ትምህርቲ 14
ኣምልኾና ንኣምላኽ ባህ ዜብል ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
ኣብ ዝሓለፈት ትምህርቲ ኸም ዝረኣናዮ፡ ኵለን ሃይማኖታት ኣይኰናን ንኣምላኽ ባህ ዜብላኦ። ኰይኑ ግና፡ ንፈጣሪና በቲ ንዕኡ ዜሐጕሶ መገዲ ኸነምልኾ ንኽእል ኢና። እሞ ደኣ ንዕኡ ባህ ዜብሎ “ኣምልኾ [ወይ፡ ሃይማኖት]” እንታይ እዩ፧ (ያእቆብ 1:27፡ እግረ ጽሑፍ) መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚምህር እስከ ንርአ።
1. ኣምልኾና ኣብ ምንታይ እዩ ኺምስረት ዘለዎ፧
ኣምልኾና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምስረት ኣለዎ። የሱስ ንኣምላኽ፡ “ቃልካ ሓቂ እዩ” ኢልዎ እዩ። (ዮሃንስ 17:17) ገሊአን ሃይማኖታት ነቲ ኣብቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ዕሽሽ ይብላኦ እየን። ብልምድታትን ብስርዓታትን ሰብ ይትክኣኦ እየን። የሆዋ ግና በቶም “ትእዛዝ ኣምላኽ [ዜፍርሱ]” ባህ ኣይብሎን እዩ። (ማርቆስ 7:9 ኣንብብ።) በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ናብ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ለጊብናን ምኽሩ እንተ ስዒብናን፡ ንልቡ ነሐጕሶ ኢና።
2. ብኸመይ ኢና ንየሆዋ ኸነምልኾ ዘሎና፧
የሆዋ ፈጣሪና ስለ ዝዀነ፡ ንዕኡ በይኑ ተወፋይነት ይግብኦ እዩ። (ራእይ 4:11) ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ጣኦት፡ ስእሊ፡ ወይ ምስሊ ኸይተጠቐምና ንዕኡ ጥራይ ከነፍቅሮን ከነምልኾን ኣሎና ማለት እዩ።—ኢሳይያስ 42:8 ኣንብብ።
ኣምልኾና “ቕዱስን ንኣምላኽ ቅቡልን” ኪኸውን ይግባእ። (ሮሜ 12:1) እዚ ኺብሃል ከሎ ኸኣ፡ ብስነ ምግባራዊ መለክዒታቱ ኽንመላለስ ኣሎና ማለት እዩ። ንኣብነት፡ እቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ፡ ነቲ ብዛዕባ መውስቦ ዜውጽኦ መለክዒታቱ እውን ይፈትውዎን ይስዕብዎን እዮም። ካብ ከም ምትካኽ ትምባኾን ምውሳድ ሓሽሽን ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተን ዝኣመሰለ ጐዳኢ ልማዳት እውን ይርሕቁ እዮም።a
3. ንየሆዋ ምስ ክርስትያናት ብጾትና ሓቢርና ኸነምልኾ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
ሰሙናዊ ኣኼባታትና፡ “ኣብ ጉባኤ” “ንየሆዋ [ኽንውድሶ]” ኣጋጣሚ ይህበና እዩ። (መዝሙር 111:1, 2) ሓደ ኻብቲ ኸምኡ እንገብረሉ መገዲ፡ ንኣምላኽ ዚውድስ መዝሙር ብምዝማር እዩ። (መዝሙር 104:33 ኣንብብ።) የሆዋ ስለ ዜፍቅረና፡ ኣብ ኣኼባታት ክንእከብ ይደልየና እዩ፣ ኣብ ኣኼባታት ምእካብ ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ ከም ዚሕግዘና ይፈልጥ እዩ። ንሓድሕድና ንምትብባዕ ክንእከብ ከለና፡ ንጥቀም ኢና።
ኣዕሚቝካ ዅዓት
የሆዋ፡ ኣብ ኣምልኾና ምስልታት ክንጥቀም ዘይፈቕደሉ ምኽንያት መርምር። ንኣምላኽ ክንውድሰሉ ዚግባእ ኣገዳሲ መገድታት ተምሃር።
4. ኣብ ኣምልኾና ምስልታት ክንጥቀም የብልናን
ከምኡ ምግባር ንኣምላኽ ከም ዜጕህዮ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧ ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ገሊኦም ህዝቢ ኣምላኽ ብጣኦት ገይሮም ንኣምላኽ ኬምልኽዎ ምስ ፈተኑ፡ እዚ እንታይ ኣስዒቡ፧
ገሊኦም ሰባት ናብ ኣምላኽ ከም ዝቐረቡ ዀይኑ ምእንቲ ኺስምዖም ኣብ ኣምልኾኦም ምስልታት ይጥቀሙ እዮም። ከም ሓቂ ግና፡ ከምኡ ምግባር ንኣምላኽ የርሕቆ ደዀን ይኸውን፧ ዘጸኣት 20:4-6ን መዝሙር 106:35, 36ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
ሰባት ኣብ ኣምልኾኦም እንታይ ነገራት ወይ ምስልታት ኪጥቀሙ ርኢኻ፧
የሆዋ ብዛዕባ ምስልታት እንታይ ይስምዖ፧
ንስኻ ብዛዕባ ምስልታት እንታይ ይስምዓካ፧
5. ንየሆዋ ጥራይ ምምላኽ፡ ካብ ግጉይ ሓሳባት ሓራ የውጽኣና
ንየሆዋ ቕቡል ብዝዀነ መገዲ ምምላኽ፡ ካብ ግጉይ ሓሳባት ብኸመይ ሓራ ኸም ዜውጽኣና ርአ። ቪድዮ ኣጻውት።
መዝሙር 91:14 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
• ንየሆዋ ጥራይ ብምምላኽ ንዕኡ ኸም እንፈትዎ እንተ ኣርኢና፡ ንሱ እንታይ ከም ዚገብረልና እዩ ተዛሪቡ ዘሎ፧
6. ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ንኣምላኽ ነምልኾ ኢና
ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ብምዝማርን ሓሳባት ብምሃብን፡ ንየሆዋ ንውድሶ፡ ንሓድሕድና እውን ንተሃናነጽ ኢና። መዝሙር 22:22 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
ኣብ ኣኼባታት ሓሳባት ምስማዕ የሐጕሰካዶ፧
ንስኻ ሓሳብ ንምሃብ ክትዳሎ ትደሊዶ፧
7. ነቲ እተምሃርናዮ ንኻልኦት ክንነግር ከለና፡ የሆዋ ባህ ይብሎ
ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ክንነግረሉ እንኽእል ብዙሕ መገድታት ኣሎ። መዝሙር 9:1ን 34:1ን ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ንሰብ ክትነግሮ እትደሊ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተምሃርካዮ እንታይ ሓሳባት ኣሎ፧
ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “ንኣምላኽ ባህ ከተብሎ ኣይከኣልን እዩ።”
እንታይ ይመስለካ፧
ጽማቝ
ፈጣሪና ንዕኡ በይኑ ኸነምልኾ ኸለና፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኽንውድሶ ኸለና፡ እቲ እተምሃርናዮ ኸኣ ንኻልኦት ክንነግር ከለና፡ ባህ ይብሎ እዩ።
ክለሳ
ንኣምላኽ ቅቡል ብዝዀነ መገዲ ብኸመይ ከም እነምልኾ ኸመይ ጌርና ኽንፈልጥ ንኽእል፧
ስለምንታይ ኢና ንየሆዋ በይኑ ኸነምልኾ ዚግባእ፧
ንኣምላኽ ባህ ኬብሉ ምስ ዚደልዩ ኻልኦት ሓቢርና ኸነምልኽ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
ዳህስስ
“ድሕሪ ደጊም ባርያ ጣኦታት ዘይምዃነይ የሐጕሰኒ እዩ” ኣብ ዘርእስቱ ታሪኽ ህይወት፡ ሓንቲ ሰበይቲ ኻብ ኣምልኾ ጣኦታት ብኸመይ ናጻ ኸም ዝዀነት ኣንብብ።
ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ሓሳብ ንምሃብ እንታይ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእል ተምሃር።
ሓደ መንእሰይ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ምእካብ እኳ እንተ ኸበዶ፡ ካብኡ ግና ብኸመይ ከም እተጠቕመ ርአ።
ብዙሓት ሰባት ንመስቀል ምስ ክርስትና የተሓሕዝዎ እዮም፣ ኰይኑ ግና፡ ንመስቀል ኣብ ኣምልኾና ኽንጥቀመሉስ ግቡእ ድዩ፧
a እዚ ጕዳያት እዚ፡ ድሒሩ ኣብ ዚህሉ ትምህርትታት ኪግለጽ እዩ።