ነቲ ዓቢ ፈጣሪኻ ዘክሮ!
“ክፉእ መዓልትታት ከይመጸ: . . . ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ። ” —መክብብ 12:1
1. እቶም ህይወቶም ንየሆዋ ዝወፈዩ መንእሰያት ንንእስነቶምን ሓይሎምን ብኸመይ ክጥቀምሉ ኣለዎም፧
የሆዋ ኣገልገልቱ ፍቓዱ ንኽገብሩ ሓይሊ ይህቦም ኢዩ። (ኢሳይያስ 40:28-31) እዚ ዕድሜኦም ብዘየገድስ ሓቂ ኢዩ። ብፍላይ ህይወቶም ንየሆዋ ዝወፈዩ መንእሰያት ግን ንእስነቶምን ሓይሎምን ብጥበብ ክጥቀምሉ ኣለዎም። ስለዚ ኸኣ ነቲ “ክፉእ መዓልትታት ከይመጸ: ባህ ኣይበለንን እትብለሉ ዓመታት ከኣ ኸይቀረበ ኸሎ: ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ” ዝብል ምኽሪ እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን “እቲ ሰባኺ” የቕልብሉ ኢዮም።—መክብብ 1:1፣ 12:1
2. ደቂ እቶም ህይወቶም ንየሆዋ ዝወፈዩ ክርስትያናት እንታይ ኢዮም ክገብሩ ዝግብኦም፧
2 እቲ ንፈጣሪኻ ብግዜ ንእስነትካ ምዝካር ከም ዘድሊ ሰሎሞን ዝሃቦ ምኽሪ ብመጀመርታ ደረጃ ነቶም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ መንእሰያት ኣወዳትን ኣዋልድን ኢዩ ተዋሂቡ። ኣብ መንጎ እቲ ንየሆዋ እተወፈየ ህዝቢ ኢዮም ተወሊዶም። ብዛዕባ እቶም ሎሚ ዘለዉ ደቂ እቶም ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያናትከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ነቲ ዓቢ ፈጣሪኦም ክዝክርዎ ከም ዘለዎም ርግጽ ኢዩ። ከምዚ እንተድኣ ገይሮም ንዕኡ የኽብርዎ: ንገዛእ ርእሶም ከኣ ይጥቀሙ።—ኢሳይያስ 48:17, 18
ቀደም ዝነበሩ ሰናይ ኣብነታት
3. ዮሴፍ: ሳሙኤል: ከምኡውን ዳዊት እንታይ ኣብነት ኢዮም ዝገደፉ፧
3 ብዙሓት ኣስማቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ መንእሰያት ነቲ ዓቢ ፈጣሪኦም ብምዝካር ሰናይ ኣብነት ኰይኖም ኢዮም። ዮሴፍ ወዲ ያእቆብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ንፈጣሪኡ ዘኪሩ ኢዩ። ሰበይቲ ጶጢፋር ምስኣ ጾታዊ ርክብ ክፍጽም ክትሓባብሎ ምስ ፈተነት “ከመይ ገይረኸ ነዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧” ኢሉ ብምግላጽ ኣበርቲዑ ተቓወማ። (ዘፍጥረት 39:9) እቲ ሌዋዊ ሳሙኤል ንፈጣሪኡ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ብምልኡ ህይወቱ ዘኪርዎ ኢዩ። (1 ሳሙኤል 1:22-28፣ 2:18፣ 3:1-5) እቲ ኣብ ቤት-ልሄም ዝነበረ መንእሰይ ዳዊት እውን ንፈጣሪኡ ከም ዝዘከሮ ርግጽ ኢዩ። እቲ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ ትውክልቲ ነቲ ኣዝዩ ገዚፍ ዝነበረ ጐልያድ ፍልስጥኤማዊ ክገጥመሉ ከሎ ተረጋጊጹ ኢዩ። ከምዚ ኸኣ በሎ:- “ንስኻ ብዂናትን ብመዝረቕን ትመጸኒ አሎኻ: ኣነ ግና ብስም እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት: እቲ ንስኻ እተባጭዎ ዘሎኻ ኣምላኽ ጭፍራ እስራኤል እመጸካ አሎኹ። ሎሚ መዓልቲ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኣሕሊፉ ኣብ ኢደይ ኪህበኒ እዩ: ኣነ ኸኣ ክቐትለካ: ርእስኻውን ካባኻ ኽወስድ እየ: . . . ኣብ እስራኤል ኣምላኽ ከም ዘሎ: ኵላ ምድሪ ኽትፈልጥ እያ። እቲ ውግእሲ ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ: እግዚኣብሄር ብሴፍን ብዂናትን ከም ዘይኰነ ዜድሕን: ብዘላ እዛ ማሕበር እዚኣ ምእንቲ ኽትፈልጥ: ንሱ ንኣኻትኩም ኣብ ኢድና ኺህበና እዩ።” ብዙሕ ከይጸንሐ ጐልያድ ሞተ: ፍልስጥኤማውያን ድማ ሃደሙ።—1 ሳሙኤል 17:45-51
4. (ሀ) እታ ኣብ ሶርያ ተማሪኻ ዝነበረት ንእሽቶ እስራኤላዊትን ዮስያስን ነቲ ዓቢ ፈጣሪኦም ከም ዝዘከሩ እንታይ የርኢ፧ (ለ) ወዲ 12 ዓመት ከሎ የሱስ ንፈጣሪኡ ከም ዝዘከረ ብኸመይ ኣርኣየ፧
4 ነቲ ዓቢ ፈጣሪኣ ዝዘከረት ካልእ መንእሰይ ከኣ እታ ምርኽቲ እስራኤላዊት ኢያ። ንሰበይቲ እቲ ንእማን ዝበሃል ሓለቓ ሰራዊት ሶርያ ጽቡቕ ገይራ ስለ ዝመስከረትላ ንእማን ናብ ነብዪ ኣምላኽ ከደ: ካብ ለምጹ ሓወየ: ንየሆዋ ኸኣ ከምልኽ ጀመረ። (2 ነገስት 5:1-19) እቲ መንእሰይ ዝነበረ ንጉስ ዮስያስ እውን ብትብዓት ጽሩይ ኣምልኾ የሆዋ ከም ዘስፋሕፍሕ ገይሩ ኢዩ። (2 ነገስት 22:1–23:25) ይኹን እምበር: እቲ ገና ዕሸል ከሎ ነቲ ዓቢ ፈጣሪኡ ዝዘከረ የሱስ ናዝሬታዊ እቲ ዝበለጸ ኣብነት ኢዩ። ወዲ 12 ዓመት ከሎ እንታይ ከም ዝገበረ ርአ። ወለዱ በዓል ፋስጋ ንኸብዕሉ ንየሩሳሌም ሒዞምዎ ከዱ። ክምለሱ ኸለዉ ግን የሱስ ምስኦም ከም ዘየለ ኣስተብሃሉ እሞ: ክደልይዎ ንድሕሪት ተመልሱ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ግን ኣብቲ ቤት መቕደስ ምስቶም መማህራን ብዛዕባ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ክመያየጥ ጸንሖም። ነቲ ኣዲኡ ተጨኒቓ ዘቕረበትሉ ሕቶ ክምልስ ከሎ ኸኣ “ንምንታይሞ እትደልዩኒ፧ ኣብቲ ናይ ኣቦይ [“ቤት:” NW ] ዘበለ ክኸውን ከም ዚግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” ብምባል መለሰላ። (ሉቃስ 2:49) ኣብቲ ቤት መቕደስ: ‘ቤት ኣቦኡ’ ኰይኑ መንፈሳዊ ትምህርቲ ክረክብ ንየሱስ ኣገዳሲ ኢዩ ነይሩ። ሎሚ እውን ኣደራሻት መንግስቲ ብዛዕባ እቲ ዓቢ ፈጣሪና ርጡብ ፍልጠት ክንረኽበሉ እንኽእል ዝበለጸ ቦታ ኢዩ።
ሕጂ ንየሆዋ ዘክሮ!
5. ነቲ ኣብ መክብብ 12:1 ዘሎ ሓሳብ እቲ ሰባኺ ብናይ ገዛእ ርእስኻ ቃላት ብኸመይ ምገለጽካዮ፧
5 እቲ ብምሉእ ልቡ ንየሆዋ ዘምልኽ ሰብ ብእተኻእለ መጠን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ቀልጢፉ ክጅምርን ዝተረፈ ህይወቱ ንዕኡ ከገልግልን ኢዩ ዝብህግ። ይኹን እምበር: ሓደ ሰብ ንፈጣሪኡ ከይዘከረ ንንእስነቱ ብኸንቱ ምስ ዘሕልፎ እንታይ ተስፋ ኢዩ ዝህልዎ፧ እቲ ሰባኺ ብመንፈስ ተደሪኹ ከምዚ በለ:- “ክፉእ መዓልትታት ከይመጸ: ባህ ኣይበለንን እትበለሉ ዓመታት ከኣ ኸይቀረበ ኸሎ: ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ።”—መክብብ 12:1
6. እቶም ብዕድመ ደፊኦም ዝነበሩ ስምኦንን ሃናን ነቲ ዓቢ ፈጣሪኦም ከም ዝዘከሩ እንታይ መረጋገጺ ኣሎ፧
6 በተን ኣብ ግዜ እርጋን ዘለዋ ‘ክፉኣት መዓልትታት’ ባህ ዝብሎ ዋላ ሓደ ሰብ የለን። እቶም ንኣምላኽ ዘይረስዑ ኣረጋውያን ግን ሕጕሳት ኢዮም። ንኣብነት: እቲ ኣሪጉ ዝነበረ ስምኦን ኣብ ቤት መቕደስ ኰይኑ ነቲ ሕጻን ዝነበረ የሱስ ብምሕቋፍ ብሓጐስ ከምዚ በለ:- “ዎ ጐይታይ: ነቲ ንምብራህ ኣህዛብ ብርሃን: ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብረት ምእንቲ ኪኸውን: ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ዘዳሎኻዮ ምድሓንካ ኣዒንተይ ካብ ረአያስ: ሕጂ ኸምቲ ዘረባኻ ንባርያኻ ብሰላም ተፋንዎ ኢኻ።” (ሉቃስ 2:25-32) እታ ጓል ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝነበረት ሃና እውን ንፈጣሪኣ ዘኪራ ኢያ። ኵሉ ግዜ ናብቲ ቤት መቕደስ ትኸይድ ነበረት: የሱስ ናብቲ ቤት መቕደስ ክውሰድ ከሎ እውን ኣብኡ ነበረት። “ናብኡ መጺኣ ንኣምላኽ ኣመስገነቶ። ነቶም ምድሓን የሩሳሌም ዚጽበዩ ዅሎም ከኣ ብዛዕባኡ ተዛረበቶም።”—ሉቃስ 2:36-38
7. ኵነታት ናይቶም ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዝኣረጉ ከመይ ኢዩ፧
7 እቶም ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዝኣረጉ ሎሚ ዘለዉ መሰኻኽር የሆዋ ብሰንኪ እርጋን ዝመጽእ ቃንዛን ዓቕሚ ምስኣንን የጋጥሞም ይኸውን። እንተዀነ ግን: ኣየ ክሳዕ ክንደይ ሕጕሳት ኰን ኢዮም! ነቲ ብተኣማንነት ዝገበርዎ ኣገልግሎት ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነማስወሉ! የሆዋ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ሓይሊ ከም ዘለዎን ንየሱስ ክርስቶስ ከም ሓያል ሰማያዊ ንጉስ ገይሩ ኮፍ ከም ዘበሎን ስለ ዝፈልጡ “ሓጐስ እግዚኣብሄር” ኣለዎም። (ነህምያ 8:10) መንእሰያት ይኹኑ ዓበይቲ ነቲ “ኣጕባዝን ጐራዙትን: ዓበይቲ ምስ ናእሽቱ። ስሙ በይኑ ልዑል እዩ: ግርማኡ ኣብ ልዕሊ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ: ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎ” ዝብል ምሕጽንታ ከቕልብሉ ሕጂ ግዜኡ ኢዩ።—መዝሙር 148:12, 13
8, 9. (ሀ) እቲ “ክፉእ መዓልትታት” ዓስቢ ዘይብሉ ዝኸውን ንመን ኢዩ: ስለምንታይከ፧ (ለ) ንመክብብ 12:2 ብኸመይ ምገለጽካያ፧
8 ነቶም ብዛዕባ እቲ ዓቢ ፈጣሪኦም ዘይሓስቡ: ብዛዕባ እቲ ግርማ ዘለዎ ዕላማታቱ ኸኣ ዘይፈልጡ ሰባት እተን ኣብ ግዜ እርጋን ዘለዋ ‘ክፉኣት መዓልትታት’ ጥቕሚ የብለንን: ምናልባት እውን ዘጨንቓ ኢየን ዝዀና። ነቲ ኣብ ግዜ እርጋን ዘሎ ፈተናታት ከምኡውን ነቲ ሰይጣን ካብ ሰማይ ካብ ዝድርበ ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ወሪዱ ዘሎ ወዮ ንኽዋጽእሉ ክሕግዞም ዝኽእል መንፈሳዊ ምርዳእ የብሎምን። (ራእይ 12:7-12) ስለዚ ኸኣ ኢዩ እቲ ሰባኺ “ጸሓይን ብርሃንን ወርሕን ከዋኽብትን ከይጸልመቱ: ደበናታት ከኣ ድሕሪ ዝናም ከይተመልሰ” ንፈጣሪና ክንዝክሮ ዘተባብዓና። (መክብብ 12:2) ትርጕም ናይዘን ቃላት እዚኣተን እንታይ ኢዩ፧
9 ሰሎሞን ንግዜ ንእስነት ምስቲ ጸሓይ: ወርሒ: ከምኡውን ከዋኽብቲ ካብቲ ብሩህ ሰማይ ዘብርህሉ ግዜ ሓጋይ ናይ ጳለስጢና ኢዩ ኣመሳሲልዎ። ሽዑ ዝዀነ ይኹን ነገር ብሩህ ኢዩ ዝኸውን። ኣብ ግዜ እርጋን ግን መዓልትታት ሰብ ከምቲ ቈራርን ማይ ዝበዝሖን ክረምቲ: ሽግራት ተኸታቲሉ ዝረኣየሉ ግዜ ኢዩ ዝኸውን። (እዮብ 14:1) ብዛዕባ ፈጣሪ ፈሊጥካ ከተብቅዕ ኣብቲ ከም ሓጋይ ተመሲሉ ዘሎ ግዜ ንእስነት ካብ ምግልጋሉ ክትሰንፍ ግን ኣየ ክንደይ ዘሕዝን ኰን ኢዩ! ኣብቲ ከም ክረምቲ ተመሲሉ ዘሎ ግዜ እርጋን ብፍላይ ነቶም ኣብ ከንቱ ዝዀነ ነገራት ትሑዛት ብምንባሮም ኣብ ግዜ ንእስነቶም ንየሆዋ ከገልግሉ ዝነበሮም ኣጋጣሚ ዘይተጠቐምሉ ሰባት ኵሉ ነገር ጸልማት ኢዩ ዝዀኖም። ይኹን እምበር: ዕድመና ብዘየገድስ ከምቲ እሙን ብጻይ ናይቲ ነብዪ የሆዋ ዝነበረ ሙሴ: ካሌብ: ‘ንኣምላኽ ፈጺምና ንስዓቦ።’—እያሱ 14:6-9
እርጋን ዘምጽኦ ሳዕቤን
10. (ሀ) “ሓለውቲ ቤት” (ለ) “ብርቱዓት ሰብኡት” እንታይ የመልክት፧
10 ሰሎሞን ቀጺሉ “በታ ሓለውቲ ቤት ዜንቀጥቅጡላ: ብርቱዓት ሰብኡት ዚጕብጡላ: ጠሓንቲ ስለ ዝወሐዳ ዜብኵራላ: ጠማቶውን ኣብ መሳዅቲ ዚጽልምቱላ” ብምባል እቲ ዝስዕብ ጸገማት ይሕብር። (መክብብ 12:3) “ቤት” ንኣካላት ወድሰብ ኢዩ ዘመልክት። (ማቴዎስ 12:43-45፣ 2 ቈረንቶስ 5:1-8) “ሓለውቲ” ተባሂሉ ዘሎ እቲ ንኣካላት ዝከላኸለሉን ዘድልዮ ዝቕርበሉን ኣእዳው ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣእዳው ብምኽንያት ድኻም: ዕረፍቲ ምስኣን: ከምኡውን ምልማስ ኣብ ግዜ እርጋን የንቀጥቅጥ ኢዩ። “ብርቱዓት ሰብኡት” ማለት ኣእጋር ደጊም ድልዱላት ዓንዲ ኣብ ክንዲ ዝዀኑ ይደኽሙን ይዕጸፉን እሞ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ይዀኑ። እንተዀነ ግን: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣረጋውያን ኣመንቲ ብጾት ክትርእስ ኣየሐጕሰካንዶ፧
11. ብምሳልያዊ ኣዛራርባ “ጠሓንቲ” ከምኡውን ‘ጠማቶ ኣብ መሳዅቲ’ ንምንታይ ኢዩ ዘመልክት፧
11 ‘ጠሓንቲ ስለ ዝወሓዳ ኣብኲረን’ ኢየን። ከመይ ኢሉ፧ ኣስናን ይበላሾ ወይ ይረግፍ ይኸውን: እንተድኣ ኣሎ ኰይኑ ኸኣ ውሑድ ኢዩ ዝተርፍ። ዕጹም መግቢ ምሕያኽ ከቢድ ይኸውን ወይ ጨሪሱ ይተርፍ። እተን ‘ጠማቶ ኣብ መሳዅቲ’ ተባሂለን ዘለዋ ኣዒንቲ—ነቲ ንኽንርኢ ዝሕግዝ ናይ ምሕሳብ ክእለት ሓዊስካ—ጽልግልግ ይብላ ወይ ምሉእ ብምሉእ ይጠፍኣ።
12. (ሀ) ‘ናብ ኣደባባይ ዘእቱ ደጌታት ዝዕጾ’ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ብዛዕባ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣወጅቲ መንግስቲ እንታይ ርእይቶ ኣሎካ፧
12 እቲ ሰባኺ ቀጺሉ “ናብ ኣደባባይ ዜእቱ ደጌታት ከኣ ዚዕጸወላ መዓልቲ: ደሃይ መጥሓን ምስ ላሸወ: ድምጺ ኣዕዋፍ ሰሚዑ ምስ ዚትንስእ: ኵለን ደረፍቲ ኣዋልድ ድማ ምስ ላሕተታ” ይብል። (መክብብ 12:4) እቲ ክልተ ደጌታት ኣፍ ተባሂሉ ዘሎ ከናፍር ናይቶም ንኣምላኽ ዘየገልግሉ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት: ነቲ ኣብ “ቤት” ወይ ኣካላት ዘሎ ሓሳብ ንምግላጽ ኣጸቢቑ ኣይክፈትን ወይ ጨሪሱ ይዕጾ። ናብቲ ቅሉዕ ዝዀነ “ኣደባባይ” ዝወጽእ ነገር ከኣ ኣይህሉን። እቶም ኣረጋውያን ቀናኣት ኣወጅቲ መንግስቲኸ፧ (እዮብ 41:14) ካብ ቤት ናብ ቤት ንምግልጋል ቀስ ኢሎም ይኸዱ ከምኡውን እናተጸገሙ ይዛረቡ ይዀኑ: ንኣምላኽ ግን ብርግጽ ይውድስዎ ኢዮም!—መዝሙር 113:1
13. እቲ ሰባኺ ካልእ ጸገማት ናይቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ብኸመይ ኢዩ ዝገልጾ: ብዛዕባ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሓቀኛታት ክርስትያናትከ እንታይ ሓቂ ኢዩ ዘሎ፧
13 መግቢ በቲ ኣስናን ዘይብሉ ግርጻን ጥራይ ስለ ዝጠሓን ደሃይ መጥሓን ይጐድል። ኣረጊት ሰብ ጽቡቕ ድቃስ ኣይድቅስን ኢዩ። ድምጺ ኣዕዋፍ እኳ ከይተረፈ ይርብሾ ኢዩ። እቲ ዝደርፎ ደርፊ ውሑዱ ኢዩ: ዘውስኦ ዝዀነ ይኹን ዜማ ኸኣ ድኹም ኢዩ። እተን “ኵለን ደረፍቲ ኣዋልድ” ተባሂሉ ዘሎ ናይ ዜማ ኖታታት ‘ይልሕትት።’ ኣረጋውያን ካልኦት ዘዳለውዎ ሙዚቃን ዝደርፍዎ ደርፍን ክሰምዑ የጸግሞም ኢዩ። እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ቅቡኣትን ብጾቶምን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት መዝሙር ምስጋና ንኣምላኽ ንምዝማር ዓው ኢሎም ድምጾም የስምዑ ኢዮም። ንየሆዋ ኣብ ጉባኤ እናወደስዎ ኣብ መንጎና ክህልዉስ ኣየ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ!—መዝሙር 149:1
14. ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ እንታይ ፍርሂ ኢዩ ዘሳቕዮም፧
14 ኵነታት ናይ ዓበይቲ: ብፍላይ ድማ ናይቶም ንፈጣሪኦም ዕሽሽ ዝበሉ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዘሕዝን ኰን ኢዩ! እቲ ሰባኺ ከምዚ ይብል:- “ሽዑ ንበረኽቲ ይፈርሁ: ኣብ መገዲውን ይስምብዱ: ለውዚ ትዕምብብ: ኣንበጣ እኳ ይኸብድ [“ጐተት ይብል:” NW ]: ቀመም ከኣ ዊንታ ኣየለዐዕልን: ሰብ ናብ ናይ ዘለኣለም ማሕደሩ ይኸይድ እሞ: መልቀስቲ ኣብ ኣደባባያት ይዞሩ።” (መክብብ 12:5) መብዛሕትኦም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ኣብ መደያይቦታት ከይወድቁ ይፈርሁ ኢዮም። ኣብ ገለ ብርኽ ዝበለ ገጾም እንተ ጠሚቶም ጥራይ እኳ ጽርዉሩው ኢዩ ዝብሎም። ኣብ ሰብ ዝበዝሖ ኣደባባያት ምስ ዝወጹ ሓደጋ ከየጋጥሞም ወይ ሰረቕቲ ከየጥቅዕዎም ይፈርሁ።
15. ‘ለውዚ ዝዕምብብን’ ኣንበጣ ‘ዝጕተትን’ ብኸመይ ኢዩ፧
15 ኣረጊት ሰብኣይ ምስ ‘ምዕንባብ ለውዚ’ ተመሳሲሉ ኣሎ። እዚ ኸኣ ጸጕሩ ናብ ጨዓይ ገጹ: ደሓር ድማ ሻሽ ዝመስል ጻዕዳ ከም ዝኸውን ዘርኢ ኢዩ። እቲ ጻዕዳ ጸጕሪ ከም ናይ ለውዚ ዕምባባ ክረግፍ ይጅምር። ምናልባት ተጐቢጡ ኣእዳዉ ጠልጠል ብምባል ወይ ክልተ ኣእዳዉ ኣብ መዓንጣኡ ሒዙ ‘ጐተት ክብል’ ከሎ ኸኣ ኣንበጣ ኢዩ ዝመስል። ይኹን እምበር: ዝዀነ ይኹን ካባና ከምኡ ምስ ዝመስል ኣብ መንጎ እቶም ሓያላትን ፈጣናትን ዝዀኑ ከም ኣንበጣ ተመሲሎም ዘለዉ ሰራዊት ኣምላኽ ምህላውና ኣይንረስዕ!—ናይ 1 ግንቦት 1998 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 8-13 ርአ።
16. (ሀ) ‘ቀመም ዊንታ ኣየለዓዕልን’ ዝበሃል ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ‘ናይ ዘለኣለም ማሕደር’ ሰብ እንታይ ኢዩ: ሞት ምቕራቡ ዘርኢ ምልክታትከ ኣየናይ ኢዩ፧
16 እቲ መግቢ ቀመም እንተ ሃለዎ እውን ከይተረፈ ሸውሃት ናይቲ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ ከም ናይ ቀደሙ ኣይከውንን ኢዩ። ቀመም ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ከም መኽፈቲ ሸውሃት ክውዕል ጸኒሑ ኢዩ። ‘ቀመም ዊንታ ኣየልዕልን’ ክብል ከሎ እዚ ሸውሃት ንምኽፋት ዝጠቅም ነገራት እውን ከይተረፈ ናይ ምብላዕ ድሌቱ ወይ ዊንትኡ ኣየለዓዕለሉን ማለት ኢዩ። እዚ ኸኣ “ናብ ናይ ዘለኣለም ማሕደሩ” ማለት መቓብር ገጹ ይኸይድ ከም ዘሎ ኢዩ ዝሕብር። ንፈጣሪኡ ዘይዘከረ ከምኡውን ኣምላኽ ኣብ ትንሳኤ ከም ዘይዝክሮ ዝገብር ሕማቕ ኣነባብራ ዝነበሮ እንተድኣ ዀይኑ መቓብር ናይ ዘለኣለም መሕደሪኡ ይኸውን። እቲ ዝኣረገ ሰብ ዘውጽኦ ናይ ሓዘንን ቃንዛን ድምጽታት ከኣ ናብ ሞት ገጹ ይኸይድ ከም ዘሎ የረጋግጽ።
17. “ድሪ ብሩር” ዝለግስ ብኸመይ ኢዩ: ‘ፍዮ ወርቂኸ’ ንምንታይ ከመልክት ይኽእል፧
17 “ድሪ ብሩር ከይተበትከ: ፍዮ ወርቂ ኸይተጨፍለቐ: ዕትሮ ኣብ ዓይኒ ማይ ከይተሰብረ: መዘወር ኣብ ዔላ ኸይተጨፍለቐ” ኸሎ ንፈጣሪና ክንዝክሮ ከም ዘሎና ምሕጽንታ ቀሪቡልና ኣሎ። (መክብብ 12:6) እቲ “ድሪ ብሩር” ተባሂሉ ዘሎ ዓንዲ ሕቖ ኢዩ። እዚ ናብ ሓንጎል መልእኽትታት ዘመሓላልፍ መስመር እዚ ከም ዘይዕረ ኰይኑ ምስ ዝበላሾ ሞት ከም ዝመጽእ ርግጽ ኢዩ። “ፍዮ ወርቂ” ነቲ ኣብ ፍዮ ዝመስል ሽክና ርእሲ ተቐሚጡ ዘሎ ሓንጎል የመልክት። ዓንዲ ሕቖ ኸኣ ምስዚ እተተሓሓዘ ኢዩ። ሓንጎል ኣዝዩ ኣድላዪ ብምዃኑ ከም ወርቂ ይሕሰብ: ካብ ዕዮ ምስ ዘቋርጽ ከኣ ሞት ኢዩ ዝስዕብ።
18. እቲ ምሳልያዊ “ዕትሮ ኣብ ዓይኒ ማይ” እንታይ ኢዩ: ምስ ተሰብረኸ እንታይ የጋጥም፧
18 “ዕትሮ ኣብ ዓይኒ ማይ” ተባሂሉ ዘሎ ነታ ካብ ምሉእ ኣካላትና ዋሕዚ ደም እትቕበልን መሊሳ ኸኣ እትልእኽን ልቢ ኢዩ ዘመልክት። ኣብ ግዜ ሞት ልቢ እቲ ንኣካላትና ንምምጋብን ንምሕዳስን ኣድላዪ ዝዀነ ደም ኣይትቕበል: ኣይትዓቍር: ከምኡውን ኣይትጭንጕዕ ስለ እትኸውን ኣብ ዓይኒ ማይ ከም እተሰብረ ዕትሮ ትኸውን። እቲ ‘ኣብ ዔላ እተጨፍለቐ መዘወር’ ምንቅስቓስ የቋርጽ: እዚ ኸኣ ነቲ ህይወት ከም ዝቕጽል ዝገብር ዑደት ደም ከም ዝቋረጽ ይገብሮ። ስለዚ የሆዋ ንሰሎሞን ደም ኣብ ኣካላትና ከም ዝዘውር ዝነገሮ እቲ ኣብ መበል 17 ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ናይ ሕክምና ምሁር ዊልያም ሀርቪ ደም ኣብ ኣካላትና ዑደት ከም ዝገብር ቅድሚ ምፍላጡ ማለት ኢዩ።
19. እቲ ኣብ መክብብ 12:7 ዘሎ ቃላት ኣብ ግዜ ሞት ዝውዕል ብኸመይ ኢዩ፧
19 እቲ ሰባኺ ወሲኹ “መሬት ድማ: ከምቲ ዝነበሮ: ናብ ምድሪ ኸይተመልሰ: መንፈስውን ናብቲ ወሃቢኡ ኣምላኽ ከይተመልሰ” ይብል። (መክብብ 12:7) እቲ “መዘወር” ምስ ተጨፍለቐ: እቲ ካብ መሬት እተሰርሐ ኣካላት ሰብ ናብ መሬት ይምለስ። (ዘፍጥረት 2:7፣ 3:19) እቲ ብኣምላኽ ተዋሂቡ ዝነበረ መንፈስ ወይ ሓይሊ ህይወት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ፈጣሪና ስለ ዝኸውን እታ ነፍሲ ትመውት።—ህዝቅኤል 18:4, 20፣ ያእቆብ 2:26
ነቶም ፈጣሪኦም ዝዝክሩ እንታይ መጻኢ ኣለዎም፧
20. ሙሴ በቲ ኣብ መዝሙር 90:12 ተመዝጊቡ ዘሎ ቃላት ገይሩ ክጽሊ ኸሎ እንታይ ኢዩ ዝሓትት ነይሩ፧
20 ሰሎሞን ነቲ ዓቢ ፈጣሪና ምዝካር ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ኣርኣየ። ነቶም ንየሆዋ ዝዝክርዎን ብምሉእ ልቦም ከኣ ፍቓዱ ዝገብሩን ሰባት: ህይወት ማለት እዚ ብተዛማዲ ሓጺርን ሽግር ዝመልኦን ህይወት ጥራይ ከም ዘይኰነ ርግጽ ኢዩ። ዓበይቲ ይኹኑ ንኣሽቱ ብዘየገድስ ከም ኣረኣእያ ናይቲ “ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽንረክብሲ መዓልትታትና ኽንቈጽር ምሀረና” ብምባል ዝጸለየ ሙሴ ኢዩ ዘለዎም። እዚ ትሑት ዝነበረ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ንሱን ህዝቢ እስራኤልን ‘መዓልትታት ዓመታቶም’ ንኽቘጽሩ ከምኡውን በቲ ኣምላኽ ዝሰምሮ መገዲ ክጥቀምሉ ጥበብ ንኸዘውትሩ የሆዋ ክመርሖም ኢዩ ካብ ልቢ ዝጸለየ።—መዝሙር 90:10, 12
21. ንኽብሪ የሆዋ ኢልና መዓልትታትና ንምቝጻር እንታይ ኢና ክንገብር ዘሎና፧
21 ብፍላይ ክርስትያን መንእሰያት ነቲ ንፈጣሪ ምዝካር ከም ዘድሊ ዝገልጽ እቲ ሰባኺ ዝሃቦ ምኽሪ ከቕልብሉ ኣለዎም። ንኣምላኽ ቅዱስ ኣገልግሎት ከቕርብሉስ ኣየ ከመይ ዝበለ ሰፊሕ ኣጋጣሚ ኰን ኢዩ ዘሎዎም! ይኹን እምበር: ዕድመና ብዘየገድስ ኣብዚ “ዘመን መወዳእታ” ንኽብሪ የሆዋ ኢልና መዓልትታትና ምስ እንቘጽር: ንዘለኣለም ከምኡ ምግባር ክንቅጽል ንኽእል ኢና። (ዳንኤል 12:4፣ ዮሃንስ 17:3) ልክዕ ኢዩ ከምዚ ንኽንገብር ነቲ ዓቢ ፈጣሪና ክንዝክሮ ይግብኣና። ነቲ ኣምላኽ ከነማልኦ ዝሓተና ምሉእ ግዴታ እውን ክንፍጽም ኣሎና።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ መንእሰያት ንፈጣሪኦም ክዝክሩ ምሕጽንታ ዝቐርበሎም ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ገለ ካብቶም ነቲ ዓቢ ፈጣሪኦም ዝዘከሩ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘለዉ ኣብነታት መን ኢዮም፧
◻ ገለ ካብቲ ሰሎሞን ገሊጽዎ ዘሎ ኣብ ግዜ እርጋን ዘጋጥም ጸገማት እንታይ ኢዩ፧
◻ ነቶም ንየሆዋ ዝዝክርዎ ሰባት እንታይ መጻኢ ኢዩ ዘለዎም፧
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእልታት]
ዳዊት: እታ ምርኽቲ እስራኤላዊት ጓል: ሃና: ከምኡውን ስምኦን ንየሆዋ ዘኪሮምዎ ኢዮም
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእልታት]
ብዕድመ ዝደፍኡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ዓቢ ፈጣሪና ተሓጒሶም ቅዱስ ኣገልግሎት የቕርብሉ