ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽ ብተኣማንነት ምድጋፍ
“ብተንኰል ከይተመላለስና: ንቓል ኣምላኽውን ሓሳዊ ኸይገበርናዮ [“ከይጸየቕናዮ:” NW ]: ነቲ ናይ ነውሪ ሕቡእ ነገር ሐዲግና አሎና።”—2 ቈረንቶስ 4:2
1. (ሀ)ነቲ ኣብ ማቴዎስ 24:14 ከምኡውን 28:19, 20 ተገሊጹ ዘሎ ዕዮ ንምፍጻም እንታይ ኢዩ ከድሊ ዝጸንሐ፧ (ለ) ዳሕሮት መዓልትታት ክጅምር ከሎ መጽሓፍ ቅዱስ ብኽንደይ ዝኣክል ናይ ሰባት ቋንቋታት ክርከብ ይከኣል ነበረ፧
የሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ንንጉሳዊ ህላወኡን ንመደምደምታ ኣረጊት ኣገባብን ኣመልኪቱ ዝሃቦ ሰፊሕ ትንቢት ከምዚ ብምባል ተዛሪቡ ነበረ:- “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።” ንሰዓብቱ ድማ ‘ንዅሎም ኣህዛብ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኽሕልዉ እናመሃርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም’ ብምባል ኣዘዞም። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) ፍጻሜ ናይዚ ትንቢታት እዚ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምትርጓምን ምሕታምን: እንታይ ማለት ምዃኑ ንሰባት ኣብ ምምሃር: ኣብ ናብርኦም ከውዕልዎ ኣብ ምሕጋዝ ብዙሕ ዕዮ ዝሓትት ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዕዮ ግደ ክህልወካስ ከመይ ዝበለ መሰል ኰን ኢዩ! ብ1914 ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ገለ ክፋላቱ ድሮ ብ570 ቋንቋታት ተሓቲሙ ነበረ። ካብ ሽዑ ንነጀው ግን ብኣማእታት ዝቝጸር ሓያለይ ቋንቋታትን ድያለክትታትን ተወሰኸ: ኣብ ብዙሕ ቋንቋታት ድማ ካብ ሓደ ንላዕሊ ትርጕማት ከም ዝርከብ ተገብረ።a
2. ንዕዮ ተርጐምትን ሓተምትን መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ዝበለ እተፈላለየ ድራኸታት ኢዩ ዝጸልዎ፧
2 ናይ ሓደ ቋንቋ ሓሳባት ወሲዱ እቶም ካልእ ቋንቋ ዝዛረቡን ዝሰምዑን ሰባት ከም ዝርድእዎ ገይሩ ከቕርብ ንዝዀነ ይኹን ተርጓሚ ኣሸጋሪ ዕዮ ኢዩ። ገሊኦም ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ዝትርጕምዎ ዝነበሩ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ብምርዳእ ንስርሖም ብልዑል ጥንቃቐ ኢዮም ፈጺሞምዎ። ካልኦት ተርጐምቲ በቲ ምሁራት ነቲ ዕዮ ዘቕርብሉ ብድሆ ብቐሊሉ ተጸልዮም ኢዮም። ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትሕዝቶ ከም ክቡር ባህላዊ ውርሻ ገይሮም ጥራይ ወሲዶምዎ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ንገሊኦም: ሃይማኖት ድራር ዕለቶም ዝረኽብሉ ስራሖም ኢዩ: ከም ተርጐምቲ ወይ ሓተምቲ መጠን ብስሞም ዝጽዋዕ መጽሓፍ ምሕታም ድማ ክፍሊ መናበሪኦም ኢዩ። እቲ ድራኸታቶም ነቲ ስርሖም ዘካይድሉ መገዲ ከም ዝጸልዎ ኸኣ ኣየጠራጥርን ኢዩ።
3. እቲ ናይ ሓዳስ ዓለም መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ትርጕም ኮሚተ ንዕዮኡ ብኸመይ ረኣዮ፧
3 ናይ ሓዳስ ዓለም መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ትርጕም ኮሚተ ዝሃቦ ሓሳብ ክስትብሃለሉ ዝግባእ ኢዩ:- “ቅዱሳት ጽሑፋት ምትርጓም ክበሃል ከሎ: ናይ የሆዋ ኣምላኽ ሓሳባትን ዘረባን ናብ ካልእ ቋንቋ ምትርጓም ማለት ኢዩ። . . . እዚ ድማ ኣርዚንካ ክርአ ዘለዎ ነገር ኢዩ። እቶም ነቲ መለኮታዊ ደራሲ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝፈርሁን ዘፍቅሩን ተርጐምቲ ናይዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ: ንሓሳባትን መግለጺታትን ኣምላኽ ብእተኻእለ መጠን ልክዕ ገይሮም ከመሓላልፍዎ ፍሉይ ሓላፍነት ይስምዖም ኢዩ። ነቶም ዘለኣለማዊ ድሕነት ንምርካብ ኣብ ትርጕም ናይቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃል ናይቲ ኣዝዩ ልዑል ኣምላኽ ዝውከሉ ጥንቁቓት ኣንበብቲ እውን ሓላፍነት ይስምዖም ኢዩ። እዚ ብውፉያት ሰባት ዝቘመ ኮሚተ: ከምዚ ዝበለ ረዚን ናይ ሓላፍነት ስምዒት ብምሓዝ ኢዩ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ዘዳለወ።” ናይዚ ኮሚተ እዚ ሸቶ: ንጹርን ዝርዳእን ከምኡውን ርጡብ ፍልጠት ብምርካብ ቀጻሊ ዕቤት ንምግባር መሰረት ምእንቲ ክህብ: ናብቲ በዅሪ ጽሑፋት እብራይስጥን ግሪኽን ኣዝዩ ዝቐረብ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ምድላው ነበረ።
ንስም ኣምላኽ እንታይ ኣጋጠሞ፧
4. ስም ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክህሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ፧
4 ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዕላማታት መጽሓፍ ቅዱስ ሰባት ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ክፈልጥዎ ምሕጋዝ ኢዩ። (ዘጸኣት 20:2-7፣ 34:1-7፣ ኢሳይያስ 52:6) የሱስ ክርስቶስ ሰዓብቱ ስም ኣቦኡ ‘ክቕደስ:’ ቅዱስ ገይርካ ክርአ: ወይ ከኣ ቅዱስ ገይርካ ክተሓዝ ክጽልዩ ማሃሮም። (ማቴዎስ 6:9) ኣምላኽ ናይ ብሕቲ ስሙ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ 7,000 ግዜ ከም ዝጸሓፍ ገይሩ ኢዩ። ሰባት ነቲ ስም እትን ንባህርያት ናይቲ ብእኡ ዝጽዋዕ ኣካልን ክፈልጥዎ ይደሊ ኢዩ።—ሚልክያስ 1:11
5. እተፈላለዩ ተርጐምቲ ነቲ መለኮታዊ ስም ብኸመይ ኢዮም ዝጽሕፍዎ፧
5 ብዙሓት ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ መለኮታዊ ስም ቅንዕና ዘለዎ ኣኽብሮት ኣርእዮም ኢዮም: ኣብቲ ጽሑፎም ድማ ብተደጋጋሚ ተጠቕምሉ። ገለ ተርጐምቲ ነቲ ያህወህ ዝብል መጸውዒ ይመርጹ። ካልኦት ድማ ነቲ ኣብ ቋንቋኦም እተለምደ ምስቲ ኣብ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ ዝርከብ ስም ናይ ቀረባ ምምስሳል ዘለዎ: ምናልባት ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ እተፈልጠ ኣጸዋውዓ ናይቲ መለኮታዊ ስም ይመርጹ። ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም (እንግሊዝኛ) ኣብቲ ቀንዲ ጽሑፉ 7,210 ግዜ የሆዋ ዝብል ኣጸዋውዓ ኢዩ ዝጥቀም።
6. (ሀ) ኣብዚ ቐረባ ዓመታት: ተርጐምቲ ነቲ መለኮታዊ ስም ዝምልከት እንታይ ኢዮም ዝገበሩ፧ (ለ) እዚ ተግባር እዚኸ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ዘስፋሕፍሐ፧
6 ኣብዚ ቐረባ ዓመታት: ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም በዓል ከምኡውን ሞሌኽ ዝኣመሰለ ናይ ኣረማውያን ኣማልኽቲ ስማት ኣእትዮም ከብቅዑ: ንብሕታዊ ስም ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ግን ካብ ትርጕም ናይቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃሉ ብተደጋጋሚ ይሓክዎ ኣለዉ። (ዘጸኣት 3:15፣ ኤርምያስ 32:35) ብሰፊሑ እተዘርግሐ ናይ ቋንቋ ኣልባንያ ትርጕም: ነቲ ኣብ ከም በዓል ማቴዎስ 6:9 ከምኡውን ዮሃንስ 17:6, 26 ዝርከብ ጥቕስታት: ነቲ “ስምካ” (ማለት ናይ ኣምላኽ ስም) ዝብል ናይ ቋንቋ ግሪኽ መግለጺ: ያኢ እቲ ጥቕስታት እቲ ስም ዝብል ነገር ከም ዘይጠቅስ: ብሓጺሩ “ንስኻ” ኢሉ ይትርጕሞ። ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል (እንግሊዝኛ) ከምኡውን ቱደይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን (እንግሊዝኛ) ድማ: ኣብ መዝሙር 83:18 ነቲ ናይ ኣምላኽ ብሕታዊ ስምን ኣምላኽ ስም ከም ዘለዎ ዘመልክት ዝዀነ ይኹን ሓበሬታን ኣልገሶ። እቲ መለኮታዊ ስም ኣብ ብዙሕ ቋንቋታት ናይቲ ቀደም እተዳለወ ትርጕም ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዝርከብ እኳ እንተዀነ: ሓደስቲ ትርጕማት ግን መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ስም የውጽኦ ወይ ኣብ ናይ ሕድጋት መግለጺ ጥራይ ተደሪቱ ከም ዝተርፍ ኢዩ ዝገብሮ። እዚ ኣብ ናይ እንግሊዝኛ: ከምኡውን ኣብ ብዙሕ ናይ ኣውሮጳ: ኣፍሪቃ: ደቡብ ኣመሪካ: ከምኡውን ኣብ ናይ ደሴታት ፓስፊክ ቋንቋታት ዝርከብ ነገር ኢዩ።
7. (ሀ) ንገለ ናይ ኣፍሪቃ መጽሓፍ ቅዱሳት ዝተርጐሙ ሰባት ነቲ መለኮታዊ ስም ዝምልከት እንታይ ኢዮም ዝገበሩ፧ (ለ) ንስኻኸ ብዛዕባ እዚ ከመይ ይስምዓካ፧
7 ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ ገሊኡ ናይ ኣፍሪቃ ቋንቋታት ዝተርጐሙ ሰባት ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ዝገድድ ስጕምቲ ኢዮም ወሲዶም። ነቲ መለኮታዊ ስም ብኸም ኣምላኽ ወይ ጐይታ ዝኣመሰለ ቅዱስ ጽሑፋዊ መዓርጋት ጥራይ ኣብ ክንዲ ዝትክእዎ: ካብ ሃይማኖታዊ እምነታት ናይቲ ከባቢ እተወስደ ስማት ኢዮም ዘእትዉ። ኣብቲ ዘ ኒው ተስታመንት ኤንድ ሳልምስ ኢን ዙሉ ዝበሃል ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ (ናይ 1986 ሕታም): እቲ ኣምላኽ (ንኩሉንኩሉ ) ዝብል መዓርግ ምስቲ ዓሌት ዙሉ ነቲ ‘ብሰብኣውያን ኣባሓጎታት ዝምለኽ ዝነበረ ዓቢ ኣባሓጎ’ ከም ዘመልክት ገይሮም ዝርድእዎ ብሕታዊ ስም (ምቨሊጋንጊ) እናተቐያየረ ኣትዩ ይርከብ። ኣብታ ዘ ባይብል ትራንስሌተር እተባህለት ናይ ጥቅምቲ 1992 መጽሔት (እንግሊዝኛ) ወጺኣ ዝነበረት ሓንቲ ዓንቀጽ: ተርጐምቲ ቡኩ ሎየራ ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝነበሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋ ቼቼዋ ከዳልዉ ከለዉ: ኣብ ቦታ ናይቲ የሆዋ ዝብል ስም ቻኡታ ዝብል መጸውዒ ከም ብሕታዊ ስም ይጥቀምሉ ምንባሮም ጸብጻብ ትህብ። እታ ዓንቀጽ: ቻኡታ “ካብ ቀደም ኣትሒዞም ዝፈልጥዎን ዘምልኽዎን ኣምላኽ ኢዩ” ብምባል ትገልጽ። እንተዀነ ግን: ካብዞም ሰባት እዚኣቶም ዝበዝሑ ናይ ምዉታት መናፍስቲ ከም ዝዀኑ ገይሮም ንዝኣምንሎም ነገራት እውን የምልኹ ኢዮም። ሰባት ንሓደ “ዝለዓለ ኣካል” ልመና እንተድኣ ኣቕሪቦምሉ: ኣምልኾኦም እንታይ ከም ዝሓቘፈ ብዘየገድስ: ነቲ “ዝለዓለ ኣካል” ንምጽዋዕ ዝጥቀምሉ ዝዀነ ይኹን ስም ማዕረ ናይቲ የሆዋ ዝብል ብሕታዊ ስም ክኸውን ብቑዕ ኢዩ ክበሃልሲ ሓቂ ድዩ፧ ፈጺሙ ኣይኰነን! (ኢሳይያስ 42:8፣ 1 ቈረንቶስ 10:20) ንብሕታዊ ስም ኣምላኽ ብሓደ ንሰባት ልምዳዊ እምነታቶም ቅኑዕ ምዃኑ ከም ዝስምዖም ዝገብር ነገር ምትክኡ: ነዞም ሰባት እዚኣቶም ናብቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝያዳ ንኽቐርቡ ፈጺሙ ኣይሕግዞምን ኢዩ።
8. ኣምላኽ ስሙ ከም ዝፍለጥ ንምግባር ዝነበሮ ዕላማ ዘይፈሸለ ስለምንታይ ኢዩ፧
8 ኵሉ እዚ ነቲ የሆዋ ስሙ ንኽፍለጥ ዝነበሮ ዕላማ ኣይለወጦን: ኣየፍሸሎን። ብቛንቋታት ኣውሮጳ: ኣፍሪቃ: ኣመሪካ: ምብራቕ: ከምኡውን ደሴታት ባሕሪ: እቲ መለኮታዊ ስም ዝሓዘ ገና ኣብ ምዝርጋሕ ዝርከብ ብዙሕ መጽሓፍ ቅዱሳት ኣሎ። ብዛዕባ እቲ ስምን ዕላማን ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ንኻልኦት ንምንጋር ኣብ ዓመት ብሓባር ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰዓታት ዝውፍዩ: ካብ 5,400,000 ዝበዝሑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ 233 ሃገራትን ዞባታትን ኣለዉ። ንቛንቋ እንግሊዝ: ቻይና: ሩስያ: ፖርቱጋል: ፈረንሳ: ከምኡውን ቋንቋ ዳች ሓዊስካ: ገለ 3,600,000,000 ዝዀኑ ህዝቢ ዓለም ብዝዛረብዎ ቋንቋታት: መለኮታዊ ስም ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱሳት ሓተሙን ዘርግሑን። መብዛሕትኡ ህዝቢ ዓለም ብዝፈልጦ ቋንቋታት እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዝሕግዝ ጽሑፋት እውን ይሓትሙ ኢዮም። ድሕሪ ሓጺር ግዜ: ኣምላኽ ባዕሉ ነቲ ህዝብታት ‘[ንሱ] እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] ምዃኑ ክፈልጡ ኢዮም’ ብምባል እተዛረበሉ ኣዋጅ ብዘየማትእ መገዲ ዝፍጽም ስጕምቲ ክወስድ ኢዩ።—ህዝቅኤል 38:23
ብሕታዊ እምነታት ንመልክዕ ናይቲ ትርጕም ክቕይሮ ከሎ
9. መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዝሕዙ ሰባት ዘለዎም ከቢድ ሓላፍነት ብኸመይ ኢዩ ዝገልጾ፧
9 እቶም ንቓል ኣምላኽ ዝትርጕሙን ንኻልኦት ዝምህርሉን ሰባት ከቢድ ሓላፍነት ኣለዎም። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ናቱን ናይ መተዓይይቱን ኣገልግሎት ከምዚ በለ:- “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንሕሊና ዅሉ ሰብ ነታ ሓቂ እናገለጽናሉ: ነፍስና ነዕቍብ እምበር: ብተንኰል ከይተመላለስና: ንቓል ኣምላኽውን ሓሳዊ ኸይገበርናዮ [“ከይጸየቕናዮ:” NW ]: ነቲ ናይ ነውሪ ሕቡእ ነገር ሐዲግና አሎና።” (2 ቈረንቶስ 4:2) ምጽያቕ ማለት ካብ ደገ ዝመጸ ወይ ዘይረብሕ ነገር ብምሕዋስ ምብልሻው ማለት ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምቶም ኣብ ክንዲ እቲ ኣምላኽ ዝበሎ ናይ ገዛእ ርእሶም ሓሳባት ብምስባኾም የሆዋ ዝገሰጾም ኣብ ግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ ዘይእሙናት ጓሶት እስራኤል ኣይነበረን። (ኤርምያስ 23:16, 22) ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ እተፈጸመ ነገር ግን እንታይ ኢዩ፧
10. (ሀ) ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ ገሊኦም ተርጐምቲ ንኣምላኽ እሙን ምዃን ዘይኰነስ ድራኸታት ዝጸለዎም ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) እንታይ ዘይግብኦም ግደ ኢዮም ዝሓዙ፧
10 ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም: ሓደ ካብ ናይ ስነ-ሃይማኖት ምሁራትን ፓስተራትን እተዋጽአ ኮሚተ: ብዛዕባ ኣይሁድ ጽቡቕ መግለጺ ዝህብ ኵሉ ጥቕስታትን ናይ የሱስ ክርስቶስ ትውልዲ ካብ ኣይሁድ ከም ዝዀነ ዘመልክት ኵሉ ሓበሬታታትን ዘይብሉ ናይ “ሓድሽ ኪዳን” ዳግማይ ሕታም ንምድላው ምስቲ ኣብ ጀርመን ዝነበረ መንግስቲ ናዚ ተሓባበረ። ኣብዚ ቐረባ እዋን ድማ: እቶም ዘ ኒው ተስታመንት ኤንድ ሳልምስ :- ኣን ኢንክሉሲቭ ቨርሽን እተባህለ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ (እንግሊዝኛ) ዘዳለዉ ተርጐምቲ: ኣይሁድ ምስ ሞት ክርስቶስ እተተሓሓዘ ሓላፍነት ከም እተሰከሙ ዘመልክት ኵሉ ሓበሬታታት ንምሕካኽ ብምጽዓር እተፈልየ ኣንፈት ሓዙ። እዞም ተርጐምቲ እዚኣቶም: ኣምላኽ ኣቦ ከም ዝዀነ ገይርካ ዘይኰነስ: ከም ኣቦን ኣደን እንተድኣ ተጸዊዑ: ከምኡውን የሱስ ወዲ ኣምላኽ ዘይኰነስ: ውላዱ እንተድኣ ተባሂሉ: ተጣበቕቲ ደቀ ኣንስትዮ ዝዀኑ ኣንበብቲ ዝያዳ ከም ዝሕጐሱ ተሰምዖም። (ማቴዎስ 11:27) እዚ ኽገብሩ ከለዉ ድማ ነቲ ኣንስቲ ንሰብኡተን ክግዝኣ ቈልዑ ድማ ንወለዶም ክእዘዝዎም ከም ዘለዎም ዝዛረብ ስርዓት ሓኸኽዎ። (ቈሎሴ 3:18, 20) እቶም ነዚ ትርጕማት እዚ ዘዳልዉ ሰባት ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ቃል ኣምላኽ ንኸይጽይቕ’ ቈራጽነት ዝወሰደ: ቈራጽነት ከም ዘይወሰዱ ንጹር ኢዩ። ናይ ደራሲ ቦታ ብምምንዛዕ: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝዎ ዘሎ ጽቡቕ ስም ተጠቒሞም ንሓሳባት ርእሶም ዝጣበቕ መጻሕፍቲ ብምድላው: ነቲ ናይ ተርጓሚ ግደ ይርስዑ ነበሩ።
11. ናይ ህዝበ-ክርስትያን ትምህርትታት ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ነፍስን ሞትን ዝዛረቦ ዝጋጮ ብኸመይ ኢዩ፧
11 ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣብያተ-ክርስትያን ብሓፈሻ: ናይ ሰብ ነፍሲ ኣብ ግዜ ሞት ካብ ኣካል ተፈልያ እትኸይድ ዘይትመውት መንፈሳዊት ኣካል ከም ዝዀነት ኢየን ዝምህራ። ብኣንጻሩ ግን: ኣብ ብዙሕ ቋንቋታት ዝርከብ ናይ ቀደም ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ሰባትን እንስሳታትን ነፍሲ ምዃኖም: ነፍሲ ድማ ትመውት ምዃና ኣነጺሩ ኢዩ ዝገልጽ። (ዘፍጥረት 12:5፣ 36:6፣ ዘሁልቍ 31:28፣ ያእቆብ 5:20) እዚ ንኣቕሽሽቲ ኣብ መንቀራቕሮ ኣእትይዎም ኢዩ።
12. ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተዳለወ ገሊኡ ትርጕማት ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረታዊ ሓቅታት ዝዓበጦ በየናይ መገዲ ኢዩ፧
12 ኣብዚ እዋን እዚ: ገለ ሓደስቲ ትርጕማት ነዚ ሓቅታት እዚ ዓቢጥዎ ይርከብ። ብኸመይ፧ ኣብ ገለ ገለ ጥቕስታት ብሓጺሩ እታ ነፈ ʹሽ (ነፍሲ) እትብል ናይ እብራይስጢ ስም ብቐጥታ ኣይትትርጐምን። ኣብ ዘፍጥረት 2:7 እቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣይ (“ህያው ነፍሲ ኰነ” ኣብ ክንዲ ዝብል): “ክነብር ጀመረ” ይብል ይኸውን። ወይ ድማ ብዛዕባ ናይ እንስሳ ህይወት ክዛረብ ከሎ: “ነፍሲ” ኣብ ክንዲ ዝብል “ፍጡር” ክብል ይኽእል። (ዘፍጥረት 1:21) ኣብ ከም በዓል ህዝቅኤል 18:4, 20 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ከኣ: (“ነፍሲ” ዘይኰነስ) “እቲ ሰብ” ወይ “እቲ ውልቀ-ሰብ” ከም ዝመውት ይዛረብ። ከምዚ ዝበለ ትርጕማት ምናልባት ብዓይኒ እቲ ተርጓሚ ቅቡል ይኸውን። እንተዀነ ግን ንሓደ ኣተሓሳስባኡ ድሮ በቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ዘይኰነ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ትምህርትታት ተቐሪጹ ዝጸንሐ ቅኑዕ ደላይ ሓቂ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ክሕግዞ ዝኽእል፧b
13. ገሊኡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕማት ከመይ ገይሩ ኢዩ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ምድሪ ዘለዎ ዕላማ ዝሓኸኾ፧
13 ነቲ ዅሎም ጽቡቕ ዝገብሩ ሰባት ናብ ሰማይ ኢዮም ዝኸዱ ዝብል እምነቶም ንምድጋፍ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ: ተርጐምቲ—ወይ ድማ ንዘዳለውዎ ጽሑፍ ርእይቶ ዝህብሉ ናይ ስነ-ሃይማኖት ምሁራት—ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ኣመልኪቱ ዝብሎ ነገራት እውን ክሓክዎ ይፍትኑ ይዀኑ። መዝሙር 37:11 ኣብ ብዙሕ ትርጕማት ትሑታት “ንምድሪ” ክወርስዋ ኢዮም ኢያ እትንበብ። ‘ምድሪ’ ናይታ ኣብ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ ተዘውቲራ ዘላ (ʼኢʹረተስ ) እትብል ቃል ትርጕም ኢያ ክትከውን እትኽእል። ይኹን እምበር: ቱደይ’ስ ኢንግሊሽ ቨርሽን (ናብ ካልእ ብዙሕ ቋንቋታት ንእተገብረ ትርጕማት መሰረት ዝዀነ) ኣብቲ ትርጕሙ ርኡይ ለውጥታት ኢዩ ገይሩ። እዚ ትርጕም እዚ ነታ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ 17 ግዜ እትርከብ ጀ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል: “ምድሪ” ኢሉ ዝትርጕማ እኳ እንተዀነ: ኣብ ማቴዎስ 5:5 ግን ነታ “ምድሪ” እትብል ቃል “እቲ ኣምላኽ እተመባጽዖ” ዝብል ሓረግ ገይሩ ተኪእዋ ኣሎ። ኣባላት ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ ሰማይ ከም ዝሓስቡ ፍሉጥ ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ እቶም ልኡማት: ዓቃላት: ወይ ትሑታት ሰባት “ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም:” ከም ዝበለ ብቕንዕና ኣይተሓበሩን።
14. ኣብ ገሊኡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕማት ከመይ ዝበለ ስሱዕ ድራኸታት ኢዩ ብግልጺ ዝርአ፧
14 ገሊኡ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕማት: ሰበኽቲ ጽቡቕ ደሞዝ ክረኽቡ ንምሕጋዝ ተባሂሉ ከም እተጻሕፈ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ሓቂ ኢዩ: መጽሓፍ ቅዱስ “ንዓያዪ ውዕለቱ ይግብኦ” ብምባል ይገልጽ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:18) ገሊኦም ተርጐምቲ ግን: ኣብቲ እቶም ሰናይ ብዝዀነ ኣገባብ ዝመርሑ ሽማግለታት ‘ዕጽፊ ኽብሪ ከም ዝግብኦም’ ዝዛረብ 1 ጢሞቴዎስ 5:17 ክጥቀስ ግቡእ ከም ዝዀነ ዝሓስብዎ ናይ ገንዘብ ነገር ኢዩ። (ምስ 1 ጴጥሮስ 5:2 ኣረኣእዮ።) ስለዚ ኸኣ: ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል: እዞም ሽማግለታት እዚኣቶም “ዕጽፊ ደሞዝ ክወሃቦም ይግባእ” ይብል: ኮንቴምፖራሪ ኢንግሊሽ ቨርሽን (እንግሊዝኛ) ድማ “ክልተ ዕጽፊ ክኽፈሉ ይግብኦም” ይብል።
ንቓል ኣምላኽ ብተኣማንነት ምድጋፍ
15. ኣየናይ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ከም እንጥቀም ክንውስን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
15 ንሓደ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንብብ ውልቀ-ሰብን ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ንምምሃር ዝጥቀምሉ ሰባትን እዚ ዅሉ ክንርእዮ ዝጸናሕና ነገራት እንታይ መልእኽቲ ኢዩ ዘመሓላልፍ፧ ኣብ ዝበዝሕ ብሰፊሑ ዝዝውተር ቋንቋታት: ክትመርጸሉ ዝከኣል ካብ ሓደ ንላዕሊ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ይርከብ ኢዩ። ኣብ ኣመራርጻ ናይቲ እትጥቀመሉ መጽሓፍ ቅዱስ ምስትውዓል ኣርኢ። (ምሳሌ 19:8) ሓደ ትርጕም: ብዛዕባ መንነት ኣምላኽ—እቲ ዝቐርብ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ ንስሙ ካብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃሉ ብምሕካኽ—ቅንዕና ዘየርኢ እንተድኣ ኰይኑ: እቶም ተርጐምቲ ኣብ ካልእ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ቀንጠብጠብ ኢሎም ክዀኑዶ ኣይክእሉን፧ ብዛዕባ ልክዕነት ናይ ሓደ ትርጕም ምስ እትጠራጠር: ምስ ናይ ቀደም ትርጕማት ከተወዳድሮ ጽዓር። ናይ ቃል ኣምላኽ መምህር እንተድኣ ኴንካ ድማ: ናብቲ ኣብ በዅሪ ጽሑፋት እብራይስጥን ግሪኽን ዝርከብ ሓሳብ ዝቐረበ ትርጕማት ምረጽ።
16. ኣብ ኣጠቓቕማ ናይቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽ በብውልቅና ተኣማንነት ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
16 ኵልና በብውልቂ ንቓል ኣምላኽ እሙናት ክንከውን ኣሎና። ኣብቲ ትሕዝቶኡ እኹል ተገዳስነት ብምርኣይ: ዝከኣል እንተድኣ ኰይኑ: ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ ገለ ግዜ ብምምዳብ: ነዚ ክንገብሮ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 1:1-3) ነቲ ዝብሎ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ናብራና ብምውዓል: ነቲ ስርዓታቱን ኣብነታቱን ርጡብ ውሳነታት ንምግባር ከም መሰረት ገይርና ንኽንጥቀመሉ ብምምሃር ክንገብሮ ንኽእል ኢና። (ሮሜ 12:2፣ እብራውያን 5:14) ንኻልኦት ብቕንኢ ብምስባኽ እሙናት ተጣበቕቲ ቃል ኣምላኽ ምዃንና ነርኢ። ከም መምህራን መጠን ድማ: ምስ ናይ ርእስና ኣተሓሳስባ ንኸነሰማምዖ ኢልና ነቲ ዝብሎ ከይጠወና ወይ ናይ ገዛእ ርእስና ሓሳባት ከይወሰኽና ንመጽሓፍ ቅዱስ ተጠንቂቕና ብምጥቃም እውን ክንገብሮ ንኽእል ኢና። (2 ጢሞቴዎስ 2:15) እቲ ኣምላኽ ኣቐዲሙ እተዛረቦ ነገር ሓንቲ እውን ትኹን ከይተረፈ ክፍጸም ኢዩ። ቃሉ ንምፍጻም እሙን ኢዩ። ንቓሉ ኣብ ምድጋፍ እሙናት እንኸውን ይግበረና።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ዩናይትድ ባይብል ሶሳይቲስ ብ1997 መጽሓፍ ቅዱስ: ብምሉኡ ወይ ክፋሉ: እተሓትመሉ 2,167 ቋንቋታትን ድያለክትታትን መዝጊቡ ኣሎ። እዚ ኣሃዝ እዚ ኣብ ገሊኡ ቋንቋታት ዝርከብ ብዙሕ ድያለክትታት ዝሓቘፈ ኢዩ።
b እዚ ክግለጽ ዝጸንሐ ሓሳብ ኣብቲ ነቲ ኣከራኻሪ ኣርእስቲ ንጹር ንምግባሩ ዓቕሚ ዘለዎ ክነሱ: ተርጐምቲ ግን ከምኡ ምግባር ዝኣበይሉ ቋንቋታት ዘተኰረ ኢዩ። ኣብ ገሊኡ ቋንቋታት እቲ ክርከብ ዝከኣል ማህደረ-ቃላት ንዓቕሚ ተርጐምቲ ኣጸቢቑ ይድርቶ ኢዩ። ሽዑ ቅኑዓት ናይ ሃይማኖት መምህራን: ሽሕ’ኳ እቲ ተርጓሚ እተፈላለየ ስያመታት ወይ ቅዱስ ጽሑፋዊ መልእኽቲ ዘየመሓላልፍ ስያመታት ከይተረፈ እንተ ተጠቕመ: እቲ ነ ʹፈሽ ዝብል ናይቲ በዅሪ ቋንቋ ስያመ: ንኽልቲኡ ማለት ንሰብን እንስሳን ከምኡውን ንሓደ ዘስተንፍስን ዝበልዕን ክመውት ዝኽእልን ነገር ከም ዘመልክት ይገልጹ።
ትዝክሮዶ፧
◻ ንዕዮ ናይዞም ዘመናውያን ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጸለዎ ድራኸታት እንታይ ኢዩ፧
◻ ዘመናዊ ትርጕማት ዝሓዞ ሓፈሻዊ ዝንባለ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ስሙ ዘለዎ ዕላማ ዘየፍሸሎ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ገሊኡ ትርጕማት ነቲ ንነፍሲ: ሞት: ከምኡውን ምድሪ ዝምልከት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ብኸመይ ኢዩ ዝዓብጦ፧
◻ ንቓል ኣምላኽ ብተኣማንነት ንድግፍ ምዃንና ከነርእየሉ እንኽእል መገድታት ኣየናይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ኣየናይ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ኢኻ ክትጥቀም ዘሎካ፧