የሆዋ—መዕቈቢና
“ጐይታየ፡ ካብ ወለዶ ንወለዶ መዕቈቢ ዀንካና።”—መዝ. 90:1።
1, 2. ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ብዛዕባ እዛ ዓለም እዚኣ እንታይ እዩ ዚስምዖም፧ ቤቶምከ ኣበይ እያ፧
ነዛ ዓለም እዚኣ፡ ከም ቤትካ ጌርካ ዲኻ እትርእያ፧ ከምኡ ጌርካ ዘይትርእያ እንተ ዄንካ በይንኻ ኣይኰንካን። ኣብ ምሉእ መዋእል ወዲ ሰብ፡ እቶም ንየሆዋ ብሓቂ ዜፍቅርዎ ዝነበሩ ሰባት፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኸም ኣጋይሽ ወይ መጻእተኛታት ዝዀኑ ዀይኑ ተሰሚዕዎም እዩ። ንኣብነት፡ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ ኣብ ምድሪ ከነኣን ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተጓዕዙ ኣብ ድንኳን ኪሰፍሩ ኸለዉ፡ “ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተኣመኑ” እዮም ዚነብሩ ነይሮም።—እብ. 11:13።
2 ብተመሳሳሊ፡ እቶም “ዜጋታት ሰማይ” ዝዀኑ ቕቡኣት ሰዓብቲ ክርስቶስ፡ ንርእሶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ፡ “ከም ስደተኛታትን ከም ኣጋይሽን” ገይሮም እዮም ዚቘጽርዋ። (ፊል. 3:20፣ 1 ጴጥ. 2:11) እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ክርስቶስ እውን፡ ‘ከምቲ የሱስ ካብ ዓለም ዘይኰነ፡ ንሳቶም እውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን።’ (ዮሃ. 10:16፣ 17:16) ኰይኑ ግና፡ ህዝቢ ኣምላኽ “ቤት” ዘይብሎም ኣይኰኑን። ኣብታ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ቕሳነትን ፍቕርን ዚርከበላ ቤት እኳ ደኣ ኢና ተዓቚብና ዘለና። እዛ ቤት እዚኣ ብዓይኒ እምነት ጥራይ እያ ኽትርአ እትኽእል። ሙሴ፡ “ጐይታየ፡ ካብ ወለዶ ንወለዶ መዕቈቢ ዀንካና” በለ።a (መዝ. 90:1) የሆዋ ነቶም ጥንቲ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ “መዕቈቢ” ዝዀኖም ብኸመይ እዩ፧ ነዞም ሎሚ ብስሙ ዚጽውዑ ህዝቢኸ “መዕቈቢ” ዚዀኖም ብኸመይ እዩ፧ ኣብ ዚመጽእከ ዜተኣማምን መዕቈቢ ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧
የሆዋ—“መዕቈቢ” ጥንታውያን ኣገልገልቱ
3. ኣብ መዝሙር 90:1፡ እንታይ ርእሰ ነገር፡ ምስሊ፡ ከምኡውን ተመሳሳልነት እዩ ተጠቒሱ ዘሎ፧
3 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ርእሰ ነገር፡ ምስሊ፡ ከምኡውን ተመሳሳልነት ዝሓዘ ሓያሎ ስእላዊ ዘረባ ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብ መዝሙር 90:1 ኸምዚ ዝኣመሰለ ስእላዊ ዘረባ ይርከብ እዩ። ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ርእሰ ነገር የሆዋ እዩ። ምስሊ ድማ መዕቈቢ ወይ መንበሪ ቦታ እዩ። የሆዋ ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታ ኺመሳሰል ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ ንህዝቡ መዕቈቢ ይዀኖም እዩ። ከምኡ ዚገብር ድማ፡ መሰሌታ ፍቕሪ ስለ ዝዀነ እዩ። (1 ዮሃ. 4:8) ብዘይካዚ፡ ንሱ ነቶም እሙናቱ ‘ብደሓን ዜሕድር፡’ ኣምላኽ ሰላም እዩ። (መዝ. 4:8) ንኣብነት፡ ካብ ኣብርሃም ጀሚሩ፡ ምስቶም እሙናት ኣበው ዝነበሮ ርክብ ንርአ።
4, 5. ኣምላኽ ንኣብርሃም “መዕቈቢ” ዝዀኖ ብኸመይ እዩ፧
4 የሆዋ ነቲ ሽዑ ኣብራም ዚብሃል ዝነበረ ኣብራሃም፡ “ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን . . . ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኣቢልካ ውጻእ” ምስ በሎ፡ እንታይ ከም እተሰምዖ ገምት። ኣብርሃም ተጨኒቑ እንተ ነይሩ፡ የሆዋ ቐጺሉ፡ “ንዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካን ክባርኸካን ከኣ እየ፡ ንስምካውን ከዕብዮ እየ . . . ንዚባርኹኻ ክባርኾም፡ ንዚረግመካ ድማ ክረግሞ እየ” ምስ በሎ፡ ፍዅስ ኢልዎ ኪኸውን ከም ዚኽእል ፍሉጥ እዩ።—ዘፍ. 12:1-3።
5 የሆዋ በዘን ቃላት እዚአን ገይሩ፡ ንኣብርሃምን ንዘርኡን ዜተኣማምን መዕቈቢ ኪኸውን ምዃኑ ቓል ኣትዩ እዩ። (ዘፍ. 26:1-6) መብጽዓኡ ድማ ሓልዩ እዩ። ንኣብነት፡ ንፈርኦን ንጉስ ግብጽን ንኣቢሜሌክ ንጉስ ጌራርን ንሳራ ኸይዕምጽዋ፡ ንኣብርሃም ድማ ከይቀትልዎ ኸልኪልዎም እዩ። ንይስሃቅን ንርብቃን እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ኣዕቚብዎም እዩ። (ዘፍ. 12:14-20፣ 20:1-14፣ 26:6-11) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሱ [የሆዋ] ሰብ ኪጠቕዖም ኣይሐደገን፡ ንቕቡኣተይ ኣይትተንክይዎም፡ ንነብያተይ ከኣ ክፉእ ኣይትግበርዎም፡ ኢሉ ምእንትኦም ንነገስታት ገሰጾም” ይብል።—መዝ. 105:14, 15።
6. ይስሃቅ ንያእቆብ እንታይ ኪገብር እዩ ነጊርዎ፧ ያእቆብከ እንታይ እዩ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ዚኽእል፧
6 እዞም ነብያት እዚኦም ነቲ ወዲ ወዱ ንኣብርሃም ዝነበረ ያእቆብ እውን ዜጠቓልሉ እዮም ነይሮም። ያእቆብ ኪምርዖ ምስ ደለየ፡ ይስሃቅ ኣቦኡ፡ “ካብ ኣዋልድ ከነኣን ሰበይቲ ኣይተእቱ፡ ተንሲእካ ናብ ጳዳም-ኣራም፡ ናብ እንዳ ኣበሓጎኻ ቤቱኤል ኪድ እሞ፡ ካብኡ ኸኣ ካብ ኣዋልድ ኣኮኻ ላባን ሰበይቲ ኣእቱ” በሎ። (ዘፍ. 28:1, 2) ያእቆብ ንይስሃቅ ብኡብኡ ተኣዚዝዎ እዩ። ካብቶም ኣብ ከነኣን ዚነብሩ ዝነበሩ ስድራ ቤቱ ወጺኡ ድማ፡ ኣማእታት ኪሎ ሜተራት ተጓዒዙ ናብ ካራን ከደ። ንበይኑ ኸኣ እዩ ተጓዒዙ ኪኸውን ዚኽእል። (ዘፍ. 28:10) ምናልባት እውን፡ ‘ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ እየ ኻብ ስድራይ ተፈልየ ኽጸንሕ፧ ኣኮይ ብጽቡቕ ተቐቢሉ፡ ንኣምላኽ እትፈርህ ሰበይቲ ኺህበኒ ድዩ፧’ እናበለ ይጭነቕ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጭንቀት እንተ ነይርዎ፡ ኣብታ ኻብ ብዔር-ሸባዕ 100 ኪ.ሜ. ርሒቓ እትርከብ ሉዝ ምስ በጽሐ ፍዅስ ኢልዎ ኪኸውን ከም ዚኽእል ፍሉጥ እዩ። ኣብ ሉዝ እንታይ እዩ ኣጋጢምዎ፧
7. ኣምላኽ ንያእቆብ ብሕልሚ እንታይ እዩ ኢልዎ፧
7 ኣብ ሉዝ፡ የሆዋ ንያእቆብ ብሕልሚ ተራእዮ፣ “እንሆ ኸኣ፡ ኣነ ምሳኻ እየ፡ እቲ ዝበልኩኻ ኽሳዕ ዝገብሮ ኣይሐድገካን እየ እሞ፡ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ኽሕልወካ እየ፡ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ክመልሰካ እየ” ኸኣ በሎ። (ዘፍ. 28:15) እዘን ቃላት እዚአን ንያእቆብ ኣዝየን ኣጸናኒዐናኦ ኪዀና ኣለወን። ብድሕሪኡ፡ እተን ቃላት ብኸመይ ከም ዚፍጸማ ብሃንቀውታ ይጽበ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ንስኻ እውን ምናልባት ኣብ ወጻኢ ሃገር ምእንቲ ኸተገልግል፡ ካብ ዓድኻ ዝወጻእካ እንተ ዄንካ፡ ከም ያእቆብ ተጨኒቕካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ብብዙሕ መገድታት ከም ዚሓልየልካ ርኢኻ ኢኻ።
8, 9. የሆዋ ንያእቆብ “መዕቈቢ” ዝዀኖ በየናይ መገድታት እዩ፧ ካብዚኸ እንታይ ንመሃር፧
8 ያእቆብ ኣብ ካራን ምስ በጽሐ፡ ኣኮኡ ላባን ብጽቡቕ ተቐበሎ፡ ንልያን ንራሄልን ድማ ኣንስቱ ኪዀናኦ ሃቦ። ድሕሪ ገለ ግዜ ግና፡ ላባን ንያእቆብ፡ ዓስቡ ዓሰረተ ሳዕ እናለዋወጠ ኺምዝምዞ ፈተነ። (ዘፍ. 31:41, 42) ይኹን እምበር፡ ያእቆብ፡ የሆዋ ኸም ዝሓልየሉ ብምትእምማን ነቲ ዘይፍትሓዊ ነገራት ተጻወሮ። የሆዋ እውን ብሓቂ ሓልዩሉ እዩ። ኣምላኽ ንያእቆብ ናብ ከነኣን ኪምለስ ኪነግሮ ኸሎ፡ ያእቆብ “ብዙሓት መጓሴታትን ገላዉን ኣግራድን ኣግማልን ኣእዱግን ነበሮ።” (ዘፍ. 30:43) እቲ ኣበው ስለቲ እተገብረሉ ኻብ ልቡ ብምምሳው፡ “እዚ ንባርያኻ ጌርካዮ ዘሎኻ ዅሉ ለውሃትን ኵሉ እምነትን ዘይግብኣኒ እዩ። እዛ ዮርዳኖስ እዚኣ ብበትረይ እየ እተሳገርክዋ፡ ሕጂ ግና ክልተ ጋንታ ዀይነ አሎኹ” ኢሉ ጸለየ።—ዘፍ. 32:10።
9 ሙሴ፡ “ጐይታየ፡ ካብ ወለዶ ንወለዶ መዕቈቢ ዀንካና” ኺብል እምበኣር ሓቁ እዩ ነይሩ። (መዝ. 90:1) የሆዋ፡ “ከም ዚለዋወጥ ጽላሎት ዘይቀያየር” ኣምላኽ ብምዃኑ፡ ሎሚ እውን ንእሙናቱ ዜተኣማምን መዕቈቢ ይዀኖም እዩ። (ያእ. 1:17) ብኸመይ መዕቈቢ ኸም ዚዀኖም እስከ ንርአ።
የሆዋ—“መዕቈቢ” ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቱ
10. የሆዋ ወትሩ ንኣገልገልቱ መዕቈቢ ኸም ዝዀኖም ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧
10 ነዚ ዚስዕብ ኵነታት እሞ ሕሰበሉ፦ ኣንጻር ሓደ ዕሉል ገበነኛ ወድብ ክትምስክር ኣብ ቤት ፍርዲ ቐሪብካ ኣለኻ ንበል። መራሒ እቲ ውድብ ከኣ በሊሕን ሓያልን ሓሳውን ቀታል ነፍስን እዩ። ካብቲ መጋባእያ ወጺእካ ናብ ቤትካ ኽትምለስ ከለኻ ኸመይ ምተሰምዓካ፧ ምቐሰንካዶ፧ ዘይመስል እዩ። እወ፡ ሽዑ ዕቝባ ንኽትሓትት ብቑዕ ምኽንያት እዩ ዘሎካ። ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ኣገልገልቲ የሆዋ እውን ብትብዓት ንየሆዋ ይምስክሩሉ፡ ነቲ ሕሱም ጸላኢኡ ዝዀነ ሰይጣን ከኣ ከይፈርሁ የቃልዕዎ እዮም። (ራእይ 12:17 ኣንብብ።) ኰይኑ ግና ሰይጣን ንህዝቢ ኣምላኽ ኣፎም ኬትሕዞምዶ ኽኢሉ እዩ፧ ኣይከኣለን። ከመይሲ፡ ብመንፈስ ንብልጽግ ኢና ዘለና። እዚ ድማ የሆዋ ብፍላይ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልታት “መዕቈቢ” ስለ ዚዀነና እዩ። (ኢሳይያስ 54:14, 17 ኣንብብ።) ብሰይጣን እንተ ተሓቢልና ግና፡ የሆዋ ወትሩ መዕቈቢና ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።
11. ካብ ኣበዋት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
11 ካብ ኣበዋት እንመሃሮ ኻልእ ትምህርቲ እውን ንርአ። ንሳቶም፡ ኣብ ምድሪ ከነኣን ይነብሩ እኳ እንተ ነበሩ፡ ካብቶም እኩያትን ርኹሳትን ዝነበሩ ደቂ እቲ ዓዲ ፍሉያት እዮም ነይሮም። (ዘፍ. 27:46) ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላጥ ዝርዝር ሕግታት ኣየድልዮምን እዩ ነይሩ። እቲ ብዛዕባ የሆዋን ባህርያቱን ዝነበሮም ፍልጠት እኹል እዩ ነይሩ። የሆዋ መዕቈቢኦም ስለ ዝነበረ፡ ካብ ዓለም ንኸይኰኑ ዚከኣሎም ይጽዕሩ ነይሮም እዮም። ኣየ ኸመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዮም ገዲፎምልና! ኣዕሩኽን መዘናግዕን ክትመርጽ ከለኻ ነቶም እሙናት ኣበዋት ንኽትቀድሖም ትጽዕር ዲኻ፧ እቲ ዜሕዝን ግና ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚነብሩ ገሊኦም ሰባት፡ ብእተወሰነ ደረጃ እውን እንተ ዀነ፡ ነዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ከም ቤቶም ገይሮም ይርእይዋ እዮም። ንስኻኸ፡ ብመጠኑ እውን ይኹን ከምዚ ይስምዓካ ድዩ፧ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ሓገዝ ንኺውሃበካ ጸሊ። እዛ ዓለም እዚኣ ናይ ሰይጣን ምዃና፡ ነቲ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ዚብል ስስዐ ዝመልኦ መንፈሱ ድማ ከም እተንጸባርቕ ኣይትረስዕ።—2 ቈረ. 4:4፣ ኤፌ. 2:1, 2።
12. (ሀ) የሆዋ ንኣገልገልቱ እንታይ መሰናድዎ እዩ ዚገብረሎም፧ (ለ) ብዛዕባ እዚ መሰናድዎ እዚ፡ እንታይ ይስምዓካ፧
12 ንፍሕሶ ሰይጣን ምእንቲ ኽንቃወሞ፡ ነቲ የሆዋ ኣብኡ ንዚዕቈቡ ኣምለኽቱ ዜዳልዎ መንፈሳዊ መሰናድዎታት ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀመሉ ኣሎና። እዚ መሰናድዎታት እዚ፡ ንክርስትያናዊ ኣኼባታት፡ ንኣምልኾ ስድራ ቤት፡ ከምኡውን ነቶም ምስቲ ዜጋጥመና ጸገማት ናብራ ኽንቃለስ ከለና ዜጸናንዑናን ዚድግፉናን “ውህበት ሰብ” ዝዀኑ ብኣምላኽ እተሸሙ ጓሶት የጠቓልል። (ኤፌ. 4:8-12) ንሓያሎ ዓመታት ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝነበረ ሓው ጆርጅ ጋንገስ፡ “[ምስ ህዝቢ ኣምላኽ] ክኸውን ከሎኹ ልክዕ ኣብ ቤተይ ምስ ስድራ ቤተይ ዘሎኹ ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ” ኢሉ ጸሓፈ። ንስኻኸ፡ ከምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧
13. ካብ እብራውያን 11:13 እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧
13 ካብ ኣበዋት ክንቀድሖ እንኽእል ካልእ ባህሪ ኸኣ፡ ካብቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ሰባት ንኺፍለዩ ፍቓደኛታት ምንባሮም እዩ። ከምቲ ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 1 ዝረኣናዮ፡ “ኣብታ ምድሪ እቲኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተኣመኑ” እዮም ዚነብሩ ነይሮም። (እብ. 11:13) ንስኻኸ፡ ካብ ዓለም እተፈለኻ ዄንካ ንኽትነብር ቈሪጽካ ዲኻ፧ ከምኡ ምግባር ወትሩ ቐሊል ከም ዘይኰነ ፍሉጥ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብሓገዝ ኣምላኽን ክርስትያን ብጾትካን ክትዕወት ትኽእል ኢኻ። በይንኻ ኸም ዘይኰንካ ዘክር። ኵሎም እቶም ንየሆዋ ኼገልግልዎ ዚደልዩ ሰባት፡ ቃልሲ ኣለዎም። (ኤፌ. 6:12) ኣብ የሆዋ እንተ ተወኪልናን ኣብኡ እንተ ተዓቚብናን ግና ኣብቲ ቓልሲ እቲ ኽንዕወት ንኽእል ኢና።
14. ኣገልገልቲ የሆዋ ነየነይቲ ኸተማ እዮም ተጸብዮም፧
14 ብዘይካዚ፡ ወትሩ ኣብቲ ዓስቢ ብምጥማት ንኣብርሃም ክንመስሎ ይግባእ። (2 ቈረ. 4:18) ሃዋርያ ጳውሎስ ከም ዝገለጾ፡ ኣብርሃም “ነታ ኣምላኽ ዝነዳፊኣን ዝሃናጺኣን ናይ ሓቂ መሰረት ዘለዋ ኸተማ ይጽበ ነበረ።” (እብ. 11:10) እታ “ኸተማ” መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ እያ። ኣብርሃም ነታ “ኸተማ” ኺጽበ ኣድልይዎ እዩ። ንሕና ግና ምጽባይ ኣየድልየናን እዩ። ከመይሲ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ክትገዝእ ጀሚራ እያ። ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኣብ ምድሪ ምሉእ ብምሉእ ስጕምቲ ኸም እትወስድ ዚሕብር ሓያሎ መርትዖታት እውን ኣሎ። በታ መንግስቲ እቲኣ ኸም እትኣምን ብናብራኻ ተርኢ ዲኻ፧ ኣብ ህይወትካ ቕድም መንግስቲ ኣምላኽ ብምድላይ፡ ካብ ዓለም ተፈሊኻ ትነብር ዲኻ፧—2 ጴጥሮስ 3:11, 12 ኣንብብ።
መወዳእታ ኣብ ዚቐርበሉ ዘሎ እዋን ‘መዕቈቢና’
15. ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚውከሉ ሰባት እንታይ ኬጋጥሞም እዩ፧
15 ጥፍኣት እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም እናቐረበ ኪኸይድ ከሎ፡ እቲ “ቕልውላው” እናገደደ ኪኸይድ እዩ። (ማቴ. 24:7, 8) ኣብ እዋን እቲ ብርቱዕ ጸበባ እሞ ኸኣ ኵነታት እናገደደ ኸም ዚኸይድ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ምሉእ ዓለም ጥፍኣትን ሕንፍሽፍሽን ኬጋጥም እዩ፣ ሰባት ከኣ ብፍርሂ ኺውሓጡ እዮም። (ኣን. 3:16, 17) ካብ ዓቕሊ ጽበት እተላዕለ ድማ፡ “ኣብ በዓትታትን ኣብ መንጎ ኣኻውሕ ኣኽራንን” ኪዕቈቡ ኺፍትኑ እዮም። (ራእ. 6:15-17 ) ይኹን እምበር፡ ቃል ብቓሉ በዓትታት ይኹን፡ እቲ ነኽራን ኬመልክት ዚኽእል ፖለቲካውን ንግዳውን ውድባት ኣይኬዕቍቦምን እዩ።
16. ንክርስትያናዊት ጉባኤ ብኸመይ ክንርእያ ኣሎና፧ ስለምንታይከ፧
16 ህዝቢ የሆዋ ግና ወትሩ ኣብቲ ‘መዕቈቢኦም’ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ እዮም ዚዕቈቡ። ከም ነብዪ ኣንባቆም፡ “ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ባህ ክብል፡ ብኣምላኽ ምድሓነይ እልል ክብል እየ” ኺብሉ እዮም። (ኣን. 3:18) ኣብቲ እዋን ሕንፍሽፍሽ፡ የሆዋ ንህዝቡ “መዕቈቢ” ዚኸውን በየናይ መገድታት እዩ፧ እዚ ብሕጂ እንርእዮ ነገር እዩ። ኣፍና መሊእና እንዛረበሉ ነገር ግና፡ ከምቲ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኺወጹ ኸለዉ ተወዲቦም ዝነበሩ፡ እቶም “ብዙሓት ህዝቢ” ዝዀኑ ህዝቢ የሆዋ እውን ተወዲቦም መምርሒታቱ እናተቐበሉ ኺጸንሑ እዮም። (ራእ. 7:9፣ ዘጸኣት 13:18 ኣንብብ።) እቲ መምርሒ ኸኣ ብቲኦክራስያዊ መገዲ፡ ምናልባት እውን ብጉባኤ ኣቢሉ ኺመሓላለፍ ይኽእል እዩ። እቲ ኣብ ኢሳይያስ 26:20 ተጠቒሱ ዘሎ “ሕልፍኚ፡” ነዘን ብኣሽሓት ዚቝጸራ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ጉባኤታት ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ኣንብብ።) ንኣኼባታት ጉባኤ ኣኽቢርካ ትርእዮ ዲኻ፧ የሆዋ ብጉባኤ ኣቢሉ መምርሒ ኺህበካ ኸሎ፡ ብኡብኡ ትእዘዝ ዲኻ፧—እብ. 13:17።
17. የሆዋ ነቶም ዝሞቱ እሙናት ኣገልገልቱ እውን “መዕቈቢ” ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧
17 እቶም እቲ ብርቱዕ ጸበባ ቕድሚ ምጅማሩ እሙናት ኰይኖም ዝሞቱ እውን እንተ ዀኑ፡ ኣብቲ ‘መዕቈቢኦም’ ዝዀነ የሆዋ ተዓቚቦም እዮም ዝጸንሑ። ብኸመይ፧ እቶም እሙናት ዝነበሩ ኣበዋት ምስ ሞቱ ነዊሕ ዓመታት ጸኒሑ፡ የሆዋ ንሙሴ፡ “ኣነ ኣምላኽ . . . ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ይስሃቅ፡ ኣምላኽ ያእቆብ ከኣ እየ” በሎ። (ዘጸ. 3:6) የሱስ ነዘን ቃላት እዚአን ጠቒሱ፡ “ንዕኡ ዅላቶም ህያዋን እዮም እሞ፡ ንሱ ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፡ ኣምላኽ ምዉታትሲ ኣይኰነን” በለ። (ሉቃ. 20:38) እወ፡ የሆዋ ነቶም ንዕኡ እሙናት ኰይኖም ዝሞቱ ሰባት ብርግጽ ስለ ዜተንስኦም፡ ከም ህያዋን ገይሩ እዩ ዚርእዮም።—መክ. 7:1።
18. ኣብ ሓዳስ ዓለም፡ የሆዋ ንህዝቡ ብፍሉይ መገዲ “መዕቈቢ” ዝዀኖም ብኸመይ እዩ፧
18 ኣብ ሓዳስ ዓለም፡ የሆዋ ንህዝቡ ብኻልእ መገዲ እውን “መዕቈቢ” ኪዀኖም እዩ። ራእይ 21:3፡ “እንሆ፡ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱ እውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ” ትብል። ኣብ ፈለማ፡ በቲ ንሱ ዝወከሎ ክርስቶስ የሱስ ኣቢሉ እዩ ምስቶም ምድራውያን ተገዛእቱ ዚነብር። የሱስ ነቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ምሉእ ብምሉእ ከም ዚፍጸም ምስ ገበረ፡ ኣብ መወዳእታ እተን ሽሕ ዓመት፡ ነታ መንግስቲ ንኣቦኡ ኼረክቦ እዩ። (1 ቈረ. 15:28) ብድሕሪኡ፡ የሆዋ ምስቶም ኣብ ፍጽምና ዝበጽሑ ደቅ ሰብ ስለ ዚነብር፡ የሱስ ንዓታቶም ማእከላይ ኰይኑ ኣይኬተዓርቖምን እዩ። ኣየ ኸመይ ዝበለ ኣጋጣሚ ዀን እዩ ተዘርጊሑልና ዘሎ! ክሳዕ ሽዑ ግና ነቶም ጥንታውያን እሙናት ኣበዋት ብምምሳል ንየሆዋ ወትሩ ‘መዕቈቢና’ ንግበሮ።