-
‘የሆዋ ብዓል ዓብዪ ሓይሊ እዩ’ንየሆዋ ቕረቦ
-
-
15. የሆዋ ምስ ኣገልገልቱ ኣብ ዚገብሮ ርክብ ንሓይሉ ንምንታይ ዕላማ እዩ ዚጥቀመሉ፧ እዚኸ ኣብ ኵነታት ኤልያስ ብኸመይ እዩ ተራእዩ፧
15 የሆዋ ንሓይሉ ኸም ውልቀ ሰባት መጠን ንኽረብሓና እውን ይጥቀመሉ እዩ። ብዛዕባ እዚ 2 ዜና መዋእል 16:9 እትብሎ ኣስተብህለሉ፦ “ኣዒንቲ የሆዋስ፡ ስለ እቶም ልቦም ምሉእ ብምሉእ ናብኡ ዝዀነ ብርታዐኡ ምእንቲ ኼርኢ፡ ኣብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ።” እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቐሰ ኤልያስ ዘሕለፎ ተመክሮ ነዚ ኣብነት ይዀነና እዩ። የሆዋ ነዚ ዜፍርህ ናይ መለኮታዊ ሓይሊ መግለጺ ዝሃቦ ስለምንታይ እዩ፧ እታ እክይቲ ንግስቲ ኢዛቤል ንኤልያስ ከተቕትሎ ጠሊቓትሉ ነበረት። እቲ ነብዪ ህይወቱ ንምድሓን ይሃድም እዩ ነይሩ። በይኑ ዝተረፈ ዀይኑ ተሰምዖ፡ ፈርሀ፡ ተስፋ ድማ ቘረጸ። ብሓጺሩ ኵሉ እቲ ዚገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ ኸንቱ ዀይኑ እዩ ተራእይዎ። የሆዋ ነዚ ኣብ ሽግር ወዲቑ ዝነበረ ኣገልጋሊኡ ንምጽንናዕ ኢሉ ብዛዕባ እቲ መለኮታዊ ሓይሊ ብንጹር ኣዘኻኸሮ። እቲ ዝረኣዮ ንፋስ፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ሓዊ፡ እቲ ኣብ ዩኒቨርስ ካብ ዘሎ ዅሉ ዝሓየለ ኣካል ምስኡ ኸም ዝነበረ እዩ ዚሕብሮ ነይሩ። እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኣብ ጐድኑ ኽነሱ፡ ካብ ኢዛቤል ፈሪሁ እንታይ ዜህድም ነበሮ፧—1 ነገስት 19:1-12።b
-
-
‘የሆዋ ብዓል ዓብዪ ሓይሊ እዩ’ንየሆዋ ቕረቦ
-
-
b መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋ ግና ኣብቲ ንፋስ . . . ኣብቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ . . . ኣብቲ ሓዊ ኣይነበረን” ይብለና። ኣገልገልቲ የሆዋ ኸምቶም ናይ ተፈጥሮ ኣማልኽቲ ዜምልኹ ሰባት ኣብ ናይ ተፈጥሮ ሓይልታት ኪረኽብዎ ሃሰስ ኣይብሉን እዮም። እቲ ንሱ ዝፈጠሮ ዝዀነ ይኹን ነገራት ኪሕዞ ኣይክእልን እዩ።—1 ነገስት 8:27።
-