ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: መጽሓፍ ቍጽሪ 58 እብራውያን
ጸሓፊ:- ጳውሎስ
እተጻሕፈትሉ ቦታ:- ሮሜ
ተጻሒፋ እተዛዘመትሉ:- ከባቢ 61 ድ.ክ.
ጳውሎስ ን“ኣህዛብ” ሃዋርያኦም ብምዃኑ እዩ ኣጸቢቑ ዚፍለጥ። ኣገልግሎቱ ግን ኣብቶም ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባት ጥራይ እተሓጽረ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን። ጳውሎስ ቀቅድሚ ምጥማቑን ንዕዮኡ ምምዛዙን: ጐይታና የሱስ ንሃናንያ: “እዚ ሰብኣይ እዚ [ጳውሎስ] ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ኣብ ቅድሚ ነገስታትን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤልን ስመይ ኪጸውር: ንኣይ ሕሩይ ኣቕሓ እዩ” በሎ። (ግብ. 9:15፣ ገላ. 2:8, 9) መጽሓፍ እብራውያን ምጽሓፉ: ብሓቂ ምስቲ ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ስም የሱስ ኪጸውር እተዋህቦ መዝነት ዚሰማማዕ እዩ።
2 ይኹን እምበር: ገሊኦም ሓያስያን: ንእብራውያን ዝጸሓፋ ጳውሎስ ምዃኑ ይጠራጠሩ እዮም። ሓደ ዜቕርብዎ ምኽንያት ስም ጳውሎስ ኣብታ መልእኽቲ ዘይተጠቕሰ ምዃኑ እዩ። ብዙሕ ካልእ ቀኖናዊ መጻሕፍቲ ንጸሓፊኡ ስለ ዘይጠቅስ: የግዳስ ብውሽጣዊ መርትዖ ስለ ዚልለ: እዚ ዕንቅፋት ኪበሃል ኣይከኣልን እዩ። ብተወሳኺ: ገሊኦም ስም ጳውሎስ ኣብ ኣይሁድ ጽሉእ ስለ ዝነበረ: ነቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ እብራውያን ክርስትያናት ኪጽሕፈሎም ከሎ: ደይ መደይ ኢሉ ስሙ ኸም ዘይጸሓፈ ይስምዖም። (ግብ. 21:28) ጳውሎስ ኣብዛ መልእኽቲ እዚኣ ኻብቲ ኣብ ካልእ መልእኽትታት ዚጥቀመሉ ኣገባብ ኣጸሓሕፋ ለውጢ ምግባሩ እውን: ንሱ ኣይጸሓፋን ዜብል ኣይኰነን። ከመይሲ: ንኣረማውያን ኰነ ንኣይሁድ ኰነ ወይ ንክርስትያናት ኪዛረቦም ከሎ: ‘ንዅላቶም ኵሉ ናይ ምዃን’ ክእለት ኣርእዩ እዩ። ኣብዚ ንኣይሁድ ከም ኣይሁዳዊ ዀይኑ እዩ ዜረድኦም ነይሩ: እቲ መጐተኡ ድማ ኣይሁድ ምሉእ ብምሉእ ኪርድእዎ ዚኽእሉ ነበረ።—1 ቈረ. 9:22
3 ኵሉ እቲ ውሽጣዊ መርትዖ እታ መጽሓፍ: ጳውሎስ ከም ዝጸሓፋ ዜረጋግጽ እዩ። እቲ ጸሓፊ ኣብ ኢጣልያ ምንባሩን ምስ ጢሞቴዎስ ርክብ ከም ዝነበሮን ተሓቢሩ ኣሎ። እዚ ሓቅታት እዚ ምስ ኵነታት ጳውሎስ ዚሰማማዕ እዩ። (እብ. 13:23, 24) ብዘይካዚ: እቲ መጐተታት ነታ እተላእከላ ጉባኤ እብራውያን ንኺስሕብ ተባሂሉ ብመሰረት ኣረኣእያ ኣይሁዳዊ እኳ እንተ ቐረበ: እቲ ትምህርቲ ግን ጳውሎስ ዚጥቀመሉ ኣመሃህራ እዩ። ክላርክ ብዛዕባ እብራውያን ኣብታ ኮመንታሪ: 6ይ ጥራዝ: ገጽ 681: ከምዚ በለ:- “ንኣይሁድ ከም እተጻሕፈት: ብምሉኡ ቕርጺ እታ መልእኽቲ ይሕብር እዩ። ንኣህዛብ ተጻሒፋ ነይራ እንተ ትኸውን: ንስርዓት ኣይሁድ ስለ ዘይፈልጥዎ: ሓደ ኻብ ዓሰርተ ሽሕ እኳ ነቲ መጐተ ኣይምተረድኦን፣ እቲ ጸሓፊ እዛ መልእኽቲ እዚኣ ግን ኣብ ኵሉ እቲ ጽሑፉ ነዚ ፍልጠት እዚ ኺህልዎም ትጽቢት ገይሩ ነይሩ እዩ።” እዚ ድማ ነቲ እታ መልእኽቲ ምስ ካልእ መልእኽትታት ጳውሎስ ክትነጻጸር ከላ ኣብ ኣገባብ ኣጸሓሕፋኣ ዘሎ ለውጢ ጸልይዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
4 ብ1930 ኣቢሉ ፓፒሩስ ቸስተር ቢቲ ቍ. 2 (P46) ኪርከብ ምኽኣሉ: ጳውሎስ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ኸም ዝጸሓፋ ተወሳኺ መርትዖ ዀይኑ እዩ። እቲ ውሩይ ብሪጣንያዊ ሓያሲ ጽሑፍ ዝዀነ ሰር ፍረደሪክ ከንዮን ብዛዕባ እዚ ድሕሪ ሞት ጳውሎስ ሓደ ዘመንን ፈረቓን ጥራይ ዚኸውን ጸኒሑ እተጻሕፈ ኮዴክስ ፓፒሩስ ከምዚ በለ:- “[መጽሓፍ] እብራውያን ደድሕሪ [መጽሓፍ] ሮሜ ምስፋራ (ዳርጋ ቕድሚኡ ዘይተራእየ ኣቀማምጣ) ኸነተኵረሉ ዚግባእ እዩ፣ እዚ ኸኣ ብግዜ ጥንቲ እዚ ኢደ-ጽሑፍ ኪጸሓፍ ከሎ: ጳውሎስ [ነታ መልእኽቲ ኸም] ዝጸሓፋ ዜጠራጥር ከም ዘይነበረ ይሕብር።”a ማክሊንቶክን ስትሮንግን ዘዳለውዎ ሳይክሎፔድያ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ: “ብዘይካ ንጳውሎስ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ኸም ዝጸሓፋ ንዝገለጸ ዝዀነ ይኹን ሰብ ዚድግፍ ኣገዳሲ ደጋዊ ዀነ ውሽጣዊ መርትዖ የልቦን” ብምባል ንጹር ሓበሬታ ሂቡ ኣሎ።b
5 መጽሓፍ እብራውያን ብቐዳሞት ክርስትያናት ተቐባልነት ኣብ ልዕሊ ምርካባ: ትሕዝቶኣ እውን “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ” ምዃኑ የረጋግጽ። ቅድሚኣ ኻብ ዘሎ ጽሑፋት ብዙሕ ሳዕ ብምጥቃስ: ንኣንባቢ ብተደጋጋሚ ናብ ትንቢታት ቅዱሳት ጽሑፋት ተመልክቶ: እዚ ዅሉ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ብኸመይ ከም እተፈጸመ ድማ ተርኢ። ኣብታ ቐዳመይቲ ምዕራፍ ጥራይ: እቲ ወዲ ሕጂ ኻብ መላእኽቲ ኸም ዚበልጽ ንምሕባር: ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኻብ ሸውዓተ ዘይውሕድ ጥቕስታት ጠቒሳ ኣላ። የሱስ ራእሲ ህይወት ምዃኑን ክርስቶስ ዝንጉሳ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ በይና ተስፋ ደቅሰብ ምዃናን ብምሕባር: ቃልን ስምን የሆዋ ብተደጋጋሚ ተዕቢ።
6 ንእተጻሕፈትሉ ግዜ ብዚምልከት: ጳውሎስ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ኣብ ኢጣልያ ኸሎ ኸም ዝጸሓፋ ድሮ ተሓቢሩ ኣሎ። ነታ መልእኽቲ ኺዛዝማ ኸሎ: “ጢሞቴዎስ ሓውና ኸም እተፈትሔ: ፍለጡ: ንሱ ቐልጢፉ እንተ መጸ: ምስኡ ኽርእየኩም እየ” በለ። (13:23) እዚ ድማ ጳውሎስ ካብ ማእሰርቲ ኣቐዲሙ ኺፍታሕ ይጽበ ምንባሩን እቲ ኣቐዲሙ ተኣሲሩን ድሮ ተፈቲሑን ዝነበረ ጢሞቴዎስ ኬሰንዮ ተስፋ ምግባሩን ዚሕብር ይመስል። ስለዚ: ኣብታ ናይ መወዳእታ ዓመት እቲ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ እተኣስረሉ ቐዳማይ ማእሰርቲ: ማለት ኣብ 61 ድ.ክ. ተጻሒፋ ኽትከውን ኣለዋ።
7 እቲ ስርዓት ኣይሁድ ናብ መወዳእታኡ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን: እቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ: ብፍላይ ከኣ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ እብራውያን ክርስትያናት ወሳኒ ፈተና እተፈተኑሉ እዋን እዩ ነይሩ። እቲ ብስራት ብምዕባዩን ብምዝርጋሑን: ኣይሁድ ብክርስትያናት ተመሪሮምን ኣመና ጥሩፋት ኰይኖምን ነበሩ። ቅድሚ ሒደት ዓመታት: ጳውሎስ ኣብ የሩሳሌም ስለ እተራእየ ጥራይ ናዕቢ ተላዕለ: እቶም ሃይማኖታውያን ኣይሁድ ድማ ድምጾም ዓው ኣቢሎም: “ከምዚ ዝበለ ሰብ ብህይወት ኪነብር ኣይግብኦን እዩ እሞ: ካብ ምድሪ ይርሐቕ” ኢሎም ጨደሩ። ልዕሊ 40 ዝዀኑ ኣይሁድ ክሳዕ ዚቐትልዎ ኸይበልዑን ከይሰትዩን ተመሓሓሉ፣ ሮማውያን ብለይቲ ናብ ቂሳርያ ንኼውርድዎ ኸኣ ክሳዕ ኣፍንጫኦም እተዓጥቁ ሰራዊት ኣድልዮምዎም ነበሩ። (ግብ. 22:22፣ 23:12-15, 23, 24) ኣባላት እታ ጉባኤ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃይማኖታዊ ጥሩፍነትን ጽልኢ ክርስትያናትን ዝሰፈነሉ ሃዋህው: ኪነብሩን ኪሰብኩን ብእምነት ኪጸንዑን ነበሮም። ናብ ኣይሁድነትን ናብቲ ድሕሪ ደጊም ከንቱ ጽምብል ዝዀነ ምሕላው ሕጊ ሙሴን ናይ እንስሳታት መስዋእትታቱን ምእንቲ ኸይምለሱ: ክርስቶስ ብኸመይ ነቲ ሕጊ ኸም ዝፈጸሞ እኹል ፍልጠትን ምርዳእን ኪህልዎም ነበሮ።
8 ንኣይሁድ ክርስትያናት ዚወርዶም ዝነበረ ጸቕጥን መስጐጕትን: ካብ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዝሓሸ መገዲ ኺርድኦ ዚኽእል ካልእ ኣይነበረን። ልምድታት ኣይሁድ ጌጋ ምዃኑ ሓያል መጐተን መርትዖን ንምቕራብ እተዓጥቀ: ካብቲ ኣቐዲሙ ፈሪሳዊ ዝነበረ ጳውሎስ ዚሓይሽ ሰብ ኣይነበረን። ኣብ እግሪ ገማልኤል ስለ እተማህረ: በቲ ብዛዕባ ሕጊ ሙሴ ዘለዎ ሰፊሕ ፍልጠት ተጠቒሙ: ክርስቶስ ፍጻመ እቲ ሕጊ ሙሴን ስርዓታቱን መስዋእትታቱን ምዃኑ ዘየማትእ መርትዖ ኣቕረበሎም። እዚ ነገራት እዚ ብዝያዳ ግርማዊ ሓቂ ኸም እተተክአ: ኣብ ትሕቲ ሓድሽን ዝሓሸን ኪዳን ከኣ ማእለያ ዘይብሉ ዝዓበየ ረብሓታት ከም ዜምጽኣሎምን ሓበሮም። በቲ በሊሕ ኣእምሮኡ ገይሩ ብንጹርን ብዜእምንን መገዲ መርትዖታት ደርደረሎም። መወዳእታ ሕጊ ኺዳንን ምምጻእ ሓድሽ ኪዳንን: ክህነት ክርስቶስ ካብ ክህነት ኣሮን ዘለዎ ብልጫ: ናይ ሓቂ ዋጋ መስዋእቲ ክርስቶስ ምስቲ መስዋእትታት ኣረውሕን ድቤላታትን ዘለዎ ንጽጽር: ክርስቶስ ናብ ምድራዊ ድንኳን ዘይኰነስ ናብቲ የሆዋ ብሓቂ ዘለወሉ ሰማያት ምእታዉ—ኰታስ ኵሉ እዚ በቶም ዘይኣመንቲ ኣይሁድ ኣመና ዚጽላእ መሳጢ ሓድሽ ትምህርትታት: ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እኹል መርትዖ ብምጥቃስ ንእብራውያን ክርስትያናት ስለ ዝቐረበሎም: ንዝዀነ ይኹን ሚዛናዊ ኣይሁዳዊ ዜእምን እዩ ነይሩ።
9 እቶም እብራውያን ክርስትያናት ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ብምርካቦም: ኣፍ እቶም ዜሳጕጕዎም ኣይሁድ ንምዕባስ: ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ንዚደልዩ ቕኑዓት ኣይሁድ ከኣ ብመርትዖ ኣእሚኖም ክርስትያናት ከም ዚዀኑ ንምግባር ዜኽእል ሓድሽን ብርቱዕን ኣጽዋር ረኸቡ። እታ መልእኽቲ ነታ ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት ዝነበረቶ ዓማቝ ፍቕርን ኣብቲ ብዙሕ ሓገዝ ዜድልዮም እዋን ብግብራዊ መገዲ ንኺሕግዞም ዝነበሮ ብርቱዕ ባህግን ተርኢ።
ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧
23 እታ ናብ እብራውያን እተላእከት መልእኽቲ ንክርስቶስ ዚድግፍ ሕጋዊ መጐተ ብምቕራብ ዝመጸ: ብውሕሉል መገዲ እተሰርዐትን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዝቐረበ መርትዖታት ዝመልአትን መወዳድርቲ ዘይብላ ጽሕፍቲ እያ። ንእተፈላለየ መዳያት ሕጊ ሙሴ: ማለት ነቲ ኺዳን: ነቲ ደም: ነቲ ማእከላይ: ነቲ ድንኳን ኣምልኾ: ነቲ ኽህነት: ከምኡውን ነቲ መስዋእቲ ኣብ ግምት ተእቱ፣ ኵሉ እዚ ነገራት እዚ ብክርስቶስ የሱስን መስዋእቱን ዚዛዘምን ነቲ ሕጊ ዚፍጽሞን ኰይኑ ነቲ ዚመጽእ ዝዓበየ ነገር ዜመልክት ምሳሌ ጥራይ ምዃኑ ትሕብር። ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ሕጊ: “እቲ ዝአረገን ዝበለየን ግና ንጥፍኣት ቀረባ እዩ” በለ። ኰይኑ ግን: “የሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለምን ንሱ እዩ።” (8:13፣ 13:8፣ 10:1) እቶም እብራውያን ነዛ ናባታቶም እተላእከት መልእኽቲ ኼንብብዋ ኸለዉስ ክሳዕ ክንደይ ተሓጒሶም ኰን ኪዀኑ ኣለዎም!
24 እዚ ግን ሎሚ ኣብ እተፈልየ ዅነታት ንእንነብር ዘለና እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧ ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንና: ካብቲ ጳውሎስ ዘቕረቦ መጐተ ገለ ጥቕሚ ኽንረክብ ንኽእልዶ፧ ብርግጽ ንረክብ ኢና። እቲ ንኣብርሃም ብዘርኡ ዓሌታት ኵላ ምድሪ ኸም ዚባረኹ ኣብ እተኣትወሉ መብጽዓ እተመርኰሰ ዓብዪ ሓድሽ ኪዳን ብኸመይ ከም እተሰርዐ ተገሊጹልና ኣሎ። እዚ የሆዋ በቲ ዘርኢ ኣብርሃም ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ በረኸት ከም ዜፍስስ ዝኣተዎ ጥንታዊ መብጽዓ: ህይወት ንምርካብ ዜኽእለና እንኮ ተስፋ እዩ። ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ እኳ እንተ ዘይኰንና: ዘርኢ ኣዳም ስለ ዝዀንና ብሓጢኣት ኢና ተወሊድና፣ ስለዚ: ብቑዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ኬቕርብ: ኣብቲ የሆዋ ዘለዎ ሰማይ ኣትዩ ኸኣ ኬማልደልና ዚኽእል መሓሪ ሊቀ ኻህናት የድልየና። ኣብዚ ድማ ናብታ ናይ የሆዋ ሓዳስ ዓለም ኪመርሓና ዚኽእል: “ብዅሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ” ብምዃኑ ብድኻምና ኺድንግጸልና ዚኽእል: ከምኡውን “ምሕረት ምእንቲ ኽንቅበል: ብጊዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብ: ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ” ኽንቀርብ ዜተባብዓና ሊቀ ኻህናት ንረክብ።—4:15, 16
25 ብተወሳኺ: ኣብታ ጳውሎስ ናብ እብራውያን ዝለኣኻ መልእኽቲ: ነዊሕ ይገብር ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እተመዝገበ ትንቢታት ጸኒሑ ብዜደንቕ መገዲ ኸም እተፈጸመ ዚሕብር ዜነቓቕሕ መርትዖ ንረክብ። እዚ ዅሉ ሎሚ ንትምህርትናን ንምጽንናዕናን ይኸውን። ንኣብነት: ጳውሎስ ኣብ እብራውያን ነቲ ኣብ መዝሙር 110:1 ዚርከብ ትንቢት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብቲ “ጸላእቱ መርገጽ እግሩ ኽሳዕ ዚዀኑ” ንኺጽበ ኢሉ “ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠ” ዘርኢ እታ መንግስቲ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣውዒልዎ ኣሎ። (እብ. 12:2፣ 10:12, 13፣ 1:3, 13፣ 8:1) ብተወሳኺ: ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ወዲ ኣምላኽ ሒዝዎ ዘሎ ኣገዳሲ ስልጣን ኪገልጽ ከሎ: ካብ መዝሙር 110:4 ጠቒሱ: “ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን” ምዃኑ ሓበረ። ከምቲ ጥንቲ ዝነበረ መልከጼዴቅ ኣብ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ “ብዘይ ኣቦ: ብዘይ ኣደ: ብዘይ ቍጽሪ ወለዶ: መጀመርታ መዓልትታት ወይስ መወዳእታ ህይወት ዜብሉ” ዝዀነ: የሱስ እውን ነቲ መስዋእታዊ በጃኡ ንዅሎም እቶም ብተኣዛዝነት ዚግዝእዎ ንዘለኣለም ንምጥቃም ንጉስን “ንሓዋሩ ኻህን”ን እዩ። (እብ. 5:6, 10፣ 6:20፣ 7:1-21) ጳውሎስ ካብ መዝሙር 45:6, 7 ጠቒሱ: “[“ኣምላኽ ንዘለኣለም ኣለም ዝፋንካ እዩ:” NW] በትሪ መንግስትኻውን በትሪ ቕንዕና እያ: ጽድቂ ፈቶኻ ዓመጻ ኸኣ ጸላእካ: ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብኣካ” ዝበለ እውን ብዛዕባ እዚ ንጉስን ካህንን እዚ እዩ። (እብ. 1:8, 9) ጳውሎስ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እናጠቐሰ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ከም እተፈጸመ ኺሕብር ከሎ: ቃል ኣምላኽ ብሓደ ተገጣጢሙ ይበርሃልና።
26 እዛ ናብ እብራውያን እተላእከት መልእኽቲ ብንጹር ከም እትሕብሮ: ኣብርሃም ናብታ “ሰማያዊት” ዝዀነት “ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራሒኣን: መሰረት ዘለዋ ኸተማ” ይጽበ ነበረ። “ብእምነት” ነታ መንግስቲ ኣምላኽ ናፈቐ: ብ“ዚሓይሽ ትንሳኤ” ኣቢሉ በረኸት ምእንቲ ኺረክብ ድማ ዓብዪ መስዋእቲ ገበረ። ኣብርሃም ኰነ ዅሎም እቶም ጳውሎስ ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 11 “ኽንድዚ ዚአክል ደበና ምስክር” ኢሉ ዝጠቐሶም ካልኦት ናይ እምነት ሰብኡትን ኣንስትን ከመይ ዝበሉ ዜደንቑ ኣብነት ኰን እዮም ዚዀኑና! ነዚ መዝገብ እዚ ኸነንብብ ከለና: ልክዕ ከምዞም ንጽህናኦም ዝሓለዉ እሙናት ሰባት ፍሉይ መሰልን ተስፋን ከም ዘለና ስለ እንግንዘብ: ልብና ይሕጐስን ባህ ይብሎን። በዚ ኸምዚ ‘በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ብትዕግስቲ ኽንጐዪ’ ንተባባዕ።—11:8, 10, 16, 35፣ 12:1
27 ጳውሎስ ካብ ትንቢት ሃጌ ጠቒሱ: “ሓደ ጊዜ ደጊመ ንሰማይ ከም ዜንቀጥቅጥ ክገብሮ እየ እምበር: ንምድሪ ጥራይ ኣይኰንኩን” ብምባል ናብቲ ኣምላኽ ዝኣተዎ መብጽዓ ኸም እነተኵር ገበረ። (እብ. 12:26፣ ሃጌ 2:6) ይኹን እምበር: እቲ ዘርኢ ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ ዝገዛኢኣ መንግስቲ ኣምላኽ: ንዘለኣለም ክትጸንዕ እያ። “ስለዚ ንሕና ዘይተንቀጥቅጥ መንግስቲ እንቕበል ካብ ኰንናስ: ንኣምላኽ ብዜሐጕሶ ቅዱስ ምኽባርን ብፍርሃትን እናኣገልገልና ነመስግን።” እዚ ዜነቓቕሕ መዝገብ: “ክርስቶስ ንምድሓን እቶም ዚጽበይዎ ኻልኣይ ጊዜ ብዘይ ሓጢኣት ኪግለጽ” ምዃኑ የረጋግጽ። “እምብኣርስ ብእኡ ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና: ማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር: ነቕርብ።” እቲ ዓብዪ ስም የሆዋ ኣምላኽ በቲ ንሱ ዝሸሞ ንጉስን ካህንን ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ንዘለኣለም ይቀደስ!—እብ. 12:28፣ 9:28፣ 13:15
[እግረ-ጽሑፋት]
a ዘ ስቶሪ ኦቭ ዘ ባይብል: 1964: ገጽ 91።
b እንደገና ብ1981 እተሓትመ: 4ይ ጥራዝ: ገጽ 147።