“ንኣምላኽ ቅረብዎ”
“ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ። ”—ያእቆብ 4:8
1, 2. (ሀ) መብዛሕትኡ ግዜ ደቅሰብ ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ እዮም ዝብሉ፧ (ለ) ያእቆብ እንታይ ማዕዳ እዩ ዝሃበ: ኣድላዪ ዝኸውንከ ስለምንታይ እዩ፧
“ኣምላኽ ምሳና እዩ።” እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ ሃገራዊ ኣርማታትን ኣብ ወተሃደራዊ ኽዳውንትን እውን ከይተረፈ ተጻሒፈን ኣለዋ። “ኣብ ኣምላኽ ንውከል” ዝብላ ቃላት ከኣ ኣብ ናይ ገሊአን ሃገራት ባጤራ ተጻሒፈን ንረኽበን። ሰባት ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ኣሎና ኽብሉ ልሙድ እዩ። ይኹን እምበር: ምስ ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ርክብ ምጥራይ ክበሃል ከሎ ብዛዕብኡ ኻብ ምዝራብ ወይ ከኣ ኣብ ጽሑፍ ቀሪጽካ ኻብ ምዝርጋሕ ንላዕሊ ኸም ዝሓትት ኣይትሰማምዓሉንዶ፧
2 መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣምላኽ ርክብ ክንምስርት ከም እንኽእል ይነግረና እዩ። እዚ ንምግባር ግን ጻዕሪ ይሓትት። ኣብቲ ቐዳማይ ዘመን ዝነበሩ ገለ ቅቡኣት ክርስትያናት እውን ከይተረፉ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዝነበሮም ርክብ ከደልድሉ ኣድልይዎም እዩ። እቲ ክርስትያን ተዓዛቢ ዝነበረ ያእቆብ እኳ ንገለ ኻብቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ክርስትያናት ብዛዕባ ስጋዊ ዝንባለታቶምን ምብልሻው መንፈሳዊ ንጽህናኦምን ከጠንቅቖም ኣድልይዎ እዩ። ኣብቲ ዝሃቦም ምኽሪ ኸኣ “ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” ዝብል ኣብ ምድሪ ዘይወድቕ ቃላት ይርከቦ። (ያእቆብ 4:1-12) ያእቆብ “ቅረብዎ:” ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧
3, 4. (ሀ) ገለ ኻብቶም ኣብቲ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ያእቆብ ዝጸሓፈሎም ሰባት በቲ “ንኣምላኽ ቅረብዎ” ዝብል መግለጺ እንታይ እዮም ተዘኻኺሮም ክዀኑ ዝኽእሉ፧ (ለ) ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ከም ዝከኣል ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
3 ያእቆብ ነቶም መልእኽቱ ዝሰደደሎም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰባት ልሙድ ዝዀነ መግለጺ እዩ ተጠቒሙ። ሕጊ ሙሴ: ነቶም ካህናት ኣብ ክንዲ እቲ ህዝቢ ዀይኖም ብኸመይ ናብ የሆዋ ኸም ‘ዝቐርቡ’ ንጹር መምርሒታት ሂብዎም እዩ። (ዘጸኣት 19:22) ኣብ ግዜ ያእቆብ ዝነበሩ ክርስትያናት እምበኣር ናብ የሆዋ ምቕራብ ኣቕሊልካ ዝርአ ነገር ገይሮም ከይወስድዎ ተዘኻኺሮም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። የሆዋ ኣብ ኣድማስ እቲ ዝለዓለ ክብሪ ዝግብኦ ኣምላኽ እዩ።
4 በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ከምቲ ሓደ ምሁር ዝበሎ “እዚ [ኣብ ያእቆብ 4:8 ዝርከብ] ማዕዳ እዚ ጽኑዕ ተስፋ ዝሓዘለ እዩ።” የሆዋ ንዘይፍጹማት ሰባት ናብኡ ንኽቐርቡ ወትሩ ኸም ዝዕድሞም ያእቆብ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (2 ዜና መዋእል 15:2) የሱስ በቲ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ገይሩ ምሉእ ብምሉእ ናብ የሆዋ ኽንቀርበሉ እንኽእል መገዲ ኸፊቱልና እዩ። (ኤፌሶን 3:11, 12) ሎሚ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት በዚ ክፉት መገዲ እዚ ኣቢሎም ንኣምላኽ ክቐርብዎ ክኢሎም እዮም! ይኹን እምበር: ነዚ ግሩም ኣጋጣሚ እዚ ብኸመይ ኢና ኽንጥቀመሉ እንኽእል፧ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ክንቀርብ ዘኽእለና ሰለስተ መገድታት ብሕጽር ዝበለ ንርአ።
‘ፍልጠት’ ኣምላኽ ደልቡ
5, 6. እቲ መንእሰይ ዝነበረ ሳሙኤል ዝገደፈልና ኣብነት ‘ንኣምላኽ ምፍላጥ’ ክበሃል ከሎ እንታይ ከም ዘጠቓልል ዝገልጸልና ብኸመይ እዩ፧
5 ብመሰረት ዮሃንስ 17:3 የሱስ ከምዚ በለ:- “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።” የሱስ ‘ንኣምላኽ ኪፈልጡ’ ኽብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ሓያሎ ምሁራት: እታ “ኪፈልጡ” ተባሂላ ዘላ ቓል ኣብቲ በዅሪ ቛንቛ ግሪኽ ንቐጻሊ ተግባር ከም እተመልክት: አረ እቲ ምፍላጥሲ ናብ ናይ ማሕርሮ ርክብ እውን ከም ዝመርሕ ሓቢሮም ኣለዉ።
6 ምስ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ ምፍላጥ ዝብል ሓሳብ ኣብ ግዜ የሱስ ዝመጸ ሓድሽ ሓሳብ ኣይኰነን። ንኣብነት: ኣብ ናይ እብራይስጢ ጽሑፋት: ሳሙኤል ቈልዓ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ “ንእግዚኣብሄር ገና ኣይፈለጦን ነበረ” ዝብል ነንብብ። (1 ሳሙኤል 3:7) እዚ ኽበሃል ከሎ ሳሙኤል ብዛዕባ ኣምላኽ ምንም ፍልጠት ኣይነበሮን ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን። ወለዱን እቶም ካህናትን ብዛዕባ ኣምላኽ ብዙሕ ነገራት ምሂሮምዎ ክዀኑ ኸም ዘለዎም ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር: ሓደ ምሁር: ኣብታ ጥቕሲ እቲኣ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል ነቲ “ብዙሕ ምቅርራብ ዘለዎ ዕርክነት” ከም እተመልክት ገሊጹ ኣሎ። ሳሙኤል ከምቲ ዳሕራይ ናይ የሆዋ ኣፈኛ ዀይኑ ኸገልግል ከሎ ዘማዕበሎ ዓይነት ምቅርራብ ኣይመስረተን ነይሩ። ሳሙኤል እናዓበየ ምስ ከደ ምስ የሆዋ ናይ ማሕርሮ ርክብ ብምምስራት ንየሆዋ ብሓቂ ኽፈልጦ ጀሚሩ እዩ።—1 ሳሙኤል 3:19, 20
7, 8. (ሀ) ነቲ ዕምቈት ዘለዎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርትታት ንምርድኡ ኣሸጋሪ ኸም ዝዀነ ጌርና ኽንወስዶ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ገለ ኻብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ከነጽንዖ ዝግብኣና ዕምቈት ዘለዎ ሓቂ እንታይ እዩ፧
7 ምስ የሆዋ ናይ ማሕርሮ ርክብ ንምምስራት ኢልካ ብዛዕባ የሆዋ ፍልጠት ትቐስምዶ ኣሎኻ፧ እዚ ንምግባር ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና መንፈሳዊ መግቢ ‘ኽትብህጎ’ የድልየካ። (1 ጴጥሮስ 2:2) በቲ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኣይትዕገብ። ገለ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ዕምቈት ዘለዎ ትምህርትታት ቅሰም። (እብራውያን 5:12-14) እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ትምህርትታት ንኽትርድኦ ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ ኢልካ ብምሕሳብ ተስፋ ቘሪጽካዶ ትፈልጥ፧ ተስፋ ቘሪጽካ እንተድኣ ዄንካ የሆዋ እቲ ዝዓበየ ‘መምህር’ ምዃኑ ኣይትረስዕ። (ኢሳይያስ 30:20) ንዘይፍጹማት ሰባት ነቲ ዕምቈት ዘለዎ ሓቂ ብኸመይ ከም ዝምህሮም ይፈልጥ እዩ። ነቲ ዝምህረካ ኽትርድኦ ኢልካ ንእትገብሮ ልባዊ ጻዕሪ ኸኣ ክባርኾ ይኽእል እዩ።—መዝሙር 25:4
8 ንገለ ኻብቲ “መዓሙቝ ኣምላኽ” ባዕልኻ ዘይትምርምሮ፧ (1 ቈረንቶስ 2:10) እዚ መዓሙቝ ኣምላኽ እዚ ናይ ስነ-ሃይማኖት ምሁራትን ካህናትን ዝካትዕሉ ዘሰልኪ ኣርእስቲ ኣይኰነን: ብዛዕባ ኣእምሮን ልብን ናይቲ ፈቃር ኣቦና ዘደንቕ ፍልጠት ዝሓዘ ጠቓሚ ትምህርቲ እዩ። ንኣብነት: ብሕታዊ ምርምርን መጽናዕትን ክንገብረሉ እንኽእል ሓያሎ ዝምስጥ ኣርእስትታት ኣሎ። ገለ ኻብኡ ኸኣ ከም ‘በጅነት’: “ቕዱስ ምስጢር:” ‘የሆዋ ንህዝቡ ክባርኽን ዕላማታቱ ንምፍጻምን ዝጥቀመሉ እተፈላለየ ኺዳናት’ ዝኣመሰለ ኣርእስትታት እዩ።—1 ቈረንቶስ 2:7
9, 10. (ሀ) ትዕቢት ሓደገኛ ዝኸውን ስለምንታይ እዩ: ከነወግዶ ዝሕግዘናኸ እንታይ እዩ፧ (ለ) ብዛዕባ ፍልጠት የሆዋ ዝመጸ ትሑታት ንምዃን ክንጽዕር ዝግብኣና ስለምንታይ ኢና፧
9 ብዛዕባ እቲ ዓሚቝ መንፈሳዊ ፍልጠት ሓቂ እናወሰኽካ ብዝኸድካ መጠን ግን ካብ ፍልጠት እተላዕለ ትዕቢት ከይሕዘካ ተጠንቀቕ። (1 ቈረንቶስ 8:1) ትዕቢት ንደቅሰብ ካብ ኣምላኽ ዘርሕቖም ባህሪ ብምዃኑ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። (ምሳሌ 16:5፣ ያእቆብ 4:6) ዝዀነ ይኹን ሰብ ብፍልጠቱ ኽምካሕ ምኽንያት ከም ዘይብሉ ፍለጥ። ንመረዳእታ: ብዛዕባ እቲ ወድሰብ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዝበጽሖ ስነ-ፍልጠታዊ ዕቤት እተገብረ መጽናዕቲ እትገልጽ መጽሓፍ ኣብ መእተዊኣ ኸምዚ ትብል:- “ብዙሕ እናፈለጥና ብዝኸድና መጠን: ምንም ዘይንፈልጥ ኰይኑ እናተሰማዓና ይኸይድ። . . . ክሳዕ ሕጂ ዝፈለጥናዮ ዘበለ ዅሉ ምስቲ ብሕጂ ኽንፈልጦ ዘሎና ነገር ክወዳደር ከሎ ኣብ ቍጽሪ ዝኣቱ ኣይኰነን።” እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ትሕትና ዘሐጕስ እዩ። እምበኣር ብዛዕባ እቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ማእለያ ዘይብሉ ፍልጠት ማለት ፍልጠት የሆዋ ኣምላኽ ዝመጸ ትሑታት ክንኰነሉ እንኽእል ዝያዳ ምኽንያት እዩ ዘሎና። ስለምንታይ፧
10 ብዛዕባ የሆዋ ዝገልጽ ገለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባት እስከ ንርአ:- “ሓሳብካ ኣዝዩ ዓሚቝ እዩ።” (መዝሙር 92:5) “ምስትውዓሉ ወሰን የብሉን።” (መዝሙር 147:5) “ኣእምሮኡ ኸም ዘይምርመር።” (ኢሳይያስ 40:28) “ወዳጄ: መዓሙቕ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን።” (ሮሜ 11:33) ስለዚ: ንዅሉ እቲ ብዛዕባ የሆዋ ዝገልጽ ፍልጠት ፈጺምና ክንበጽሖ ኣይንኽእልን ኢና። (መክብብ 3:11) ዛጊት ብዙሕ ዘደንቕ ነገራት ተማሂርና እኳ እንተዀንና ብሕጂ እውን ወትሩ ኽንመሃሮ ዘሎና መወዳእታ ዘይብሉ ፍልጠት ኽህልወና እዩ። እዚ ተስፋ እዚ ምርካብናሲ ዝያዳ ከም እንሕጐስን ትሕት ከም እንብልን ዝገብረናዶ ኸይኰነ፧ ፍልጠት እናረኸብና ብዝኸድና መጠን እምበኣር ንሕናን ካልኦትን ናብ የሆዋ ዝያዳ ንምቕራብ መሰረት ክዀነና ደኣ እምበር ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ጸብለል ንምባል ፈጺምና ኣይንጠቐመሉ!—ማቴዎስ 23:12፣ ሉቃስ 9:48
ፍቕርኻ ንየሆዋ ግለጸሉ
11, 12. (ሀ) እቲ ብዛዕባ የሆዋ እንቐስሞ ፍልጠት ብኸመይ እዩ ኽትንክፈና ዘለዎ፧ (ለ) ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ዘለዎ ፍቕሪ ናይ ሓቂ ምዃኑ ዝውስኖ እንታይ እዩ፧
11 ሃዋርያ ጳውሎስ: ንፍልጠትን ፍቕርን ኣተሓሒዙ ገሊጹወን ኣሎ። “እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠትን ብምስትውዓል ዘበለ ዅሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ: እዚ እልምን አሎኹ።” (ፊልጲ 1:9) ኵሉ እቲ ብዛዕባ የሆዋን ዕላማታቱን ዝገልጽ ሓቂ ብትዕቢት ክነፍሓና ኣብ ክንዲ እነፍቅድ ነቲ ንሰማያዊ ኣቦናን ዕላማታቱን ዘሎና ፍቕሪ ኸም ዝውስኸልና ኽንገብር ኣሎና።
12 መብዛሕትኦም ንኣምላኽ ነፍቅሮ ኢና ዝብሉ ሰባት ብሓቂ ኽርአ ኸሎ ኣየፍቅርዎን እዮም። ምናልባት ብልቦም ንኣምላኽ ናይ ምፍቃር ስምዒት ይህልዎም ይኸውን። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ስምዒት ምስቲ ርጡብ ፍልጠት ምስ ዝሰማማዕ ጽቡቕን ዝነኣድን እኳ እንተዀነ በዚ ጥራይ ግን ንኣምላኽ ብሓቂ ኣፍቂርካዮ ኣሎኻ ክበሃል ኣይክኣልን እዩ። ስለምንታይ፧ ቃል ኣምላኽ ነዛ ኸምዚኣ ዝኣመሰለት ፍቕሪ ብኸመይ ከም ዝገልጻ ነስተብህል:- “ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ: ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ” ይብለና። (1 ዮሃንስ 5:3) ስለዚ እምበኣር ንየሆዋ ምፍቃር ናይ ሓቂ ክኸውን ዝኽእል ብናይ ተኣዛዝነት ስጕምቲ ምስ ዝግለጽ ጥራይ እዩ።
13. ፍርሃት ኣምላኽ ነቲ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ንኽንገልጽ ዝድርኸና ብኸመይ እዩ፧
13 ፍርሃት ኣምላኽ ንየሆዋ ኽንእዘዞ ይሕግዘና። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ንየሆዋ ዘሎና ዓሚቝ ኣኽብሮት ካብቲ ብዛዕብኡ እንቐስሞ ፍልጠት: እወ ኻብቲ ብዛዕባ እቲ ደረት ዘይብሉ ቅድስናኡ: ክብሩ: ሓይሉ: ፍትሑ: ጥበቡ: ፍቕሩ እንረኽቦ ትምህርቲ ዝምንጭ እዩ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ፍርሂ ናብ የሆዋ ንኽንቀርብ ዓቢ ግደ እዩ ዘለዎ። መዝሙር 25:14 “ምስጢር እግዚኣብሄርሲ ነቶም ዚፈርህዎ እዩ” ትብለና። ስለዚ: ነቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ኸይነጕህዮ ዝብል ጥዑይ ፍርሂ እንተደኣ ኣልዩና ንሕናውን ናብኡ ኽንቀርብ ንኽእል ኢና። ፍርሃት ኣምላኽ ነቲ “ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” ዝብል ኣብ ምሳሌ 3:6 ዘሎ ጥበባዊ ምኽሪ ንኽንስዕብ ይሕግዘና። እዛ ጥቕሲ እዚኣ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዋ፧
14, 15. (ሀ) ገለ ኻብቲ ኣብ መዓልታዊ ናብራ ህይወትና ዘጋጥመና ውሳነታት እንታይ እዩ፧ (ለ) ፍርሃት ኣምላኽ ከንጸባርቕ ብዝኽእል መገዲ ውሳነታት ክንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
14 መዓልቲ መዓልቲ ዓበይትን ንኣሽቱን ውሳነታት ክትገብር የድልየካ እዩ። ንኣብነት: ምስ መሳርሕትኻ: መማህርትኻ: ጐረባብትኻ እንታይ ዓይነት ዕላል ኢኻ እተዕልል፧ (ሉቃስ 6:45) ነቲ ኣብ ስራሕካ ኽትዓሞ እተዋህበካ ዕዮ ብትግሃት ዲኻ እትፍጽሞ: ወይስ ትንክፍ ትንክፍ ኣቢልካ ኽትዛዝሞ ኢኻ እትፍትን፧ (ቈሎሴ 3:23) ምስቶም ንየሆዋ ዘየፍቅርዎ ሰባት ዲኻ ዝያዳ እትቐርብ ወይስ ምስቶም መንፈሳውያን ሰባት ዘሎካ ርክብ ከተደልድል ኢኻ እትጽዕር፧ (ምሳሌ 13:20) ኣብ ንኣሽቱ ነገራት እውን ከይተረፈ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ (ማቴዎስ 6:33) ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረታዊ ስርዓታት ንመዓልታዊ ውሳነታትካ ዝመርሖ እንተደኣ ዀይኑ ንየሆዋ ኣብ “ኵሉ መገድኻ” ትሓስቦ ኣሎኻ ማለት እዩ።
15 ሽዑ ዝዀነ ይኹን ውሳነ ኽንገብር ከሎና: ኣቐዲምና ‘የሆዋ እንታይ ክገብር እዩ ዝደልየኒ፧ ዝያዳ ዘሐጕሶ ስጕምቲ እንታይ እዩ፧’ ኢልና ንገዛእ ርእስና ኽንሓትት ኣሎና። (ምሳሌ 27:11) በዚ መገዲ እዚ ኣምላኻዊ ፍርሂ ምርኣይ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ እንገልጸሉ ዝበለጸ መገዲ እዩ። ብዘይዚውን ፍርሃት ኣምላኽ ብመንፈሳዊ: ብኣካላዊ: ከምኡውን ብስነ-ምግባራዊ መገድታት ንጹሃት ክንከውን ይድርኸና እዩ። ኣብታ ያእቆብ “ንኣምላኽ ቅረብዎ” ብምባል ንክርስትያናት እተማሕጸነላ ጥቕሲ “ኣቱም ሓጥኣን: ኣእዳውኩም ኣጽርዩ: ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢውን: ልብኹም ኣንጽሁ” ብምባል እውን ተላብዩ ኣሎ።—ያእቆብ 4:8
16. ንየሆዋ ሓደ ነገር ምሃብና ለውጢ የምጽኣሉ ድዩ: ገና ግን እንታይ ኣብ ምግባር ኢና ዕዉታት ክንከውን እንኽእል፧
16 ርግጽ እዩ: ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ምግላጽ ክበሃል ከሎ ኻብ ክፉእ ዘበለ ኻብ ምርሓቕ ንላዕሊ ዘጠቓልል እዩ። ፍቐሪ ሰናይ ዘበለ ንኽንገብር እውን ትድርኸና እያ። ንኣብነት: ንልግሲ የሆዋ ብኸመይ ኢና ምላሽ እንህበሉ፧ ያእቆብ “ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ: ካብቲ . . . ኣቦ ብርሃናት እዩ ዚወርድ” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእቆብ 1:17) ንየሆዋ ኻብ ጥሪትና ምስ እንህቦ ኸም ዘይነበልጽጎ ፍሉጥ እዩ። ኵሉ ነገራት ኣብ ኢዱ እዩ ዘሎ። (መዝሙር 50:12) ንየሆዋ ግዜናን ሓይልናን ምስ እንህቦ ድማ ብዘይ ብኣና ኽፍጽሞ ንዘይክእል ጐደሎ ነገር ኣይኰናን እንምልእ ዘሎና። ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣይንሰብኽን ኢና ኢልና እንተ ንኣቢ እውን: ኣእማን ከም ዝጭድሩ ኽገብር ምኸኣለ ነይሩ! ስለዚ: ስለምንታይ ደኣ ኢና ንየሆዋ ጥሪትና: ግዜና: ሓይልና እንህቦ፧ እቲ ቐንዲ ምኽንያት: ብምሉእ ልብናን ነፍስናን ሓሳብናን ሓይልናን ከም እነፍቅሮ እንገልጸሉ መገዲ ስለ ዝዀነ እዩ።—ማርቆስ 12:29, 30
17. ንየሆዋ ተሓጒስና ኽንህቦ ኽድርኸና ዝኽእል እንታይ እዩ፧
17 “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ።” ስለዚ: ክንህቦ ኸሎና ተሓጒስና ኽንህቦ ኣሎና። (2 ቈረንቶስ 9:7) ኣብ ዘዳግም 16:17 ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት ተሓጒስና ኽንህብ ክሕግዘና ይኽእል እዩ:- “ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሀበካ በረኸት: ነፍሲ ወከፍ ከምቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ይሀብ።” የሆዋ ክሳዕ ክንደይ ብልግሲ ኸም ዝህበና ኸነስተንትን ከሎና ንሕናውን ብግዴና ተሓጒስና ብልግሲ ኽንህቦ ንድረኽ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ወላዲ እቲ ውላዱ ዝህቦ ንእሽቶ ህያብ ዘሐጕሶ: ከምዚ ዝኣመሰለ ህያብ ንልቢ የሆዋ የሐጕሶ እዩ። በዚ መገዲ እዚ ገይርና ፍቕርና ምግላጽ ናብ የሆዋ ኽንቀርብ ክሕግዘና እዩ።
ብጸሎት ገይርካ ናይ ማሕርሮ ርክብ መስርት
18. ንትሕዝቶ ጸሎትና ብኸመይ ከነመሓይሾ ኸም ዘሎና ምምርማር ጠቓሚ ዝኸውን ስለምንታይ እዩ፧
18 ብሕታዊ ጸሎት እንገብረሉ እዋናት ንሰማያዊ ኣቦና ምስጢርና እንገልጸሉ ክቡር ኣጋጣሚ እዩ ዝኸፍተልና። (ፊልጲ 4:6) ጸሎት ናብ ኣምላኽ እንቐርበሉ ጠቓሚ መገዲ ስለ ዝዀነ: ንትሕዝቶ ጸሎትና ኽንምርምር ይግብኣና። ካብ ልቢ ዝመነጨ ደኣ ክኸውን ኣለዎ እምበር ኣብ ክእለት እተመርኰሰ ምሩጽ ቃላት ክኸውን የብሉን። ንትሕዝቶ ጸሎትና ብኸመይ ኢና ኸነመሓይሾ እንኽእል፧
19, 20. ቅድሚ ምጽላይና ኸነስተንትን ዘሎና ስለምንታይ ኢና: ገለ ኻብቲ ኸነስተንትነሉ እንኽእል ነገራትከ እንታይ እዩ፧
19 ቅድሚ ምጽላይና ኸነስተንትን ንኽእል ኢና። ኣቐዲምና ነስተንትን እንተደኣ ዄንና ብልምዲ ኣብ ኣእምሮና ዝሓዝናዮ ቓላት ጥራይ ኣብ ክንዲ እንደጋግም ንጹርን ትርጕም ዘለዎን ጸሎት ከነቕርብ የኽእለና። (ምሳሌ 15:28, 29) ንገለ ኻብቲ የሱስ ኣብታ ናይ መርኣያ ጸሎት ዝጠቐሶ ነጥብታት ብምስትንታን ምስ ናይ ብሕትና ዅነታት ብኸመይ ከም ዝተሓሓዝ ምምርማር ክሕግዝና ይኽእል እዩ። (ማቴዎስ 6:9-13) ንኣብነት: ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር እንታይ እጃም እየ ኸበርክት ዝኽእል ኢልና ንገዛእ ርእስና ኽንውከስ ንኽእል ኢና። ብእተኻእለ መጠን የሆዋ ዝጥቀመልና ሰባት ኴንና ክንርከብ ዘሎና ባህጊ ኽንገልጸሉን ንእተዋህበና ዝዀነ ይኹን መዝነት ንምፍጻም ድማ ሓገዙ ኽህበና ኽንልምኖን ኣይምኸኣልናንዶ፧ ብዛዕባ እቲ ዘድልየና ስጋዊ ነገራት ሓልዮት ከቢዱናዶ ኣሎ፧ ብዛዕባ ኸመይ ዝበለ ሓጢኣት ኢና ይቕረታ ኽንሓትት ዘድልየና፧ ንመንከ ኢና ይቕረ ኽንብለሉ ዘድልየና፧ ከመይ ዝበለ ፈተናታት እዩ ዘጥቅዓና: በዚ መዳይ እዚ ዝመጸ ዕቝባ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ብህጹጽ ከም ዘድልየናኸ ተገንዚብናዶ፧
20 ብተወሳኺውን ፍሉይ ሓገዝ የሆዋ ብዛዕባ ዘድልዮም እንፈልጦም ሰባት ከነስተንትን ንኽእል ኢና። (2 ቈረንቶስ 1:11) ይኹን እምበር: ምስጋና እውን ክንርስዖ ዘይብለና ነጥቢ እዩ። ቁሩብ ህድእ ኢልና እንተደኣ ሓሲብና ንየሆዋ ስለቲ ማእለያ ዘይብሉ ሰናዩ መዓልቲ መዓልቲ ኸነመስግነሉን ክንውድሰሉን ዘኽእለና ሓያሎ ምኽንያታት ኣሎና። (ዘዳግም 8:10፣ ሉቃስ 10:21) ከምዚ ምግባር ተወሳኺ ረብሓ ኣለዎ: እዚ ድማ ብዛዕባ ህይወት ዝያዳ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ንኽህልወና ኽሕግዘና ይኽእል እዩ።
21. ብዛዕባ ኸመይ ዝበሉ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እንረኽቦም ኣብነታት ምጽናዕ እዩ ንየሆዋ ብጸሎት ኽንቀርቦ ኸሎና ኽሕግዘና ዝኽእል፧
21 መጽናዕቲ እውን ንትሕዝቶ ጸሎትና ኸመሓይሾ ይኽእል እዩ። እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ዝጸለይዎ ኣብነት ዝኸውን ፍሉይ ጸሎት ኣብ ቃል ኣምላኽ ተመዝጊቡልና ኣሎ። ንኣብነት: ንድሕንነትና ወይ ንድሕንነት ፍቑራትና ዘስግእን ዘጨንቕን ዓቢ ግድል ምስ ዘጋጥመና ነቲ ያእቆብ ብዛዕባ እቲ ሕነ ኽፈዲ ኢሉ ተሃንዲዱ ዝመጾ ዝነበረ ሓዉ ኤሳው ዘቕረቦ ጸሎት ከነንብቦ ንኽእል ኢና። (ዘፍጥረት 32:9-12) ወይ እውን ነቲ ንጉስ ኣሳ ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንህዝቢ ኣምላኽ ምስ ኣፈራርህዎም ዘቕረቦ ጸሎት ከነጽንዖ ንኽእል ኢና። (2 ዜና መዋእል 14:11, 12) ንስም የሆዋ ዘጽርፍ ገለ ሽግር ምስ ዝለዓል ከኣ ነቲ ኤልያስ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ከረን ቀርሜሎስ ዝነበሩ ንበዓል ዘምልኹ ሰባት ዘቕረቦ ጸሎትን ነቲ ነህምያ ንየሩሳሌም ዘሕዝን ኵነታት ምስ ወረዳ ዝጸለዮ ጸሎትን ምምርማርና ጠቓሚ እዩ። (1 ነገስት 18:36, 37፣ ነህምያ 1:4-11) ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት ምንባብን ምስትንታንን ንእምነትና ዘደልድል ኣብ ርእሲ ምዃኑ: ዘጨንቕ ነገራት ምስ ዘጋጥመና ናብ የሆዋ ብጸሎት ምቕራብ ካብ ኵሉ ዝበለጸ ነገር ምዃኑ ኸም እንግንዘብ ክገብረና ይኽእል እዩ።
22. ናይ 2003 ዓመታዊት ጥቕሲ እንታይ እያ እትብል: ኣብዛ ዓመት እዚኣኸ በብግዜኡ እንታይ ኢልና ኢና ንገዛእ ርእስና ኽንሓትት እንኽእል፧
22 ነቲ “ንኣምላኽ ቅረብዎ” ዝብል ምኽሪ ያእቆብ ካብ ምስዓብ ንላዕሊ ገይሩ ክብሪ ኸምጽእ ዝኽእል ካልእ ሸቶ የለን። (ያእቆብ 4:8) ስለዚ እምበኣር: ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎና ፍልጠት እናወሰኸ ከም ዝኸይድ ብምግባር: ወትሩ ንዕኡ ዘሎና ፍቕሪ እንገልጸሉ መገዲ ብምንዳይ: ብጸሎት ምስኡ ናይ ማሕርሮ ርክብ ብምምስራት ነቲ ያእቆብ ዝሃበና ምኽሪ ኣብ ግብሪ ነውዕሎ። ኣብ ምሉእ ዓመት ናይ 2003 ንያእቆብ 4:8 ኸም ዓመታዊት ጥቕሲ ገይርና ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ ናብ የሆዋ ንቐርብ እንተሊና ወትሩ ንገዛእ ርእስና ንመርምር። ብዛዕባ እቲ ኻልኣይ ክፋል ናይታ ጥቕሲኸ እንታይ ክበሃል ይከኣል፧ የሆዋ ብኸመይ እዩ ‘ዝቐርበካ:’ እዚኸ ከመይ ዝበለ በረኸት እዩ ዘምጽእ፧ ነዚ ድማ ኣብዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።
ትዝክሮዶ፧
• ናብ የሆዋ ምቕራብ ኣርዚንና ኽንወስዶ ዘሎና ነገር ዝኸውን ስለምንታይ እዩ፧
• ብዛዕባ የሆዋ ፍልጠት ብምቕሳም ዝመጸ እንታይ ሸቶታት ኢና ኽንገብር እንኽእል፧
• ንየሆዋ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኸም ዘሎና ብኸመይ ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧
• እቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ናይ ማሕርሮ ርክብ ብጸሎት ክምዕብል ዝኽእል በየናይ መገድታት እዩ፧
ናይ 2003 ዓመታዊት ጥቕሲ:- “ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ።”— ያእቆብ 4:8
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ሳሙኤል ምስ ዓበየ: ንየሆዋ ኣጸቢቑ ኽፈልጦ ጀመረ
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ኤልያስ ኣብ ከረን ቀርሜሎስ ዘቕረቦ ጸሎት ጽቡቕ ኣብነት እዩ ዝዀነና