-
“ንጽህናይ ኣይሓድግን እየ!”ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
-
-
ይኹን እምበር፡ እዮብ ሓያልን ድልድልትን እምነት ነይራቶ እያ። እምነቱ ኸኣ ኣብቲ ነዊሕ ክርክር ተራእያ እያ፣ ሓቂ ዝዀነን ጥዑምን ንዓና ዜተባብዓናን ዘረባ እዩ ተዛሪቡ። ብዛዕባ ድንቂ ፍጥረታት ኪዛረብ ከሎ፡ ኣምላኽ ዝገለጸሉ እንተ ዘይኰይኑ ዝዀነ ሰብ ኪፈልጦ ብዘይክእል መገዲ ንኣምላኽ ኣሞጊስዎ እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ “ንምድሪ ኣብ ገለ ዘይብሉ የንጠልጥላ” ኢሉ እዩ፣ ነዚ ዘረባ እዚ ኸኣ ስነ ፍልጠት ገና ኸይፈለጦ ብዙሕ ዘመናት ኣቐዲሙ እዩ ተዛሪብዎ።b (እዮብ 26:7) ብዛዕባ መጻኢ ዘለዎ ተስፋ ኺዛረብ ከሎ ድማ፡ ዓባይ እምነት ዘላቶም ካልኦት ሰባት ዘሕደርዎ እምንቶ ኸም ዘለዎ ገሊጹ እዩ። እንተ ሞይቱ፡ ኣምላኽ ከም ዚዝክሮ፡ ከም ዚናፍቖ፡ ኣብ መወዳእታ እውን መሊሱ ህያው ከም ዚገብሮ ይኣምን ነይሩ እዩ።—እዮብ 14:13-15፣ እብራውያን 11:17-19, 35።
-
-
“ንጽህናይ ኣይሓድግን እየ!”ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
-
-
b ክሳዕ ሕጂ ኸም ዚፍለጥ፡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ኣስታት 3,000 ዓመት ጸኒሖም እዮም ንምድሪ ዚድግፋ ነገር ከም ዘየሎ ኺግንዘቡ ኽኢሎም። ደቂ ሰብ ብሓፈሻ ድማ ካብ ህዋ እተሳእለ ስእሊ ምስ ረኣዩ እዮም ብዛዕባ ቓላት እዮብ ብዜእምን መገዲ ብዓይኖም መረጋገጺ ኺርእዩ ኽኢሎም።
-