-
ብምስትውዓል ስጕምቲ ወሰደትኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
-
-
ምዕራፍ ትሽዓተ
ብምስትውዓል ስጕምቲ ወሰደት
1-3. (ሀ) ኣብ ቤት ኣቢጋይል ሓደጋ ኣንጸላልዩ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ብዛዕባ እዛ ንፍዕቲ ሰበይቲ እንታይ ኢና ኽንምሃር፧
ኣቢጋይል ኣብ ገጽ እቲ መንእሰይ ስንባደ ኣንበበት። እቲ መንእሰይ ኣዝዩ ፈሪሁ እዩ ነይሩ፣ ሓቁ ኸኣ እዩ። ከመይሲ፡ ዓብዪ ሓደጋ እዩ ኣንጸላልዩ ነይሩ። ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ 400 ዚዀኑ ተዋጋእቲ ነቶም ኣብ ቤት ናባል ሰብኣይ ኣቢጋይል ዚርከቡ ዅሎም ደቂ ተባዕትዮ ኪቐትልዎም ይመጹ ነበሩ። ስለምንታይ፧
2 እዚ ዅሉ ብሰንኪ ናባል እዩ ኣጋጢሙ። ናባል ከምቲ ዅሉ ሳዕ ዚገብሮ፡ ጭካነን ድርቅናን ዝመልኦ ስጕምቲ ወሲዱ ነበረ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ንፍቑር መራሒ ሓደ እሙንን ብዚግባእ ዝሰልጠነን ጭፍራ ተዋጋእቲ ብጌጋ ጸሪፍዎ ነበረ። ድሕሪኡ፡ ሓደ ኻብቶም ሰራሕተኛታት ናባል፡ ምናልባት ጓሳ ኪኸውን ዚኽእል፡ ንኸተድሕኖም ገለ ነገር ከም እትገብር ብምትእምማን ናብ ኣቢጋይል መጸ። ሓንቲ ሰበይቲ እሞ ኣንጻር ሰራዊት እንታይ እያ ኽትገብር እትኽእል፧
ሓንቲ ሰበይቲ እሞ ኣንጻር ሰራዊት እንታይ እያ ኽትገብር እትኽእል፧
-
-
ብምስትውዓል ስጕምቲ ወሰደትኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
-
-
“ዘሊፍዎም”
8. ናባል ንመን እዩ ጸሪፍዎ፧ ከምኡ ምግባሩ ዕሽነት ዝነበረኸ ስለምንታይ እዩ፧
8 ናባል ንዅነታት ኣቢጋይል ዝያዳ ኸም ዚጋደድ ገይርዎ ነበረ። ከመይሲ፡ ነቲ ብነብዪ ሳሙኤል እተቐብአን ካብ ሳኦል ቀጺሉ ዚነግስን እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ ዝነበረ ዳዊት እዩ ጸሪፍዎ ነይሩ። (1 ሳሙ. 16:1, 2, 11-13) ዳዊት ካብቲ ቐናእን ቀታልን ዝነበረ ንጉስ ሳኦል ይሃድም ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምስቶም 600 ዚዀኑ እሙናት ተዋጋእቱ ኣብ በረኻ ሰፊሩ ነበረ።
-
-
ብምስትውዓል ስጕምቲ ወሰደትኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
-
-
12 ኣዝዩ ተቘጥዐ! እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ መንእሰይ ብዛዕባ እዚ ንኣቢጋይል ኪገልጸላ ኸሎ፡ “ዘሊፍዎም” በላ። ናባል ኣዝዩ ስሱዕ ብምንባሩ፡ ብዛዕባ እንጌራኡን ማዩን ዝሓረዶ ሕሩዱን ዓጀውጀው በለ። ንዳዊት ከኣ ከም ዘይረብሕ ሰብ ገይሩ ኣላገጸሉ፣ ካብ ጐይታኡ ምስ ዝሃደመ ኣገልጋሊ ድማ ኣመሳሰሎ። እቲ ዝነበሮ ኣረኣእያ ምስ ኣመለኻኽታ እቲ ንዳዊት ዚጸልኦ ዝነበረ ሳኦል ተመሳሳሊ እዩ ነይሩ። ክልቲኦም ኣረኣእያኦም ካብ የሆዋ እተፈልየ እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ ኣምላኽ ንዳዊት የፍቅሮ ነይሩ እዩ፣ ከም ዓለወኛ ኣገልጋሊ ዘይኰነስ፡ ኣብ መጻኢ ንጉስ እስራኤል ከም ዚኸውን ሰብ ገይሩ ኸኣ እዩ ዚርእዮ ነይሩ።—1 ሳሙ. 25:10, 11, 14።
-
-
ብምስትውዓል ስጕምቲ ወሰደትኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
-
-
14. (ሀ) ኣቢጋይል ነቲ ናባል ዝፈጸሞ ጌጋ ንምዕራይ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ዝወሰደት ብኸመይ እያ፧ (ለ) ካብቲ ናባልን ኣቢጋይልን ዝነበሮም ፍልልይ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)
14 ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ፡ ኣቢጋይል ነቲ እተፈጸመ ዓብዪ ጌጋ ንምዕራይ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ወሲዳ እያ። ከም ናባል ሰብኣያ ዘይኰነትስ፡ ንምስማዕ ፍቓደኛ እያ ነይራ። እቲ መንእሰይ ኣገልጋሊ ብዛዕባ ናባል ኪዛረብ ከሎ፡ “ሓደ እኳ ኺዛረቦ ዘይክእል ዘይጠቅም ሰብ እዩ” በለ።c (1 ሳሙ. 25:17) እቲ ዜሕዝን፡ ናባል ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዝነበሮ ኽብ ዝበለ ኣረኣእያ፡ ዘረባ ሰብ ከም ዘይሰምዕ እዩ ገይርዎ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ከምዚ ዝበለ ትዕቢት ልሙድ እዩ። እቲ መንእሰይ ግና ኣቢጋይል ካብኡ እተፈልየት ምዃና ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ነቲ ጸገም ኬካፍላ ናብኣ ዝቐረበ።
ኣቢጋይል ከም ናባል ዘይኰነትስ፡ ክትሰምዕ ፍቓደኛ እያ ነይራ
-