ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
“ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዓበየ”
ሳሙኤል ነቶም ህዝቢ ጠመቶም። እቶም ህዝቢ ኣብ ጊልጋል እዮም ተኣኪቦም ነይሮም፣ እዚ ንዓሰርተታት ዓመታት ዚኣክል ነብዪን ፈራድን ኰይኑ ብተኣማንነት ዘገልገለ ሰብኣይ ከኣ እዩ ኣብኡ ንኺእከቡ ጸዊዕዎም። እዋኑ ግንቦት ወይ ሰነ ኪኸውን ከሎ፡ ሓጋይ ካብ ዚጅምር እተወሰነ ግዜያት ሓሊፉ ነበረ። ንዓጺድ ዝበጽሐ ስርናይ ነቲ ግራውቲ ሸፊንዎ ነበረ። ኣብቲ ህዝቢ ጸጥታ ሰፈነ። ሳሙኤል ብኸመይ ኰን እዩ ልቦም ኪትንክፎም ዚኽእል፧
እቶም ህዝቢ ዅነታቶም ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ከም ዝዀነ ኣይተረድኦምን ነይሩ። ሰብኣዊ ንጉስ ኪነግሶም እዮም ኣትሪሮም ሓቲቶም። ንየሆዋ ኣምላኾምን ንነብዪኡን ከም ዘየኽበርዎም ኣይተረድኡን ነይሮም። አረ ንየሆዋ ንጉሶም ከይከውን እዮም ነጺጎምዎ። እሞኸ ምእንቲ ኺንስሑ፡ ሳሙኤል ብኸመይ ኪሕግዞም ይኽእል፧
ሳሙኤል ነቶም ህዝቢ፡ “ኣነ ድማ ኣሪገ ሸየብኩ” በሎም። እቲ ዝሸየበ ጸጕሩ፡ ንቓላቱ ዝያዳ ርዝነት ወሰኸሉ። ቀጺሉ ኸኣ፡ “ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ቐቅድሜኹም እኸይድ ነበርኩ” በለ። (1 ሳሙኤል 11:14, 15፣ 12:2) ኣሪጉ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ኣብ ንእስነቱ ዘሕለፎ ዅነታት ግን ኣይረስዖን። እቲ ተዘክሮታቱ ኻብ ኣእምሮኡ ኣይሃሰሰን ነይሩ። እቲ መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝገበሮ ውሳነ፡ ንኣምላኹ የሆዋ ብእምነትን ብተወፋይነትን ኬገልግል ሓጊዝዎ እዩ።
ሳሙኤል በቶም እምነት ዘይብሎምን ከዳዓትን ዝነበሩ ህዝቢ ተኸቢቡ ኽነሱ፡ እምነቱ ዓቂቡ ይመላለስ ነበረ። ሎሚ እውን፡ ኣብዛ እምነት ዘይብላን ብልሽውትን ዓለም ንነብር ስለ ዘለና፡ እምነት ምህናጽ ከቢድ እዩ። ካብቲ ሳሙኤል ካብ ግዜ ንእስነቱ ኣትሒዙ ዝሓደጎ ኣብነት እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል እስከ ንርአ።
‘ገና ቘልዓ ኸሎ ኣብ ቅድሚ የሆዋ የገልግል ነበረ’
ሳሙኤል፡ ፍልይ ዝበለ ኣተዓባብያ እዩ ነይርዎ። ጡብ ምስ ሓደገ፡ ማለት ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ምስ ኰነ፡ ካብ ዓዱ ራማ 30 ኪሎ ሜተር ርሒቑ፡ ኣብ ሺሎ ኣብ ዝነበረ ቕዱስ ማሕደር የሆዋ ኼገልግል ጀመረ። ወለዱ ኤልቃናን ሃናን፡ ናዝራዊ ዀይኑ ምሉእ ህይወቱ ፍሉይ ዓይነት ኣገልግሎት ንኼገልግል ንየሆዋ ወፈይዎ።a ወለዱ ኸምዚ ምግባሮም ግን፡ ዘይፈትውዎ ስለ ዝነበሩ ደርብዮምዎ ኸይዶም ማለት ድዩ፧
ከምኡ ማለት ኣይነበረን። ወዶም ኣብ ሺሎ ኽንክን ከም ዚረክብ ይፈልጡ ነበሩ። ሳሙኤል ምስ ኤሊ እቲ ሊቀ ኻህናት ብቐረባ ይዓዪ ስለ ዝነበረ፡ ኤሊ ንነገራት ይከታተሎ ምንባሩ ኣየጠራጥርን እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ኣብቲ ማሕደር ብእተወደበ መገዲ ዜገልግላ ኣንስቲ ነይረን እየን።—ዘጸኣት 38:8።
ብተወሳኺ፡ ሃናን ኤልቃናን ነቲ ብጸሎት ዝረኸብዎ ዜፍቅርዎ በዅሪ ወዶም ፈጺሞም ኣይረስዕዎን። ሃና ንኣምላኽ ወዲ ኺህባ ለሚናቶ ነበረት፡ ነቲ እትወልዶ ወዲ ንኣምላኽ ቅዱስ ኣገልግሎት ንኬቕርብ ከም እትውፍዮ ድማ ተመባጺዓ ነይራ እያ። ንሳሙኤል ክትበጽሖ ኢላ ኣብ ዓዓመት ናብኡ ኽትከይድ ከላ፡ ኣብ ዕዮ እቲ ማሕደር ዚኽደኖ ሓድሽ ንእሽቶ ቐምሽ ላዕሊ ትወስደሉ ነበረት። እቲ ንእሽቶ ወዲ ዝነበረ ሳሙኤል፡ ንምብጻሕ ወለዱ ኣኽቢሩ ይርእዮ ኸም ዝነበረ ኣየጠራጥርን እዩ። እቲ ወለዱ ዚህብዎ ዝነበሩ ፍቕራዊ ምትብባዕን መምርሕን ኰነ ኣብቲ ፍሉይ ቦታ ንየሆዋ ምግልጋል ፍሉይ መሰል ከም ዝዀነ ዚምህርዎ ዝነበሩ ትምህርቲ የበራትዖ ምንባሩ ዜጠራጥር ኣይኰነን።
ሎሚ ዘለዉ ወለዲ ኻብ ሃናን ኤልቃናን ብዙሕ ኪመሃሩ ይኽእሉ እዮም። ምናልባት፡ ንመንፈሳዊ ነገራት ዕሽሽ ይብሉን ንደቆም ስጋዊ ነገራት ንኼማልኡሎም ኣብ ዚገብርዎ ጻዕሪ ጥራይ የተኵሩን ይዀኑ። ወለዲ ሳሙኤል ግን ንመንፈሳዊ ነገራት እዮም ቀዳምነት ዚህቡ ነይሮም፡ እዚ ኸኣ ኣብ ሳሙኤል ዓብዪ ጽልዋ ነበሮ።—ምሳሌ 22:6።
ሳሙኤል ነቲ ኣብ ከባቢ ሺሎ ዝነበረ ጎቦታት እናዳህሰሰ ኺዓቢ ኸሎ ኣብ ኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። ነታ ትሕት ኢላ እትርከብ ከተማን ነቲ ብሓደ ሸነኻ ዝነበረ ስንጭሮን ይርኢ እኳ እንተ ነበረ፡ ንማሕደር የሆዋ ኺርኢ ኸሎ ግን፡ ልቡ ብሓጐስን ኵርዓትን ይምላእ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ እቲ ማሕደር፡ ቅዱስ ቦታ እዩ ነይሩ።b እዚ ማሕደር እዚ፡ ኣስታት 400 ዓመት ይገብር ብመሪሕነት ሙሴ እተሰርሐ ዀይኑ፡ ንሱ ጥራይ እዩ ኣብ መላእ ምድሪ ማእከል ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ ነይሩ።
እቲ ንእሽቶ ዝነበረ ሳሙኤል፡ ነቲ ማሕደር እናፈተዎ ኸደ። እቲ ጸኒሑ ባዕሉ ዝጸሓፎ ጸብጻብ ከም ዚገልጾ፡ “ገና ቘልዓ ኽነሱ፡ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ኤፎድ ተዐጢቑ ኣብ ቅድሚ [“የሆዋ፡” NW] የገልግል ነበረ።” (1 ሳሙኤል 2:18) እቲ ዚዕጠቖ ዝነበረ ቐምሽ ላዕሊ፡ ኣብቲ ማሕደር ንዝነበሩ ኻህናት ይሕግዞም ምንባሩ ዚሕብር እዩ። ካብ ክፍሊ ኻህናት እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ንግሆ ንግሆ ንደገ እቲ ማሕደር ናይ ምኽፋትን ነቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ኤሊ ናይ ምግልጋልን ሓላፍነት ነበሮ። ነዚ ፍሉይ መሰል እዚ ተሓጒሱ ይገብሮ እኳ እንተ ነበረ፡ ዜጕህዮ ነገራት ግን ነይሩ እዩ። ከመይሲ፡ ኣብ ቤት የሆዋ ኣዝዩ ዜሰንብድ ነገራት ይግበር ነበረ።
ብልሽውና እናረኣየ ኽነሱ፡ ንጽህናኡ ሓለወ
ሳሙኤል ገና ቘልዓ ኸሎ፡ እከይን ብልሽውናን ረኣየ። ኤሊ፡ ሆፍንን ፊንሃስን ዚበሃሉ ኽልተ ደቂ ነበርዎ። እቲ ሳሙኤል ዝጸሓፎ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ “ደቂ ኤሊ ግና ደቂ ብልያል ነበሩ፡ ንእግዚኣብሄር ኣይፈለጥዎን።” (1 ሳሙኤል 2:12) እዚ ኣብዛ ጥቕሲ ዚርከብ ክልተ ሓሳብ፡ ሓቢሩ ዚኸይድ እዩ። ሆፍንን ፊንሃስን ንየሆዋ ኣኽብሮት ስለ ዘይነበሮም፡ “ደቂ ብልያል”—ቃል ብቓሉ “ደቂ ኸንቱነት”—እዮም ነይሮም። ብዛዕባ ብቕዓታትን መለክዒታት ጽድቅን የሆዋ ግዲ ኣይነበሮምን። ብሰንኪ እዚ ኸኣ፡ ብዙሕ ሓጢኣት ፈጸሙ።
እቲ ብዛዕባ ሓላፍነት ካህናትን ብዛዕባ መስዋእቲ ዜቕርቡሉ መገድን ዚገልጽ ሕጊ ኣምላኽ ንጹር እዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ግቡእ እዩ። ከመይሲ፡ እቲ ዚቐርብ ዝነበረ መስዋእትታት፡ ነቲ ኣምላኽ ንሓጢኣት ይቕረ ንምባል ዝገበሮ መሰናድዎ ዜመልክት እዩ ነይሩ። በዚ ኸምዚ፡ ሰባት ኣብ ቅድሚኡ ንጹሃት ስለ ዚዀኑ፡ በረኸቱን መምርሒኡን ንኺረኽቡ ብቑዓት ኪዀኑ ይኽእሉ። ብሰንኪ ሆፍንን ፊንሃስን ግን፡ እቶም ካህናት ነቲ መስዋእቲ ኺንዕቅዎ ጀመሩ።c
እቲ ንእሽቶ ዝነበረ ሳሙኤል፡ ከምዚ ዝኣመሰለ እከይ ብተደጋጋሚ ኺርኢ ኸሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። መንፈሳዊ ምጽንናዕን ምብርታዕን ኪረኽቡ ኢሎም ናብቲ ቕዱስ ማሕደር ዚመጹ ድኻታትን ግፉዓትን ዚርከብዎም ሰባት፡ ጕህዮምን ስምዒቶም ተጐዲኡን ተዋሪዶምን ኪኸዱ ኸለዉ ኺርኢ ኸሎ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ሳሙኤል፡ ሆፍንን ፊንሃስን ነቲ የሆዋ ንጾታዊ ስነ-ምግባር ብዚምልከት ዘውጸኦ ሕጊ ዕሽሽ ኢሎም፡ ምስተን ኣብቲ ማሕደር ዜገልግላ ዝነበራ ኣንስቲ ኸም ዚድቅሱ ምስ ፈለጠ እንታይ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ኣለዎ፧ (1 ሳሙኤል 2:22) ምናልባት ሳሙኤል፡ ኤሊ ገለ ስጕምቲ ኺወስድ ተጸብዩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ኤሊ ነቲ ዅነታት ንምትዕርራይ ስጕምቲ ኺወስድ ይኽእል ነበረ። ሊቀ ኻህናት ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ኣብቲ ማሕደር ዚግበር ነገራት ብሓላፍነት ይሕተተሉ ነበረ። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ኣቦ ሆፍንን ፊንሃስን ብምዃኑ፡ ንደቁ ናይ ምእራም ግዴታ ነበሮ። ከመይሲ፡ ንርእሶምን ንብዙሓት ሰባትን እዮም ዚጐድኡ ነይሮም። ይኹን እምበር፡ ኤሊ ነቲ ኸም ኣቦ ዀነ ኸም ሊቀ ኻህናት መጠን ዝነበሮ ሓላፍነት ብዚግባእ ኣይፈጸመን። ንደቁ ብልዙብ መገዲ ጥራይ ገንሖም። (1 ሳሙኤል 2:23-25) ደቁ ግን ሓያል ተግሳጽ እዩ ዜድልዮም ነይሩ። ሞት ዚግብኦ ሓጢኣት እዮም ዚፍጽሙ ነይሮም።
እቲ ዅነታት ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ምስ በጽሐ፡ የሆዋ ንሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ “ናይ ኣምላኽ ሰብ” ንኤሊ ሓያል መልእኽቲ ፍርዲ ኺነግሮ ለኣኾ። የሆዋ ንኤሊ፡ “ካብ ንኣይ ንደቅኻ ኣኽበርካ” በሎ። እቶም እኩያት ደቂ ኤሊ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ኸም ዚሞቱ፡ ስድራ ቤት ኤሊ ድማ መዓት ከም ዚወርዳን ኣብቲ ኽህንነት ዝነበራ ፍሉይ መሰል ከም እትስእንን ኣምላኽ ተነበየ። እዚ ሓያል መጠንቀቕታ ኣብታ ስድራ ቤት ለውጢ ኣምጺኡዶ፧ እቲ ጸብጻብ ከም ዚገልጾ፡ ኣባላት እታ ስድራ ቤት ዋላ ሓንቲ ለውጢ ኣይገበሩን።—1 ሳሙኤል 2:27–3:1።
እዚ ብልሽውና እዚ ንሳሙኤል ብኸመይ ጸለዎ፧ ኣብ መንጎ እዚ ብሕማቕ ተግባራት ዝመልአ ጸብጻብ፡ ብዛዕባ ስጋውን መንፈሳውን ዕቤት ሳሙኤል ዚገልጽ ባህ ዜብል ጸብጻብ ንረክብ ኢና። ነቲ ኣብ 1 ሳሙኤል 2:18 ዚርከብ፡ ሳሙኤል ‘ገና ቘልዓ ኸሎ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብተኣማንነት የገልግል ነበረ’ ዚብል ጸብጻብ ትዝክሮ ትኸውን። ገና ቘልዓ ኸሎ እውን ከይተረፈ፡ ህይወቱ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዘተኰረት እያ ነይራ። ኣብ 1 ሳሙኤል 2:21፡ “ኣብ ቅድሚ [“የሆዋ፡” NW] ዐበየ” ዚብል ልቢ ዚትንክፍ ጸብጻብ ነንብብ። እናዓበየ ኪኸይድ ከሎ፡ ምስቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ዝነበሮ ርክብ እናደልደለ ኸደ። እቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ድልዱል ብሕታዊ ርክብ ከኣ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ዜበላሹ ነገራት ከም ዝሓለዎ ዜጠራጥር ኣይኰነን።
ሳሙኤል፡ እቲ ሊቀ ኻህናትን ደቁን ሓጢኣት ዚገብሩ እንተ ዀይኖም፡ ንሱ እውን ድላዩ ኺገብር ከም ዚኽእል ኬመኽኒ ይኽእል ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ ካልኦት ሰባት፡ እንተላይ እቶም ኣብ ሓላፍነት ዘለዉ ሰባት ዜርእይዎ ብልሽውና፡ ሓጢኣት ንኽትገብር ምኽኒት ኣይከውንን እዩ። ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ክርስትያን መንእሰያት ኣብ ቀረባኦም ዘለዉ ሰባት ጽቡቕ ኣብነት እኳ እንተ ዘይኰንዎም፡ ኣብነት ሳሙኤል ብምስዓብ፡ ‘ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይዓብዩ’ ኣለዉ።
ሳሙኤል ብንጽህና ብምምልላሱ እንታይ ዓስቢ ረኸበ፧ “ሳሙኤል እቲ ቘልዓ ኸኣ እናዐበየ ኸደ፡ ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ ሰብን ድማ ፍትዊ ነበረ” ዚብል ነንብብ። (1 ሳሙኤል 2:26) ስለዚ፡ ሳሙኤል ምናዳ ኣብ ቅድሚ እቶም ቅኑዓት ሰባት ተፈታዊ እዩ ነይሩ። ነቲ ዘርኣዮ ተኣማንነት ድማ፡ የሆዋ ኣኽቢሩ ይርእዮ ነበረ። ሳሙኤል፡ ኣምላኽ ንዅሉ እቲ ኣብ ሺሎ ዚግበር ዝነበረ ኽፋእ ንምውጋድ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፡ እዚ መዓስ ከም ዚኸውን ግን ይሓስብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
“ባርያኻ ይሰምዕ አሎ እሞ፡ ተዛረብ”
ሓደ ለይቲ፡ እቲ ዜተሓሳስቦ ዝነበረ ነገር ምላሽ ረኸበ። ገና ምድሪ ኸይወግሐ፡ እቲ ኣብቲ ድንኳን ዝነበረ ዓብዪ መብራህቲ ድማ ጭልምልም እናበለ ኸሎ፡ ሳሙኤል ስሙ ኺጽዋዕ ከሎ ሰምዐ። እቲ ኣዝዩ ኣሪጉን ዳርጋ ዓዊሩን ዝነበረ ኤሊ ዝጸውዖ መሰሎ። “ጐይዩ” ድማ ናብኡ ኸደ። እዚ ንእሽቶ ወዲ፡ ኤሊ እንታይ ከም ዝደለየ ንምፍላጥ ጥራይ እግሩ ኺጐዪ ኸሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ! ሳሙኤል ንኤሊ ብኣኽብሮትን ብሕያውነትን ይሕዞ ኸም ዝነበረ ምፍላጥና ልቢ ዚትንክፍ እዩ። ኤሊ ብዙሕ ሓጢኣት ገይሩ እኳ እንተ ነበረ፡ ሊቀ ኻህናት የሆዋ እዩ ነይሩ።—1 ሳሙኤል 3:2-5።
ሳሙኤል ንኤሊ ኣበራቢሩ፡ “ጸዊዕካኒ ኢኻ እሞ፡ እኔኹ” በሎ። ኤሊ ግን ከም ዘይጸውዖ ብምዝራብ፡ ተመሊሱ ንኺድቅስ ነገሮ። ብተደጋጋሚ ኸኣ ከምዚ ኣጋጠመ። ኣብ መወዳእታ፡ ኤሊ እንታይ ከም እተፈጥረ ኣስተውዓለ። የሆዋ ብራእይ ወይ ብትንቢታዊ መልእኽቲ ኣቢሉ ንህዝቡ ዚዛረቦም ዝነበረ ሓሓሊፉ እዩ ነይሩ፣ ከምኡ ዚዀነሉ ምኽንያት ከኣ ኪርድኣና ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ነቲ ንእሽቶ ወዲ ዝነበረ ሳሙኤል ተዛረቦ። ኤሊ ንሳሙኤል ተመሊሱ ኺድቅስ ብምንጋር፡ ብኸመይ ብግቡእ ኪምልስ ከም ዚግብኦ መኸሮ። ሳሙኤል ከኣ ተኣዘዘ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ “ሳሙኤል፡ ሳሙኤል” ዚብል ድምጺ ሰምዐ። እቲ ወዲ ድማ፡ “ባርያኻ ይሰምዕ አሎ እሞ፡ ተዛረብ” ኢሉ መለሰ።—1 ሳሙኤል 3:1, 5-10።
የሆዋ ኣብ መወዳእታ ዚሰምዖ ኣገልጋሊ ኣብ ሺሎ ረኸበ። ሳሙኤል ኣብ ምሉእ ህይወቱ ንየሆዋ ይሰምዕ ነበረ። ንሕናኸ፧ ለይቲ ልዕለ-ባህርያዊ ድምጺ ንኺዛረበና ኽንጽበ የብልናን። ኰይኑ ግን፡ ሎሚ በቲ እተማልአ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢልና፡ ድምጺ ኣምላኽ ወትሩ ኽንሰምዕ ንኽእል ኢና። ንድምጺ ኣምላኽ ሰሚዕና ምላሽ ብዝሃብና መጠን፡ እምነትና እውን እናወሰኸት እያ እትኸይድ። እምነት ሳሙኤል እውን እናወሰኸት እያ ኸይዳ።
እቲ ኣብታ ለይቲ እቲኣ ኣብ ሺሎ ዘጋጠመ ዅነታት፡ ኣብ ህይወት ሳሙኤል ነጥበ-መቐይሮ እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ንየሆዋ ብፍሉይ መገዲ ኺፈልጦ ጀመረ፡ ነብዪን ኣፈኛን ኣምላኽ ከኣ ኰነ። ፈለማ፡ ሳሙኤል፡ እቲ ብዛዕባ ስድራ ኤሊ እተዘርበ ትንቢት ዚፍጸመሉ እዋን ከም ዝቐረበ ዚሕብር ናይ መወዳእታ መልእኽቲ የሆዋ ንኤሊ ኸይነግሮ ፈርሀ። ኰይኑ ግን፡ ሳሙኤል ብትብዓት ንኤሊ ተዛረቦ፡ ኤሊ ኸኣ ነቲ መለኮታዊ ፍርዲ ብትሕትና ተቐበሎ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኵሉ እቲ የሆዋ ዝበሎ ተፈጸመ። እስራኤላውያን ምስ ፍልስጥኤማውያን ኪዋግኡ ምስ ከዱ፡ ሆፍንን ፊንሃስን ብሓንቲ መዓልቲ ተቐትሉ። ኤሊ ኸኣ እቲ ቕዱስ ታቦት የሆዋ ኸም እተማረኸ ምስ ሰምዐ፡ ሞተ።—1 ሳሙኤል 3:10-18፣ 4:1-18።
ይኹን እምበር፡ ሳሙኤል ከም እሙን ነብዪ ኣምላኽ መጠን ዝነበሮ ዝና እናዓበየ ኸደ። እቲ ጸብጻብ፡ “እግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ነበረ” ይብል፣ የሆዋ ኻብቲ ሳሙኤል እተዛረቦ ትንቢታት ዋላ ሓደ እውን ይኹን ከይተፈጸመ ኺተርፍ ኣይፈቐደን።—1 ሳሙኤል 3:19።
“ሳሙኤል ንየሆዋ ለመኖ”
እሞኸ እስራኤላውያን ንመሪሕነት ሳሙኤል ተቐቢሎም መንፈሳውያንን እሙናትን ህዝቢ ዀይኖምዶ፧ ኣይኰኑን። ድሕሪ ግዜ፡ ነብዪ ጥራይ ኪፈርዶም ኣይደለዩን። ከም ካልኦት ኣህዛብ፡ ሰብኣዊ ንጉስ ኪገዝኦም ደለዩ። ሳሙኤል ብመሪሕነት የሆዋ ነቲ ዝደለይዎ ፈጸመሎም። ኰይኑ ግን፡ ንእስራኤላውያን ክብደት እቲ ዝፈጸምዎ ሓጢኣት ነገሮም። ከመይሲ፡ ንሰብ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ እዮም ዚነጽግዎ ነይሮም። ስለዚ ኸኣ እዩ ሳሙኤል ነቶም ህዝቢ ኣብ ጊልጋል ዝኣከቦም።
ሳሙኤል ንእስራኤላውያን ኣብ ጊልጋል ኪዛረቦም ከሎ ኣብ ዝነበረ ውጥረት ዝመልኦ ዅነታት ከም ዝነበርና ጌርና እሞ ንሕሰብ። እቲ ብዕደመ ደፊኡ ዝነበረ ሳሙኤል፡ ብተኣማንነት ንጽህናኡ ሓልዩ ኸም እተመላለሰ ንእስራኤላውያን ኣዘኻኸሮም። ድሕሪኡ፡ “ሳሙኤል [“ንየሆዋ፡” NW] ለመኖ” ዚብል ነንብብ። ንየሆዋ ነጕድን ዝናምን ኪሰድድ እዩ ለሚንዎ።—1 ሳሙኤል 12:17, 18።
ኣብ ግዜ ሓጋይ፡ ነጕድን ዝናምን ኪህሉ ፈጺሙ ተሰሚዑ ኣይፈልጥን እዩ! እቶም ህዝቢ ብዛዕባ እዚ ይጠራጠሩ ወይ የላግጹ እንተ ነይሮም፡ ጥርጣረኦም ወይ ላግጾም ነዊሕ ኣይጸንሐን። እቲ ሰማይ ብሃንደበት ብደበና ተሸፈነ። ንፋስ ኪነፍስ ጀመረ፡ ነቲ ኣብ ግራውቲ ዝነበረ ስርናይ ከኣ ኣወዛወዞ። እዝኒ ዜጽምም ድምጺ ነጐዳ ድማ ይስማዕ ነበረ። ድሕሪኡ፡ ዝናም ኪዘንም ጀመረ። እቶም ህዝቢ እንታይ ተሰምዖም፧ “ንእግዚኣብሄርን ንሳሙኤልን ኣዝዮም ፈርሁ።” እወ፡ ኣብ መወዳእታ፡ ክሳዕ ክንደይ ሓጢኦም ከም ዝነበሩ ኣስተብሃሉ።—1 ሳሙኤል 12:18, 19።
ልቢ እዞም ዓለወኛታት ህዝቢ ኺትንክፍ ዝኸኣለ፡ ሳሙኤል ዘይኰነስ፡ የሆዋ ኣምላኽ እዩ ነይሩ። ሳሙኤል ካብ ግዜ ንእስነቱ ኽሳዕ እርጋኑ ብኣምላኽ ኣመነ። የሆዋ ኸኣ ባረኾ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ የሆዋ ኣይተለወጠን። ነቶም ንእምነት ሳሙኤል ዚቐድሑ ዘበሉ ይባርኾም እዩ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ናዝራውያን ኣልኮላዊ መስተ ኸይሰትዩን ጸጕሮም ከይቈርጹን ቃል ይኣትዉ ነበሩ። መብዛሕትኦም ሰባት፡ ንእተወሰነ እዋን ጥራይ እዮም ናዝራውያን ዝዀኑ ነይሮም፣ ከም ሲምሶንን ሳሙኤልን ዮሃንስ መጥምቕን ዝኣመሰሉ ግን፡ ምሉእ ህይወቶም እዮም ናዝራውያን ኰይኖም።
b እቲ ቤተ መቕደስ፡ ብዕንጨይቲ እተሰርሐ ዓብዪ ድንኳን ኰይኑ፡ ቅርጹ ቕኑዕ ርቡዕ ኵርናዕ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ብቘራብቲ ተሃስ፡ ብዜደንቕ መገዲ ብእተጠልፈ ዓለባ፡ ብወርቅን ብብሩርን ብእተለበጠ ኣዝዩ ኽቡር ዕንጨይቲ፡ ከምኡውን ብኻልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ብሉጽ ነገራት እዩ ተሰሪሑ። እቲ ቤተ መቕደስ፡ ቅኑዕ ርቡዕ ኵርናዕ ኣብ ዝቕርጹን መስዋእቲ ዚቐርበሉ ዜደንቕ መሰውኢ ኣብ ዘለዎን ኣጸድ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ግዜ፡ ኣብ ጐድኒ እቲ ማሕደር፡ ካህናት ዚጥቀሙሉ ተወሳኺ ኽፍልታት ተሰሪሑ ኪኸውን ኣለዎ። ሳሙኤል ኣብዚ ኽፍልታት እዚ ይድቅስ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
c ኣብቲ ጸብጻብ፡ ክልተ ዓይነት ንዕቀት እዩ ተገሊጹ ዘሎ። ብቐዳምነት፡ እቶም ካህናት ካብቲ ዝቐረበ መስዋእቲ ነየናይ ክፋል ኪበልዑ ኸም ዚኽእሉ፡ ኣብቲ ሕጊ ብንጹር ተገሊጹ ነበረ። (ዘዳግም 18:3) ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ማሕደር ዝነበሩ እኩያት ካህናት፡ ምስዚ ዚጻረር ተግባር ይፍጽሙ ነበሩ። ጊልያኦም ሻኳ ሒዙ ይመጽእ እሞ፡ ናብ ቍራዕ ይወግእ፡ እቲ ሻኳ ዘልዐሎ ዘበለ ኸኣ እቶም ካህናት ንርእሶም ይወስድዎ ነበሩ። ብዘይካዚ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ መስዋእቲ ኬቕርብ ኢሉ ናብቲ መሰውኢ ምስ ዚመጽእ፡ እቶም እኩያት ካህናት ብጊልያኦም ኣቢሎም፡ እቲ ስብሒ ሓሪሩ ንየሆዋ ገና ኸይቀረበ ኸሎ፡ ጥረ ስጋ ይወስዱ ነበሩ።—ዘሌዋውያን 3:3-5፣ 1 ሳሙኤል 2:13-17።
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ሳሙኤል ፈሪሁ እኳ እንተ ነበረ፡ ብተኣማንነት ነቲ መልእኽቲ ፍርዲ የሆዋ ንኤሊ ተዛረቦ
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ሳሙኤል ብእምነት ጸለየ፡ የሆዋ ኸኣ ነጕድን ዝናምን ብምስዳድ መለሰሉ