ምዕራፍ ሸሞንተ
ዜጕሂ ነገራት እናኣጋጠሞ ኽነሱ ጸንዐ
1. ኣብ ሺሎ ኸቢድ ሓዘንን ብኽያትን ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧
ሳሙኤል እቲ ንሺሎ ዘጋጠማ ሓዘን ተሰሚዕዎ ነበረ። ንብዓት እታ ኸተማ ኸም ውሒዝ እዩ ውሒዙ። ብምኽንያት እቶም ወፊሮም ዘይተመልሱ ኣቦታትን ሰብኡትን ውሉዳትን ኣሕዋትን፡ ኣብ ክንደይ ኣባይቲ ዀን ብኽያት ኣንስትን ውሉዳትን ይስማዕ ነይሩ ይኸውን፧ ብልክዕ ክንድዚ ኽንብል እኳ እንተ ዘይከኣልና፡ ኣቐዲሙ ኣብ እተገብረ ኻልእ ኲናት 4,000፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ እተገብረ ዂናት ከኣ 30,000 ወተሃደራት እስራኤል ብፍልስጥኤማውያን ከም እተቐትሉ ንፈልጥ ኢና።—1 ሳሙ. 4:1, 2, 10።
2, 3. እንታይ ዜሕዝን ፍጻመታት እዩ ኽብሪ ኻብ ሺሎ ኸም ዚጠፍእ ዝገበረ፧
2 እቲ ዜሕዝን ፍጻመታት ግና ብሞት እቶም ወተሃደራት ኣየብቅዐን። ሆፍንን ፊንሃስን ዚብሃሉ ኽልተ ደቂ ኤሊ እቲ ሊቀ ኻህናት፡ ነቲ ሳጹን ዚመስል ታቦት ኪዳን ሒዞም ካብ ሺሎ ወጺኦም ነበሩ። ታቦት ኪዳን ኣብታ ቕድስቲ ኽፍሊ እቲ ማሕደር ተባሂሉ ዚፍለጥ ብድንኳን እተሰርሐ መቕደስ ይቕመጥ ነበረ፣ እዚ ኸኣ ኣምላኽ ኣብኡ ኸም ዘሎ የመልክት ነበረ። ህዝቢ እስራኤል፡ እቲ ታቦት ምሳታቶም እንተ ዀይኑ ዓወት ዚረኽቡ ስለ ዝመሰሎም፡ ናብቲ ዂናት ወሰድዎ። ፍልስጥኤማውያን ግና ነቲ ታቦት ማረኽዎ፡ ንሆፍንን ንፊንሃስን እውን ቀተልዎም።—1 ሳሙ. 4:3-11።
3 ንሓያሎ ዘመናት፡ እቲ ታቦት ኣብቲ ኣብ ሺሎ ዝነበረ ማሕደር እዩ ተቐሚጡ ነይሩ። ኣብቲ ውግእ ግና፡ ተማረኸ። እቲ ወዲ 98 ዓመት ዝነበረ ኤሊ ነቲ ወረ እቲ ምስ ሰምዐ፡ ካብ መንበሩ ንድሕሪት ኣቢሉ ወዲቑ ሞተ። እታ በታ መዓልቲ እቲኣ መበለት ዝዀነት ሰበይቲ ወዱ እውን፡ ክትሓርስ ከላ ሞተት። ቀቅድሚ ሙማታ፡ “ክብሪ ኻብ እስራኤል ተማሪኹ ኸደ” በለት። እወ፡ ድሕሪኡ ሺሎ ኸም ቀደማ ኣይኰነትን።—1 ሳሙ. 4:12-22።
4. ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧
4 ሳሙኤል ነዚ ዅሉ ዜጕሂ ነገራት ብኸመይ ከኣሎ፧ እምነቱ ነቶም ዕቝባን ሞገስን የሆዋ ዝሰኣኑ ህዝቢ ኺሕግዞም ኣኽኢላቶ ድያ፧ ሓድሓደ ግዜ፡ ንእምነትና ዚፍትን ሽግራትን ዜጕሂ ነገራትን ስለ ዜጋጥመና፡ ካብ ሳሙኤል እንታይ ተወሳኺ ነገራት ክንምሃር ከም እንኽእል እስከ ንርአ።
‘ጽድቂ ኣምጺኡ’
5, 6. ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብተን 20 ዓመት ብዛዕባ ዝነበረ ፍጻመታት እንታይ እዩ ዚብል፧ ሳሙኤልከ ኣብቲ እዋን እቲ እንታይ እዩ ዚገብር ነይሩ፧
5 ድሕርዚ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻብ፡ ንሳሙኤል ሓዲጉ ኣብቲ ቕዱስ ታቦት እዩ ዜተኵር። ፍልስጥኤማውያን ነቲ ታቦት ማሪኾም ብምውሳዶም ክሳዕ ክንደይ ከም እተሳቐዩን ኣብ መወዳእታ ኺመልስዎ ኸም እተገደዱን ከኣ ይትርኽ። ሳሙኤል ኣብቲ ጸብጻብ እንደገና እተጠቕሰ፡ ድሕሪ 20 ዓመት ኣቢሉ እዩ። (1 ሳሙ. 7:2) ኣብተን 20 ዓመት እቲአን፡ ሳሙኤል እንታይ እዩ ዚገብር ነይሩ፧ ብዛዕባ እዚ ኽንግምት ኣየድልየናን እዩ።
6 እተን ዓመታት እቲአን ቅድሚ ምጅማረን፡ “ቃል ሳሙኤል ከኣ ናብ ብዘሎ እስራኤል ወጸ” ዚብል ነንብብ ኢና። (1 ሳሙ. 4:1) እቲ ጸብጻብ ከም ዚገልጾ፡ ድሕሪ እተን ዓመታት እቲአን፡ ሳሙኤል ኣብ ዓዓመት ናብ ሰለስተ ኸተማታት እስራኤል እናዞረ፡ ንእተፈጥረ ባእስታትን ንእተላዕለ ሕቶታትን ናይ ምፍታሕ ልማድ ነይርዎ እዩ። ድሕሪኡ ኸኣ፡ ናብታ ኣብ ራማ ዝነበረት ቤቱ ይምለስ ነበረ። (1 ሳሙ. 7:15-17) እምበኣር፡ ሳሙኤል ወትሩ ብዕዮ ትሑዝ እዩ ነይሩ፣ ኣብተን 20 ዓመት ከኣ ብዙሕ ዚዕየ ነይርዎ እዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ሳሙኤል ዘሕለፎ 20 ዓመት ዘይገልጽ እኳ እንተ ዀነ፡ ብኣገልግሎት የሆዋ ትሑዝ ከም ዝነበረ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና
7, 8. (ሀ) ሳሙኤል ን20 ዓመት ዚኣክል ኣበርቲዑ ድሕሪ ምዕያዩ ንህዝቢ እስራኤል እንታይ መልእኽቲ እዩ ኣብጺሑሎም፧ (ለ) እቶም ህዝቢ ነቲ ሳሙኤል ዝሃቦም መረጋገጺ እንታይ ምላሽ ሃቡሉ፧
7 እቲ ደቂ ኤሊ ዚፍጽምዎ ዝነበሩ ርኽሰት፡ እምነት ብዙሓት ሰባት ከም እትደክም ገይሩ ነይሩ እዩ። ብሰንኪ እዚ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣምልኾ ጣኦት ኪሳተፉ ጀሚሮም ነይሮም እዮም። ሳሙኤል ን20 ዓመት ዚኣክል ኣበርቲዑ ድሕሪ ምዕያዩ፡ ነቶም ህዝቢ፡ “ብዅሉ ልብኹም ናብ የሆዋ ትምለሱ እንተ ኣሊኹም፡ ጓኖት ኣማልኽትን ምስልታት ኣሽቶረትን ካብ መንጎኹም ኣርሕቑ፣ ልብኹም ከኣ ብጽኑዕ ናብ የሆዋ ኣቕንዑ፡ ንዕኡ ጥራይ እውን ኣገልግሉ፣ ንሱ ድማ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኬናግፈኩም እዩ” ዚብል መልእኽቲ ኣብጽሓሎም።—1 ሳሙ. 7:3።
8 “ኢድ ፍልስጥኤማውያን” ነቶም ህዝቢ ኸቢዳቶም ነበረት። ሰራዊት እስራኤል ተጨፍሊቑ ስለ ዝነበረ፡ ፍልስጥኤማውያን ንህዝቢ ኣምላኽ ይጭቍንዎ ነበሩ። ሳሙኤል ግና ነቶም ህዝቢ፡ ንሳቶም ናብ የሆዋ እንተ ተመሊሶም፡ እቲ ዅነታት ከም ዚቕየር ኣረጋገጸሎም። እሞኸ ኺምለሱ ፍቓደኛታት ኰይኖምዶ፧ እወ፡ ንጣኦታቶም ኣርሒቖም፡ “ንየሆዋ ጥራይ ኣገልገሉ።” ድሕርዚ፡ ሳሙኤል ኣብታ ኻብ የሩሳሌም ብሸነኽ ሰሜን ኣብ ዚርከብ ኣኽራን እተደኰነት ከተማ ሚጽጳ ኣኼባ ገበረ። እቶም ህዝቢ ኣብኡ ተኣከቡ፡ ጾም ጾሙ፡ ካብቲ ንጣኦታት ብምምላኽ ዝፈጸምዎ ሓጢኣት እውን ተነስሑ።—1 ሳሙኤል 7:4-6 ኣንብብ።
እተነስሑ ህዝቢ የሆዋ ምስ ተኣከቡ፡ ፍልስጥኤማውያን ኪጭቍንዎም ኣጋጣሚ ዝረኸቡ መሰሎም
9. ፍልስጥኤማውያን እንታይ ኣጋጣሚ ዝረኸቡ እዩ መሲልዎም ነይሩ፧ ህዝቢ ኣምላኽከ ሓደጋ ኣንጸላልዩ ምስ ረኣዩ እንታይ ተሰምዖም፧
9 ይኹን እምበር፡ ፍልስጥኤማውያን ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ኣኼባ ምስ ሰምዑ፡ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ዝረኸቡ መሰሎም። ንኣምለኽቲ የሆዋ ንምጭፍላቕ፡ ሰራዊቶም ናብ ሚጽጳ ለኣኹ። እስራኤላውያን ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ፈርሁ። ንሳሙኤል እውን ምእንታኦም ኪጽሊ ለመንዎ። ንሱ ኸኣ ከምቲ ዝበልዎ ገበረ፡ መስዋእቲ እውን ኣቕረበ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ፍልስጥኤማውያን ኪዋግኡ ኢሎም ናብ ሚጽጳ ቐረቡ። የሆዋ ኸኣ ንሳሙኤል መለሰሉ። ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ የሆዋ ብቝጥዓ ጨዲሩ ኺብሃል ይከኣል እዩ። “በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ብርቱዕ ነጐዳ ኣንጐድጐደ እሞ ኣሸበሮም።”—1 ሳሙ. 7:7-10።
10, 11. (ሀ) እቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ዘንጐዶ ነጐዳ ፍሉይ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እቲ ኣብ ሚጽጳ እተገብረ ውግእ እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧
10 እቶም ፍልስጥኤማውያን፡ ነጐዳ ምስ ሰምዑ ብድሕሪ ቐምሽ ኣዴታቶም ከም ዚሕብኡ ቘልዑ ድዮም ነይሮም፧ ኣይፋልን፡ ሓያላትን ውግእ ዝለመዱን ወተሃደራት እዮም ነይሮም። እምበኣር፡ ቅድሚኡ ሰሚዖምዎ ዘይፈልጡ ዓይነት ነጐዳ እዮም ሰሚዖም ኪዀኑ ዘለዎም። ድምጺ እቲ “ብርቱዕ ነጐዳ” ድዩ ኣሸቢርዎም፧ ዋላ ሓንቲ ደበና ኣብ ዘይብሉ ሰማይ ድምጺ ነጐዳ ምስማዖም ድዩ ረቢሽዎም፧ ወይስ ኣብቲ ኣኽራን ወቒዑ እተመልሰ መቓልሕ ድዩ ኣሰምቢድዎም፧ እዚ ዀይኑ እቲ፡ እቲ ነጐዳ ልቦም ምሽት ኣቢልዎም እዩ። በቲ ድምጺ ስለ እተዳህሉ፡ ኣጥቃዕቲ ዝነበሩ ብኡብኡ ኺጥቅዑ ጀመሩ። ሰብ እስራኤል ካብ ሚጽጳ ወጺኦም፡ ሰዓርዎም፣ ናብ ደቡባዊ ምዕራብ የሩሳሌም ገጾም ከኣ፡ ንሓያሎ ኪሎ ሜተራት ሰጐጕዎም።—1 ሳሙ. 7:11።
11 እቲ ውግእ ነጥበ መቐይሮ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ሳሙኤል ፈራዲ ዀይኑ ዘገልገለሉ ድሕሪኡ ዝነበረ እዋን፡ ፍልስጥኤማውያን ብተደጋጋሚ ተሳዕሩ። ብዙሓት ከተማታት ከኣ ናብ ህዝቢ ኣምላኽ ተመልሳ።—1 ሳሙ. 7:13, 14።
12. ሳሙኤል ‘ጽድቂ ኣምጺኡ’ ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ውጽኢታዊ ኪኸውን ዝሓገዞ ባህርያትከ እንታይ እዩ፧
12 ዘመናት ጸኒሑ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሳሙኤል፡ ምስቶም፡ “ጽድቂ ኣምጺኦም” ዝበሎም እሙናት መሳፍንትን ነብያትን ጠቒስዎ ኣሎ። (እብ. 11:32, 33) ሳሙኤል ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጽቡቕን ቅኑዕን ዘበለ ንኺግበር ሓጊዙ እዩ። ዜጕሂ ነገራት እናኣጋጠሞ ኽነሱ፡ ዕዮኡ ጸኒዑ ብምዕያይ፡ ንየሆዋ ብትዕግስቲ ስለ እተጸበየ፡ ውጽኢታዊ ኪኸውን ክኢሉ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ መማሰዊ እዩ ነይሩ። ድሕሪ እቲ ኣብ ሚጽጳ እተረኽበ ዓወት፡ ነቲ የሆዋ ንህዝቡ ዝገበሮ ረድኤት መዘከርታ ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ሓደ እምኒ ኣቚሙ እዩ።—1 ሳሙ. 7:12።
13. (ሀ) ንሳሙኤል ምእንቲ ኽንመስሎ እንታይ ባህርያት ኢና ኸነጥሪ ዘሎና፧ (ለ) ነቲ ሳሙኤል ዝነበሮ ባህርያት ከነጥሪ ዘሎና መዓስ ኢና፧
13 ንስኻኸ ‘ጽድቂ ኸተምጽእ’ ትደሊ ዲኻ፧ ከምኡ ኽትገብር ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ካብቲ ሳሙኤል ዝነበሮ ትዕግስትን ትሕትናን ሞሳን ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። (1 ጴጥሮስ 5:6 ኣንብብ።) መን ካባና እዩ እሞ ነዚ ባህርያት እዚ ኼጥሪ ዘየድልዮ፧ ሳሙኤል ምስ ዓበየ ኣዝዩ ዜጕሂ ነገራት ስለ ዘጋጠሞ፡ ገና ብንእሽቶኡ ኸሎ ነዚ ባህርያት እዚ ምጥራዩን ምንጽብራቑን ጠቒምዎ እዩ።
“ደቅኻ ኸኣ ብመገድታትካ ኣይመላለሱን እዮም ዘለዉ”
14, 15. (ሀ) ሳሙኤል “ምስ ኣረገ” እንታይ ኣዝዩ ዜጕሂ ነገር እዩ ኣጋጢምዎ፧ (ለ) ሳሙኤል ከም ኤሊ ኺውቀስ ዚግብኦ ኣቦ ድዩ ነይሩ፧ ግለጽ።
14 ድሕርዚ፡ ሳሙኤል “ምስ አረገ” እዩ ተጠቒሱ ዘሎ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ዮኤልን ኣቢያን ዚብሃሉ ኽልተ ብጹሓት ውሉዳት ነይሮምዎ እዮም። ንሱ እውን ንዓታቶም ኣብ ዕዮኡ ምእንቲ ኺሕግዝዎ ፈራዶ ገበሮም። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ከምቲ ዝሓሰቦም ኣይነበሩን። ንሱ ሓቀኛን ጻድቕን እኳ እንተ ነበረ፡ ደቁ ግና ስሱዓት ብምንባሮም፡ መማለዲ ተቐቢሎም ፍርዲ የቕንኑ ነበሩ።—1 ሳሙ. 8:1-3።
15 ሓደ መዓልቲ፡ ዓበይቲ እስራኤል ናብቲ ኣረጋዊ ነብዪ ቐሪቦም ጠርዑ። “ደቅኻ ኸኣ ብመገድታትካ ኣይመላለሱን እዮም ዘለዉ” ድማ በልዎ። (1 ሳሙ. 8:4, 5) ሳሙኤል ነቲ ጸገም ይፈልጦ ነይሩ ድዩ፧ እቲ ጸብጻብ ዋላ ሓንቲ ኣይሕብረናን እዩ። ከም ኤሊ ኺውቀስ ዚግብኦ ኣቦ ኸም ዘይነበረ ግና፡ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ኤሊ ንደቁ ስለ ዘይኣረሞም፡ ካብ ንኣምላኽ ከኣ ንደቁ ስለ ዘኽበረ፡ የሆዋ ገኒሕዎን ቀጺዕዎን እዩ። (1 ሳሙ. 2:27-29) ንሳሙኤል ግና ከምዚ ዝኣመሰለ ጕድለት ኣይረኸበሉን።
16. ዓለወኛታት ውሉዳት ዘለውዎም ወለዲ እንታይ እዩ ዚስምዖም፧ ወለዲ ኻብ ሳሙኤል እንታይ ምጽንናዕን መምርሕን እዮም ኪረኽቡ ዚኽእሉ፧
16 ሳሙኤል ብዛዕባ እቲ ደቁ ዝፈጸምዎ እከይ ምስ ሰምዐ፡ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሓፈረ፡ ከም እተጨነቐ፡ ወይ ከም ዝጐሃየ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጸልናን እዩ። ብዙሓት ወለዲ ግና፡ ስምዒታቱ ኣጸቢቑ ኺርድኦም ይኽእል እዩ። ኣብዚ ጸልማት ዝወረሶ እዋን፡ ብዙሓት ውሉዳት ንወለዶም ዘይእዘዙን ተግሳጽ ዘይሰምዑን ኰይኖም ኣለዉ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 ኣንብብ።) ከምኡ ዓይነት ጸገም ዘጋጠሞም ወለዲ፡ ካብ ኣብነት ሳሙኤል እተወሰነ መጸናንዕን መምርሕን ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ሳሙኤል እቶም ዘይእሙናት ደቁ ዝሰዓብዎ መገዲ፡ ካብ መገዱ ኼስሕቶ ኣይፈቐደን። ቃላትን ተግሳጽን ንተሪር ልቢ ኣብ ዘይትንክፈሉ እዋን፡ ኣብነት ወላዲ ሓያል መምህር ምዃኑ ኽንርስዕ የብልናን። ወለዲ እውን ከም ሳሙኤል፡ ንሳቶም ባዕላቶም ንኣቦኦም፡ ማለት ንየሆዋ ኣምላኽ ኬሐጕስዎ ኸም ዚኽእሉ ኺርስዑ የብሎምን።
“ንጉስ ኣንግሰልና”
17. ዓበይቲ እስራኤል ንሳሙኤል እንታይ እዮም ኢሎምዎ፧ ንሱኸ እንታይ ተሰምዖ፧
17 ደቂ ሳሙኤል፡ ስስዐኦም ክሳዕ ክንደይ ጽልዋ ኸም ዚህልዎ ኺግምቱ ኣይከኣሉን ነይሮም። ዓበይቲ እስራኤል ንሳሙኤል፡ “ሕጂ ድማ ከም ኵሎም ካልኦት ኣህዛብ፡ ዚፈርደና ንጉስ ኣንግሰልና” በልዎ። እሞኸ፡ ሳሙኤል ከም እተናዕቀ ዀይኑ ተሰሚዕዎ ድዩ፧ ንሓያሎ ዓመታት፡ ንየሆዋ ወኪሉ ነቶም ህዝቢ ኺፈርድ ጸኒሑ እዩ። ድሕርዚ ግና፡ እቶም ህዝቢ፡ ከም ሳሙኤል ዝበለ ነብዪ ዘይኰነስ፡ ንጉስ ፈራዲኦም ኪኸውን ደለዩ። ከምቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ንጉስ ኪነግሶም ደለዩ። ሳሙኤልከ እንታይ ተሰምዖ፧ “እዚ ንሳሙኤል ኣጕሃዮ” ዚብል ነንብብ ኢና።—1 ሳሙ. 8:5, 6።
18. የሆዋ ንሳሙኤል ብኸመይ እዩ ኣጸናኒዕዎ፧ ሓጢኣት እስራኤላውያን ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ዝሓበሮኸ ብኸመይ እዩ፧
18 ሳሙኤል ብዛዕባ እዚ ምስ ጸለየ፡ የሆዋ እንታይ ምላሽ ከም ዝሃቦ ኣስተብህል። የሆዋ፡ “ኣነ ኸይነግሶም ንዓይ እዮም ዝነዓቑ እምበር፡ ንዓኻ ኣይኰኑን ዝነዓቑ እሞ፡ ኵሉ እቲ እዞም ህዝቢ ዝበሉኻ ስማዕ” በሎ። እዚ ንሳሙኤል ዜጸናንዕ እኳ እንተ ነበረ፡ እቶም ህዝቢ ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ምንዓቖም ግና ዓብዪ ጌጋ እዩ ነይሩ። የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ ሰብኣዊ ንጉስ ኪነግሶም ምሕታቶም ብዙሕ ከም ዚጐድኦም ብነብዪኡ ኣቢሉ ነገሮም። ሳሙኤል ከምቲ እተባህሎ እኳ እንተ ገበረ፡ ንሳቶም ግና፡ “ኣይፋልን፡ ኣብ ልዕሌና ንጉስ ኪነግሰና ቘሪጽና ኢና” ኢሎም ግዲ በሉ። ሳሙኤል ድማ ንኣምላኽ ተኣዚዙ፡ የሆዋ ዝሓረዮ ንጉስ ኣንገሰሎም።—1 ሳሙ. 8:7-19።
19, 20. (ሀ) ሳሙኤል ነቲ የሆዋ ንሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ኪኸውን ኪቐብኦ ዝሃቦ መምርሒ እተኣዘዞ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሳሙኤል ንህዝቢ የሆዋ ኽሳዕ መወዳእታ ዝሓገዞም ብኸመይ እዩ፧
19 ሳሙኤል ግና ቅር እናበሎ ንማለቱ ድዩ ተኣዚዙ፧ ጓሂ ንልቡ ኺምርዞ፡ ማለት ቂም ኣብ ልቡ ሱር ኪሰድድ ፈቒዱ ድዩ፧ ብዙሓት ሰባት ከምኡ ምገበሩ ነይሮም፣ ሳሙኤል ግና ከምኡ ኣይገበረን። ንሳኦል ምስ ኣንገሶ፡ የሆዋ ኸም ዝመረጾ ገለጸ። ድሕሪኡ፡ ንሳኦል ሰዓሞ፣ እዚ ድማ ነቲ ንጉስ ከም እተቐበሎን ከም ዚግዝኦን ዜርኢ እዩ ነይሩ። ነቶም ህዝቢ ኸኣ፡ “እቲ የሆዋ ዝሓረዮ፡ ኣብ ኵሉ ህዝቢ ኸምኡ ዝበለ ኸም ዘየልቦ ርኢኹምዶ፧” በሎም።—1 ሳሙ. 10:1, 24።
20 ሳሙኤል ኣብቲ ነቲ የሆዋ ዝመረጾ ሰብ ዝነበሮ ጽቡቕ ደኣ እምበር፡ ኣብ ጕድለታት ኣየተኰረን። ኣብ ቅድሚ እቶም ዓሰርተ ሳዕ ዚለዋወጡ ህዝቢ ተቐባልነት ኪረክብ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጽህናኡ ኺሕሉ እዩ ጽዒሩ። (1 ሳሙ. 12:1-4) ንህዝቢ ኣምላኽ ብዛዕባ ዜጋጥሞም መንፈሳዊ ሓደጋታት ምኽሪ ብምሃብን ንየሆዋ እሙናት ኪዀኑ ብምትብባዕን፡ ነቲ እተዋህቦ ዕዮ ብተኣማንነት ዓየየ። ምኽሩ ንልቢ እቶም ህዝቢ ስለ ዝተንከፈ፡ ምእንታኦም ኪጽሊ ለመንዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ኣነ ምእንታኹም ምጽላይ ብምሕዳግ ንየሆዋ ኽብድልሲ ኣባይ ዘይሕሰብ እዩ፣ እታ ጽብቕትን ቅንዕትን መገዲ ኸኣ ክምህረኩም እየ” ኢሉ ባህ ዜብል መልሲ ሃቦም።—1 ሳሙ. 12:21-24።
እቲ ሳሙኤል ዝሓደጎ ኣብነት፡ ቅንኢ ወይ ቅሬታ ኣብ ልብና ሱር ኪሰድድ ክንፈቅድ ከም ዘይብልና የዘኻኽረና
21. ካልኦት ሓላፍነት ወይ ፍሉይ መሰል ኪውሃቦም ከሎ ምስ እንጒሂ፡ እቲ ሳሙኤል ዝሓደጎ ኣብነት ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
21 ካልኦት ሓላፍነት ወይ ፍሉይ መሰል ኪውሃቦም ከሎ፡ ጕሂኻዶ ትፈልጥ፧ እቲ ሳሙኤል ዝሓደጎ ኣብነት፡ ቅንኢ ወይ ቅሬታ ኣብ ልብና ሱር ኪሰድድ ክንፈቅድ ከም ዘይብልና ሓያል መዘኻኸሪ ይዀነና እዩ። (ምሳሌ 14:30 ኣንብብ።) ኣምላኽ ንዅሎም እሙናት ኣገልገልቱ ዚኸውን ዓስቢ ዚርከቦን ዜዕግብን ብዙሕ ዕዮ ኣለዎ።
“ክሳዕ መዓስ ኢኻ ንሳኦል እትሓዝነሉ፧”
22. ሳሙኤል ኣብ ፈለማ ንኣወንታዊ ጐድኒ ሳኦል ዝረኣየ ስለምንታይ እዩ፧
22 ሳኦል ዜደንቕ ሰብኣይ ስለ ዝነበረ፡ ሳሙኤል ንኣወንታዊ ጐድኑ ኺርኢ ሓቁ እዩ ነይሩ። ሳኦል ነዊሕን ጽቡቕ ቍመናን ዝነበሮ ተባዕን ብልሓተኛን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ፈለማ፡ ትሑት እውን እዩ ነይሩ። (1 ሳሙ. 10:22, 23, 27) ብዘይካዚ፡ መገዲ ህይወቱ ናይ ምምራጽን ናይ ባዕሉ ውሳነ ናይ ምግባርን ናጽነት እውን ነይርዎ እዩ። (ዘዳ. 30:19) እሞኸ ነዚ ውህበት እዚ ብግቡእ ተጠቒሙሉ ድዩ፧
23. ሳኦል ብመጀመርታ እንታይ ክቡር ባህርይ እዩ ኣጥፊኡ፧ ኪዕበ ዝጀመረኸ ብኸመይ እዩ፧
23 እቲ ዜሕዝን፡ ሰባት ስልጣን ኪረኽቡ ኸለዉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንትሕትናኦም የጥፍእዋ እዮም። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሳኦል ኪዕበ ጀመረ እሞ ነቲ የሆዋ ብሳሙኤል ኣቢሉ ዝሃቦ ትእዛዛት ኪጥሕስ መረጸ። ሓደ እዋን፡ ሳኦል ዓቕሉ ኣጽቢቡ፡ ነቲ ሳሙኤል ኬቕርቦ ሓሲብዎ ዝነበረ መስዋእቲ ባዕሉ ሰውኦ። ሳሙኤል ሓያል መአረምታ ሃቦ፣ እቲ ንግስና ኣብ ቤተ ሰቡ ኸም ዘይቅጽል ከኣ ተነበየ። ሳኦል ነቲ እተዋህቦ ተግሳጽ ኣብ ክንዲ ዚሰምዕ፡ እንደገና ትእዛዝ ጠሓሰ።—1 ሳሙ. 13:8, 9, 13, 14።
24. (ሀ) ሳኦል ኣብቲ ምስ ኣማሌቃውያን እተገብረ ውግእ ትእዛዝ የሆዋ ዝጠሓሰ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሳኦል መአረምታ ምስ ተዋህቦ እንታይ ምላሽ ሃበ፧ የሆዋኸ እንታይ ወሰነ፧
24 የሆዋ ንሳኦል፡ ምስ ኣማሌቃውያን ኪዋጋእ ብሳሙኤል ኣቢሉ ነገሮ። ነቲ እኩይ ንጉስ ኣማሌቃውያን ዝነበረ ኣጋግ እውን ኪቐትሎ ኣዚዝዎ ነበረ። ሳኦል ግና ንኣጋግ ኣይቀተሎን፣ ነተን ኪጠፍኣ ዝነበረን ዝበለጻ እንስሳታት ድማ ነሓፈን። ሳሙኤል ኪእርሞ ምስ መጸ ድማ፡ ክሳዕ ክንደይ ከም እተለወጠ ኣርኣየ። ትሕት ኢሉ መአረምታ ኣብ ክንዲ ዚቕበል፡ ነቲ ጕዳይ ንጐድኒ ገዲፉ ብዛዕባ ርእሱን ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ነገራትን ኬመኽኒ፡ ነቶም ህዝቢ ኸኣ ተሓተትቲ ኺገብሮም ፈተነ። ገለ ኻብቲ ምርኮ ንመስዋእቲ ተባሂሉ ኸም ዝመጸ ብምዝራብ፡ ካብ ተግሳጽ ኬምልጥ ምስ ፈተነ ድማ፡ ሳሙኤል ነተን፡ “እንሆ፡ ተኣዛዝነት ካብ መስዋእቲ ይበልጽ” ዚብላ ፍሉጣት ቃላት ተዛረበን። ድሕሪኡ፡ ብትብዓት ንሳኦል ገንሖ፡ እታ መንግስቲ ኻብኡ ተቐዲዳ፡ ካብኡ ንዚሓይሽ ሰብ ክትውሃብ የሆዋ ኸም ዝወሰነ ኸኣ ገለጸሉ።a—1 ሳሙ. 15:1-33።
25, 26. (ሀ) ሳሙኤል ንሳኦል ዝሓዘነሉ ስለምንታይ እዩ፧ የሆዋ ንነብዪኡ ብሕያውነት ዝገንሖኸ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሳሙኤል ናብ ቤት እሴይ ምስ ከደ እንታይ እዩ ተማሂሩ፧
25 ሳሙኤል ብውድቀት ሳኦል ኣዝዩ ጐሃየ። ለይቲ ብምልእታ ድማ ናብ የሆዋ ኺምህለል ሓደረ። ንግሆ ተንሲኡ እውን ናብ ሳኦል ከደ። ሳሙኤል ነቲ ሳኦል ዝነበሮ ዓቕምን ጽቡቕ ባህርያትን ርእዩ እኳ እንተ ነበረ፡ ሕጂ ግና ኵሉ እቲ ኣብኡ ዝነበሮ ተስፋ ቐሃመ። ሳኦል ከም ቀደሙ ኣይነበረን፣ ነቲ ጽቡቕ ባህርያቱ ኣጥፊኡን ንየሆዋ ዝባኑ ሂብዎን ነበረ። ድሕርዚ፡ ሳሙኤል ንሳኦል ኪርኢ ኢሉ ኣይከደን። ድሕሪ ግዜ ግና፡ የሆዋ ንሳሙኤል ከምዚ ኢሉ ብሕያውነት ገንሖ፦ “ኣነ ንዕኡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከይነግስ ንዒቐዮ ኸለኹስ፡ ንስኻ ኽሳዕ መዓስ ኢኻ ንሳኦል እትሓዝነሉ፧ ቀርንኻ ዘይቲ መሊእካ ኺድ። ካብ መንጎ ደቂ እሴይ ብዓል ቤት-ልሄም ንጉስ ዚዀነኒ ሓርየ ስለ ዘለኹ፡ ናብኡ ኽልእከካ።”—1 ሳሙ. 15:34, 35፣ 16:1።
26 ዕላማ የሆዋ በቶም ተኣማንነቶም ዘይሕልዉ ዘይፍጹማት ሰባት ኣይተዓናቐፍን እዩ። ሓደ ሰብ እሙን እንተ ዘይኰይኑ፡ የሆዋ ፍቓዱ ንምፍጻም ካልእ ሰብ ይጥቀም እዩ። ስለዚ፡ እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ሳሙኤል ብዛዕባ ሳኦል ምጕሃይ ሓደጎ። ብመሰረት እቲ የሆዋ ዝሃቦ መምርሒ፡ ናብታ ኣብ ቤት-ልሄም ዝነበረት ቤት እሴይ ከደ፣ ኣብኡ ድማ ብዙሓት ግርማ ዘለዎም ደቂ እሴይ ነበሩ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ንሳሙኤል ካብ ፈለማ ኣትሒዙ፡ ክንዮ ኣካላዊ ትርኢት ክጥምት ኣዘኻኸሮ። (1 ሳሙኤል 16:7 ኣንብብ።) ኣብ መወዳእታ፡ ሳሙኤል ነቲ የሆዋ ዝሓረዮ ንእሽቶ ወዲ፡ ማለት ንዳዊት ረኸቦ።
ሳሙኤል፡ የሆዋ ንዝዀነ ይኹን ዜጕሂ ነገራት ኼዐርዮን ናብ በረኸት ኪልውጦን ከም ዚኽእል ተማሂሩ እዩ
27. (ሀ) ንሳሙኤል እምነቱ ኼደልድል ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ (ለ) ብዛዕባ እቲ ሳሙኤል ዝሓደጎ ኣብነት እንታይ ይስምዓካ፧
27 ሳሙኤል ኣብ እርጋኑ፡ የሆዋ ንሳኦል ብዳዊት ኪትክኦ ምውሳኑ ቕኑዕ ምዃኑ ብዝያዳ ኺግንዘብ ክኢሉ እዩ። ሳኦል ብቕንኢ ተላዒሉ ንዳዊት ኪቐትሎ ደለየ፡ ከሓዲ እውን ኰነ። ዳዊት ግና፡ ከም ትብዓትን ንጽህናን እምነትን ተኣማንነትን ዝኣመሰለ ጽቡቕ ባህርያት ኣርኣየ። ሳሙኤል ብዕድመ እናደፍአ ኪኸይድ ከሎ፡ እምነቱ እናደልደለት እያ ኸይዳ። የሆዋ ንዝዀነ ይኹን ዜጕሂ ነገራት ኼዐርዮን ናብ በረኸት ኪልውጦን ከም ዚኽእል ርእዩ እዩ። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ንኣስታት ሓደ ዘመን ዜደንቕ ህይወት ዘሕለፈ ሳሙኤል ሞተ። ብዘለዉ እስራኤል ብሞት እዚ እሙን ሰብኣይ ምሕዛኖም እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። ሎሚ ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ‘ኣስኣሰር እምነት ሳሙኤል እስዕብ ድየ፧’ ኢሎም ምሕታቶም ግቡእ እዩ።
a ሳሙኤል ንኣጋግ ባዕሉ ቐተሎ። እቲ እኩይ ንጉስ ኰነ ስድራ ቤቱ ምሕረት ኣይግብኦምን እዩ ነይሩ። እቲ ብድሕርዚ ዘመናት ጸኒሑ ንዅሎም ህዝቢ ኣምላኽ ኬጽንት ሃቂኑ ዝነበረ “ሃማን እቲ ኣጋጋዊ” እኳ ኻብ ዘርኢ ኣጋግ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ኣስ. 8:3፣ ኣብዛ ሕታም እዚኣ፡ ኣብ ምዕራፍ 15ን 16ን ርአ።