-
ብምስትውዓል ስጕምቲ ወሰደትኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
-
-
10 እዞም ጻዕረኛታት ተዋጋእቲ፡ ነቶም ጓሶት ብኸመይ እዮም ዚሕዝዎም ነይሮም፧ ሓሓሊፉ ኻባታቶም ኣባጊዕ ኪወስዱ ይኽእሉ እኳ እንተ ነበሩ፡ ከምኡ ግና ኣይገበሩን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ልክዕ ከም ዜዕቍብ መካበብያ ዀይኖም ንመጓሰን ንኣገልገልትን ናባል ይሕልውዎም ነበሩ። (1 ሳሙኤል 25:15, 16 ኣንብብ።) ጓሶትን ኣባጊዕን ብዙሕ ሓደጋ እዩ ዜጋጥሞም። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ብዙሓት ኣራዊት ነበሩ። ደቡባዊ ዶብ እስራኤል ከኣ ናብቲ ቦታ ቐረባ ስለ ዝነበረ፡ ካብቲ ኸባቢ ዝመጹ ጭፍራ ኸተርትን ሰረቕትን ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ የውርዱ ነበሩ።b
-
-
ብምስትውዓል ስጕምቲ ወሰደትኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
-
-
b ዳዊት ነቶም ወነንቲ መሬትን መጓሰኦምን ምሕላው ንየሆዋ ኣምላኽ ከም ምግልጋል ገይሩ ይርእዮ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ዘርኢ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ኣብታ መሬት ኪነብሩ ዕላማ የሆዋ እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ነታ መሬት ካብ ወረርትን ጭፍራ ኸተርትን ምሕላው ከም ቅዱስ ኣገልግሎት ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ።
-