ፍሽኽታ ጽቡቕ ኢዩ!
ብወኪል ንቕሑ! ካብ ጃፓን
ናይ ሓቂ ክኸውን ከሎ ንዝነበረ ጥርጣረ የጥፍኦ። ንብዙሕ ዓመታት ዝጸንሓካ ከይመርመርካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ዝንባለ የወግዶ። ብሰንኪ ዘይምትእምማንን ምጥርጣርን ተሪሩ ንዝነበረ ልቢ የለስልሶ። ንብዙሓት እፎይታን ሓጐስን የምጽኣሎም። “ኣጆኻ ኣይትጨነቕ: ተረዲኡኒ ኣሎ” ዝብል መልእኽቲ የመሓላልፍ። “ተስፋ እገብር መቸም ንተዓራረኽ ንኸውን” ዝብል ጻውዒት የመሓላልፍ። ክንድዚ ዝኣክል ሓይሊ ዘለዎ ነገር እንታይ ኢዩ፧ ፍሽኽታ ኢዩ። ፍሽኽታኻ እውን ከምዚ ክገብር ይኽእል ኢዩ።
ፍሽኽታ እንታይ ኢዩ፧ መዝገበ-ቃላት ንፍሽኽታ ‘ባህታኻ: ስምረትካ: ወይ ሓጐስካ ክትገልጽ ከሎኻ ክልቲኡ ኵርናዓት ናይ ኣፍካ ቁሩብ ንላዕሊ ዝጥወየሉ ኣብ ገጽ ዝርአ መግለጺ’ ብምባል ሓፈሻዊ ትርጕም ኢዩ ዝህቦ። ኣብዚ ኸኣ ኢዩ ምስጢር ናይ ምዉቕ ፍሽኽታ ዘሎ። ፍሽኽታ ቃላት ከየውሳእካ ስምዒታትካ እትገልጸሉ ወይ እተመሓላልፈሉ መገዲ ኢዩ። ልክዕ ኢዩ: ፍሽኽታ መግለጺ ንዕቐት ወይ ላግጺ እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ: እዚ ግን ካልእ ጕዳይ ኢዩ።
ፍሽኽታ ብሓቂ ኣገዳሲዶ ኢዩ፧ ሓደ ሰብ ፍሽኽ ስለ ዝበለ እፎይታ እተሰምዓካ ወይ ፍዅስ ዝበለካ እዋን ይዝከረካዶ፧ ወይ ድማ ፍሽኽ ብዘይምባሉ እተጨነቕካሉ ወይ ከም ዘይትድለ ኰይኑ እተሰመዓካ እዋን ኣሎዶ፧ እወ: ፍሽኽታ ኣገዳሲ ኢዩ። ነቲ ፍሽኽ ዝብልን ነቲ ፍሽኽታ ዝርእን ይትንክፎም ኢዩ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ እዮብ ብዛዕባ ጸላእቱ ክዛረብ ከሎ ከምዚ በለ:- “ክምስ ምስ በልክዎም: ኣይአመኑንን: ንፍሽሕውነት ገጸይ ኬጸውግዎ ኣይከአሉን።” (እዮብ 29:24) ኣብ ገጽ እዮብ ዝርአ ዝነበረ ‘ፍሽሕውነት’ ንባህታኡ ወይ ሓጐሱ ዘመልክት ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ሎሚ እውን እንተዀነ ፍሽኽታ ኣወንታዊ ጽልዋ ኣለዎ። ምዉቕ ፍሽኽታ ንዝነበረ ሓያል ወጥሪ ከፍኵሶ ይኽእል ኢዩ። ልክዕ ከም ብሃፋ ኣብ ዘብስል ኣቕሓ ዘሎ መተንፈሲ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እተዋጠርና ወይ እተጨነቕና ኰይኑ ክስምዓና ኸሎ: ፍሽኽታ ነቲ ወጥሪ ንምፍኳስን ነቲ ጭንቀት ንምጽዋርን ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ቶሞኮ ካልኦት ከም ዝጥምትዋ ብዙሕ ግዜ ተዓዘበት። ርእይ ከተብሎም ከላ ግን ቀልጢፎም ናብ ካልእ ገጾም ስለ ዝጥምቱ: ገለ ጕድለት ዘለዋ ይመስላ ነበረ። ስለዚ ድማ ጽምዋ ዝስምዓን ዘይሕጕስትን ኰነት። ሓደ መዓልቲ መሓዝኣ: ካልኦት ሰባት ክጥምትዋ ኸለዉ እንተ ርእያቶም ፍሽኽ ክትብል ሓሳብ ሃበታ። ቶሞኮ ነዚ ሓሳብ እዚ ንኽልተ ሰሙን ፈተነቶ: እቲ ዘገርም ከኣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንፍሽኽታኣ ብፍሽኽታ መለሰላ! እቲ ዝነበራ ወጥሪ ድማ በኒኑ ጠፍአ። ቶሞኮ “ህይወተይ ብሓቂ ባህ ዘብል ኰይኑ” በለት። እወ: ፍሽኽታ ምስ ካልኦት ኣብ እንገብሮ ርክብ ፍዅስ ንኽብለናን ምቕሉላት ንኽንከውንን የኽእለና ኢዩ።
እቲ ኣባኻን ኣብ ካልኦትን ዘሕድሮ ኣወንታዊ ጽልዋ
ፍሽኽታ ኣብ ስምዒት ሰብ ጽልዋ ክገብር ይኽእል ኢዩ። ቅኑዕ ኣረኣእያ ንኽህልዎ ይሕግዞ ኢዩ። ንኣካላዊ ጥዕና እውን ይጠቅም ኢዩ። “ሰሓቕ ብሉጽ መድሃኒት ኢዩ” ዝብል ብሂል ኣሎ። ክኢላታት ሕክምና: ኣረኣእያ ሓደ ሰብ ንጥዕናኡ ኣጸቢቑ ከም ዝጸልዎ ተገንዚቦም ኣለዉ። ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ወጥሪ: ኣሉታዊ ስምዒታት: ከምኡውን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ንዓቕሚ ስርዓተ-ምክልኻል የዳኽሞ ኢዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ፍሽኽታ የሐጕሰና: ሰሓቕ ድማ ንዓቕሚ ስርዓተ-ምክልኻልና የሐይሎ።
ፍሽኽታ ኣብ ካልኦት ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ። ምኽሪ ወይ ማዕዳ ይወሃበካ ከም ዘሎ ገይርካ እሞ ሕሰብ። ኣብ ገጽ እቲ ዝምዕደካ ሰብ እንታይ ክትርኢ ኢኻ እትደሊ፧ ዘይፍሽሑው ወይ ጽዉግ ገጽ ናይ ሕርቃን: ቅጭ ምባል: ወይ ናይ ጽልኢ መልእኽቲ እውን ከይተረፈ ከመሓላልፍ ይኽእል ኢዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ: ኣብ ገጽ እቲ ዝምዕደካ ፍሽኽታ ምስ እትርኢ ስለ ዝፈዅሰካ ነቲ ምኽሩ ብቐሊሉ ኣይምተቐበልካዮንዶ፧ ፍሽኽታ ወጥሪ ኣብ ዝህልወሉ እዋን ዘይምርድዳእ ንምጕዳል ከም ዝሕግዝ ኣየጠራጥርን ኢዩ።
ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ፍሽኽ ንምባል ቀሊል ይገብሮ
መብዛሕትና ከምቶም ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ምዉቕ ፍሽኽታ ንኸርእዩ ዘየጸግሞም ተዋሳእቲ ከም ዘይኰንና እተረጋገጸ ኢዩ፣ ከም ናቶም ዓይነት ፍሽኽታ ከነርኢ እውን ኣይንደልን ኢና። ፍሽኽታና ባህርያውን ሓቀኛን ክኸውን ኢና እንደልዮ። ሓንቲ ብኸመይ ምስ ሰባት ከም እትረዳዳእ ኣብ ዝምህር ቤት ትምህርቲ እትሰርሕ መምህር ‘ከይተሸቝረርካ ካብ ልብኻ ፍሽኽ ምባል ኣድላዪ ኢዩ: እንተ ዘይኰይኑ ግን ፍሽኽታኻ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ክመስል ይኽእል ኢዩ’ በለት። ሓቀኛ ፍሽኽታ ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ መጽሓፍ ቅዱስ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ኣብ ማቴዎስ 12:34, 35 ብዛዕባ ዘረባና ከምዚ ብምባል ይነግረና:- “ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ እዩ . . . እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። ክፉእ ሰብ ከኣ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዜውጽእ።”
ፍሽኽታ ቃላት ከየውሳእካ ስምዒትካ እትገልጸሉ መገዲ ምዃኑ ኣይትረስዕ። “ካብ ምልኣት ልቢ” ከም እንዛረብን “ጽቡቕ” ነገር ካብቲ “ጽቡቕ መዝገብ” ከም ዝወጽእን ምስ እንዝክር: ቀንዲ ረቛሒ ናይ ሓቀኛ ፍሽኽታ ኣብ ኣተሓሳስባናን ስምዒትናን ምዃኑ ንጹር ይዀነልና። እወ: ውዒሉ ሓዲሩ እቲ ኣብ ልብና ዘሎ ኣብ ቃላትናን ተግባራትናን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ገጽና እውን ይንጸባረቕ ኢዩ። እምበኣር: ኣወንታዊ ነገራት ጥራይ ምእንቲ ክንሓስብ ብቐጻሊ ክንጽዕር ኣሎና። ብዛዕባ ካልኦት ዘሎና ኣተሓሳስባ ነቲ ኣብ ገጽና እነርእዮ ኣጸቢቑ ይጸልዎ ኢዩ። ስለዚ: ኣብቲ ዝነኣድ ባህርያት ናይ ኣባላት ስድራቤትና: ጐረባብትና: ከምኡውን ናይ ፈተውትና ነተኵር። ካብኡ ፍሽኽ ንኽንብሎም ዝቐለለ ክዀነልና ኢዩ። እቲ ፍሽኽታ ካብ ሕያውነትን ምሕረትን ለውሃትን ዝመልአ ልቢ ዝምንጭ ስለ ዝዀነ ሓቀኛ ክኸውን ኢዩ። ኣዒንትና ሓጐስ ከንጸባርቕ ኢዩ: ካልኦት ድማ ፍሽኽታና ካብ ክሳድ ንላዕሊ ከም ዘይኰነ ክግንዘቡ ኢዮም።
ገለ ሰባት ብሰንኪ ኣተዓባብያኦም ወይ ከባቢኦም ፍሽኽ ምባል ዝያዳ ዘሸግሮም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ክፍለጥ ዘለዎ ኢዩ። ብዛዕባ ብጾቶም ሰናይ ዝሓስቡ እኳ እንተዀኑ: ፍሽኽ ምባል ግን ኣይለመዱን። ንኣብነት: ጃፓናውያን ሰብኡት ብባህሎም ወትሩ ህዱኣትን ስቕ በሃልትን ክዀኑ ኢዮም ትጽቢት ዝግበረሎም። በዚ ምኽንያት እዚ መብዛሕትኦም ነቶም ዘይፈልጥዎም ሰባት ፍሽኽ ምባል ኣይለመዱን። ኣብ ካልእ ባህልታት እውን ከምዚ ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ወይ እውን ገለ ውልቀ-ሰባት ብተፈጥሮኦም ሓናኻት ስለ ዝዀኑ ንኻልኦት ፍሽኽ ምባል ይኸብዶም ይኸውን። ስለዚ ንኻልኦት ሰባት ብመጠን ፍሽኽታኦምን ክሳዕ ክንደይ ብተዳጋጋሚ ፍሽኽ ከም ዝብሉን ብምርኣይ ክንመዝኖም የብልናን። ደቅሰብ ሓደ ካብቲ ሓደ እተፈላለዩ ኢዮም: ጠባያቶምን ምስ ካልኦት ዘለዎም ርክባትን እውን ብእኡ መጠን ይፈላለ ኢዩ።
ይኹን እምበር: ንኻልኦት ሰባት ፍሽኽ ምባል ዝኸብደካ እንተድኣ ዀይኑ: ንምንታይ ዘይትዓየሉ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ይምዕድ:- “ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ። . . . ንዅሉ ሰብ . . . ሰናይ ንግበር።” (ገላትያ 6:9, 10) ሓደ ካብቲ ንኻልኦት “ሰናይ” ክትገብረሉ እትኽእል መገዲ ፍሽኽ ምባል ኢዩ፣ እዚ ድማ ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ኣይኰነን! ስለዚ ንኻልኦት ብፍሽኽታ ሰላም ንምባልን ዘተባብዕ ቃላት ንምዝራብን ተበግሶ ውሰድ። ሰባት ኣጸቢቖም ከማስዉሉ ኢዮም። ብተወሳኺውን: ፍሽኽ ናይ ምባል ባህሪ እናኣማዕበልካዮ ምስ ከድካ ዝቐለለ ዀይኑ ክትረኽቦ ኢኻ።
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ሳጹን]
መጠንቀቕታ
ኵሉ ፍሽኽታ ሓቀኛ ኢዩ ማለት ግን ኣይኰነን። መደናገርቲ: መጠፋፋእቲ: መታለልቲ ነጋዶ: ከምኡውን ካልኦት ዝማርኽ ፍሽኽታ የርእዩ ኢዮም። ፍሽኽታ ንሰባት ከታልሎምን ከዘንግዖምን ከም ዝኽእል ይፈልጡ ኢዮም። ዘተሓታትት ስነ-ምግባራዊ ናብራ ዝነብሩ ወይ ዘይንጹህ ድራኸ ዘለዎም ሰባት እውን ዘታልል ፍሽኽታ ከርእዩ ይኽእሉ ኢዮም። ፍሽኽታኦም ግን ናይ ሓቂ ዘይኰነስ መስድዒ ኢዩ። (መክብብ 7:6) ስለዚ ንኻልኦት ኣመና ክንጥርጥሮም እኳ እንተ ዘይብልና: ኣብተን ንኽትዋጽኣለን ዘጸግማ “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ከም ዘሎና ግን ክንግንዘብ ኣሎና። ከምቲ የሱስ ዝበሎ “ጠቢባን ከም ተመን: ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ” ክንከውን ከድልየና ኢዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1፣ ማቴዎስ 10:16
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
ንኻልኦት ብፍሽኽታ ሰላም ንምባል ተበግሶ ውሰድ