-
ንህዝቢ ኣምላኽ ተሓለቐትሎምኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
-
-
18. (ሀ) ማርዶካይ ንሃማን ኪሰግደሉ ዘይደለየ ስለምንታይ እዩ፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።) (ለ) ሎሚ ሰብኡትን ኣንስትን ኣስኣሰር እምነት ማርዶካይ ኪስዕቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
18 ሃማን ዝስሙ ሰብኣይ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣሓሽዌሮስ ክብ ዝበለ ስልጣን ረኸበ። እቲ ንጉስ ንሃማን ቀንዲ ኣማኻሪኡ ኸም ዚኸውን ብምግባርን ኣብ ግዝኣቱ ድማ ካልኣይ ቦታ ብምሃብን ቀዳማይ ሚኒስተር ገይሩ ሸሞ። እቲ ንጉስ ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ሰባት ነዚ ብዓል ስልጣን እዚ ኺርእይዎ ኸለዉ ፍግም ኢሎም ንኺሰግዱሉ ኣዘዘ። (ኣስ. 3:1-4) እቲ ሕጊ ንማርዶካይ ኣብ ጸገም ዜውድቖ እዩ ነይሩ። ማርዶካይ ነቲ ንጉስ ኪእዘዞ ኸም ዘለዎ ይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፡ ንኣምላኽ ኪንዕቕ ከም ዘይብሉ እውን ይኣምን ነይሩ እዩ። ሃማን፡ ኣጋጋዊ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ካብ ዘርኢ እቲ ብነብዪ ሳሙኤል እተቐትለ ኣጋግ ዝስሙ ኣማሌቃዊ ንጉስ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። (1 ሳሙ. 15:33) ኣማሌቃውያን ኣዝዮም እኩያት ስለ ዝነበሩ፡ ጸላእቲ የሆዋን እስራኤልን እዮም ነይሮም። ብደረጃ ህዝቢ ኸኣ ብኣምላኽ ተዀነኑ።c (ዘዳ. 25:19) ከመይ ገይሩ ደኣ እዩ እሞ ሓደ እሙን ኣይሁዳዊ ንኣማሌቃዊ ኪሰግደሉ ዚኽእል፧ ማርዶካይ ኪሰግደሉ ኣይከኣለን። ካብ መትከሉ ምንቕ ኣይበለን። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ፡ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ንህይወቶም ኣስጋኢ ኣብ ዝዀነሉ ዅነታት እውን ከይተረፈ ነቲ፡ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ኢና ኽንእዘዝ ዚግባእ” ዚብል መሰረታዊ ስርዓት ይሕልውዎ እዮም።—ግብ. 5:29።
-