ኣብቲ ናይ ኣኽራን ኣጻድፍ ኣክሮባት ዝገብራ
ኣብ ጐድኒ ምዕራባዊ ገማግም ምዉት ባሕሪ: ዔን-ጌዲ ተባሂላ እትጽዋዕ ጥንታዊት ከተማን ኣብ ዙርያኣ ዘሎ ምድረ በዳን ይርከብ ነበረ። ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኣኻውሕ ዝመልኦ መተሓላለፊታትን ትኽ ዝበለ ኣጻድፍን ነታ ምስዘን ኣብዚ ስእሊ ዘለዋ እትመሳሰል ናይ ምድሪ ተስፋ ጤለ በዱ ዝሰማማዕ መንበሪ ቤት ኢዩ።
እዛ ሰንከልከል ዘይትብል ፍጥረት ሓንቲ ካብቶም ዘደንቑ ፍጥረት እንስሳ ኢያ። መጽሓፍ ቅዱስ ንገንጽል እሞ ነዛ እተደንቕ እንስሳ ዝያዳ ቅርብ ኢልና ንርኣያ።
“ነዋሕቲ ኣኽራን ንጤለ በዱ ኢዩ”
እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ብምባል ዘመረ። (መዝሙር 104:18 NW) ጤለ በዱ ኣብ በሪኽ ቦታታት ንምንባር ምሉእ ክአለት ኣለዋ! ኣብ ልዕሊ እቲ ሓባጥ ጐባጥ ኣኽራን ብምሉእ ምትእምማንን ቅልጣፈን ብምንቅስቓስ ካብ መጠን ንላዕሊ ንጥፍቲ ኢያ። እዚ ድማ ብኸፊሉ ብምኽንያት ኣፈጣጥራ ናይቲ ሸዀንኣ ኢዩ። እቲ ኣብ መንጎ ሸዀንኣ ዘሎ ስንጣቕ ብኽብደት ናይታ ጤለ በዱ ስለ ዝሰፍሕ እታ እንስሳ ኣብቲ ጸቢብ ቍልቍለት ናይቲ ኣኻውሕ ደው ክትብል ወይ ክትንቀሳቐስ ከላ ኣደልዲላ ንኽትረግጽ ይሕግዛ።
ጤለ በዱ ሚዛን ናይ ምሕላው ኣዝዩ ዝለዓለ ክእለት እውን ኣለዋ። ካብ ነዊሕ ቦታ ዘሊላ ንኣርባዕቲኡ ኣእጋራ መሊኡ ደው ከብሎ ኣብ ዘይክእል ጸድፊ ክትዓልብ ትኽእል ኢያ። ናይ ስነ-ህይወት ተመራማሪ: ዶግላስ ቻድዊክ ሓደ እዋን ካልእ ዝዓሌታ ጤለ በዱ ካብቲ ክትጥወየሉ ዘይትኽእል ኣዝዩ ጸቢብ ጸድፊ ምእንቲ ክትወጽእ ነቲ ሚዛን ናይ ምሕላው ክእለታ ክትጥቀመሉ ከላ ተዓዘበ። ከምዚ ይብል:- “እታ ጤለ በዱ ነቲ ኣብ ትሕቲኣ ዝነበረ ንቝልቁል 120 ሜትሮ ዝንውሓቱ ጸድፊ ምስ ረኣየቶ: ነተን ናይ ቅድሚት ኣእጋራ ተኺላ ሒዛ ነቲ ናይ ድሕሪት ኣእጋራ ኣብቲ ከውሒ ሓፍ ኣቢላ ብምድጋፍ: ልክዕ ትግልበጥ ከም ዘላ ቀስ ኢላ ኣውረደቶ። ካብ ምግራም እተላዕለ ሃህ ኢለ ክጥምት ከሎኹ: እታ ጤለ በዱ ነቲ ናይ ድሕሪት ኣእጋራ ኣብ ምድሪ ኣውሪዳ ናብቲ ዝመጸትሉ ኣንፈት ክሳዕ እትጥምት ምዝዋር ቀጸለት።” (ናሽናል ጂኦግራፊክ [እንግሊዝኛ]) ጤለ በዱ “ኣብቲ ናይ ኣኽራን ኣጻድፍ ኣክሮባት ዝገብራ” እንስሳታት እንተ ተባህላስ ዘገርም ኣይኰነን!
“ነቲ ጤለ በዱ እትወልደሉ ጊዜ ትፈልጦዶ፧”
ጤለ በዱ ሓፋር ፍጥረት ኢያ። ካብ ሰብ ርሒቓ ክትነብር ኢያ እትደሊ። ብርግጽ: ሰባት ኣብቲ ዘገዳማዊ ናብራ ከላ ምእንቲ ክዕዘብዋ ጥቓኣ ንምቕራብ ጸገም ኣለዎም። ስለዚ ኸኣ ኢዩ እቲ ዋና ናይቶም ‘ኣብ ኣሻሕ ኣኽራን ዘለዉ እንስሳ በረኻ:’ ነቲ እዮብ እተባህለ ሰብኣይ “ነቲ ጤለ በዱ እትወልደሉ ጊዜ ትፈልጦዶ፧” ብምባል ብልክዕ ክሓቶ ዝኸኣለ።—መዝሙር 50:10፣ እዮብ 39:1
እታ ኣንስተይቲ ጤለ በዱ በቲ ኣምላኽ ዝሃባ ባህርያዊ ክእለት እትወልደሉ ግዜ ምስ ኣኸለ ትፈልጦ ኢያ። ዕቝባ ዘለዎ ቦታ ትደሊ እሞ: መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መወዳእታ ግንቦት ወይ ከኣ ኣብ ሰነ ሓደ ወይ ክልተ መሓስእ ትወልድ። እቶም ሓደስቲ እተወልዱ መሓስእ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት ሰንከልከል ናይ ዘይምባል ልምዲ የጥርዩ።
“ፍትውቲ ዋላ: ጽብቕቲ ጤለ በዱ”
ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን ንሰብኡት ከምዚ ብምባል ይላበዎም:- “በታ ሰበይቲ ንእስነትካ ባህ ይበልካ። ፍትውቲ ዋላ: ጽብቕቲ ሜዳቝ [“ጤለ በዱ:” NW ] ትዅነልካ።” (ምሳሌ 5:18, 19) እዚ ንደቀ ኣንስትዮ ንምንኣስ እተዘርበ ኣይኰነን። ሰሎሞን ብዛዕባ መልክዕ: ግርማ: ከምኡውን ካልእ ብሉጽ ባህርያት ናይዘን እንስሳታት እዚኣተን ይዛረብ ከም ዝነበረ ፍሉጥ ኢዩ።
ጤለ በዱ ካብቶም ንጥበብ ፈጣሪ ዘደንቕ ምስክርነት ዝህቡ ማእለያ ዘይብሎም ‘ህያዋን ነፍሳት’ ኢያ። (ዘፍጥረት 1:24, 25) ኣምላኽ ኣብ ከባቢና ኣዝዮም ብዙሓት ዘደንቑ ፍጥረታት ስለ ዝፈጠረስ ኣይንሕጐስንዶ፧
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Courtesy of Athens University