መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን
7-13 ሕዳር
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 2 ነገስት 5-6
“ካብቶም ምሳታቶም ዘለዉስ ምሳና ዘለዉ ይበዝሑ”
it-1 716 ¶4
ኤልሳእ
እስራኤል ካብ መጥቃዕቲ ሶርያ ደሓነ። ብዘመን ንግስና ዮራም ንጉስ እስራኤል፡ ሶርያ ኣብ እስራኤል መጥቃዕቲ ኽትፍኑ ሓሰበት። ኤልሳእ ንንጉስ ዮራም፡ ኵሉ እቲ ምንቅስቓሳት ሶርያውያን ይገልጸሉ ብምንባሩ ግና፡ ውጥን ዳግማይ ቤን-ሃዳድ ብተደጋጋሚ ፈሸለ። ኣብ ፈለማ፡ ቤን-ሃዳድ ምስኡ ኸዳዕ ዘሎ መሰሎ። እቲ ናይ ሓቂ ጸገም ካበይ ምዃኑ ምስ ፈለጠ ግና፡ ናብ ዶታን ሰራዊት ለኣኸ፣ ንሳቶም ድማ ንኤልሳእ ምእንቲ ኺሕዝዎ ኢሎም ነታ ኸተማ ብኣፍራስን ብሰረገላታትን ከበብዋ። (ስእሊ፡ 1ይ ጥራዝ፡ ገጽ 950) ሽዑ፡ ጊልያ ኤልሳእ ፈርሀ፣ ኤልሳእ ግና ኣዒንቲ እቲ ጊልያ ምእንቲ ኪኽፈተሉ ናብ ኣምላኽ ጸለየ፣ “እንሆ ድማ፡ ኣብ ዙርያ ኤልሳእ፡ እቲ ኣኽራን ብኣፍራስን ሰረገላታትን ሓዊ መሊኡ ነበረ።” ድሕርዚ፡ ጭፍራ ሶርያውያን ናብ ኤልሳእ ምስ ቀረቡ፡ ንሱ፡ “በጃኻ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ብዑረት ውቕዓዮ” ኢሉ ኣንጻር እቲ ዝቐደመ ተኣምር ኪግበር ጸለየ። ነቶም ሶርያውያን ከኣ፡ “ስዓቡኒ” ኢሉ መርሖም፣ እንተዀነ ግና፡ ኢዶም ሒዙ ስለ ዘይመርሖም፡ እቲ ዑረቶም ኣካላዊ ዘይኰነስ፡ ኣእምሮኣዊ እዩ ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ። ነቲ ኺወስድዎ ዝመጹ ኤልሳእ ኣየለለይዎን፣ ናበይ ይመርሖም ምንባሩ እውን ኣይፈለጡን።—2ነገ 6:8-19።
ኤልሳእ ሰረገላታት ሓዊ ርእዩ ንስኻኸ፧
ኤልሳእ ኣብ ዶታን ብጸላእቲ እኳ እንተ ተኸብበ፡ ሃዲኡ ነበረ። ስለምንታይ፧ ኣብ የሆዋ ድልድልቲ እምነት ስለ ዝነበረቶ እዩ። ንሕና እውን ከምኣ ዓይነት እምነት ተድልየና እያ። ስለዚ፡ እምነትን ካልእ መዳያት ፍረ መንፈስን ምእንቲ ኸነርኢ፡ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኪውሃበና ንጸሊ።—ሉቃ. 11:13፣ ገላ. 5:22, 23።
it-1 343 ¶1
ዑረት
እቲ ሰራዊት ሶርያ ብቓል ኤልሳእ ዝዖርዎ ዑረት ኣእምሮኣዊ ዑረት ኪኸውን ኣለዎ። ብምሉኦም እቶም ሰራዊት ብኣካላዊ ዑረት እንተ ዚውቅዑ ነይሮም፡ ንዅሎም ብኢዶም ሒዙ ዚመርሖም መድለዮም ነይሩ። ኣብቲ ዛንታ ግና ኤልሳእ፡ “እዚኣ እታ መገዲ ኣይኰነትን፣ እዚኣ እውን እታ ኸተማ ኣይኰነትን። . . . ስዓቡኒ” ኸም ዝበሎም እዩ ተዘንትዩ ዘሎ። ዊልያም ጄምስ ኣብታ ፕሪንሲፕልስ ኦቭ ሳይኮሎጂ (1981፡ 1ይ ጥራዝ፡ ገጽ 59) እትብሃል መጽሓፉ ብዛዕባ እዚ ተርእዮ እዚ ኸምዚ ኢሉ ኣሎ፦ “ገለ ኻብቲ ንኮርተክስ ሓንጎልና ኼጋጥሞ ዚኽእል ልሙድ ሕማም፡ ኣእምሮኣዊ ዑረት እዩ። ከምዚ ዜጋጥሞ ሰብ ብርሃን ኪርኢ ዘይክእል ወይ ነቲ ዚርእዮ ኺርድኦ ዘይክእል ይኸውን ማለት ኣይኰነን። ብሳይኮሎጂ ኺርአ ኸሎ፡ ኣብ መንጎ ንብርሃን ዚርኢ ህዋስን ንዕኡ ዚውሃቦ ትርጉምን ምትእስሳር ዘይምኽኣል ተባሂሉ ኺርአ ይከኣል እዩ፣ እዚ ድማ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ዓይንናን ካልእ ሓሳባትን ዘሎ መገዲ ዜጋጥም መኻልፍ ኪኽሰት ይከኣል እዩ።” ሰራዊት ሶርያ ናብ ሰማርያ ምስ በጽሑ፡ የሆዋ ኻብ ከምዚ ዓይነት ዑረት እዩ ኣዒንቶም ከፊቱሎም ኪኸውን ዘለዎ። (2ነገ 6:18-20) ሰብ ሶዶም እውን ብኸምዚ ዓይነት ዑረት ተወቒዖም ኪዀኑ ኣለዎም፣ ከመይሲ፡ ምርኣይ ምስ ሰኣኑ በዚ ኣብ ክንዲ ዚጭነቑ፡ ኣፍ ደገ እንዳ ሎጥ ንምርካብ ይደኽሙ ኸም ዝነበሩ ኣብቲ ዛንታ ተሓቢሩ ኣሎ።—ዘፍ 19:11።
መንፈሳዊ ሃብቲ
ካብ ካልኣይ መጽሓፍ ነገስት ዚጐልሕ ነጥብታት
5:15, 16—ኤልሳእ ነቲ ንእማን ዘምጽኣሉ ገጽ በረኸት ዘይተቐበለ ስለምንታይ እዩ፧ ኤልሳእ፡ ንእማን ብተኣምራዊ መገዲ ኺሓዊ ዝኸኣለ፡ ብሓይሊ የሆዋ ደኣ እምበር ብሓይሉ ኸም ዘይኰነ ይፈልጥ ብምንባሩ እዩ ነቲ ገጽ በረኸት ዘይተቐበሎ። ነቲ የሆዋ ዝሃቦ ሓላፍነት መኽሰብ ንምርካብ ኪጥቀመሉ ፈጺምካ ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ። ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ፡ ካብ ኣገልግሎት የሆዋ ብሕታዊ ጥቕሚ ኺረኽቡ ኣይጽዕሩን እዮም። ነቲ የሱስ “ብኸምኡ ተቐበልኩም፡ ብኸምኡ ሀቡ” ብምባል ዝመዓዶም ማዕዳ ይዓዩሉ እዮም።—ማቴዎስ 10:8
14-20 ሕዳር
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 2 ነገስት 7-8
“የሆዋ ዘይተጸበይዎ ገይሩ”
it-1 716-717
ኤልሳእ
ይኹን እምበር፡ ዳግማይ ቤን-ሃዳድ ጸኒሑ ኺወርር መጸ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ፡ ሓሓሊፎም ዜጥቅዑ ዘመትቲ ጭፍራ ሒዙ ዘይኰነስ፡ ሰራዊት ኣኽቲቱ እዩ ንሰማርያ ኸቢብዋ። እቲ ኸበባ ኸቢድ ብምንባሩ፡ ብውሑዱ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ሓንቲ ሰበይቲ ንወዳ ኸም ዝበልዐት ነቲ ንጉስ ተሓበሮ። ሽዑ፡ እቲ “ወዲ ቐታል ነፍሲ” ተባሂሉ እተጸውዐ ንጉስ ዮራም ወዲ ኣከኣብ፡ ንኤልሳእ ከም ዚቐትሎ መሓለ። እቲ ብታህዋኽ ዝመሓሎ ማሕላ ግና ኣይተፈጸመን። ዮራም ምስ ሓጋዚኡ ናብ ቤት እቲ ነብዪ ምስ በጽሐ፡ ካብ የሆዋ ረድኤት ንምርካብ ዘለዎ ዅሉ ተስፋ ኸም ዘጥፍአ ገለጸ። ኤልሳእ ከኣ ነቲ ንጉስ ንጽብሒቱ ኣኺሉ ዚተርፍ እኽሊ ኸም ዚህሉ ኣረጋገጸሉ። እቲ ሓጋዚ ንጉስ ድማ ነቲ ትንቢት ኣባጨወሉ፣ ኤልሳእ ከኣ፡ “ብኣዒንትኻ ኽትርእዮ ኢኻ፣ ካብኡ ግና ኣይክትበልዕን ኢኻ” በሎ። ድሕርዚ፡ የሆዋ ንሶርያውያን ደሃይ ኣስሚዕዎም ስለ ዝነበረ፡ ንሳቶም እውን ናይ ብዙሓት ኣህዛብ ዓብዪ ሰራዊት ይመጾም ከም ዘሎ ስለ ዝኣመኑ፡ ሰፈሮም ምስ ኵሉ ስንቆም ሓዲጎም ሃደሙ። እቲ ንጉስ ከኣ ሶርያውያን ሰፈሮም ሓዲጎም ከም ዝሃደሙ ምስ ፈለጠ፡ ነቲ ሓጋዚኡ ኣብ ልዕሊ ሓለዋ ኣፍ ደገ ሓላፍነት ሃቦ። ኰይኑ ግና፡ እቶም ብጥሜት ተወዲኦም ዝነበሩ ህዝቢ ነቲ ሰፈር ንምግፋፍ ኪጓየዩ ኸለዉ፡ ነቲ ሓጋዚ ረገጽዎ እሞ ሞተ። ነቲ እኽሊ ብኣዒንቱ ረኣዮ፣ ካብኡ ግና ኣይበልዐን።—2ነገ 6:24-7:20።
መንፈሳዊ ሃብቲ
it-2 195 ¶7
መብራህቲ
ነገስታት ሓረግ ዳዊት። የሆዋ ኣምላኽ ንንጉስ ዳዊት ኣብ ዝፋን እስራኤል ኣጽንዖ፣ ዳዊት ድማ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣምላኽ ነቲ ህዝቢ ጥበበኛ መራሒ ዀኖ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ “መብራህቲ እስራኤል” ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ። (2ሳሙ 21:17) የሆዋ ንዳዊት ኣብ ዝኣተወሉ ኺዳን መንግስቲ፡ “ዝፋንካ . . . ንዘለኣለም ኪጸንዕ እዩ” ኢሉ ቓል ኣተወሉ። (2ሳሙ 7:11-16) ስለዚ፡ እቲ ኻብ ዳዊት ብወዱ ሰሎሞን ኣቢሉ ዚኸይድ ሓረግ ገዛእቲ ወይ ስርወ ንግስነት፡ “መብራህቲ” እስራኤል እዩ ነይሩ።—1ነገ 11:36፣ 15:4፣ 2ነገ 8:19፣ 2ዜና 21:7።
21-27 ሕዳር
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 2 ነገስት 9-10
“ትብዓትን ቈራጽነትን ቅንኣትን ኣርእዩ”
የሁ፡ ተሓላቒ ንጹህ ኣምልኾ
ህዝቢ እስራኤል ኣብ ሕማቕ ኵነታት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ የሁ ሓደ ተልእኾ ተዋህቦ። እታ ሰበይቲ ኣከኣብን ኣደ ንጉስ ዮራምን ዝነበረት እክይቲ ኢዛቤል፡ ኣብ እስራኤል ሕማቕ ጽልዋ ትገብር ነበረት። ንህዝቢ እስራኤል ንየሆዋ ገዲፎም ንበዓል ከም ዜምልኹ ገበረቶም፡ ንነብያት ኣምላኽ ቀተለቶም፡ ነቲ ህዝቢ ድማ ‘ብምንዝርናኣን ብኣስማታን’ ኣበላሸወቶ። (2 ነገ. 9:22፣ 1 ነገ. 18:4, 13) የሆዋ ንዮራምን ንኢዛቤልን ሓዊስካ ዅሎም ቤት ኣከኣብ ኪጸንቱ ኣወጀ። የሁ ነዚ ስጕምቲ እዚ ንምውሳድ መሪሕ ግደ ተዋህቦ።
የሁ፡ ተሓላቒ ንጹህ ኣምልኾ
ነቶም ናብኡ እተላእኹ ኽልተ ልኡኻት ምንም ምላሽ ከይሃበ ብምኻድ፡ ንንጉስ ዮራምን ነቲ መሻርኽቱ ዝዀነ ኣሓዝያ ንጉስ ይሁዳን ኣብ ሰሰረገላኦም ተቐሚጦም ረኸቦም። ዮራም ንየሁ፡ “የሁ፡ ደሓን ዲኻ፧” ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ ንሱ ድማ፡ “እቲ ናይ ኣዴኻ ኢዛቤል ምንዝርናን እቲ ብዙሕ ኣስማታን ክሳዕ ዘሎ፡ እንታይ ደሓኑ እዩ፧” ዚብል ተሪር ምላሽ ሃቦ። ዮራም በዚ ምላሽ እዚ ሰንቢዱ ሃደመ። የሁ ግና ቀልጢፉ ኣርከቦ እሞ ቐስቱ ገቲሩ ፍላጻ ብምውርዋር ኣብ ልቡ ወግኦ፡ ኣብ ሰረገላኡ ድማ ሞተ። ኣሓዝያ ኼምልጥ እኳ እንተ ፈተነ፡ የሁ ንዕኡ እውን ኣርኪቡ ቐተሎ።—2 ነገ. 9:22-24, 27።
ካብ ቤት ኣከኣብ፡ ቀጺላ ኽትቅተል ዝነበራ ኸኣ ንግስቲ ኢዛቤል እያ። የሁ ንኢዛቤል፡ “ርግምቲ” ኺብላ ሓቁ እዩ። ናብ ይዝርኤል እናኸደ ኸሎ፡ ኢዛቤል ካብ መስኮት ቤተ መንግስቲ ተቐልቂላ ኽትጥምቶ ኸላ ረኣያ። ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ስሉባት ድማ ካብ መስኮት ኬጽድፍዋ ኣዘዞም። ነዛ ንመላእ እስራኤል ዘበላሸወት ሰበይቲ ምስ ኣጽደፍዋ ኸኣ ብኣፍራሱ ገይሩ ረገጻ። ድሕሪኡ ድማ፡ ነቶም ዝተረፉ ኻልኦት ኣባላት ቤት እቲ እኩይ ኣከኣብ ኬጽንት ከደ።—2 ነገ. 9:30-34፣ 10:1-14።
የሁ፡ ተሓላቒ ንጹህ ኣምልኾ
የሁ ብዙሕ ደም እኳ እንተ ኣፍሰሰ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ንእስራኤል ካብ ጭቈና ኢዛቤልን ስድራ ቤታን ዝገላገለ ተባዕ ሰብኣይ ገይሩ እዩ ዚገልጾ። ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ ኺወስድ ዚኽእል፡ ሓደ ተባዕን ቈራጽን ቀናእን መራሕ እስራኤል ጥራይ እዩ ነይሩ። ሓደ መዝገበ ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ እቲ የሁ ዝዓመሞ ዕማም ከምዚ ብምባል ገለጸ፦ “ኣሸጋርን ብጽንዓት እተፈጸመን ሰፊሕ ዕዮ እዩ ነይሩ። ዝፈዀሰ ስጕምቲ እንተ ዚውሰድ ነይሩ፡ ኣገልገልቲ በዓል ካብ እስራኤል ምናልባት ኣይምጸነቱን።”
ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ንዜጋጥሞም ኵነታት ምእንቲ ኺዋጽእሉ ንገለ ኻብቲ የሁ ዝነበሮ ባህርያት ኬንጸባርቑ ኸም ዘለዎም ክትግንዘብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ኣብቲ የሆዋ ዚዅንኖ ተግባራት ክንጽመድ ምስ እንፍተን እንታይ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና፧ ነቲ ፈተና እቲ ብቕልጡፍን ብትብዓትን ብቕንኣትን ክንነጽጎ ኣሎና። ብኣምልኾና ዝመጸ፡ ንየሆዋ ቐናኣት ክንከውን ኣሎና።
መንፈሳዊ ሃብቲ
የሁ፡ ተሓላቒ ንጹህ ኣምልኾ
የሁ፡ እታ ኻብ ይሁዳ ተፈልያ ዝነበረት መንግስቲ እስራኤል፡ ብሃይማኖታዊ መገዲ እውን ክትፍለ ኸም ዘለዋ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ድማ፡ ከምቲ እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ነገስታት እስራኤል ዝገበርዎ፡ ኣምልኾ ምራኽ ከም ዚቕጽል ብምግባር እተን ክልተ መንግስትታት ተፈልየን ከም ዚነብራ ገበረ። እዚ ግና ኣብቲ ዘንገሶ የሆዋ ምሉእ እምነት ከም ዘይነበሮ ኺሕብር ይኽእል እዩ።
የሆዋ ንየሁ፡ “ኣብ ቅድመይ እቲ ቕኑዕ ዘበለ ኣጸቢቕካ ስለ ዝገበርካ” ብምባል እኳ እንተ ንኣዶ፡ “የሁ ብምሉእ ልቡ ብሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንምኻድ ኣይተጠንቀቐን።” (2 ነገ. 10:30, 31) ንዅሉ እቲ የሁ ኣቐድም ኣቢሉ ዝገበሮ ነገራት ኣብ ግምት ብምእታው፡ በዚ ኣብ መወዳእታ ዝወሰዶ ስጕምቲ ደንጽዩካን ጕሂኻን ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ኰይኑ ግና፡ እዚ ንዅላትና ዜመሓላልፎ ትምህርቲ ኣሎ። ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ፈጺምና ኣቕሊልና ኽንርእዮ የብልናን። መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕን ብዛዕባኡ ብምስትንታንን ንሰማያዊ ኣቦና ልባዊ ጸሎት ብምቕራብን ነቲ ንኣምላኽ ዘሎና ተኣማንነት ኣብ መመዓልቲ ኸነደልድሎ ኣሎና። ስለዚ እምበኣር፡ ብምሉእ ልብና ብሕጊ የሆዋ ንምምልላስ ብዝከኣለና መጠን ንጽዓር።—1 ቈረ. 10:12።
28 ሕዳር–4 ታሕሳስ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 2 ነገስት 11-12
“ህርፋን ስልጣን ዝነበራ እክይቲ ሰበይቲ ተቐጺዓ”
it-1 209
ዓታልያ
ዓታልያ ኸም ኣዲኣ ኢዛቤል ንሰብኣያ ዮራም፡ ኣብቲ ነጊሱሉ ዝነበረ ሸሞንተ ዓመት ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ኪገብር ትደፋፍኦ ነበረት። (1ነገ 21:25፣ 2ዜና 21:4-6) ከም ኣዲኣ እውን ከይሓነኸት ንጹህ ደም ኣፍሰሰት። እቲ ኣሓዝያ ዚብሃል እኩይ ወዳ ንሓደ ዓመት ድሕሪ ምንጋሱ ምስ ሞተ፡ ንዅሎም ዘርኢ ንጉስ ቀተለቶም። ነቲ ሕጻን ዝነበረ ዮኣስ ግና እቲ ሊቀ ኻህናትን እታ ኣሞ ዮኣስ ዝዀነት ሰበይቱን ስለ ዝሓብእዎ፡ ንሱ ጥራይ ካብ ሞት ኣምለጠ። በዚ ኸምዚ፡ ዓታልያ ኻብ ከባቢ 905-899 ቅ.ክ. ገዛእ ርእሳ ንግስቲ ገይራ ሸመት። (2ዜና 22:11, 12) ደቃ ኸኣ ካብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ቕዱስ ነገር ብምዝራፍ፡ ንበዓል ወፈይዎ።—2ዜና 24:7።
it-1 209
ዓታልያ
ዮኣስ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ምስ ኰነ፡ የሆያዳ እቲ ሊቀ ኻህናት ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ስጕምቲ ወሰደ። ንዮኣስ ከኣ ካብቲ ተሓቢኡሉ ዝነበረ ኣውጺኡ ወራሲ እቲ ዝፋን ገይሩ ኣንገሶ። ዓታልያ ድማ ጫውጫውታ ሰሚዓ ናብታ ቤተ መቕደስ ተቐላጢፋ ኸደት፣ እቲ ዚኸውን ዘሎ ምስ ረኣየት ከኣ፡ “ውዲት! ውዲት!” ኢላ ጨርሐት። ዮሆያዳ እቲ ሊቀ ኻህናት ድማ ካብታ ቤተ መቕደስ ኣውጺኦም ኪቐትልዋ ኣዘዘ፣ ኣብታ ኣፍራስ ናብ ቤት ንጉስ ዚኣትዉላ ኣፍ ደገ እውን ተቐትለት፣ ካብቶም ዜፈንፍኑ እንዳ ኣከኣብ፡ ንሳ ናይ መወዳእታ ኽትከውን ኣለዋ። (2ነገ 11:1-20፣ 2ዜና 22:1-23:21) በዚ ኸምዚ፡ “ካብቲ የሆዋ ኣንጻር ቤት ኣከኣብ እተዛረቦ፡ ሓንቲ ቓል የሆዋ እውን ኣብ ምድሪ ኸም [ዘይወደቐት]” ተራእየ።—2ነገ 10:10, 11፣ 1ነገ 21:20-24።
መንፈሳዊ ሃብቲ
it-1 1265-1266
ዮኣስ
ድሕሪኡ፡ የሆያዳ እቲ ሊቀ ኻህናት ብህይወት ኣብ ዝነበረሉ፡ ንዮኣስ እውን ኣቦን መኻርን ኰይንዎ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ እቲ መንእሰይ ንጉስ ጽቡቕ ኰይኑሉ ነበረ። ዮኣስ ወዲ 21 ዓመት ምስ ኰነ ተመርዓወ፣ ክልተ ኣንስቲ ኸኣ ነበራኦ፣ ሓንቲ ኻባታተን ዮዓዳን እያ ነይራ። ዮኣስ ከኣ ኣወዳትን ኣዋልድን ወለደ። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ኪብተኽ ቀሪቡ ዝነበረ ናብ መሲሕ ዚመርሕ ዘርኢ ዳዊት ዳግም ኪስስን ከኣለ።—2ነገ 12:1-3፣ 2ዜና 24:1-3፣ 25:1።
5-11 ታሕሳስ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 2 ነገስት 13-15
“ብምሉእ ልቢ ዚግበር ጻዕሪ ብዙሕ በረኸት የምጽእ”
ንክርስቶስ ምሉእ ብምሉእ ትስዕቦዶ ኣለኻ፧
11 ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ብቕንኣት ምግልጋል ዘለዎ ኣገዳስነት ንምጕላሕ፡ ኣብ ህይወት ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ዘጋጠመ ፍጻመ እስከ ንርአ። ዮኣስ፡ ሶርያ ንእስራኤል ክትስዕራ ኸም እትኽእል ስለ ዘተሓሳሰቦ፡ ናብ ኤልሳእ ከይዱ፡ ኣብ ቅድሚኡ በኸየ። እቲ ነብዪ ኸኣ፡ ናብ ሶርያ ገጹ ብእተኸፍተ መስኰት ኣቢሉ ፍላጻ ኺውርውር መምርሒ ሃቦ፣ እዚ ድማ ነቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ሶርያውያን ዚህቦ ዓወት የመልክት ነበረ። እዚ ነቲ ንጉስ ኬበራትዖ ነበሮ። ቀጺሉ፡ ኤልሳእ ንዮኣስ፡ ፍላጻታት ወሲዱ፡ ንምድሪ ኺወቕዓ ነገሮ። ዮኣስ ግን ንምድሪ ሰለስተ ሳዕ ጥራይ ወቕዓ። ኤልሳእ በዚ ተቘጥዐ፣ ከመይሲ፡ ዮኣስ ንምድሪ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ሳዕ እንተ ዚወቕዓ ነይሩ፡ ‘ንሶርያውያን ክሳዕ ዚውድኦም ከም ዚስዕሮም’ ዜመልክት እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ዮኣስ ሰለስተ ግዜ ጥራይ እዩ ብኸፊል ተዓዊቱ። እወ፡ ቅንኣት ስለ ዝጐደሎ፡ ውሱን ዓወት ጥራይ ረኸበ። (2 ነገ. 13:14-19) ካብዚ ጸብጻብ እዚ፡ እንታይ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧ የሆዋ ነቲ ዝሃበና ዕዮ ብምሉእ ልብናን ብቕንኣትን እንተ ዓዪና ጥራይ እዩ ኣብዚሑ ዚባርኸና።
‘ነቶም ዚደልይዎ ዓስቦም ዚህቦም’
የሆዋ ንመን እዩ ዓስቦም ዚህቦም፧ ጳውሎስ፡ “ነቶም ዚደልይዎ” ኢሉ ኣሎ። ሓደ ንተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕግዝ መወከሲ ጽሑፍ ከም ዝገለጾ፡ እታ “ዚደልይዎ” እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ‘ብዛዕባ ኣምላኽ ምፍላጥ’ ማለት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ‘ንኣምላኽ ንኸተምልኾ ኢልካ ምጽዓር’ እውን ከተመልክት ትኽእል እያ። ብዘይካዚ፡ ካልእ መወከሲ ጽሑፍ ከም ዝገለጾ፡ እታ ናይ ግሪኽኛ ግሲ፡ ዕምቈትን ሓያል ጻዕርን እውን ትሕብር እያ። እወ፡ የሆዋ ነቶም ብእምነቶም ተደሪኾም ካብ ልቢ ብዝመጨወ ፍቕርን ብቕንኣትን ዜገልግልዎ ሰባት ዓስቦም ይህቦም እዩ።—ማቴዎስ 22:37።
የሆዋ ንእሙናት ኣምለኽቱ ዓስቦም ዚህቦም ብኸመይ እዩ፧ ንዕምቈት ልግሱን ፍቕሩን ዜርኢ ብዋጋ ዘይሽነን መጻኢ ተመባጺዑ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር እዩ። (ራእይ 21:3, 4) ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ እቶም ንየሆዋ ዚደልይዎ ሰባት፡ ብዙሕ በረኸት ይረኽቡ ኣለዉ። ሳላ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽን ሳላ እቲ ኣብ ቃሉ ዚርከብ ጥበብን፡ ባህ ዜብልን ዜዕግብን ናብራ ይነብሩ ኣለዉ።—መዝሙር 144:15፣ ማቴዎስ 5:3።
መንፈሳዊ ሃብቲ
ካብ ካልኣይ መጽሓፍ ነገስት ዚጐልሕ ነጥብታት
13:20, 21—እዚ ተኣምር እዚ ቕዱስ እዩ ንዚበሃል ሃይማኖታዊ ቕርሲ ፍሉይ ኣኽብሮት ክንህቦ ኸም ዘሎና ድዩ ዜርኢ፧ ኣይፋሉን። መጽሓፍ ቅዱስ ኣዕጽምቲ ኤልሳእ ፍሉይ ኣኽብሮት ይወሃቦ ኸም ዝነበረ ኣይሕብርን እዩ። እዚ ተኣምር እዚ ኺግበር እተኻእለ፡ ከምቲ ኤልሳእ ብህይወት ከሎ ዝገበሮ ዅሉ ተኣምራት፡ ብሓይሊ ኣምላኽ እዩ።
12-18 ታሕሳስ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 2 ነገስት 16-17
“ትዕግስቲ የሆዋ ደረት ኣለዎ”
it-2 908 ¶5
ሰልመናስር
ንእስራኤል ተቘጻጸራ። ብዘመን ንግስና ሆሼዓ ንጉስ እስራኤል (ከ. 758-740 ቅ.ክ.)፡ ሰልመናስር ሓምሻይ ናብ እስራኤል መጸ፣ ሆሼዓ ድማ ጊልያኡ ዀይኑ ዓመታዊ ግብሪ ገበረሉ። (2ነገ 17:1-3) ኰይኑ ግና፡ ሆሼዓ ጸኒሑ ግብሪ ኣይገበረን፡ ምስ ሶእ ንጉስ ግብጺ እውን ኣብ ውዲት ኢዱ ኸም ዘእተወ ተፈልጠ። (ኣብ “ሶእ” ርአ።) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ሰልመናስር ንሆሼዓ ኣሰሮ፡ ንሰማርያ ኸኣ ሰለስተ ዓመት ከበባ፣ ድሕሪኡ፡ እታ ኸተማ ተታሕዘት፡ እስራኤላውያን እውን ናብ ምርኮ ተወስዱ።—2ነገ 17:4-6፣ 18:9-12፣ ምስ ሆሴ 7:11፣ ህዝ 23:4-10 ኣረኣኢ።
it-1 414-415
ምርኮ
ኣብታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ኰነ ኣብታ ብኽልተ ነገድ ዝቘመት ደቡባዊት መንግስቲ ይሁዳ፡ ጠንቂ እቲ ናብ ምርኮ ዝመርሐ ዅነታት ሕደ እዩ ነይሩ፦ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ የሆዋ ሓዲጎም ናብ ኣምልኾ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ብምዝንባሎም እዩ። (ዘዳ 28:15, 62-68፣ 2ነገ 17:7-18፣ 21:10-15) የሆዋ ንዅሎም ንምጥንቃቕ ነብያቱ ብቐጻሊ እኳ እንተ ለኣኸሎም፡ ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን። (2ነገ 17:13) ዋላ ሓደ ኻብ ነገስታት እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ እስራኤል ነታ ዓዲ ኻብቲ እቲ ቐዳማይ ንጉሶም፡ ማለት ካብቲ የሮብዓም ዘቘሞ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ምሉእ ብምሉእ ኣየንጽህዋን። እታ ብደቡብ እትርከብ ሓብታ ዝዀነት ይሁዳ እውን፡ ነቲ ኻብ የሆዋ ብቐጥታ እተዋህባ መጠንቀቕታ ዀነ ነቲ ብምኽንያት ምርኮ እስራኤል ዝረኣየቶ መለበሚ ኣይሰምዐትን። (ኤር 3:6-10) ኣብ መወዳእታኡ፡ ተቐማጦ ኽልቲአን መንግስትታት ናብ ምርኮ ተወስዱ፣ ንነፍሲ ወከፍ ህዝቢ እውን ብሓንሳእ ዘይኰነስ በብደረጃኡ እዮም ናብ ካልእ ሃገር ተወሲዶም።
መንፈሳዊ ሃብቲ
it-2 847
ሳምራውያን
ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ እታ “ሳምራውያን” እትብል ቃል፡ እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ ሰማርያ ብ740 ቅ.ክ. ምስ ተሳዕረት እያ ንፈለማ ግዜ እትርከብ። ኣብ መጀመርታ፡ ነቶም እታ ሰሜናዊት መንግስቲ ኸይተሳዕረት ከላ ኣብኣ ዚነብሩ ዝነበሩ ህዝቢ፡ ካብቶም ደሓር ካብ ካልእ ክፋል ሃጸያዊ ግዝኣት ኣሶር ናብኡ ዝመጹ ጓኖት ንምፍላይ እዩ ዚዕየየላ ነይሩ። (2ነገ 17:29) ኣሶራውያን ንዅሎም እስራኤላውያን ኣይኰኑን ናብ ካልእ ኣግዒዞምዎም፣ ስለምንታይሲ፡ ኣብ 2 ዜና መዋእል 34:6-9 (ምስ 2ነገ 23:19, 20 ኣረኣኢ) ዚርከብ ጸብጻብ፡ ብዘመን ንግስና ዮስያስ ኣብታ ምድሪ እቲኣ እስራኤላውያን ገና ኸም ዝነበሩ ይእምት እዩ። ጸኒሑ ግና፡ እታ “ሳምራውያን” እትብል ቃል፡ ንዘርኢ እቶም ኣብ ሰማርያ እተሓድጉን ኣሶራውያን ናብታ ምድሪ ዘምጽእዎምን ከተመልክት ጀመረት። ስለዚ፡ ገሊኦም ካብ እተሓናፈጸ መውስቦ እተወልዱ ኪዀኑ ኣለዎም። ድሕርዚ ድማ፡ እታ መጸውዒት፡ ካብ ዓሌታዊ ወይ ፖለቲካዊ ትርጉም ንላዕሊ፡ ሃይማኖታዊ ትርጉም ክትሕዝ ጀመረት። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እታ “ሳምራውያን” እትብል ቃል፡ ነቶም ኣብ ከባቢ ጥንታዊት ሴኬምን ሰማርያን ብብዝሒ ዚርከቡ ዝነበሩ፡ ካብ ኣይሁድነት ድማ ብእተወሰነ ፍልይ ዝበለ ሰረተ እምነት ዝነበሮም ጕጅለ ሃይማኖት እያ እተመልክት ነይራ።—ዮሃ 4:9።
19-25 ታሕሳስ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 2 ነገስት 18-19
“ተቓወምትና ኼዳኽሙና ዚፍትኑ ብኸመይ እዮም፧”
ካብ ካልኣይ መጽሓፍ ነገስት ዚጐልሕ ነጥብታት
18:19-21, 25—ህዝቅያስ ምስ ንጉስ ግብጺ ኺዳን ተኣታትዩ ነይሩ ድዩ፧ ኣይተኣታተወን። ራብሳቀ ‘ብፍቓድ እግዚኣብሄር’ ከም ዝመጸ ኣምሲሉ ይሕሱ ብምንባሩ፡ ብሓሶት እዩ ዚኸሶ ነይሩ። እቲ እሙን ንጉስ ህዝቅያስ ኣብ የሆዋ ጥራይ እዩ ዚውከል ነይሩ።
“ኣይትፍራህ፡ ክድግፈካ እየ”
ራብሳቀ ኣብ ልቢ ኣይሁድ ጥርጣረ ንኺዘርእ ኢሉ፡ ኬታልሎም ጸዓረ። “እቲ በረኸቱን መሰውኢታቱን ህዝቅያስ ዘግለሰሉ . . . ንሱዶ ኣይኰነን፧ . . . እግዚኣብሄር ደኣ፤ ነዛ ሃገር እዚኣ ደዪብካ ኣጥፍኣያ ኢሉኒ እዩ” በለ። (2 ነገ. 18:22, 25) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ‘የሆዋ ብህዝቡ ስለ ዝጐሃየ፡ ኣይኪዋግኣሎምን እዩ’ ኢሉ እዩ ዚማጐት ነይሩ። እዚ ግን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ ነይሩ። የሆዋ ብህዝቅያስን በቶም ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ እተመልሱ ኣይሁድን ባህ ይብሎ ነይሩ እዩ።—2 ነገ. 18:3-7።
ሸውዓተ ጓሶትን ሸሞንተ መሳፍንትን—ሎሚ ብኸመይ ይጠቕሙና፧
14 ንጉስ ኣሶርን ሰራዊቱን ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ የሩሳሌም ኣብ እትርከብ ከተማ ላኪሽ ሰፈሩ። ካብኣ ድማ ሰለስተ ልኡኻት ሰዲዱ፡ እታ ኸተማ ኢዳ ኽትህብ ኣዘዘ። እቲ ረብሳቄ ብዚብል ወግዓዊ ስም ዚጽዋዕ ዝነበረ ኣፈኛኡ ድማ እተፈላለየ ሜላታት ተጠቕመ። ብቛንቋ እብራይስጢ ተጠቒሙ፡ ነቶም ህዝቢ ብምሾት ኪነብሩሉ ኣብ ዚኽእሉ ቦታ ኸም ዚወስዶም ብሓሶት ብምምብጻዕ፡ ንንጉሶም ከዲዖም ንኣሶራውያን ኢዶም ኪህቡ ተማሕጸኖም። (2 ነገስት 18:31, 32 ኣንብብ።) ኣስዒቡ ድማ፡ ልክዕ ከምቲ ኣማልኽቲ ኣህዛብ ንኣምለኽቶም ኬድሕንዎም ዘይከኣሉ፡ የሆዋ እውን ንኣይሁድ ካብ ኢድ ኣሶራውያን ኬድሕኖም ከም ዘይክእል ተዛረበ። እቶም ህዝቢ ነዚ ዜካፍእ ፕሮፖጋንዳ ምላሽ ኪህቡሉ ዘይምፍታኖም ጥበባዊ እዩ ነይሩ። ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ እውን መብዛሕትኡ ግዜ ነዚ ኣብነት እዚ ይስዕብዎ እዮም።—2 ነገስት 18:35, 36 ኣንብብ።
yb74 177 ¶1
2ይ ክፋል—ጀርመን
እቶም ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሃይማኖቶም ከም ዚኽሕዱ ዚገልጽ ወረቐት ኬፈርሙ ኢሎም ብዙሕ ጸይቂ ነገራት ዚገብሩ ዝነበሩ ወተሃደራት ናዚ፡ ነቶም ዝፈረሙ ዘበሉ መብዛሕትኡ ግዜ ይግልበጥዎምን ካብ ቅድሚኡ ንላዕሊ የሸግርዎምን ነይሮም እዮም። ካርል ኪርሽት ነዚ ነገር እዚ ኸምዚ ኢሉ የረጋግጾ፦ “ኣብ መዳጐኒ ደምበታት፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም ኣደዳ ምትላል ዚዀኑ ነይሮም። በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ዚቐርበሎም ወረቐት ኪፍርሙ ኸም ዚሕበሉ ጌርካ ይሕሰብ ነይሩ። ብተደጋጋሚ፡ ክንፍርም ሕቶ ይቐርበልና ነይሩ። ገሊኦም ፈሪሞም እዮም፣ ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት ግና፡ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣጽኒሖም እዮም ዚፈትሕዎም ነይሮም። ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ ግቡዛትን ፈራሃትን ተባሂሎም ብወተሃደራት ናዚ ብዕሊ ይጸረፉ ነይሮም እዮም፣ ካብቲ ደምበ ቕድሚ ምውጻኦም እውን ኣብ ዙርያ ኣሕዋቶም ‘ዙረት ክብሪ’ ዚብሃል ጕዕዞ ኺገብሩ ይግደዱ ነይሮም እዮም።”
መንፈሳዊ ሃብቲ
it-1 155 ¶4
ስነ ጥንቲ
ንኣብነት፡ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር፡ ኣድራመለክን ሻሬጽርን ብዚብሃሉ ኽልተ ደቁ ኸም እተቐትለ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኤሳር-ሓዶን ከም ዝነገሰ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (2ነገ 19:36, 37) ኰይኑ ግና፡ ሓደ ዜና መዋእል ባቢሎን፡ ሰናክሪብ ኣብ መበል 20 ጤቤት ብሓደ ዝዓለወ ወዱ ኸም እተቐትለ ገሊጹ ኣሎ። በሮሰስ ዚብሃል ኣብ ሳልሳይ ዘመን ቅ.ክ. ዝነበረ ኻህን ባቢሎንን ናቦኒደስ ዚብሃል ኣብ ሻድሻይ ዘመን ቅ.ክ. ዝነበረ ንጉስ ባቢሎንን ከኣ፡ ሰናክሪብ ብሓደ ኻብ ደቁ ኸም እተቐትለ እዮም ተሪኾም። ኣብቲ ኣብ ቀረባ ግዜ እተረኽበ ስባር ፕሪዝም ኤሳር-ሓዶን ግና፡ እቲ ንሰናክሪብ ዝተክኦ ኤሳር-ሓዶን፡ ኣሕዋቱ (ማለት ልዕሊ ሓደ) ኻብ ኣቦኦም ከም ዝዓለዉን ንኣቦኦም ከም ዝቐተልዎን ካብታ ዓዲ ኸም ዝሃደሙን ብንጹር ገሊጹ ኣሎ። ፊሊፕ ባይበርፈልድ ኣብ ዩኒቨርሳል ጂዊሽ ሂስትሪ (1948፡ 1ይ ጥራዝ፡ ገጽ 27) ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኸምዚ ኢሉ ሓሳብ ሂቡ ኣሎ፦ “ዜና መዋእል ባቢሎንን ናቦኒድን በሮሰስን ተጋግዮም እዮም፣ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እዩ ቕኑዕ ኰይኑ ተረኺቡ። ኣብ ኵሉ ደቀቕቲ ዝርዝራቱ እኳ ልክዕ ምዃኑ፡ ብጽሑፍ ኤሳር-ሓዶን ተረጋጊጹ እዩ፣ ብዛዕባ እዚ ታሪኽ ባቢሎንን ኣሶርን ከኣ ካብ ናይ ባቢሎን ምንጭታት ንላዕሊ ልክዕ ምዃኑ ተራእዩ እዩ። ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሳነ ናይ ሽዑ ምንጭታት ኪግምገም ከሎ ኸኣ፡ እዚ ሓቂ እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።”
26 ታሕሳስ–1 ጥሪ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 2 ነገስት 20-21
“ጸሎት ንየሆዋ ጣልቃ ኺኣቱ ደሪኽዎ”
ip-1 394 ¶23
ሓደ ንጉስ ዓስቢ እምነቱ ረኸበ
23 ኣብ ከባቢ እቲ ሰናክሪብ ንፈለማ ኣንጻር ይሁዳ ዝመጸሉ እዋን፡ ህዝቅያስ ከቢድ ሕማም ሓመመ። ኢሳይያስ ከኣ ንህዝቅያስ ከም ዚመውት ነገሮ። (ኢሳይያስ 38:1) እቲ ወዲ 39 ዓመት ዝነበረ ንጉስ ኣመና ሓዘነ። ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ጥራይ ኣይኰነን ሓዚኑ፣ የግዳስ፡ ብዛዕባ መጻኢ ህዝቡ እውን ሓዚኑ እዩ። የሩሳሌምን ይሁዳን ስግኣት ወራር ኣሶራውያን ነይርወን እዩ። እሞ ደኣ ህዝቅያስ እንተ ሞይቱ መን ነቲ ውግእ ኪመርሖ እዩ፧ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ህዝቅያስ ኣብ ንግስናኡ ዚትክኦ ወዲ ኣይነበሮን። ስለዚ፡ ህዝቅያስ ካብ የሆዋ ምሕረት ንምርካብ ኣምሪሩ ጸለየ።—ኢሳይያስ 38:2, 3።
ንየሆዋ ብምሉእ ልቢ ኣገልግሎ
16 ጸኒሑ፡ ህዝቅያስ ናብ ሞት ክሳዕ ዚቐርብ ሓመመ። ንየሆዋ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ብኸመይ ከም እተመላለሰ ኺዝክር ለመኖ። (2 ነገስት 20:1-3 ኣንብብ።) የሆዋ ድማ ንህዝቅያስ ብምሕዋይ ንጸሎቱ መለሰሉ። ኣብዚ ግዜ እዚ ግና፡ ኣምላኽ ብተኣምራዊ መገዲ ኸም ዘየሕውየና ወይ ከኣ ዕድመና ኸም ዘየናውሕ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተረዲእና ኢና። ይኹን እምበር፡ ነፍሲ ወከፍና ኸም ህዝቅያስ፡ ‘ብተኣማንነትን ብምሉእ ልብን ተመላሊሰ እየ’ ኢልና ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። እሞኸ የሆዋ ኣብ ዓራት ሕማምካ እውን ኪድግፈካ ኸም ዚኽእል ትኣምን ዲኻ፧—መዝ. 41:3።
g01 22/7 13 ¶4
ጸሎት ብኸመይ ኪሕግዘኒ ይኽእል፧
ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ገሊኦም ናይ እምነት ሰባት ንጸሎቶም ቀጥታዊ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ተኣምራዊ ምላሽ ይረኽቡ ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ ንጉስ ህዝቅያስ ዘይምሕር ሕማም ከም ዘለዎ ምስ ፈለጠ፡ ካብ ሕማሙ ንምሕዋይ ናብ ኣምላኽ ተማህለለ። ኣምላኽ ከኣ፡ “ጸሎትካ ሰሚዐ፡ ንብዓትካ እውን ርእየ እየ። እንሆ ድማ፡ አሕውየካ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ። (2 ነገስት 20:1-6) ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ካልኦት ሰብኡትን ኣንስትን እውን፡ ብተመሳሳሊ ኢድ ኣምላኽ ርእዮም እዮም።—1 ሳሙኤል 1:1-20፣ ዳንኤል 10:2-12፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:24-31፣ 10:1-7።
መንፈሳዊ ሃብቲ
it-2 240 ¶1
መዐቀኒ ጽፍሒ
መዐቀኒ ጽፍሒ ንሓደ ህንጻ ብግቡእ ንምህናጽ ወይ ንምዕቃቡ ብቑዕ እንተ ዀይኑ ንምፍታሽ ዜገልግል ዝነበረ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሆዋ ኣብ ልዕሊ እታ ፋሉል ዝዀነት የሩሳሌም፡ “እቲ ሰማርያ እተለክዓትሉ ገመድ መለክዒ” ኺዝርግሕ፡ “እቲ ቤት ኣከኣብ እተዓቀነትሉ መዐቀኒ ጽፍሒ” እውን ኪጥቀም ምዃኑ ተነብዩ እዩ። ኣምላኽ ንሰማርያን ንቤት ንጉስ ኣከኣብን ምስ ለክዐን፡ ብስነ ምግባር ክፉኣት ወይ ቄናናት ኰይነን እዩ ረኺብወን። ብተመሳሳሊ፡ ንየሩሳሌምን ንገዛእታን ከም ዚፈርዶም፡ እከዮም ከም ዜቃልዕ፡ ኣብታ ኸተማ እውን ጥፍኣት ከም ዜምጽእ እዩ ገሊጹ። እዚ ኸኣ ብ607 ቅ.ክ. ብልክዕ ተፈጺሙ እዩ። (2ነገ 21:10-13፣ 10:11) የሆዋ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ንዚርከብ ህዝቢ ዚገዝኡ ዝነበሩ እኩያትን ምኩሓትን ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ መዓት ብኢሳይያስ ኣቢሉ፡ “ፍትሒ፡ ገመድ መለክዒ፡ ጽድቂ ኸኣ፡ መዐቀኒ ጽፍሒ ኽገብር እየ” ኢሉ ኣፍሊጥዎም እዩ። ብመሰረት መለክዒታት ናይ ሓቂ ፍትሕን ጽድቅን፡ መን ብሓቂ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ዝዀኑ፡ መን ከኣ ኸም ዘይኰኑ ይፍለጥ እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ከም ዚዕቀቡ ወይ ከም ዚጠፍኡ ይውሰን።—ኢሳ 28:14-19።