“ኣምላኽ ሰላም” ነቶም ውጹዓት ይግደሰሎም ኢዩ
መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ዳዊት ንወጽዓ ይፈልጦ ከም ዝነበረ ኣነጺሩ ይገልጾ ኢዩ። ንሱ ብሓደ ንምቕታሉ ቈሪጹ ዝነበረ እኩይን ደረቐኛን ንጉስ ብዘይ ዕረፍቲ ይህደን ብምንባሩ: ንብዙሕ ዓመታት ኰብላሊ ብምዃን ተቐሚጡ ኢዩ። ዳዊት ከምዚ ዝበለ መጥቃዕቲ ይወርዶ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ኣብ ምሕድግ ዝበለ ቦታታት ይሕባእ ነበረ። ካብ ምሕባእ ንላዕሊ ግን ገይሩ ኢዩ። ብዛዕባ መከርኡ ናብ የሆዋ ካብ ልቢ ጸልዩ ኢዩ። ጸኒሑ ነቲ ዝነበሮ ጸበባ ኣመልኪቱ “ብድምጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኤእዊ . . . ጓህየይ ኣብ ቅድሚኡ እኽዑ: ሽጋረይ ኣብ ቅድሚኡ እነግር” ብምባል ጸሓፈ።—መዝሙር 142:1, 2
ሎሚ: ገለ ሰባት በቲ ዳዊት ኣብ የሆዋ ዘርኣዮ ትውክልቲ ይሕጭጩ ኢዮም። ጸሎት ንሓደ ሰብ ሰላማዊ ኵነት ኣእምሮ ንኽዕቅብ ዝሕግዞ ስነ-ኣእምሮኣዊ ደገፍ ከም ዝዀነ: ተግባራዊ ብዝዀነ መገዲ ክርአ ከሎ ድማ ግዜ ምጥፋእ ምዃኑ ይዛረቡ። እንተዀነ ግን: ዳዊት ኣብ የሆዋ ዝነበሮ እምንቶ ግጉይ ኣይነበረን: ከመይሲ ኣብ መወዳእታ ጸላእቱ ተሳዒሮም ኢዮም። ዳዊት ነቲ ዘሕለፎ ተመክሮ ብምዝካር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እዚ መስኪን እዚ ኣእወየ: እግዚኣብሄርውን ሰምዖ: ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣድሐኖ።” (መዝሙር 34:6) እቲ ዳዊት ሓገዝ ደልዩ ቍሊሕ ዝበሎ ሓቀኛ ኣምላኽ: ኣብ ካልእ ቦታ “ኣምላኽ ሰላም” ብምባል ተጸዊዑ ኣሎ። (ፊልጲ 4:9፣ እብራውያን 13:20) ኣባና ሰላም ብምውራድ: ካብ ወጽዓ እንወጸሉ ራህዋ ከምጽኣልና ድዩ፧
የሆዋ ይሓልየልካ ኢዩ
የሆዋ ብዛዕባ እቲ ንህዝቡ ዘጋጥሞም ሽግራት ዘይግደስ ኣይኰነን። (መዝሙር 34:15) ንድሌት ኣገልገልቱ ብጕጅለ ደረጃ ጥራይ ዘይኰነስ ንዕኡ ንዝፈርህ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ዘድልዮ ነገራት እውን ይሓሊ ኢዩ። ሰሎሞን ነታ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረት ቤት መቕደስ ንየሆዋ ክውፍያ ከሎ: “ዝዀነ ሰብ ወይ ኵሉ ህዝብኻ እስራኤል: ነፍሲ ወከፍ ቍስሉን ቃንዛኡን እተፈለጦ: ዚጽልዮ ዅሉ ጸሎትን ኵሉ ምህልላን” ስምዓዮ ብምባል ንየሆዋ ለመኖ። (2 ዜና መዋእል 6:29 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ከምቲ ሰሎሞን ኣፍልጦ ዝሃበሉ: ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ክጽመሞ ዝግባእ ናይ ገዛእ ርእሱ ፍሉይ ወጽዓ ኣለዎ። ንሓደ ሰብ ኣካላዊ ሕማም ክኸውን ይኽእል። ነቲ ኻልእ ድማ ስምዒታዊ ጭንቀት ክኸውን ይኽእል። ገሊኦም ሞት ናይ ዘፍቅርዎ ሰብ ይውጽዖም ይኸውን። ስራሕ ኣልቦነት: ቁጠባዊ ጸገም: ከምኡውን ናይ ስድራቤት ግድላት ኣብዚ ኣሸጋሪ ዝዀነ ግዝያት ልሙድ ወጽዓታት ኢዩ።
ብዛዕባ ‘ቍስልኻን ቃንዛኻን’ እሞ ሓንሳእ ሕስብ ኣብል። ሓድሓደ ግዜ ምናልባት ከምቲ ነቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝነበረ ዳዊት እተሰምዖ ተሰሚዑካ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ከምዚ ኢሉ ድማ ጸሓፈ:- “ዚድንግጸለይ ተጸቤኹ: ሓደ እኳ ኣይነበረን: ዜጸናንዑኒ ደልየውን: ሰአንኩ።” እንተዀነ ግን: ኣምላኽ ብዛዕባ ኵነታትካ ይግደስ ምዃኑ ርግጸኛ ክትከውን ትኽእል ኢኻ: ከመይሲ ጸኒሑ ዳዊት ኣብታ መዝሙር እቲኣ “እግዚኣብሄር ንድኻታት ይሰምዖም: ንእሱራቱውን ኣይንዕቕን እዩ” ብምባል ጽሒፉ ኣሎ።—መዝሙር 69:20, 33
ንቓላት ዳዊት ስፍሕ ዝበለ ኣወዓዕላ ገይርና ምስ እንርእዮ: እቲ ናይ ደቅሰብ ፈጣሪ ንጸሎት ናይቶም በቲ ዝወረዶም ወጽዓ ብምሳልያዊ መገዲ ተኣሲሮም ዘለዉ ሰባት ከም ዝሰምዖ ጽቡቕ ገይርና ከነረጋግጽ ንኽእል ኢና። ካብዚ ንላዕሊ ድማ: ነቲ ዘሕዝን ኵነታቶም መልሲ ይህበሉ ኢዩ። የሆዋ ንውጹዓት ከም ዝድንግጸሎም ዝሕብር ቀጺሉ ዘሎ መግለጺታት ርአ።
“ንመበለታትን ንዘኽታማትን ዘበሉ ኣይትግፍዕዎም። እንተ ገፋዕካዮም: እሞ ኣባይ እንተ ጠርዑ: ጥርዓኖም ኣጸቢቐ ኽሰምዕ እየ። ኵራይ [ድማ] ይነድድ።”—ዘጸኣት 22:22-24
“ኣምላኽዶ ግዳ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዚጠርዑ ሕሩያቱ ፍትሒ ኣየውጽኣሎምን እዩ፧ ይጽመሞምዶኸ፧”—ሉቃስ 18:7
“ነቲ ዚጠርዕ ድኻን ነቲ ረዳኢ ዜብሉ መስኪንን ኬናግፎ እዩ። ንመሳኺንን ንድኻታትን ኪድንግጸሎም: ንነፍሲ ድኻታት ከኣ ኬድሕን እዩ። ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኪብጀዋ ደሞም ከኣ ኣብ ኣዒንቱ ኽቡር ኪኸውን እዩ።”—መዝሙር 72:12-14
“እቲ ንኣኻትኩም [ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ] ዚትንክስ: መርዓት ዓይኑ እዩ ዚትንኪ።”—ዘካርያስ 2:8
እዚ ፈጣሪና ንድሕንነት ናይ ህዝቡ ዘለዎ ዓሚቝ ተገዳስነት ዘርኢ ሒደት ኣብነታት ኢዩ። ስለዚ: ነቲ “ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ: ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ” ዝብል ናይ ሃዋርያ ጴጥሮስ ማዕዳ ክንስዕብ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና። (1 ጴጥሮስ 5:7) ወጽዓ ኣብ ዘጋጥመና ግዜ ግን ኣምላኽ ዝሕግዘና ብኸመይ ኢዩ፧
ኣምላኽ ንውጹዓት ብኸመይ ከም ዝሕግዞም
ከም ዝረኣናዮ: ዳዊት ወጽዓ ምስ ኣጋጠሞ: መምርሒ ክህቦ ናብ ኣምላኽ ካብ ልቡ ጸለየ። ምስናይዚ ድማ: ካብቶም ዝሃድንዎ ዝነበሩ ንኸምልጥ ብልሓት ብምጥቃም: ነቲ ኵነታት ኣብ ምቅላል ተበግሶ ወሲዱ ኢዩ። በዚ ኸምዚ ድማ: ኣብ የሆዋ ትውክልቲ ምግባር ምስ ብሕታዊ ጻዕሪ ተሓዊሱ ዳዊት ነቲ ዝወረዶ መከራ ከም ዝጽመም ገይርዎ ኢዩ። ካብዚ እንታይ ክንማሃር ንኽእል፧
ወጽዓ ምስ ዘጋጥመና: ነቲ ግድል ንምፍታሕ ምኽንያታዊ ዝዀነ ተበግሶ ምውሳድ ፈጺሙ ጌጋ ኣይኰነን። ንኣብነት: ሓደ ክርስትያን ስራሕ እንተድኣ ስኢኑ: ስራሕ ምእንቲ ክረክብ ጻዕሪ ኣይምገበረንዶ፧ ወይውን ብሰንኪ ኣካላዊ ሕማም ይሳቐ እንተድኣ ኣሎ: ሕክምናዊ ሓልዮት ኣይምደለየንዶ፧ ብርግጽ: እቲ ንዅሉ ዓይነት ሕማማት ንምሕዋይ ሓይሊ ዝነበሮ የሱስ እውን ከይተረፈ ‘ሕሙማት ሓኪም ከም ዘድልዮም’ ኣፍልጦ ሂቡሉ ኢዩ። (ማቴዎስ 9:12፣ ምስ 1 ጢሞቴዎስ 5:23 ኣረኣእዮ።) ልክዕ ኢዩ: ገሊኡ ሽግራት ከተርሕቖ ዘይከኣል ስለ ዝዀነ: ክትጽመሞ ጥራይ ኢዩ ዘሎካ። እንተዀነ ግን: ሓደ ሓቀኛ ክርስትያን ከምቲ ገለ ሰባት ዝሓስብዎ ምስቓይ ንርእሱ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ገይሩ ኣይርእዮን ኢዩ። (ምስ 1 ነገስት 18:28 ኣረኣእዮ።) ኣብ ክንድኡ: ምስቲ ዘጋጥሞ ወጽዓ ንምግጣም ዝዀነ ይኹን ዝከኣሎ ስጕምትታት ይወስድ ኢዩ።
ምስናይዚ ግን: ነቲ ነገር ብጸሎት ገይርካ ናብ የሆዋ ምቕራቡ ድማ ምኽንያታዊ ኢዩ። ስለምንታይ፧ መጀመርታ ኣብ ፈጣሪና ብምውካል: ‘ነቲ ዝሓይሽ ክንምርምር’ ንሕገዝ። (ፊልጲ 1:10) ንኣብነት: ስራሕ ክንደሊ ከሎና: ኣብ ኣምላኽ ጸሎት ዘለዎ ትውክልቲ ምግባር ምስቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ዝጻረር ዓይነት ስራሕ ንኸይንቕበል ይሕግዘና። ብፍቕሪ ገንዘብ ተደሪኽና ‘ካብ እምነት ምዝባል’ ድማ ነርሕቕ። (1 ጢሞቴዎስ 6:10) ብሓቂ: ንስራሕ ወይ ንኻልእ መዳያት ናብራ ዝምልከት ክብድ ዝበለ ውሳነታት ክንገብር ከሎና: ናይ ዳዊት ማዕዳ ክንስዕብ የድልየና ኢዩ:- “ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ: ንሱ ኺድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጎን።”—መዝሙር 55:22
ጸሎት እቲ ዘጋጥመና ወጽዓ ምእንቲ ከይዕብልለና ናይ ኣእምሮና ሚዛን ክንሕሉ እውን ይሕግዘና ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር: ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ” ብምባል ጸሓፈ። ምስ እንታይ ፍረኸ፧ “እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።” (ፊልጲ 4:6, 7) እወ: ሰላም: ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ሰላም ኢዩ። እዚ ሰላም እዚ “ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ” ኢዩ: ስለዚ ዘጨንቕ ስምዒታት ክደቝሰና ከሎ ርግእ ንኽንብል ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ‘ንልብናን ሓሳብናን ክሕልዎ’ ኢዩ: በዚ ድማ ነቲ ዘጋጥመና ወጽዓ ከጋድዶ ዝኽእል: ህዉኽን ዘይጥበባውን መልሰ-ግብሪ ምርኣይ ከነርሕቕ ይሕግዘና።—መክብብ 7:7
ጸሎት ገና ካልእ ነገር እውን ክገብር ይኽእል ኢዩ። ኣብ ኣመዓባብላ ናይቲ ኵነታት ለውጢ ከምጽእ ይኽእል ኢዩ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነት ርአ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ምስ ተኣስረ: ንክርስትያን ብጾት ምእንትኡ ክጽልዩ ኣተባብዖም። ስለምንታይ፧ “ኣነ ቐልጢፈ ኸም ብሓድሽ ምእንቲ ኽውሀበኩም: እዚ ኽትገብሩ ኣብዚሔ እምዕደኩም አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (እብራውያን 13:19) ጳውሎስ: ዘየባትኽ ጸሎት ናይቶም ኣመንቲ ብጾቱ ነቲ ካብ ማእሰርቲ ዝፍትሓሉ ግዜ ለውጢ ከምጽኣሉ ይኽእል ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ።—ፊልሞን 22
ጸሎት ኣብ ውጽኢት ናይቲ ዘጋጥመካ ወጽዓ ለውጢ የምጽእ ድዩ፧ ከምጽእ ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: የሆዋ ከምቲ ንሕና እንጽበዮ መገዲ ገይሩ ኵሉ ግዜ ንጸሎትና ከም ዘይምልሶ ክንግንዘብ ኣሎና። ንኣብነት: ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ‘ኣብ ስግኡ ዝነበሮ ግራጭ’—ምናልባት ምስ ምርኣይ እተተሓሓዘ ኣካላዊ ጸገም ክኸውን ይኽእል—ብተደጋጋሚ ጸልዩ ኢዩ። ኣምላኽ ግን ነቲ ወጽዓ እቲ ኣብ ክንዲ ዝኣልየሉ “ሓይለይ ብድኻም እዩ ዚፍጸም እሞ: ጸጋይ ይአኽለካ” ብምባል ንጳውሎስ ነገሮ።—2 ቈረንቶስ 12:7-9
ስለዚ ሓድሓደ ግዜ ሽግራትና ኣይርሕቁን ኢዮም። ኣብ ክንድኡ: ኣብ ፈጣሪና ዘሎና ትውክልቲ ንምርግጋጽ ኣጋጣሚ ክህልወና ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 14:22) ብተወሳኺ: የሆዋ ነቲ ወጽዓ እንተ ዘየልገሶ እኳ ‘ምጽዋሩ ምእንቲ ኽንክእል: መውጽኢ ከም ዝገብረልና’ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (1 ቈረንቶስ 10:13) እወ: የሆዋ ‘ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ: ብጸበባና ዘበለ ዘጸናንዓና’ ተባሂሉ ክጽዋዕ ብቑዕ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 1:3, 4) ንኽንጽመም ዘድልየና ነገር ምስ እኹል ሰላም ገይሩ ይህበና ኢዩ።
ድሕሪ ቐረባ ግዜ እትህሉ ወጽዓ ዘይብላ ዓለም!
ፈጣሪ በታ መንግስቱ ኣቢሉ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ንወጽዓ ደቅሰብ ከልግሶ ምዃኑ ተመባጺዑ ኢዩ። ነዚ ብኸመይ ኢዩ ክገብሮ፧ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ብምባል ዝጽውዖ ኣውራ መለዓዓሊ ናይዚ ዘጋጥም ዘሎ ወጽዓን ቀንዲ ጸላኢ ሰላምን ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ብምጥፋእ ኢዩ ክገብሮ። (2 ቈረንቶስ 4:4) ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ዘለዎ ምቍጽጻር ግን ድሕሪ ቐረባ ግዜ ከብቅዕ ኢዩ። ናይ ሰይጣን ምጥፋእ ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ማእለያ ዘይብሉ በረኸታት ንኽረኽቡ መገዲ ክኸፍት ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: የሆዋ ‘ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ክደርዝ: እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ ኢዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት [ከም ዘይህሉ:] ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ [ከም ዘይህሉ]’ ክገብር ምዃኑ ይማባጻዕ ኢዩ።—ራእይ 21:1-4
ወጽዓ ዘይብላ ዓለም ክትህሉስ ዝእመን መሲሉዶ ይርኣየካ፧ ብሽግር ምንባር ስለ ዝለመድናዮ ሽግር ዘይህልወሉ ግዜ ክንሓስብ ኣጸጋሚ ኢዩ። ካብ ፍርሂ: ጭንቀት: ሓደጋ ናጻ ምዃን ግን ኣምላኽ ንሰብ ክፈጥሮ ኸሎ ዝነበሮ ዕላማ ኢዩ: ዕላምኡ ድማ ክዕወት ኢዩ።—ኢሳይያስ 55:10, 11
እተን ኣብታ ናይ መጀመርታ ዓንቀጽ ተጠቒሰን ዝነበራ ሶንያ: ፋብያና: ከምኡውን ኣን ዝረኸብኦ ተስፋ እዚ ኢዩ። እታ ክልተ ደቃ ብሰንኪ አይድስ ዝሞትዋ ሶንያ: ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝህቦ ተስፋ—ናይ ጻድቃንን ሓጥኣንን ትንሳኤ—ብዙሕ ሰላም ረኺባ ኢያ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ከምዚ ድማ ትብል:- “ርግጽ ዝዀነ ሓደ ነገር ኣሎ: ተስፋና ንዝዀነ ይኹን ዓይነት ስቓይ ሓለፍ ዝብሎ ኢዩ።”
ኣን ገና ኣብ መዕበይ ዘኽታማት እናነበረት ከላ: ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሳኻኽር በጺሓታ ኢያ። ኣን ከምዚ ትብል:- “ስም የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርኣየትኒ: ካብ ሓጐስ እተላዕለ ድማ ነባዕኩ። ናይ ሓቂ ሓገዝ የድልየኒ ኢዩ ነይሩ: ዝሓልየልና ኣምላኽ ከም ዘሎና ድማ ፈለጥኩ።” ኣን ካብቲ መዕበይ ዘኽታማት ምስ ወጸት: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተገብረላ: ብዛዕባ ተስፋታት የሆዋ ድማ ብዙሕ ተማህረት። ድሕርዚ ህይወታ ንየሆዋ ወፈየት: ብማይ ጥምቀት ድማ ኣርኣየቶ። “ካብ ሽዑ ኣትሒዘ ብጸሎት ኣቢለ ኣብ የሆዋ ትውክልቲ ምግባር ቀጺለ ኢየ: ከም ዝሕግዘኒ ርግጸኛ ብምዃን ድማ ተጸናናዕኩ።”
ፋብያና እውን ብዛዕባ ኣምላኽ ንመጻኢ ግዜ ዘለዎ ተስፋታት ብምምሃር ነቲ ዘጋጠማ ወጽዓ ዝኸውን ብዙሕ ምጽንናዕን ናይ ኣእምሮ ሰላምን ረኺባ ኢያ። “ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ምምሃር ልክዕ ከም ካብ ሓደ ግብ ዝበለ ጸልማት ዘለዎ ክፍሊ ወጺእካ ናብ ሓደ ጽሩይን ብሩህን ባህ ዘብልን ክፍሊ ምእታው ኢዩ።”—ምስ መዝሙር 118:5 ኣረኣእዮ።
ብኸመይን መዓስን ኢዩ ግን ኣብ ኵሉ ዙርያ ምድሪ ቃል ብቓሉ ሰላም ዝህሉ፧ ኣብዘን ቀጺለን ዘለዋ ዓንቀጻት ንርአ።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]
ወጽዓ ሒዝዎ ዘሎ ብዙሕ መልክዓት
▪ ብገምጋም ርብዒ ህዝቢ ዓለም ኣብ ክቱር ድኽነት ኢዩ ዝነብር: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ድማ ንምንባር ኣብ ዘስግእ ትሑት ሰብኣዊ ኵነታት ኢዮም ዝነብሩ።
▪ ልዕሊ 200 ሚልዮን ቈልዑ እኹል መግቢ ኣይረኽቡን ኢዮም።
▪ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ሕማም ውጽኣት ሰለስት ሚልዮን ንዝዀኑ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ቈልዑ ይቐትል።
▪ ኣብ 1993 ጥራይ ተላጋቢ ሕማም ገለ 16.5 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ቀተለ። ገሊአን ሃገራት ንሕማም ኣብ እተፈላለየ ደረጃታት ስለ ዝምድብኦ: እቲ ልክዕ ቍጽሪ ልዕሊኡ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
▪ ብገምጋም 500 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ብገለ ዓይነት ናይ ኣእምሮ ጸገም ይትንከፉ ኢዮም።
▪ ናይ ርእሰ-ቕትለት መጠን ኣብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ናይ ዕደመ ዓንኬል ካብ ዘለዉ ኣብ መንእሰያት ዝያዳ እናወሰኸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ።
▪ ዘ ዩኔስኮ ኩርየር ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ኣብ ዓለም ጥሜትን ስራሕ ኣልቦነትን ጸሊም ነጥቢ እናዀነ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ኣብተን ካብ ዓለም ብቑጠባ ዝበልጸጋ ሸውዓተ ሃገራት 35 ሚልዮን ዝዀኑ ስራሕ ዘይብሎም ሰባት ኣለዉ: ኣብ ብራዚል ጥራይ ድማ 20 ሚልዮን ዝዀኑ ንመግቦም እኳ ዘይኣክል ስራሕ ዝሓዙ ሰራሕተኛታት ኣለዉ።”
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእልታት]
ጸሎት ኣብቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ወጽዓ ዘይብላ ዓለም ዝሃቦ መብጸዓ ከነተኵር ይሕግዘና ኢዩ