ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
እቲ “ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር” ን“ቤት” እቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸም ዚመልኦ ዚገብር ዘሎ እንታይ እዩ፧—ሃጌ 2:7
የሆዋ ብነብዪ ሃጌ ኣቢሉ: “ንዅላቶም ኣህዛብ ከነቓንቖም እየ: ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር ኪመጽእ እዩ: ኣነውን ነዛ ቤት እዚኣ ብኽብሪ ኽመልኣ እየ” ብምባል ተነበየ። (ሃጌ 2:7) “ንዅላቶም ኣህዛብ” ምንቕናቕ: ነቲ “ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር:” ማለት ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸም ዚቕበሉ ዚገብር ድዩ፧ ኣይገብርን እዩ።
ነህዛብ እንታይ ከም ዜነቓንቖምን እዚ ምንቕናቕ ናበይ ከም ዚመርሕን እስከ ንርአ። መጽሓፍ ቅዱስ “ስለምንታይ እዮም ኣህዛብ ጫውጫው ዚብሉ: ህዝብታትሲ ከንቱ ዚሐስቡ፧” ይብል። (መዝሙር 2:1) እቲ ‘ዚሓስብዎ ኸንቱ’ ነገር: ልዑላውነቶም ከም ዚቕጽል ኪገብሩሉ ዚኽእሉሉ መገዲ እዩ። ከምቲ ንግዝኣቶም ዜስግእ ነገር ገይሩ ዜነቓንቖም ነገር የለን።
እቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚግበር ዘሎ ብዛዕባ እታ ቘይማ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ ዓለምለኻዊ ስብከት: ነህዛብ ስግኣት እዩ ዀይንዎም ዘሎ። ከመይሲ: እታ ኣብ ኢድ የሱስ ክርስቶስ ዘላ መሲሓዊት መንግስቲ “ንዅለን እዘን [ሰብ ዘቘመን] መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ።” (ዳንኤል 2:44) እቲ ምስ ናይ ስብከት ዕዮና እተጠቓለለ መልእኽቲ ፍርዲ: ነህዛብ የንቀጥቅጦም እዩ ዘሎ። (ኢሳይያስ 61:2) እቲ ናይ ስብከት ዕዮ ብስፍሓትን ጻዕቅን እናወሰኸ ብዝኸደ መጠን ድማ: እቲ ምንቕናቕ እውን ምስኡ እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ። እቲ ኣብ ሃጌ 2:7 ተጠቒሱ ዘሎ ምንቕናቕ ግን ናይ ምንታይ ምልክት እዩ፧
ኣብ ሃጌ 2:6 ኸምዚ ዚብል ነንብብ:- “እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትሲ ኸምዚ ይብል አሎ፤ ገና ሓደ ጊዜ: ብሓጺር ጊዜ ኪኸውን እዩ: ኣነ ንሰማይን ምድርን ባሕርን ንቑጽን ከነቓንቕ እየ።” ሃዋርያ ጳውሎስ ካብዛ ጥቕሲ እዚኣ ብምጥቃስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ሽዑ ድምጹ ንምድሪ ኣንቀጥቀጣ: ሕጂ ግና፤ ሓደ ጊዜ ደጊመ ንሰማይ ከም ዜንቀጥቅጥ ክገብሮ እየ እምበር: ንምድሪ ጥራይ ኣይኰንኩን: ኢሉ ተስፋ ይህብ። እዛ፤ ሓደ ጊዜ ደጊመ: ምባል ከኣ: እቲ ዘየንቀጥቅጥ [መንግስቲ ኣምላኽ] ምእንቲ ኺጸንዕሲ: እቲ ዜንቀጥቅጥ ፍጡር ስለ ዝዀነ ምልዋጡ እያ እተመልክት ዘላ።” (እብራውያን 12:26, 27) እወ: እታ ብኣምላኽ እተዳለወት ሓዳስ ዓለም ንኽትመጽእ: እዚ ኣገባብ እዚ ብምሉኡ ተንቀጥቂጡ ኺጠፍእ ኣለዎ።
እቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ናብቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ይሰሓቡ ኣለዉ: እዚ ግን ኣህዛብ ስለ እተነቓነቑ ወይ እተንቀጥቀጡ ኣይኰነን። እቲ ናብ የሆዋን ናብ ኣምልኾኡን ዚስሕቦም ከምኡውን እቲ ነህዛብ ዜነቓንቖም ዘሎ ነገር ሕደ እዩ: እዚ ድማ እቲ ኣብ መላእ ምድሪ ዚካየድ ዘሎ ብዛዕባ እታ ቘይማ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ ስብከት እዩ። እቲ “ናይ ዘለኣለም ወንጌል” ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ናብ ኣምልኾ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ይስሕቦም ኣሎ።—ራእይ 14:6, 7
መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ: ፍርድን ድሕነትን ዝሓዘ እዩ። (ኢሳይያስ 61:1, 2) ኣብ መላእ ምድሪ ኺስበኽ ከሎ ድማ ውጽኢቱ ኣብ ክልተ እተኸፍለ እዩ። እዚ ድማ ነህዛብ የነቓንቖም ከምኡውን ነቲ ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር ናብ ክብሪ የሆዋ የምጽኦ።