-
ብንቕሓት ተኸታተለን ተጸበየንኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
-
-
17, 18. (ሀ) ኤልያስ በታ ናብ ይዝርኤል እትወስድ መገዲ ኪኸይድ ከሎ እንታይ እዩ ኣጋጢምዎ፧ (ለ) ኤልያስ ካብ ቀርሜሎስ ተበጊሱ ናብ ይዝርኤል እናጐየየ ምኻዱ ዜደንቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)
17 እቲ ነብዪ የሆዋ በቲ ኣከኣብ ዝኸደሉ መገዲ ኺጐዓዝ ጀመረ። በቲ ነዊሕን ብደበና ዝጸልመተን ብዝናም ዝጨቀወን መገዲ ድማ እዩ ኺጐዓዝ። ይኹን እምበር፡ ቀጺሉ ሓደ ዘይተለምደ ነገር ኣጋጠመ።
18 “ኢድ የሆዋ ግና ኣብ ልዕሊ ኤልያስ ኰነት፣ ክዳኑ ናብ ሕቘኡ ሰብሲቡ ኸኣ፡ ክሳብ ይዝርኤል ቀቅድሚ ኣከኣብ ጐየየ።” (1 ነገ. 18:46) “ኢድ የሆዋ” ብልዕለ ባህርያዊ መገዲ ኣብ ልዕሊ ኤልያስ ከም ዝዓየየት ንጹር እዩ። ይዝርኤል 30 ኪሎ ሜተር ዚኸውን ርሒቓ እያ እትርከብ ነይራ፣ ኤልያስ ከኣ መንእሰይ ኣይነበረን።a እቲ ነብዪ ኣእጋሩ ኸም ልቡ ምእንቲ ኼንቀሳቕስ፡ ነቲ ገፈፍ ዚብል ክዳኑ ኣብ ምሕዅልቱ ብምእሳር ኪዕጠቕ ከሎ፡ ከምኡ እውን በቲ ብዝናም ዝጨቀወ መገዲ ብናህሪ እናጐየየ ነታ ሰረገላ ንጉስ ኬርክባን ቀዲምዋ ኺሓልፍን ከሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ።
19. (ሀ) እቲ ኤልያስ ካብ የሆዋ ዝረኸቦ ብርታዐን ሓቦን ነየናይ ትንቢታት እዩ ዜዘኻኽረና፧ (ለ) ኤልያስ ናብ ይዝርኤል ኪጐዪ ኸሎ፡ እንታይ እዩ ዚፈልጥ ነይሩ፧
19 እዝስ ንኤልያስ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ! ካብቲ ኣብ ንእስነቱ ዝነበሮ ኺበልጽ ዚኽእል ብርታዐን ሓይልን ሓቦን ምስ ተሰምዖ፡ ኣዝዩ ተሓጒሱ ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ኸኣ ብዛዕባ እቲ እሙናት ሰባት ኣብታ እትመጽእ ምድራዊት ገነት፡ ፍጹም ጥዕናን ሓይልን ከም ዚህልዎም ዚገልጽ ትንቢታት ኬዘኻኽረና ይኽእል እዩ። (ኢሳይያስ 35:6 ኣንብብ፣ ሉቃ. 23:43) ኤልያስ በቲ ዝጨቀወ ነዊሕ መገዲ ኺጐዪ ኸሎ፡ ስምረት እቲ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኣቦኡ ኸም ዝረኸበ ብርግጽ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።
-
-
ብኣምላኹ ተጸናንዐኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
-
-
1, 2. ኤልያስ ኣብ ሓንቲ ኣገዳሲት መዓልቲ እንታይ ፍጻመታት እዩ ርእዩ፧
ኤልያስ፡ ሰማይ ብደበና እናጸልመተ፡ ዝናም እውን እናሃረመ ይጐዪ ነበረ። ኣብ ይዝርኤል ንምብጻሕ ድማ፡ ገና ነዊሕ መገዲ ተሪፍዎ ነበረ። መንእሰይ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ “ኢድ የሆዋ” ኣብ ልዕሊኡ ብምንባራ፡ ደኺመ ኸይበለ ይጐዪ ነበረ። ቅድሚኡ ዘይነበሮ ሓይሊ ስለ ዝረኸበ ኸኣ፡ ነታ ንጉስ ኣከኣብ ዚጐዓዘላ ዝነበረ ሰረገላ ቐዲምዋ ሓለፈ።—1 ነገስት 18:46 ኣንብብ።
-