“ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ዝነውሑ”
ኣብቲ ምልኩዕ ጐቦታት ሊባኖስ “ጽሕዲ ጐይታ” ዝብል ትርጕም ዘለዎ ኣርዝ ኣራብ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣእዋም ይበቍል። እዞም ሓደ ግዜ ጐቦታት ዝሽፍኑ ዝነበሩ መሰጥቲ ወትሩ ሓምላይ ዝዀኑ ኣእዋም ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ኦም ንላዕሊ ገለ 70 ዝኸውን ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ይርከቡ።
ቅዱሳት ጽሑፋት ነዚ ገዚፍ ጽሕዲ ሊባኖስ እዚ ንምግላጽ: “እተመርጸ” ከምኡውን “ግሩም” ዝብል ቃላት ይጥቀም። (መሃልየ መሃልይ 5:15፣ ህዝቅኤል 17:23) ጽሕዲ ገዚፍ: ዕንጸይቱ ድማ ተሪር ብምዃኑ ኣባይትን መራኽብን ንምስራሕ ከምኡውን ኣቝሑ ገዛ ንምስራሕ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ፍሉጥ ከም ዝኸውን ገይሩዎ ኢዩ። እቲ ምኡዝ ጨናን ሃሳስ ቀይሕ ሕብርን ናይቲ ዕንጸይቲ ኣዝዩ ደስ ዘብል ኢዩ። እቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ብዙሕ ዕንዲዳ ድማ ንኸይቍንቍንን ባልዕ ንኸይበልዖን ይከላኸለሉ ኢዩ። እቲ ኣእዋም ቍመቱ ክሳዕ 37 ሜትሮ: ዙርያኡ ድማ ክሳዕ 12 ሜትሮ ክበጽሕ ዝኽእል ብምዃኑ ኣዝዩ ነዊሕን ገዚፍን ኢዩ። ኣዕሚቑ ዘስፋሕፍሐ ድልዱል ሰራዉር ከኣ ኣለዎ። ገለ ዘመናውያን ምሁራት ስነ-ኣግራብ “ካብ ዓሌት ኣትክልቲ እቲ ዝበለጸ ግርማ ዘለዎ ኦም” ኢሎም እንተ ገለጽዎ እምበኣር ዘገርም ኣይኰነን!
ሓደ ካብ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ህዝቅኤል ብትንቢታዊ መገዲ ነቲ መሲሕ ምስ ሓንቲ ኣምላኽ ባዕሉ ሽዑ ዝተኽላ ጠጥዒ ጽሕዲ ኣመሳሰሎ። (ህዝቅኤል 17:22) ብሓቂ ክርአ ኸሎ: እታ “ጽሕዲ” እትብል ናይ እብራይስጢ ቃል ካብታ “ጽኑዕ ምዃን” ዝብል ትርጕም ዘለዋ ሱር ቃል ዝመጸት ኢያ። ብተመሳሳሊ: ሎሚ እቶም ሰዓብቲ እቲ መሲሕ የሱስ ክርስቶስ ዝዀኑ ሰባት ልክዕ ከምቲ ነዊሕን ድልዱልን ዝዀነ ጽሕዲ ‘ኣብ እምነት ክጸንዑ: ክብርትዑ’ የድልዮም። (1 ቈረንቶስ 16:13) ነዚ ብኸመይ ኢዮም ክገብርዎ ዝኽእሉ፧ ክርስትያናዊ ንዘይኰነ ጽልዋታት ኣበርቲዖም ብምቅዋም ከምኡውን ኣብ መገዲ ንጽህናን ኣምላኻዊ ተወፋይነትን ጸኒዖም ብምጽማም ኢዮም ክገብርዎ ዝኽእሉ። እቶም ከምዚ ዝገብሩ ሰባት: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ዝነውሑ . . . ጻድቃን” ተባሂሎም ተገሊጾም ኣለዉ።—መዝሙር 92:12፣ ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል