ሹኔም ብፍቕርን ዓመጽን እተፈልጠት ከተማ
ከተማ ሹኔም ኣብ ደቡባዊ ገሊላ: ኣብ ምብራቓዊ ጫፍ ለሰ ይዝርኤል ኢያ እትርከብ ነይራ። እዛ ንእሽቶ ከተማ እዚኣ ኣብ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዝዩ ወሳኒ ዝዀነ ክልተ ውግኣት ኣሕሊፋ ኢያ: እዚ ጥራይ ዘይኰነ ግን ከም ቦታ ትውልዲ ናይ ክልተ እምንቲ ፍቕሪ ዘርኣያ ኣንስቲ እውን ትፍለጥ ኢያ።
ብድሕሪ ከተማ ሹኔም ሞሬ ከም ዝዀነ ዝሕሰብ ከረን ክህሉ ከሎ: ኣብ ስግር እቲ ለሰ ዳርጋ ሾመንተ ኪሎ ሜተር ርሒቑ ድማ ከረን ጊልቦዓ ይርከብ። ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ኣኽራናት ጽቡቕ ማይ ዘለዎ ፍርያም መሬት—ሓደ ካብቲ ኣብ ምሉእ እስራኤል ብዙሕ እቶት ዘፍሪ ከባቢታት—ይርከብ።
እዚ ኣብ ከባቢ ሹኔም ዝርከብ ልሙዕ ናይ ሃገረሰብ ከባቢ: ንሓደ ቅድሚ ሕጂ ካብ እተዘንተወ ኣዝዩ መሳጢ ዝዀነ ናይ ፍቕሪ ዛንታታት—መሃልየ መሃልይ—መድረኽ ፍጻመ ብምዃን ዓይዩ ኢዩ። እዚ ናይ ፍቕሪ መዝሙር እዚ ብዛዕባ ሓንቲ ካብተን ኣንስቱ ንምዃን ብንጉስ ሰሎሞን ዝቐረበላ ዕድመ ኣብ ክንዲ እትቕበል ነቲ ፈታዊኣ ዝነበረ ጓሳ ክትምርዖ ዝመረጸት ምልክዕቲ ጓል ሃገረሰብ ኢዩ ዝዛረብ። ሰሎሞን ልባ ንምስላብ ኵሉ ጥበቡን ሃብቱን ኣፍሲሱ ኢዩ። “እዛ ኸም ወገግታ እትቕልቀል: ከም ወርሒ ጽብቕቲ: ከም ጸሓይ ድምቕቲ: . . . መን እያ፧” እናበለ ብተደጋጋሚ ይውድሳ ነበረ። ኣሎ ዝበሃል ኵሉ ስልማት ክገብረላ ምዃኑ ድማ ቃል ኣተወላ።—መሃልየ መሃልይ 1:11፣ 6:10
ሰሎሞን ናይ ንግስና ህይወት እንታይ ከም ዝመስል ምእንቲ ከርእያ ብ60 ጀጋኑ ወተሃደራቱ ተዓጂባ ናብ የሩሳሌም ከም እተሰንዮ ገበረ። (መሃልየ መሃልይ 3:6-11) ኣብ ቤተ-መንግስቱ ድማ ኣእተዋ: እዚ ቤተ-መንግስቲ እዚ ኣዝዩ ማራኺ ካብ ምዃኑ እተላዕለ: ንግስቲ ሳባ ምስ ረኣየቶ ‘ውኖኣ ተመሲጡ’ ነይሩ ኢዩ።—1 ነገስት 10:4, 5
እዛ ሹናማዊት ጓል ግን ነቲ ጓሳ ዝነበረ ፈታዊኣ እምንቲ ኢያ ነይራ። “ፈታውየይ . . . ከም ምልዖ ኣብ ማእከል ኣእዋም ዱር እዩ” በለት። (መሃልየ መሃልይ 2:3) ሰሎሞን በቲ ዝነበሮ ኣሽሓት ኣታኽልቲ ወይኒ ይተሓጐስ። ንዓኣ ግን ሓደ ኣታኽልቲ ወይኒ—ምስቲ ፍቑራ—እኹል ኢዩ ነይሩ። ፍቕራ ክነቓነቕ ኣይከኣለን።—መሃልየ መሃልይ 8:11, 12
ኣብ ሹኔም ካልእ ምልክዕቲ ሰበይቲ ነበረት። ብዛዕባ ኣካላዊ ትርኢታ እንፈልጦ ነገር የለን: መልክዓ ናይ ልቢ ከም ዝነበረ ግን እተረጋገጸ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንነብዪ ኤልሳእ ወርትግ መግብን መዕረፍን ምእንቲ ከተዳልወሉ “ሓልዮት” ከም ዘርኣየት—ወይ ድማ ብዙሕ ከም እተሸገረት—ይዛረብ ኢዩ።—2 ነገስት 4:8-13
ኤልሳእ ካብ ነዊሕን ኣድካምን ጕዕዞ ተመሊሱ ኣብታ ንሳን በዓል ቤታን ዘዳለውሉ ኣብ ናሕሲ እትርከብ ንእሽቶ ክፍሊ ከዕርፍ ከሎ ብዙሕ የመስግን ምንባሩ ክንግምቶ ንኽእል ኢና። ኣገልግሎቱ ን60 ዓመታት ዝቐጸለ ብምንባሩ: ምናልባት ዝበዝሕ ግዜ ገዝኦም ይበጽሕ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዛ ሹናማዊት ሰበይቲ ኤልሳእ በታ መገዲ እቲኣ ኣብ ዝሓልፈላ ግዜ ገዝኦም ከላግስ ግዲ ዝበለት ስለምንታይ ኢያ፧ ንዕዮ ኤልሳእ ልዑል ግምት ስለ ዝነበራ ኢዩ። እዚ ትሑት: ጥቕሚ ርእሱ ዘይሓስብ ነብዪ: ነገስታትን ካህናትን ተራ ሰባትን ንየሆዋ ከገልግልዎ ዘለዎም ሓላፍነት ብምዝኽኻር ሕልና እቲ ህዝቢ ብምዃን ዓይዩ ኢዩ።
እታ ሹናማዊት ሰበይቲ: ሓንቲ ካብቶም የሱስ “ንነብዪ ብስም ነብዪ ዚቕበል: ዓስቢ ነብዪ ይረክብ” ኢሉ ክዛረብ ከሎ ኣብ ኣእምሮኡ ዝመጸት ሰባት ምንባራ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (ማቴዎስ 10:41) የሆዋ ነዛ ንኣምላኽ እትፈርህ ሰበይቲ ፍሉይ ዓስቢ ሂብዋ ኢዩ። ንብዙሕ ዓመታት መኻን እኳ እንተ ነበረት: ወዲ ወለደት። ዓመታት ጸኒሑ ንሸውዓተ ዓመት ዝቐጸለ ጥሜት ነታ ሃገር ከጥቅዓ ከሎ እውን መለኮታዊ ደገፍ ረኺባ ኢያ። እዚ ስምዒት ዝትንክፍ ጸብጻብ እዚ: ንኣገልገልቲ ኣምላኽ እነርእዮ ሕያውነት በቲ ሰማያዊ ኣቦና ፈጺሙ ዕሽሽ ከም ዘይበሃል ኢዩ ዘዘኻኽረና።—2 ነገስት 4:13-37፣ 8:1-6፣ እብራውያን 6:10
ወሳኒ ዝዀነ ክልተ ውግኣት
ሹኔም ከም ዓዲ ናይዘን ክልተ እሙናት ኣንስቲ ትዝከር እኳ እንተ ዀነት: ንኣንፈት ታሪኽ እስራኤላውያን ዝቐየረ ክልተ ውግኣት እውን ኣሕሊፋ ኢያ። ኣብ ጥቓኣ—እቲ ኣብ መንጎ ኣኽራናት ሞሬን ጊልቦዓን ዘሎ ለሰ—ስትራተጂያዊ ቦታ ውግእ ነበረ። ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ኣዘዝቲ ሰራዊት: ኵሉ ግዜ ብዙሕ ቀረብ ማይ ኣብ ዘለዎ: ንምክልኻል ኣብ ዝምችእ ከረን: ዝከኣል እንተድኣ ዀይኑ ድማ: ዕሰለ ወተሃደራትን ኣፍራስን ሰረገላታትን ንምቍጽጻር ዝጥዕም እኹል ቦታ ዘለዎ: ንኣጻምእ ለሰ ስንጭሮ ካብ ላዕሊ ንምጥማት ኣብ ዝጥዕም በሪኽ ቦታ ኢዮም ዝሰፍሩ። ሹኔምን ጊልቦዓን ድማ ከምዚ ዝበለ ብልጫታት ነበረን።
ኣብ ግዜ መሳፍንቲ: ካብ ሚድያናውያን: ኣማሌቃውያን: ከምኡውን ካብ ካልኦት እተዋጽአ 135,000 ዝምብዝሑ ሰራዊት ኣብ መንጽር ሞሬ ኣብ ዝርከብ ለሰ ሰፈረ። ኣግማሎም “ቍጽሪ ዜብለን: ኣብ ወሰን ባሕሪ ኸም ዘሎ ሑጻ ዝምብዛሔን ነበራ።” (መሳፍንቲ 7:12) ኣብ ስግር ማዕዶ እቲ ለሰ: ኣብ ጥቓ እታ ኣብ እግሪ ከረን ጊልቦዓ እትርከብ ዓይኒ ማይ ሓሮድ ድማ: እስራኤላውያን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ናይቲ 32,000 ወተሃደራት ጥራይ ዝነበርዎ መስፍን ጊዴዎን ሰፊሮም ነበሩ።
ውግእ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ዘሎ መዓልትታት: ነፍሲ ወከፍ ወገን ሞራል ናይቲ ኻልእ ንምውዳቕ ይጽዕር ኢዩ። እቶም ዘባጭዉ ዝነበሩ ዕሰለ ሰራዊት: እተን ናይ ውግእ ኣግማል: ከምኡውን እቶም ሰረገላታትን ኣፍራስን ነቶም ናይ እስራኤል ኣጋር ወተሃደራት ከጃጅውዎም ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። እስራኤላውያን ገና በቦታኦም እናተመደቡ ከለዉ: እቶም ድሮ ቦታኦም ሒዞም ዝነበሩ ሚድያናውያን ክትርእዮም ዘፍርሁ ምንባሮም ኣየጠራጥርን ኢዩ። ጊዴዎን “ፈራህን ተሸባርን ዘበለ ይመለስ” ክብል ከሎ ካብ ሰራዊቱ ክልተ ሲሶ ዝዀኑ ነቲ ዓውዲ ኲናት ጠንጢኖምዎ ከዱ።—መሳፍንቲ 7:1-3
ሕጂ 10,000 ናይ እስራኤል ወተሃደራት ጥራይ ኢዮም ነቶም 135,000 ወተሃደራት ጸላኢ ኣብ ስግር እቲ ለሰ ኣማዕድዮም ዝጥምትዎም ዘለዉ: ብኡንብኡ ድማ የሆዋ ንቝጽሪ ወተሃደራት እስራኤል ናብ 300—ኣዝዩ ሒደት ቍጽሪ—ኣጕደሎ። ብመሰረት ናይ እስራኤላውያን ልምዲ ድማ: እዚ ንእሽቶ ጕጅለ ናብ ሰለስተ ክፍልታት ተመቕለ። ጸልማት ጕልባብ ገይሮም ፋሕ በሉ: ንመዓስከር ጸላኢ ብሰለስተ ወገን ብምኽባብ ድማ በቦታኦም ሓዙ። ድሕርዚ ብትእዛዝ ጊዴዎን: እቶም 300 ወተሃደራት ነቲ ንፋናታቶም ሸፊኑ ዝነበረ ዳነሱ ሰበርዎ: ነቲ ፋናታት ንላዕሊ ሓፍ ብምባል ድማ: “ሴፍ እግዚኣብሄርን ጊዴዎንን” ኢሎም ጨደሩ። መለኸቶም ድማ ብቐጻሊ ክነፍሑ ጀመሩ። ኣብቲ ጸልማት: እቲ ዝሰንበደ ሕውስዋስ ዕስለ ሰራዊት 300 ጭፍራታት የጥቅዕዎ ከም ዘለዉ ገይሩ ሓሰበ። የሆዋ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ልዕሊ እቲ ኻልእ ከም ዝለዓል ኢዩ ገይሩ: “ሽዑ ብዘሎ እቲ ሰራዊት ጐየየ: ጨርሑን ሀደሙን ከኣ።”—መሳፍንቲ 7:15-22፣ 8:10
ኣብ ግዜ ንጉስ ሳኦል ኣብ ጥቓ ሹኔም ካልኣይ ውግእ ተገብረ። መጽሓፍ ቅዱስ “ፍልስጥኤማውያን ከኣ ከቲቶም መጺኦም: ኣብ ሹኔም ሰፈሩ። ሳኦል ድማ ንብዘሎ እስራኤል ኣኽተተ: ኣብ ጊልቦዓ ኸኣ ሰፈሩ” ብምባል ጸብጻብ ይህብ: እዚ ድማ ልክዕ ከምቲ ሰራዊት ጊዴዎን ቅድሚ ዓመታት ዝገበርዎ ኢዩ ነይሩ። ሳኦል ግን ከም ጊዴዎን ዘይኰነስ: ኣብ ዔን-ዶር ንዝነበረት ሓንቲ ጠንቋሊት ክሓትት ብምምራጹ ኣብ የሆዋ ትውክልቲ ኣይገበረን። ነቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ምስ ረኣዮ “ፈርሄ: ልቡ ኸኣ ኣዝዩ ተሸበረ።” እቲ ውግእ እናቐጸለ ኸሎ: እስራኤላውያን ሃደሙ ከቢድ ስዕረት ድማ ወረዶም። ሳኦልን ዮናታንን ከኣ ተቐትሉ።—1 ሳሙኤል 28:4-7፣ 31:1-6
በዚ ኸኣ ኢዩ ታሪኽ ሹኔም ብኽልቲኡ: ማለት ብፍቕርን ዓመጽን: ኣብ የሆዋ ብምውካልን ኣብ ኣጋንንቲ ብምጽጋዕን እተፈልጠ ዝኸውን። ኣብዚ ለሰ ስንጭሮ: ክልተ ኣንስቲ ኣብ ፍቕርን ግሽነት ኣብ ምቕባልን ዝነበረን ጽንዓት ኣርእየን ኢየን: ክልተ እስራኤላውያን መራሕቲ ድማ ወሳኒ ውግኣት ኣካይዶም ኢዮም። ኣርባዕቲኡ ኣብነታት ኣብቲ ነቶም ዘገልግልዎ ዓስቦም ምሃብ ፈጺሙ ዘይርስዕ የሆዋ ትውክልቲ ናይ ምግባር ኣገዳስነት ኢዩ ዘረድእ።
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
ኣብቲ ጥንታዊት ከተማ ሹኔም ዝነበረትሉ ቦታ ዘላ ብድሕሪኣ ከረን ሞሬ ዝርአ ዘመናዊት ናይ ሱላም ቁሸት
[ምንጪ ስእሊ]
Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.