ብምሉእ ልብኻ ጽድቂ ፍቶ
“ጽድቂ ትፈቱ።”—መዝ. 45:7።
1. “መገዲ ጽድቂ” ንኽንስዕብ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧
የሆዋ ንህዝቡ፡ ብቓሉን ብመንፈስ ቅዱሱን ገይሩ፡ “ብመገዲ ጽድቂ” ይመርሖም ኣሎ። (መዝ. 23:3) እንተዀነ ግን፡ ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ካብ መገዱ ኽንወጽእ ንኽእል ኢና። ካብ ግጉይ መገድና ተመሊስና ቕኑዕ ዘበለ ንኽንገብር፡ ኣበርቲዕና ኽንጽዕር ኣሎና። ኣብዚ መዳይ እዚ ንኽንዕወት ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ ከም የሱስ፡ ቅኑዕ ዘበለ ምግባር ክንፈቱ ኣሎና።—መዝሙር 45:7 ኣንብብ።
2. “መገዲ ጽድቂ” እንታይ እዩ፧
2 “መገዲ ጽድቂ” እንታይ እዩ፧ እዚ “መገዲ” እዚ፡ ኣብ ስርዓታት ጽድቂ የሆዋ እተመርኰሰ እዩ። እታ “ጽድቂ” እትብል ቃል፡ ብእብራይስጢ ይኹን ብግሪኽኛ ን“ቕንዕና፡” ማለት ንስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ጠቢቕካ ምስዓብ ተመልክት። የሆዋ “ማሕደር ጽድቂ” ስለ ዝዀነ፡ ኣምለኽቱ፡ ብስነ-ምግባር ቅኑዕ ዝዀነ መገዲ ንምምራጽ መምርሒኡ እዮም ዚስዕቡ።—ኤር. 50:7።
3. ብዛዕባ ጽድቂ ኣምላኽ ብዝያዳ ኽንፈልጥ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
3 ብምሉእ ልብና ምስ ስርዓታት ጽድቂ ኣምላኽ ተሰማሚዕና ኽንመላለስ ንጽዕር እንተ ዄንና ጥራይ ኢና ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ኸነሐጕሶ እንኽእል። (ዘዳ. 32:4) እዚ ኸኣ፡ ካብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ ኽንፈልጥ ዝከኣለና ብምግባር እዩ ዚጅምር። ብዛዕባ የሆዋ ብዝያዳ ብዝፈለጥናን መዓልታዊ ንኽንቀርቦ ብዝያዳ ብዝጸዓርናን መጠን፡ ንጽድቁ እውን ብዝያዳ ኽንፈትዎ ኢና። (ያእ. 4:8) ኣብ ህይወትና ኣገዳሲ ውሳነ ኽንገብር ከለና እውን፡ ነቲ ኣብቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ዚርከብ መምርሒ ኽንቅበል ኣሎና።
ጽድቂ ኣምላኽ ድለ
4. ጽድቂ ኣምላኽ ምድላይ ኪበሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል፧
4 ማቴዎስ 6:33 ኣንብብ። ጽድቂ ኣምላኽ ምድላይ ኪበሃል ከሎ፡ ኣብ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዝያዳ ግዜ ኻብ ምሕላፍ ንላዕሊ ዜጠቓልል እዩ። እቲ እነቕርቦ ቕዱስ ኣገልግሎት ኣብ የሆዋ ተቐባልነት ምእንቲ ኺህልዎ፡ መዓልታዊ ኣካይዳና ምስቲ ልዑል ስርዓታቱ ኺሰማማዕ ኣለዎ። እሞኸ እቶም ጽድቂ የሆዋ ዚደልዩ እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧ ነዚ ዚስዕብ ምኽሪ ኺስዕቡ ኣለዎም፦ “እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ።”—ኤፌ. 4:24።
5. ተስፋ ንዜቝርጽ ኵነታት ንኽንሰግር ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧
5 ምስ ስርዓታት ጽድቂ ኣምላኽ ተሰማሚዕና ንኽንመላለስ ክንጽዕር ከለና፡ ሓድሓደ ግዜ ብምኽንያት ጕድለታትና ተስፋ ንቘርጽ ንኸውን። ነቲ ተስፋ ዜቝርጽ ኵነታት ሰጊርና፡ ጽድቂ ንኽንፈቱን ንኽንገብርን እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (ምሳ. 24:10) “ምሉእ ብተረዳእናያ እምነት ብቕኑዕ ልቢ” ናብ የሆዋ ወትሩ ብጸሎት ክንቀርብ ኣሎና። (እብ. 10:19-22) ቅቡኣት ክርስትያናት ንኹን ምድራዊ ተስፋ ዘሎና ብዘየገድስ፡ ኣብ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ክርስቶስን ኣብቲ ንሱ ኸም ዓብዪ ሊቀ ኻህናት መጠን ዚህቦ ኣገልግሎትን እምነት ነሕድር ኢና። (ሮሜ 5:8፣ እብ. 4:14-16) እቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ብዛዕባ ዘለዎ ውጽኢታውነት፡ ኣብ ናይ መጀመርታ ሕታም እዛ መጽሔት እዚኣ ተገሊጹ ነይሩ እዩ። (1 ዮሃ. 1:6, 7) ከምዚ ድማ ይብል፦ “ንሓደ ዝዋውዕ ወይ ድሙቕ ቀይሕ ነገር፡ ኣብ ብርሃን ብቐይሕ መነጸር እንተ ርኢኻዮ፡ ጻዕዳ እዩ ዚመስል፣ ስለዚ፡ ሓጢኣትና ልክዕ ከም ዝዋውዕ ወይ ድሙቕ ቀይሕ ነገር እኳ እንተ ዀነ፡ ከምቲ ኣምላኽ ዚገብሮ፡ ብደም ክርስቶስ ጌርና ኽንርእዮ ኸለና ግን፡ ጻዕዳ እዩ ዚመስል።” (ሓምለ 1879፡ ገጽ 6) የሆዋ ብመስዋእታዊ በጃ ወዱ ኣቢሉ፡ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ መሰናድዎ ዀን እዩ ገይሩ!—ኢሳ. 1:18።
መንፈሳዊ ኣጽዋርካ መርምር
6. መንፈሳዊ ኣጽዋርና ኽንምርምር ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
6 “ድርዒ ጽድቂ” ኣገዳሲ ኽፋል ኣጽዋር ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ኵሉ ሳዕ ክንክደኖ ኣሎና። (ኤፌ. 6:11, 14) ኣብዚ ቐረባ እዋን ርእስና ንየሆዋ ዝወፈና ንኹን ንነዊሕ ዓመታት ንዕኡ ዘገልገልና ብዘየገድስ፡ መዓልታዊ ንመንፈሳዊ ኣጽዋርና ኽንምርምሮ ኣገዳሲ እዩ። ስለምንታይ፧ ድያብሎስን ኣጋንንቱን ናብ ከባቢ ምድሪ ስለ እተደርበዩ እዩ። (ራእ. 12:7-12) ሰይጣን ኣዝዩ ተቘጢዑ እዩ ዘሎ፡ ቍሩብ ዘመን ከም ዝተረፎ ኸኣ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ዜውርዶ መጥቃዕቲ ኣጽዒቑ ኣሎ። እሞኸ “ድርዒ ጽድቂ” ኽንክደን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ይርድኣና ድዩ፧
7. “ድርዒ ጽድቂ” ኽንክደን ኣገዳሲ ምዃኑ እንተ ተረዲኡና፡ ብኸመይ ኢና እንመላለስ፧
7 ድርዒ ንልቢ እዩ ዚከላኸል። ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ምሳልያዊ ልብና ጐራሕን ሕሱምን እዩ። (ኤር. 17:9) ልብና ሕማቕ ናይ ምግባር ዝንባለ ስለ ዘለዎ፡ ከነሰልጥኖን ክንቈጻጸሮን ኣሎና። (ዘፍ. 8:21) “ድርዒ ጽድቂ” ኽንክደን ኣገዳሲ ምዃኑ እንተ ተረዲኡና፡ በቲ ኣምላኽ ዚጸልኦ ነገራት ምእንቲ ኽንዘናጋዕ ኢልና፡ ንግዜኡ እውን እንተ ዀነ ኣይንቕንጥጦን ኢና፣ ብዛዕባ ሕማቕ ተግባር እውን ኣይንሓስብን ኢና። ንነዊሕ ሰዓታት ተለቪዥን ብምርኣይ፡ ነቲ ኽቡር ግዜና ኣይነጥፍኦን ኢና። የግዳስ፡ ንየሆዋ ዜሐጕሶ ነገራት ክንገብር ኢና እንጽዕር። ብሰንኪ ስጋዊ ኣተሓሳስባ ንግዜኡ እውን እንተ ወደቕና፡ ብሓገዝ ኣምላኽ መሊስና ኽንትንስእ ንኽእል ኢና።—ምሳሌ 24:16 ኣንብብ።
8. “ዋልታ እምነት” ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧
8 ሓደ ኻብቲ መንፈሳዊ ኣጽዋርና፡ “ዋልታ እምነት” እዩ። ብዛዕባ እዚ ኣጽዋር እዚ፡ “ነቲ ናይቲ ኽፉእ ርሱን መንትግ ዘበለ ኸተጥፍኡሉ እትኽእሉ” ተባሂሉ ኣሎ። (ኤፌ. 6:16) እምነትን ንየሆዋ ዘላትና ኻብ ልቢ እትምንጭው ፍቕርን፡ ጽድቂ ንኽንገብርን ኣብቲ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚመርሕ መገዲ ንኽንመላለስን ይሕግዛና እየን። ንየሆዋ ብዝያዳ ብዘፍቀርናዮ መጠን፡ ንጽድቁ እውን ብዝያዳ ኣኽቢርና ኽንርእዮ ኢና። ሕልናናኸ ኣብቲ ጽድቂ ንኽንፈቱ እንገብሮ ጻዕሪ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
ሰናይ ሕልና ይሃሉኻ
9. Hንሰናይ ሕልናና እንተ ሓሊና፡ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧
9 ኣብ ግዜ ጥምቀትና፡ “ሰናይ ሕሊና” ምእንቲ ኺወሃበና፡ ንየሆዋ ለሚንናዮ ኢና። (1 ጴጥ. 3:21) ኣብቲ የሱስ ዝኸፈሎ በጃ ስለ ዝኣመንና፡ ደም የሱስ ንሓጢኣትና ሸፊንዎ እዩ፣ ሳላ እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹሃት ክንከውን ክኢልና ኢና። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹሃት ኴንና ምእንቲ ኽንቅጽል ግን፡ ንሰናይ ሕልናና ኽንሕልዎ ኣሎና። ሓድሓደ ግዜ ሕልናና እንተ ኸሲሱናን መጠንቀቕታ እንተ ሂቡናን፡ ብግቡእ ይዓዪ ኸም ዘሎ ዜርኢ ስለ ዝዀነ፡ ክንሕጐስ ኣሎና። ከምዚ ዝኣመሰለ ኽስን መጠንቀቕታን፡ ሕልናና ኸም ዘይደንዘዘ፡ የግዳስ፡ ንመገድታት ጽድቂ የሆዋ ኸም ዚስዕብ ዚሕብር እዩ። (1 ጢሞ. 4:2) ኰይኑ ግን፡ ሕልና ኣብቶም ጽድቂ ኺፈትዉ ዚደልዩ ሰባት፡ ተወሳኺ ግደ ኣለዎ።
10, 11. (ሀ) ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናና ኽንሰምዖ ዘሎና ስለምንታይ ምዃኑ ዜርኢ ተመክሮ ኣዘንቱ። (ለ) ጽድቂ ምፍታውና፡ ብዙሕ ሓጐስ ዜምጽኣልና ስለምንታይ እዩ፧
10 ክንጋገ ኸለና፡ ሕልናና ይወቕሰና ወይ የሳቕየና እዩ። ሓደ መንእሰይ ካብ “መገዲ ጽድቂ” ወጸ። ስእለ-ጽዩፍ ናይ ምርኣይ ወልፊ ሓዞ፡ ማሪዋና ኼትክኽ ድማ ጀመረ። ናብ ኣኼባታት ኪኸይድን ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺካፈልን ከሎ፡ ግብዝ ዝዀነ ዀይኑ ስለ እተሰምዖ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ምክፋል ኣቋረጸ። ኰይኑ ግን፡ “ሕልናይ በቲ ዝገበርክዎ ነገራት ተሓታቲ ኸም ዚገብረኒ ኣይፈለጥኩን ነይረ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ንኣርባዕተ ዓመት ብዕሽነት እመላለስ ነበርኩ” በለ። ድሕሪኡ፡ ናብ ሓቂ ንኺምለስ ኪሓስብ ጀመረ። የሆዋ ንጸሎቱ ዘይሰምዖ እኳ እንተ መሰሎ፡ ጸለየን ይቕረታ ሓተተን። ድሕርዚ፡ ዓሰርተ ደቒቕ ኣብ ዘይመልእ እዋን፡ ኣዲኡ ናብኡ መጺኣ ናብ ኣኼባታት ኪኸይድ ኣተባብዓቶ። ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከይዱ ድማ፡ ንሓደ ሽማግለ ምስኡ መጽናዕቲ ንኺገብር ሓተቶ። ድሕሪ ግዜ፡ ተጠምቀ፣ ህይወቱ ስለ ዝደሓነት ከኣ፡ ንየሆዋ የመስግኖ ኣሎ።
11 ቅኑዕ ዘበለ ምግባር፡ ብዙሕ ሓጐስ ደይኰነን ዜምጽኣልና፧ ጽድቂ ኽንፈቱን ብዝያዳ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎን ክንጽዕር ከለና፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ባህ ዜብል ነገራት ምግባር ዝያዳ ኼሐጕሰና እዩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ኵሎም ሰባት ካብ ሕልናኦም ጽቡቕ ነገር ጥራይ ዚሰምዑሉ እዋን ኪመጽእ እዩ፣ ሽዑ ሰባት ንመልክዕ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኬንጸባርቑ እዮም። ስለዚ እምበኣር፡ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ልብና ጽድቂ ንትከል፡ ንየሆዋ ኸኣ ነሐጕሶ።—ምሳ. 23:15, 16።
12, 13. ንሕልናና ብኸመይ ከነሰልጥኖ ንኽእል፧
12 ንሕልናና ንምስልጣን እንታይ ክገብር ንኽእል፧ ቅዱሳት ጽሑፋትን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ከነጽንዕ ከለና፡ ነቲ፡ “ልቢ ጻድቕ ዚመልሶ ይሐስብ” ዚብል ምኽሪ ኽንዝክር ኣሎና። (ምሳ. 15:28) ከምኡ ምግባር፡ ንስራሕ ዚምልከት ሕቶታት ኪለዓል ከሎ ብኸመይ ከም ዚጠቕመና እስከ ንርአ። ገሊኡ ዓይነት ስራሕ ምስ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ብንጹር ዚጋጮ እንተ ዀይኑ፡ መብዛሕትና ነቲ ብእሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ዚወሃበና መምርሒ ቕልጡፍ ምላሽ ኢና እንህበሉ። ንጹር መምርሒ እንተ ዘይረኺብና ግን፡ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግምት ከነእቱን ብጸሎት ክንሓስበሉን ኣሎና።a እዚ ኸኣ፡ ነቲ ንሕልና ኻልኦት ከይንጐድእ እተዋህበና ስርዓት ዜጠቓልል እዩ። (1 ቈረ. 10:31-33) ብፍላይ ግን፡ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ዚምልከት ስርዓታት ከነተኵረሉ ኣሎና። የሆዋ ንዓና ጋህዲ እንተ ዀይኑልና፡ ብቐዳምነት፡ ‘ነዚ ስራሕ እዚ ምስራሐይ ንየሆዋ የጕህዮ ድዩ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ኢና።—መዝ. 78:40, 41።
13 ንመጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ ኽንዳሎ ኸለና፡ ብዛዕባ እቲ ዝቐረበ ሓበሬታ ኸነስተንትን ከም ዘሎና ኽንርስዕ የብልናን። ነቲ ሕቶ ዚኸውን መልሲ ኣስሚርና፡ ቀልጢፍና ናብታ እትቕጽል ሕጡብ ጽሑፍ ዲና እንሰግር፧ ከምኡ ንገብር እንተ ዄንና፡ ጽድቂ ኽንፈቱን ብዝያዳ ዝሰልጠነ ሕልና ኸነማዕብልን ኣይንኽእልን ኢና። ጽድቂ ኽንፈቱ እንተ ደሊና፡ ንቓል ኣምላኽ ብትግሃት ከነጽንዕን ብዛዕባኡ ኸነስተንትንን ኣሎና። ብምሉእ ልብና ጽድቂ ኽንፈቱ እንኽእለሉ ኻልእ ኣቋራጭ መገዲ የልቦን።
ንጽድቂ ጥመዮን ጽምኣዮን
14. የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ብዛዕባ እቲ እነቕርቦ ቕዱስ ኣገልግሎት ከመይ ኪስምዓና እዮም ዚደልዩ፧
14 የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን፡ ቅዱስ ኣገልግሎት ከነቕርብ ከለና ሕጉሳት ክንከውን ይደልዩና እዮም። ሓጐስ ንኽንረክብ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ ምፍታው ጽድቂ። የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት፡ “ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን፡ ኪጸግቡ እዮም እሞ ብጹኣን እዮም” በለ። (ማቴ. 5:6) እዘን ቃላት እዚኣተን፡ ነቶም ጽድቂ ኺፈትዉ ዚደልዩ ሰባት እንታይ ትርጕም እዩ ዘለወን፧
15, 16. ብመንፈሳዊ መዳይ ዚጠምዩን ዚጸምኡን ሰባት ዚጸግቡ ብኸመይ እዮም፧
15 እዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም፡ በቲ እኩይ እያ እትግዛእ። (1 ዮሃ. 5:19) ዝዀነ ይኹን ጋዜጣ ኸነንብብ እንተ ጀሚርና፡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ብዛዕባ ዚውስኽ ዘሎ ጭካነን ዓመጽን ዚገልጽ ጸብጻብ ንረክብ ኢና። ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዚፍጽሞ ኢሰብኣዊ ተግባር፡ ንጻድቕ ኣመና እዩ ዜጨንቖ። (መክ. 8:9) እቶም ንየሆዋ እነፍቅሮ ዘበልና፡ ነቲ እቶም ጽድቂ ኺመሃሩ ዚደልዩ ውልቀ-ሰባት ዘለዎም መንፈሳዊ ጥሜትን ጽምእን ኼጽግቦ ዚኽእል፡ የሆዋ ጥራይ ከም ዝዀነ ንፈልጥ ኢና። ንኣምላኽ ዘይፈርሁ ሰባት ድሕሪ ሓጺር እዋን ስለ ዚጠፍኡ፡ ፈተውቲ ጽድቂ ብእኩይ ተግባራት እቶም በደለኛታት ኣይኪሳቐዩን እዮም። (2 ጴጥ. 2:7, 8) እዝስ ከመይ ዝበለ ዕረፍቲ ዀን እዩ!
16 ኣገልገልቲ የሆዋን ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስን ከም ምዃንና መጠን፡ ኵሎም ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን ሰባት ከም ‘ዚጸግቡ’ ንፈልጥ ኢና። ንሳቶም በቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ነቲ “ጽድቂ ዚነብረሉ” ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ዚምልከት መሰናድዎ ምሉእ ብምሉእ ኪጸግቡ እዮም። (2 ጴጥ. 3:13) ስለዚ፡ ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም፡ ጽድቂ ብግፍዕን ብዓመጽን እንተ ተዓብለለ፡ ክንደሃል የብልናን፡ ወይ ኪገርመና የብሉን። (መክ. 5:8) እቲ ልዑል ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ፡ እንታይ የጋጥም ከም ዘሎ ስለ ዚፈልጥ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንፈተውቲ ጽድቂ ኼድሕኖም እዩ።
ጽድቂ ብምፍታው ተጠቐም
17. ጽድቂ ብምፍታው፡ እንታይ ጥቕምታት ይርከብ፧
17 መዝሙር 146:8፡ መገዲ ጽድቂ ምስዓብ ብዛዕባ ዘለዎ ዜደንቕ ጥቕሚ ተጕልሕ እያ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “እግዚኣብሄር ንጻድቃን የፍቅሮም” ኢሉ ዘመረ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ልዑላዊ ገዛኢ ዅሉ ፍጥረት፡ ጽድቂ ስለ እንፈቱ፡ የፍቅረና እዩ። የሆዋ ኸም ዜፍቅረና ስለ እንፈልጥ፡ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ከነቐድም ከለና ኸም ዚከናኸነና፡ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (መዝሙር 37:25፣ ምሳሌ 10:3 ኣንብብ።) ኣብ መወዳእታኡ፡ መላእ ምድሪ ብፈተውቲ ጽድቂ ኽትምላእ እያ። (ምሳ. 13:22) መብዛሕትኦም ህዝቢ ኣምላኽ፡ ጽድቂ ስለ ዚገብሩ፡ ኣብታ ምልክዕቲ ገነታዊት ምድሪ ተሓጒሶም ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም። ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ እቶም ጽድቂ ኣምላኽ ዚፈትዉ፡ ኣብ ስድራ ቤቶም ይኹን ኣብ ጉባኤ ስኒት ከም ዚህሉ ዚገብር ውሽጣዊ ሰላም ይረኽቡ እዮም።—ፊል. 4:6, 7።
18. ንመዓልቲ የሆዋ እናተጸበና እንታይ ኣወንታዊ ነገር ክንገብር ንኽእል፧
18 እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ኽትመጽእ እናተጸበና፡ ጽድቁ ንድለ። (ጸፎ. 2:2, 3) ስለዚ እምበኣር፡ ነቲ ቕኑዕ መገድታት የሆዋ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ነማዕብል። እዚ ኸኣ ንምሳልያዊ ልብና ምእንቲ ኽንከላኸል፡ ን“ድርዒ ጽድቂ” ዘይምቕንጣጥ የጠቓልል። ብዘይካዚ፡ ንዓና ዀነ ንኣምላኽና ዜሐጕስ ሰናይ ሕልና ኺህልወና ይግባእ።—ምሳ. 27:11።
19. እንታይ ቈራጽነት ክንገብር ይግባእ፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽከ እንታይ ክንምርምር ኢና፧
19 “ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖምሲ፡ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ።” (2 ዜና 16:9) ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለም፡ ህውከትን ዓመጻን እከይን እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ ቅኑዕ ዘበለ ኽንገብር ንእንጽዕር ዘበልና፡ እዘን ቃላት እዚኣተን የጸናንዓና እየን። ሓቂ እዩ፡ እቲ እንስዕቦ መገድታት ጽድቂ፡ ነቶም ካብ ኣምላኽ ርሒቖም ዘለዉ ብዙሓት ሰባት የገርሞም ይኸውን። ኰይኑ ግን፡ ንጽድቂ የሆዋ ጠቢቕና ምስዓብና ብዙሕ ይጠቕመና እዩ። (ኢሳ. 48:17፣ 1 ጴጥ. 4:4) ስለዚ እምበኣር፡ ብምሉእ ልብና ጽድቂ ኽንፈቱን ኽንገብርን ቈራጽነት ንግበር፣ እዚ ኸኣ ሓጐስ ኬምጽኣልና እዩ። ይኹን እምበር፡ ምሉእ ልቢ ንኺህልወና፡ ዓመጻ ኽንጸልእ ኣሎና። እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ብኸመይ ከምኡ ኽንገብር ከም እንኽእል ክትገልጽ እያ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ንስራሕ ብዛዕባ ዚምልከት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ናይ 15 ሚያዝያ 1999 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 28-30 ርአ።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
• ነቲ የሱስ ዝኸፈለልና በጃ ዘሎና ሞሳ፡ ጽድቂ ኣብ ምፍታው ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
• “ድርዒ ጽድቂ” ኽንክደን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
• ንሕልናና ብኸመይ ከነሰልጥኖ ንኽእል፧
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ዝሰልጠነ ሕልና፡ ንስራሕ ዚምልከት ሕቶታት ኣብ ምውሳን ይሕግዘና