድማ ዚረኽብዎ መርገም ሰምዑ። ነገዳት ስምኦንን ሌዊን ይሁዳን ይሳኮርን ዮሴፍን ብንያምን ኣብ ቅድሚ ኸረን ጌሪዚም ቈሙ። ሌዋውያንን ታቦት ኪዳንን ከኣ ኣብቲ ስንጭሮ ቘሙ፣ እቶም ዝተረፉ ሽዱሽተ ነገዳት ድማ ኣብ ቅድሚ ኸረን ዔባል ቈሙ። (ዘዳ 11:29, 30፣ 27:11-13፣ እያ 8:28-35) እቶም ኣብ ቅድሚ ኸረን ጌሪዚም ዝቘሙ ነቲ ናባታቶም ገጹ እተነብበ በረኸት ኺምልሱ ኸለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ነገዳት ከኣ ነቲ ናብ ከረን ዔባል ገጹ እተነብበ መርገም መሊሶም ኪዀኑ ኣለዎም። ከረን ጌሪዚም ውቁብን ፍርያምን እዩ፣ ከረን ዔባል ግና ኣኻውሕ ዝመልኦን ባድምን እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ እቲ በረኸት ናብ ከረን ጌሪዚም ገጹ ኸም እተነብበ ሓሳብ ዚውሃብ እኳ እንተ ዀነ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ዚገልጾ ነገር የብሉን። እቲ ሕጊ፡ “ኣብ ቅድሚ ዅሉ ጉባኤ እስራኤል፡ እንተላይ ኣብ ቅድሚ ኣንስትን ቈልዑን ኣብ መንጎኦም ዚነብሩ ጓኖትን” ብዓውታ እዩ ተነቢቡ። (እያ 8:35) እቶም ኣዝዮም ብዙሓት ህዝቢ ነቲ ቓላት እቲ ኻብቲ መንጽሮም ኪንበበሎም ከሎ ኺሰምዑ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። እዚ ድማ ብእተወሰነ መዳይ፡ እቲ ቦታ እቲ፡ ድምጺ ንምምሕልላፍ ብሉጽ ብምዃኑ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ኣብ “ዔባል፡ ከረን” ርአ።
12-18 ሓምለ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘዳግም 13-15
“የሆዋ ንድኻታት ከም ዚሓሊ እቲ ሕጊ ብኸመይ የርኢ፧”
it-2 1110 ¶3
ዕሽር
ካብቲ ንሌዋውያን ካህናት ብቐጥታ ኺድግፍ ዚውሃብ ዝነበረ ዓመታዊ ዕሽር ወጻኢ፡ ተወሳኺ ዕሽር፡ ማለት ካልኣይ ዕስሪት እውን ዚውሃብ ዝነበረ እዩ ዚመስል፣ ካብኡ እውን ሌዋውያን ይካፈሉ ነይሮም እዮም። እዚ ዕሽር እዚ ብቐንዱ እስራኤላውያን ስድራ ቤታት ኣብ ሃገራዊ በዓላት ኪእከባ ኸለዋ ዚጥቀማሉ ዝነበራ እዩ ነይሩ። ነዚ ዕሽር እዚ ናብ የሩሳሌም ንምውሳድ ብሰንኪ ርሕቀት ኣጸጋሚ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ነቲ ፍርያት ብገንዘብ ይልውጥዎ እሞ ኣብ ቅዱስ ኣኼባ የሩሳሌም ነቲ ቤተ ሰብ ዜድሊ እኽለ ማይን ባህ ዜብሎም ነገራትን ይዕድጉሉ ነይሮም እዮም። (ዘዳ 12:4-7, 11, 17, 18፣ 14:22-27) ድሕሪኡ፡ ካብቲ ሸውዓተ ዓመት ዚወስድ ዑደት ሰንበት ኣብ መወዳእታ ሰሰለስተን ሸሽዱሽተን ዓመት፡ እዚ ዕሽር እዚ ኣብ ሃገራዊ ኣኼባታት ንዜድሊ ወጻኢታት ዘይኰነስ፡ ንሌዋውያንን ንጓኖትን ንመበለታትን ንዘኽታማትን እዩ ዚውሃብ ነይሩ።—ዘዳ 14:28, 29፣ 26:12።
it-2 833
ዓመት ሰንበት
ዓመት ሰንበት፡ “ዓመት ሕድገት [ሓሽሸሚጣህ]” ተባሂላ እያ እትጽዋዕ ነይራ። (ዘዳ 15:9፣ 31:10) ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ እታ ምድሪ ቓድራ ስለ እትሕደግ፡ ምሉእ ብምሉእ ተዕርፍ ወይ ከይተሓርሰት ትሕደግ እያ ነይራ። (ዘጸ 23:11) ካብ ዕዳ እውን ዕረፍቲ ወይ ሕድገት ይግበር ነይሩ እዩ። “ምእንቲ የሆዋ ተባሂሉ [ዚግበር] ሕድገት፡” ማለት ንኽብሩ ተባሂሉ ዚግበር ሕድገት እዩ ነይሩ። ብዛዕባ እዚ በበይኑ ርእይቶታት እኳ እንተሎ፡ ገሊኦም ወሃብቲ ርእይቶ፡ በታ ዓመት እቲኣ ሓረስታይ ኣታዊ ስለ ዘይነበሮ፡ እቲ ዕዳታት ብሓቂ ይስረዝ ከም ዘይነበረ፡ ኣብ ክንዳኡስ እቲ ኣለቃሒ ንጓና ዕዳኡ ኬኽፍሎ ይኽእል እኳ እንተ ነበረ፡ ንብጻዩ እብራዊ ግና ዕዳኡ ኪኸፍል ጸቕጢ ይገብረሉ ኸም ዘይነበረ ይገልጹ እዮም። (ዘዳ 15:1-3) ገሊኦም ረቢታት ከኣ ንድኻ ሓውካ ረድኤት ኪኸውን ተባሂሉ እተዋህበ ልቓሕ ይስረዝ ከም ዝነበረ፡ ንንግዳዊ ጕዳያት ተባሂሉ እተዓድየ ዕዳ ግና ኣብ ካልእ ምድብ ከም ዚርአ ይኣምኑ እዮም። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድሕሪ ክርስቶስ፡ ሂለል ዚብሃል ሽማግለ፡ ኣለቃሒ ኣብ ቅድሚ ፍርዲ ቐሪቡ ብምግላጽ፡ እቲ ዚእውዶ ኸም ዘይስረዝ ዚገብረሉ መስርሕ ከም ዘተኣታተወ እውን ይገልጹ ኣለዉ።—ዘ ፔንታቲዩክ ኤንድ ሃፍቶራህስ፡ ብጀይ. ሃረጽ እተሰናደወ፡ ለንደን፡ 1972፡ ገጽ 811, 812።
it-2 978 ¶6
ባርያ
ኣብ መንጎ ባርያን ጐይታን ዝነበረ ርክብ ዜመሓድር ሕግታት። ኣብ እስራኤላውያን፡ ኣብ መንጎ እብራዊ ባርያን ኣብ መንጎ ጓና፡ መጻእተኛ፡ ወይ ሰፋሪ ዝዀነ ባርያን ፍልልይ ነይሩ እዩ። እቶም እብራውያን ዘይኰኑ ባሮት ንብረት ዋናታቶም እዮም ነይሮም፡ ካብ ኣቦ ናብ ውሉድ ይመሓላለፉ እውን ነይሮም እዮም (ዘሌ 25:44-46)፣ እብራውያን ባሮት ግና ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት ባርነቶም ወይ ኣብ ዓመት እልልታ፡ ካብ ክልቲአን ኣብታ ዝቐደመት ሓራ ይወጹ ነይሮም እዮም። እብራዊ ባርያ ኣብ እዋን ባርነቱ፡ ከም ዕሱብ እዩ ዚርአ ነይሩ። (ዘጸ 21:2፣ ዘሌ 25:10፣ ዘዳ 15:12) ርእሱ ንጓና ወይ ንሰፋሪ ዝሸጠ እብራዊ፡ ኣብ ዝዀነ እዋን ገዛእ ርእሱ ባዕሉ ኺብጆ ወይ መሰል ምብጃው ዘለዎ ሰብ ኪብጀዎ ይኽእል ነይሩ እዩ። ዋጋ በጃኡ ኸኣ ብመጠን እተን ክሳዕ ዓመት እልልታ ወይ ክሳዕ እታ ሻውዐይቲ ዓመት ባርነቱ ተሪፈን ዘለዋ ዓመታት እዩ ዚጽብጸብ ነይሩ። (ዘሌ 25:47-52፣ ዘዳ 15:12) ሓደ እብራዊ ሓራ ኺወጽእ ከሎ፡ እቲ ጐይታኡ ጽቡቕ መትከል እግሪ ዚኸውን ህያባት ይህቦ ነይሩ እዩ። (ዘዳ 15:13-15) ሓደ ባርያ ምስ ሰበይቱ ዝመጸ እንተ ዀይኑ፡ ሰበይቱ ምስኡ ሓራ እያ እትወጽእ ነይራ። ጐይታኡ ሰበይቲ እንተ ሂብዎ ግና (እዚኣ ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት ባርነት ሓራ ኽትወጽእ ዘይትኽእል ጓና ኽትከውን ኣለዋ)፡ ንሳን ደቃን ንጐይታኣ እዮም ዚዀኑ ነይሮም። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ እቲ እብራዊ ባርያ ምስ ጐይታኡ ንምጽናሕ ኪሓሪ ይኽእል ነይሩ እዩ። ከምኡ እንተ ገይሩ ኸኣ፡ ንሓዋሩ ባርያ ምዃኑ ንምምልካት፡ ንእዝኑ ብመስፈ የንኵልዎ ነይሮም እዮም።—ዘጸ 21:2-6፣ ዘዳ 15:16, 17።
መንፈሳዊ ሃብቲ
ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
ካብቲ ኣብ ዘጸኣት 23:19 ዚርከብ “ንማሕስእ ብጸባ ኣዲኡ ኣይተብስል” ዚብል ሕጊ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰለስተ ሳዕ ተጠቒሱ ዚርከብ ሕጊ ሙሴ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ እቲ ግቡእ እንታይ ምዃኑን ንድንጋጹን ለውሃቱን ንኽንፈልጥ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ የሆዋ ንናይ ሓሶት ኣምልኾ ኸም ዚፍንፍኖ እውን ዜጕልሕ እዩ።—ዘጸኣት 34:26፣ ዘዳግም 14:21
ንሓደ ማሕስእ ወይ ድማ ካልእ እንስሳ ብጸባ ኣዲኡ ምብሳል፡ ነቲ የሆዋ ዝሰርዖ ናይ ተፈጥሮ ምድላው ምጽራር ማለት እዩ። ኣምላኽ ንጸባ ኣደ ዝፈጠረሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ እቲ ማሕስእ ንኺምገቦን ዕቤት ንኺገብር ንኺሕግዞን ኢሉ እዩ። ስለዚ፡ ንሓደ ማሕስእ ብጸባ ኣዲኡ ምብሳል፡ ከምቲ ሓደ ምሁር ዝበሎ፡ “ነቲ ብኣምላኽ እተመስረተን እተቐደሰን ኣብ መንጎ ኣደን ውላድን ዘሎ ርክብ ከም ምንዓቕ” ጌርካ እዩ ዚርአ።
ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ገሊኦም ሰባት ንሓደ ማሕስእ ብጸባ ኣዲኡ ምብሳል፡ ዝናም ንምምጻእ ተባሂሉ ዚግበር ዝነበረ ኣረማዊ ልምዲ እዩ ይብሉ። ከምዚ እንተደኣ ዀይኑ፡ እዚ ሕጊ እዚ ንእስራኤላውያን ካብቲ በቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ኣህዛብ ዚግበር ዝነበረ ርሕራሐ ኣልቦን ዜስካሕክሕን ሃይማኖታዊ ተግባር ዜዕቍቦም እዩ ነይሩ። ሕጊ ሙሴ፡ እስራኤላውያን ብኣመል እዞም ኣህዛብ እዚኣቶም ከይከዱ ብግልጺ ይኽልክሎም ነበረ።—ዘሌዋውያን 20:23
ብዘይካዚውን፡ እዚ ሕጊ እዚ ነቲ የሆዋ ዘለዎ ናይ ድንጋጽ ስምዒት ዜርኢ እዩ። ብርግጽ፡ እቲ ሕጊ ነቲ ኣብ ልዕሊ እንስሳታት ዚወርድ ጭካነ ዚዅንን ከምኡውን ኣንጻር እቲ ናይ ተፈጥሮ ምድላው ንኸይትኸይድ ዚከላኸል ካልእ ብዙሕ ትእዛዛት ዝሓዘ እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ሓደ እንስሳ ምስ ኣዲኡ ብውሑዱ ሸውዓተ መዓልቲ ኸይገበረ ንኸይስዋእ፡ ሓንቲ እንስሳ ምስ ውላዳ ብሓንቲ መዓልቲ ንኸይትሕረድ፡ ከምኡውን ሓንቲ ዑፍ ምስ ጨጨውታ ወይ ከኣ ምስ እንቋቝሖኣ ንኸይትውሰድ ዚኽልክል ትእዛዝ ነበሮ።—ዘሌዋውያን 22:27, 28፣ ዘዳግም 22:6, 7
ስለዚ፡ እቲ ሕጊ ሕልኽልኽ ዝበለ ትእዛዛትን ሕግታትን ዝመልአ ኣይነበረን። ካብቲ ሕጊ ኻብ እንረኽቦ ገለ ጥቕምታት፡ እቲ ስርዓታቱ ነቲ የሆዋ ዘለዎ ዜስደምም ባህርያት ንኸነንጸባርቕ ዚሕግዝ ክብ ዝበለ ስነ-ምግባራዊ ስምዒት ዜሕድረልና ምዃኑ እዩ።
19-25 ሓምለ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘዳግም 16-18
“ብጽድቂ ንምፍራድ ዚሕግዝ ስርዓታት”
it-1 343 ¶5
ዑረት
ብብልሽውና ፍርዲ ኣቢሉ ዚፍጸም ጕድለት ፍትሒ፡ ብዑረት ተመሲሉ ኣሎ፣ ኣብ ሕጊ ሙሴ ኸኣ ኣንጻር ጉቦ፡ ህያባት፡ ወይ ኣድልዎ እተዋህበ ብዙሕ ምሕጽንታ ኣሎ፣ ከመይሲ፡ እዚ ንዳኛ ኼዕውሮን ነቲ ብዘይ ኣድልዎ ዚፍጸም ፍትሒ ዕንቅፋት ኪኸውንን ይኽእል ነይሩ እዩ። “ጉቦ ብንጹር ንዚርእዩ የዕውር።” (ዘጸ 23:8) “ጉቦስ ኣዒንቲ ጥበበኛታት የዕውር።” (ዘዳ 16:19) ዳኛ ሽሕ ሳዕ ቅኑዕን ኣስተውዓልን እኳ እንተ ዀነ፡ እናተፈለጦ ወይ ከይተፈለጦ በቲ ኻብቶም ሰብ ነገር ዚውሃቦ ህያብ ኪጽሎ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ህያብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ስምዒት እውን ኬዕውር ከም ዚኽእል ኣብ ሕጊ ኣምላኽ ተገሊጹ ኣሎ፣ ከምዚ ድማ ይብል፦ “ብፍርድኹም ኣይትዓምጹ። ንድኻ ኣይተዳሉ፡ ወይ ንሃብታም ኣብሊጽካ ኣይትርአ።” (ዘሌ 19:15) ስለዚ፡ ሓደ ዳኛ ብስምዒቱ ተደሪኹ ወይ ብብዙሓት ኪፍቶ ኢሉ፡ ንሃብታም ብምኽንያት ሃብቱ ጥራይ ሕማቕ ኪፈርዶ ኣይግባእን እዩ ነይሩ።—ዘጸ 23:2, 3።
it-2 511 ¶7
ቍጽሪ፡ ኣሃዝ
ክልተ። ቍጽሪ ኽልተ ብተደጋጋሚ ኣብ ሕጋዊ ጕዳይ ትርአ እያ። ክልተ መሰኻኽር ዚሰማማዕ ነገር እንተ ኣቕሪቦም፡ እቲ ምስክርነቶም ብዝያዳ ሓይሊ እዩ ዚህልዎ ነይሩ። ኣብ ቅድሚ ፈራዶ ነገር ንምቛም ክልተ ወይ ሰለስተ መሰኻኽር የድልዩ ነይሮም። ክርስትያናዊት ጉባኤ ነዚ ስርዓት እዚ ትስዕብ እያ። (ዘዳ 17:6፣ 19:15፣ ማቴ 18:16፣ 2ቈረ 13:1፣ 1ጢሞ 5:19፣ እብ 10:28) ኣምላኽ ንወዱ፡ ከም መድሓኒ ደቂ ሰብ ገይሩ ንሰባት ኬቕርበሎም ከሎ፡ ነዚ ስርዓት እዚ ስዒብዎ እዩ። ስለዚ ድማ የሱስ፡ “ኣብ ሕግኹም እውን፡ ‘ምስክርነት ክልተ ሰብ ሓቂ እዩ’ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ። ብዛዕባ ርእሰይ ዝምስክር ኣነ እየ፣ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ እውን ብዛዕባይ ይምስክር እዩ” ኢሉ ኣሎ።—ዮሃ 8:17, 18።
it-2 685 ¶6
ካህን
ካህናት ብቐዳምነት ሕጊ ኣምላኽ ናይ ምግላጽ ፍሉይ መሰል ነይርዎም እዩ፣ ኣብ ስርዓተ ፍርዲ እስራኤል እውን ዓብዪ ግደ ነይርዎም እዩ። ኣብተን ንኻህናት እተዋህባ ኸተማታት ነቶም ፈራዶ ይሕግዙ ነይሮም እዮም፣ ካብ ዓቕሚ እቶም ፈራዶ ዓዲ ዝሓለፈ ፍልይ ዝበለ ኣጸጋሚ ጕዳይ ኬጋጥም ከሎ ድማ፡ ምስቶም ፈራዶ ሓቢሮም የገልግሉ ነይሮም እዮም። (ዘዳ 17:8, 9) ሰብ እንተ ተቐቲሉ እሞ ቐታሊኡ እንተ ዘይተፈሊጡ፡ ካብታ ኸተማ ዕዳ ደም ንምውጋድ ምስቶም ዓበይቲ ዓዲ ዀይኖም ግቡእ ኣሰራርሓ ይስዕቡ ነይሮም እዮም። (ዘዳ 21:1, 2, 5) ሓደ ዝቐንአ ሰብኣይ ንሰበይቱ ብሕቡእ ከም ዝጠለመቶ እንተ ኸሲስዋ፡ ናብ መቕደስ ትውሰድ እሞ ንጽህቲ ወይ በዳሊት እንተ ዀይና የሆዋ ስለ ዚፈልጥ፡ እቲ ኻህን በቲ እተሰርዓሉ ስርዓት ኣቢሉ የሆዋ ብቐጥታ ኸም ዚፈርዳ ይገብር ነይሩ። (ዘሁ 5:11-31) ኣብ ኵሉ ጕዳያት፡ ብኻህናት ወይ ብእተሸሙ ፈራዶ ዚግበር ፍርዲ ይኽበር ነይሩ እዩ፣ ሓደ ሰብ ኰነ ኢሉ ነዚ እንተ ዘየኽቢሩ ወይ እንተ ዘይተኣዚዙ ግና፡ ብሞት እዩ ዚቕጻዕ ነይሩ።—ዘሁ 15:30፣ ዘዳ 17:10-13።
መንፈሳዊ ሃብቲ
it-1 787
ምውጻእ
ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ፡ ሓደ ሰብ ካብ ህዝቡ ኺምንቈስ እንተ ዀይኑ፡ እንተ ወሓደ ናይ ክልተ መሰኻኽር መርትዖ ኺህሉ ነይርዎ። (ዘዳ 19:15) ነቲ በዳሊ ብቐዳምነት እምኒ ዚድርብዩሉ ኸኣ እቶም መሰኻኽር እቲኦም እዮም ነይሮም። (ዘዳ 17:7) እዚ ድማ ንሕጊ ኣምላኽን ንንጽህና ጉባኤ እስራኤልን ቅንኣት ከም ዘለዎም የርኢ፣ ሰባት ብሓሶት ወይ ብሸለልትነት ወይ ብታህዋኽ ምስክርነት ከይህቡ እውን ይገትኦም ነይሩ።
26 ሓምለ–1 ነሓሰ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘዳግም 19-21
“ህይወት ሰብ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽብርቲ እያ”
ንፍትሕን ንምሕረትን የሆዋ ቕድሓየን
እተን ሽዱሽተ ኸተማታት ዕቝባ ብቐሊሉ ኽትበጽሐን ዚከኣላ እየን ነይረን። የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ፈለግ ዮርዳኖስ ሰሰለስተ ኸተማ ኼዳልዉ ኣዚዝዎም ነበረ። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ገይሩ፧ ሓደ ሃዲሙ ዝኸደ ሰብ ብቕልጡፍን ብዘይ ምንም ጸገምን ናብተን ከተማታት ዕቝባ ምእንቲ ኺበጽሕ እዩ። (ዘሁ. 35:11-14) ናብተን ከተማታት ዚወስድ መገድታት ብጽቡቕ ይተሓዝ ነበረ። (ዘዳ. 19:3) ብመሰረት መወከሲ ጽሑፋት ኣይሁድ ድማ፡ ነቶም ሃዲሞም ዚኸዱ ሰባት ኣንፈት ዚሕብሮም ዓንዲ ምልክት ኣብ በቦታኡ ይትከል ነይሩ እዩ። መሰናድዎ ኸተማታት ዕቝባ፡ ንሓደ ብዘይፍላጥ ህይወት ዘጥፍአ ሰብ ናብ ዓዲ ጓና ኸይከይድ እሞ፡ ኣብኡ ብናይ ሓሶት ኣምልኾ ኸይፍተን ዚሕግዝ እዩ ነይሩ።
ንፍትሕን ንምሕረትን የሆዋ ቕድሓየን
ቀንዲ ዕላማ እተን ከተማታት ዕቝባ፡ ንእስራኤላውያን ካብ ዕዳ ደም ንምዕቋብ እዩ ነይሩ። (ዘዳ. 19:10) የሆዋ፡ ህይወት ይፈቱ እዩ፣ “ንጹህ ደም ዜፍስሳ ኣእዳው” ድማ ይጸልእ እዩ። (ምሳ. 6:16, 17) ፍትሓውን ቅዱስን ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ከይተሓስበ ንዚፍጸም ምፍሳስ ደም እውን እንተ ዀነ፡ ዕሽሽ ኣይብሎን እዩ። ሓቂ እዩ፡ ብዘይፍላጥ ህይወት ዜጥፍእ ሰብ፡ ምሕረት ይረክብ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ፈለማ ጕዳዩ ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ኺገልጽ የድልዮ ነበረ። እቲ ቕትለት ብዘይፍላጥ ከም ዝፈጸሞ እንተ ተፈሪዱሉ ድማ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ክሳዕ ዚመውት ኣብታ ኸተማ ዕቝባ ኪቕመጥ ነበሮ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ምናልባት እውን ምሉእ ህይወቱ ኣብኣ ኺነብር ይግደድ ነይሩ እዩ። እዚ መሰናድዎ እዚ፡ ንዅሎም እስራኤላውያን፡ ህይወት ሰብ ክሳዕ ክንደይ ቅድስቲ ምዃና ኺግንዘቡ ሓጊዝዎም እዩ። ነቲ ወሃብ ህይወት ምእንቲ ኬኽብርዎ፡ ንህይወት ብጻዮም ኣብ ሓደጋ ኼእቱ ኻብ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ኪርሕቁ የድልዮም ነይሩ እዩ።
it-1 344
ደም
ሰብ ህይወቱ ኻብ ኣምላኽ ስለ ዚውሃቦ፡ ብህይወት ናይ ምንባር መሰል ኣለዎ፣ ህይወት ሰብ ዘጥፍአ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተሓታቲ ይኸውን እዩ። ኣምላኽ ነቲ ንሓዉ ዝቐተለ ቃየል፡ “ደም ሓውካ ኻብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ ኣሎ” ኺብሎ ኸሎ፡ እዚ ተራእዩ እዩ። (ዘፍ 4:10) ንሓዉ ዚጸልእ እሞ ሞቱ ዚምነ ሰብ፡ ወይ ከኣ ንሓዉ ዚሓሚ ወይ ብሓሶት ዚምስክረሉ እሞ ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ሰብ፡ ብደም ብጻዩ ገበነኛ እዩ ዚኸውን።—ዘሌ 19:16፣ ዘዳ 19:18-21፣ 1ዮሃ 3:15።
መንፈሳዊ ሃብቲ
it-1 518 ¶1
ቦታ ፍርዲ
ፈራዶ ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ እዮም ዚቕመጡ ነይሮም። (ዘዳ 16:18፣ 21:19፣ 22:15, 24፣ 25:7፣ ሩት 4:1) “ኣፍ ደገ” ኺብሃል ከሎ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኸተማ ጥቓ ኣፍ ደገ ዘሎ ኽፉት ቦታ እዩ ዜመልክት። ኣብ ኣፍ ደገ ድማ፡ ንእኩባት ህዝቢ ሕጊ ይንበብ፡ ስርዓት እውን ይእወጅ ነይሩ እዩ። (ነህ 8:1-3) ኣብ ኣፍ ደገ ንኸም መሸጣ ንብረትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ጕዳያትን ዚዀኑ መሰኻኽር ንምርካብ ቀሊል እዩ ነይሩ፣ ስለምንታይሲ ብዙሓት ሰባት ብኣፍ ደገ ምውጻኦም ወይ ምእታዎም ዘይተርፍ እዩ ነይሩ። ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ፍርዲ ኺውሃብ ከሎ ብሓፋሽ ስለ ዚፍለጥ፡ ነቶም ፈራዶ ኣብ ኣሰራርሓኦም ኰነ ኣብ ውሳነኦም ሓለይትን ፍትሓውያንን ኪዀኑ ጽልዋ የሕድረሎም ነይሩ እዩ። ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ፡ ፈራዶ ብግቡእ ዚዓይዩሉ ቦታ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። (እዮ 29:7) ብዘይካዚ፡ ሳሙኤል ናብ ቤት-ኤልን ጊልጋልን ሚጽጳን ብዙር ይጕዓዝ ነይሩ እዩ፣ “ኣብ ኵለን እዘን ቦታታት እዚአን ድማ ንእስራኤል ይፈርድ” ነይሩ እዩ፣ ቤቱ ኣብ ራማ ስለ ዝነበረት እውን፡ ኣብኣ ይፈርድ ነይሩ እዩ።—1ሳሙ 7:16, 17።
2-8 ነሓሰ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘዳግም 22-23
“የሆዋ ንእንስሳታት ከም ዚሓሊ እቲ ሕጊ ብኸመይ የርኢ፧”
it-1 375-376
ጾር
ብግዜ ጥንቲ፡ እንስሳታት ጽዕነት ንምጻር የገልግሉ ነይሮም እዮም፣ እስራኤላውያን ከኣ ኣድጊ ጸላኢኦም ኣብ ትሕቲ ጽዕነቱ ወዲቑ እንተ ርእዮም፡ ዕሽሽ ኣብ ክንዲ ዚብልዎ፡ “ጽዕነቱ ንምእላይ” ኪሕግዝዎ ትእዛዝ ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ። (ዘጸ 23:5) ሓደ እንስሳ ኺስከሞ ዚኽእል መጠን፡ ጽዕነት ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ ነይሩ፣ ንኣብነት፡ “ክልተ ጽዕነት በቕሊ” እተባህለሉ ኣጋጣሚ ኣሎ።—2ነገ 5:17።
it-1 621 ¶1
ዘዳግም
ኣብ መጽሓፍ ዘዳግም፡ ንእንስሳታት ሓልዮት ኪግበረሎም ከም ዚግባእ እውን ተገሊጹ ኣሎ። ሓንቲ ኣብ ሰፈራ ዘላ ዑፍ ብባህረት ንጨቓዊታ ወይ ንእንቋቝሖኣ ኽትከላኸል ኢላ ንሓደጋ ስለ እትቃላዕ፡ እስራኤላውያን ንዓኣ ኸይወስዱ ትእዛዝ ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ። ነታ ዑፍ ሓዲጎም፡ ንጨቓዊታ ኺወስዱ እዩ ተፈቒዱሎም ነይሩ። በዚ ኸምዚ፡ እታ ኣደ ኻልኦት ጨቓዊት ምእንቲ ኸተዕቢ ናጻ ትስደድ ነይራ። (ዘዳ 22:6, 7) ሓረስታይ፡ ኣድግን ብዕራይን ብሓደ ጸሚዱ ኺሓርስ ኣይፍቀደሉን እዩ ነይሩ፣ እዚ ትእዛዝ እዚ እተዋህበ ድማ ነቲ ዝደኸመ እንስሳ ምእንቲ ኸይጐድኦ ተባሂሉ እዩ። (22:10) ኣፍ እቲ ዜኽይድ ብዕራይ ከይእሰር እውን ትእዛዝ ተዋሂቡ ነይሩ እዩ፣ ስለምንታይሲ፡ እቲ ብዕራይ ኣብ ጥቓኡ እኽሊ እናሃለወ፡ ነቲ እኽሊ ኬኽይድ ኢሉ እውን ጕልበቱ እናወድአ ኽነሱ፡ ብጥሜት ምእንቲ ኸይሳቐ ተባሂሉ እዩ።—25:4።
“ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ”
ኣብዚ ስእሊ እዚ ኸም እትርእዮ፡ እዞም ብሓንሳእ ተቘሪኖም ዝሓርሱ ዘለዉ ገመልን ብዕራይን ፈጺሙ ኸም ዘይመሽኦም ፍሉጥ እዩ። እቲ ንኽልቲኦም ቘሪንዎም ዘሎ ኣርዑት ንኽልተ ሓደ ዓይነት ግዝፍን ብርታዐን ዘለዎም እንስሳታት እተሰርሐ ብምዃኑ ንኽልቲኦም እዩ ዘሳቕዮም ዘሎ። ኣምላኽ ብዛዕባ ኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ እንስሳታት ስለ ዝሓሊ፡ ንእስራኤላውያን “ብዕራይን ኣድግን ብሓደ ጸሚድካ ኣይትሕረስ” በሎም። (ዘዳግም 22:10) እዚ ስርዓት እዚ ኣብ ብዕራይን ገመልን እውን ክውዕል ይኽእል እዩ።
ሓደ ሓረስታይ ንእንስሳታቱ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገም ኣየእትዎምን እዩ። እንተዀነ ግን፡ ክልተ ኣብዑር እንተ ዘይብሉ፡ ነቶም ዘለዉዎ ኽልተ እንስሳታት ብሓንሳእ ይቘርኖም ይኸውን። እዚ ኣብዚ ስእሊ እዚ ዝርአ ዘሎ ኣብ መበል 19 ዘመን ዝነበረ ሓረስታይ ከምዚ እዩ ገይሩ። ኣብ ግዝፎም ኰነ ኽብደቶም ፍልልይ ስለ ዘለዎም ግን እቲ ዝሓመቐ እንስሳ ማዕረ ማዕረ እቲ ዝበርትዐ እንስሳ ንኽስጕም ይሽገር እዩ፡ እቲ ዝበርትዐ ኸኣ ዝያዳ ጾር እዩ ዝጸውር።
መንፈሳዊ ሃብቲ
it-1 600
ዕዳ፡ ብዓል ዕዳ
ዕዳ ነቲ ኽትከፍሎ ዚግባእ ነገር ወይ ኣሰያኡ ኽትህበሉ ዚግባእ እትእወዶ ነገር የመልክት። ኣብ ናይ ጥንቲ እስራኤል፡ ዕዳ ብቐዳምነት ብሰንኪ ንድየት እዩ ዜጋጥም ነይሩ። ንሓደ እስራኤላዊ ብዓል ዕዳ ምዃን፡ ሕማቕ ነገር እዩ ነይሩ፣ እቲ ተለቃሒ ጊልያ ኣለቃሒ እዩ ዚኸውን ነይሩ። (ምሳ 22:7) ስለዚ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ፡ ብጸበባ እቶም እተሸገሩ እስራኤላውያን መኽሰብ ኪረኽቡ ኢሎም ወለድ ከየኽፈሉ ብልግስን ብዘይስስዐን ኬለቅሕዎም እዩ ዚንገሮም ነይሩ። (ዘጸ 22:25፣ ዘዳ 15:7, 8፣ መዝ 37:26፣ 112:5) ንጓኖት ግና ወለድ ኬኽፍሉ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። (ዘዳ 23:20) ኣይሁዳውያን ወሃብቲ ርእይቶ፡ ነዚ መሰናድዎ እዚ ንናይ ንግዲ ልቓሕ ደኣ እምበር፡ ንእተሸገረ ሰብ ኣብ እተለቅሓሉ እዋን ከም ዘይምልከት ገይሮም እዮም ዚርድእዎ። ተራ ጓኖት፡ መብዛሕትኦም ነጋዶ፡ ኣብ እስራኤል ንግዜኡ ጥራይ እዮም ዚጸንሑ ነይሮም፣ ንሳቶም እውን ንኻልእ ብወለድ ስለ ዜለቅሑ፡ ወለድ ኪኸፍሉ ትጽቢት እንተ ተገብረሎም ግቡእ እዩ ነይሩ።
9-15 ነሓሰ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘዳግም 24-26
“የሆዋ ንኣንስቲ ኸም ዚሓልየለን እቲ ሕጊ ብኸመይ የርኢ፧”
it-2 1196 ¶4
ሰበይቲ
ሓድሽ እተመርዓወ ሰብኣይ ንሓደ ዓመት ንውግእ ዘይከይድ ብምንባሩ፡ ሕግታት ውግእ እውን እንተ ዀነ፡ ንሰበይቲ ዀነ ንሰብኣይ ሓልዮት የርኢ ነይሩ እዩ። እዚ ኸኣ ነቶም ሰብ ሓዳር ውሉድ ኪወልዱ ኣጋጣሚ ይህቦም ነይሩ እዩ፣ በዚ ኸምዚ፡ እቲ ሰብኣይ ምስ ከደ፡ ዝገደደ ኸኣ ኣብ ውግእ ምስ ዚመውት፡ እታ ኣደ በዚ ብዙሕ እያ እትጸናናዕ ነይራ።—ዘዳ 20:7፣ 24:5።
it-1 963 ¶2
ቅረማ
እዚ ንድኻታት እታ ምድሪ እተገብረ ጽቡቕ መሰናድዎ እዚ፡ ልግስን ሕያውነትን ኣብ በረኸት የሆዋ ዚህሉ እምነትን ዜተባብዕ እኳ እንተ ነበረ፡ ትህኪት ግና ጠሪሱ ኣየተባብዕን እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ነቲ ዳዊት፡ “ጻድቕ ተሓዲጉ፡ ዘርኡ ኸኣ እንጌራ ኼናድዩ ኣይረኣኹን” ኢሉ ዝጸሓፎ ነገር የነጽረልና እዩ። (መዝ 37:25) እቶም ድኻታት እኳ ኸይተረፉ በቲ ብሕጊ ሙሴ እተሰርዓሎም መሰናድዎን ብትግሃቶምን ተጠቒሞም ጠሪሶም ኣይጠምዩን እዮም ነይሮም፣ ንሳቶም ኰኑ ደቆም እውን እንጌራ ኣይልምኑን እዮም ነይሮም።
ትፈልጥዶ፧
ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ ሓደ ሰብኣይ ወዲ ኸይወለደ እንተ ሞይቱ፡ ሓዉ ነታ መበለት ዝዀነት ሰበይቲ ሓዉ ኺምርዓዋ ነበሮ፣ እዚ ኸኣ መስመር ወለዶ እቲ ምዉት ንኪቕጽል ዚሕግዝ ውሉድ ንኺውለድ የኽእል ነበረ። (ዘፍጥረት 38:8) እዚ ስርዓት እዚ ኸኣ፡ ጸኒሑ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጠቓለለ። (ዘዳግም 25:5, 6) እቲ ኣብ መጽሓፍ ሩት ተጠቒሱ ዘሎ ቦኣዝ ዝወሰዶ ስጕምቲ ኸም ዚሕብሮ፡ ኣሕዋት እቲ ምዉት ብህይወት እንተ ዘየልዮም፡ ካልኦት ሰብኡት ዝዀኑ ኣዝማዱ ነቲ ሓላፍነት እቲ ይስከምዎ ነበሩ።—ሩት 1:3, 4፣ 2:19, 20፣ 4:1-6።
እቲ ኣብ ማርቆስ 12:20-22 ተመዝጊቡ ዘሎ ሰዱቃውያን እተዛረብዎ ሓሳብ፡ እቲ ስርዓት እቲ ብግዜ የሱስ እውን ከም ዝነበረ ዚሕብር እዩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ፍላቭየስ ጆሰፈስ ዝስሙ ጸሓፍ ታሪኽ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ስርዓት እቲ ንስም ስድራ ቤት እቲ ምዉት ይዕቅብ ነይሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንብረቱ ንስድራ ቤቱ ንኪኸውንን እታ መበለት ዚኣልያ ንኽትረክብን ዚሕግዝ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሰበይቲ፡ ርስቲ ሰብኣያ ኽትወርስ መሰል ኣይነበራን። ካብ ሓሙታ ዝወለደቶ ውሉድ ግን፡ ርስቲ እቲ ምዉት ኪወርስ ይኽእል ነበረ።
መንፈሳዊ ሃብቲ
it-1 640 ¶5
ፍትሕ
ጽሑፍ መፍትሒ። ካብቲ ደሓር ዝሰዓበ ህስያታት ተላዒልና፡ ሕጊ ሙሴ ፍትሕ ምፍቃዱ፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኺፈትሓ ኸም ዘቕለለሉ ጌርና ኽንድምድም የብልናን። ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቱ ንምፍታሕ፡ ወግዓዊ ስጕምትታት ኪወስድ ነይርዎ። “ጽሑፍ መፍትሒኣ ጽሒፉ ኣብ ኢዳ ይሃባ፡ ካብ ቤቱ ኸኣ ይስደዳ” ዚብል መምርሒ ኪኽበር ነይርዎ። (ዘዳ 24:1) ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እዚ ተወሳኺ ዝርዝር እኳ እንተ ዘይሃበ፡ እዚ ሕጋዊ ስጕምቲ እዚ ስልጣን ንዘለዎም ሰባት ምምኻር ዜጠቓልል ዝነበረ እዩ ዚመስል፣ ንሳቶም ከኣ ብቐዳምነት ኬተዓርቕዎም እዮም ዚጽዕሩ ነይሮም። ነቲ ጽሑፍ ንምድላውን ነቲ ፍትሕ ብሕጊ ንምፍጻምን ዜድሊ ግዜ ድማ፡ ነቲ ዚፈትሕ ሰብኣይ ንውሳነኡ ዳግም ኪሓስበሉ ዕድል ይህቦ ነይሩ እዩ። ንፍትሕ ዚኸውን መሰረት የድሊ ነይሩ እዩ፣ እቲ ስርዓት ብግቡእ ኣብ ዚሕለወሉ ዅነት ኸኣ፡ ብሃወኽ ንዚግበር ፍትሕ ዜተባብዕ ኣይነበረን። መሰላትን ጥቕምታትን እታ ሰበይቲ እውን ይሕሎ ነይሩ እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ንትሕዝቶ “ጽሑፍ መፍትሒ” ኣይገልጽን እዩ።
16-22 ነሓሰ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘዳግም 27-28
“ኵሉ እዚ በረኸት እዚ ኼርክበካ እዩ”
በቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምራሕ ንጉስ ኣቢልካ በረኸት ዕጸድ!
ምስማዕ ኪበሃል ከሎ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስን ነቲ ኣምላኽ ዜዳልዎ መንፈሳዊ ምግብን ኣብ ልብኻ ምሕዳር የጠቓልል። (ማቴ. 24:45) ንኣምላኽን ንወዱን እዙዝ ምዃን እውን ይሓቍፍ። የሱስ፡ “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ እምበር፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ዚብለኒ ዅሉ፡ መንግስተ ሰማያት ዚአቱ ኣይኰነን” በለ። (ማቴ. 7:21) ስለዚ፡ ንኣምላኽ ምስማዕ ኪበሃል ከሎ፡ ነቲ ንሱ ዝገበሮ መሰናድዎ፡ ማለት ነታ “ውህበት” ሰብኡት ዝሓዘት ክርስትያናዊት ጉባኤ ብፍታው ተገዛኢ ምዃን ማለት እዩ።—ኤፌ. 4:8።
በረኸት የሆዋ ክረኽበካ ድዩ፧
እታ ኣብ ዘዳግም 28:2 “ሰሚዕካ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ግሲ፡ ንቐጻሊ ተግባር ኢያ እተመልክት። ህዝቢ የሆዋ ሳሕቲ ጥራይ ኣይኰኑን ክሰምዕዎ ዘለዎም፡ ኣብ ብምሉኡ ናብራ ህይወቶም ክሰምዕዎ ኣለዎም። ሽዑ ጥራይ ኢዩ መለኮታዊ በረኸት ክረኽቦም ዝኽእል። እታ ኣብዚ “ኪረኽበካ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ግሲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሃድን እትውዕል ቃል ኰይና “ኸርክበካ” ወይ “ክበጽሓካ” ዝብል ትርጕም ዝሓዘት ኢያ።
በረኸት የሆዋ ኻብ ልቢ ድለ
እስራኤላውያን ብምንታይ ተደሪኾም እዮም ኪእዘዙ ነይርዎም፧ ሕጊ ኣምላኽ፡ እቶም ህዝቢ ‘ባህ ኢልዎም ብጽቡቕ ልቢ’ እንተ ዘይተኣዚዞም፡ የሆዋ ኸም ዘይሕጐስ ይገልጽ ነበረ። (ዘዳግም 28:45-47 ኣንብብ።) ንየሆዋ ኻብቲ እንስሳታት ወይ ኣጋንንቲ ተገዲዶም ዜርእይዎ ተኣዛዝነት ብእተፈልየ መገዲ ኽንእዘዞ ይግባእ። (ማር. 1:27፣ ያእ. 3:3) ከመይሲ፡ ንዕኡ ኻብ ልቢ ምእዛዝ፡ መግለጺ ፍቕሪ እዩ። ትእዛዛት የሆዋ ኸቢድ ከም ዘይኰነን “ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን” ብምእማን ዚርከብ ሓጐስ እውን የጠቓልል።—እብ. 11:6፣ 1 ዮሃ. 5:3።
መንፈሳዊ ሃብቲ
it-1 360
ምልክት ዶብ
ሕጊ የሆዋ፡ ምልክት ዶብ ምግዓዝ ይኽልክል ነይሩ እዩ። (ዘዳ 19:14፣ ምሳ 22:28 እውን ርአ።) “ምልክት ዶብ ብጻዩ ዜግዕዝ ርጉም ይኹን” እውን ተባሂሉ ነይሩ እዩ። (ዘዳ 27:17) ወነንቲ መሬት ብፍርያት ግራውቶም ይናበሩ ስለ ዝነበሩ፡ ምልክት ዶብ ምግዓዝ ነቲ ሰብ ገለ ኻብቲ ንመነባብሮኡ ዜድልዮ ነገር ከም ምምንዛዕ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። ብግዜ ጥንቲ፡ ከምዚ ምግባር፡ ማዕረ ስርቂ እዩ ዚርአ ነይሩ። (እዮ 24:2) ኰይኑ ግና፡ በዚ ተግባር እዚ በደለኛታት ዝዀኑ ስርዓት ዘይብሎም ሰባት ነይሮም እዮም፣ ብግዜ ሆሴእ ዝነበሩ መሳፍንቲ ይሁዳ ድማ ከምቶም ዶብ ዜግዕዙ ተባሂሎም ኣለዉ።—ሆሴ 5:10።
23-29 ነሓሰ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘዳግም 29-30
“ንየሆዋ ምግልጋል ከቢድ ኣይኰነን”
የሆዋ ምርጫ ሂቡና
ኣምላኽ ካባና እንታይ ብቕዓት ከም ዝደሊ ኽንፈልጥን ምስ ፈለጥና ኸኣ ክንገብሮን ኣጸጋሚ ድዩ፧ ሙሴ፡ “እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛት፡ ንኣኻ ኣዝዩ ዚሽግርን ካባኻ ዝረሐቐን ኣይኰነን” በለ። (ቍጽሪ 11) የሆዋ ዘይክኣል ነገር ኣይሓትትን እዩ። እቲ ዚሓቶ ብቕዓታት ርትዓውን ኪብጻሕ ዚከኣልን እዩ። እንታይ ምዃኑ እውን ዚፍለጥ እዩ። ኣምላኽ ካባና እንታይ ብቕዓት ከም ዚሓትት ንምፍላጥ “ናብ ሰማይ” ክንድይብ ወይ “ባሕሪ” ኽንሳገር ኣየድልየናን እዩ። (ቍጽሪ 12, 13) መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ክንነብር ከም ዘሎና ኣነጺሩ ይነግረና እዩ።—ሚክያስ 6:8።
የሆዋ ምርጫ ሂቡና
“ንየሆዋ እምንቲ ኸይከውን እኽእል እየ ዚብል ዘይርትዓዊ ፍርሂ ነበረኒ።” ሓንቲ ክርስትያን፡ ቈልዓ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብዘጋጠማ ሕማቕ ተመክሮ ዘይትረብሕ ኰይኑ ስለ እተሰምዓ እያ ኸምኡ ዝበለት። ብሓቂ ግን ከምኡ ድዩ፧ ብሓቂዶ ናብራ ህይወትና ብዅነታት እዩ ዚውሰን፧ ኣይፋሉን። የሆዋ ኣምላኽ ናይ ምምራጽ ናጽነት ስለ ዝሃበና፡ ብኸመይ ክንነብር ከም ዘሎና ባዕልና ኽንውስን ንኽእል ኢና። የሆዋ ቕኑዕ ምርጫታት ክንገብር ይደልየና እዩ፡ እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ከመይ ጌርና ኸምኡ ኸም እንገብር ይነግረና እዩ። ነቲ ኣብ ዘዳግም ምዕራፍ 30 ዚርከብ ቃላት ሙሴ እስከ ንመርምር።
የሆዋ ምርጫ ሂቡና
ምርጫና ንየሆዋ የገድሶ ድዩ፧ እወ፡ የገድሶ እዩ። ሙሴ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ “ህይወት ሕረ” በለ። (ቍጽሪ 19) ከመይ ጌርና ኢና ግን ህይወት ክንሓሪ እንኽእል፧ ሙሴ፡ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣፍቅሮ፡ ቃሉ ድማ ስማዕ ናብኡውን ልገብ” ኢሉ ገለጸ። (ቍጽሪ 20) ንየሆዋ ነፍቅሮ እንተ ዄንና፡ ዝመጸ ይምጻእ ብዘየገድስ፡ ብተኣዛዝነት ክንሰምዖን ብተኣማንነት ናብኡ ኽንለግብን ኢና እንደሊ። በዚ ኸምዚ ጥራይ ኢና ህይወት ክንሓሪ እንኽእል፣ እዚ ህይወት እዚ ኸኣ እቲ ዝበለጸ መገዲ ህይወት ኰይኑ ኣብታ ኣምላኽ ዘተስፈዋ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ንምንባር ዜኽእል እዩ።—2 ጴጥሮስ 3:11-13፣ 1 ዮሃንስ 5:3።
መንፈሳዊ ሃብቲ
it-1 665 ¶3
እዝኒ
የሆዋ ብገላዉኡ ኣቢሉ ብዛዕባ እቶም ነቓጻትን ዘይእዙዛትን እስራኤላውያን፡ ‘ዘይተገዝራ ኣእዛን’ ከም ዘለዋኦም ተዛሪቡ እዩ። (ኤር 6:10፡ እ.ጽ.፣ ግብ 7:51) ኣእዛኖም ከም እተዓብሳ እየን ኰይነን ነይረን። የሆዋ ንኣእዛኖም ኣይከፈተንን፣ ስለምንታይሲ፡ ንሱ ንዚደልይዎ ዘበሉ ኣእዛኖም ከም ዚርድኣን ከም ዚእዘዛን ይገብር፡ ንዘይእዙዛት ግና መንፈሳውያን ኣእዛኖም ኪድንዝዛ ይፈቅድ እዩ። (ዘዳ 29:4፣ ሮሜ 11:8) ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ንናይ ሓቂ እምነት ዚኽሕዱሉ፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ድማ ኪሰምዑ ዘይደልዩሉ፡ የግዳስ ንዓታቶም ባህ ዜብሎም ነገር ብምስማዕ ኣእዛኖም “ዚዅርኵዑሎም” ናይ ሓሶት መምህራን ዚደልዩሉ እዋን ከም ዚመጽእ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (2ጢሞ 4:3, 4፣ 1ጢሞ 4:1) ብተወሳኺ፡ ሓደ ሰብ ዜሰምብድ ወረ ብምስማዑ፡ ምናዳ ኸኣ መዓት ብምስማዑ፡ ኣእዛኑ “ጸላዕላዕ” ኪብሎ ይኽእል እዩ።—1ሳሙ 3:11፣ 2ነገ 21:12፣ ኤር 19:3።
30 ነሓሰ–5 መስከረም
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘዳግም 31-32
“ካብቲ ኣብቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ መዝሙር ዚርከብ ስእላዊ ዘረባ ተምሃር”
“ስምካ ኽፈርህሲ፡ ንልበይ ሓደ ግበረለይ”
እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ቐቅድሚ ምእታዎም፡ የሆዋ ንሙሴ ቃላት መዝሙር መሃሮ። (ዘዳ. 31:19) ሙሴ ድማ ብተራኡ ነቶም ህዝቢ ኺምህሮም ነበሮ። (ዘዳግም 32:2, 3 ኣንብብ።) ንፍቕዲ 2ን 3ን ከነስተንትነለን ከለና፡ የሆዋ ንስሙ ሕቡእ ኪገብሮ ኸም ዘይደሊ፡ ማለት እምብዛ ቕዱስ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ከይተጸውዐ ኺተርፍ ከም ዘይደሊ ንጹር ይዀነልና እዩ። ኵሎም መስተውዓልቲ ፍጡራት ንስሙ ኺፈልጥዎ ይደልዮም እዩ! ህዝቢ እስራኤል ካብ ሙሴ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ኽቡር ስሙን ኪምሃሩ ምኽኣሎምሲ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ ኣጋጣሚ ዀን እዩ ነይሩ! እቲ ሙሴ ዝመሃሮም ነገር ከምቲ ኣብ ኣትክልቲ ብህድኣት ዚዘንም ዝናም ኣደልዲልዎምን ኣሐዲስዎምን እዩ። ንሕና ደኣ ትምህርትና ኸምኡ ኸም ዚኸውን ከመይ ጌርና ኸነረጋግጽ ንኽእል፧
ኣብ በቤት እናኸድና ወይ ብግህዶ ኸነገልግል ከለና፡ የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ከም ዝዀነ ንሰባት ካብ መጽሓፍ ቅዱስና ኸነርእዮም ንኽእል ኢና። ንስም የሆዋ ዜኽብር ጽቡቕ ጽሑፋትን ብሉጽ ቪድዮታትን ኣብ ወብሳይትና ዚርከብ ሓበሬታን ከነቕርበሎም ንኽእል ኢና። ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ትምህርቲ፡ ወይ ኣብ መገሻ፡ ብዛዕባ እቲ ፈቃር ኣምላኽናን ብዛዕባ ባህርያቱን ንምዝራብ ኣጋጣሚታት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ነቶም እንረኽቦም ሰባት ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንደቂ ሰብን ንምድርን ዘለዎ ፍቕራዊ ዕላማ ኽንነግሮም ከለና፡ ብዛዕባ የሆዋ ጠሪሶም ሰሚዖምዎ ዘይፈልጡ ሓበሬታ ንህቦም ንህሉ ንኸውን። ብዛዕባ እቲ ፈቃር ኣቦና ዚገልጽ ሓቂ ኽንነግር ከለና፡ ንምቕዳስ ስም ኣምላኽ ንውስኸሉ ኢና። እቲ ብዛዕባ የሆዋ ተማሂሮምዎ ዝነበሩ ነገራት ድማ፡ ሓሶትን ጸለመን ምዃኑ ነረድኦም ኢና። ሕጂ ኻብ ዚርከብ ዘበለ ልዕሊ ዅሉ እምነት ዜደልድልን መንፈስ ዜሐድስን ትምህርቲ ኸኣ ነቕርብ ኢና።—ኢሳ. 65:13, 14።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስእላዊ ዘረባ ይርድኣካዶ፧
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንየሆዋ ምስ ህይወት ዘይብሉ ነገራት እውን የመሳስሎ እዩ። ንኣብነት፡ ከም “ከውሒ እስራኤል፡” ከም “ከውሒ፡” ከምኡውን ከም “ዕርዲ” ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። (2 ሳሙኤል 23:3፣ መዝሙር 18:2፣ ዘዳግም 32:4) እዚ ምስ የሆዋ እንታይ ተመሳሳልነት እዩ ዘለዎ፧ ከምቲ ዓብዪ ኸውሒ ጽኑዕን ዘይነቓነቕን ዝዀነ፡ የሆዋ ኣምላኽ ከኣ ንዓኻ ዜተኣማምን ምንጪ ዕቝባ ኪዀነካ ይኽእል እዩ።
ንውሉዳትካ ኸተለማምዶም ከሎኻ ንየሆዋ ምሰሎ
የሆዋ ምስ እስራኤላውያን ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ርክብ ዘርኣዮ ፍቕሪ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ሙሴ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ነቶም ተመክሮ ዘይነበሮም ህዝቢ እስራኤል ዘርኣዮ ፍቕሪ ንምግላጽ ብቑዕ ምምስሳል ተጠቒሙ ኣሎ። ከምዚ ኸኣ በለ፦ “ንስሪ ጨጨውቱ ኸም ዜንፍር ኣብ ልዕሊኦም ከኣ ከም ዚዝምቢ፡ ኣኽናፉ ዘርጊሑ ወሰዶ፡ ኣብ ከነቲቱ ኸኣ ጾሮ። እግዚኣብሄር በይኑ [ንያእቆብ] መርሖ።” (ዘዳግም 32:9, 11, 12) ሓንቲ ንስሪ ንጨጨውታ ‘ምንፋር’ ምእንቲ ኽትምህሮም ኣብ ጥቓኦም ኰይና ኣኽናፋ ተንገብግብ። ሓደ ጫቚት ካብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዓቢ ከውሒ ዝርከብ ሰፈር ንስሪ ምስ ዝንቈት እታ ኣደ ኣብ ልዕሊ እቲ ጫቚት ኰይና ‘ትዝንቢ።’ እቲ ኽነፍር ዝጀመረ ጫቚት ኣብ መሬት ዝወድቕ እንተድኣ መሲሉ ተወንጪፋ ብትሕቲኡ ብምንፋር ‘ኣብ ክንቲታ ትጾሮ።’ የሆዋ እውን ነቶም ተመክሮ ዘይነበሮም ህዝቢ እስራኤል ብኸምኡ ዝኣመሰለ ፍቕራዊ መገዲ ሓልዮቱ ኣርእይዎም ኢዩ። ሕጊ ሙሴ ሃቦም። (መዝሙር 78:5-7) ሽግር ከጋጥሞም ከሎ ምእንቲ ኸዕቕቦም ድማ ይቋመቶም ነበረ።
መንፈሳዊ ሃብቲ
ካብ ኦሪት ዘዳግም ዚጐልሕ ነጥብታት
31:12 ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ንኣሽቱ ምስ ዓበይቲ ኾፍ ኢሎም ኪሰምዑን ኪመሃሩን ኣለዎም።