ትዝክሮዶ፧
ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ብምንባብ ተሓጒስካዶ ኢኻ፧ እምበኣር እስከ ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ:-
• ምስ ካልእ ሰብ ንዝፍጠር ዘይምርድዳእ ኣብ ምፍታሕ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ እንታይ ኢዩ፧
ኣብ መጀመርታ ኵላትና ንግጉይ ሓሳባትን ኣመለኻኽታን እተቓላዕና ምዃንና ክንግንዘብ ኣሎና። ድሕርዚ: ምንጪ ናይቲ ግድላት ኣብ ክንዲ እቲ ሰብ ንሕና እንተ ዄንና ወይ እንተ ዘይኴንና ኣጸቢቕና ክንምርምር ኣሎና።—15/8 ገጽ 23
• እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 3:21 ተጠቒሱ ዘሎ “ዘመን ምቕናዕ ኵሉ” መዓስ ኢዩ ዝፍጸም፧
እቲ ምቕናዕ ብኽልተ ደረጃ ኢዩ ዝፍጸም። ቀዳማይ: ካብ 1919 ኣትሒዙ ምቕናዕ መንፈሳዊ ገነት ይካየድ ኣሎ። ተወሳኺ ምቕናዕ ድማ ምድርና ናብ ገነት ክትልወጥ ከላ ክፍጸም ኢዩ።—1/9 ገጽ 17, 18
• ጻጸ ከምቲ ኣብ ምሳሌ 6:6-8 ተጠቒሱ ዘሎ ሓለቓ ዘይብሉ ክነሱ ንዓና ሰናይ ኣብነት ክዀነና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
ኣብ ሓደ ጭፍራ ጻጸ ሓንቲ ንግስቲ ኣላ: እንተዀነ ግን እንቋቝሖ ስለ እትወልድን ኣደ ናይቲ ጭፍራ ብምዃናን ጥራይ ኢያ ንግስቲ እትበሃል። ጻጸ ጻዕረኛ ኢዩ: ስለዚ ዝቈጻጸረና ሰብ እኳ እንተ ዘይሃለወ ስራሕና ንምምሕያሽ ክንጽዕር ኣሎና።—15/9 ገጽ 26
• ዮስያስ ኣብ ውግእ ተወጊኡ ስለ ዝሞተ: እቲ ኣብ 2 ነገስት 22:20 ተመዝጊቡ ዘሎ “ብሰላም” ከም ዝመውት ዝሕብር ሑልዳ እተነበየቶ ትንቢት ትኽክል ድዩ፧
እወ: ባቢሎናውያን ብ609-607 ቅ.ኣ.ዘ. ንየሩሳሌም ቅድሚ ምኽባቦምን ምጥፋኦምን ስለ ዝሞተ ብሰላም ሞይቱ ክበሃል ይከኣል ኢዩ።—15/9 ገጽ 30
• ሰሎሞን ንሰበይቲ ከም “ፍትውቲ ዋላ: ጽብቕቲ ሜዳቝ” ገይሩ ምግላጹ ናእዳ ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ፧ (ምሳሌ 5:18, 19)
ኣንስተይቲ ጤለ-በዱ ወይ ሜዳቝ ህድእትን ምዕሩግ ባህርያት ዘለዋን ኢያ። እንተዀነ ግን: ክብጻሕ ኣብ ዘይከኣል ኣኻውሕ ዝመልኦ ከምኡውን መግቢ ብቐሊሉ ኣብ ዘይርከቦ ቦታ ክትነብር ትኽእል ኢያ።—1/10 ገጽ 30, 31
• ሄንሪ ግሩውን ጆርጅ ስቶርዝን እንታዎት ኢዮም፧
እዞም ክልተ ሰብኡት እዚኣቶም ኣብ መበል 19 ዘመን ዝነበሩ በላሕቲ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም። ግሩው ትምህርትታት ስላሴን ዘይትመውት ነፍስን ገሃነም እሳትን ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ምዃኑ ተረድአ። ስቶርዝ: ገሊኣቶም ሰባት ኣብ ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ከም ዝረኽቡ ኣስተውዓለ። ክልቲኦም ቅድሚ እቲ ኣብ 1879 ነዛ መጽሔት እዚኣ ክሓትም ዝጀመረ ቻርለስ ቴዝ ራስል ኢዮም ነይሮም።—15/10 ገጽ 26-30
• ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብናይ ገዛእ ርእስኻ ደም ንዝግበር ሕክምና ብኸመይ ኢዮም ዝርእይዎ፧
እምነቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ እተመስረተ: እንደገና ናብ ኣካሎም ንኽመልስዎ ኢሎም ደም ኣይኽዝኑን ኢዮም። ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኣብ እዋን መጥባሕቲ: ናይ ሕክምና መርመራ: ወይ እቲ መስርሕ ከይተቛረጸ ኣብ ትሕቲ ዝወሃብ ሕክምና ደሙ ብኸመይ ክተሓዝ ከም ዘለዎ ባዕሉ ክውስን ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ደም እንታይ ከም ዝብል ኣብ ግምት ከእቱን ንኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ እተወፈየ ምዃኑ ክዝክርን ኣለዎ።—15/10 ገጽ 30, 31
• ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት እተገብረ መጽናዕቲ: ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ኣገዳሲ ነገር ከም ዘድልዮም ኢዩ ሓቢሩ፧
ኣብተን ትሑት ቍጠባ ዘለወን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ልዕሊ 11,000 ዝኸውን ኣደራሻት መንግስቲ የድሊ ኣሎ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝርከቡ ክርስትያናት ዝገብርዎ ወፈያ ብቑዕ መአከቢ ቦታታት ኣብ ምህናጽ ይውዕል ኣሎ።—1/11 ገጽ 30
• ምስ ኣምልኾ ምትሕሓዝ ዘለወን ክልተ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጥቀመለን ናይ ግሪኽ ቃላት እንታይ ኢየን፧
ሓንቲ እታ “ህዝባዊ ኣገልግሎት” ተባሂላ እትትርጐም ለይቶርጊያ ክትከውን ከላ እታ ኻልኣይቲ ድማ እታ “ቅዱስ ኣገልግሎት” ተባሂላ እትትርጐም ላትሪያ እትብል ኢያ። (እብራውያን 10:11 NW፣ ሉቃስ 2:36, 37 NW )—15/11 ገጽ 11-13
• ካብ ናይ ኣዳምን ሄዋንን ጸብጻብ እንታይ መሰረታዊ ትምህርቲ ኢና ክንወስድ እንኽእል፧
ካብ የሆዋ ኣምላኽ ናጻ ክንወጽእ ምባል ዓቢ ዕሽነት ኢዩ።—15/11 ገጽ 24-7
• ኣምላኽ ንኣገልገልቱ ከም ዘሐይሎም ዝገልጽ እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ኣሎ፧
ዳዊትን ኣንባቆምን ሃዋርያ ጳውሎስን የሆዋ ከም ዘሐየሎም ወይ ከም ዘበርተዖም ህያው ምስክርነት ሂቦም ኢዮም። (መዝሙር 60:12፣ ኣንባቆም 3:19፣ ፊልጲ 4:13) ስለዚ: ኣምላኽ ንኸሐይለና ፍቓደኛ ምዃኑን ክእለት ከም ዘለዎን ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።—1/12 ገጽ 10, 11