-
ብምስትውዓል ስጕምቲ ወሰደትግምቢ ዘብዐኛ—2009 | 1 ሓምለ
-
-
እዞም ጻዕረኛታት ተዋጋእቲ፡ ነቶም ጓሶት ብኸመይ እዮም ዚሕዝዎም ነይሮም፧ ሓሓሊፉ ኻብኦም ኣባጊዕ ኪወስዱ ይኽእሉ እኳ እንተ ነበሩ፡ ከምኡ ግን ኣይገበሩን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ልክዕ ከም መካበብያ ዀይኖም ንመጓሰን ኣገልገልትን ላባን ይሕልውዎም ነበሩ። (1 ሳሙኤል 25:15, 16) ጓሶትን ኣባጊዕን ብዙሕ ሓደጋ እዩ ዜጋጥሞም። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ብዙሓት ጐሓሉ ነበሩ። ሰሜናዊ ዶብ እስራኤል ከኣ ናብቲ ቦታ ቐረባ ስለ ዝነበረ፡ ካብቲ ኸባቢ ዝመጹ ጭፍራ ኸተርትን ሰረቕትን ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ የውርዱ ነበሩ።b
-
-
ብምስትውዓል ስጕምቲ ወሰደትግምቢ ዘብዐኛ—2009 | 1 ሓምለ
-
-
b ዳዊት ነቶም ወነንቲ መሬትን መጓሰኦምን ምሕላው ንየሆዋ ኣምላኽ ከም ምግልጋል ገይሩ ይርእዮ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ዘርኢ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ኣብታ መሬት ኪነብሩ ዕላማ የሆዋ እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ነታ መሬት ካብ ወረርትን ጭፍራ ኸተርትን ምሕላው ከም ቅዱስ ኣገልግሎት ገይርካ ይርአ ነበረ።
-