መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን
7-13 መጋቢት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ሳሙኤል 12-13
“ትዕቢት ናብ ውርደት ይመርሕ”
ትዕቢት ናብ ውርደት ይመርሕ
17 መጀመርታ ክትርእዮ ኸሎኻ ሳኦል ዝወሰዶ ስጕምቲ ልክዕ መሲሉ ይርአ ይኸውን። ከመይሲ ህዝቢ ኣምላኽ ‘ጸቢብዎምን’ በቲ ዝነበረ ዘሕዝን ኵነታት ተስፋ ቈሪጾምን ኢዮም ነይሮም። (1 ሳሙኤል 13:6, 7) እቲ ኵነታት ብሓቂ ዘገድድ ምስ ዝኸውን ተበግሶ ምውሳድ ብርግጽ ጌጋ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን፡ የሆዋ ልቢ ከንብብ፡ ውሽጣዊ ድራኸ ድማ ክፈልጥ ከም ዝኽእል ኣይትረስዕ። (1 ሳሙኤል 16:7) ኣብ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐጥታ ዘይተገልጸ የሆዋ ኣብ ሳኦል ዝረኣዮ ገለ ነገራት ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። ንኣብነት፡ ሃወኽ ሳኦል ብትዕቢት እተለዓዓለ ምዃኑ የሆዋ ኣስተብሂልሉ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንጉስ ምልእቲ እስራኤል ክነሱ ንሓደ ዕንይንይ ክብል ግዜኡ ዘጥፍእ ገይሩ ዝሓሰቦ ኣረጊት ነብዪ ምጽባዩ ኣዝዩ ኣቘጢዕዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ! እቲ ዀይኑ እቲ፡ ሳኦል ምድንጓዩ ሳሙኤል ንነገራት ባዕሉ ክገብሮ ከምኡውን ነቲ እተዋህቦ ንጹር ዝዀነ መምርሒ ንኽጥሕስ ውሕስነት ዝዀኖ ገይሩ ወሲድዎ ኢዩ። እቲ ውጽኢትከ፧ ሳሙኤል ነቲ ናይ ሳኦል ተበግሶ ኣይወደሶን። ኣብ ክንድኡስ “እቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዘካ ኣይሐሎኻን እሞ፡ መንግስትኻ ኣይትቐውምን እያ” ኢሉ ገንሖ። (1 ሳሙኤል 13:13, 14) ኣብዚ እውን እንተዀነ ትዕቢት ናብ ውርደት ኢዩ መሪሑ።
የሆዋ ንተኣዛዝነትካ ኣኽቢሩ ይርእዮ
8 እቲ ብዛዕባ ሳኦል ዚገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣገዳስነት ተኣዛዝነት ዜጕልሕ እዩ። ሳኦል ‘ኣብ ዓይኑ ንእሽቶ’ ዝዀነ ትሑትን ምቕሉልን ገዛኢ ዀይኑ እዩ ጀሚሩ። ድሕሪ ግዜ ግን ውሳነታቱ ብትዕቢትን ብናይ ሓሶት ምኽንያታትን ኪጽሎ ጀመረ። (1 ሳሙኤል 10:21, 22፣ 15:17) ሓደ እዋን፡ ሳኦል ንፍልስጥኤማውያን ኪዋግኦም ተዳልዩ ነበረ። ሳሙኤል ንየሆዋ መስዋእቲ ኸም ዜቕርቡን ተወሳኺ መምርሒ ኸም ዚህቦን ብምግላጽ ኪጽበዮ ነገሮ። ይኹን እምበር፡ ሳሙኤል ደንጐየ፣ እቲ ህዝቢ ድማ ኪበታተን ጀመረ። ሳኦል ነዚ ምስ ረኣየ፡ “ዚሐርር መስዋእቲ . . . ሰውኤ።” እዚ ንየሆዋ ኣጕሃዮ። ኣብ መወዳእታኡ ሳሙኤል ምስ መጸ፡ እቲ ንጉስ ሳሙኤል ስለ ዝደንጐዮ፡ ሞገስ የሆዋ ንምርካብ ‘ደፊሩ’ ዚሓርር መስዋእቲ ኸም ዘቕረበ ብምግላጽ ነቲ ዘይተኣዛዝነቱ ኼመኻኒ ፈተነ። ንንጉስ ሳኦል ካብቲ ነዚ መስዋእቲ እዚ ንምቕራብ ንሳሙኤል ኪጽበዮ እተዋህቦ መምርሒ ንላዕሊ፡ መስዋእቲ ምቕራብ ብዝያዳ ኣገዳሲ ነበረ። ሳሙኤል፡ “ዐሺኻ፡ እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝአዘዘካ ትእዛዝ ኣይሐሎኻን” በሎ። ሳኦል ንየሆዋ ብዘይምእዛዙ ንግስነቱ ኸም ዚስእን ገበሮ።—1 ሳሙኤል 10:8፣ 13:5-13
መንፈሳዊ ሃብቲ
ንፍቕራዊ መምርሒ የሆዋ ትስዕቦ ዲኻ፧
15 እቶም ህዝቢ፡ ሰብኣዊ ንጉስ ካብ የሆዋ ንላዕሊ ትውክልቲ ዚግበሮ ኸም ዝዀነ ድዮም ሓሲቦም፧ ከምኡ እንተ ሓሲቦም፡ ከንቱ ነገራት ይስዕቡ ኸም ዝነበሩ ርዱእ እዩ። ደድሕሪ እቲ ሰይጣን ዜቕርቦ ዘይጭበጥ ነገራት ብምስዓብ እውን ኣብ ሓደጋ ኺኣትዉ ይኽእሉ ነበሩ። ከመይሲ፡ ሰብኣውያን ነገስታት ብቐሊሉ ናብ ኣምልኾ ጣኦት ኪመርሕዎም ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ኣምለኽቲ ጣኦት፡ ካብ ዕንጨይቲ ወይ እምኒ እተሰርሑ ብዓይኒ ዚርኣዩ ኣማልኽቲ፡ ካብቲ ንዅሉ ዝፈጠረ ዘይርአ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ንላዕሊ ትውክልቲ ዚግበሮም ከም ዝዀኑ እዮም ዚሓስቡ። ኰይኑ ግን፡ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ፡ ጣኦታት “ሓቀኛ ህላዌ” የብሎምን። (1 ቈረ. 8:4፡ ትርጕም 1990) ኪርእዩ፡ ኪሰምዑ፡ ኪዛረቡ፡ ወይ ዝዀነ ነገር ኪገብሩ ኣይክእሉን እዮም። ዚርኣዩን ዚድህሰሱን እኳ እንተ ዀኑ፡ ንዓታቶም ኣምልኾ ምቕራብ ግን፡ ደድሕሪ ኺጭበጥ ዘይክእል ከንቱ ነገራት ከም ምስዓብ እዩ ዚቝጸር፣ እዚ ኸኣ፡ ጕድኣት ጥራይ እዩ ዜስዕብ።—መዝ. 115:4-8።
14-20 መጋቢት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ሳሙኤል 14-15
“ተኣዛዝነት ካብ መስዋእቲ ይበልጽ”
የሆዋ ንተኣዛዝነትካ ኣኽቢሩ ይርእዮ
4 የሆዋ ፈጣሪ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ብስጋዊ መዳይ ዘሎና ነገራት ይውንኖ እዩ። እሞኸ ንዕኡ ኽንህቦ እንኽእል ነገር ኣሎዶ፧ እወ፡ ሓደ ኣዝዩ ኽቡር ዝዀነ ነገር ክንህቦ ንኽእል ኢና። እዚ እንታይ እዩ፧ ነቲ መልሲ ኣብዚ ዚስዕብ ምዕዶ ኽንረኽቦ ንኽእል ኢና፦ “ወደየ፡ ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ፡ ጥበበኛ ኹን፡ ንልበይውን ኣሐጕሶ።” (ምሳሌ 27:11) ንኣምላኽ ተኣዛዝነትና ኽንህቦ ንኽእል ኢና። እተፈላለየ ዅነታትን ድሕረ-ባይታን እኳ እንተ ሃለወና፡ እዙዛት ብምዃን ግን ነፍሲ ወከፍና ነቲ ሰባት ፈተና ምስ ዜጋጥሞም ንኣምላኽ እሙናት ኣይኰኑን እዮም ዚብል ሰይጣን ዘቕረቦ እኩይ ክሲ መልሲ ኽንህበሉ ንኽእል ኢና። እዝስ ከመይ ዝበለ ኽብሪ ዀን እዩ!
it-2 521 ¶2
ተኣዛዝነት
ንተኣዛዝነት መተካእታ የብሉን፣ ብዘይ ብእኡ ሞገስ ኣምላኽ ኪርከብ ኣይከኣልን እዩ። ከምቲ ሳሙኤል ንንጉስ ሳኦል ዝበሎ፡ “ንየሆዋስ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ከም ንድምጺ የሆዋ እዙዝ ምዃን [ረባሕታ ናይ ሻማዕ] ገይሩዶ ባህ የብሎ እዩ፧ እንሆ፡ ተኣዛዝነት [ቃል ብቓሉ፡ ምስማዕ] ካብ መስዋእቲ ይበልጽ፡ ኣቓልቦ ድማ ካብ ስብሒ ደዓውል።” (1ሳሙ 15:22) ዘይተኣዛዝነት ንቓል የሆዋ ኸም ምንዓቕ፡ ማለት ኣብቲ ቓል ወይ ምንጩ ኸም ዘይትኣምን ዜርኢ እዩ። ስለዚ፡ ዘይእዘዝ ሰብ ካብ ዚጥንቍል ሰብ ወይ ጣኦታት ካብ ዜምልኽ ሰብ ፈሊኻ ኣይርአን እዩ። (1ሳሙ 15:23፣ ምስ ሮሜ 6:16 ኣረኣኢ።) ሓደ ሰብ ነቲ ብኣፉ ‘ሕራይ’ ዝበሎ ብግብሩ እንተ ዘይደጊፍዎ፡ እሺታኡ ዋላ ሓንቲ ኣይረብሕን እዩ፣ ንዚውሃብ መምርሒ ዘይምቕባል፡ ነቲ ምንጪ እቲ መምርሒታት ከም ዘይትኣምነሉ ወይ ከም ዘይተኽብሮ እዩ ዜርኢ። (ማቴ 21:28-32) እቶም ነቲ ኣምላኽ ዚገልጾ ሓቂ ብእዝኖም ብምስማዕን ብኣእምሮኦም ብምቕባልን ዚዓግቡ፡ ግናኸ ነቲ ዚብሎ ዘይገብሩ ሰባት፡ ብናይ ሓሶት ሓሳብ እዮም ርእሶም ዜታልሉ፡ በረኸት እውን ኣይረኽቡን እዮም። (ያእ 1:22-25) ዋላ እውን እቶም እዙዛት ዚመስሉ፡ ማለት ብግጉይ መገዲ ወይ ብግጉይ ውሽጣዊ ድራኸ እዙዛት ዚመስሉ፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይኣትዉ፡ ጠሪሶም እውን ተቐባልነት ከም ዘይረኽቡ ወዲ ኣምላኽ ብንጹር ገሊጹ እዩ።—ማቴ 7:15-23።
መንፈሳዊ ሃብቲ
it-1 493
ርሕራሐ
ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ዚጻረር ኵነታት ብጸቕጢ ተሰኒፍካ ምርሕራሕ፡ ከቢድ ሳዕቤናት ኪህልዎ ይኽእል እዩ። እዚ ኣብቲ ንንጉስ ሳኦል ዘጋጠሞ ነገር ተራእዩ ኣሎ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣማሌቃውያን ፍርዲ ኣምላኽ ዚፍጸመሉ ግዜ ኣኺሉ ነይሩ፣ ኣማሌቃውያን ዋላ ሓደ ኸይተንከዮም ኣብ ልዕሊ እቶም ካብ ግብጺ ዝወጹ እስራኤላውያን መጥቃዕቲ ዝፈነዉ ህዝቢ እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ ሳኦል ኪርሕርሓሎም ከም ዘይብሉ ተነግሮ። ንሱ ግና በቲ ኻብ ህዝቡ ዝወረዶ ጸቕጢ ስለ እተሰነፈ፡ ትእዛዝ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ኣይሰዓበን። ስለዚ፡ የሆዋ ንሳኦል፡ ንጉስ ከይከውን ነዓቖ። (1ሳሙ 15:2-24) ሓደ ሰብ፡ መገድታት የሆዋ ቕኑዕ ምዃኑ ኣጸቢቑ ምስ ዚርድኦን ንዕኡ ዘለዎ ተኣማንነት ቀዳማይ ቦታ ምስ ዚህቦን፡ ከምቲ ሳኦል ዝገበሮ ጌጋ ኸይጋገ፡ ስምረት ኣምላኽ እውን ከይስእን ይስተር እዩ።
21-27 መጋቢት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ሳሙኤል 16-17
“እቲ ውግእ ናይ የሆዋ እዩ”
“እቲ ውግእ ናይ የሆዋ እዩ”
ዳዊት ንሳኦል፡ ንኣንበሳን ንድብን እንታይ ከም ዝገበሮም ነገሮ። ዳዊት ይጀሃር ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። ዳዊት ነቲ ቕልስ ብኸመይ ከም እተዓወተሉ ይፈልጥ ነበረ። “እቲ ኻብ ኢድ ኣንበሳን ካብ ኢድ ድብን ዘናገፈኒ የሆዋ፡ ንሱ ኻብ ኢድ እዚ ፍልስጥኤማዊ እዚ ኼናግፈኒ እዩ” ድማ በሎ። ኣብ መወዳእታ ሳኦል “ኪድ፡ የሆዋ ምሳኻ ይኹን” ብምባል መለሰሉ።—1 ሳሙኤል 17:37።
ከም ናይ ዳዊት ዝዓይነታ እምነት ክትህልወካ ትደሊዶ፧ እምነት ዳዊት ኣብ ትምኒት ዘይኰነስ፡ ኣብ ፍልጠትን ተመክሮን እተመስረተት እያ ነይራ። የሆዋ፡ ፈቃር መዕቈብን ንዝሃቦ ተስፋ ዚፍጽምን ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። ከምዚኣ ዝበለት እምነት ከነጥሪ እንተ ደሊና፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዚርከብ ኣምላኽ ብቐጻሊ ኽንምሃር የድልየና። ነቲ እተመሃርናዮ ኣብ ናብራና ምስ እንዓየሉ ኸኣ እቲ እንረኽቦ ጽቡቕ ውጽኢት ንእምነትና ኼደልድላ እዩ።—እብራውያን 11:1።
“እቲ ውግእ ናይ የሆዋ እዩ”
እቲ ዳዊት ዝሃቦ መልሲ፡ ክሳዕ ሎሚ ኸም ዓብዪ መግለጺ እምነት እዩ ዚርአ። እቲ መንእሰይ ንጐልያድ፡ “ንስኻ ብሰይፍን ብዂናትን ብመዝረቕን ትመጸኒ ኣለኻ፣ ኣነ ግና ብስም የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ እቲ ንስኻ ዘባጨኻሉ ኣምላኽ ሰልፈኛታት እስራኤል እመጸካ ኣለኹ” ኺብሎ ኸሎ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ዳዊት፡ ሓይልን ኣጽዋርን ሰባት ዋጋ ኸም ዘይብሉ ይፈልጥ ነበረ። ጐልያድ ንየሆዋ ኣምላኽ እዩ ንዒቕዎ፣ የሆዋ ድማ ምላሽ ኪህበሉ እዩ። ከምቲ ዳዊት ዝበሎ፡ “እቲ ውግእ ናይ የሆዋ እዩ” ነይሩ።—1 ሳሙኤል 17:45-47።
ዳዊት ንግዝፊ ጐልያድን ንኣጽዋሩን ኣብ ግምት ኣየእተዎን ማለት ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ እዚ ተስፋ ኬቝርጾ ኣይፈቐደን። ከምቲ ሳኦልን ኣባላት ሰራዊቱን ዝፈጸምዎ ጌጋ ኣይገበረን። ንገዛእ ርእሱ እውን ምስ ጐልያድ ኣየወዳደራን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንጐልያድ ምስ የሆዋ ብምንጽጻር እዩ ርእይዎ። ጐልያድ 2.9 ሜተር ዝቝመቱ ብምንባሩ ኻብ ካልኦት ሰብኡት ብቝመት ጸብለል ኢሉ ይርአ ነበረ፣ ምስቲ ልዑላዊ ገዛኢ ዅሉ ፍጥረት ኪነጻጸር ከሎ ግና ዕቤቱ እንታይ ትርጉም እዩ እሞ ዘለዎ፧ ከም ዝዀነ ኻልእ ሰብ፡ ክንዲ ሓሰኻ እኳ ኣይከውንን እዩ፣ የሆዋ ድማ ኬጥፍኦ ተዳልዩ ነበረ።
“እቲ ውግእ ናይ የሆዋ እዩ”
ሎሚ፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ስጋዊ ውግእ ኣይሳተፉን እዮም። ከምኡ ዚግበረሉ ዝነበረ ግዜ ሓሊፉ እዩ። (ማቴዎስ 26:52) ኰይኑ ግና፡ ኣስኣሰር እምነት ዳዊት ክንስዕብ የድልየና እዩ። ልክዕ ከም ዳዊት፡ ንየሆዋ ጋህዲ ጌርና ኽንርእዮ፡ ንዕኡ በይኑ ድማ ከነምልኾን ክንፈርሆን ኣሎና። ሓድሓደ ግዜ ጸገማትና ኣዝዩ ኸቢድ ኰይኑ ይስምዓና ይኸውን፣ እንተዀነ ግና ምስቲ ደረት ዘይብሉ ሓይሊ የሆዋ ኺነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ቐሊል እዩ። ከም ዳዊት፡ ንየሆዋ ኸነምልኽ እንተ መሪጽናን ኣብኡ እምነት እንተ ኣሕዲርናን ዝዀነ ይኹን ጸገምን ብድሆን ተስፋ ኣይኬቝርጸናን እዩ። ከመይሲ፡ ሓይሊ የሆዋ ኼሰንፎ ዘይክእል ጸገም የለን!
መንፈሳዊ ሃብቲ
it-2 871-872
ሳኦል
ድሕርዚ ነገር እዝን ዳዊት ናይ መጻኢ ንጉስ እስራኤል ኪኸውን ምስ ተቐብአን እዩ መንፈስ የሆዋ ኻብ ሳኦል ዝረሓቐ። ካብ ሽዑ ንደሓር፡ “ካብ የሆዋ . . . ክፉእ መንፈስ ኣሸበሮ።” የሆዋ መንፈሱ ኻብ ሳኦል ስለ ዝወሰደ፡ ክፉእ መንፈስ ንሳኦል ኪቈጻጸሮ ጀመረ፣ እዚ ድማ ናይ ኣእምሮ ሰላም ኣስኣኖ፡ ንስምዒታቱን ንሓሳባቱን ከኣ ብኽፉእ መገዲ ኣለዓዓሎ። ሳኦል ትእዛዝ የሆዋ ዘይምሕላዉ ኣብ ኣእምሮኡን ልቡን ሕማቕ ዝንባለ ኸም ዘሎ ዚሕብር እዩ ነይሩ፣ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ንሳኦል ካብኡ ኣይሓለዎን ወይ ነዚ ኣይተጻረረሉን። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ፡ እቲ “ኽፉእ መንፈስ” ንመንፈሱ ኺትክኦን ንሳኦል ኬሳቕዮን ስለ ዝፈቐደ፡ “ካብ የሆዋ . . . ክፉእ መንፈስ” ከም ዝመጸ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ፣ ገላዉ ሳኦል እውን “ካብ ኣምላኽ ክፉእ መንፈስ” ከም ዝመጸ ገይሮም ተዛሪቦም ኣለዉ። ሓደ ኻብቶም ገላዉኡ ብዝሃቦ ሓሳብ ተላዒሉ ኸኣ፡ ሳኦል በቲ “ኽፉእ መንፈስ” ኪሽበር ከሎ፡ ሙዚቃ ምእንቲ ኺወቅዓሉ ኢሉ ንዳዊት ኣብ ቅድሚኡ ኪኸውን ልኢኹ ኣምጽኦ።—1ሳሙ 16:14-23፣ 17:15።
28 መጋቢት–3 ሚያዝያ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ሳሙኤል 18-19
“ኣሳልጦ ኽትረክብ ከለኻ ትሑት ኩን”
ንዜጋጥመካ ለውጥታት ንኽትዋጽኣሉ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ተወከል
4 ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ እዚ ጓሳ እዚ ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ውሩይ ንኪኸውን ኣጋጣሚ ተኸፍተሉ። ንንጉስ ኬገልግሎን ሙዚቃ ኺወቕዓሉን ተጸውዐ። ንሓደ ጎልያድ ዚበሃል፡ እቶም ተመክሮ ዘለዎም ወተሃደራት እስራኤል እኳ ኺገጥሙሉ ዚፈርሁ፡ ኣዝዩ ገዚፍ ተዋጋኢ ቐተሎ። ኣብ ልዕሊ እቶም ሰብ ውግእ ሓለቓ ምስ ኰነ ኸኣ ንፍልስጥኤማውያን ይስዕሮም ነበረ። እቲ ህዝቢ ድማ ይፈትዎ ነበረ። ንዕኡ ዚውድስ ደርፊ እውን ደረፉሉ። ኣቐድም ኣቢሉ ሓደ ኣማኻሪ ንጉስ ሳኦል ነቲ ገና መንእሰይ ዝነበረ ዳዊት፡ “ፈላጥ ወቓዒ” በገና ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ብርቱዕ ጅግና፡ ተዋጋኢ ሰብኣይ፡ መስተውዓል ዘረባ፡ መልክዔኛ ሰብኣይ” ብምባል እዩ ገሊጽዎ።—1 ሳሙኤል 16:18፣ 17:23, 24, 45-51፣ 18:5-7
ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽን ካልኦትን ንዘሎ ፍልልይ ኣስተብህለሉ
6 ገሊኦም ሰባት ብመልክዖም፡ ብዝናኦም፡ ብናይ ሙዚቃ ኽእለቶም፡ ብኣካላዊ ብቕዓቶም ወይ በቲ ዘለዎም ልዑል ቦታ ይዕበዩ እዮም። ዳዊት ሓደ ኻብዚ ነገራት እዚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኵሉ እዩ ነይርዎ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ትሑት እዩ ነይሩ። ንጐልያድ ምስ ቀተሎ እሞ፡ ንጓል ንጉስ ሳኦል ሰበይቱ ኽትከውን ኪወስዳ ዕድመ ምስ ቀረበሉ፡ “ሰብኣይ ጓል ንጉስ ዝኸውንሲ ኣነ መን እየ፧ ቤተ ሰበይን ዓሌት ኣቦይንከ ኣብ እስራኤል መን እዮም፧” በለ። (1 ሳሙ. 18:18) ንዳዊት ትሑት ኪኸውን ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ኵሉ እቲ ዝነበሮ ባህርያትን ክእለትን ፍሉይ መሰላትን ኬጥሪ ዝኸኣለ፡ ኣምላኽ ብትሕትና ‘ድንን ኢሉ’ ስለ ዝረኣዮ ኸም ዝዀነ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (መዝ. 113:5-8) እወ፡ ካብ የሆዋ ዘይተቐበሎ ምንም ነገር ከም ዘይነበሮ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።—ምስ 1 ቈረንቶስ 4:7 ኣረኣኢ።
7 ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ እውን ከም ዳዊት ትሑታት ኪዀኑ እዮም ዚጽዕሩ። እቲ ኣብ መላእ ዩኒቨርስ ኣዝዩ ልዑል ዝዀነ የሆዋ፡ ትሑት ከም ዝዀነ ምፍላጥና ንልብና ይትንክዮ እዩ። (መዝ. 18:35) ንሕና እውን ነቲ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ፡ “ልባዊ ርሕራሐ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ልእመት፡ ዓቕሊ ልበሱ” ዚብል ምኽሪ ንስዕቦ ኢና። (ቈሎ. 3:12) ብዘይካዚ፡ ፍቕሪ “ኣይትቐንእን፡ ኣይትጀሃርን፡ ኣይትንፋሕን” እያ። (1 ቈረ. 13:4) ትሕትና ምስ እነርኢ፡ ሰባት ንየሆዋ ኪቐርብዎ ይኽእሉ እዮም። ከምቲ ሰብኡት ብዘይ ቃል ብኣካይዳ ኣንስቶም ኪማረኹ ዚኽእሉ፡ ካልኦት ሰባት እውን በቲ ህዝቢ ኣምላኽ ዜርእይዎ ትሕትና ናብ የሆዋ ኺስሓቡ ይኽእሉ እዮም።—1 ጴጥ. 3:1።
መንፈሳዊ ሃብቲ
it-2 695-696
ነብዪ
ነብያት ብመንፈስ የሆዋ ይሽየሙ እኳ እንተ ነበሩ፡ ብቐጻሊ ብድራኸ መንፈስ ይዛረቡ ነይሮም ማለት ግና ከይከውን ይኽእል እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ገሊኡ እዋናት ጥራይ መንፈስ ኣምላኽ ‘ኣብ ልዕሊኦም ይመጽእ’ እሞ እቲ ዚዛረብዎ መልእኽቲ ይገልጸሎም ነይሩ። (ህዝ 11:4, 5፣ ሚክ 3:8) እዚ የለዓዕሎም ብምንባሩ ኸኣ፡ ኪዛረቡ ይድርኾም ነይሩ። (1ሳሙ 10:10፣ ኤር 20:9፣ ኣሞ 3:8) ዘይተለምደ ነገር ኣብ ርእሲ ምግባሮም፡ ኣብ ኣገላልጻኦምን ኣገባቦምን ፍልይ ዝበለ ብርቱዕ ስምዒት ይርአ ነይሩ እዩ። እዚ ድማ ነቲ ብዛዕባ ገሊኦም ሰባት ኪግለጽ ከሎ፡ “ከም ነብያት ኰኑ” እተባህለ ብኸፊል ክንርድኦ ይሕግዘና እዩ። (1ሳሙ 10:6-11፣ 19:20-24፣ ኤር 29:24-32፣ ምስ ግብ 2:4, 12-17፣ 6:15፣ 7:55 ኣረኣኢ።) ኣብ ተልእኾኦም ምሉእ ብምሉእ ምትኳሮምን ብቕንኣት ተቢዖም ምዝራቦምን፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኻልኦት ባህርዮም ፍልይ ዝበለ ወይ ናይ ዘይጥዑይ ከም ዚመስል ይገብሮ ነይሩ ይኸውን፣ ንኣብነት፡ የሁ ኣብ እተቐብኣሉ እዋን፡ እቶም ኣሕሉቕ ሰራዊት ንሓደ ነብዪ ኸም ዕቡድ ገይሮም እዮም ርእዮምዎ። እቲ ሰብ እቲ ነብዪ ምዃኑ ምስ ፈለጡ ግና፡ ነቲ መልእኽቱ ብቑም ነገር እዮም ተቐቢሎምዎ። (2ነገ 9:1-13፣ ምስ ግብ 26:24, 25 ኣረኣኢ።) ሳኦል ንዳዊት ኣብ ዚሃድነሉ ዝነበረ እዋን ‘ከም ነብዪ ምስ ኰነ፡ ክዳውንቱ ቐንጢጡ ምልእቲ እታ መዓልቲ እቲኣን ምልእቲ እታ ለይቲ እቲኣን ጥራዩ በጥ በለ፣’ ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ ዳዊት ኣምለጠ። (1ሳሙ 19:18-20:1) እዚ ግና፡ ነብያት ብተደጋጋሚ ጥራዮም ይዀኑ ነይሮም ማለት ኣይኰነን፣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻባት፡ ብኣንጻሩ እዩ ዚሕብረና። ኣብ ክልተ ኻልእ ኣጋጣሚታት፡ ነብዪ ንገሊኡ መዳያት ትንቢቱ ንምምልካት ብዕላማ ጥራዩ ኸም ዝዀነ ተገሊጹ ኣሎ። (ኢሳ 20:2-4፣ ሚክ 1:8-11) ሳኦል ጥራዩ ምዃኑ፡ ልብሰ መንግስቱ እተቐንጠጠ ኣብ ቅድሚ ስልጣንን ሓይልን የሆዋ ድኹም ሰብ ምዃኑ ምእንቲ ኺርአ እንተ ዀይኑ ወይ ንኻልእ ዕላማ እንተ ዀይኑ ኣይተገልጸን።
4-10 ሚያዝያ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ሳሙኤል 20-22
“ጥዑይ ፈታዊ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧”
መወዳእታ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ድልዱል ዕርክነት ኣማዕብል
18 ሎሚ፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን በበይኑ ዝዓይነቱ ጸገማት የጓንፎም እዩ። ንኣብነት፡ ንብዙሓት ባህርያዊ ሓደጋ ወይ ሰብ ዝሰርሖ ሓደጋ የጋጥሞም እዩ። ከምኡ ኼጋጥም ከሎ፡ ገሌና ናብ ቤትና ኽንቅበሎም ንኽእል ንኸውን። ገሌና ድማ ብገንዘብ ክንሕግዝ ንኽእል ንኸውን። ዝዀነ ዀይኑ ግና፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓገዝ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ኵላትና ንየሆዋ ኽንልምኖ ንኽእል ኢና። ሓደ ሓውና ዜጕሂ ነገር እንተ ኣጋጢምዎ፡ እንታይ ከም እንብል ወይ እንታይ ከም እንገብር ኣይንፈልጥን ንኸውን። ኵላትና ግና ብዙሕ ክንሕግዝ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ምስ ፈታዊና ግዜ ኸነሕልፍ ንኽእል ኢና። ኪዛረበና ኸሎ፡ ብድንጋጽ ክንሰምዖ ንኽእል ኢና። ንዓና ብፍላይ ዘጸናንዓትና ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከነካፍሎ ንኽእል ኢና። (ኢሳ. 50:4) እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ ነገር፡ ንፈተውትና ደገፍና ኣብ ዜድልዮም ግዜ፡ ኣብ ጐድኖም ምዃንና እዩ።—ምሳሌ 17:17 ኣንብብ።
ብመገዲ የሆዋ ተመላለስ
7 ኣምላኽ፡ እሙናት ኣዕሩኹ ኽንከውን እዩ ዚደልየና። (ምሳ. 17:17) እቲ ወዲ ንጉስ ሳኦል ዝነበረ ዮናታን ንዳዊት ዓርኩ ነበረ። ዳዊት ንጎልያድ ከም ዝቐተሎ ዮናታን ምስ ሰምዐ፡ “ነፍሲ ዮናታን ምስ ነፍሲ ዳዊት ተአስረት፡ ዮናታን ከኣ ከም ነፍሱ ገይሩ ፈተዎ።” (1 ሳሙ. 18:1, 3) ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ሳኦል ንዳዊት ኪቐትሎ ምስ ሓሰበ፡ ዮናታን ንዳዊት ኣጠንቀቖ። ዳዊት ምስ ሃደመ፡ ዮናታን ምስኡ ተራኸበ፡ ኪዳን ድማ ተኣታተዉ። ዮናታን ንዳዊት ብዚምልከት ምስ ሳኦል ብምዝርራቡ ኻብ ሞት ንስክላ እኳ እንተ ኣምለጠ፡ እዞም ክልተ ኣዕሩኽ ግን ዳግማይ ተራኺቦም ንኺዳኖም ኣሐደስዎ። (1 ሳሙ. 20:24-41) ኣብታ ንመወዳእታ ግዜ እተራኸቡላ እዋን፡ ዮናታን ንዳዊት “ብኣምላኽ” ኣተባብዖ።—1 ሳሙ. 23:16
ኣብዛ ፍቕሪ ዘይብላ ዓለም ዕርክነት ምዕቃብ
11 እሙን ኩን። ሰሎሞን፡ “ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር፡ ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ” ኢሉ ጸሓፈ። (ምሳ. 17:17) ነቲ ኣቦኡ ዳዊትን ዮናታንን ዝነበሮም ዕርክነት ኣብ ኣእምሮኡ ሒዙ ነዘን ቃላት እዚኣተን ጽሒፍወን ኪኸውን ኣለዎ። (1 ሳሙ. 18:1) ንጉስ ሳኦል፡ ዮናታን ወዱ ንዝፋን እስራኤል ኪወርስ ይደልዮ ነበረ። ዮናታን ግን፡ የሆዋ ንዳዊት ንጉስ ኪኸውን ከም ዚደልዮ ይፈልጥ ነበረ። ከም ሳኦል ዘይኰነስ፡ ብዳዊት ኣይቀንአን። በቲ ዳዊት ዚረኽቦ ዝነበረ ናእዳ ቕር ኣይበሎን፣ ኣቦኡ ንዳዊት ኬካፍኦ ኸሎ እውን ኣይኣመኖን። (1 ሳሙ. 20:24-34) ንሕናኸ ኸም ዮናታን ዲና፧ ኣዕሩኽና ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ኪወሃቦም ከሎ ንሕጐስ ዲና፧ ጸገም ኬጋጥሞም ከሎ፡ ነጸናንዖምን ንድግፎምን ዲና፧ ብዛዕባ ዓርክና እተዘርበ ሕሜት ክንሰምዕ ከለና፡ ቀልጢፍና ዲና እንኣምኖ፡ ወይስ ልክዕ ከም ዮናታን ንዓርክና ብተኣማንነት ንከላኸለሉ ኢና፧
መንፈሳዊ ሃብቲ
ካብ ቀዳማይ መጽሓፍ ሳሙኤል ዚጐልሕ ነጥብታት
21:12, 13 የሆዋ ኣብ ህይወትና ንዜጋጥመና ጸገማት ንኽንዋጽኣሉ ኣእምሮናን ክእለትናን ክንጥቀም ይጽበየና እዩ። ጥበብን ፍልጠትን ምምዝዛንን ንኺህልወና ዜኽእለና መንፈስ ዝነፈሶ ቓሉ ሂቡና ኣሎ። (ምሳሌ 1:4) እተሸሙ ክርስትያን ሽማግለታት እውን ይሕግዙና እዮም።
18-24 ሚያዝያ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ሳሙኤል 23-24
“ንየሆዋ ብትዕግስቲ ተጸበዮ”
ንዜጋጥመካ ለውጥታት ንኽትዋጽኣሉ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ተወከል
8 ዳዊት ንሳኦል ኪጐድኦ ኣይደለየን። እምነትን ትዕግስትን ስለ ዝነበሮ፡ ነቲ ጕዳይ ኣብ ኢድ የሆዋ ገደፎ። እቲ ንጉስ ካብቲ በዓቲ ምስ ከደ፡ ዳዊት ደድሕሪኡ ብምጽዋዕ “እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንኣኻ ሕነ ይፍደየለይ፡ ኢደይ ግና ኣባኻ ኣይትኸውንን እያ” በሎ። (1 ሳሙኤል 24:13) ዳዊት፡ ሳኦል ተጋግዩ ምንባሩ ይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፡ ሕነ ግን ኣይፈደየን፡ ብዛዕባኡ ኸኣ ንሳኦል ኰነ ንኻልእ ሕማቕ ኣይተዛረበን። ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ሕነ ኻብ ምፍዳይ ርእሱ ገትአ። የሆዋ ንነገሩ ኬቕንዓሉ ኸኣ ኣብኡ ተወከለ።—1 ሳሙኤል 25:32-34፣ 26:10, 11
ኵነታትካ ንህይወትካ ኺቈጻጸሮ ተፍቅድ ዲኻ፧
ካብዚ እንረኽቦ ሳልሳይ ትምህርቲ፡ ኵነታትና ንምቕያር ቅዱሳት ጽሑፋት ዘይድግፎ መገዲ ኣብ ክንዲ እንጥቀም፡ ንየሆዋ ኽንጽበዮ ኣሎና። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር፡ “ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእቆብ 1:4) ፈተና ኼጋጥመና ኸሎ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ መገዲ ጌርና ኻብቲ ፈተና ተቐላጢፍና ኣብ ክንዲ እነምልጥ፡ ክሳዕ መወዳእታ ብምጽማም፡ እታ ትዕግስትና “ፍጹም ግብሪ” ኺህልዋ ኸነፍቅድ ኣሎና። ድሕሪኡ እምነትና ትፍተንን ትጸርን፡ ጽንዓታ ድማ ይምስከር። ዮሴፍን ዳዊትን ከምዚኣ ዝዓይነታ ትዕግስቲ እያ ነይራቶም። ንየሆዋ ኼጕህዮ ዚኽእል መፍትሒ ኺጥቀሙ ኣይፈተኑን። ኣብ ክንድኡስ ምስቲ ዅነታት ተወሃሂዶም ኪነብሩ እዮም ዝከኣሎም ጽዒሮም። ንየሆዋ ተጸብዮምዎ፡ ከምኡ ብምግባሮም ከኣ ብዙሕ በረኸት እዮም ረኺቦም! የሆዋ ድማ ንኽልቲኦም፡ ንህዝቡ ንምድሓንን ንምምራሕን ተጠቒሙሎም እዩ።—ዘፍጥረት 41:39-41፣ 45:5፣ 2 ሳሙኤል 5:4, 5
ንሕናውን ቅዱሳት ጽሑፋት ዘይድግፎ መፍትሒ ኸነናዲ እንፍተነሉ ዅነታት ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ንሓዳር እትዀነካ ብጸይቲ ብምስኣንካ ተስፋ ቘሪጽካ ዲኻ፧ ከምኡ እንተደኣ ዄንካ፡ ነቲ “ብእግዚኣብሄር ጥራይ” ክትምርዖ እተዋህበ ትእዛዝ የሆዋ ንኽትጥሕስ ካብ ዚደፋፍኣካ ዝዀነ ይኹን ፈተና ርሓቕ። (1 ቈረንቶስ 7:39) ኣብ ሓዳርካ ጸገማት የጋጥመካዶ ኣሎ፧ ነቲ ምፍልላይን ፍትሕን ዜተባብዕ ኣብዛ ዓለም ነጊሱ ዘሎ ኣካይዳ ኣብ ክንዲ እትስዕብ፡ ነዚ ጽንኩር ግዜ ብሓባር ክትፈትሕዎ ጽዓሩ። (ሚልክያስ 2:16፣ ኤፌሶን 5:21-33) ብሰንኪ ቝጠባዊ ጸገማት ንስድራቤትካ ዜድሊ ምምላእ የጸግመካዶ ኣሎ፧ ንየሆዋ ምጽባይ ኪበሃል ከሎ፡ ገንዘብ ምእንቲ ኽትረክብ ኢልካ ዜተሓታትት ወይ ዘይሕጋዊ ነገራት ዘይምግባር እውን ዜጠቓልል እዩ። (መዝሙር 37:25፣ እብራውያን 13:18) እወ፡ ኵላትና ንዅነታትና ብዚግባእ ምእንቲ ኽንጥቀመሉ ኣበርቲዕና ኽንዓዪ፡ የሆዋ ምእንቲ ኺባርኸና ድማ ክንጽዕር ኣሎና። ከምዚ ኽንገብር ከለና፡ የሆዋ ፍጹም ፍታሕ ምእንቲ ኼምጽኣልና ንዕኡ ንጸበዮ ወይ ኣብኡ ተስፋ ንግበር።—ሚክያስ 7:7
መንፈሳዊ ሃብቲ
ገለ እኳ ሽልማትካ ኣይከልክልካ
11 ኣብ ልብና ፍቕርን ለውሃትን ኪምዕብል ንጽዕር እንተ ዄንና፡ ብቐሊሉ ብቕንኢ ኣይንስነፍን ኢና። ቃል ኣምላኽ፡ “ፍቕሪ ዓቃልን ለዋህን እያ። ፍቕሪ ኣይትቐንእን” ይብለና። (1 ቈረ. 13:4) ቅንኢ ኣብ ልብና ሱር ምእንቲ ኸይሰድድ፡ ንዅሉ ነገር ብኣረኣእያ ኣምላኽ ክንርእዮ ንጽዓር፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ድማ ኣብ ሓደ ክርስትያናዊ ሰብነት ከም ዚርከቡ ኣካላት ጌርና ንርኣዮም። እዚ ዓይነት ኣረኣእያ እዚ፡ ንሓድሕድና ኽንደናገጽ ይሕግዘና እዩ፣ እዚ ድማ ምስቲ፡ “ሓደ ኣካል እንተ ኸቢሩ፡ ኵሉ ኣካላት ምስኡ ይሕጐስ እዩ” ዚብል ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተዋህበ ምኽሪ ዚሰማማዕ እዩ። (1 ቈረ. 12:16-18, 26) ስለዚ፡ ብኻልኦት ኣብ ክንዲ እንቐንእ፡ በቲ ዚረኽብዎ በረኸት ንሕጐስ ኢና። ዮናታን ወዲ ሳኦል ከም ኣብነት ንርአ። ዳዊት ዝፋን መንግስቲ ኺወርስ ምስ ተቐብአ፡ ዮናታን ኣይቀንአን። እኳ ደኣስ፡ ንዳዊት ኣተባቢዕዎ እዩ። (1 ሳሙ. 23:16-18) እሞ ደኣ ኸም ዮናታን ለዋሃትን ፈቃራትን ክንከውን ንኽእል ዲና፧
25 ሚያዝያ–1 ግንቦት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | 1 ሳሙኤል 25-26
“ከይሓሰብካ ዲኻ ስጕምቲ እትወስድ፧”
ብምስትውዓል ስጕምቲ ወሰደት
10 እዞም ጻዕረኛታት ተዋጋእቲ፡ ነቶም ጓሶት ብኸመይ እዮም ዚሕዝዎም ነይሮም፧ ሓሓሊፉ ኻባታቶም ኣባጊዕ ኪወስዱ ይኽእሉ እኳ እንተ ነበሩ፡ ከምኡ ግና ኣይገበሩን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ ልክዕ ከም ዜዕቍብ መካበብያ ዀይኖም ንመጓሰን ንኣገልገልትን ናባል ይሕልውዎም ነበሩ። (1 ሳሙኤል 25:15, 16 ኣንብብ።) ጓሶትን ኣባጊዕን ብዙሕ ሓደጋ እዩ ዜጋጥሞም። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ብዙሓት ኣራዊት ነበሩ። ደቡባዊ ዶብ እስራኤል ከኣ ናብቲ ቦታ ቐረባ ስለ ዝነበረ፡ ካብቲ ኸባቢ ዝመጹ ጭፍራ ኸተርትን ሰረቕትን ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ የውርዱ ነበሩ።
11 ንዅሎም እቶም ኣብ በረኻ ዝነበሩ ሰብኡት ምምጋብ፡ ኣዝዩ ኸቢድ ሓላፍነት ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ፡ ሓደ መዓልቲ ዳዊት ሓገዝ ንምሕታት ዓሰርተ መልእኽተኛታት ናብ ናባል ለኣኸ። ጽቡቕ እዋን ከኣ እዩ መሪጹ። ከመይሲ፡ ሽዑ ኣባጊዕ ዚቕምቀማሉ እዋን ስለ ዝነበረ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ልግሲ ምሃብን ድግስ ምግባርን ልሙድ እዩ ነይሩ። ዳዊት ንቓላቱ እውን ተጠንቂቑ ብምምራጽ፡ ትሕትና ዝመልኦ ኣዘራርባ እዩ ተጠቒሙ። ንዕድመ ናባል ኣኽቢሩ ብምርኣይ፡ “ንወድኻ ዳዊት” ኢሉ ተዛረበ። እሞኸ ናባል እንታይ ምላሽ ሃበ፧—1 ሳሙ. 25:5-8።
12 ኣዝዩ ተቘጥዐ! እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ መንእሰይ ብዛዕባ እዚ ንኣቢጋይል ኪገልጸላ ኸሎ፡ “ዘሊፍዎም” በላ። ናባል ኣዝዩ ስሱዕ ብምንባሩ፡ ብዛዕባ እንጌራኡን ማዩን ዝሓረዶ ሕሩዱን ዓጀውጀው በለ። ንዳዊት ከኣ ከም ዘይረብሕ ሰብ ገይሩ ኣላገጸሉ፣ ካብ ጐይታኡ ምስ ዝሃደመ ኣገልጋሊ ድማ ኣመሳሰሎ። እቲ ዝነበሮ ኣረኣእያ ምስ ኣመለኻኽታ እቲ ንዳዊት ዚጸልኦ ዝነበረ ሳኦል ተመሳሳሊ እዩ ነይሩ። ክልቲኦም ኣረኣእያኦም ካብ የሆዋ እተፈልየ እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ ኣምላኽ ንዳዊት የፍቅሮ ነይሩ እዩ፣ ከም ዓለወኛ ኣገልጋሊ ዘይኰነስ፡ ኣብ መጻኢ ንጉስ እስራኤል ከም ዚኸውን ሰብ ገይሩ ኸኣ እዩ ዚርእዮ ነይሩ።—1 ሳሙ. 25:10, 11, 14።
ብምስትውዓል ስጕምቲ ወሰደት
18 ብዛዕባ እቲ ጸገም ሓላፍነት ብምውሳድ፡ ንዳዊት ይቕረታ ኺገብረላ ሓተተቶ። ሰብኣያ ልክዕ ከም ስሙ ዓሻ ኸም ዝዀነ ኽትገልጽ ከላ፡ ዳዊት ንኸምዚ ዓይነት ሰብኣይ ምቕጻዑ ንኽብረቱ ኸም ዚትንክፎ እያ እትሕብሮ ነይራ። ዳዊት “ውግእ የሆዋ” ኸም ዚዋጋእ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ከም ወኪል የሆዋ ገይራ ኸም እትርእዮ ገለጸት። ብዘይካዚ፡ ‘የሆዋ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል መራሒ ገይሩ ከም ዝሸሞ’ ብምዝራብ፡ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ዳዊትን ብዛዕባ ንዕኡ ዚህቦ ንግስናን ዝኣተዎ ቓል ከም እትፈልጦ ሓበረት። ብተወሳኺ እውን፡ ዳዊት ደም ከም ዜፍስስ ዚገብሮ፡ ጸኒሑ ድማ ‘ዜጣዕሶ’ ስጕምቲ ኸይወስድ ተማሕጸነቶ። (1 ሳሙኤል 25:24-31 ኣንብብ።) ከመይ ዝበለ ለውሃት ዝመልኦን ልቢ ዚትንክፍን ቃላት ኰን እዩ!
መንፈሳዊ ሃብቲ
ብምስትውዓል ስጕምቲ ወሰደት
16 ኰይኑ ግና፡ ኣቢጋይል ንርእስነት ሰብኣያ ኣይተኽብርን እያ ነይራ ማለት ድዩ፧ ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ናባል ኣንጻር ቅቡእ ኣገልጋሊ የሆዋ እዩ እኩይ ነገራት ገይሩ፣ እዚ ስጕምቲ እዚ ኸኣ ኣብ ብዙሓት ንጹሃት ኣባላት ስድራ ቤቱ ሞት ኬስዕብ ይኽእል ነይሩ እዩ። ኣቢጋይል ስጕምቲ እንተ ዘይትወስድ ነይራ፡ ኣብ ገበን ሰብኣያ ተኻፋሊት ደይኰነትን እትኸውን፧ ስለዚ፡ ካብ ሰብኣያ ንላዕሊ ንኣምላኽ ተኣዘዘት።