‘ልብኻ ምሳይ ቅኑዕ ድዩ፧’
“ንዓ ምሳይ እሞ ቅንኣተይ ንእግዚኣብሄር [“ንየሆዋ ዝወዳደር ዝዀነ ይኹን ነገር ዘይምጽዋረይ: ” NW ] ርኤ።”—2 ነገስት 10:16
1, 2. (ሀ) ናይ እስራኤል ሃይማኖታዊ ኵነታት ኣዝዩ እናገደደ ዝኸደ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ብ905 ቅ.ኣ.ዘ. ከመይ ዝበለ ሃንደበታዊ ለውጥታት ክካየድ ኢዩ ተቐሪቡ ዝነበረ፧
ዓመት 905 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ እስራኤል ዓቢ ለውጢ እተራእየላ ግዜ ኢያ ነይራ። ዳርጋ ቅድሚ 100 ዓመታት ኣቢሉ የሆዋ ብምኽንያት ክሕደት ሰሎሞን ነታ ሕብርቲ ዝነበረት መንግስቲ እስራኤል ኣብ ክልተ መቐላ። (1 ነገስት 11:9-13) ድሕርዚ እታ ደቡባዊት መንግስቲ ይሁዳ ብሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ክትምራሕ ከላ እታ ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል ድማ ኣብ ትሕቲ የሮብዓም ኤፍራታዊ ዀነት። እቲ ዘሕዝን ድማ እታ ሰሜናዊት መንግስቲ ኣጀማምርኣ ሓደገኛ ነበረ። የሮብዓም ህዝቡ ናብ ቤት ዳዊት ምምላስ ዝብል ሓሳብ ከየምጽኡ ስለ ዝፈርሀ: ኣብቲ ቤት መቕደስ ንኸምልኹ ናብታ ደቡባዊት መንግስቲ ክኸዱ ኣይፈተወን። ስለዚ ኣብ እስራኤል ናይ ምራኽ ኣምልኾ ኣቘመ: ከምዚ ገይሩ ድማ ነቲ ኣብ ምሉእ ታሪኽ ናይታ ሰሜናዊት መንግስቲ ዝቐጸለ ናይ ኣምልኾ ጣኦት ኣገባብ ጀመሮ።—1 ነገስት 12:26-33
2 ኣከኣብ ወዲ ዖምሪ ምስ ነገሰ ኸኣ እቲ ዅነታት መሊሱ ገደደ። እታ ጓና ዝነበረት ሰበይቱ: ኢዛቤል: ኣምልኾ በዓል ከም ዝድንፍዕ ገበረት: ንነብያት የሆዋ ድማ ቀተለት። ናይ ነብዪ ኤልያስ ግሁድ መጠንቀቕታ እናሃለወ ኽነሱ: ኣከኣብ ደው ንምባላ ዝወሰዶ ስጕምቲ ኣይነበረን። ይኹን እምበር: ብ905 ቅ.ኣ.ዘ. ኣከኣብ ሞተ: ዮራም ወዱ ኸኣ ነገሰ። ሕጂ እታ ሃገር እትጸርየሉ ግዜ ነበረ። እቲ ንኤልያስ ዝተክኦ ኤልሳእ: ነቲ ሓለቓ ሰራዊት ዝነበረ የሁ: እቲ ዝቕጽል ንጉስ እስራኤል ንኽኸውን የሆዋ ከም ዝቐብኦ ሓበሮ። መዝነቱኸ እንታይ ነበረ፧ ነቲ ሓጢኣተኛ ዝነበረ ቤት ኣከኣብ ምድምሳስን ነቲ ብኢዛቤል ዝፈሰሰ ደም ነብያት ከኣ ሕነ ምፍዳይን ኢዩ ነይሩ!—2 ነገስት 9:1-10
3, 4. ዮናዳብ ልቡ ምስ ‘ልቢ የሁ ቅኑዕ’ ምንባሩ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧
3 የሁ ንትእዛዝ ኣምላኽ ብምሕላው: ነታ እክይቲ ዝነበረት ኢዛቤል ቀተላ: ድሕሪኡ ድማ ንቤት ኣከኣብ ብምድምሳስ ንእስራኤል ከጽርያ ተበገሰ። (2 ነገስት 9:15 –10:14, 17) ድሕርዚ ምስ ሓደ ሓጋዚ ዝዀኖ ሰብ ተራኸበ። “ዮናዳብ ወዲ ሬካብ ኪቃባበሎ ኸሎ ረኸቦ: ሰላም ኢልዎ ድማ፤ ከምቲ ልበይ ምስ ልብኻ ዘሎ: ልብኻኸ ቕኑዕ ድዩ፧ በሎ። ዮናዳብ ከኣ፤ ከምኡ እዩ: በለ። ከምኡ እንተ ደኣ ዀይኑስ: ኢድካ ሀበኒ: በሎ። ኢዱ ድማ ሀቦ። ናብ ሰረገላ ኸኣ ናብኡ ኣደየቦ። ንዓ ምሳይ እሞ ቅንኣተይ ንእግዚኣብሄር [“ንየሆዋ ዝወዳደር ዝዀነ ይኹን ነገር ዘይምጽዋረይ:” NW ] ርኤ: ድማ በለ። ኣብቲ ሰረገላኡ ኸኣ ኣወጥሕዎ።”—2 ነገስት 10:15, 16
4 ዮናዳብ (ወይ ዮሆናዳብ) እስራኤላዊ ኣይነበረን። እንተዀነ ግን: እቲ (“የሆዋ ፍቓደኛ ኢዩ:” “የሆዋ ልዑል ኢዩ:” ወይ “የሆዋ ለጋስ ኢዩ” ዝብል ትርጕም ዘለዎ) ስሙ: ናይ የሆዋ ኣምላኺ ምንባሩ ዝሕብር ኢዩ። (ኤርምያስ 35:6) ነቲ ናይ የሁ ‘ንየሆዋ ዝወዳደር ዝዀነ ይኹን ነገር ዘይምጽዋር’ ክርኢ ፍሉይ ተገዳስነት ኣሕዲሩ ምንባሩ እተረጋገጸ ኢዩ። ከመይ ገይርና ንፈልጥ፧ ምስቲ ኣብ መጻኢ ንጉስ እስራኤል ዝኸውን ሰብ ምርኻቡ ሃንደበት ዘጋጠመ ነገር ኣይነበረን። ዮናዳብ “ኪቃባበሎ ኸሎ” የሁ ንኢዛቤልን ንኻልኦት ኣብ ቤት ኣከኣብ ዝነበሩ ሰባትን ድሮ ቀቲልሉ ዝነበረ እዋን ኢዩ። የሁ ምስኡ ኣብ ሰረገላ ክድይብ ንዘቕረበሉ ዕድመ ክቕበል ከሎ ዮናዳብ እንታይ ይፍጸም ምንባሩ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ኣብዚ ኣብ መንጎ ናይ ሓሶትን ናይ ሓቅን ኣምልኾ ግርጭት ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን: ኣብ ወገን የሁ—ከምኡውን ኣብ ወገን የሆዋ—ምንባሩ ኣየጠራጥርን ኢዩ።
ዘመናዊ የሁን ዘመናዊ ዮናዳብን
5. (ሀ) ድሕሪ ቐረባ ግዜ ንዅሎም ደቅሰብ ከመይ ዝበለ ለውጥታት ኢዩ ኸጋጥሞም፧ (ለ) እቲ ዝዓበየ የሁ መን ኢዩ: ኣብ ምድሪ ዝውክሎኸ መን ኢዩ፧
5 ልክዕ ከምቲ ብ905 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ እስራኤል ዘጋጠመ: ሎሚ እውን ድሕሪ ሓጺር ግዜ ንዅሎም ደቅሰብ መሰረታዊ ዝዀነ ለውጢ ከጋጥሞም ኢዩ። እቲ የሆዋ ንሓሶት ሃይማኖት ሓዊስካ: ንምድሪ ኻብ ኵሉ ሕማቕ ሳዕቤናት ዘለዎ ጽልዋ ሰይጣን ዘጽርየሉ ግዜ ቐሪቡ ኢዩ። ዘመናዊ የሁ መን ኢዩ፧ ካብቲ ብትንቢታዊ ቃላት “ኣታ ጅግና: ሰይፍኻ ኣብ ሕቜኻ ዕጠቕ: ክብርኻን ግርማኻን ልበስ። ምእንቲ ሓቅን ገርህነትን ጽድቅን ብግርማኻ ውጻእ” እተባህለሉ የሱስ ክርስቶስ ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክልእን ኢዩ። (መዝሙር 45:3, 4) ንየሱስ ኣብ ምድሪ ዝውክልዎ እቶም ‘ናይ ኣምላኽ እስራኤል:’ እቶም “ንትእዛዝ ኣምላኽ ዚሕልዉን ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለዉን” ቅቡኣት ክርስትያናት ኢዮም። (ገላትያ 6:16፣ ራእይ 12:17) ካብ 1922 ኣትሒዞም እዞም ቅቡኣት ኣሕዋት የሱስ እዚኣቶም ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ዘሎ ፍርዳዊ ስጕምትታት የሆዋ ብትብዓት ኣጠንቂቖም ኢዮም።—ኢሳይያስ 61:1, 2፣ ራእይ 8:7– 9:21፣ 16:2-21
6. ነቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ንምሕጋዝ ካብ ኣህዛብ ዝመጹ መን ኢዮም: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣብታ ሰረገላ ናይቲ ዝዓበየ የሁ ዝደየቡኸ ብኸመይ ኢዮም፧
6 ቅቡኣት ክርስትያናት በይኖም ኣይኰኑን። ልክዕ ከምቲ ዮናዳብ ንየሁ ክረኽቦ ዝወጸ: ብዙሓት ካብ ኣህዛብ ንየሱስ: ነቲ ዝዓበየ የሁን ነቶም ምድራውያን ወኪላቱን ኣብቲ ሓቀኛ ኣምልኾ መትከሎም ክገለጹ ኸለዉ ክሕግዙ መጺኦም ኢዮም። (ዘካርያስ 8:23) የሱስ ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ኢሉ ጸዊዕዎም ኣሎ: ብ1932 ዘመናውያን መማሳስልቲ ናይቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ዮናዳብ ከም ዝዀኑ ተፈልጡ: ‘ናብታ ሰረገላ’ ናይ ዘመናዊ የሁ ‘ኽድይቡ’ ድማ ዕድመ ቐረበሎም። (ዮሃንስ 10:16) ብኸመይ፧ ‘ንትእዛዛት ኣምላኽ ብምሕላው:’ ምስቶም ቅቡኣት ኴንካ ድማ ኣብቲ ‘ንየሱስ ናይ ምምስካር’ ዕዮ ብምክፋል ኢዮም ዝገብርዎ። ኣብዚ ዘመናዊ እዋን: እዚ ናይ ምምስካር ዕዮ ብስራት ናይታ የሱስ ዝንጉሳ ኣምላኽ ዝመስረታ መንግስቲ ምእዋጅ ኢዩ ዘመልክት። (ማርቆስ 13:10) ብ1935 እዞም “ዮናዳባውያን” እዚኣቶም እቶም ኣብ ራእይ 7:9-17 ዘለዉ “ዓቢ ጭፍራ” (NW ) ከም ዝዀኑ ተፈልጠ።
7. ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ‘ኣልባቦም’ ገና ምስ ናይ የሱስ ልቢ ‘ቅኑዕ’ ከም ዘሎ ዘርኣዩ ብኸመይ ኢዮም፧
7 ካብ 1930ታት ንነጀው: እቶም ዓቢ ጭፍራን ቅቡኣት ኣሕዋቶምን ንሓቀኛ ኣምላኾ ዘለዎም ደገፍ ብትብዓት ኣረጋጊጾም ኢዮም። ኣብ ምብራቕን ምዕራብን ኣውሮጳ: ርሑቕ ምብራቕ: ከምኡውን ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከባ ገለ ሃገራት ብዙሓት ካብኣቶም ምእንቲ እምነቶም ሞይቶም ኢዮም። (ሉቃስ 9:23, 24) ኣብ ካልኦት ሃገራት: ተኣሲሮም: ጭፍራ ህዝቢ ኣንጻሮም ተላዒሎም: ወይ ድማ መስጐጕቲ ኣጋጢምዎም ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:12) ከመይ ዝበለ ናይ እምነት ጸብጻብ ኰን ኢዮም ዝሓደጉ! እቲ ናይ 1997 ናይ ኣገልግሎት ዓመት ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ድማ ዝመጸ ይምጻእ ገና ንኣምላኽ ከገልግልዎ ቘሪጾም ኢዮም ዘለዉ። ‘ልቦም’ ምስቲ ናይ የሱስ ልቢ ‘ቅኑዕ ኢዩ’ ዘሎ። እዚ ኸኣ ኣብ 1997: ዳርጋ ብምሉኦም “ዮናዳባውያን” ዝዀኑ 5,599,931 ናይታ መንግስቲ ኣስፋሕቲ ኣብቲ ብዛዕባ የሱስ ናይ ምምስካር ዕዮ ብድምር 1,179,735,841 ሰዓታት ብምሕላፎም ተራእዩ ኢዩ።
ገና ብቕንኢ ይሰብኩ ኣለዉ
8. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓቀኛ ኣምልኾ ዘለዎም ቅንኢ ዘርእዩ ብኸመይ ኢዮም፧
8 የሁ ንሰረገላኡ ብናህሪ ብምምራሕ እተፈልጠ ኢዩ ነይሩ—እዚ ድማ ነቲ እተዋህቦ ዕማም ንምፍጻም ዝነበሮ ቕንኢ ዘረጋግጽ ኢዩ። (2 ነገስት 9:20) የሱስ: እቲ ዝዓበየ የሁ: ብቕንኣት ‘ከም እተበልዐ’ ተገሊጹ ኣሎ። (መዝሙር 69:9) ስለዚ እምበኣር እዞም ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣብታ ሰረገላ ደይቦም ዝጋልቡ ዘለዉ ናይ ሎሚ ሓቀኛታት ክርስትያናት ብቕንኦም ፍሉጣት እንተዀኑ ዘገርም ኣይኰነን። ኣብ ክልቲኡ ማለት ኣብ ጉባኤን ኣብ ኣደባባይን ‘ነቲ ቓል ብግዜኡን ብዘይ ግዜኡን [“ብህጹጽ ይሰብኩ:” NW ]’ ኣለዉ። (2 ጢሞቴዎስ 4:2) ኣብ መጀመርታ ናይ 1997 ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝወጸት ሓንቲ ዓንቀጽ ብእተኻእለ መጠን ብዙሓት ኣሕዋት ኣብ ናይ ሓጋዚ ፓይነር ኣገልግሎት ክካፈሉ ምስ ኣተባብዐት ብፍላይ ቅንኦም ተራእዩ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ሃገር ንቝጽሪ ሓገዝቲ ፓይነራት ዝምልከት ሸቶ ነበራ። እቲ ምላሽከ እንታይ ነበረ፧ ኣዝዩ ዘደንቕ ኢዩ ነይሩ! ብዙሓት ጨንፈራት ካብቲ ዘውጽእኦ ሸቶ ሓሊፈን ኢየን። ኤኳዶር ናይ 4,000 ሸቶ ኣውጸአት ኣብ መጋቢት ግን ናይ 6,936 ሓገዝቲ ፓይነራት ጸብጻብ ሃበት። ጃፓን ኣብተን ሰለስተ ኣዋርሕ እቲኣተን ብድምር 104,215 ጸብጻብ ሃበት። ኣብ ዛምብያ: እቲ ሸቶ 6,000 ነበረ: ኣብ መጋቢት 6,414፣ ኣብ ሚያዝያ 6,532፣ ከምኡውን ኣብ ግንቦት 7,695 ሓገዝቲ ፓይነራት ከም ዝነበሩ ጸብጻብ ተዋህበ። ኣብ ምሉእ ዓለም: ናይ ሓገዝትን ስርዓታውያንን ፓይነራት ዝለዓለ ቝጽሪ ብድምር 1,110,251 ነበረ: እዚ ድማ ካብቲ ናይ 1996 34.2 ሚእታዊት ወሰኽ ኣለዎ።
9. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ርእሲ እቲ ናይ ቤተ-ቤት ዕዮ: ብስራት ዝነግርዎም ሰባት ንምርካብ እንታይ ካልእ መገድታት ኢዮም ዝጥቀሙ፧
9 ሃዋርያ ጳውሎስ ካብ ኤፌሶን ንዝመጹ ሽማግለታት “ዚጠቅም ዘበለ እናሰበኽኩልኩም ኣብ ዋዕላ ዀነ ኣብ ቤት ኰነ ምምሃርኩም ከቶ ኣየብኰርኩን” በሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:20) ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ጳውሎስ ኣብነት ብምቕዳሕ ነቲ ብስራት ካብ ቤት ናብ ቤት ብቕንኢ ይሰብኩዎ ኣለዉ። ይኹን እምበር: ንሰባት ኣብ ኣባይቶም ክትረኽቦም ቀሊል ከይከውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ “እቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ነቶም ኣስፋሕቲ ናይታ መንግስቲ ንሰባት ኣብ ኣብያተ ዕዮኦም: ኣብ መገዲ: ኣብ ገማግም ባሕሪ: ኣብ ህዝባዊ መናፈሻታት—ኣብ ኵሉ ሰባት ዝህልዉሉ ቦታታት—ክረኽብዎም የተባብዖም ኣሎ። (ማቴዎስ 24:45-47) እቲ ውጽኢት ድማ ኣዝዩ ጽቡቕ ኰይኑ ተረኺቡ ኣሎ።
10, 11. ኣብ ክልተ ሃገራት ዝርከቡ ኣስፋሕቲ ነቶም ኣብ ቤቶም ክርከቡ ዘይተኻእሉ ሰባት ንምብጻሕ ሰናይ ተበግሶ ዘርኣዩ ብኸመይ ኢዮም፧
10 ኣብ ኩፐንሃገን: ደንማርክ: ውሑዳት ኣስፋሕቲ ዝሓዘ ጕጅለ ካብቲ መደበራት ባቡር ወጻኢ ኣብ ዘሎ መገዲ ይሰብኩ ነበሩ። ካብ ጥሪ ክሳዕ ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ 4,733 መጽሔታት ዓደሉ: ምስ ብዙሓት ሰባት ጽቡቕ ዝርርብ ክገብሩ ከኣሉ: ብዙሕ ተመላሊስካ ምብጻሕ ድማ ገበሩ። ካብቶም ኣብታ ሃገር እቲኣ ዘለዉ ብዙሓት ኣሕዋት ኣብ ድኳናት ናይ መጽሔት ምብጽጻሕ ዕዮ ጀሚሮም ኣለዉ። ኣብ ሓንቲ ኸተማ ነፍሲ ወከፍ ዓርቢ መዓልቲ ዕዳጋ ኢዩ: ኣብኡ ድማ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ በጻሕቲ ኢዮም ዝመጹ። ስለዚ እታ ጉባኤ ስርዓታዊ ዝዀነ ኣብ ዕዳጋ ዝግበር ምስክርነት ንምፍጻም መደብ ኣውጽአት። ኣብ ሓደ ከባቢ ድማ: ብፍላይ ንመምህራን ዝሰማማዕ ጽሑፋት ዝሓዘ ጥቕላል ተማሊእካ ብምኻድ እተን ኣብያተ ትምህርቲ ተበጺሐን ኢየን።
11 ኣብ ሃዋይ እውን ነቶም ኣብ ቤት ክርከቡ ዘይተኻእሉ ሰባት ንምብጻሕ ጻዕርታት ተገይሩ ኢዩ። ፍሉይ ዞባታት ክበሃል ከሎ ህዝባዊ ቦታታት (መገዲ: መናፈሻታት: ናይ ማካይን ደው መበሊ: ከምኡውን መዕረፍ ኣውቶቡስ): ማእከል ከተማ: ናይ ዕዳጋ ቦታታትን መዕርፎ ነፈርትን: ናይ ቴሌፎን ምስክርነት: ህዝባዊ መጓዓዝያ (ኣብ ኣውቶቡሳት ኴንካ ምስባኽ): ከምኡውን ናይ ኮለጅ ቀጽርታት ዘጠቓልል ኢዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዞባ ብዙሓት መሰኻኽር ብሓንሳብ ከይምደቡ: እዚኣቶም ድማ ነቲ እተመደብሉ ዓይነት ዕዮ ብግቡእ እተለማመዱ ንኽዀኑ ጥንቃቐ ይግበር ኢዩ። ምስዚ ዝመሳሰል ብጽቡቕ እተመሓደረ ጻዕርታት ዘርኢ ጸብጻባት ካብ ብዙሓት ሃገራት ይርከብ ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ምናልባት በቲ ናይ ቤተ-ቤት ኣገልግሎት ፈጺሞም ክርከቡ ዘይክእሉ ዝነበሩ ተገደስቲ ሰባት ይርከቡ ኢዮም ዘለዉ።
ጸኒዕካ ደው በል
12, 13. (ሀ) ኣብ 1997 ሰይጣን ኣንጻር ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ሜላ ኢዩ እተጠቕመ፧ (ለ) ኣብ ሓንቲ ሃገር ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ኣንጻር ትጽቢት ናይቶም መጓሃሃርቱ ዀይኑ እተረኽበ በየናይ መገዲ ኢዩ፧
12 ብ1997 ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግዳያት ናይቲ ኣንጻሮም ሕጋዊ ስጕምቲ ክውሰድ ይከኣል ኢዩ ዝብል ግሁድ ዕላማ ብምሓዝ እተለዓዓለ ሕሱምን ናይ ሓሶትን ፕሮፓጋንዳ ኰይኖም ኢዮም። ድምብርጽ ግን ኣይበሎምን! (መዝሙር 112:7, 8) ንጸሎት ናይቲ ጸሓፍ መዝሙር ዘኪሮምዎ ኢዮም:- “ትዕቢተኛታት ሓሶት ይፍሕሱለይ አለዉ: ኣነ ግና ብምሉእ ልበይ ትእዛዛትካ እሕሉ አሎኹ።” (መዝሙር 119:69) ከምዚ ዝበለ ግሁድ ጸለመ ከምቲ የሱስ እተነበዮ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ክጽልኡ ከም ዘለዎም ዝሕበር መረጋገጺ ጥራይ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:9) ሓድሓደ ግዜ ኣንጻር ትጽቢት ናይቶም መጓሃሃርቱ ኰይኑ ተረኺቡ ኢዩ። ሓደ ኣብ በልጅየም ዝርከብ ሰብኣይ ኣብ ሓደ ፍሉጥ ዝዀነ መዓልታዊ ጋዜጣ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘዋርድ ዓንቀጽ ኣንበበ። እቲ ንምክፋእ ዝቐረበ ርእይቶታት ስለ ዘሰንበዶ: ኣብታ ስዒባ ዝነበረት ሰንበት ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣኼባ ተኻፈለ። ምስቶም መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ መደበ: ቅልጡፍ ዕቤት ድማ ኣርኣየ። ቅድሚ ሕጂ እዚ ሰብኣይ እዚ ናይ ሓደ ጕጅለ ገበነኛታት ኣባል ኢዩ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ምጽንዑ ጽፉፍ ናብራ ህይወት ክህልዎ ሓጊዝዎ ኢዩ: ነዚ ድማ እቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባት ኣስተብሃልሉ። ጸሓፊ ናይታ መካፍኢት ዓንቀጽ ከምዚ ዓይነት ውጽኢት ክህሉ ዝብል ሓሳብ ከም ዘይነበሮ እተረጋገጸ ኢዩ!
13 ኣብ በልጅየም ዝርከቡ ገለ ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት: ኣንጻር ከምዚ ዝበለ መደናገሪ ፕሮፓጋንዳ ብትብዓት ተዛሪቦም ኢዮም። ሓደ ካብኣቶም በቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝፈጸምዎ ነገር ኣዝዩ ከም እተደነቐ እተዛረበ ቀደም ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበረ ሰብ ኢዩ። ሓደ በዓል ስልጣን ድማ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ከምቲ ኣብ ሓድሓደ ኣጋጣሚታት ዝንዛሕ መዋረዲ ሓሳባት ዘይኰነስ: [ናይ የሆዋ መሰኻኽር] ንመንግስታዊ ትካላት ፈጺሞም ከም ዘየስግኡ ኢዩ ዝስምዓኒ። ሰላም ዘፍቅሩ: ብሕልና ዝእዘዙ: ከምኡውን ንሰበ-ስልጣን ዘኽብሩ ዜጋታት ኢዮም።” እተን “እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዚሐምዩኹም ዘለዉ: ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ሓተታ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ: ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ” ዝብላ ናይ ሃዋርያ ጴጥሮስ ቃላት ብሓቂ ናይ ጥበብ ቃላት ኢየን።—1 ጴጥሮስ 2:12
ድምቀት ዝነበሮ በዓል ዝኽሪ
14. ገለ ካብቲ ኣብ 1997 እተረኽበ ዘሐጕስ ጸብጻባት ቍጽሪ ተኣከብቲ በዓል ዝኽሪ ኣየናይ ነበረ፧
14 እቶም ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለዉ ሰባት ንዝኽሪ ሞቱ ኣብታ ዓመት ዝዓበየ ኣጋጣሚ ገይሮም ክርእይዎ ግቡእ ኢዩ። ኣብ 23 መጋቢት 1997 14,322,226 ሰባት ሞት የሱስ ንምብዓል ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺቦም ነበሩ። እዚ ድማ ካብቲ ናይ 1996 ብልዕሊ 1,400,000 ዝዛይድ ነበረ። (ሉቃስ 22:14-20) ኣብ ብዙሓት ሃገራት ቍጽሪ ተኣከብቲ በዓል ዝኽሪ ካብ ቍጽሪ ናይቶም ኣስፋሕቲ መንግስቲ ዝዛይድ ኢዩ ነይሩ: እዚ ድማ ኣብ መጻኢ ጽቡቕ ወሰኽ ከም ዝህሉ ዝሕብር ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ሀይቲ ብ1997 ኣብቲ ዝኽሪ እተኻፈሉ 67,259 ክዀኑ ከለዉ: ዝለዓለ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ 10,621 ነበረ። ነቲ ካብ ገጽ 18 ክሳዕ 21 ዘሎ ዓመታዊ ጸብጻብ ርኢኻ: ምስቲ ናይ ኣስፋሕቲ ቝጽሪ ክነጻጸር ከሎ ተመሳሳሊ ዝለዓለ ቝጽሪ ተኣከብቲ ዝነበረን ካልኦት ሃገራት ክንደይ ምዃነን ክትርኢ ትኽእል ኢኻ።
15. ኣብ ገሊኡ ሃገራት: ኣሕዋትና ነቲ ዝኽሪ ንምብዓል ንዘጋጠሞም ግድላት ዝሰገርዎ ብኸመይ ኢዮም፧
15 ንገሊኣቶም ኣሕዋት ኣብቲ ዝኽሪ ምክፋል ቀሊል ኣይነበረን። ኣብ ኣልባንያ ብምኽንያት ህዝባዊ ናዕቢ: ሰዓታት እቶ-እቶ ሰዓት 7:00 ድ.ቐ. ነበረ። ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ዝነበራ 115 ንኣሽቱ ጕጅለታት: እቲ በዓል ዝኽሪ 5:45 ድ.ቐ. ተጀመረ። ጸሓይ 6:08 ድ.ቐ. ዓረበት: እዚ ድማ ኒሳን 14 ምጅማራ ዝሕብር ኢዩ። እቲ ምሳልያዊ ቅጫን ወይንን ከኣ ከባቢ 6:15 ድ.ቐ. ዞረ። ኣብ ዝበዝሕ ቦታታት እቲ ናይ መዕጸዊ ጸሎት 6:30 ድ.ቐ. ተጸለየ: እቶም ተኣከብቲ ድማ ቅድሚ እቲ ሰዓታት እቶ-እቶ ነናብ ገዝኦም ብቕልጡፍ ከዱ። ምስናይዚ ዅሉ ግን: ቍጽሪ ተኣከብቲ ምስቲ 1,090 ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ ክነጻጸር ከሎ 3,154 ነበረ። ኣብ ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር: እቲ ዝነበረ ህዝባዊ ናዕቢ ናብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ክብጻሕ ከም ዘይክኣል ስለ ዝገበረ: ክልተ ሽማግለታት ነቲ በዓል ኣብ ናእሽቱ ጕጅለታት ኰይኖም ንምብዓሉ መደባት ምእንቲ ኸውጽኡ ኣብ ቤት ናይ ሓደ ካልእ ሳልሳይ ሽማግለ ክእከቡ ወሰኑ። እቶም ክልተ ሽማግለታት ኣብቲ ቤት ምእንቲ ኽበጽሑ ንሓደ ናይ ማይ መትረብ ክሰግሩ ነበሮም። ይኹን እምበር: ኣብቲ ኸባቢ ውግእ ነበረ: እቶም ተዋጋእቲ ድማ ነታ መትረብ ክሰግራ ንዝፈተነ ዝዀነ ይኹን ይትኵስሉ ነበሩ። ሓደ ኻብቶም ሽማግለ ገለ ከይረኸቦ ነታ መትረብ ጐይዩ ሰገራ። እቲ ኻልኣይ ክሰግራ ኸሎ ተዅሲ ሰምዐ። ኣብ መሬት በጥ በለ: ጠያይት ብርእሱ እናፋጸየ ኽሓልፍ ከሎ ድማ ተንፋሒኹ ጸግዒ ሓዘ። ናይቶም ሽማግለታት ኣኼባ ብዓወት ተኻየደ: እቲ ነታ ጉባኤ ዘድልያ ድማ ተማልአ።
‘ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቛንቋታትን’
16. እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ እቲ ብስራት ናብቶም ንኣሽቱ ናይ ቋንቋ ጕጅለታት ከም ዝዝርጋሕ ንምግባር ምድላዋት ዝገበረ ብኸመይ ኢዩ፧
16 ሃዋርያ ዮሃንስ እቶም ዓቢ ጭፍራ “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን” ዝመጹ ምዃኖም ተዛሪቡ ኢዩ። (ራእይ 7:9) ስለዚ: እቲ ኣማሓዳሪ ኣካል ብኻልእ ተወሳኺ ቋንቋታት—በቶም ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ቦታታት ዝርከቡ ዓሌታትን ንኣሽቱ ጕጅለ ሰባትን ዝዝረብ እውን ሓዊስካ— ጽሑፋት ንኽዳሎ መደበ። ንኣብነት: ኣብ ሞዛቢክ እታ ህይወት አብታ ሰላም ዝመልኣ ሓዳስ ዓለም እትበሃል ትራክት ብሓሙሽተ ተወሰኽቲ ቋንቋታት ተሓቲማ ወጸት። ኣብ ኒካራጓ: እታ ንዘልአለም አብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ! እትበሃል ብሮሹር ብቛንቋ ሚስኪቶ ተዳለወት: እዚ ድማ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ንመጀመርታ ግዜ በቲ ቛንቋ እቲ ዘውጽኣቶ ጽሑፍ ኢዩ። ብዙሓት ዓሌት ሚስኪቶ ዝዀኑ ህንዳውያን ብቛንቋኦም እተዳለወት ጽሕፍቲ ብምዃና ነታ ብሮሹር ተሓጒሶም ኢዮም ተቐቢሎምዋ። ኣብ 1997 ማሕበር ብ25 ተወሳኺ ቋንቋታት ጽሑፋት ክዳሎ ፍቓድ ሂባ ኢያ: ልዕሊ ሓደ ቢልዮን መጽሔታት ድማ ሓተመት።
17. ኣብ ኮርያ ከመይ ዝበለ ናይ ቋንቋ ጕጅለ ኢዩ እተሓገዘ: ቪድዮ ካሴታት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ኣዝዩ ዝሓገዞምከ ብኸመይ ኢዩ፧
17 ኣብ ኮርያ ካልእ ቋንቋ ዝዛረብ ጕጅለ ሓገዝ ረኺቡ ኢዩ። ዓመት 1997 ኣብ ኮርያ ንመጀመርታ ግዜ ብናይ ምልክት ቋንቋ ዓቢ ኣኼባ እተኻየደላ ዓመት ኢያ ነይራ። ኣብ ኮርያ 543 ኣስፋሕቲ ዝሓዛ ናይ ምልክት ቋንቋ ዝጥቀማ 15 ጉባኤታት ኣለዋ: ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ግን 1,174 ተኣከቡ: 21 ድማ ተጠምቁ። ነቶም ነቲ ዝዝረብ ወይ ዝጸሓፍ ቃል ብቐሊሉ ክርድእዎ ዘይክእሉ ጸማማት ንምሕጋዝ: ብ13 ዝኸውን እተፈላለየ ናይ ምልክት ቋንቋታት እተዳለወ ጸሑፋት ኣብ ቪድዮ ካሴት ይቕዳሕ ኣሎ። ስለዚ: ጸማማት ነቲ ብስራት “ከንብብዎ” ከምኡውን ከጽንዕዎ ይሕገዙ ኣለዉ: እዚ ድማ ሰናይ ፍረታት ይርከቦ ኣሎ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: ቅድሚ ሕጂ ሓደ ጸማም ሰብ ክሳዕ ኣብ ደረጃ ጥምቀት ምእንቲ ኽበጽሕ ሓሙሽተ ዓመታት ክወስደሉ ይኽእል ነበረ። ኣብዚ እዋን እዚ ግን: ብናይ ኣመሪካ ናይ ምልክት ቋንቋ ክርከብ ዝኽእል ብርክት ዝበለ ቪድዮ ካሴታት ስለ እተዳለወ: ንገሊኦም ጸማማት እቲ ናብ ጥምቀት ንኽበጽሑ ዘድልዮም ግዜ ዳርጋ ናብ ሓደ ዓመት ወሪዱ ኣሎ።
‘ኣብታ ሰረገላ ምጽናሕ’
18. የሁ ንዮናዳብ ምስ ረኸቦ እንታይ ክገብር ኢዩ እተበገሰ፧
18 ንድሕሪት ናብ 905 ቅ.ኣ.ዘ. ተመሊስና ምስ እንርኢ: ዮናዳብ ምስ ሓበሮ የሁ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ክድምስስ ተበገሰ። ንዅሎም ኣምለኽቲ በዓል “ንበዓል ዓብዪ በዓል ቀድሱ” ዝብል ጻውዒት ኣቕረበሎም። ሓደ እኳ ይኹን ናይ በዓል ኣምላኺ ከም ዘይተረፈ ንምርግጋጽ ናብ ኵላ እታ ሃገር ለኣኸ። እቶም ጭፍራ ህዝቢ ናብ ቤት መቕደስ ናይቲ ናይ ሓሶት ኣምላኽ ምስ ተኣከቡ: ዝዀነ ይኹን ናይ የሆዋ ኣምላኺ ኣብኡ ኸም ዘየለ ኣረጋገጸ። ኣብ መወዳእታ: የሁን ሰራዊቱን ንኣምለኽቲ በዓል ሓረድዎም። “የሁ ኸምዚ ገይሩ ንበዓል ካብ እስራኤል ኣጥፍኦ።”—2 ነገስት 10:20-28
19. ነቲ ንደቅሰብ ኣብ መጻኢ ዝጽበዮም ዘሎ ነገራት ብምርኣይ: እንታይ ዓይነት መንፈስ ኢና ከነርኢ ዘሎና: ኣብ እንታይ ዕዮኸ ኢና ብትግሃት ክንጽመድ ዘሎና፧
19 ሎሚ: ኣብ ልዕሊ ዅለን ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ዝወርድ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ቐሪቡ ኢዩ። ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መላእኽቲ ዀይኖም ንኣምላኽ ክፈርሁን ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክፍለዩን ብምትብባዕ: ንዅሎም ደቅሰብ ብስራት ይእውጁሎም ኣለዉ። (ራእይ 14:6-8፣ 18:2, 4) ትሑታት ሰባት ነታ ኣብ ትሕቲ እቲ የሆዋ ዝሸሞ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ክግዝኡ ይተባብዑ ኣለዉ። (ራእይ 12:10) ኣብዚ ዘሐጕስ ግዜ እዚ: ብወገን ሓቀኛ ኣምልኾ ጸኒዕና ደው ክንብል ከሎና ቅንእና ክቕህም ከነፍቅድ የብልናን።
20. ኣብ ናይ 1998 ናይ ኣገልግሎት ዓመት እንታይ ንምግባር ኢኻ ቈሪጽካ ዘሎኻ፧
20 ሓደ እዋን: ንጉስ ዳዊት ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ጸቕጢ ኸሎ: ከምዚ ኢሉ ጸለየ:- “ልበይ ኣንቂዱ [“ጽኑዕ ኢዩ:” NW ]: ዎ ኣምላኽ: ልበይ ኣንቂዱ [“ጽኑዕ ኢዩ: NW ]: ክዝምርን ከመስግንን: እየ። ጐይታየ: ኣብ ማእከል ኣህዛብ ከመስግነካ . . . እየ።” (መዝሙር 57:7, 9) ንሕና እውን ጽኑዓት ንኹን። ኣብ ናይ 1997 ናይ ኣገልግሎት ዓመት: ብዙሕ ጸገማት እናሃለወ ክነሱ ንኽብሪ የሆዋ ኣምላኽ ዕዙዝ ውዳሰ ተቓሊሑ ኢዩ። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ናይ ኣገልግሎት ዓመት ድማ ተመሳሳሊ: አረ ካብኡ ዝዓበየ መቓልሕ ዝስማዕ ይግበሮ። ሰይጣን ተስፋ ንኸቝርጸና ወይ ንኽጻረረና ዝፈተነ ይፈትን ንየሆዋ ምውዳስ ንቐጽል። በዚ ኸኣ: ልብና ምስ ልቢ ናይቲ ዝዓበየ የሁ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ቅኑዕ ምዃኑ ነርኢ: ነቲ “ኣቱም ጻድቃን: ብእግዚኣብሄር ተሐጐሱ: ባህ ድማ ይበልኩም: ኣቱም ቅኑዓት ልቢ ዅላትኩም: እልል በሉ” ዝብል መንፈስ ዝነፈሶ ምዕዶ ድማ ብምሉእ ነፍስና ክንምልሰሉ ኢና።—መዝሙር 32:11
ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧
◻ ብ905 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ እስራኤል እንታይ ለውጥታት ኢዩ ዘጋጠመ፧
◻ ዘመናዊ የሁ መን ኢዩ: እቶም “ዓቢ ጭፍራ” ‘ልቦም ምስ ልቡ ቕኑዕ’ ምዃኑ ዘርኣዩኸ ብኸመይ ኢዮም፧
◻ ካብቲ ዓመታዊ ጸብጻብ እተረኽበ እንታይ ኣሃዛዊ ጭብጥታት ኢዩ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ናይ 1997 ናይ ኣገልግሎት ዓመት ዘርኣይዎ ቅንኢ ዝገልጽ፧
◻ ሰይጣን ኣንጻርና ዝገበረ ይግበር ብዘየገድስ: ኣብ ናይ 1998 ናይ ኣገልግሎት ዓመት እንታይ መንፈስ ኢና ከነርኢ፧
[ኣብ ገጽ 18-21 ዘሎ ሰሌዳ]
1997 SERVICE YEAR REPORT OF JEHOVAH’S WITNESSES WORLDWIDE
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ እተራእየ ሓለፍ ዝበለ ቝጽሪ ተኣከብቲ ኣብ መጻኢ ጽቡቕ ዕቤት ከም ዝህሉ ዘርኢ ኢዩ
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ከምቲ ዮናዳብ ንየሁ ዝሓገዞ: እቶም ሎሚ ዘለዉ “ዓቢ ጭፍራ” ድማ ነቲ ዝዓበየ የሁ: የሱስ ክርስቶስ: ከምኡውን ነቶም ቅቡኣት ኣሕዋቱ ይሕግዙ