-
የሆዋ—ካብ ኵሉ ዝዓበየ ይቕረ በሃሊግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022 | ሰነ
-
-
የሆዋ—ካብ ኵሉ ዝዓበየ ይቕረ በሃሊ
“ኦ የሆዋ፡ ንስኻስ ሕያዋይን ንይቕረታ ድልውን ኢኻ፣ ንዅሎም እቶም ዚጽውዑኻ፡ ኣብዚሕካ ብተኣማንነት ተፍቅሮም ኢኻ።”—መዝ. 86:5።
-
-
የሆዋ—ካብ ኵሉ ዝዓበየ ይቕረ በሃሊግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022 | ሰነ
-
-
የሆዋ ንይቕረታ ድልዊ እዩ
4. የሆዋ ንይቕረታ ድልዊ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
4 የሆዋ ንይቕረታ ድልዊ ምዃኑ፡ ቃል ኣምላኽ የረጋግጸልና እዩ። የሆዋ ንሙሴ ኣብ ከረን ሲና ገዛእ ርእሱ ኺገልጸሉ ኸሎ፡ ኣፈኛኡ ብዝዀነ መልኣኽ ኣቢሉ ኸምዚ ኢሉ እዩ ኣዊጁ፦ “የሆዋ፡ የሆዋ፡ መሓርን ርሕሩሕን ኣምላኽ፡ ንቝጥዓ ደንጓዪ፡ ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ሓቅን፡ ንኣሽሓት ብተኣማንነት ዜፍቅር፡ ስሕተትን ኣበሳን ሓጢኣትን ዚሓድግ።” (ዘጸ. 34:6, 7) የሆዋ ለዋህን መሓርን ኣምላኽ እዩ፣ ንዚንስሑ ሓጥኣን እውን ይቕረ ንምባል ወትሩ ድሉው እዩ።—ነህ. 9:17፣ መዝ. 86:15።
5. ብመሰረት መዝሙር 103:13, 14፡ የሆዋ ብዛዕባ ሰባት ዘለዎ ዓሚቝ ፍልጠት እንታይ ኪገብር እዩ ዚድርኾ፧
5 የሆዋ ፈጣሪና ስለ ዝዀነ፡ ብዛዕባና ዅሉ ነገር ይፈልጥ እዩ። ሕስብ እሞ ነብሎ! ኣብ ምድሪ ብዛዕባ ዘሎ ዅሉ ሰብ፡ ኵሉ ዝርዝር ነገራት ይፈልጥ እዩ። (መዝ. 139:15-17) ስለዚ፡ ነቲ ኻብ ወለድና ዝወረስናዮ ዅሉ ዘይፍጽምና ኺርእዮ ይኽእል እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ንዅሉ እቲ ንስብእናና ዝቐረጾ ተመክሮታት ይፈልጦ እዩ። እሞ ደኣ እዚ ብዛዕባ ደቂ ሰብ ዘለዎ ዓሚቝ ፍልጠት እንታይ ኪገብር እዩ ዚድርኾ፧ ብምሕረት ኪሕዘና እዩ ዚድርኾ።—መዝ. 78:39፣ መዝሙር 103:13, 14 ኣንብብ።
6. የሆዋ ንይቕረታ ህንጡይ ምዃኑ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧
6 የሆዋ ንይቕረታ ህንጡይ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ብሰሪ ተግባራት እቲ ቐዳማይ ሰብ ዝዀነ ኣዳም፡ ኵላትና ኣብ ትሕቲ መርገም ሓጢኣትን ሞትን ምዃንና ይፈልጥ እዩ። (ሮሜ 5:12) ገዛእ ርእስና ወይ ንኻልእ ሰብ ካብቲ መርገም እቲ ሓራ ኸነውጽኣሉ እንኽእል መገዲ የልቦን። (መዝ. 49:7-9) እቲ ፈቃር ኣምላኽና ግና ራሕሪሑልና፡ ሓራ እንዀነሉ መሰናድዎ እውን ገይሩልና ኣሎ። እንታይከ እዩ ገይሩልና፧ ኣብ ዮሃንስ 3:16 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ የሆዋ ነቲ ሓደ ወዱ ምእንታና ኺመውት ልኢኽዎ። (ማቴ. 20:28፣ ሮሜ 5:19) የሱስ ከኣ ብእኡ ዚኣምኑ ዘበሉ ዅሎም ሓራ ንምውጻእ ኣብ ክንዳና ሞይቱ። (እብ. 2:9) የሆዋ መሸም፡ እቲ ፍቑር ወዱ ብዜሳቕን ብዜዋርድን መገዲ ኺመውት ከሎ ብዙሕ ተሳቕዩ ኪኸውን ኣለዎ! ይቕረ ኺብለልና ዘይደሊ እንተ ዚኸውን፡ ንወዱ ኺመውት ኣይምፈቐደን ነይሩ።
7. ገለ ኻብቶም የሆዋ ብናጻ ይቕረ ዝበለሎም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከቡ ኣብነታት መነመን ክትጠቅስ ትኽእል፧
7 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ብናጻ ይቕረ ዝበለሎም ብዙሓት ኣብነታት ተጠቒሶም ኣለዉ። (ኤፌ. 4:32) ንመን ትዝክር፧ ምናልባት ንንጉስ ምናሴ ትዝክር ትኸውን። እቲ እኩይ ሰብ እቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዜስካሕክሕ ሓጢኣት እዩ ገይሩ። ስለምንታይሲ፡ ኣብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ኣውራ ተሳታፊ ዀነ። ደቁ ኸኣ ንኣረማውያን ኣማልኽቲ ሰውአ። ሕሉፍ ሓሊፉ ጽሩብ ምስሊ ናይ ሓሶት ኣምላኽ ኣብታ ቕድስቲ ቤተ መቕደስ የሆዋ ኣእተወ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ፡ “ምእንቲ ኬዀርዮስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ብዙሕ ክፉእ ገበረ” ይብል። (2 ዜና 33:2-7) እንተዀነ ግና፡ ምናሴ ኻብ ልቡ ምስ ተነስሐ፡ የሆዋ ብናጻ ይቕረ በለሉ። ናብ ንግስናኡ እውን ከይተረፈ መለሶ። (2 ዜና 33:12, 13) ብተወሳኺ፡ ምናልባት ንንጉስ ዳዊት ትዝክር ትኸውን። ንሱ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸቢድ ሓጢኣት ፈጺሙ እዩ፣ ገለ ኻብቲ ሓጢኣቱ፡ ዝሙትን ቅትለትን ኪጥቀስ ይከኣል። ኰይኑ ግና፡ ዳዊት ካብ ልቡ ምስ ተነስሐን ጌጋኡ ምስ ተኣመነን፡ የሆዋ ይቕረ በለሉ። (2 ሳሙ. 12:9, 10, 13, 14) እወ፡ የሆዋ ንይቕረታ ህንጡይ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ቀጺልና ኸም እንርእዮ ኸኣ፡ ንሱ ምስ ደቂ ሰብ ኪነጻጸር ከሎ፡ ይቕረ ንምባል ፍሉይ ክእለት ኣለዎ።
-