ናብ ኣምላኽ ዜቕርበና ፍልጠት
ፈጣሪና ሓይሊ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ተፈታዊ ባህርያት እውን ኣለዎ። ብዛዕባኡ ኽንፈልጥን ናብኡ ኽንቀርብን ከኣ ይደልየና እዩ። (ዮሃንስ 17:3፣ ያእቆብ 4:8) ነዚ እዩ ኸኣ ብዛዕባ ርእሱ ብዙሕ ገሊጹልና ዘሎ።
ፈጣሪና ብሕታዊ ስም ኣለዎ
“ንስኻ፡ የሆዋ ዝስምካ፡ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ልዑል ምዃንካ ይፍለጡ።”—መዝሙር 83:18።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናይ ሓቂ ኣምላኽ የሆዋ ጥራይ ምዃኑ ይምህር እዩ። ንዩኒቨርስን ንዅሉ ህይወትን ዝፈጠረ ኸኣ ንሱ እዩ። ስለዚ፡ ንዕኡ ጥራይ ኢና ኸነምልኾ ዚግብኣና።—ራእይ 4:11።
የሆዋ ፈቃር ኣምላኽ እዩ
“ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ።”—1 ዮሃንስ 4:8።
የሆዋ ብመጽሓፍ ቅዱስን በቲ እንርእዮ ፍጥረታትን ኣቢሉ ባህርያቱ ገሊጹልና እዩ። ካብ ኵለን ባህርያቱ፡ እታ ዓብላሊት ፍቕሪ እያ፣ ብዛዕባ መንነቱ እውን ትገልጸልና እያ። ብዛዕባኡ ብዝፈለጥና መጠን፡ ዝያዳ ነፍቅሮ ኢና።
የሆዋ ይቕረ በሃሊ ኣምላኽ እዩ
“ንስኻ ግና ንይቕረታ ድልዊ ዝዀንካ ኣምላኽ . . . ኢኻ።”—ነህምያ 9:17።
የሆዋ ዘይፍጹማት ምዃና ይፈልጥ እዩ። ስለዚ፡ ‘ይቕረ ኺብለልና ድሉው’ እዩ። ይቕረታ እንተ ሓቲትናዮን ነቲ ሕማቕ ተግባራትና ደው ከነብሎ እንተ ጽዒርናን ይቕረ ይብለልና እዩ፣ ንዝሓለፈ ሓጢኣትና ድማ ኣይጽብጽቦን እዩ።—መዝሙር 103:12, 13።
የሆዋ ንጸሎትና ይሰምዖ እዩ
“የሆዋ ንዅሎም እቶም ዚጽውዕዎ፡ . . . ቐረባኦም እዩ። . . . ኣውያቶም ይሰምዕ።”—መዝሙር 145:18, 19።
የሆዋ ኣብ ኣምልኾኡ፡ ፍሉይ ጽምብላት ወይ ሃይማኖታዊ ምስልታት ክንጥቀም ኣይደልን እዩ። ከምቲ ፈቃራት ወለዲ ንዚፈትውዎም ውሉዳቶም ዚሰምዕዎም፡ ንሱ እውን ንጸሎትና ይሰምዖ እዩ።