-
ክንደይ እየ ኽውፊ ዘሎኒ፧ግምቢ ዘብዐኛ—2009 | 1 ነሓሰ
-
-
እስራኤላውያን፡ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት እውን ዓቕሞም ክሳዕ ዚፈቕደሎም ብፍታው ኪውፍዩ ይኽእሉ ነበሩ። ንኣብነት፡ ንጉስ ዳዊት ንየሆዋ ቤተ መቕደስ ኪሰርሓሉ ምስ መደበ፡ እቶም ህዝቢ “ሓሙሽተ ሽሕ ታለንት ወርቂ” ወፈዩ።a (1 ዜና መዋእል 29:7) ነዚ ወፈያ እዚ ምስቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ እተዓዘቦ ፍጻመ እሞ ኣነጻጽሮ። “ሓንቲ ድኻ መበለት” ኣብቲ ናይ ቤተ መቕደስ ሳጹን ምጽዋት “ክልተ ለብጦን” ከተውድቕ ከላ ረኣየ። እዚ ዝገበረቶ ወፈያ፡ ማዕረ 1/64 ካብ ናይ መዓልቲ መሃያ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ የሱስ እዚ ሒደት ገንዘብ እዚ ተቐባልነት ከም ዘለዎ ገለጸ።—ሉቃስ 21:1-4።
-
-
ክንደይ እየ ኽውፊ ዘሎኒ፧ግምቢ ዘብዐኛ—2009 | 1 ነሓሰ
-
-
a ብ2008 ዋጋ 28.35 ግራም ወርቂ ብገምጋም 871 ዶላር ነበረ፣ ስለዚ፡ እዚ ወፈያ እዚ ዳርጋ 4,794,855,000 ዶላር ዝዋጋኡ እዩ ነይሩ ማለት እዩ።
-