-
ብምስትውዓል ስጕምቲ ወሰደትኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
-
-
9, 10. (ሀ) ዳዊትን ሰቡን ኣብ ከመይ ዝበለ ኣጸጋሚ ዅነታት እዮም ነይሮም፧ (ለ) ናባል ነቲ ዳዊትን ሰቡን ዚገብሩሉ ዝነበሩ ነገራት ኬማስወሉ ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧ (ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 10 ዘላ እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)
9 ናባል ኣብ ማዖን እዩ ዚነብር ነይሩ፣ ኣብ ቀርሜሎስ ይሰርሕ፡ ምናልባት እውን ኣብ ጥቓኡ መሬት ይውንን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።a እተን ዓድታት ልሙዕን ኣባጊዕ ዚራባሓሉን ቦታታት ነይሩወን እዩ፣ ናባል ከኣ ኣብኡ 3,000 ኣባጊዕ ነበራኦ። ኵሉ ሸነኽ እቲ መሬት ግና ሰብ ዘይነብሮ ቦታ እዩ ነይሩ። ብሸነኽ ደቡብ፡ እቲ ሰፊሕ በረኻ ጳራን ነበረ። ብሸነኽ ምብራቕ ድማ እቲ ናብ ባሕሪ ጨው ዚወስድ መገዲ ብስንጭሮታትን በዓትታትን ዝመልአ በረኻ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ኸባቢ እዚ እዮም ዳዊትን ሰቡን ሃዲኖም እናበልዑን ብዙሕ ጸገማት እናሕለፉን ዚነብሩ ነይሮም። ብተደጋጋሚ ኸኣ ምስ ጓሶት እቲ ሃብታም ዝነበረ ናባል ይራኸቡ ነበሩ።
-