ኤሁድ—ናይ እምነትን ትብዓትን ሰብ
ካብቲ እስራኤላውያን እግሮም ንምድሪ ተስፋ ዝረገጸትሉ ግዜ ብዙሕ ዓመታት ሓሊፉ ነበረ። ሙሴን እቲ ንዕኡ ዝተክአ እያሱን ካብ ዝሞቱ ድማ ነዊሕ ኰይኑ ነበረ። እዞም ከምዚኦም ዝበሉ ናይ እምነት ሰብኡት ኣብ ዘይነበርሉ ግዜ ኸኣ ኢዩ ነቲ ጽሩይ ኣምልኾ ሞሳ ምርኣይ ኣንቈልቊሉ ዝነበረ። እስራኤላውያን ንበዓላትን ኣስታርቴታትን እውን ከይተረፉ ከገልግሉ ጀሚሮም ነበሩ።a ከም ሳዕቤን ናይዚ ኸኣ: የሆዋ ንህዝቡ ንሸሞንተ ዓመታት ኣብ ኢድ ሶርያውያን ኣሕሊፉ ሃቦም። ድሕርዚ እስራኤላውያን ሓገዝ ደልዮም ናብ ኣምላኽ ኣእወዩ። ንሱ ኸኣ ካብ ምሕረት እተላዕለ: ሰምዖም። የሆዋ ህዝቡ ንኸድሕን ዖትኒኤል ዝበሃል መስፍን ኣተንስአ።—መሳፍንቲ 3:7-11.
እዚ ፍጻመታት እዚ ንእስራኤላውያን ሓደ መሰረታዊ ሓቂ—ንየሆዋ ምእዛዝ በረኸት ከም ዘምጽእ: ዘይምእዛዝ ግን መርገም ከም ዘስዕብ—ክምህሮም ነበሮ። (ዘዳግም 11:26-28) ይኹን እምበር: ህዝቢ እስራኤል ነዚ ትምህርቲ እዚ ካብ ምስማዕ ሰኒፎም ኢዮም። ን40 ዓመታት ብሰላም ድሕሪ ምንባሮም ከኣ: እንደገና ነቲ ጽሩይ ኣምልኾ ጠንጠንዎ።—መሳፍንቲ 3:12
ኣብ ኢድ ሞኣብ ምውዳቕ
ኣብዚ ግዜ እዚ የሆዋ ህዝቡ ኣብ ኢድ ዔግሎን ንጉስ ሞኣብ ክወድቁ ኣፍቀደ። መጽሓፍ ቅዱስ: እቲ ንጉስ “ኣዝዩ ኸሪሹ” ከም ዝነበረ ይገልጽ። ዔግሎን ብሓገዝ ደቂ ኣሞንን ኣማሌቅን: ንደቂ እስራኤል ኣጥቀዖም እሞ: ቤተ-መንግስቱ ኸኣ ኣብታ ‘ከተማ ተምሪ’ ዝዀነት ያሪኮ ገበረ። እታ ደቂ እስራኤል ዝሓዝዋ ቀዳመይቲ ከንኣናዊት ከተማ ሕጂ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ንኬሞሽ ናይ ሓሶት ኣምላኽ ዘምልኽ ሰብ ክትከውንሲ ኣየ ከመይ ዝበለ ስግንጢር ኰን ኢዩ!b—መሳፍንቲ 3:12, 13, 17
ዔግሎን ንእስራኤላውያን ብርግጽ ሓፍ ዘይብል ግብሪ ብምጽዓን ን18 ዓመታት ገዚእዎም ኢዩ። ሞኣብ በብግዚኡ ክኽፈል ዘለዎ ግብሪ ብምሕታት: ንሃብቲ እስራኤል እናጓሕጐሐት ቁጠባዊ ሰረታ ኣደልደለት። ህዝቢ ኣምላኽ ሓገዝ ደልዮም ምእዋዮም ርዱእ ኢዩ ነይሩ: የሆዋ ኸኣ እንደገና ሰምዖም። ኣብዚ ግዜ እዚ ኤሁድ ዝስሙ ቢንያማዊ መድሓኒ ካልእ ኣተንስኣሎም። ኤሁድ ንመግዛእቲ ዔግሎን ኣብ ልዕሊ እስራኤል መወዳእታ ምእንቲ ክገብረሉ: ኣብታ እትቕጽል ግብሪ ዝኸፍሉላ መዓልቲ ስጕምቲ ክወስድ መደበ።—መሳፍንቲ 3:14, 15
ኤሁድ ነዚ ተባዕ ስርሒት ምእንቲ ክዳሎ: ሓንቲ ክልተ ዝኣፋ እመት ዝምንዋሓ ሴፍ ሰርሐ። እቲ ቑመት ናይቲ እመት ሓጺር እንተድኣ ነይሩ: እታ ሴፍ ንውሓታ 38 ሰንቲ ሜተር ኢዩ ነይሩ። ገለ ሰባት ሽቶል ኢያ ኢሎም ይሓስቡ ኢዮም። ኣብ መንጎ እቲ ስሕለትን ለዓቱን ዝፈላሊ ነገር ከም ዘይነበረ ፍሉጥ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ: ኤሁድ ነታ ንእሽቶ ሴፉ ኣብ ትሕቲ ኽዳኑ ክሓብኣ ዝኸኣለ። ብተወሳኺ ድማ: ኤሁድ ዓኼላይ ስለ ዝነበረ ኢዩ: በቲ ሴፍ ክትዕጠቐሉ ልሙድ ዘይኰነ ቦታ: ብወገን የማኑ ክዕጠቓ ዝኸኣለ።—መሳፍንቲ 3:15, 16
ናይ ኤሁድ ስትራተጂ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኢዩ ነይሩ። ንኣብነት: ገላዉ እቲ ንጉስ መሳርያ ከይህልዎ እንተ ዝፍትሽዎ እንታይ መጋጠሞ ነይሩ፧ ከምኡ እንተ ዘይገበሩውን: ንንጉሶም በይኑ ምስ ሓደ እስራኤላዊ ብርግጽ ኣይሓድግዎን ኢዮም! በይኑ እንተ ዝሓድግዎ: እሞ ኸኣ ንዔግሎን እንተ ዝቐትሎ: ኤሁድ ብኸመይ ከምልጥ ይኽእል፧ ገላዉ ዔግሎን ነቲ ኵነታት ቅድሚ ምፍላጦምከ ክሳዕ ክንደይ ኣርሒቑ ክሃድም ምኸኣለ፧
ኤሁድ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ምናልባት ነቲ ሓደገኛ ሳዕቤናቱ ብምግማት ኣጸቢቑ ከም ዝሓሰበሉ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ይኹን እምበር: ትብዓት ብምርኣይን ኣብ የሆዋ እምነት ብምግባርን ውጥኑ ንምትግባር ተላዕለ።
ኤሁድ ምስ ዔግሎን ይራኸብ
እታ እትቕጽል ግብሪ ዝኽፈለላ መዓልቲ መጸት። ኤሁድን እቶም ምስኡ ዝመጹ ሰባትን ናብቲ ቤተ-መንግስቲ ናይቲ ንጉስ ኣተዉ። ብኡንብኡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ዔግሎን ኣትዮም ንቝሩብ ደው በሉ። እታ ኤሁድ ዘጥቅዓላ ግዜ ግን ኣይበጽሐትን። ነቲ ግብሪ ምስ ኣቕረበ: ኤሁድ ነቶም ምስኡ ግብሪ ጸይሮም ዝመጹ ሰደዶም።—መሳፍንቲ 3:17, 18
ኤሁድ ንዔግሎን ከይወቕዖ ዝደንጐየ ስለምንታይ ኢዩ፧ ስለ ዝፈርሐ ድዩ፧ ኣይኰነን! ኤሁድ ውጥኑ ንምፍጻም ምስቲ ንጉስ ንበይኖም ክዘራረቡ—ኣብዚ ናይ መጀመርታ ርክብ ዘይተፈቕደሉ ነገር—ደለየ። ብተወሳኺ ድማ: ኤሁድ ብቕልጡፍ ዝሃድመሉ መገዲ የድልዮ ነበረ። ኣብ ክንዲ ዅሎም እቶም ግብሪ ጸይሮም ዝመጹ ዓጀብቲ: ሓደ ሰብ ከምልጥ ድማ ይቐልል ነበረ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ: ኤሁድ ምቹእ ግዜ እተጸበየ። እታ ምስ ዔግሎን ዝገበራ ሓጻር ርክብ ከኣ: ኣሰራርሓ ናይቲ ቤተ-መንግስትን ነቲ ንጉስ ዝግበረሉ ሓለዋ ክሳዕ ክንደይ ምዃኑን ንኽፈልጥ ኣኽኢላቶ ኢያ።
ኤሁድ ኣብታ “ኣብ ጊልጋል ዘላ ስፍራ ምስልታት” ድሕሪ ምብጽሑ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባት ሓዲጉ ናብ ቤተ-መንግስቲ ዔግሎን ተመልሰ። እቲ ዳርጋ ናይ ክልተ ኪሎ ሜተር ዝኸውን ጕዕዞ: ኤሁድ ብዛዕባ ስርሒቱ ንኽሓስብን የሆዋ ምእንቲ ክባርኾ ንኽጽልን ቁሩብ ግዜ ሂብዎ ኢዩ።—መሳፍንቲ 3:19
ኤሁድ ይምለስ
ኤሁድ ናብቲ ቤተ-መንግስቲ ምስ ተመልሰ ብጽቡቕ እተቐበልዎ ይመስል። ዔግሎን ምናልባት በቲ እተኸፍሎ ብርክት ዝበለ ግብሪ ባህ ኢልዎ ነይሩ ይኸውን። እታ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ ሓጻር እኳ እንተ ነበረት: ኤሁድ ምስቲ ንጉስ ዝምድና ንኽፈጥር እኹል ኣጋጣሚ ሂብዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ምኽንያት ብዘየገድስ: ኤሁድ ናብቲ እቲ ንጉስ ዝነበሮ ቦታ ተመልሰ።
ኤሁድ “ዎ ንጉስ: ሕቡእ ነገር ዝነግረካ አሎኒ” በሎ። ኣብዚ ደረጃ እዚ ምብጽሑ የሆዋ ይመርሖ ከም ዝነበረ ዘርኢ ኢዩ። ይኹን እምበር: ሓደ ሽግር ነበረ። እቲ ኤሁድ ዝነበሮ “ሕቡእ ነገር” ኣብ ቅድሚ እቶም ገላዉ ንጉስ ክዝረብ ኣይከኣልን ነበረ። ኤሁድ: የሆዋ ኣብቲ ኵነታት ኢዱ ከእቱ እንተድኣ ኰይኑ ነቲ ሓገዝ እቲ ብቕጽበት ኢዩ ዝደልዮ ነይሩ። እቲ ንጉስ ድማ “ስቕ በል” ኢሉ ኣዘዞ። ዔግሎን ነዚ “ሕቡእ ነገር” እዚ ክዋዕዓዋዕ ስለ ዘይደለዮ: ነቶም ገላውኡ ኣውጽኦም። እቲ ኤሁድ እተሰመዖ እፎይታ እሞ ሕስብ ኣብሎ!—መሳፍንቲ 3:19
ኤሁድ ኣትዩ “ንኣኻ ዝነግረካ ቓል ኣምላኽ አሎኒ” ክብሎ ኸሎ: ዔግሎን ኣብታ ላዕለይቲ ክፍሉ ኮፍ ኢሉ ነበረ። ኤሁድ “ኣምላኽ” ክብል ከሎ ንኬሞሽ ማለቱ ድዩ ነይሩ፧ ዔግሎን ከምኡ ኢሉ ኢዩ ሓሲቡ ዝኸውን። ተሃንጥዩ ኸኣ: ካብ ዝፋኑ ብድድ በለ እሞ: ምእንቲ ክሰምዕ ደው ኢሉ ተጸበየ። ኤሁድ ከኣ ቀረቦ: እቲ ንጉስ ከጥቅዓኒ ኢዩ ደልዩ ኢሉ ምእንቲ ከይጥርጥሮ ብጥንቃቐ ኢዩ ተጸጊዕዎ ክኸውን ዘለዎ። ሽዑ ኤሁድ ብቕልጡፍ ምንቅስቓስ “ጸጋመይቲ ኢዱ ሰዲዱ ነታ ሴፍ ካብ የማነይቲ ሕቜኡ መሲቱ ናብ ከብዱ [ናይ ዔግሎን] ሸኸተሉ። ድሕሪ እታ ሴፍ ድማ ጋይማ አተወ: ነታ ሴፍ ካብ ከብዱ ኣየውጽኣን እሞ ስብሒ ኸደና: ብድሕሪኡ ኸኣ ወጸት [“ቀልቀሉ ኸኣ ክወጽእ ጀመረ:” NW ]።”—መሳፍንቲ 3:20- 22
እቶም ገላዉ ንጉስ ኣብቲ ከባቢ ይጽበዩ እኳ እንተነበሩ: ኣይተረበጹን። ኤሁድ ግና ገና ኣብ ሓደጋ ኢዩ ነይሩ። ኣገልገልቲ ዔግሎን ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ጐዮም ብምእታው ነቲ ሬሳ ናይቲ ዝወደቐ ንጉስ ክረኽብዎ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። ኤሁድ ብቕልጡፍ ክሃድም ነበሮ! ነቲ መዓጹ ብምሽጓር ከኣ በቲ መእተው ኣየር ናይታ ላዕለይቲ ቤት ወጸ።—መሳፍንቲ 3:23, 24ሀ
ምፍላጥ ናይቲ ኵነታትን ስዕረትን
ቁሩብ ጸኒሖም ኣገልገልቲ ዔግሎን ኵነታት ክፈልጡ ደለዩ። ይኹን እምበር: ናይ ብሕቲ ኣኼባኡ ብምቍራጽ ነቲ ንጉስ ከቘጥዕዎ ኣይደለዩን። እቲ ናይቲ ላዕለዋይ ክፍሊ መዓጹ ተሸጒሩ ከም ዘሎ ኸኣ ኣስተብሃሉ። “ኣብ ሕልፍኚ ቤት ሓጋይ ኰይኑ ጕዳዩ ይገብር አሎ” ኢሎም ድማ ሓሰቡ። ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ግን: እቲ ነቲ ኵነታት ንምፍላጥ ጥራይ ዝነበሮም ህንጥዮት ናብ ሻቕሎት ተለወጠ። ገላዉ ዔግሎን ድሕሪዚ ክጽበዩ ኣይከኣሉን። “መኽፈቻ ወሲዶም ከፈትዎ: እንሆ ድማ: ጐይታኦም ሞይቱ ኣብ ምድሪ ወዲቑ ነበረ።”—መሳፍንቲ 3:24ለ, 25
ክሳዕ ሽዑ ግን: ኤሁድ ኣምሊጡ ኢዩ ነይሩ። ነቲ ኣብ ጊልጋል ዝነበረ ስፍራ ምስልታት ሓሊፉ ኣብ መወዳእታ ናብታ ኣብ ኣኽራናት ኤፍሬም እትርከብ ሰዒራ መጸ። ኤሁድ ንደቂ እስራኤል ኣከቦም እሞ: ንሞኣባውያን ሓቢሮም ከጥቅዕዎም ከኣ መሪሕዎም ከደ። እቲ ጸብጻብ ከምዚ ብምባል የዘንቱ:- “ኻብ ሞኣብ ዓሰርተ ሽሕ ዚአኽሉ ሰብ ቀተሉ: ኵሎም ድልዱላት: ኵሎምውን ጀጋኑ ሰባት ነበሩ። ሓደ ሰብ እኳ ኣየምለጠን።” ሞኣብ ምስ ተሳዕረት: ሃገር እስራኤል ን80 ዓመታት ዝኸውን ሰላም ረኸበት።—መሳፍንቲ 3:26-30
ካብ ናይ ኤሁድ ኣብነት ምምሃር
ንኤሁድ ዝደረኾ እቲ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ እምነት ኢዩ። እብራውያን ምዕራፍ 11 ንኤሁድ ፍልይ ኣቢላ ‘ብእምነት ንመንግስታት ዝሰዓረ: ኣብ ውግእ ዝሓየለ: ንሰራዊት ኣህዛብ ዘህደመ’ ሰብ ገይራ ኣይጠቐሰቶን። (እብራውያን 11:33, 34) እንተዀነ ግን: የሆዋ ንኤሁድ ብእምነት ስለ እተመላለሰ ደጊፍዎ: ንደቂ እስራኤል ከኣ ካብቲ ናይ ዔግሎን ጨቋኒ መግዛእቲ ኣድሒንዎም ኢዩ።
ትብዓት ሓንቲ ካብተን ናይ ኤሁድ ባህርያት ኢያ ነይራ። ነቲ ቃል ብቓሉ ሴፍ ብዕዉት መገዲ ምእንቲ ክጥቀም ተባዕ ክኸውን ነይርዎ ኢዩ። ከም ዘመናውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጠን ከምዚ ዝበለ ሴፍ ኣይነልዕልን ኢና። (ኢሳይያስ 2:4፣ ማቴዎስ 26:52) ይኹን እምበር: ‘እቲ ናይ መንፈስ ሰይፊ’ ዝዀነ ቃል ኣምላኽ ንጥቀም ኢና። (ኤፌሶን 6:17) ኤሁድ ኣብ ኣጠቓቕማ ሰይፉ ክኢላ ኢዩ ነይሩ። ንሕናውን ብስራት ናይታ መንግስቲ ክንሰብኽ ከሎና: ኣብ ኣጠቓቕማ ቃል ኣምላኽ ክኢላታት ክንከውን የድልየና። (ማቴዎስ 24:14) ናይ ብሕቲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ: ስርዓታዊ ኴንካ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምክፋል: ኣብቲ ኣገልግሎት ብቕንኢ ምስታፍ: ከምኡውን ኣብቲ ሰማያዊ ኣቦና ጸሎት ዝመልኦ ትውክልቲ ምግባር ነቲ ብሓቂ ናይ እምነትን ትብዓትን ሰብ ዝነበረ ኤሁድ ዘርኣዮ ባህርያት ንኽንቀድሖ ክሕግዘና ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ኣስታርቴታት ንብልዕቲ ወዲ ተባዕታይ ዘመልክቱ ኢዮም ነይሮም። ብዕሉግ ዘይስነ-ምግባራዊ ጾታዊ ርክብ ምስ ዘለዎ ዳንኬራታት እተታሓሓዙ ኸኣ ኢዮም ነይሮም።—1 ነገስት 14:22-24
b ኬሞሽ ናይ ሞኣባውያን ቀንዲ ናይ ጣኦት ኣምላኽ ኢዩ ነይሩ። (ዘሁልቍ 21:29፣ ኤርምያስ 48:46) ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት ቈልዑ ነዚ ፍንፉን ኣምላኽ እዚ ምናልባት ተሰዊኦም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም።—2 ነገስት 3:26, 27
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
ኤሁድን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ንንጉስ ዔግሎን ግብሪ ኸፈሉ
[ምንጪ ስእሊ]
ካብ Illustrirte Pracht - Bibel/Heilige Schrift des Alten und Neuen Testaments, nach der deutschen Uebersetzung D. Martin Luther’s እተቐድሐ