ባራቅ ብእምነት ንሓያል ሰራዊት ሰዓረ
ምስ ሰራዊት ጸላኢ ፊት ንፊት ከም እተፋጠጥካ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ንሳቶም ዘመናዊ ኣጽዋር እተዓጥቁ ክዀኑ ኸለዉ ንኽጥቀሙሉ እውን ድሉዋት እዮም ዘለዉ። ንስኻን ብጾትካን ግን ንኽትገጥሙሎም ዘኽእለኩም ኣጽዋር የብልኩምን።
እስራኤል ብመሳፍንቲ እትግዝኣሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ባራቅን ዴቦራን 10,000 ዝዀኑ እስራኤላውያንን ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እዩ ኣጋጢምዎም ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ሰራዊት ጸላኢ ብሲሰራ ዝበሃል ሓለቓ ሰራዊት ዝምራሕ እዩ ነይሩ። እቲ ሒዝዎ ዝነበረ ኣጽዋር ከኣ ኣብ መንኰራዅሩ ማዕጺድ ዝመስል እተገጥመሉ ሓደገኛ ሰረገላ ሓጺን እውን ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ። እቲ ውግእ ኣብ ከረን ታቦርን ርባ ቂሶንን እዩ ተኻይዱ። እቲ ኣብኡ እተፈጸመ ነገራት ባራቅ ብዘርኣዮ እምነት ኣብነት ከም ዝዀነና እዩ ዘርኢ። ናብዚ ውግእ እዚ ዝመርሐ ዅነታት እስከ ንርአ።
ደቂ እስራኤል ናብ የሆዋ ተማህለሉ
መጽሓፍ መሳፍንቲ ደቂ እስራኤል ብተደጋጋሚ ንጹህ ኣምልኾ ኸም ዝሓደጉን ዘስዓበሎም ከቢድ ጕድኣት ከም ዝዓጸዱን ትነግረና እያ። ምሕረት ኣምላኽ ንኽረኽቡ ኻብ ልቦም ኣብ ዝምህለሉሉ እዋን ኣምላኽ ሓደ መድሓኒ ወይ ሓራ መውጽኢ ይሸመሎም ነበረ። ድሕሪኡ ግን እንደገና ይዓልዉ ነበሩ። ከምቲ ልማዶም “ደቂ እስራኤል ከኣ: ኤሁድ [ካብ ጭቈና ሞኣባውያን ዘድሓኖም መስፍን] ምስ ሞተ: መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ።” አረ ሕሉፍ ሓሊፎምስ “ሓደስቲ ኣማልኽቲ ሐረዩ።” እዚኸ እንታይ ኣስዓበሎም፧ “እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኢድ እቲ ኣብ ሓጾር ነጊሱ ዝነበረ ያቢን ንጉስ ከነኣን ሸጦም። ሓለቓ ሰራዊቱ ሲሰራ ነበረ: . . . ንሱ ድማ ትሽዓተ ሚእቲ ሰረገላ ሓጺን ነበሮ እሞ: ንደቂ እስራኤል ብሓይሊ ዕስራ ዓመት ኣጥቅዖም። ሽዑ ደቂ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ።”—መሳፍንቲ 4:1-3፣ 5:8
ብዛዕባቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ እስራኤል ዝነበረ ናብራ ብዝምልከት ቅዱሳት ጽሑፋት “ጐደና መገዲ ሐደጉ: ሓለፍቲ መገዲ ድማ ብጥውጥዋይ መገዲ ኸዱ:” “ከተማታት እስራኤል ዓነዋ” (ትርጕም 1990) ይብል። (መሳፍንቲ 5:6, 7) እቶም ህዝቢ በቶም ዘረፍቲ ሰብ ሰረገላ ፈሪሆም ነበሩ። ሓደ ምሁር “ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ እስራኤል እቲ ህዝቢ ብፍርሂ እዩ ዝነብር ነይሩ: ብምሉኡ እቲ ማሕበረሰብ ዘይንቀሳቐስን ረዳኢ ዘይብሉን ይመስል ነበረ” በለ። ከምቲ ኣቐዲሞም ብተደጋጋሚ ዝገበርዎ: እዞም ሕልናኦም ዝዓረቦም እስራኤላውያን ናብ የሆዋ ተማህለሉ።
የሆዋ መራሒ ሸመሎም
ጭቈና ከነኣናውያን ንብምሉኦም ህዝቢ እስራኤል ዘስግእ ኰነ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣምላኽ ብነብዪት ዴቦራ ኣቢሉ ፍርድን መምርሕን ይህብ ነበረ። ስለዚ ድማ የሆዋ ንዴቦራ ምሳልያዊት ኣደ እስራኤል ክትከውን ፈቐደላ።—መሳፍንቲ 4:4፣ 5:7
ዴቦራ ናብ ባራቅ ልኢኻ ብምጽዋዕ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል: ኣነ ንሲሰራ ሓለቓ ሰራዊት ያቢን ምስናይ ሰረገላታቱን ሰራዊቱን ናባኻ ኣብ ርባ ቂሶን ስሒበ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ: ኪድ: ካብ ደቂ ንፍታሌምን ካብ ደቂ ዛብሎንን ምሳኻ ዓሰርተ ሽሕ ሰብኣይ ሒዝካ ናብ ከረን ታቦር ተጐዐዝ: ኢሉዶ ኣይአዘዘካን እዩ፧” በለቶ። (መሳፍንቲ 4:6, 7) ዴቦራ ‘እግዚኣብሄርዶ ኣይኣዘዘካን እዩ፧’ ኢላ ብምዝራባ ኣብ ልዕሊ ባራቅ ስልጣን ከም ዘይብላ ብንጹር ኣርእያ እያ። ኣምላኽ ትእዛዙ ዘመሓላልፈሉ መትረብ ጥራይ ኰይና እያ ኣገልጊላ። ባራቅከ እንታይ ምላሽ ሃበ፧
“ምሳይ እንተ ኸድኪ: ክኸይድ እየ: ምሳይ እንተ ዘይከድኪ ግና ኣይከድን” በላ። (መሳፍንቲ 4:8) ባራቅ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓላፍነት ንምቕባል ሰጋእ መጋእ ዝበለ ስለምንታይ እዩ፧ ስለ ዝፈርሀ ወይ ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ ዝነበሮ እምነት ስለ ዘጕደለ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ባራቅ ነቲ እተዋህቦ ሓላፍነት ምቕባል ኣይኣበየን: የሆዋ ዝሃቦ ትእዛዝ እውን ኣይጠሓሰን። ኣብ ክንድኡስ: እቲ መልሱ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ትእዛዝ በይኑ ኽፍጽሞ ብቕዓት ዘይብሉ ዀይኑ ኸም እተሰምዖ እዩ ዘርኢ። እታ ተወካሊት ኣምላኽ ምስኡ ምኻዳ ግን ኣምላኽ ይመርሖ ኸም ዘሎ የረጋግጸሉ: ንሱን ሰቡን ድማ ምትእምማን ይሓድሮም። ስለዚ: እቲ ባራቅ ዝሓተቶ ሕቶ ድኽመት ዘይኰነስ ሓያል እምነት ከም ዝነበረቶ እዩ ዘርኢ።
ባራቅ ዝገበሮ ነገር ምስቲ ሙሴን ጌዴዎንን ኤርምያስን ዝገበርዎ ኽመሳሰል ይኽእል እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም መዝነት ክፍጽሙ ብቕዓት ዘይብሎም ኰይኑ ተሰምዖም። በዚ ምኽንያት እዚ ግን እምነት ከም ዘጕደሉ ጌርካ ኣይተራእዩን። (ዘጸኣት 3:11–4:17፣ 33:12-17፣ መሳፍንቲ 6:11-22, 36-40፣ ኤርምያስ 1:4-10) ዴቦራኸ ከመይ ዝበለ ጠባይ እዩ ነይርዋ፧ ንዅሉ ኽትቈጻጸር ኣይፈተነትን። የግዳስ ትሕትቲ ኣገልጋሊት የሆዋ እያ ነይራ። ንባራቅ “ኤረ ምኻድስ ምሳኻ እኸይድ” ኢላ መለሰትሉ። (መሳፍንቲ 4:9) ነታ ዝያዳ ዕቝባ ዝነበራ ቤታ ሓዲጋ ምስ ባራቅ ናብቲ ውግእ ከደት። ዴቦራ እውን ብእምነታን ትብዓታን ኣብነት እትኸውን እያ።
ብእምነት ንባራቅ ሰዓብዎ
ሓይልታት እስራኤል ኣብቲ ውሩይ ከረን ታቦር እዮም ተራኺቦም። እቲ ቦታ ብጥንቃቐ እተመርጸ እዩ ነይሩ። ነቶም ኣብ ጥቓ ጥቓ ዝነበሩ ነገዳት ንፍታሌምን ዛብሎንን መራኸቢ ቦታ እዩ ነይሩ። ስለዚ: ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ዓሰርተ ሽሕ ዝዀኑ ወለንተኛታትን ዴቦራን ንባራቅ ስዒቦም ናብቲ ኸረን ከዱ።
እቶም ንባራቅ ዝሰዓብዎ እምነት ተድልዮም ነበረት። ባራቅ ንኸነኣናውያን ክስዕሮም ምዃኑ የሆዋ ተመባጺዑሉ እኳ እንተ ነበረ: ደቂ እስራኤል ግን እንታይ ኣጽዋር እዮም ተዓጢቖም ነይሮም፧ መሳፍንቲ 5:8 “ኣብቶም ኣርብዓ ሽሕ እስራኤል ከኣ ዋልታ ኾነ፥ ኲናት ኣይተራእየን” ትብል። (ትርጕም 1990) እምበኣር እስራኤላውያን ብዝግባእ ኣይተዓጥቁን ነይሮም። ይኹን እምበር: ኲናውትን ዋላቱን እውን እንተዀነ ምስተን ሰረገላታት ሓጺን ዝወዳደር ኣይነበረን። ሲሰራ: ባራቅ ናብ ከረን ታቦር ከም ዝደየበ ምስ ሰምዐ: ንዅሉ ሰረገላታቱን ሰራዊቱን ሒዙ ናብ ርባ ቂሶን ኣኽተተ። (መሳፍንቲ 4:12, 13) ምስቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ይቃለስ ከም ዘሎ ግን ኣይተረድኦን ነይሩ።
ባራቅ ንሰራዊት ሲሰራ ሰዓሮ
ንውግእ ምስ ተቐራረቡ: ዴቦራ ንባራቅ “እታ እግዚኣብሄር ንሲሰራ ኣብ ኢድካ ዚህበላ መዓልቲ ሎሚ እያ እሞ: ተንስእ። እግዚኣብሄርዶ ቐቅድሜኻ ወጺኡ ኣየሎን፧” በለቶ። ባራቅን ሰቡን ካብ ከረን ታቦር ናብቲ ጐላጕል ክወርዱ ነይርዎም: ብስትራተጂያዊ መዳይ ክርአ ኸሎ እቲ ጐላጕል ንሰረገላታት ሲሰራ ዝረብሕ እዩ ነይሩ። ምስቶም ሰራዊት ባራቅ እንተ ትነብር ከመይ ምተሰምዓካ፧ እቲ መምርሒ ኻብ የሆዋ ኸም ዝመጸ ብምዝካር ብኡንብኡዶ ምተኣዘዝካ፧ ባራቅን ዓሰርተ ሽሕ ዝዀኑ ሰቡን ነቲ እተዋህቦም ትእዛዝ ኣኽበሩ። “እግዚኣብሄር ድማ ንሲሰራን ንዅሉ ሰረገላታቱን ንዅሉ ሰራዊቱን ኣብ ቅድሚ ባራቅ ብስሕለት ሴፍ ኣሸበሮም።”—መሳፍንቲ 4:14, 15
ባራቅ ብሓገዝ የሆዋ ንሰራዊት ሲሰራ ሰዓሮ። እቲ ብዛዕባ እቲ ውግእ ዝገልጽ ጸብጻብ እዚ ብኸመይ ከም ዝዀነ ኣይገልጽን እዩ። ይኹን እምበር: ባራቅን ዴቦራን ድሕሪ እቲ ዓወት ኣብ ዝዘመርዎ መዝሙር ‘ሰማያትን ደበናታትን ማይ ኣንጠብጠቡ’ ኢሎም እዮም። ስለዚ: ብርቱዕ ዝናም መጺኡ ንሰረገላታት ሲሰራ ኣብ ጭቃ ተሸኺለን ከም ዝተርፋ ገይርወን ክኸውን ኣለዎ: እዚ ኸኣ ንባራቅ ጠቒምዎ እዩ። በዚ ኸምዚ እቶም ከነኣናውያን ንመጥቃዕቲ ዝጥቀሙሉ ቐንዲ ኣጽዋሮም ተገልቢጡ ጾር ኰኖም። ንሬሳታት ሰራዊት ሲሰራ ብዝምልከት ኣብቲ መዝሙር “ርባ ቂሶን ጓቲቱ ወሰዶም” ተባሂሉ ኣሎ።—መሳፍንቲ 5:4, 21
እዝስ ክእመን ዝከኣል ድዩ፧ ርባ ቂሶን ሒደት ውሕጅ ጥራይ ዝውሕዘሉ ዛራ እዩ። ብርቱዕ ማይ ምስ ወቕዐ ወይ ንነዊሕ እዋን ዝናም ምስ ሃረመ ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ርባታት ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ብርቱዕን ሓደገኛን ውሕጅ እዩ ዝኸውን። ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ን15 ደቒቕ ጥራይ ኣብቲ ዋላኻ ዝመልኦ ቦታ ዝሃረመ ማይ ንምንቅስቓስ ፈረሰኛታት ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ ነይሩ። ብዛዕባቲ ብ16 ሚያዝያ 1799 ናፖሊዮንን ቱርካውያንን ኣብ ከረን ታቦር ዝገበርዎ ውግእ ዝገልጽ ጸብጻብ “ብዙሓት ካብቶም [ቱርካውያን] ነቲ ብማይ ዘጥለቕለቐ ጐላጕል ቂሶን ሰጊሮም ክሃድሙ ኽብሉ ጥሒሎም ሞይቶም” ይብል።
ፍላቪየስ ጆሰፈስ ዝበሃል ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ከም ዝገለጾ ሰራዊት ሲሰራን ባራቅን ክዋግኡ ምስ ተዳለዉ: “ካብ ሰማይ ብዙሕ በረድን ብርቱዕ ማይን ስለ ዝወቕዐ: ንፋስ መጺኡ እውን ነቲ ዝናም ናብ ገጽ እቶም ከነኣናውያን ስለ ዝጸፍዖ: ዋላ ሓንቲ ኽርእዩ ኣይከኣሉን: በዚ ድማ ቀስትታቶም ኰነ እቲ ዝውንጭፍ ኣጽዋሮም ዋላ ሓንቲ ኣይጠቐሞምን።”
መሳፍንቲ 5:20 “ካብ ሰማይ ተዋግኡ: ከዋኽብቲ ኣብ ምኻዶም ምስ ሲሰራ ተዋግኡ” ትብል። ከዋኽብቲ ምስ ሲሰራ እተዋግኡ ብኸመይ እዮም፧ ገሊኣቶም እዚ መግለጺ እዚ ኣምላኽ ከም ዝሓገዞም ዘመልክት እዩ ይብሉ። ገሊኣቶም ከኣ መላእኽቲ ከም ዝሓገዝዎም: ወይ ሚትዮር ዝበሃል ፍንጫል ኰዀብ ከም ዝወደቐ: ወይ ድማ ሲሰራ ኣብ ከዋኽብቲ ተመርኲሱ እተጸበዮ ነገር ከም ዘይረኸበ ዘመልክት እዩ ይብሉ። ኣብዚ ውግእ እዚ ኸዋኽብቲ ብኸመይ ከም እተዋግኡ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘይገልጽ: ኣምላኽ ንሰራዊት እስራኤል ከም ዝሓገዞም ጥራይ ምጥቃስ ኣኻሊ እዩ። በዚ ዀነ በቲ እስራኤላውያን ነቲ ዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ምሉእ ብምሉእ ተጠቕሙሉ። “ባራቅ ድማ ደድሕሪ እቲ ሰረገላታትን ደድሕሪ ሰራዊትን ስዒቡ . . . ሰጐጎም። ብዘሎ ሰራዊት ሲሰራ ኸኣ ብስሕለት ሴፍ ወደቐ: ሓደ እኳ ኣይተረፈን።” (መሳፍንቲ 4:16) እቲ ሓለቓ ሰራዊት ዝነበረ ሲሰራኸ እንታይ ኰነ፧
እቲ ጨቋኒ “ኣብ ኢድ ሰበይቲ” ወደቐ
መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ያቢን ንጉስ ሓጾርን ቤት ሔበር ቄናዊን ኣብ መንጎኦም ሰላም ነበረ እሞ: ሲሰራ ብእግሩ ናብ ድንኳን ያዔል: ሰበይቲ ሔበር ቄናዊ: ሀደመ።” ያዔል ነቲ ደኺሙ ዝመጸ ሲሰራ ናብ ድንኳና ተቐበለቶ: ዝስተ ጸባ ሃበቶ: ከደነቶውን። ስለዚ ኸኣ ደቀሰ። “ድቃስ ውሒጥዎ ህልያቱ [ምስ] ጠፍኦ:” ሽዑ ያዔል ኣብ ድንኳን ዝነብር ሰብ ኣዘውቲሩ ዝጥቀመሉ “ሽኻል ድንኳን ወሲዳ ሞደሻውን ኣብ ኢዳ ሒዛ: ቀስ ኢላ ናብኡ አተወት: ነቲ ሽካል ኣብ መትልሑ ተኸለቶ ናብ ምድሪ ድማ አተወ: ንሱ ኸኣ ሞተ።”—መሳፍንቲ 4:17-21
ድሕርዚ ያዔል ንባራቅ ክትቅበሎ ወጺኣ “እቲ ንስኻ እትደልዮ ዘሎኻ ሰብኣይ ከርእየካስ ንዓ” በለቶ። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ “ናብኣ ድማ አተወ: እንሆ ኸኣ: ሲሰራ ሞይቱ ወዲቑ ነበረ: እቲ ሽካልውን ኣብ መትልሑ ነበረ” ይብል። እዝስ ንባራቅ ክሳዕ ክንደይ እምነቱ ኣደልዲሉሉ ዀን ክኸውን ኣለዎ! ኣቐዲማ ነብዪት ዴቦራ “እግዚኣብሄር ንሲሰራ ኣብ ኢድ ሰበይቲ ኺሸጦ እዩ እሞ: እዛ ንስኻ እትኸዳ ዘሎኻ መገዲ ንኽብርኻ ኣይትኸውንን እያ” ኢላቶ ነይራ።—መሳፍንቲ 4:9, 22
እቲ ያዔል ዝፈጸመቶ ተግባር ክድዓት ክበሃል ይከኣል ድዩ፧ የሆዋ ኸም ከዳዕ ገይሩ ኣይረኣያን። ኣብቲ ባራቅን ዴቦራን ዝዘመርዎ ናይ ዓወት መዝሙር “ኣብ ድንኳን ካብ ዘለዋ ኣንስቲ ብርኽቲ ትኹን” ተባሂላ ኣላ። እቲ መዝሙር ብዛዕባ ሞት ሲሰራ ቕኑዕ ኣረኣእያ ንኽንሕዝ የኽእለና። ኣዲኡ ኻብ ውግእ ክምለሳ ብሃንቀውታ ትጽበ ኸም ዘላ ዀይና ተገሊጻ ኣላ። “ሰረገላኡ እንታይ ኰይኑ ምምጻእ ደንጐየ፧” ኢላ ሓተተት። “እተን ጥበበኛታት ወይዘራዝራ” ነቲ ዝረኸብዎ ምርኮ ማለት ነቲ ጥሉፍ ክዳውንትን ነተን ኣዋልድን ይማቐሉ ኸም ዘለዉ ሓሳብ ብምሃብ ሻቕሎታ ኸፋዅሳላ ፈተና። “ምርኮዶ ኣይረኸቡን፧ ኣይመቐሉንዶኸ፧ ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ሓንቲ ጓል: ክልተ ጓል: ንሲሰራ ምርኮ በበይኑ ዝሕብሩ ኽዳውንቲ: . . . ምርኮ በበይኑ ዝሕብሩ: ኣብ ክሳውዲ እቶም ምሩዃትከ በበይኑ ዝሕብሩ ብኽልተ ወገኑ ጥሉፍ ክዳውንቲዶ ኣይረኸቡን፧” ኢለን ሓተታ።—መሳፍንቲ 5:24, 28-30
ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ
እቲ ብዛዕባ ባራቅ ዝገልጽ ጸብጻብ ንዓና ዝኸውን ጠቓሚ ትምህርቲ ኣለዎ። ኣብ ህይወቱ ንየሆዋ ቦታ ዘይህቦ ሰብ ጸገማትን ጭንቀትን የጋጥሞ እዩ። ነቶም ተነሲሖም ናብ ኣምላኽ ዝምለሱን ኣብኡ ዝኣምኑን ሰባት ግን ካብ እተፈላለየ ዓይነት ጭቈና ናጽነት እዮም ዝረኽቡ። ብዘይካዚውን እዙዛት ክንከውን ኣሎና። እቲ ኣምላኽ ክንገብሮ ዝሓተና ምስ ኣተሓሳስባ ሰባት ዝጻረር እኳ እንተ መሰለ: እቲ መምርሒታቱ ወትሩ ንነባሪ ረብሓና ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ኢሳይያስ 48:17, 18) ባራቅ ‘ንሰራዊት ኣህዛብ ከህድሞም’ ዝኸኣለ ኣብ የሆዋ እምነት ብምግባርን መምርሒታቱ ብምእዛዝን ጥራይ እዩ።—እብራውያን 11:32-34
እቲ ዴቦራን ባራቅን ዝዘመርዎ መዝሙር “ዎ እግዚኣብሄር: ኵሎም ጸላእትኻ ኸምኡ ይጠፍኡ: እቶም ዚፈትውዎ ግና: ከም ጸሓይ ብሓይላ: ከምቲ ኽትወጽእ ከላ ይድመቑ” ብዝብል ልቢ ዝትንክፍ ቃላት እዮም ዛዚሞምዎ። (መሳፍንቲ 5:31) የሆዋ ነዛ ናይ ሰይጣን እክይቲ ዓለም ምስ ኣጥፍኣ እዚ ቓላት እዚ ኽፍጸም እዩ።
[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]
የሆዋ ንባራቅ ብዴቦራ ገይሩ ኣዘዞ
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
ሩባ ቂሶን ኣፍ ንኣፉ ኽመልእ ከሎ
[ምንጪ ስእሊ]
Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
ከረን ታቦር