ናብ መንፈሳዊ ጥዕና ዝመርሕ ምንዛዝ
“ስቕ ኢለ ኸሎኹ: ምሉእ መዓልቲ ብምግዓረይ ኣዕጽምተይ ዘርጋሕጋሕ በለ። ለይትን መዓልትን ኢድካ ኸበደትኒ እሞ: ከም ብሃሩር ሓጋይ ማራይ ነቐጸ።” (መዝሙር 32:3, 4) እዚ ከብድኻ ዝበልዕ ቃላት እዚ ነቲ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ንጉስ ዳዊት እተሰምዖ ዓሚቝ ጓሂ: እወ ከቢድ ሓጢኣት ምስ ፈጸመ ኣብ ክንዲ ዝናዘዝ ብምሕብኡ ኣብ ገዛእ ርእሱ ንዝፈጠሮ ጓሂ ዘንጸባርቓ ክዀና ይኽእላ ኢየን።
ዳዊት ፍሉይ ክእለታት ዝነበሮ ሰብኣይ ኢዩ ነይሩ። ሓያል ተዋጋኢ: ክኢላ በዓል ስልጣን: ገጣሚ: ሙዚቀኛ ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ኣብ ክእለቱ ዘይኰነስ ኣብ ኣምላኹ ኢዩ ዝውከል ነይሩ። (1 ሳሙኤል 17:45, 46) ልቡ “ፍጹም ምስ እግዚኣብሄር” ዝገበረ ሰብኣይ ከም ዝነበረ ተገሊጹ ኣሎ። (1 ነገስት 11:4) ይኹን እምበር: መቕጻዕቲ ዝግብኦ ሓጢኣት ፈጺሙ ኢዩ: ብዛዕብኡ ኸኣ ኢዩ ዝኸውን ኣብ መዝሙር 32 ተዛሪብሉ ዘሎ። ነቲ ሓጢኣት ናብ ምፍጻም ዝመርሖ ዅነታት ምስ እንምርምር ብዙሕ ክንማሃር ንኽእል ኢና። ምስ ኣምላኽ ዝነበረና ርክብ ምእንቲ ኽንዕቅብ ከፈንጥረና ዝኽእል ነገራት ኣለሊና ሓጢኣትና ምንዛዝ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ኽንግንዘብ ኢና።
ሓደ እሙን ንጉስ ኣብ ሓጢኣት ወደቐ
ህዝቢ እስራኤል ምስ ዓሞናውያን ንምውጋእ ኣብ ወተሃደራዊ ወፍሪ እኳ እንተ ነበሩ ዳዊት ግን ኣብ የሩሳሌም ተቐሚጡ ነበረ። ሓደ ምሸት ኣብ ዝባን ናሕሱ ዘወን ክብል ከሎ: ኣብ ስግር ቤቱ ኣብ ዝነበረ ገዛ ሓንቲ ምልክዕቲ ሰበይቲ ነብሳ ኽትሕጸብ ከላ ረኣየ። ርእሱ ኣብ ክንዲ ዝገትእ ንጾታዊ ርክብ ክብህጋ ጀመረ። ንሳ ባትሴባ ሰበይቲ እቲ ኣባል ሰራዊቱ ዝዀነ ኡርያ ምዃና ምስ ፈለጠ ወሰዳ እሞ ምስኣ ዝሙት ፈጸመ። ምስ ጠነሰት ድማ ንዳዊት ብልኡኽ ነገረቶ።—2 ሳሙኤል 11:1-5
ዳዊት ኣብ ማሕለኻ ኣተወ። ሓጢኣቶም እንተ ዝቕላዕ ነይሩ: ክልቲኦም ብሞት ምተቐጽዑ ነይሮም። (ዘሌዋውያን 20:10) ስለዚ ዳዊት ውዲት ኣለመ። ንኡርያ ሰብኣይ ባትሴባ ካብቲ ግንባር ኲናት ጸውዖ። ዳዊት ንኡርያ ብዛዕባ እቲ ውግእ ኣጸቢቑ ድሕሪ ምሕታቱ: ናብ ቤቱ ኽምለስ ኣዘዞ። ዳዊት ከምዚ ዝገበረ ኣቦ እቲ ዝውለድ ቈልዓ ኡርያ ከም ዝዀነ ገይርካ ምእንቲ ኽውሰድ ኢዩ።—2 ሳሙኤል 11:6-9
ኡርያ ናብ ሰበይቱ ምኻድ ምስ ኣበየ ዳዊት ጐሃየ። ኡርያ እቲ ሰራዊት ኣብ ከቢድ ውግእ እናሃለወ ንሱ ናብ ቤቱ ኽምለስ ዘይሕሰብ ምዃኑ ነገሮ። ሰራዊት እስራኤል ኣብ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኽጽመድ ከሎ: እቶም ሰብኡት ምስ ኣንስቶም እውን ከይተረፈ ጾታዊ ርክብ ካብ ምግባር ይሕለዉ ነበሩ። ንጹሃት ክዀኑ ነበሮም። (1 ሳሙኤል 21:5) ዳዊት ንኡርያ ዓደሞ እሞ ኣስከሮ: ኡርያ ግን ናብ ቤቱ ኣይተመልሰን። እቲ ኡርያ ዘርኣዮ ተኣማንነት ዝመልኦ ኣካይዳ ነቲ ኸቢድ ሓጢኣት ዳዊት ዝዅንን ኢዩ ነይሩ።—2 ሳሙኤል 11:10-13
ዳዊት ብዝፈጸሞ ሓጢኣት ባዕሉ ዘምበሮ ማሕለኻ እናጸበበ ኸደ። ዓቕሉ ጸቢብዎ ስለ ዝነበረ ሓንቲ ነገር ጥራይ ከም መፍትሒት ኰይና ተራእየቶ። ናብ ሓለቓ ሰራዊት ዮኣብ ዝጸሓፋ ደብዳበ ኣትሒዙ ንኡርያ ናብቲ ግንባር መለሶ። ዕላማ ናይታ ሓጻር ደብዳበ ንጹር ኢዩ ነይሩ። ከምዚ ትብል:- “ንኡርያ ናብ መንጽር እቲ ብርቱዕ ውግእ ኣእትውዎ እሞ ተወጊኡ ምእንቲ ኺመውትሲ: ካብ ድሕሪኡ ተመለሱ።” እቲ ሓያል ንጉስ እቲ: ብናይ ብርዒ ጽሕጋር ንኡርያ ኣቕቲሉ ካብቲ ጸገም እተገላገለ መሰሎ።—2 ሳሙኤል 11:14-17
ባትሴባ ንሰብኣያ ዝሓዘነትሉ መዓልትታት ምስ ኣብቅዐ: ዳዊት ብኡንብኡ ሰበይቱ ገበራ። ድሕሪ ገለ ግዜ ድማ እቲ ቘልዓ ተወልደ። እዚ ዅሉ ክፍጸም ከሎ ዳዊት ብዛዕባ ሓጢኣቱ ብሕም ኢሉ ኣይተዛረበን። ምናልባት ብዛዕባ እቲ ዝወሰዶ ስጕምትታት ብውሽጡ ‘ኡርያ ልክዕ ከም ካልኦት ኣብ ውግእ ብኽብሪዶ ኸይኰነ ዝሞተ፧ ብዘይዝውን: ንጉስ ናብ ሰበይትኻ ኺድ ኢሉ ኽእዝዞ ኸሎ ኣብዩዶ ኸይኰነ፧’ እናበለ የመኻኒ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ‘ጐራሕ ልቢ’ ንሓጢኣቱ ምዅኑይ ንምግባር ዘሎ ምኽንያታት ኢዩ ዘቕርብ።—ኤርምያስ 17:9፣ 2 ሳሙኤል 11:25
ናብ ሓጢኣት ዝመርሐ ስሕተት
እቲ ጽድቂ ዘፍቅር ዝነበረ ዳዊት ናብ ዝሙትን ቅትለትን ክወድቕ ዝኸኣለ ብኸመይ ኢዩ፧ እቲ ናይ ሓጢኣቱ ዘርኢ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እተዘርአ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ዳዊት: ሰራዊቱ ምስ ጸላእቲ የሆዋ ንምውጋእ ተጸሚዶምሉ ኣብ ዝነበሩ ወተሃደራዊ ወፍሪ ንኽድግፎም ኢሉ ስለምንታይ ከም ዘይሓበሮም ይገርመና ይኸውን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ ኣብ ደርቢ ቤቱ ዀይኑ ይዘናጋዕ ኢዩ ነይሩ። ብዛዕባ እቲ ውግእ ክሳዕ ክንድቲ ይሻቐል ብዘይምንባሩ ኸኣ ብቐሊሉ ኣብ ሰበይቲ ሓደ እሙን ወተሃደር እኩይ ባህጊ ኣሕደረ። ሎሚ: ሓቀኛታት ክርስትያናት ምስ ጉባኤታቶም ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ምስ ዝጽመዱን ስርዓታውያን ኰይኖም ኣብ ዕዮ ስብከት ምስ ዝካፈሉን ዕቝባ ኢዩ ዝዀኖም።—1 ጢሞቴዎስ 6:12
ሓደ እስራኤላዊ ንጉስ ቅዳሕ ናይቲ ሕጊ ኽሕዝን መዓልቲ መዓልቲ ኸንብቦን ትእዛዝ ይወሃቦ ነይሩ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ‘ፍርሃት እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምእንቲ ኽመሃር: ልቡ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቱ ምእንቲ ኸይልዓል: ካብቲ ትእዛዝ ከኣ ንየማን ኰነ ንጸጋም ከይዘብል ናይ እዚ ሕጊ እዚ ቓላትን እዚ ትእዛዛት እዝን ተጠንቂቑ ኽገብሮ’ ብምባል እቲ ምኽንያት እንታይ ከም ዝነበረ ይነግረና። (ዘዳግም 17:18-20) ዳዊት እዚ ኸቢድ ሓጢኣት እዚ ኽፍጽም ከሎ ነቲ መምርሒ እቲ ኣይስዕቦን ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። ቃል ኣምላኽ ስርዓታዊ ዄንካ ምጽናዕን ምስትንታንን ኣብዘን ጽንኩራት መዓልትታት እዚኣተን ካብ ኣበሳ ንኽንሕሎ ብርግጽ ክሕግዘና ኢዩ።—ምሳሌ 2:10-12
ኣብ ርእሲ እዚ: ካብተን ዓሰርተ ትእዛዛት እታ ናይ መወዳእታ ብንጹር “ሰበይቲ ብጻይካ . . . ኣይትተምነ” ኢያ እትብል። (ዘጸኣት 20:17) ዳዊት ብዙሓት ኣንስትን ኣንስቲ ወሰንን ነይረንኦ ኢየን። (2 ሳሙኤል 3:2-5) ይኹን እምበር እዚ ንሓንቲ ኻልእ እትማርኽ ሰበይቲ ኻብ ምብሃግ ኣይዓገቶን። እዚ ጸብጻብ እዚ ነቲ የሱስ እተዛረቦ ቓላት ኣርዚንና ንኽንወስዶ የዘኻኽረና:- “ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ።” (ማቴዎስ 5:28) ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይግቡእ ባህጊ ኣብ ክንዲ እነሕድር: ካብ ኣእምሮናን ልብናን ብቕጽበት ነርሕቆ።
ነስሓን ምሕረትን
እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ዳዊት ዝፈጸሞ ሓጢኣት ዝነግር ግሁድ ጸብጻብ ንጾታዊ ባህጊ ናይ ሓደ ሰብ ንምዕጋብ ኣይኰነን ተመዝጊቡ። እቲ ጸብጻብ ንሓደ ኻብቲ ብሉጽ ባህርያት የሆዋ ዝዀነ ምሕረቱ ንኽንግንዘብ ኣጋጣሚ ዝኸፍተልና ኢዩ። እዚ ባህርይ እዚ ድማ ብርቱዕ ጽልዋ ዘሕድርን ልቢ ዝትንክፍን ኢዩ።—ዘጸኣት 34:6, 7
ባትሴባ ወዲ ምስ ወለደት: የሆዋ ንነብዪ ናታን ናብ ዳዊት ለኣኾ። እዚ መግለጺ ምሕረት ኢዩ። ነብዪ ናታን ናብ ዳዊት ቀሪቡ እንተ ዘየዘራርቦ ነይሩ እሞ ዳዊት ነቲ ጕዳይ ሒዝዎ ስቕ እንተ ዝብል: ኣብ ሓጢኣት ምተረረ ነይሩ። (እብራውያን 3:13) ዳዊት ንምሕረት ኣምላኽ ምላሽ ክህበሉ ምኽኣሉ ዘሐጕስ ኢዩ። እቲ ናታን ብውሕልነት ዘቕረቦ ንጹር ቃላት ንሕልና ዳዊት ተንኪፍዎ ኢዩ፣ ብትሕትና ድማ ንየሆዋ ከም ዝበደሎ ኣፍልጦ ሃበ። እታ ብዛዕባ እቲ ዳዊት ምስ ባትሴባ ዝፈጸሞ ሓጢኣት እተዘንቱ መዝሙር 51 እኳ ነቲ ኸቢድ ሓጢኣቱ ምስ ተናዘዘሉን ምስ ተነስሐን ኢያ ተጻሒፋ። ንሕናውን ከቢድ ሓጢኣት ምስ እንፍጽም ልብና ኽተርር ፈጺምና ኣይነፍቅደሉ።—2 ሳሙኤል 12:1-13
ዳዊት ይቕረ እኳ እንተ ተባህለሉ ካብ መቕጻዕቲ ወይ ካብ ሳዕቤን ናይ ሓጢኣቱ ግን ኣየምለጠን። (ምሳሌ 6:27) ከመይ ኢሉ ኢዩ እሞ ከይተቐጽዐ ክተርፍ፧ ኣምላኽ ንዅሉ ዕሽሽ ዝብል ነይሩ እንተ ዝኸውን መለክዒታቱ ምተናዕቐ ነይሩ። ልክዕ ከምቲ ንደቁ ፍዅስ ዝበለ ተግሳጽ ጥራይ ብምሃብ ብእኩይ ተግባራቶም ክቕጽሉ ዝሓደጎም ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ኤሊ ውጽኢት ዘይብሉ ምዀነ ነይሩ። (1 ሳሙኤል 2:22-25) እንተዀነ ግን የሆዋ ነቲ በዳሊ ፍቕራዊ ሕያውነቱ ኣይነፍጎን ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ዝሑል ማይ ንሓደ ሰብ ዘረስርሶ: ምሕረት የሆዋ ንሓደ እተጋገየ ሰብ ንሳዕቤን ሓጢኣቱ ንኽጽመሞ ይሕግዞ ኢዩ። መለኮታዊ ሕድገትን ምስ ኣሕዋትን ኣሓትን ምሕባርን ንሓደ ኣበሳ ዝፈጸመ ሰብ ናብ መንፈሳዊ ጥዕንኡ ንኽምለስ ክሕግዞ ይኽእል ኢዩ። እወ: ብመሰረት በጅነት ክርስቶስ ሓደ እተናስሐ ሰብ “ሃብቲ ጸጋኡ [ጸጋ ኣምላኽ]” ክጥዕመሉ ኣብ ዝኽእል ኵነታት ክበጽሕ ይኽእል ኢዩ።—ኤፌሶን 1:7
‘ጽሩይ ልብን ሓድሽ መንፈስን’
ዳዊት ድሕሪ ምንዛዙ ዘይረብሕ ዀይኑ ኣይተሰምዖን። እቲ ብዛዕባ ምንዛዙ ዝጸሓፎ ኣብ መዝሙር ዘሎ ቓላት ዝረኸቦ እፎይታን ንኣምላኽ ብተኣማንነት ንኸገልግሎ ዝገበሮ ቈራጽነትን ዝገልጽ ኢዩ። ንኣብነት መዝሙር 32 ንርአ። ኣብ ቍጽሪ 1 “ኣበሳኡ እተሐድገሉ: ሓጢኣቱ እተሰወረሉ ሰብ ብጹእ እዩ” ትብለና። ሓደ ሰብ ልባዊ ነስሓ እንተድኣ ገይሩ ሓጢኣቱ ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ይኹን ብዘየገድስ ዘሐጕስ ውጽኢት ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። እቲ ነስሓ ልባዊ ምዃኑ ክረኣየሉ ዝኽእል ሓደ መገዲ ኸምቲ ዳዊት ዝገበሮ ንዝወሰድካዮ ስጕምቲ ምሉእ ብምሉእ ብሓላፍነት ትሕተተሉ ምዃንካ ምእማን ኢዩ። (2 ሳሙኤል 12:13) ነቲ በደል ኣብ ቅድሚ የሆዋ ከማኻንየሉ ወይ ከኣ ንኻልኦት ከላግበሎም ኣይፈተነን። ቝጽሪ 5 ከምዚ ትብል:- “ሓጢኣተይ ኣፍለጥኩኻ: በደለይውን ኣይሰወርኩን: ንእግዚኣብሄር ኣበሳይ ክናዘዘሉ እየ: በልኩ። ንስኻውን እከይ ሓጢኣተይ ይቕረ በልካለይ።” ናይ ሓቂ ነስሓ ዕረፍቲ ስለ ዘምጽእ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ዝሓለፈ ሓጢኣቱ ብሕልንኡ ተደቚሱ ኣይነብርን ኢዩ።
ዳዊት ሕድገት ሓጢኣት ክረክብ ንየሆዋ ድሕሪ ምልማኑ: “ዎ ኣምላኽ: ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ: ጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሐድስ” ኢሉ ሓተተ። (መዝሙር 51:10) ዳዊት “ጽሩይ ልቢ” ከምኡውን ‘እተሓደሰ መንፈስ’ ምሕታቱ: ናይ ሓጢኣት ዝንባለ ከም ዘለዎ ስለ እተገንዘበ ልቡ ኣጽርዩ ከም ብሓድሽ ብስርዓታት ኣምላኽ ምምልላስ ክጅምር ሓገዝ ከም ዝደለየ ዝሕብር ኢዩ ነይሩ። ብጓሂ ኣብ ክንዲ ዝወሓጥ በቲ ንኣምላኽ ዝገብሮ ኣገልግሎት ንቕድሚት ክስጕም ቈረጸ። “ጐይታየ: ኣፈይ ምስጋናኻ ኺነግርሲ: ከናፍረይ ክፈት” ኢሉ ድማ ጸለየ።—መዝሙር 51:15
ዳዊት ልባዊ ነስሓ ምስ ኣርኣየን ንኸገልግሎ ቈራጽነት ምስ ገበረን የሆዋ እንታይ ምላሽ ሃበ፧ ንዳዊት እዚ ዝስዕብ ባህ ዘብል መረጋገጺ ሃቦ:- “ኣነ ኽምህረካ: ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ: ዓይነይ ናባኻ ኣቢለውን ክመኽረካ እየ።” (መዝሙር 32:8) የሆዋ ንስምዒታትን ድሌትን እቲ ዝተናስሐ ሰብ ብሕታዊ ቘላሕታ ከም ዝገብረሉ በዚ ቓላት እዚ ገይሩ ውሕስነት ሂቡ ኢዩ። የሆዋ ንዳዊት ዝያዳ ምስትውዓል: ማለት ኣዕሚቝካ ናይ ምርኣይ ክእለት ሃቦ። ኣብ መጻኢ ፈተና እንተድኣ ኣጋጢምዎ: እቲ ዝወስዶ ስጕምቲ እንታይ ከም ዘስዕበሉ ኣብ ካልኦት ከመይ ዝበለ ሳዕቤን ከም ዝህልዎ ክግንዘብ ይኽእል: ብምስትውዓል ክመላለስ ከኣ ክእለት ይህልዎ።
እዚ ኣብ ህይወት ዳዊት ዘጋጠመ ፍጻመ ንዅሎም እቶም ኣብ ከቢድ ሓጢኣት ዝወደቑ ሰባት መተባብዒ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓጢኣትና ብምንዛዝን ልባዊ ነስሓ ብምርኣይን: ነቲ ኣዝዩ ክቡር ዝዀነ ጥሪት ማለት ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ እንደገና ክንዕቅብ ንኽእል ኢና። እቲ ንግዚኡ እንጽመሞ ጓህን ሕፍረትን ካብቲ ስቕ ብምባልና ክመጽእ ዝኽእል ከቢድ ጭንቀት ወይ ከኣ ካብቲ ኣብ ዕልወት ብምትራርና ክመጽእ ዝኽእል ሳዕቤን ኣጸቢቑ ዝሓይሽ ኢዩ። (መዝሙር 32:9) ከምዚ ምስ እንገብር እቲ “ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን” ዝዀነ ፈቃርን መሓርን ኣምላኽ ዝገብረልና ሕድገት ሓጢኣት ንረክብ።—2 ቈረንቶስ 1:3
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
ዳዊት ንኡርያ ከም ዝቕተል ብምግባር ካብ ሳዕቤን ናይቲ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ከምልጥ ተስፋ ገበረ